News

V. ኣብዛ ምስ ዳኔል ተስፋይ ዝገበርካያ ቪዲዮ፡ ‘’ሓላፍነትን፡ ብቅዓትን ደረት ሽማግሌን ኪምህር ዝኽእል ንሱ እዩ እኮ!’’ ኢልካ ኣለኻ፡ እቲ ፓስቶር እትብሎ ዘለኻ ሰብ ማለት እዩ።

ሓወይ ዑቅባስላሴ፡ ኣብዛ ምስ ዳኔል ተስፋይ ዝገበርካያ ቪዲዮ፡ ‘’ሓላፍነትን፡ ብቅዓትን ደረት ሽማግሌን ኪምህር ዝኽእል ንሱ እዩ እኮ!’’ ኢልካ ኣለኻ፡ እቲ ፓስቶር እትብሎ ዘለኻ ሰብ ማለት እዩ። እምባእ! እዚ ካብ ገለ ዘምጻእካዮ፡ ‘’ፓስቶር’’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሰብ? ዋላኳ በቲ ኣቀዲምና ዘቅረብናዮ ስነ-መጐተ እዚ ፓስቶር እትብሎ ዘለኻ ሰብን እታ ናይ ውልቁ ስፍራን፡ ድሮ ሞይቶም/Already dead/ እንተ ዀኑ፡ ከም ዘይትንስኡ ገይርና ከነዳግሞ ጽቡቕ እዩ። እዚ ሓደ ፓስቶር ሓላፍነት፣ ብቅዓትን ደረት ሽማግሌታት ይውስንን ይሸይምን ዝብል ዶክትሪን ኣብ ቸርች ሂስትሪ ዚኣተወ ዘይ ሓድሽ ኪዳናዊ ኣገባብ እዩ። ኣብቲ ምሉእ ሓድሽ ኪዳን ኣብ ዋላ ሓደ ስፍራ እኳ ሓደ ሽማግሌ ካልእ ሽማግሌ ኪሸይም ከሎ ኣይንርኢን ኢና። ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን 99% ሓዋርያትን እሙናት መተዓይይቲ እቶም ሃዋርያትን እዮም ሽማግሌታት ዝሾሙ ነይሮም። ነዘን “ብቅዓቶም ሓላፍነቶምን ደረት ኣገልግሎቶምን“ ዝበልካየን ቃላት ኪምርምረን ከሎኹ ግና፡ ነዚ “ፓስቶር“ ትብሎ ዘለኻ ሰብን ስልጣኑን ሃዋርያት ወይ ድማ ምስ ጢሞቴዎስን ቲቶስን ዘቋረንካዮ ትመስል። ምስ ሃዋርያት ማዕረ ገርካዮ ከም ዝጸናሕካ ካብቲ ናይ ጰጥሮስ ትምህርትኻ ሪኢናዮ ኢና። ግናኸ ዋላኳ ኣብ ዘረባኻ፡ ቲቶስን ጢሞቴዎስን ፓስቶራት እዮም ነይሮም ኪትብል እንተዘይሰማዕኩ፡ ብዙሓት ግና፡ ብድንቁርና ከምኡ ኢሎም ዝህሩ ስለ ዘለዉ፡ ንሱ ጥራይ ዘይኰነስ 1ይ ን & 2 ን ጢሞቴዎስን ንቲቶስን ፓስቶራል መልእኽቲ ኢሎም ዝጽውዕዎን ዝምህርዎን ብዙሓት ስለ ዘለዉ፡ ነዚ መሰረት ዘይብሉ ሃተውተው እዚ ምስዚ ኣርእስቲ እዚ ኣልጊበ ኪሃርሞ ግቡእ እዩ። በቲ ቃል ሓቂ ተዳዕሚኹ ይጥፋእ!
ንተቐመጥሉ ግጉይ ስፍራ ምእንቲ ኪጥዕሞምን መደገፊ ኪዀኖምን፡ መልእኽቲታት ጳውሎስ ናብ ጢሞቴዎስን ቲቶስን፡ ናብ ምርኡያት ወይ ኣውራታት ፓስቶራት እተጻሕፈ መልእኽትታት እዩ ኢሎም ዝምህሩ ኣለዉ። እዚ ኲሉ ግና ፈጺሙ ገይጋ እዩ። እንታይከ ዘይመሃር! አረ እንታይከ ዘይበሃል!? ቲቶስን ጢሞቴዎስን ሽማግሌታት ማሕበር ንኪሾሙ ሃዋርያዊ ውክልናዊ መዝነት/apostolic delegated authority/ ብጳውሎስ ስለ እተዋህቡ ደኣ እምበር፡ እዞም ክልተ ሰባት እዚኣቶም ባዕሎም ፓስቶራት ስለ ዝነበሩ ኣይኰኑን ቲቶስ ኣብ ቅሬጥስ፡ ጢሞዎስ ድማ ኣብ ኤፌሶን ጽንሑ ተባሂሎም። ንሳቶም ፓስቶራት ኰይኖም ካልኦት ፓስቶራት ኣይሾምን። ሃዋርያት ወይ ከኣ እዞም እሙናት መተዓይይቲ ሃዋርያት፡ ብትእዛዝ ሃዋርያትን ብሓደራን(ብውክልና)፡ ነቲ ንጹር ሃዋርያዊ መመርሒ ብግቡእ ብምኽታልን ሽማግሌታት ይሾሙ ነይሮም። እምባኣር ነዘን ዝስዕባ ክልተ ኣገደስቲ ነጥብታት ንመልከት።
ቀዳማይ) ኣብቲ ዝሓለፈ ስነ-መጐተ፡ ብዝርዝር ካብ ዝረኣናዮም ክፍልታት ሓድሽ ኪዳን፡ ካብ መንጎ እቶም ኩሉ ጊዜ ብቁጽሪ ብዙሓት ሽማግሌታት፡ ዋላ ሓደ ሰብ እኳ ኣይረኽብናን ናቶም ኣውራ፣ምርኡይ፣ በዓል ስልጣን፣ ኣቦ-ወንበር፣ኣካባቢ ዝዀነ ውልቀ-ሰብ ወይ ከኣ ፓስቶር እናተባህለ ዝጽዋዕ ሰብ!
 
ካልኣይ ኣገዳሲ ነጥቢ)=>ንናይ ሓድሽ ኪዳን መልእኽትታት ኲሎም ንመልከቶም፡፡ ካብቶም ኣብ ሓንቲ ከተማ ዘለዉ መራሕትስ ናብ ሓደ ኣውራኦም ዝዀነ፣ምርኡይ፣ ኣካቢ በዓል ስልጣን ወይ ከኣ ከም ፓስቶር ዝፍለጥ ውልቀ-ሰብ እተጻሕፈ መልኽቲ ሓድሽ ኪዳን የለን ፈጺሙ። ኣቀዲመ ከም ዝበልኩዎ፡ መልእኽቲታት ጳውሎስ ናብ ጢሞቴዎስን ቲቶስን ናብ ምርኡያት ወይ ኣውራታት ፓስቶራት እተጻሕፈ መልእኽትታት ኣይኰነን! (ነዚ ሓሳብ እዚ ደሓር ብሰፊሕ ኪንሪኦ ኢና!)
ሎሚ ግና ዘገርም ነገር እንዲኻ ተንብብን ትሰምዕን፡ ነዚ መልእኽቲታት እዚ (1ጢሞቴዎስ፣ 2ጢሞቴዎስ፣ ቲቶስን)፡ ብፍላይ ከኣ ንቀዳማይን ካልኣይን ጢሞቴዎስ፡ “ፓስትፕራል/ፓስቶራዊ/ መልእኽቲታት እዩ፡ ናብ ፓስቶራት እተጻሕፈ እዩ” ኢሎም ዝምህሩ ሰባት ብዙሓት እዮም። እዚ ከኣ ጠቅላላ ገይጋ እዩ። እቶም ከምኡ ኢሎም ዝምህሩ ሰባት ንኽልቲኦም፡ ቲቶስን ጢሞቴዎስን እቲ እተጻሕፈሎም መልእኽታትን በቲ ምሉእ ዓንቀጽ ሓድሽ ኪዳን መርሚሮም ኣጽኒዖም ዝበጽሕዎ መደምደምታ ኣይኰነን።ከም ፓፓጋሎ እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ፡ ናብቲ ድሕሪኡ ዝመጽእ ካልእ ሰብ እናተመሓላለፈ ዝመጸ ልምምድ ሰብ፡ ምህሮ ሰብ እዩ። እቲ ዝነብሩዎ ደኖሚኔሽናት ብፓስቶራዊ መሪሕነት ስለ ዝካየድ፡ ነቲ ቅርጺ መሪሕነቶም ዝድግፍ መሲልዎም እዮም ተጋጊዮም ወይ ከኣ ነቲ ቃል ጠውየሞ! እንታይከ ኽገብሩ? ካልእ መደገፊ ዝባሃል ዘይረኽቡ! ኣብ ታሪኽ ቤተክርስትያን ምስ እተጋገዩ ሰባት ወይ ከኣ ነቲ ቃል ሓቂ ምስ ዝጠወዩ፡ ጽሑፋቶምን ልምምዳቶምን ተኸቲልና ነቲ ገይገኦም ኪንደግም ፍቃድ ኣምላኽ ኣይኰነን። ነቲ ቃል ሓቂ ብትኽክል ምምቃል እተማሃርና ሰባት ኪንከውን ኣለና።
 
