”ዘይገሃድ ሕቡእ የልቦን እሞ፡ ዘይፍለጥን ናብ ግልጺ ዘይወጽእን ስዉር ከኣ የልቦን።”
“…there is nothing hidden that will not be disclosed, and nothing concealed that will not be known or brought out into the open.” (LUke 8:17)
”እምበኣርስኸ፡ ዘይቕላዕ ክዱን፡ ዘይፍለጥ ድማ ስዉር የልቦን እሞ፡ ኣይትፍርህዎም።” (ማቴዎስ 10፡26)
በቲ ዘሎኒ ኣዚዩ ጽዕቅ ዕዮ ደኣ ተደናጉየ እምበር፡ ነዛ ቪዲዮ ክሊፕ እዚኣ ሓወይ ስራክ ዘርኣይ/Sirak Zeray/ ኣብ ፌስቡክ ሼር ገይሩዋ ረኣኹዋ እሞ፡ ብምግራም ኪሰምዓ ጀመርኩ። ርግጸኛ እየ ብዙሓት ሰሚዕኩምዋ ኣለኹም። ምስ ሰማዕኩዋ ኪድቅስ ኣይከኣልኩን። ማለት ኣይከኣልኩን። ናይ ውሽጢ ድቃስ እየ ዝብል ዘለኹ። ነቲ በእዛነይ ዝሰምዖ ዘለኹ ኪሳዕ ዝጠራጠር ኰይነዶ ክብለኩም? ውሽጠይ መኺኩ! እንታይ እየ ዝሰምዕ ዘለኹ፡ እናበልኩ ኣዕለበጥኩ። እቲ ጓሂ ዳርጋ ንሓደ ሰሙን ኪብደቱ ኪቀለኒ ኣይከኣለን።
ካብኡ እተላዕለ ድማ ነታ ቪድዮ ኪትርጉማ ወሰንኩ።
ብዛሓት ነኣሽቱ ኣለኹም ኣብዚ ማእከልና፡ ብጊዜኡን ብዘይ ጊዜኡን እናመጻእኩም እትነቅፉና፡ብዙሕ ነገር ትብሉና። ገለ ገለኹም ድማ እቲ ሓቂ ካብቲ ገይጋ፡ እቲ ስርናይ ካብቲ ጻህያይ ምፍላይ ስለ ዝኣበየኩም፡ “ስለ ምንታይ ንናይ በዓል ሃይሉ ዮሃንስ ትምህርቲ ትቃወሞ? ኣነ ግና ንትምህርትኻ ይቅበሎ እየ! ንናይ ሃይሉ ዮሃንስውን ይቅበሎ እየ!” እናበልኩም ብዙሕ እተድክሙና ሰባት ኣለኹም። ነየናይ ትምህርቲ ትቅበሉን ትስዕቡን ምርጫኹም እዩ። ግናኸ ክልተ ዓይነት ሓቂ ከም ዘየለ ግና፡ እዚ ኪትልውጥዎ ዘይትኽእሉ ነገር እዩ። ሓቂ ሓንቲ ጥራይ እያ!
ወይ ንሳቶም ሓቂ ኣለዉ፡ ንሕና ድማ ተጋጊና ኣለና። ወይ ድማ ስሒቶም ንብዙሓት የስሕቱ ኣለዉ! ካብዚ ክልቲኡ ሓዲኡ እዩ! ኣይኰነን ክልተ ሓቂ የለን፡ ማእከላይ ስፍራውን የለን።
ሃይሉ ዮሃንስ ባዕሉ ናይ በዓል ኢሳቅ ውሊያም ከንዮን፣ ከነት ሃጊን፣ ከነት ኮፕላንድ ትምህርቲ ከም ዝቅበሎ፣ ከም ዝኣምኖ ብግልጺ ዝእመኖን በብጊዜኡ ዝዛረቦን ነዚ ምህሮ እዚውን ብግልጺ ኣብ ኣደባባያት ዓለም ዝምህሮ ዘሎ ጉዳይ እዩ።
ሃይሉ ዮሃንስ ብኣፉ፡ “ንሕና እግዚኣብሄር ኣይኰናን፡ ኪንከውን እውን ኣይንኽእልን፡ ኪንከውን እውን ኣይንደልን” እዩ ዝብለኩም። ግን ድማ ናይ በዓል ብራዘር ከንዮን፣ ብራዘር ኬነት፣ ብራዘር ኮፕላንድ ትምህርቲ ይቅበሎ እየ፡ ካብኦም እየ ተማሂረ ድማ ይብለኩም።
እሞ ሃየ በዓል ከነት ኮፕላንድ ብትኽክል እንታይ ይኣምኑን ይምህሩን ካብቲ ኣብ ተለቪዥናቶም በብ ጊዜኡ በጨቅ ዘብልዎ ናይ ልቦም ምልኣት እነሆ! ጐይታና የሱስ፡”ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ እያ ትዛረብ” ከም ዝበለ ማለት እዩ!
እቶም ነዛ ቪዲዮ ክሊፕ እዚኣ ዝሰርሑ ሰባት ብንጹር ገሊጸሞ ከም ዘለዉ፡ “This Video is not attacking Christians. It is warning people, of false “christian” teachers, who are just out there to get you money.” እዛ ቪዲዮ እዚኣ ንክርስትያናት ንምጥቃዕ ኣይኰነትን። እንታይ ዳኣ ካብቶም ገንዘብኩም ንምውሓጥ ዝህንደዱ ናይ ሓሶት “ክርስትያናት” መማህራን፡ ንህዝቢ ንምጥንቃቅ እዩ።
ኣነ ከኣ ነዛ ቪዲዮ እዚኣ ሼር ብምግባር ነዚ ጽሑፍ እዚ ንኽጽሕፍ ዘገደደኒ ምኽንያት ኣሎ፡ ንሱ ከኣ፡
ቀዳማይ) ብዙሓት ነኣሽቱ ክርስትያናት ኣለኹም እቲ ኣብዚ ቪዲዮ ተባሂሉ ዘሎ ንምርዳእ ዘጸግመኩም (ገለኹምውን ናይ ቛንቋ ሓጹር ዘለኩም።)
ካልኣይ) ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ክርስትና ዝጸናሕኩም፡ ክርስትያናትን ኣገልገልትን ኣለኹም፡ ግናኸ ኣብዞም “ምንቅስቃስ ቃል እምነት” ተባሂሎም ዝፍለጡ መማህራን፡ ገና ኪሳዕ ሒጂ ዋላ ሓደ ገይጋ ትምህርቲ ከም ዘየለ ኰይኑ ዝስማዕኩም። ንኣኻትኩም ነዚ ኣብዛ ቪዲዮ ኢዚኣ ጐሊሑ ተገሊጹ ዘሎ ሓቂ ብምንጽብራቅ ኪብዳሃኩም እደሊ። ብፍላይ ድማ ኣብ ትሕቲ “ሬማ” ቤተክርስትያን ዘለኹም ኣገልገልቲ ኩላህኩም፡ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ እንታይ ትብሉ?
