Uncategorized

መግለጺ ካብ ንኹሉ ሓለፍ እትብል ራእይ ናይ ስልጠና ማእከል ምምሕዳር ክፍሊ

ሰላም ፍቁራት። እዚ ኣብ 2019 ብወግዒ ብሕጋዊ ኣገባብ ዝጀመረ ናይ ስልጠና ናይ ስነ መለኮት ቤት
ትምህርቲ፡ ተማሃሮ ብፍታዎምን ብምርጫኦም መጺኦም ከም ዝስልጥኑ፣ ትማሊ ሓውና ኣሼር ኣብ ፌስቡክ ላይቭ ወጺኡ ንጹር መግለጺ ሂቡ ነይሩ። እቶም ሽዑ ኣብ ላይቭ ዝነበርኩም፣ ነቲ ዝቐረበ ኵሉ መግለጺ፡ መልእኽቲ፡ ሓበሬታን ሰነዳትን ሪኢኹሞ ኣለኹምም።

እቲ መበገሲ ዛዕባ፣ ባዕላ ብፍታዋን ምርጫኣን ምሳና መጺኣ ኣብ 8ይ ዙር (8thÄRoundÄLevelÄ1)Äምሳና እተማሃረት ጸሃይ ሃይለ እተባህለት ኣብ ሽወደን እትነብር ሓፍቲ፣ ናብ መጎስ ንጉሰ ከይዳ፡ “ኣሼር ኣታሊሎምኒ፣ 260 ፖውንድ ኣኽፊሉኒ” ኢላ ነቲ ናይ ስልጠና ቤት ትምህርቲ ስነ መለኮትን ንዓናን ናይ ሓሶት ጠቀነን ጸለመንን (defamation)Äስለ ዝዘርገሐ እዩ። ብዛዕባዚ ድማ፡ ፍቁር ሓውና ኣሼር ትማሊ ኣብ ላይቭ መጺኡ፡ ብዝርዝራት መርተዖ እተሰነየ ንጹር መብርሂ ሂቡ ነይዩ። እቲ ትማሊ ኣብ ኣፌስቡክ እተመሓላለፈ ቭድዮ ግና፡ ፌስቡክ ንግዜኡ blockÄ ገይረሞ ኣለዉ። እቲ ምኽንያት ድማ፡ ምናልባት ነቲ ብሓወይ SamuelÄHabteÄእተዳለወ፡ ናይቲ ስልጠና ቤት ትምህርቲ ስነ መለኮት ምሕደራዊ መግለጽን ሓበሬታን፡ ኣብቲ ላይቭ ስለ ዝቀረበ፣ ፌስቡክ ድማ፡ “ብዘይ ፍቃድ ናይቲ ሰብ፡ መዝሙር፡ ስብከት፡ ወዘተ ኣብ ላይቭ ኣይተስምዕ ።” ዝብል ሕግታት ስለ ዘለዎም እዮም ዝዀኑ ኢልና ንሓስብ። ብዛዕባዚ፡ ስለ ምንታይ ነዛ ቭድዮ ደው ኣቢሎማ ንፌስቡክ ጽሒፍናሎም ኣለና።

Read more Online

Download PDF

Comment here