ስለዚ ከኣ እዘን ሰለስተ መልእኽቲታት እዚኣተን ፓስቶራል/ፓስቶራዊ/ ድየን ወይ ኣይኰነን ቅድሚ ምምላስና፡ ጢሞቴዎስ መን እዩ፣ ካበየናይ ስፍራ ጀሚሩ ንጳውሎስ ስዒብዎ፣ ኣበየናይ ስፍራታት ሓድሽ ኪዳን ተጠቒሱ ኣሎ፣ ኣብ ምንታይ ዓይነት ዕዮታት እዩከ ንብዙሕ ዓመታት ይነጥፍ ነይሩ፣ እሞ ንፓስቶርነት እተጸወዐ ሰብ ደኣ ኣብ ከምዚ ጸፍሒ ኣገልግሎት ንኽንድዚ ዚኣክል ኣዚዩ ብዙሕ ዓመታት ይጐዪ ድዩ፣ ወዘተ ንዝብሉ ሕቶታት ብግቡእ ኪንምልሶም ይግባኣና። ብዛዕባ ቲቶስ ድማ ልክዕ ከምኡ። ድሕሪ`ዚ ጥራይ ኢና፡ ናይ ጢሞቴዎስን ቲቶስን ጻዊዒት ጉስነት/ፓስቶራል/ ድዩ ነይሩ ወይስ ካልእ ብትኽክል ኪንፈልጥ እንኽእል። ድሕሪዚ ጥራይ ኢና ድማ መልእኽቲታት ጢሞቴዎስን ቲቶስን ፓስቶራል ድዩ ወይ ኣይኰነን ኪንውስን ንኽእል።
እምባኣር ጢሞቴዎስን ቲቶስን፡ ምስ ጳውሎስን ካልኦትን ኰይኖም ኣብቲ ሃዋሪያዊ ጋንታ ንነዊ ዓመታት ዚጐየዩ መተዓይይቲ እቲ ሃዋርያ እዮም። ጢሞቴዎስን ቲቶስን ፓስቶራት ኣይነበሩን። ሃዋርያዊ ውክልናን (ኣፖስቶሊክ ደሊጌት) መምርሕን ተቀቢሎም እዮም ንውሱን እዋን ንጢሞቴዎስ ኣብ ኤፌሶን፡ ንቲቶስ ድማ ኣብ ቅሬጥስ ሓዲግዎም ናብ ካልእ ስፍራ ከይዱ።
ኣብዚ ንጹር ድሕረ ባይታ ናይቲ ፍጻሜ ብትኽክል ከነንጸባርቆ ኣገዳሲ እዩ። ናይ ጳውሎስ ሃዋርያዊ ጻውዒትን ዕዮን ብፍላይ ወይ ከኣ ብወግዒ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 13 እዩ ዝጅምር። ብመሰረት መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት፡ እቲ ጳውሎስ ዝተንቀሳቐሶ ሃዋርያዊ ምንቅስቓሳት ኣብ ሰለስተ ይምደብ። ናይዚ ዘመን ልቃውንቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነዚ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ዘሎ ሰለስተ ሃዋርያዊ ምንቅስቓሳት ጳውሎስ፡ ናይ ጳውሎስ ምስዮናዊ ጒዕዞ/Missionary Journey/ ኢሎም ይጽውዕዎ።
• ቀዳማይ ምስዮናዊ ጒዕዞ ጳውሎስ =>ግብሪ ሃዋርያት 13፡4-14፡28 (ግምት ኣመተ ምህረት፡ ካብ 46-48 ኣብ ዘሎ ጊዜ)
 
• ካልኣይ ምስዮናዊ ጒዕዞ ጳውሎስ =>ግብሪ ሃዋርያት 15፡39-18፡22(ግምት ፡ ካብ 49-52 ኣብ ዘሎ ጊዜ)
 
• ሳልሳይ ምስዮናዊ ጒዕዞ ጳውሎስ =>ግብሪ ሃዋርያት18፡23-21፡17 (ግምትካብ 53-57 ኣብ ዘሎ ጊዜ)
 