ሓቂ ኪንዛረብ እንተዳኣ ኰይኑ፡ ንሕና እዞም ካብ ኤርትራን እትዮጵያን ወገን ዝዀና መብዛሕትና ኣመንቲ (ገዛእ ርእሰይውን ሓዊሰ ማለት እዩ)፡ ብዛዕባ እዞም ነዚ ናይ “ቃል እምነት ” ዝብል ምንቅስቃስ ዝጀመሩ መማህራን ዝምህርዎ ስዉርን ዓሚቁን ነገር፡ ግናኸኣ ገና ኣባና ዘይተገሃደ ዝነበረ፡ ሕጂ ግና በብጊዜኡ እናተገህደ፣ እናተገልጸን እናተፈልጠን ዝመጽእ ዘሎ ምህሮታቶም ምሉእ ፍልጠት ኣይነብረናን።
ሕጂ ግና ከምቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስውን ኣብ ወንጌላት ተዛሪብዎ ዘሎ እዩ ማለት እዩ፡ ስዉርን ዘይፍለጥን ዝጸነሐ ኩሉ ነገር ናብ ቃልዕን ጋህድን ዘይመጽእ የለን። ብስዉር ዝግበር ኣዎንታዊ ነገር ኰነ ኣሉታዊ ነገር ኩሉ፡ እናተቀልዐን እናተገአልጸን እዩ ዝመጽእ።
ስለዚ ብሩኻት ቅዱሳን፡ ነስተውዕል! ንመርምር! ናይ ውልቀ ሰባት ጠበቃታት ካብ ምዃን ተመሊስና፡ ነቲ ናይ ሓቂ ወንጌልን ነታ ምህሮ ሓቂን ንጣበቅ።ንሕና ኩላህና ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ክቡር ዋጋ ዝኸፈለልና ህዝቡን ጥሪቱን ኢና። ሎሚ ግና እተፈላለየ ምህሮ ይመቃቅለናን ይፈላልየናን ኣሎ። ብዚሓለፈ ዘመናን ኣብ ማእከልና ዚኣተወ እሞ ንህዝቢ ኣምላኽ ከኣ ዚመቃቀል ካልእ ምህሮታት ከይኣክል ሎሚ ካብ ካንሰር ፈሊኻ ዘይረ ኣዚዩ መርዛም ዝዀነ ጋሻ ምህሮታት ኣብ ማእከልና ይኣቱ ኣሎ።
እዚ ድሕሪ ምባል፡ ኣብዛ ፍዲዮ ጎሊሑ ተገሊጹ ዘሎ ዘስደምም ኣጋንንታዊ ትምህርቲ፡ብፍላይ ከኣ ነቶም እንግሊዝኛ እትሽገሩ ሰባት፡ ጽሟቕ ሓሳባቱ ከቅርበልኩም ኪፍትን እየ።
ኣብዛ ቪዲዮ ክልተ ጉጅለ ተዛረብቲ እዮም ዘለዉ።
እቶም ቀዳሞት ጉጅለ)=> እቶም ብትምህርቲ ስሕተት ተኸሲሶም ዘለዉ ሰበኽቲ እዮም።
እቶም መበል ካልኣይ ጉጅለ ድማ) ነቶም ነቲ ቃል ሓቂ ዝኸላኸሉ፣ዝሕልዉ፣ ዝጣበቁ/Defenders).
ኣነ ድማ ተርጓሚ ኰይነ ኣለኹ ማለት እዩ።
እምባኣር እቶም ሰብኽቲ ብዝምልከት፡ ኣብ ጎድኒ ነፍሲ ወከፍ ዘረበኦም ኣስማቶም ኪጽሕፎ እየ። ኣብ ጎድኒ ዘረባ እቲ ነቲ ቃል ሓቂ ዝጣበቅ ወይ ዝሕሉ ድማ ፡ ሓላዊ ኢለ ኪጽሕፍ እየ።
ቃል ኣምላኽውን ከምዚ ዚስዕብ ዶ ኣይይኰነን ዝብል?፡ “ጐይታየ፣ ምሕላው ቃልካ ግደይ እዩ፣ በልኩ።” (ዳዊት 119:57)
“ከይተዋረድኩ ተጋጌኹ፣ ሕጂ ግና ቓልካ እሕሉ ኣሎኹ።” (ዳዊት 119:67)
“ንምሕላው እቲ ድንኳን ምርኻብን ንምሕላው እቲ መቕደስን፡ እቶም ኣሕዋቶም ደቂ ኣሮን ነገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ዘለዎም ምሕላው ድማ ኪሕልው እዮም።” (1ይ ዜና መዋዕል 23:32)
“ምሕላው ናታቶም ነበረ እሞ፡ ኣብ ዙርያ ቤት ኣምላኽ ይሐድሩ ነበሩ። ንግሆ ንግሆ ድማ ምኽፋቱ መዞም ነበረ።” (1ይ ዜና መዋዕል 9:27)
“ንሱ ኸኣ፡ ጐይታየ፡ መዓልቲ ብመልኣ ኸየቛረጽኩ ኣብታ ግምቢ ምሕላው ደው ኢለ፡ ለይተ ለይቲውን ኣብታ መሓለዊተይ ተተኺለ ኣሎኹ፡ እንሆ ኸኣ ጭፍራ ሰብ ፈረሰኛታት፡ በብኽልተ ይመጹ ኣለው፡ ኢሉ ኸም ኣንበሳ ጨደረ። ከም ብሓድሽ ድማ፡ በቢሎንሲ ወዲቓ፡ ወዲቓ፡ ኲሉ ምስልታት ጣኦታት ኣብ ምድሪ ተሰባበረ፡ ኢሊ መለሰ።” (ኢሳይያስ 21: 8-9)
ዘረባ ናይቶም ተኸሰስትን እቲ ሓላውን ብቀጥታ ብእንግሊዝኛን ብትርጉም(ብትግሪኛን) ከቅርበልኩም እየ።
/Adam in the Garden of Eden was God manifested in the flesh /”ኣዳም እቲ ኣብ ገነት ኤደን ብስጋ እተገልጸ ኣምላኽ እዩ ነይሩ ” (ኮፕላንድ)
Who is the Biggest Failure in the Bible? God is! /”ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ዚዓበየ ክሱር፣ ጥፉሽ ወይ ፍሹል (failure) መን እዩ? ኣምላኽ እዩ!”(ኮፕላንድ)
እቲ ሓላዊ ዘቅረቦ ጥቅሲ መጽሓፍ ቅዱስ እነሆ!
“ግናኸ ነብያት ሓሶት ድማ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ተንሲኦም ነበሩ፡ ከምኡ ኸኣ ኣብ ማእከልኩም መምህራን ሓሶት ኪትንስኡ እዮም፡ ናብ ርእሶም ቅልጡፍ ጥፍኣት እናምጽኡ ድማ፡ ክሳዕ ነቲ እተሻየጦም ጐይታ እኳ ኪኽሕድዎ እዮም፡ ንሳቶም ናይ ጥፍኣት ምፍልላይ ኣስሊኾም ኬእትዉ እዮም። ብዙሓት ድማ ብርኽሰቶም ኪስዕብዎም እዮም፡ ብሰሮምውን እታ መገዲ ሓቂ ኽትጽረፍ እያ። ብስስዔ ብዘረባ ጥበራ ገይሮም፡ መናገዲ ኺገብሩኹም እዮም፡ ፍርዶም ካብ ቀደም ኣይዐርፍን ጥፍኣቶምውን ኣይድቅስን እዩ።” ( 2ጰጥሮስ 2:1-3)
“Money Cometh to Me Now!/ገንዘብብብብብብብብብብ ናባይይይይይይይይይ ምጻእ ሕጂ!”(ኮፕላንድ)
“If you put it in that bucket you gonna lose it but if you put it in my hand you gonna gain something from heaven tonight, 1000 dollar, 500 dollar, 100 dollar start coming now. I want to lay my hand on the envolop/ትርጉም=> “ነቲ ገንዘብኩም ኣብዛ ባስኬት እንተዳኣ ኣንቢርኩምዎ ክትከስርዎ ኢኹም፡ ኣብ ኢደይ እንተ ሂብኩምኒ ግና ካብ ሰማይ ገለ ነገር ክትረኽቡ ኢኹም ሎሚ ምሸት።” (በኒሂን)
“If you’re not bringing the tithe, what are you expecting? God was to bless for all of you….but you are in Jordan river….thinking a mission will do it, thinking another Bible study will do it, thinking serving the church will do it, thinking prayer will do it! But it is all about the money! Its all about the money! Show me the money! You bring the devoted things to God, you are blessed if not you are under curse.”/ ትርጉም=>ነቲ ዕሽር ዘይተምጽእዎ እንተዳኣ ኰንኩም እንታይ ትጽበዩ ኣለኹም? ኣምላኽ ኪባርኸኩም ደሊዩ ነይሩ፡ ንስኻትኩም ግና ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ኣለኹም። ሓደ ዕዮ ምሲዮን፣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ንማሕበር ምግልጋል፣ ወይ ጸሎት፡ ነቲ በረኸት ከምጽኦ እዩ ኢልኩም ከኣ ትሓስቡ! ኩሉ ብዛዕባ ገንዘብ እዩ! ኩሉ ብዛዕባ ገንዘብ እዩ! ነቲ ገንዘብ ኣርእዩኒ!በረኸት ተደሊኹ እቲ ንኣምላኽ እተወፈየ ኣምጽእዎ ኣይኰነን ኣብ ትሕቲ መርገም ኢኹም”(ED Young JR)
“I see a person vow of 5000 dollar! Father I ask you for that person who make a vow of 10,000 dollar and pay it!” / 5000 ዶላር ዝተመባጸዐ ሰብ እርኢ ኣለኹ! ዎ ኣቦ ናይ 10, 000 ዶላር ዝመባጻዕን ዝኸፍሎን ሰብ እጽሊ ኣለኹ!”(Robert Tilton)
እቲ ሓላዊ ዘቅረቦ ጥቅሲ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦
“ሐደ ግዙእ ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ ነቲ ሓደ ይፈቱ፡ ወይስ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።” (ሉቃስ 16፡13)
“እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን፡ ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ። እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ፡ ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ፡ ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ። ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንስኻ ግና ካብዚ ህደም እሞ ደድሕሪ ጽድቂ፡ ኣምልኾ፡ እምነት፡ ፍቕሪ፡ ትዕግስቲ፡ ህድኣት ሰዓብ።” (1ይ ጢሞቴዎስ 6፡9-11)
“እምብኣርሲ እቲ ኤጲስቆጶስ መንቅብ ዜብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ጥንቁቕ፡ ቀጻዕ ነፍሱ፡ ኣገባብ ዚፈልጥ፡ ተቐባል ጋሻ፡ ንምስትምሀር ብቑዕ ኪኸውን ይግባኦ። ዘይሰክር፡ ዘይዋቓዕ፡ ግናኸ ልኡም፡ ዘይብኣስ፡ ፈታው ገንዘብ ዘይኰነ።” (1ይ ጢሞቴዎስ 3፡2-3)
“ዲያቆናትውን ከምኡ፡ ነቲ ምስጢር እምነት ኣብ ንጹህ ሕሊና ሒዞም፡ ረዘንቲ፡ ሰብ ክልተ ልሳን ዘይኰኑ፡ ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ዘይድህቡ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደልዩ ኪዀኑ ይግባእ።” (1ይ ጢሞቴዎስ 3፡8)
ዘረባ እቲ ሓላውን ጥቅሲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስን፡
ናይ ኣዳም ሓጢኣት = ዕሽር ዘይምኽፋል እዩ ዝብል ገይጋ ዶክትሪን እዩ!Not tithing =Adam’s sin is false doctrine!/
Adam’s sin…..You shall not eat of it, neither shall you touch it, lest you die. /Genesis3:3/”ብዛዕባ ፍረ እታ ኣብ ማእከል ገነት ዘላ ኦም ግና ኣምላኽ፥ ከይትሞቱስ፡ ካብኣ ኣይትብልዑ ኣይትተንክይዋውን፡ በለ።” (ዘፍጥረት 3፡3)
Kennth Kopland: “Why Adam fell,” ”We know, we have studied and found out that Adam blow that blessing off over his tithe. His tithe is where he got in trouble. He ate something which is not his. It belong to God. He disobeyed God. He was in the business of eating. He stolen God/ ስለ ምንታይ ኣዳም ወዲቁ ንፈልጥ ኢና፡ ኣጽኒዕናዮን ረኺብናዮን ኢና፡ ኣዳም ብዕሽሩ ምኽንያት በረኸቱ ከም ዝሰኣነ። ጸገሙ ኣብ ዕሽሩ እዩ ነይሩ። ናቱ ዘይኰነ ገለ ነገር በሊዑ። እቲ ዝበልዖ ንኣምላኽ ዝግባእ ዝነበረ እዩ። ን ኣምላኽ ኣይተኣዘዞን። ኣብ ናይ ምብላዕ ቢዝነስ ተዋፊሩ፡ ንኣምላኽ ሰሪቅዎ!”
እቲ ሓላዊ፡ /Well, everything belongs to God! Copland falsely acuses of Adam not tithing, to steal your money!/ ጽቡቕ! እንተደሊኻ ደኣ እሞ ኩሉ ነገር እኮ ናይ ኣምላኽ እዩ! እታ ኣዳም ዝበልዓ ፍረ ጥራይ መኣስ ኰይና? ኮፕላንድ ገንዘብኩም ኪሰርቅ ስለ ዝደለየ፡ እነሆ ኣብዚ ንኣድማ ዕሽር ኣይከፈለን እናበለ ብሓሶት ይኸሶ ኣሎ።”
“There is something about Tithe; it is more than religious exercise. There is something happening here that God is very specific about;/ብዛዕባ ዕሽር ገለ ነገር ኣሎ፡ ዕሽር ካብ ሃይማኖታዊ ልምምድ ሕሊፍ ዝበለ እዩ። ኣብዚ ኣምላኽ ብፍላይ ዚሪኦ ዝዀውን ዘሎ ነገር ኣሎ፡” (ኮፕላንድ)
እቲ ሓላዊ፡ “Make Merchandize/ ንግዲኻ ኣካይድ!”
” it is something happening here that the devil deos not want taking place if he can stop it; there is something really going on here/ብሓቂ ኣብዚ ገለ ነገር ይኸውን ኣሎ፡ ሰይጣን ደው ከብሎ እንተዳኣ ክኢሉ ኪኸውን ዘይደልዮ ነገር ይኸውን ኣሎ።/
እቲ ሓላዊ፡ The devil is happy with what is happening here because he loves deception. / ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ዝኸውን ዘሎ ነገር ሰይጣን ሕጉስ እዩ፡ ምኽንያቱ ንሱ ምትላል ይፈቱ እዩ።”
Kopland speaking when Adam’s stealing happened, he say, “It didnt happen in sudnay school, it didnt happen in a church service, it did not happen when he was in rid horse or camel. It didnt happen while he was herding a flock. It happened while he was tithing!”/ኮፕላንድ፡ እቲ ስርቂ ኣዳም መዓስ ከም እተፈጸመ ኪገልጽ ከሎ፡ ከምዚ ይብል፡ “እቲ ስርቂ ኣብ ጊዜ ትምህርቲ ሰንበት ኣይኰነን፣ ኣብ ጊዜ ኣገልግሎት ማሕበር ኣይኰነን፣ ኣብ ጊዜ ምግላብ ፈረስ ኣይኰነን፣ እንስሳታት ኪጓሲ ኰሎ ኣይኰነን፣ እቲ ሰርቂ ዕሽር ኪህብ ከሎ እዩ”
እቲ ሓላዊ፡ “He saying this to make you give money to him, saying that if you don’t tithe your money to him, you are stealing from God.”/ ኮፕላንድ ከምዚ ዝብል ዘሎ ፡ ገንዘብኩም ምእንቲ ኪትህብዎ እዩ። እዚ ማለት ድማ፡ ዕሽርኩም ንእኡ እንተዳኣ ዘይህብኩምዎ፡ ካብ ኣምላኽ ትሰርቁ ኣለኹም ማለት እዩ።/
”I want to talk to you about the releationship between money and peace. But everybody say, its not about money! It is about peace! It is about joy! It is about love! It is about money! Tithe is like a key puting in into an ignition of an automobile, and you turn on for the vehicle to go. If you keep from time to time to tithe correctly, it is impossible to go to hell. Your tithe will keep you in heaven; it will keep in the presence of God.”/ብዛዕባ ኣብ መንጎ ገንዘብን ሰላምን ዘሎ ዝምድና ኪዛረበኩም ደሊየ ኣለኹ። ሎሚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ “ብዛዕባ ገንዘብ ኣይኰነን! ብዛዕባ ሰላም እዩ! ብዛዕባ ሓጎስ እዩ! ብዛዕባ ፍቅሪ እዩ!” እዩ ኪብል ዝስማዕ። ኖ! ብዛዕባ ገንዘብ እዩ! ብዛዕባ ገንዛብ እዩ! ዕሽር ናብ ሓንቲ መኪና ኣእቲኻ ነታ መኪና ንኽትከይድ ከም እተተንስኣ መፍትሕ እዩ። ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ዕሽርካ ብግቡእ እንተዳኣ ኸፊልካ፡ ናብ ሲኦል ኪትከይድ ዘይከኣል እዩ።ዕሽርካ ኣብ መንገስተ ሰማይ ከንብረካ እዩ፡ኣብ ህላውነት ኣምላኽ ከንብረካ እዩ።” (Creflo Dollar/ክረፍሎ ዶላር)
እቲ ሓላዊ፡ What!!!? So According to Creflo Dollar, it is tithing (Giving Mr Dollar the dollars!) that keeps you out of hell, not the blood of Jesus! “/እንታይ!!! እሞ ከም ዘረባ ክረፍሎ ዶላርሲ፡ ደም የሱስ ክርስቶስ ዘይኰነስ እቲ ዕሽርካ(ን ኣቶ ዶላር ዶላራትካ ምሃብ) እዩ ናብ ሲኦል ንኸይትኸይድ ዝሕልወካ ማለት እዩ!