ድሕሪ ግብሪ ሃዋርያት 21፡ 18 ዘሎ ክፍሊ፡ ጳውሎስ ኣብ ከተማ ዮሩሳሌም ከም እተታሕዘን እሱር ኰይኑ ድማ ናብ ሮማ ከም እተውስደ እዩ ዝትርኽ። ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 28, ጳውሎስ ንኽልተ ዓመት ኣብ ሮም ከም እተኣስረ ይገልጽ። እዚ ምዕራፍ እዚ ብኸም ዝስዕብ እዩ ዝዛዝም፦
“30 ጳውሎስ ከኣ ኣብታ እተኻረያ ቤት ክልተ ዓመት ምሉእ ተቐመጠ፡ ነቶም ናብኡ ዝመጹ ዂሎምውን ይቕበሎም ነበረ። 31 ከይተኸልከለ ኸኣ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ትብዓት እናሰበኸ፡ ብዛዕባ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይምህር ነበረ።“
ኣብዚ ክፍሊ እዚ ብንጹር ከም እንሪኦ፡ እዚ ናይ መጀመርታ ናይ ጳውሎስ ማእሰርቲ ኣብ ሮማ፡ ቅልል ዝበለ ከም ዝነበረ ንግንዘብ። ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት ማእሰርቲ ንበይኑ ቤት ንኺካረን ነቶም ናብኡ ዝመጹ ኲሎም ድማ ወንጌል ብነጻነትን ከይተኸልከልን ይሰብኽ ከም ዝነበረ ንምልከት። እዚ ጳውሎስ ዝረኸቦ ዓይነት ነጻነት እዚ፡ ኣምላኽ ብልዕላውነቱ ንምስፋሕ ወንጌል ወዱ ዝገበሮ ኰይኑ፡ ምስቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 27 እተፈጸመ ተኣምራታዊ ምድሓን ኣምላኽ ኣብቲ ናይ ሞት ባሕሪ ዝተኣሰር እዩ።
“ኣብ ሮሜ ምስ ኣቶና ኸኣ፡ እቲ ሓለቓ ሚእቲ ነቶም እሱራት ንሓለቓ ሰራዊት ኣሕሊፉ ሃቦም፡ ጳውሎስ ግና ምስ ሓደ ዚሕልዎ ዓቀይታይ ንበይኑ ኪቕመጥ ተፈቕደሉ።“ (ግብ28፡16)
=> ጳውሎስ እዚ ፍሉይ ሓለፋ ምርካቡ ምስቲ ቅድሚኡ ዘሎ ምዕራፍ ዚተኣሳሰር እዩ ማለት እዩ።
እዚ ቅልል ዝበለ ቀዳማይ ማእሰርቲ ጳውሎስ ኣብ ሮማ፡ ኣብቶም ካብዚ ቤት ማእሰርቲ እዚ እተጻሕፉ መልእኽቲታቱ እውን ተንጸባሪቁ ኣሎ። መልእኽቲ ኤፌሶን፣ መልእኽቲ ፊሊጲ፣ መልእኽቲ ቆሎሴ፣ መልእኽቲ ፊልሞን ኣርባዕቲኦም፡ ጳውሎስ ኣብዛ ቀዳመይቲ ጊዜ ናይ ሮማ ቤት ማእሰርቱ ዝጸሓፎም መልእኽቲታት እዮም። እዚ ቀዳማይ ማእሰርቲ ኣብ ሮማ ዝብል ሓሳብ፡ ካልኣይ ማእሰርቲ ጳውሎስ ኣብ ሮማ ከም ዘሎ የነጽረልና። ነዚ ካብ እነረጋግጸሎም ዘይጠራጥሩ መርተዖታት ሓደ፡ ነቲ ንኻልኣይ ጊዜ ኣብ ሮማ ድሕሪ ምእሳሩ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ምስቶም ኣብቲ ቀዳማይ ጊዜ ማእሰርቱ ዝጸሓፎም መልእኽቲታት ምንጽጻር እዩ። ነኣብነት፦
ኣብ መልእኽቲ ፊሊጲ ምዕራፍ ሓደ፡ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ኣሎ፡ “ብመቐውሔይ ኰነ ብናይ ወንጌል ምምጽራይን ምጽናዕን ኵላትኩም ብጸጋ መማቕልተይ ስለ ዝዀንኩም፡ ኣብ ልበይ ስለ ዘሎኹም፡ ምእንቲ ዅላትኩም እዚ ኽሐስብ ቅኑዕ እዩ።“ (1፡7)
“12 ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ እቲ ዝበጽሓኒ መከራ ንምስፋሕ ወንጌል ኣዝዩ ኸም ዝጠቐመ፡ ክትፈልጡ እደሊ አሎኹ። 13 እቲ ማእሰርተይ ብክርስቶስ ምዃኑ ኣብ ብዘሎ ሰፈር ዘብዔኛታትን ኣብ ኵላቶም ካልኦትን ተገልጸ። 14 ዚበዝሑ ኻብቶም ኣሕዋት ድማ በቲ ማእሰርተይ ኣብ ጐይታ ጸኒዖም፡ ብዘይ ፍርሃት ቃል ኣምላኽ ንምንጋር ኣዝዮም ደፈሩ።
15 ገሊኦም ብቕንእን ባእስን፡ ገሊኦም ግና ብጽቡቕ ፍቓድ ንክርስቶስ ይሰብክዎ አለዉ።
16 እቶም ሓደ ወገን ንጥብቅነት ወንጌል ከም እተመደብኩ ፈሊጦም ብፍቕሪ ይሰብኩ፡
17 እቶም ሓደ ወገን ግና ኣብ ርእሲ ማእሰርተይ ጸበባ ኬምጹኡለይ ሐሲቦም፡ ብቕንዕና ዘኰነስ፡ ብሻራ ንክርስቶስ ይሰብክዎ አለዉ። 18 እንታይ ደኣ እዩ ፧ እንተ ብምኽንያት እንተ ብሓቂ፡ ብዝዀነ ዀይኑስ ክርስቶስ ይስበኽ አሎ እሞ፡ በዚ እሕጐስ አሎኹ ኽሕጐስውን እየ። 19 እዚ ድማ ብጸሎትኩምን ብደገፍ መንፈስ የሱስ ክርስቶስን ንምድሓነይ ከም ዚኸውን፡ እፈልጥ አሎኹ።20-21 ንኣይ ህይወተይ ክርስቶስ እዩ፡ ሙማተይውን ረብሓይ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሃረርታይን ተስፋይን ብገለ ኸይሐፍር፡ ከምቲ ዅሉ ሳዕ ሕጂውን ብትብዓት ደኣ፡ ብህይወት እንተ ዀይኑ ወይስ ብሞት፡ ክርስቶስ ብስጋይ ኪኸብር እዩ። 22 እቲ ብስጋ ምንባረይ፡ እዚ ፍረ ዕዮይ እንተ ዀይኑ፡ ኣየናይ ከም ዝሐሪ፡ ኣይፈልጥን እየ። 23 በዘን ክልተ እዚኣተን እጭነቕ አሎኹ፡ ንኣይ ኣዝዩ ዚሐይሽ እዩ እሞ፡ ክፋኖ ምስ ክርስቶስውን ክነብር ሃረርታ አሎኒ። 24 ግናኸ እቲ ብስጋ ምጽናሕ ምእንታኻትኩም ኣዝዩ ዜድሊ እዩ። 25-26 ከም ብሓድሽ ናባኻትኩም ብምምላሰይ እቲ ትምክሕትኩም ብክርስቶስ የሱስ ኣባይ ምእንቲ ኺዓዝዝ፡ እዚ ድማ ንናይ እምነትኩም ምዕባይን ሓጐስን ከም ዝጸንሕ ተረዲኤ፡ ምስ ኵላትኩም ከኣ ከም ዝነብር፡ እፈልጥ አሎኹ።“(1፡12-26)
 
 ኣብዚ ጳውሎስ ብዛዕባ መቐውሑ ይዛረብ ኣሎ።
 እዚ ማእሰርቲ እዚ ግና ንምስፋሕ ወንጌል ኣዚዩ ከም ዝጠቀመ ካብ ጥቕሲ 12 ጀሚሩ ይገልጽ። ቀጺሉ፡ “14 ዚበዝሑ ኻብቶም ኣሕዋት ድማ በቲ ማእሰርተይ ኣብ ጐይታ ጸኒዖም፡ ብዘይ ፍርሃት ቃል ኣምላኽ ንምንጋር ኣዝዮም ደፈሩ።“ ይብል።
 
 ካልእ ጳውሎስ ካብዚ ማእሰርቲ እዚ ከም ዝፍታሕ እሞ፡ ነዞም ሰብ ፊሊጲ ከም ዝሪኦም፡ ምሰኦም እውን ከም ዝነብር ይገልጽ። “25-26 ከም ብሓድሽ ናባኻትኩም ብምምላሰይ እቲ ትምክሕትኩም ብክርስቶስ የሱስ ኣባይ ምእንቲ ኺዓዝዝ፡ እዚ ድማ ንናይ እምነትኩም ምዕባይን ሓጐስን ከም ዝጸንሕ ተረዲኤ፡ ምስ ኵላትኩም ከኣ ከም ዝነብር፡ እፈልጥ አሎኹ።“
ነዚ ዘረባ እዚ፡ ምስቲ ጳውሎስ ኣብቲ መበል ካልኣይ ጊዜ ማእሰርቱ ኣብ ሮማ ኰይኑ ዝጸሓፋ መልእኽቱ (2ጢሞቴዎስ) ነነጻጽሮ።
 
 “8 ደጊም ብሓይሊ ኣምላኽ ምእንቲ ወንጌል ምሳይ መከራ ጽገብ እምበር፡ ብምስክር ጐይታና ወይስ ብኣይ ብእሱር ኣይትሕፈር።“ (2ጢሞ1፡8)
 
 => እዚ ጥቕሲ እዚ ጳውሎስ ተኣሲሩ ከም ዘሎ ይገልጽ። ንጥቕሲ 11-12 እውን ነንብቦ።
 
 “15 እቶም ኣብ እስያ ዘለዉ ዅላቶም፡ ካባታቶም ከኣ ፍጌሎስን ህርሞጌኔስን፡ ከም ዝኸድዑኒ፡ እዚ ትፈልጥ አሎኻ። 16-17 ኦኔሲፎሮስ ናብ ሮሜ መጺኡ፡ ኣዝዩ ደለየንን ረኸበንን፡ ብዙሕ ሳዕ ኣፈሽሒዉለይ፡ በቲ መቝሔይውን ኣይሐፈረን እሞ፡ እግዚኣብሄር ንቤቱ ምሕረት ይሃብ።18 በታ መዓልቲ እቲኣ ምሕረት ካብ ጐይታ ኺረክብ፡ እግዚኣብሄር ይሃቦ። ኣብ ኤፌሶን ክንደይ ከም ዘገልገለኒውን፡ ካባይ ዚበልጽ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።“ (2ጢሞ1፡15-18)
 
 
ኣብ እዋን እዚ ማእሰርቲ እዚ=> ከምቲ ኣብ ፊሊጲ1፡14 ኢልዎ ዘሎ፡ ዝበዝሑ ካብቶም ኣሕዋት ብጐይታ ዝጸንዕሉን ዝተብዕሉን ዘይኰነስ፡ ኣብ ኤስያ ዘለዉ ኲላቶም ንጳውሎስ ዚኸድዕሉ እዋን እዩ። ካብቶም ዝኸድዕዎ ፍሉጣን ሰባት ኣብዚ ኣስማቶም ዝጠቐሶም ክልተ ሰባት፡ “ፍጌሎስን ህርሞጌኔስን“ እዮም። ኦኔሲፎሮስ እተባህለ ሓው ግና “ናብ ሮሜ መጺኡ፡“ ንጳውሎስ ኣዝዩ ከም ዝደለዮ ከም ዝረኸቦውን፡ ብዙሕ ሳዕ እውን ከም ዘጸናንዖ፡ በቲ መቝሕ ጳውሎስ እንውን ከም ዘይሓፈረ ብንጹር ይዛረብ።
ኣብዚ ብጣዕሚ ንጹር ዝዀነ ሓቂ ኣሎ=>
ቀዳማይ እዚ ማእሰርቲ እዚ ኣብ ሮማ እዩ(2ጢሞ1፡16-17)። እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 28 ዘሎ ማእሰርቲ እውን ኣብ ሮማ እዩ። እዚ ማእስረቲ እዚ ግና ኣዚዩ ከቢድ እዩ። ኣብቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ዘሎ ማእሰርቲ፡ ጳውሎስ ናይ ገዛእ ርእሱ ቤት ተኻርዩ ይነብር ስለ ዝነበረ፡ ሰብ ብቐሊሉ እዩ ዝረኽቦ። እቲ ዝነብሮ ቦታ ፍሉጥ እዩ። እዛ ኣብዚ ኣብ 2ጢሞቴዎስ ተገሊጻ ዘላ፡ ናይ ጳውሎስ ማእሰርቲ ኣብ ሮማ ግና፡ ብዓይነታ ከባድ ስለ ዝዀነት፡ ብቐሊሉ ተደልዩ ኪርከበሉ ኣብ ዝኽእል ስፍራ ኣይነበረን።
ኣብቲ ቀዳማይ ማእሰርቲ ጳውሎስ ኣብ ሮማ፡ ብዙሓት ብእምነት ዝጸንዕሉን ዝተብዕሉን እዩ ነይሩ። ኣብዚ ካልኣይ ማእሰርቲ ግና፡ ጳውሎስ ብብዙሓት እተኸድዓሉ ማእሰርቲ እዩ ነይሩ።
ካልእ እቲ ዚዓበየን ሰብ ንምምጓት ኣፉ ኪኸፍተሉ ዘይክእል ሓቅን መርተዓን፡ ጢሞቴዎስ ባዕሉ እዩ። ኣብቲ ቀዳማይ ማእሰርቲ ጳውሎስ ኣብ ሮማ፡ ጢሞቴዎስ ምስ ጳውሎስ ኣብ ሮማ እዩ ነይሩ።
“1 ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ባሮት የሱስ ክርስቶስ ናብቶም ኣብ ፊልጲ ብክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ዅላቶም ቅዱሳን፡ ምስ ኤጲስቆጶሳትን ዲያቆናትን፡ 2 ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን።“ (ፊሊጲ1፡1-2)
“19-20 ብናይ ህልዋትኩም ከምታ ነፍሰይ ሐሲቡ ብንጹህ ልቢ ዚሐሊ ሓደ እኳ የብለይን እሞ፡ ኣነ ብዛዕባኻትኩም ፈሊጠ ምእንቲ ባህ ኪብለኒ፡ ቀልጢፈ ንጢሞቴዎስ ክልእከልኩም፡ ብጐይታና የሱስ ተስፋ እገብር አሎኹ። 21 ኵላቶም ነናይ ርእሶም እዮም ዚደልዩ፡ ነቲ ናይ የሱስ ክርስቶስ ኣይኰነን። 22 ግናኸ ውሉድ ነቦኡ ኸም ዜገልግል፡ ንሱውን ምሳይ ንወንጌል ብምግልጋሉ ፍቱን ምዃኑ ትፈልጡ ኢኹም። 23 እምብኣርሲ ኣባይ ከመይ ከም ዚኸውን ምስ ርኤኹ፡ ቀልጢፈ ንእኡ ኸሰደልኩም ተስፋ እገብር አሎኹ። 24 ኣነ ባዕለይውን ቀልጢፈ ኸም ዝመጽእ፡ ብጐይታ እእመን አሎኹ።“(ፊሊጲ2፡19-23)
 እምባኣር ኣብዚ እዋን እዚ ጢሞቴዎስ ምስ ጳውሎስ እዩ ዘሎ። ኣብቲ መእተዊ እቲ መልእኽቲ እውን ከም ብጻይ ለኣኺ (Co-sender) ኰይኑ ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ኣብ ቆሎሴ1፡1 ን ኣብ ፊልሞን 1፡1 እውን ኣሎ።
 
 እዛ ካልኣይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ጢሞቴዎስ ግና ካብ ጳውሎስ (ካብ ቤት ማእሰርቲ ሮማ) ናብ ጢሞቴዎስ ናብ ከተማ ኤፌሶን እተላእከት መልእኽቲ እያ።
 
 ካልእ ኣብቲ ቀዳማይ ማእሰርቱ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝወጽእ ንሰብ ፊሊጲ እውን ከም ዚሪኦም እዩ ዝገልጽ(ፊሊጲ2፡19-23)። ኣብዚኣ ግና ጳውሎስ ጒያኡ ከም ዝወደአ እዩ ብንጹር ዝዛረብ።
 
“6 ኣነስ ካብ ሕጂ እስዋእ አሎኹ፡ እታ መዓልቲ ምስንባተይውን በጺሓ እያ እሞ፡ 7 ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ እቲ ጕያ ወዲኤ፡ ነታ እምነት ሐልየ። 8 ደጊምሲ ጐይታይ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ፈራዲ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ዚህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ አሎ። እዚ ግና ነቶም ምግሃዱ ዜፍቅሩ ዅላቶም ድማ እዩ እምበር፡ ንኣይ ጥራይ ኣይኰነን።“ (2ጢሞ4፡6-8)
እዚ ዂሉ ናብ ምንታይ የምጽኣና?
እወ ቀዳማይ) ጳውሎስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሮማ ኣብ ክልተ እተፈላለዩ እዋናት ከም እተኣስረ፣ እቲ ቀዳማይ ማእሰርቱ ቀሊልን ብዙሕ ነጻነት ዘለዎን ከም ዝነበረ፣ እቲ ካልኣይ ማእሰርቱ ግና ኣዚዩ ከቢድን እንደገና ናይ ምውጻእ ዕድል ከም ዘይነብሮ። እሞ ጳውሎስ ሲ ካብቲ ቀዳማይ ማእሰርቲ ሮማ ተፈቲሑ ወጺኡ ነይሩ እዩ። እዚ ከኣ ናብታ ቀጺላ ዘላ ኣገዳሲት ሓሳብ ይመርሓና፡ ንሱ ከኣ፡ ጳውሎስ ካብዚ ማእሰርቲ እዚ ምስ ተፈተሐ ናበየናይ ቦታታት ተጓዒዙ? ነዚ ሓሳብ እዚ “ራባዓይ ናይ ጳውሎስ ምስዮናዊ ጒዕዞ“ ብዝብል ንእሱ ኣርእስቲ ቀጺልና ኪንምልከቶ ኢና።
“ራባዓይ ናይ ጳውሎስ ምስዮናዊ ጒዕዞ“=> እምባኣር ጳውሎስ ብጀካ እቲ ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ተሰኒዱ ዘሎ ሰለስተ ምስዮናዊ ጒዕዞታት፡ ራባዓይ ምስዮናዊ ጒዕዞ ገይሩ እዩ። ነዚ ናይ ጳውሎስ ራባዓይ ምስዮናዊ ጒዕዞ ግና ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ዘይኰነስ ኣብ መልእኽቲታት ኢና እንረኽቦ። ከም ተወሳኺ እቲ ኣብ ላዕሊ ዘቅረብናዮ ግልጺ ዝዀነ ንጽጽር ክልተ ዓይነት ማእሰርቲ ጳውሎስ ኣብ ሮማ፡ ጳውሎስ እዚ ራባዓይ ምስዮናዊ ጒዕዞ ከም ዝገበረ እኹል መጽሓፍ ቅዱሳዊ መረጻጊጻት ኣለዉና። እዚ ራባዓይ ናይ ጳውሎስ ምስዮናዊ ጉዕዞ፡ ነቲ ኣብ መንጎ እቲ ምፍታሕ ጳውሎስ ካብቲ ቀዳማይ ቤት ማእሰርቲ ሮማ ኪሳዕ እቲ ንካልኣይ ጊዜ ምእሳር ጳውሎስ ኣብ ሮማ ንዘሎ ሃዋርያዊ/ምስዮናዊ/ ምንቅስቓስ ጳውሎስ እዩ ዘመልከት።
መስርዕ ብዝሓዘ መገዲ ከነቅርቦ እንተ ተደልዩ፦
ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ቄሳር ከም ዝቀርብ ብጐታ ተነጊርዎ ነይሩ እዩ።
 