እቲ ሓላዊ፥ “Mr Dollar also says some very evil thing that I just cannot replay or repeat, it just too evil.”/ ኣቶ ዶላር፡ ኣነ ኣብዚ መሊሰ ኪደግሞ ዘይደሊ ኣዚዩ ግዕዙይን ኣዚዩ ክፉእን ነገር ተዛሪቡ ኣሎ”
እቲ ሓላዊ፡ Now let us see the way these prosperity teachers spend most of that money they claim you’ve tithed to God. Remember, they didnt earn that money, most of its money they claim you’ve tithed to God. /እምባኣር እዞም ናይ ብልጽግና መማህራን፡ ነቲ “ንኣምላኽ ዝሃብካዮ ዕሽርካ” ዝብሉኻ መብዛሕትኡ ገንዘብካ ኣብ ምንታይ ኣብ ምንታይ ከም ዘውዕልዎ/ወይ ከኣ ከመይ ከም ዝጥቀምሉ/ ንመልከት። ኣስተውዕል፡ እዚ ገንዘብ እዚ ሰሪሖም፡ ጽዒሮም ዘምጽእዎ ገንዘብ ኣይኰነን! መብዛሕትኡ እዚ ገንዛብ እዚ እቲ “ዕሽርካ ንኣምላኽ ሃብ!” እናበሉ ካባኻ ዚኣከብዎ ገንዘብ እዩ።/
ተርጓሚ (ኣነ/=ኣሴር/፡ ነታ እዛ ክፍሊ እዚኣ ዘላታ ቪዲዮ ተኸታተልዋ! ነቲ ዝነብሩዎ ኣባይቲ፣ ዝዝውርወን መካይንን ነፈርትን ዋገአንን ተመልከትዎ!
እቲ ሓላዊ፥ Let us see how they push down God, and exalt man./ሕጂ ከኣ እዞም መማህራን እዚኣቶም፡ ን ኣምላኽ ከመይ ገይሮም ደፊኦም ከም ዘውርድዎ ወይ ከም ዘትሕትዎ፡ ንሰብ ግና ከመይ ገይሮም ልዕል ከም ዘብልዎ ንመልከት!
Mormons falsely teach that, “Adam is God!”/ሞርሞን ብጌጋ “ኣዳም ኣምላኽ እዩ!”
Brigham Young, “Adam helped to make and organize this world … He is our father and our God.” This is heresy! Mormonism is a cult!/ ብሪግሃም ያንግ እተባህለ ሰብ ከምዚ ይብል፡ “ኣዳም ንዓለም ኣብ ምግባራን ኣብ ምውዳባን ሓጊዙ እዩ።… ንሱ ኣቦናን ኣምላኽናን እዩ።” እዚ ግና ንፋቐ ወይ ከኣ መናፍቕነት እዩ! ሞርሞንነት ገይጋ እምነት እዩ!
Kennth Copeland, “Adam is god manifested in the flesh.”/ኣዳም ብስጋ እተገልጸ ኣምላኽ እዩ።”
ተርጓሚ(ኣሼር/ኣሴር)፡ ኣብ ካልእ ስፍራ ዝረኸብኩዎ፡ ምሉእ ዘረባ ኮብላንድ ብዛዕባ ኣዳም ከምዚ ይብል፡
Kenneth Copeland: “God’s reason for creating Adam was his desire to reproduce himself. I mean a reproduction of himself, and in the Garden of Eden he did just that. He was not a little like God. He was not almost like God. He was not subordinate to God even….Adam is as much like God as you could get, just the same as Jesus….Adam, in the Garden of Eden, was God manifested in the flesh.” (“Following the Faith of Abraham I,” side 1)./ኣዳም ናይ ምፍጣሩ ናይ ኣምላኽ ምኽንያት፡ ገዛእ ርእሱ (ኣምላኽ ገዛእ ርእሱ) ከባዝሕ ስለ ዝደለየ እዩ። እዚ ማለት ኣምላኽ ገዛእ ርእሱ ከባዝሕ ደልዩ! ወይ ከኣ ኣምላኽ ብዝሒት ርእሱ ደልዩ! ኣብ ገነት ኤደን ድማ ልክዕ ነዚኣ እዩ ገይሩ። ኣዳም ቑሩብ ንኣምላኽ ዝመስል ኣይኰነን ነይሩ። ዳርጋ ልክዕ ንኣምላኽ ዝመስል፡ ቑሩብ ግና ንእስ ዝብል ኣይኰነን ነይሩ። ካብ ኣምላኽ ዝንእስ ኣይኰነን ነይሩ። ኣዳም ኪትሓስብዎ ኪሳዕ እትኽእሉ ልክዕ ከም ኣምላኽ እዩ ነይሩ። ልክዕ ከም የሱስ! ኣዳም፡ ኣብ ገነት ኤደን ብስጋ እተገልጸ ኣምላኽ እዩ ነይሩ!” (ኮፕላንድ/
እቲ ሓላዊ፡
Isa. 40:25: “To whom then will you liken Me, or to whom shall I be equal?” says the Holy One.”/ክመዓራረዮስ፡ ምስ መን ከተማሳስሉኒ ኢኹም? ይብል እቲ ቅዱስ። /
Isa. 46:5: “To whom will you liken Me, and make Me equal and compare Me, that we should be alike?”/መዛኑ ኽንከውንሲ፡ ምስ መን እሞ ከተማሳስሉኒ ከተመዓራርዩንን ኢኹም?
”Are you ready for this? But God didn’t quit forming stuff out of the dust. He created all kinds of animals. But He didn’t know what they were. ‘What is that? I have idea what that is”‘/ነዚ ኪትሰምዑ ድልዋት ዲኹም?ኣምላኽ ካብ ጭቃ ነገራት ምግባሩ ኣየቛረጹ ፡ እቶም ካብ ጭቃ ዝደኰኖም እንታይ ከም ዝዀኑ ግና ኣይፈለጠን? እቲኣ እንታይ እያ? እቲኣ እንታይ ከም ዝዀነት ሕጂ ሓሳብ ረኺበ ኣለኹ!” (JESSE DUPLANTIS)/እሰይ ዱፕሊያቲስ/
እቲ ሓላዊ፡
Jesse reads one verse out of context!/ኣብዚ እሰይ ንሓንቲ ጥቅሲ ካብቲ ዓንቀጻ ወጻኢ የንብባ ኣሎ/
ዘረባኡ ብምቅጻል፡ እሰይ ከምዚ ይብል፡
፡ ”So God goes unto Adam to see, What he would call them” He did not know what it was. He just made something….He said, “What do you think that is, Adam?/ “እንታይ ከም ዚሰምየን ንምርኣይ ኣምላኽ ናብ ኣዳም ከደ። ኣምላኽ እታ ዝገብራ/ዚደኰና/ እንታይ ከም ዝዀነት ኣይፈለጠን። ሓደ ነገር ደኪኑ ጥራይ። ከምዚ ከኣ በለ፡ “ኣዳም፡ እቲኣ እንታይ ይመስለካ?”
Adam’s speaking spirit, said, “That is a horese!” “Hey, Adam!”እቲ ዚዛረብ መንፈስ ኣዳም ከኣ፡ እቲኣ ፈረስ እያ!” በለ። “ሀይ ኣዳም!”
ዘረባኡ ብምቅጻል፡ እሰይ እዚ ኣዚዩ ዘስደምም ነገር እዚ ይብል፡
”Do you know that they were not alive when He brought them?They were not alive! They were just like him, formed out of the dust of the ground, and God looked at Adam said, “Speak, spirit!” what you going call that?That is a horse! He brought them. He didnt walk them, he didnt fly them, he brought them. Hepicked them up and brought them, and he named 500,000 species, and life came into them, and he gave you creative ability, and he says “produce life!”‘/ትፈልጡ ዲኹም ኣምላኽ ኪፈጥረን ከሎ ህያዋን ከም ዘይነበራ?ህያዋን ኣይነበራን! ልክዕ ከምቲ ኣዳም ካብ ሓመድ ምድሪ ኪግበር ከሎ ዝነበሮ እየን ነይረን፡ህይወት ኣይነበረንን። ኣምላኽ ከኣ ናብ ኣዳም ብምጥማት፡ ”ኣታ መንፈስ, ተዛረብ!” በሎ! ነቲኣ እንታይ ኢልካ ኪትሰምያ ኢኻ?” መልሲ ኣዳም፦ “እቲኣ ፈረስ እያ !” ኣምጺእዎም! ኣየመላለሶምን ኣየንፈሮምን እንታይ ደኣ በብሓደ እናኣልዓለ ኣምጺእዎም፡ ብዓይነቶም 500, 000 ንዝዀኑ ህይወት ሂብዎም፡፡ ኣምላኽ ናይ ምፍጣር ብቅዓት ሂቡካ እንድዩ፡ ንሱ ከኣ “ህይወት ኣፍሪ!” ኢልዎም! (JESSE DUPLANTIS)
ተርጓሚ (ኣሼር)=> ኣቤት! ኣቤት ኣዚዩ ዘስደምም! ሓደ ካብቲ ኣዚዩ ዘስደመመኒ እዚ እዩ!
ክቡራት ኣንበብቲ፡ እሰይ ዱፕሊያንቲስ እንታይ ከም ዝበለ ኣስተውዒልኩምዶ? ኣምላኽ ነተን እንስሳታት ኩለን ምስ ፈጠረን፡ እንታይ ምዃነን ኣይፈለጠን። ህወትውን ኣይነበረንን። ናብ ኣዳም ከይዱ እዩ፡ እቲኣተን እንታይ እየን? እናበለ ሓቲትዎ። ኣዳም ድማ ን500,000 ዓይነታት እንስሳታት ኣስማት ኣውጺኡለን። እዚጥራይ ዘይኰነ፡ ኣዳም እዩ ህይወት ህይብወን እምበር፡ ኣምላኽ ኪፈጥረን ከሎ ህይወት ኣይነበረንን!” ይብል ኣሎ። ነኣብነት ፈረስ ኣምላኽ ነቲ ስጋኣ ምስ ደኰኖ፡ ቀዳማይ ኣምላኽ እንታይ ምዃና ይፈልጥ ኣይነበረን። ካልኣይ ድማ፡ ህይወት ኣይነብራን። ስለዚ ከኣ ኣምላኽ ናብ ኣዳም መጺኡ፡ “ኣዳም፡ ኣታ ትዛረብ መንፈስ! እዚኣ እንታይ እያ?” ኢሉ ሓቲትዎ! “ኣዳም ከኣ፡ እዚ ፈረስ እያ! ” ምስ በለ፡ “እታ ፈርስ ድማ ብቅጽበት በቲ ዘረባ ኣዳም ህይወት ስለ ዝ ኣተዋን እተቀበለትን፥ ሕእሕእሕእሕእሕእሕ! ዝብል ናይ ፈርስ ድምጺ ኣስሚዓ ህይው ኰይና ማለት እዩ!
ኣቤት ዘደንጹ ድፍረት ኣብ ልዕሊ ኣምላኽን ቃል ኣምላኽን! በሉ መማህራን ምንቅስቃስ እምነት መን ምዃኖምን ፡ እቲ ምሉእ መሰረት እምነቶም እንታይ ምዃኑ ተመልከቱ!
“God created the body of a deer. that deer does not have any more life in it than adam’s body did. So Adam took it, he didnt walk it, he called forth life into that animal. Because Adam was responsible for the life of all lives on this planet.” (Kennth Copeland)/ንናይ ኢራብ ስጋ ኣምላኽ እዩ ፈጢርዎ። መጀመርታ ካብ ሓምድ ምድሪ ኪፍጠር ከሎ፡ ስጋ ኣዳም ህይወት ከም ዘይነበሮ፡ ልክዕ ከም ከኣ እታ ኢራብ ህይወት ኣይነበራን። ኣዳም እምባኣር ኣየንቀሳቀሳን፡ እንታይ ደኣ ናብታ እንስሳ እቲኣ ህይወት ብምጽዋዕ፡ ኣምጺእዋ። ምኽንያቱ ኣዳም ኣብ ምድሪ ንዘለዋ ህያዋን ዘበላ ኩለን ሓላፍነት ስለ ዝነበሮ/ኬነት ኮፕላንድ/
ተርጓሚ(ኣሴር)፡ እምባኣር ኬነት ኮፕላንድ እውን እንታይ ይብል ከም ዘሎ ተመልከቱ። ልክዕ ከምቲ እሰይ ዱፕሊያንቲስ ኣብ ላዕሊ ኢልዎ ዘሎ እዩ ዝብል ዘሎ። ኢራብ ኪትፍጠር ከላ ህይወት ኣይነበራን፡ ኣዳም እዩ ህይወት ሂቡዋ እዩ ዝብል ዘሎ!
ሃይሉ ዮሃንስ ተማሃራይ ኬነት ኮፕላንድ እንተደኣ ኰይኑ፡ እምነት ሃይሉ ዮሃንስ እውን ከምዚ ምዃኑ ኪትፈልጡ ኣለኩም። ሃይሉ ዮሃንስ ጥራይውን ኣይኰነን! እዞም ኣብ መንጎና ዘለዉ እሞ እምነት ኬነት ሃጊን፡ ዶክትሪን ምንቅስቃስ እምነት ዚድግፉ ከይተረፈ ኰላይ እምበር ተሓተትቲ/ተኸሰስቲ/ እዮም በዚ ጉዳይ! ነዚ ከምዚ ዓይነት ኣጋንንታዊ ትምህርቲ ብግልጽን ምሉእ ብምሉእን ኪሳዕ ዘይኰነንዎ እዋን ማለት እዩ!
እቲ ሓላዊ: God created… every living creatures that moves” in the sea, on day five, Genesis1:20-23 and Adam was not made until day six! Also on day six, God made all the land animals before God made Adam. Genesis 1:24-27/ ንኹሉ ህይወት ዘለዎ እሞ ኣብ ኣብ ባሕሪ ዝንቀሳቀስ ኣምላኽ እዩ ፈጢሩ። ኣብ ሓሙሻይ መዓልቲ ፈጢርዎም። ኪሳዕ ሻድሻይ መዓልቲ ኣዳም ኣይተፈጥረን ነይሩ። ኣብ ሻድሻይ መዓልቲ ከኣ፡ ቅድሚ ንሰብ ምፍጣሩ ማለት እዩ፡ ንኹለን ናይ ምድሪ እንስሳታት ፈጢርወን።
So God created all living creatures before He made Adam. Adam named the ”living creatures”, not dead creatures! (Genesis 2:19-20)/ኣምላኽ ንኣዳም ቅድሚ ምፍጣሩ እዩ፡ ንኹሉ ህያው ዘበለ ፈጢርዎ።ኣዳም ንህያውን ፍጥረታት ደኣ እምበር ንምውታት ፍጥረታት ኣይኰነን ኣስማት ኣውጺኡ።
God is the only giver of life, not man! እቲ እንኮ በይኑ ወሃቢ ህይወት ኣምላኽ ደኣ እምበር ሰብ ኣይኰነን!