=> “በዛ ለይቲ እዚኣ እቲ መልኣኽ ናይቲ ኣነ ዝናቱን ዘገልግሎን ኣምላኸይ ኣብ ጥቓይ ደው ኢሉ፡ ጳውሎስ፡ ኣብ ቅድሚ ቄሳር ደው ክትብል ኢኻ። እንሆ፡ ነቶም ምሳኻ ዚሳገሩ ዂላቶምውን ኣምላኽ ሂቡካ ኣሎ፡ ኣይትፍራህ፡ በለኒ።“ (ግብሪ ሃዋርያት 27፡23-24)። ጐይታ እንታይ እዩ ዝብሎ ዘሎ ንጳውሎስ፡ በዚ ማዕበል እዚ ኣይትመውትን ኢኻ፡ “ኣብ ቅድሚ ቄሳር ደው ክትብል ኢኻ።“ ስለዚ ኣብ መወዳእታ እቲ ናይ ክልተ ዓመት ማእሰርቲ ሮማ፡ ጳውሎስ ናብ ቄሳር ቀሪቡ ኣሎ፡ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ከኣ ተፈቲሑ ኣሎ ማለት እዩ። ጳውሎስ እዚ ናይ ምፍታሕ ተስፋታት እዚ ከም ዝነበሮ ኣብ ፊሊጲ 1፡19-26 ኣቀዲምና ገሊጽናዮ ኣለና። ኣብ መልእኽቲ ፊልሞን እውን እዚ ሓሳብ እዚ ተገሊጹ ኣሎ። “ምስናይ እዚውን ብጸሎትኩም ኣነ ኽውሃበኩም ተስፋ እገብር አሎኹ እሞ፡ ስፍራ ሐዘለይ።“ (ፊልሞን1፡22)
 
እምባኣር ጳውሎስ ካብቲ ቀዳማይ ማእሰርቲ ሮማ ምስ ተፈትሐ ኣበየኖት ቦታታት ከይዱ?
 ቀዳማይ=> ቅሬጥስ ናብ እተባህለት ደሴት ከይዱ። እዛ ደሴት እዚኣ ብስፍሓታ ካብተን ናይ ሜድትራንያን ደሴታት መበል ራባዓይ እትስራዕ እያ። ኣብቲ ሽዑ እዋን 100 ዝዀና ከተማታት ከም ዝነበራኣ ናይ ታሪኽ ሰባት ይዛረቡ። እዛ ደሴት እዚኣ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 27 ተተቒሳ ኣላ።
 
 “7 ብዙሕ መዓልቲ ገፈፍ እናበልና ኸድና፡ ብጭንቂ ድማ ኣብ መንጽር ክኒዶስ በጻሕና። ናብኣ ኸይንቐርብ ንፋስ እንተ ኸልከለና ኸኣ፡ ብትሕቲ ቅሬጥስ ብመንጽር ሰልሞና ሐለፍና። 8 ብተጋድሎ ብጎቦኣ ምስ ሐለፍና ኸኣ፡ ጽቡቕ ወደብ ናብ እትብሀል ስፍራ መጻእና፡ ካብኣ ንኸተማ ላስያ ቐረባ እዩ። 9-10 በዚ ኸምዚ ብዙሕ ወርሓት ምስ ሐለፈ፡ ጊዜ ጾም ድሮ ሐሊፉ ስለ ዝነበረ፡ ምኻድ መራኽብ ዜፍርህ ስለ ዝዀነ፡ ጳውሎስ፡ ኣቱም ሰብ፡ ንነፍስና ድማ እምበር፡ ንጽዕነትን ንመርከብን ጥራይ እኳ ዘይኰነስ፡ መገድና ብጭንቅን ብብዙሕ ጒድኣትን ከም ዚኸውን እርኢ አሎኹ፡ ኢሉ መዐዶም። 11 እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና ካብቲ ጳውሎስ ዚብሎ ዘረባ ነቲ መራሕ መርከብን ነቲ ዋናኣን ኣዝዩ ይኣምን ነበረ። 12 እቲ ወደብ ንምኽራም ዘይጥዕሞም ስለ ዝዀነ፡ እቶም ዚበዝሑ ኻብኡ ኺነቕሉ እሞ ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ናብ ፍንቄ፡ ንሱ ኸኣ ናብ ሊባን ናብ ባሕሪ ገጹ ዚርኢ ናይ ቅሬጥስ ወደብ ኣትዮም ኪኸርሙ መኸሩ። 13 ህዱእ ንፋስ ደቡብ ምስ ነፈሰ ኸኣ፡ ከም ሓሳቦም ዝዀነሎም መሲልዎምሲ፡ መልህቅ ኣልዒሎም ብጸግዒ ቅሬጥስ ሐለፉ።“
 
 ጳውሎስ በናይ መገዲ ኣቢሉ ናብዛ ደሴት ኣትዩ ርግጽ ኰይና ኪንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና። ካብ ሮም ምስ ወጸ ናብ ስፔን ከም ዝኸደ፡ ብስፔን ኣቢሉ ድማ ናብዛ ደሴ ከም ዝኣተወ ብዙሓት ይዛረቡ።
 
 ኣብ ብዙሓት ከተማታት እዛ ደሴት እዚኣ፡ ማሕበራት ኣምላኽ ከም ዝነበራ ቲቶስ 1፡5 ብንጹር ይነግረና። “ ` ከምቲ ኣነ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ ዝተረፈ ምእንቲ ኽትሰርዕ፡ ኣብ ከከተማኡውን ሽማግሌታት ክትሸይም፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣብ ቅሬጥስ ዝሐደግኩኻ፡“
 
 ኣብዚ “ኣብ ከከተማኡውን ሽማግሌታት ክትሸይም፡“ ዝብል ሓሳብ ኣሎና። ሽማግሌታት ኲሉ ሳዕ ኣብ መማሕበሩ እዮም ዝሽየሙ። “ኣብ መማሕበሩ ሽማግሌታት ምስ ሐረዩሎም ድማ፡ ብጾምን ብጸሎትን ናብቲ ብእኡ ዝኣመኑ ጐይታ ኣማዕቈብዎም“ (ግብ14፡23)
 
 በሉ ተመልከቱ፡ ኣብ ቲቶስ ““ኣብ ከከተማኡውን ሽማግሌታት ክትሸይም፡“ ይብል። ኣብ ግብሪ ሃዋዋርያት 14፡23 ግና፡ “ኣብ መማሕበሩ ሽማግሌታት ምስ ሐረዩሎም ድማ፡“ ይብል። እዚ ናይታ ማሕበር መዕቀኒ፡ ዶብ ወይ ከኣ ደረት ከተማ ከም ዝዀነ ብንጹር ይነግረና። ኣብ ሓንቲ ከተማ ሓንቲ ማሕበር ጥራይ ኪትህሉ እዩ እቲ ኣምላኻዊ ምግላጽን ፍጹም ፍቓድ ኣምላኽን። ካብኡ ወጻኢ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምምቅቓልን ዓብዪ ሓጢኣትን ዓመጽእን እዩ። እዚ ኣብ ቲቶስ 1፡5=> ““ኣብ ከከተማኡውን ሽማግሌታት ክትሸይም፡“ ዝብል ዘሎ ሓረግ፡ ወይ ኣብ ኲለን እተን ከተማታት፡ እንተ ዘይኰነ ግና ኣብ ብዙሓት ከተማታት እታ ደሴት (ቅሬጥስ) ማሕበራት ኣምላኽ ከም ዝነበራ ብንጹር ይነግረና።
 
 እዘን ማሕበራት እዚኣተን ድሕሪ ማእሰርቲ ጳውሎስ እተተኽላ ድየን ወይስ ቅድሚኡ ነይረን እንፈልጦ ነገር የለን። እቲ ዝያዳ ዝወሃቦ ሓሳብ፡ ጳውሎስ ድሕሪ ማእሰርቱ ምስቶም መተዓይይቱ ዀይኑ ዝተኸለን ማሕበራት እየን ዝብል እዩ። ኣብ ላዕሊ ከም ዝጠቐስናዮ፡ ቅሬጥስ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት27 ተጠቒሳ ኣላ። ኣመንቲ ነይሮማ ድዮም ወይስ ኣይነበሩዋን ግና ኣይንፈልጥን።
 