ተርጓሚ/ኣሼር/=> ክቡራት ኣንበብቲ፡ ባዕልኹም ነዚ ዝስዕብ ክፍሊ ብምስትውዓል ኣንብብዎ። እቲ እንኮ በይኑ ፈጣሪ ኩሉን ወሃቢ ህይወትን ኣምላኽ ጥራይ እዩ! ሰብ ህይወት ኣይህብ! ኣይፈጥር!
“ኣምላኽ ድማ፥ ማያት ህያው ነፍሲ ዘለዎ ውንጅርጅር ዚብል እንስሳ የውጽእ፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ሰማይ ከኣ ኣዕዋፍ ይንፈራ፡ በለ። ኣምላኽ ድማ ነቶም ዓበይቲ እንስሳ ባሕርን ነቲ ማያት ዘውጽኦ በብዓይነቱ ህያው ነፍሲ ዘለዎ ውንጅርጅር ዚብል ኵሉን፡ ክንፊ ዘለወን በብዓይነተን ኵለን ኣዕዋፍን ፈጠረ። ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ።ኣምላኽ ድማ፥ ፍረዩን ተባዝሑን ንማያት ባሕሪ ምልእዎ፡ ኣዕዋፍ ከኣ ኣብ ምድሪ ይብዝሓ፡ ኢሉ ባረኾም። ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነ፡ ሓምሰይቲ መዓልቲ። ኣምላኽ ድማ፥ ምድሪ ህያው ነፍሲ ዘለዎ በብዓይነቱ እንስሳን ለመምታን ኣራዊት ምድርን በብዓይነቱ ተውጽእ፡ በለ። ከምኡውን ኰነ። ኣምላኽ ከኣ ኣራዊት ምድሪ በብዓይነቱን እንስሳ በብዓይነቱን ኵሉ ለመምታ ምድሪ ኸኣ በብዓይነቱ ገበረ። ኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ።” (ዘፍጥረት 1፡20-25)
ነዚ ዚስዕብውን ተመልከተዎ!
“እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንዅሉ ኣራዊት መሮርን ንዅለን ኣዕዋፍ ሰማይን ካብ ምድሪ ገበረ። እንታይ ከም ዚሰምየን ምእንቲ ኺርኢ ኸኣ ናብ ሰብ ኣምጽኤን። ነቲ ህያው ነፍሲ ዘለዎ ዅሉ፡ እቲ ሰብ ከም ዘውጽኣሉ፡ ስሙ ንሱ ዀነ።ሰብ ድማ ንኹሉ እንስሳን ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት መሮርን ሰስሙ ሀቦ። ንሰብ ግና ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ኣይተረኸበትን።” (ዘፍጥረት2:19-20)
ህይወት ንዘይብለን እንስሳታት ኣይኰነን ኣዳም ኣስማት ኣውጺኡለን! ህይወት ንዘለወን እዩ ኣስማት ኣውጺኡ!
“ነቲ ህያው ነፍሲ ዘለዎ ዅሉ፡ እቲ ሰብ ከም ዘውጽኣሉ፡ ስሙ ንሱ ዀነ።” ንእትብል ዘላ ሓቂ ተጠንቂቅኩም ኣስተውዕልዋ! “ነቲ ህያው ነፍሲ ዘለዎ ዅሉ”!!! ኣዳም ድሮ ኣቀዲመን ህይው ነፍሲ ንዝነበረን ጥራይ እዩ ኣስማት ኣውጺኡ! መን ህይወት ዝሃበን!? ኣምላኽ ህይወት ዚሃበን! ኣምላኽ ባዕሉ ዝፈጠረንን ህይወት ዚሃበንን እምበር!
እዋይ ድፍረት! እዋይ ድርቅና! እዋይ ዓመጽ ኣብቲ ቃል ሓቂ!
በሉ ካልእ ኣዚዩ ዘስደምም ከኣ ንመልከት!
እዛ እትስዕብ ነታ ኬነት ኮፕላንድ ምስ ክረፍሎ ዶላር ኣብ ጣውላ ኮፍ ኢሎም ዚዛተዩላ ክፍሊ እያ ትገልጽ።
“Philippians chapter 2 and in Philippians chapter 2, I want you to look at verse 5, (laughs) look at this now verse 5 let this mind be in you, a better way to say that is let this attitude be in you. Let this mind, let this attitude be in you which was also in Christ Jesus so now what mind, what attitude is it that you want me to make sure that this same attitude is in me, what is this way of thinking. What is this, it’ll move me even into confidence that you want me have here. Verse 6, here it is, who being in the form of God thought it not robbery to be equal with God. Let this attitude that was in Jesus be in you. Let this way of thinking that was in Jesus be in you. Let this confidence that was in Jesus be in you. Jesus didn’t think it was robbery, he didn’t think it was a dishonor, he didn’t, he didn’t think it was, Oh you ought not think that way. No, he said, let this attitude, let this way of thinking be in you who being in the form of God thought it not robbery to be equal with God. Now if I’m to take what he said here and put it on, then my whole attitude should be, I have equality with God. That’s my way of thinking. Now somebody says, well it’s hard to think that way, well keep saying it, I have equality with God talk yourself into it, you’ve talked yourself into other things talk yourself into this attitude. Talk yourself into this way of thinking. Talk yourself into it until you build a confidence on the inside of you that I have equality with God. Now when the guy says the storm is coming over, get ready, it’s gonna blow your house down. You go out on the porch because you have this way of thinking on the inside you and you say peace be still you will not cause any destruction on this property. Let this mind be in you that was in Christ Jesus. And then he moves down on to verse 15 says why that you may be blameless and harmless the sons of God without rebuke in the midst of a crooked and perverse nation among whom you shine as lights in the world. This is God’s desire that we shine as light. He says notice, he says, we’re not going to shine as lights until we change the way we think. We’re not going to shine as lights ’til we accept our equality with God. We’re not gonna shine as lights until we stop thinking that being equal with God is a dishonor and a robbery. He says but when we take hold of this way of thinking in this crooked and perverse generation he says we will shine as lights and now we will be the reflection of God in this earth. He is light. God is light and He says now we can shine in this world like He shines and truly be a reflection of God in this earth” [Creflo Dollar, World Changers Internet broadcast, May 23, 2002]./Creflo Dollar/ “ፍሊጲ ምዕራፍ ክልተ፡ ኣብ ፍሊጲ ምዕራፍ ክልተ ንጥቅሲ ክልተ ኪትምልከታ ደልየ ኣለኹ።(ሰሓቅ ይስሕቁ ክልቲኦም) ንጥቅሲ 5 ተመልከታ። እቲ ኣብ ክርስቶስ ዝነበር ሓሳብ ኣባኹም ይሃሉ። እቲ ዚሓሸ ትርጉም፡ እቲ ኣብ ክርስቶስ ዝነበር ኣቛም ይሃልኹም። እቲ ኣብ ክርስቶስ ዝነበረ ሓሳብ፡ዝነበረ ኣቛም ይሃልኹም። እንታይ እዩ እዚ ሓሳብ/ኣቛም እዚ? እዚ ኣብ ክርስቶስ ዝነበረ እሞ ልክዕ ኣባይ ከኣ ኪህሉ ዘለዎ ሓሳብ እዚ/ኣቛም እዚ/ እንታይ እዩ፡ እዚ ኣገባብ ኣተሓሳስባ እዚ እንታይ እዩ? እቲ ምሉእ ምትእምማን ዚህበኒ ኣተሓሳስባ እዚ /ኣቛም እዚ እንታይ እዩ?
ናብቲ ኣጥቅሲ 6 ዘሎ ንኺድ!