 ጳውሎስ ምስቶም እሙናት መተዓይይቱ ኰይኑ ናብዛ ደሴት እዚኣ ምስ ከደ ግና፡ቀዳማይ) ኣብ ብዙሓት ከተማታት ማሕበራት ከም ዝነበራ፣ ካልኣይ ድማ) ነዘን ማሕበራት ዚጓስይወንን ዝሕልውወን ብቁዓት ሽማግሌታት ኣብ ከከተማኡ ኪሸይም ጀሚሩ። ምስቲ ዕዮ ስፍሓትን ምስቲ ጳውሎስ ድማ ናብ ካልኦት ከባቢታት ከም እንደገና ናይ ምብጻሕ ዝነበሮ ዓብዪ ጾርን ግና፡ ነቲ ዝጀመሮ ሃዋርያዊ ዕዮ፡ ቲቶስ ንኺቅጽሎ፡ ንቲቶስ ኣብ ቅሬጥስ ሓዲግዎ ከይዱ። እምባኣር ቲቶስ ከም ናይ ጳውሎስ ሃዋርያዊ ወኪል ኰይኑ ነቲ ናይ ጳውሎስ ሃዋርያዊ ተራ ንኪጻወት ወይ ከኣ ሃዋርያዊ ዕዮ ኣብ ቅሬጥስ ንኪዓዪ /Apostolic representative, delegated to carry out Paul’s apostolic role) እዩ ጳውሎስ ኣብዛ ደሴት ሓዲግዎ።
 
 ካልእ፡ ጳውሎስ ድሕሪ ናይ ሮማ ማእሰርቱ ካብ ዝበጽሐን ቦታታት ሓንቲ ከተማ ኤፌሶን እያ። ጳውሎስ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 20፡17-38 ተገሊጹ ብዘሎ ቃል መሰረት ንከተማ ኤፌሶን ምስ ሓደጋ፡ ድሕሪ ከባቢ ካብ 8-10 ዓመት እዩ ናብኣ ዝምለስ ዘሎ። እቲ ኲነታት እታ ማሕበር ድማ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ኲሉ ነገር ተገላቢጡን ኣዚዩ ተሓንፊሹን እዩ ጸኒሕዎ። ካብቲ ጳውሎስ ባዕሉ ዘቈሞ ሓድሽ ኪዳናዊ መሪሕነት ጀሚርካ ኲሉ ፈራሪሱን ኣዚዩ ተበላሽዩን ጸኒሕዎ። ብዙሓት ካብቲ ሃዋርያዊ እምነት ዘምቢሎም ናብ ከንቱ ጽውጽዋያት ከኣ ተፈኒዮም ጸኒሐሞ። እዚ ካብቶም መራሕቲ ከይተረፈ ጀሚርካ ማለት እዩ። ኣብዛ ከተማ እዚኣ እውን ጳውሎስ ነቶም ተሪር ዲሲፕሊን ዘድልዮም ሰባት ንሰይጣን ወፊዩ (“18-19 ኣታ ጢሞቴዎስ ወደይ፡ ከምቲ ቐደም እተባህለካ ትንቢታት እምነትን ሰናይ ሕሊናን ሒዝካ ብእኡ ጽቡቕ ውግእ ምእንቲ ኽትዋጋእ፡ እዚ ትእዛዝ እዚ ኤማዕቍበካ አሎኹ። ገሊኦም ነቲ ሰናይ ሕሊናኦም ደርብዮምሲ፡ ናይ እምነት መርከብ ተሰቢራቶም እያ። 20 ካባታቶም፡ ከይጸርፉ ምእንቲ ኪቕጽዑ ኢለ ንሰይጣን ዝወፌኽዎም፡ ሄሜኔዎስን እስክንድሮስን እዮም።`(1ጢሞ1፡18-20)፣ ነቲ ዚግሰጽ ገሲጹ ዚከኣሎ ምትዕርራይን ተሓድሶን ድሕሪ ምግባሩ፡ ነቲ ዝተረፈ ነገራት ጢሞቴዎስ ምእንቲ ኪቅጽሎ፡ ኣብ ኤፌሶን ንኪጸንሒ ኣዚዝዎ ናብ መቄዶንያ ከይዱ።
 
“3-4 እቲ ናብ መቄዶንያ ክኸይድ ከሎኹ፡ ገሊኦም ካልእ ምህሮ ኸይምህሩ ወይስ ናብ ጽውጽዋያትን መወዳእታ ናብ ዜብሉ ቝጽሪ ወለዶታትን ከየድህቡ ኽትእዝዝ፡ እዚ ኣብ ክንዲ እቲ ብመጋቢነት ኣምላኽ እሙን ምዃንሲ ዚበዝሕ ክትዕ የምጽእ እዩ ኢለ፡ ኣብ ኤፌሶን ክትቅመጥ ከም ዝመዓድኩኻ፡ ሕጂውን ከምኡ እብል አሎኹ።“ (1ጢሞ1፡3-4)
እቲ ነዛ ማሕበር ዘፈራርስ ዝነበረ ትምህርቲ ስሕተት፡ብፍላይ ኖስቲዝም (Gnosticism) (ብፍላይ እዚ ትምህርቲ ስሕተት እዚ፡ ኣብ 1ይ ዮሃንስ ብሰፊሒ ተንጸባሪቑ ኣሎ) ፣ ጥፉሽ ወይ ከኣ ምሽሙሽ ኣይሁዳዊነት (Decadent Judaism) (=> እዚ ኣብ 1ይ ጢሞ1፡4-7 ተንጸባሪቁ ኣሎ) ካልእ ድማ ናይ ሓሶት ምነና/ብሕትውና/(False Asceticism) (=>1ጢሞ4፡1-5) እዩ። እምባኣር ጳውሎስ ነቲ ዂሉ ትምህርቲ ስሕተት እዚ ንኺምክት እዩ ንጢሞቴዎስ ኣብ ኤፌሶን ኪጸንሕ ኣዚዝዎ፡፡ ከም ናይ ጳውሎስ ሃዋርያዊ ወኪል ኰይኑ ነቲ ናይ ጳውሎስ ሃዋርያዊ ተራ ንኪጻወት ወይ ከኣ ሃዋርያዊ ዕዮ ንኪዓዪ/Apostolic representative, delegated to carry out Paul’s apostolic role) እዩ ኣብዛ ከተማ ሓዲግዎ።
 ጳውሎስ ንቲቶስ ኣብ ቅሬጥስ፡ ንጢሞቴዎስ ድማ ኣብ ኤፊሶን ሓዲግዎም ናብ መቄዶንያ ምስ ከደ፡ ደርጋ ኣብ ሓደ እዋን እተጻሕፋ ማለት እዩ፡ ነዘን ተመሳሳሊ ትሕዝቶን መምርሒን ዘለወን መልእኽትታት፡ መልእኽቲ ቲቶስ ናብ ቲቶስ፣ 1ይ መልእኽቲ ጢሞቴዎስ ድማ ናብ ጢሞቴዎስ ጽሒፉ። ቲቶስን ጢሞቴዎስን ብዝምልከት፡ ፍልልይ ናይተን መልእኽቲ፡=>ንቲቶስ፡ “ ኣብ ኒቆጶሊስ ክኸርም መዲበዮ አሎኹ እሞ፡ ኣርጢማስ ወይስ ጥኪቆስ ምስ ለኣኽኩልካ፡ ቀልጢፍካ ናባይ ምጻእ።“ ኢሉ ኣዚዝዎ (ቲቶስ3፡12)፣ ንጢሞቴዎስ ግና ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ኣዚዝዎ፡-
 
 “12 ነቶም ኣመንቲ ብቓል፡ በኻይዳ፡ ብፍቕሪ፡ ብእምነት፡ ብንጽህናውን ኣርኣያ ኹኖም እምበር፡ ነታ ንእስነትካ ሓደ እኳ ኣይንዓቃ። 13 ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ፡ ናብ ምንባብን ምምዓድን ምምሃርን ኣቕልብ። 14 ነቲ ብትንቢት ብምንባር ኢድ ሽማግሌታትን እተዋህበካ፡ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ጸጋ ዕሽሽ ኣይትበሎ። 15 እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ፡ እናወሰክካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ፡ ኣብ ዅሉ ምእንቲ ኺግለጽሲ፡ ነዚ ነገርዚ ብምሉእ ርእስኻ ወፊ። 16 ንርእስኻን ንትምህርትኻን ተጠንቀቕ፡ በዚ ነገርዚ ጽናዕ። እዚ እንተ ገበርካስ፡ ንርእስኻን ነቶም ዚሰሞዑኻን ከተድሕን ኢኻ።“
 ብፍላይ ነታ ቁ.12 ንመልከታ፡ “ 13 ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ፡ ናብ ምንባብን ምምዓድን ምምሃርን ኣቕልብ።“
 
 እዚ ቃል እዚ(1ጢሞ4፡13) => ካብ ፈለማኡ(1ጢሞ1፡3) ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ኣብ ኤፌሶን ፓስቶር ንኪኸውን ከም ዘይሓደጎ ብጣዕሚ የነጽረልና! ንቲቶስ እውን ልክዕ ከምኡ! ንቲቶስ 1፡5 ምስ ቲቶስ 3፡12 ኣተኣሳሲርና ከነንብቦ ይግባእ! ነቲ ቃል ኣምላኽ ነቲ ዓንቀጽ ተገዚእና ከነንቦ ይግባእ። ንጢሞ1፡3 ድማ ብውሕዱ ምስ 1ጢሞ4፡13 ብምንጽጻር ነንብቦ! ብፊደል ጥራይ ዝመላለሱ፡ ፊደል ጥራይ ብምጥቓስ ንርእሶም ሞይቶም ንብዙሓት ሰማዕቶም ዚቐትሉ መማህራን፡ “እቲ ናብ መቄዶንያ ክኸይድ ከሎኹ… ኣብ ኤፌሶን ክትቅመጥ ከም ዝመዓድኩኻ፡ ሕጂውን ከምኡ እብል አሎኹ።/3 As I urged you when I went into Macedonia, stay there in Ephesus so that you may command certain people not to teach false doctrines any longer 4 or to devote themselves to myths and endless genealogies./
 
 ነዛ “ኣብ ኤፌሶን ኪትቅመጥ ከም ዝመዓድኩኻ፡ ሕጂውን ከምኡ እብል አሎኹ“ እትብል ወሲዶም፡ ጢሞቴዎስ ናይ ማሕበር ኤፌሶን ፓስቶር ነይሩ ኢሎም ይምህሩ! ኣብቲ ሓንጎሎም፡ እዚ ካብቲ ሓድሽ ኪዳን ዘይኰነስ፡ ኣብ ቸርች ሂስትሪ እተፈጥረ ሓደ ውልቀ-ሰብ ፓስቶር ሒዞም ነቲ ሓድሽ ኪዳን ስለ ዘንብብዎ እዮም ነቲ ቃል ከምኡ ዝትርጉምዎ።
 
 እንተ ዘይኰነ፡ ጳውሎስ ንቲቶስ ከም ናቱ ሃዋርያዊ ወኪል ኣብ ቅሬጥስ ሓዲግዎ። “ከምቲ ኣነ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ ዝተረፈ ምእንቲ ኽትሰርዕ፡ ኣብ ከከተማኡውን ሽማግሌታት ክትሸይም፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣብ ቅሬጥስ ዝሐደግኩኻ“/ቲቶስ1፡5)።
 
 ቀጺሉ=> ኣብ ርእሲ እቲ ጳውሎስ ኣብ ቅሬጥስ ከሎ ንቲቶስ ሂብዎ ዝኸደ ሃዋርያዊ ትእዛዝ፡ እንታይ ኪገብር ከም ዝግበኦ ንጹር መመርሒ ዚሓዘ መልእኽቲ(ቲቶስ) ጽሒፍሉ።
 
 እዚ ጥራይ ከኣ ኣይኰነን፡ዚትከኦ ሰብ (ንቲቶስ ዚትከኦ ሰብ) ፡ ንሱ ከኣ ኣርጢማስ ወይስ ጥኪቆስ ምስ ለኣኸሉ፡ ቲቶስ ቀልጢፉ ናብ ጳውሎስ ኪመጽእ ኣዚዝዎ። እቲ ዝራኸብሉ ቦታ ግና ኣብታ ከተማ ኪኸርም መዲቦ ስለ ዝነበረ ኣብ ኒቆጶሊስ እዩ። (ንእግረ መገድና፡ ጳውሎስ እዚ ኪጽሕፍ ከሎ፡ ገና ንኻልኣይ ጊዜ ኣይተኣስረን ከም ዝነበረ እዩ። ናብ ዝመደቦ ስፍራታት ናይ ምንቅስቓስ ነጻነት ነይርዎ)።
 
 ልክዕ ንሓደ ዓይነት ዕላማ ድማ፡ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ኣብ ከተማ ኤፌሶን ሓዲግዎ። “እቲ ናብ መቄዶንያ ክኸይድ ከሎኹ፡ … ኣብ ኤፌሶን ክትቅመጥ ከም ዝመዓድኩኻ፡ ሕጂውን ከምኡ እብል አሎኹ።“(1ጢሞ1፡3)። (ኣብዚ ንእግረ መገድና ኪንጠቕሶ ዚግባ ኣገዳሲ ነጥቢ ኣሎ። ንሱ ከኣ፡ እዚ ኣብዚ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ኣብ ኤፌሶን ንኪጸንሕ ዝእዝዞ ዘሎ ትእዛዝ፡ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት የለን። ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ካብ ምዕራፍ 20፡38 ጀሚሩ፡ ኣብቲ ናይ ዮሩሳሌም ጉዕዞ ድሕሪኡውን ንሮም ኪሳዕ ምዕራፍ28፡ ጢሞቴዎስ ኲሉ እዋን ምስ ጳውሎስ እዩ ነይሩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ እዩ ከኣ ካብተን ኣርባዕተ ናይ ቤት ማእሰርቲ መልእኽቲታት (ኤፌሶን፣ ፊሊጲ፣ ቆሎሴን ፊልሞንን) ኣብተን ሰለስተ ጢሞቴዎስ ምስ ጳውሎስ ከም ለኣኺ(co-sender) ኰይኑ ተጠቒሱ ዘሎ። እዚ ናብ ምንታይ የምጽኣና?
 
 እወ፡ እዚ ጳውሎስ ኣብ 1ጢሞ1፡3 ንጢሞቴዎስ ዝሃቦ ኣብ ኤፌሶን ናይ ምቅማጥ/ምጽናሕ=stay/ ትእዛዝ፡ ድሕሪ እቲ ቀዳማይ ማእሰርቲ ሮማን (ድሕሪ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 28) ቅድሚ እቲ ካልኣይ ማእሰርቲ ጳውሎስ ኣብ ሮማን ምዃኑ ኣዚዩ የነጽረልና። እምባኣር ቲቶስ እቲ ሃዋርያዊ ዕዮ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ቀልጢፍካ ናባይ ምጻእ ዝብል ትእዛዝ እዩ ተዋሂቡ። ጢሞቴዎስ ግና፡“ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ፡ ናብ ምንባብን ምምዓድን ምምሃርን ኣቕልብ።“ ዝብል ትእዛዝ እዩ ተዋሂቡ።እምባኣር ጳውሎስ ናብ ኤፌሶን ናብ ጢሞቴዎስ ኪምለስ መደብ ነይሩዎ ማለት እዩ። ልክዕ ኣብዚ ከምዚ መደባትን ሓሳብን ከሎ እዩ ከኣ ድንገት ጳውሎስ ዝተሓዝን ዝእሰርን። ካብቲ 2ጢሞቴዎስን እታ ኣብ ቲቶስ3፡12 ብንጹር ተገሊጻ ዘላ ኣብ “ኒቆጶሊስ“ ናይ ምኽራም መደብ ጳውሎስን ከም እንርዶ፡“ኣብ ኒቆጶሊስ ክኸርም መዲበዮ አሎኹ“፡ እተን ናብዛ ከተማ እዚኣ እናኣምረሐ ከሎ፡ ዝበጽሐን ቦታታት ንመልከት።
 
 ኣብ ቅደም ተኸተል እቲ ምንቅስቓሳት ጳውሎስ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ኪህሉ ይኽእል እዩ። ኣብ ናእሽቱ ዝዀኑ ዛዕባታት ወይ ከኣ መስርዕ ሓደ ታሪኽ፡ ሕደት ፍልልያት ምህላው ከም ዓብዪ ጸገም ዚቁጸር ኣይኰነን። እምባኣር ገሊኦም፡ ነቲ ናይ ጳውሎስ ራባዓይ ጉዕዞ፡ ብኸምዚ ዝገልጽዎ ኣለዉ=> ምፍታሕ ጳውሎስ ካብቲ ቀዳማይ ማእሰርቲ ሮማ=>ጉዕዞ ጳውሎስ ናብ ስፐይን(ሮሜ15፡24,28)=> ጉዕዞ ጳውሎስ ናብ ቅሬጥስ(ቲቶስ1፡5)=> ጉዕዞ ጳውሎስ ናብ መሊጠ(2ጢሞ4፡20)=> ጉዕዞ ጳውሎስ ቆሎሴ(ፊልሞን1፡22) =>ጉዕዞ ጳውሎስ ኤፌሶን (1ጢሞ1፡3)=> ጉዕዞ ጳውሎስ ፊሊጲ(ፊሊጲ2፡23-24, 1ጢሞ1፡3)=> ጉዕዞ ጳውሎስ ኒቆጶሊስ(ቲቶስ3፡12)=> ምእሳር ጳውሎስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሮማ=> ምስዋእ ጳውሎስ ስለ ስም ክርስቶስ ኣብ ከተማ ሮማ (2ጢሞ4፡6-8)
 