5 እቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሃሉኹም።
6 ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ፡ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ኣይረኣዮን።
እምባኣ እዚ ኣብ ጥቅሲ 6 ዘሎ ኣብ ክርስቶስ ከኣ ዚነበረ ኣቛም ኣባኻትኩም ይሃሉ እዩ ዝብል ዘሎ። እዚ ኣብ የሱስ ዚነበረ ኣገባብ ኣተሓሳስባ ይሃልኹም። እዚ ኣብ የሱስ ዝነበረ ምትእምማን ይሃልኹም። የሱስ “ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ኣይረኣዮን።” ከም ሕስራን ኣይረኣዮን።ኦህ ከምኡ ኪትሓስብ የብልካን ንስኻውን! ኖ! ይብል ኣሎ፡ እዚ ኣቛም እዚ ኣባኻትኩም ይሃሉ! እምባኣ ነቲ ኣብዚ ዝበሃለኒ ዘሎ ከም ዘለዎ ኪወስዶን ኪገብሮን እንተዳኣ ኰይነ፡እቲ ምሉእ ኣተሓሳስባይ/ኣቛመን/ ኣነ ማዕረ ኣምላኽ ከም ዚኰንኩ ኪሓስብ ኣለኒ! እዚ እዩ እቲ ኣገባብ ኣተሓሳስባይ! ሕጂ ሓደ ሰብ ይብል ይኸውን፡ “እዚ እሞ ከቢድ እዩ ከምዚ ኪትሓስብ!”
ጽቡቕ! ኣነ ግና እብለካ ኣለኹ፡ “ንስኻ ምባልካ ብዘይ ምቁራጽ ቀጽሎ! ‘ኣነ ማዕረ ኣምላኽ እየ!’ በል! ንርስኻ ተዛረባ! ንኻልእ ነገራት እንዶ ግዳ ፡ ኣነ ከምዚ እየ እናበልካ ትዛረብ ኣይኰንካን! ነዚ ከኣ ተዛረቦ! ርእስኻ ናብዚ ዓይነት ኣቛም እዚ ኣእትዋ ብምዝራብካ! ኣብ ውሽጥካ፡ ‘ኣነ ማዕረ ኣምላኽ እየ!’ ዝብል ምትእምማን ኪሳዕ ዚፍጠር/ዚህነጽ ተዛረቦ ነዚ! ” ሓደ ሰብ መጺኡ ብርቱዕ ናይ ንፋስ ማዕበል ይመጽእ ኣሎ። ንቤትካ ከኣ ከፍርሳ እዩ፡ ምስ በለካ፡ ንስኻ ከኣ ተሲእካ፡ ኣታ ንስፋ ህዳእ! ኢልካ ብምእዛዝ ጸጥ ከም እተብሎ፡ ንንብረትካ ከኣ ካብ ዕንወት ከም እተድሕኖ ማለት እዩ፡ ከምቲ የሱስ ዝገበሮ ማዕረ ኣምላኽ ናይ ምዃን ምትእምማን ይሃልኻ!” “ቀጺሉ ድማ ጳውሎስ ናብ ጥቅሲ 15 ይኸይድ!
እሞ 15 “ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚ መንቅብ ዜብሎምን ግሩሃትን ሕፍቲ ዜብሎም ውሉድ ኣምላኽ ኴንኩም፡ ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም እትበርሁ ምእንቲ ኽትኰኑ፡” “እዚ ናይ ኣምላኽ ድሌት እዩ። ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም እንበርህ ኪንከውን! ኣተሓሳስባና ወይ ኣቛምና ኪሳዕ ዘይለወጥና እዋን ግና፡ ኣብ ዓለም ከም ብርሃናት ኪንበርህ ኣይንኽእልን ኢና። ምስ ኣምላኽ ንዘሎና ማዕረነት፡ እዚ ማለት ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃንና ኪሳዕ ዘይተቀበልናዮ እዋን፡ ኣብ ዓለም ከም ብርሃናት ኪንበርህ ኣይንኽእልን ኢና!” ‘ማዕረ ኣምላኽ ከም ዝዀንና ምሕሳብ ምምዛዕ እዩ፣ ንኣምላኽ ምሕሳር ድማ እዩ!’ ንዝብል ኣተሓሳስባ ኪሳዕ ዘየወገድናዮ እዋን፡ ኣብ ዓለም ከም ብርሃናት ኪንበርህ ኣይንኽእልን ኢና!ንሱ ይብል ኣሎ፥ ነዚ ዓይነት ኣቛም እዚ ምስ እንሕዞ፡ ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚ ከም ብርሃናት ኪንበርህ ኢና፡ ሽዕኡ ድማ ኢና ነጽብራቕ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ እንኸውን። ንሱ ብርሃን እዩ። ኣምላኽ ብርሃን እዩ፡ ንሱ ከኣ፡ ንሱ ከም ዝበርህ ኪንበርህን ነጸብራቅ ኣምላኽ ኣብዚ ዓለምዚ ኪንከውን ከም እንኽል ይብል ኣሎ፡፡/ክረፍሎ ዶላር ግንቦት 23, 2002/
እቲ ሓላዊ: ንፊሊጲ 2፡5 በቲ ዓንቀጽ ንመልከታ!
“ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩ፡ ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሐደ ኻብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርኣዮ።ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር፡ ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ ኣይጠምት።/ፊሊጲ 2፡3-4/
But let us look Philippians 2:5 in context!
”Let nothing be done through selfish ambition or conceit, but in lowliness of mind let each esteem others better than himself. 4 Let each of you look out not only for his own interests, but also for the interests of others./
The Humbled and Exalted Christ/እቲ ትሑትን ልዒሉ ዚለዓለ ክርስቶስ፡
“እቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሃሉኹም።ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ፡ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ኣይረኣዮን።መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ፡ ሰብውን መሰለ፡ ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኸበ።ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተ፡ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተኣዘዘ። ስለዚ ኸኣ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ ብስም ኢየሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽ፡ ልሳን ዘበለውን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምኻኑ ኺእመን እዩ ኣምላኽ ናብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዘበሎ፡ ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስምውን ዝሃቦ።”/ፊሊጲ2፡5-11/
Let this mind be in you which was also in Christ Jesus, 6 who, being in the form of God, did not consider it robbery to be equal with God, 7 but made Himself of no reputation, taking the form of a bondservant, and coming in the likeness of men. 8 And being found in appearance as a man, He humbled Himself and became obedient to the point of death, even the death of the cross. 9 Therefore God also has highly exalted Him and given Him the name which is above every name, 10 that at the name of Jesus every knee should bow, of those in heaven, and of those on earth, and of those under the earth, 11 and that every tongue should confess that Jesus Christ is Lord, to the glory of God the Father.”
እምባኣር ሃዋሪያ ጳውሎስ ኪንትሕት ከም ዘሎና እዩ ዝምህር ዘሎ።/so we see that the apostle Paul is saying to be humble/
ጳውሎስ፡”ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሐደ ኻብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርኣዮ” እዩ ዝብል ዘሎ።” ዋላዃ የሱስ ብስጋ እተገልጸ ኣምላኽ እንተዀነ፡ “ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ፡ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ኣይረኣዮን።ስለና ርእሱ ኣትሒቱ!
“መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ፡ ሰብውን መሰለ፡ ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኸበ።ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተ፡ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተኣዘዘ።”
“/but in lowliness of mind let each esteem other better than themselves.” And even though Jesus was God manifest in the flesh, “Who, being in the form of God, thought it not robbery to be equal with God:”
He was humble for our sake, “But made himself of no reputation, and took upon him the form of a servant, and was made in the likeness of men: 8And being found in fashion as a man, he humbled himself, and became obedient unto death, even the death of the cross.”/
ሕጂ ግና ኒ ኣቶም ዶላር ምስ ኬነት ኮፕላንድ ኣብቲ ቪዲዮ ንመልከቶም፡ ንጥቅሲ 5 ን 6ን ብምንባብ ነቲ ምሉእ ሕጥቦ ጽሑፍ ናብ ከመይ ዝበለ 15 ቃለ-ምርካስ/blaspahmy/ ከም ዝጠወይዎ ተመልከቱ!/ Now let us hear Mr Dollar, with Kennth Copeland, in the background, just read v.5 , 6 and turn the whole passage on it’s head, to blaspahmy. (ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጽሑፍ ተመልከቱዎ! )
ኣብ መወዳእታ፡
ብትኽክል ሃይሉ ዮሃንስ ኰነ እቶም ካልኦት ከምቲ ናቱ ተመሳሳሊ ትምህርቲ፡ ኣብዚ ፌስቡክ ዝምህሩ ዘለዉ ሰባት፡ ነዚ ትምህርቲ እዚ ዘይድግፎዎ እንተዳኣ ኰይኖም፡ እሞ ንምታይ ደኣ እዚ ትምህርቲ እዚ ትምህርቲ ስሕተት፣ምህሮ ኣጋንንቲ ከም ዝዀነ ብግልጺ ዘይኩንኖ! ዘይኩንንዎ!? ኣንቱም ኣብ ማእከልና ዘለኹም ናይ “ሬማ ፌዝ” ተኸተልቲ ኣገልገልትን ቁዱሳን ብምልእኩምንከ፡ ነዚ በዓል ከነት ኮፕላንድ ዝምህርዎ ዘለዉ ትምህርቲ ዘይትኣምንሉን ዘይትቅበልዎን እንተዳኣ ኰንኩም፡ እሞ ንምንታይ ደኣ እዚ ምህሮ እዚ ምህሮ ኣጋንንቲ እዩ ኢልኩም ዘይትኹንንዎን ዘይተቃልዕዎን፡ ነቲ ኣብ ትሕተኹም ዘሎ ህዝቢከ ዘይተጠንቅቅዎ!?
ኣብዚ ቪድዮ ኪሊፕ ተገሊጹ ዘሎ ብዙሕ ኣዚዩ ዘስድምምን ርኹስ ዝዀነ ነገርን ኣሎ። እቶም ኣብዚ ቪዲዮ ዘለዉ ሓለውቲ እቲ ቃል ሓቂ ከም ዝበልዎ፡ ኣነውን ንኺጠቅሶን ኪትርጉሞን ኣዚዩ ዘጽልኣኒ ድፍረት ኣብ ልዕሊ ክርስቶስን ሓቂ ኣምላኽን ተዛሪቦም ኣለዉ! ንጐይታና እንኪደልዩ ኣዚዮም የትሕትዎን የኣኣስዎን! ስለ ምንታይ ንእኡ ኣዚዮም ብምትሓት፡ ገዛእ ርእሶም ኣዚዮም ልዕል ከብሉ ስለ ዝደለዩ!
ኣቱም ንእምነትን ዶክትሪንን እዞም መማህራን እዚኣቶም ተቀቢልኩም ዘለኹም ናእሽቱ ኣሕዋትና፡ ብክርስቶስ ኰንና ንምዕደኩም ኣለና! ይሕሸኩም! ጊዘ ከለኩም ተመለሱ! ተነስሑ! ትምህርቲ እዞም ሰባት እዚኣቶም ብጀኻ ሰይጣናዊ ትዕቢትን ንሓቂ ምጥዋይን ካልእ ዋላ ሓደ ነገር ኣይውስኸልኩምን እዩ!
ቅድም ናብ ትምህርቲ ጐይታና የሱስ ምምላስ ይሕሸኩም። ብምቅጻል ናብቲ ጽሩይ ትምህርቲ ሃዋሪያት እቲ 27 መጻሕፍቲ ሓድሽ ኪዳን ምምላስ ይሕሸኩም። እዞም መምሃርና እዚኣቶም ብጀካ ስብከት ትምህርቲ የብሎምን። ዋላ ሓደ ካብዞም መማህራን እዚኣቶም እኳ ንመልእኽቲታት ሓድሽ ኪዳን ብትኽክል መቂሉ፡ ኣጺኒዑ ዝመሃረ የለን። ካብ ኬነት ሃጊን ጀሚርኩም! ስበከቶም ኰነ ትምህርቲ ኢሎም ዝምህርዎ ኩሉ፡ ኣብ ሰብ ጥራይ ዘተኰረ፡ ኣብ ናይ ሰብ ዓንኬል ጥራይ ዚዘውር፣ ንስብ ማእከል ዝገበረ፡ ማእከልነት ኣምላኽን ዘለኣለማዊ ምኽሩን ዚሰሓተ፡ ምህሮ ሓሶት እዩ!
ሓደ ምህሮ 90% ሓቂ ስለ ዘለዎ ሓቂ እዩ ማለት ኣይኰነን! ሰይጣን ንሄዋን ኣብ ዘፍጥረት 3 ዝመሃራ ትምህርቲ 75% ሓቂ ነይሩዎ እዩ! ግን ሄዎን 75% ሓቂ ዘለዎ ትምህርቲ ስለ ተቀበለት ካብ መንፈሳዊን ስጋዊን ሞት ኣምሊጣ ድያ? ያ ኣይፋላ!
ንዘፍጥረት 3 ብምልኡ ኣንብብዎ! ብሰንኪ እታ ቀላል እትመስል ገይጋ ኣዳምን ሄዋንን፡ ናብቲ ምሉእ ፍጥረት ኣምላኽ እንታይ ዓይነት መርገም ከም ዝመጸ ባዕልኹም ፍረድዎ! እዚ ሎሚ ኣብ ዓለም ዝኸውን ዘሎ መግደራ ጠንቁ፡ እታ ንእሽቶ ትመስል በደል ኣዳምን ሄዋንን እያ!
ሎሚ ምህሮ ስሕተት ኪትቅበል ከለኻ ሳዕቤኑ ኣባኻ ጥራይ ኣይኰነን ዚድረት። ኣብቲ ምሉእ ከባቢኻን ወለዶኻን ዓሌትካን ከይተረፈ ሰዕቤን ኣለዎ!
ኣሕዋተይ ናብቲ ሓቂ ክርስቶስ ምምላስ ይሕሸኩም!
ነቲ ምሉእ ሓቂ ምሕራይ ይሕሸኩም! ናብቲ ምሉእ ሓቂ ኣምላኽ ምምላስ ይሕሸኩም!
“ንሕና ንሓቂ እምበር፡ ምስ ሓቂ ዚጻረር ገለ እኳ ክንገብር ኣይከኣለናን እዩ።” (2 ቈረንቶስ 13፡8)
ኣብ ተሰሎንቄ ፍቅሪ ሓቂ ዘይብሎም ሰባት ከም ዚጠፍኡ እቲ ሃዋሪያ የጠንቅቅ!
“እቶም ዚጠፍኡስ ንምድሓኖም ዚኸውን ፍቕሪ ሓቂ ስለ ዘይተቐበሉ(2 ተሰሎንቄ 2:9-10)/They perish because they refused to love the truth and so be saved./
ነቲ ምሉእ ሓቂ ኣምላኽ ምቅባልን ምፍቓርን ምእዛዝን እዩ ምሉእ ዓስቢ ዘቅብለኩም!
“ምሉእ ዓስቢ ኽትቅበሉ እምበር፡ ነቲ ዝጸዐርናሉ ምእንቲ ኸይተጥፍእዎ፡ ርእስኹም ሐልዉ። እቲ ጐቦ ዚዘብል፡ ብምህሮ ክርስቶስውን ዘይጸንዕሲ፡ ኣምላኽ የብሉን። እቲ ኣብቲ ምህሮ ዚጸንዕ፡ ንሱ ኣቦን ወድን አለውዎ። ዝዀነ ይኹን ናባኻትኩም እንተ መጸ እሞ ነዚ ምህሮ እዚ እንተ ዘይምጽኤ፡ ኣብ ቤትኩም ኣይትቀበልዎ፡ ሰላምውን ኣይትበልዎ። እቲ ሰላም ዚብሎስ ኣብቲ እኩይ ግብሩ ሐቢርዎ እዩ።” (2ዮሃንስ1:8-11)
Comment here