 ነዛ ካልኣይቲ መስርዕ ንመልከታ=>
 
 ምፍታሕ ጳውሎስ ካብቲ ቀዳማይ ማእሰርቱ ኣብ ከተማ ሮማ =>ጒዕዞ ጳውሎስ ናብ ስፐይን(ሮሜ15፡24,28)=>ጉዕዞ ጳውሎስ ናብ ቅሬጥስ(ቲቶስ1፡5)=>ጉዕዞ ጳውሎስ ናብ ኤፌሶን (1ጢሞ1፡3)=> ጉዕዞ ጳውሎስ ናብ መቄዶንያ
 
 ኣብዚ ጳውሎስ ናብ መቄዶንያ እዩ ዝብገስ፡ ቅድሚ ናብ መቄዶንያ ምኻዱ ግና፡ ኪንፈልጦ ንዘይንኽል ምኽንያት፡ ቅድም ናብ መሊጠ ዝኸደ ይመስል። ብፍላይ ነዚ ሓሳብ እዚ፡ ኣብ 2ጢሞቴዎስ4፡20 ንረኽቦ፡፡ “ኤራስጦስ ኣብ ቈረንቶስ ተሪፉ፡ ንጥሮፊሞስ ግና ሐሚሙ ኣብ መሊጦስ ሐዲገዮ አሎኹ።“
 
 ጳውሎስ፡ ንጥሮፊሞስ ሐሚሙ ኣብ መሊጦስ ከም ዝሓደጎ፡ ኣብቲ ቀዳማይ መልእኽቲ ጢሞቴዎስ ኣይጠቀሶን። ኣብዚ ካልኣይ መልእኽቲ እዩ ዚጠቕሶ ዘሎ። ስለዚ ከኣ ኣብቲ ቀዳማይ መልእኽቲ ናብ ጢሞቴዎስ ዘየለ፡ ሓድሽ ፍጻሜን ይነግሮ ከም ዘሎ እዩ ዘስምዕ።
 
 ድሕሪ መሊጠ ጳውሎስ ጒዕዝኡ ናብ መቄዶንያ ኣንፊቱ። ኣብ 2ጢሞቴዎስ 4፡13 ከምዚ ይብል=>“ክትመጽእ ከሎኻ፡ እቲ ኣብ ጥሮኣስ ምስ ቃርጶስ ዝሐደግክዎ ባርኖስን እቲ መጻሕፍትን፡ ምናዳ እቲ ብራናታት፡ ተማልኣለይ።“
 
 እዚ ማለት ካብ መሊጠ =>ናብ ጥሮኣስ ከይዱ። እዚ እቲ እዋን/ወቅቲ/ ሓጋይ ነይሩ ምንባሩ የመልክት። ስለዚ ከኣ ጳውሎስ ባርኖሱን መጻሕፍቱን ኣብዚ ሓዲግዎ ከይዱ።
 
 ሕጂ ጳውሎስ ካብ ጥሮኣስ=> ናብ መቄዶንያ (ፊሊጲ፣ በርያ፣ ተሰሎንቄ) በጽሑ ኣሎ፡ ደሓር እውን ኣብ ቆረንቶስ በጺሑ ኣሎ። ምኽንያቱ “ኤራስጦስ ኣብ ቈረንቶስ ተሪፉ፡“ስለ ዝብል (2ጢሞ4፡20)።
 
 (ንቀዳማይ ጢሞቴዎስን ቲቶስን ኣብ ቆረንቶስ ኰይኑ እዩ ጽሒፍዎ ዝብሉ ኣለዉ፡ ገለ ድማ ምናልባት ንቲቶስ ካብ መቄዶንያ እዩ ጽሒፍዋ ዝብሉ ኣለዉ።)
 
 እምባኣር ኣብ መቄዶንያ ወይ ኣካያ (ቆረንቶስ) ከሎ እዩ ነቲ ኣብ ኒቆጶሊስ ናይ ምኽራም ውጥን ዘውጸኦ። ስለዚ ከኣ ናብ ኒቆጶሊስ ገጹ ከምርሕ እዩ።
 
 እምባኣር ጳውሎስ ወይ ኣብ ኤፌሶን ወይ ኣብ ጥሮኣስ ወይ ከኣ ኣብ ኒቆጶሊስ ከም እተታሕዘ እዩ ዝእመን። ዝያዳ ግና ኣብ ኒቆጶሊስ ከም እተታሕዘ እዩ ዝእመን። => ድሕሪኡ ናብ ሮማ ተወሲዱ ኣብ ጽኑዕን ኣዚዩ ከቢድን ቤት ማእሰርቲ ከኣ ኣትዩ። ኣብ ሮማ ድማ፡ ሮማዊ ዜጋ ስለ ስዀነ ንጥሙያት ኣራዊት ኣይተዋህበን ወይ ከኣ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ኣይተሰቀየን፡፡ ክሳዱ ብሰይፊ ከም እተቆርጸ እዩ ዝእመን።
እምባኣር ሕጂ ናብቲ መጀመርታ እተበገስናሉ ሓሳብ ንምጻእ=> ንሱ ከኣ እቲ ኣርባዕተ ናይ ጳውሎስ ምስዮናዊ ጉዕዞታት። ቲቶስን ጢሞቴዎስን ኣብቲ ቀዳማይ ምስዮናዊ ጉዕዞኡ እዩ ጳውሎስ ብወንጌል ወሊድዎም። ኣብ ገላትያ 2፡1-9 ዘሎ ናይ ጳውሎስ ምብጻሕ ናብ ዮሩሳሌም፡ ቲቶስ ምስኡ ከም ዝነበረ ይገልጽ። ገለ ገለ ሰባት ነዚ ሓሳብ እዚ፡ ምስቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 11፡30; ግብ12፡25 ዘሎ ምብጻሕ የተኣሳስርዎ። እዚ እንተዳኣ ኰይኑ እቲ ሓቂ፡ ቲቶስ ቅድሚ ምጅማር ምስዮናዊ ጉዕዞታት ጳውሎስ እዩ ድሒኑ ማለት እዩ። ገለ ገለ ግና ነዚ ኣብ ገላትያ 2፡1-9 ዘሎ ሓሳብ፡ ምስቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 15፡1-4 ዘሎ ምብጻሕ ናብ ዮሩሳሌም የተኣሳስርዎ። እዚ እንተ ዀይኑ እቲ ሓቂ ድማ፡ እቲ ጊዜ ድሕሪ ቀዳማይ ምስዮናዊ ጉዕዞ ጳውሎስ እዩ ዝኸውን ዘሎ። ቲቶስ ንኣገልግሎት ንጳውሎስ ዝሓበሮ ግና ብፍላይ ኣብቲ ሳልሳይ ምስዮናዊ ጉዕዞ ጳውሎስ እዩ። ስለዚ ከኣ ብምልኡ ኣብቲ ሳልሳይን ራባዓይን ምስዮናዊ ጉዞ ጳውሎስ፡ ቲቶስ ካብቶም እሙናት መተዓይይቲ ጳውሎስ ኰይኑ ኪሳዕ መወዳእታ ዝጐየየ ሰብ እዩ! ስም ቲቶስ ንመወዳእታ ጊዜ እተቕሰትላ ስፍራ፡ 2ጢሞ4፡10 እያ።
“ዴማስ፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ፈትይዋ እዩ እሞ፡ ሐደገኒ ናብ ተሰሎንቄውን ከደ። ክሬስኬስ ናብ ገላትያ፡ ቲቶስ ናብ ደልማይታ ኸዱ።“ (ኣብ ቲቶስ1፡4 ተጠቒሱ ኣሎ፡ እዚ ግና ቅድሚ 2ጢሞቴዎስ እዩ ተጻሒፉ!)
 
ጢሞቴዎስ ንጳውሎስ ልክዕ ኣብ ምጅማር እቲ ካልኣይ ምስዮናዊ ጉዕዞ እዩ ዝሕወሶ።
“1 ናብ ደርቤን ናብ ልስጥራን ድማ መጸ። እንሆ ኸኣ፡ ጢሞቴዎስ ዚብሃል ወደ መዝሙር፡ ወዲ ሓንቲ ኣማኒት ኣይሁዳዊት ሰበይቲ ኣቦኡ ግና ጽርኣዊ፡ ኣብኡ ነበረ። 2 ንእኡ እቶም ኣብ ልስጥራን ኣብ ኢቆንዩምን ዘለዉ ኣሕዋት ጽቡቕ መስኪሮምሉ ነበሩ። 3 ሽዑ ጳውሎስ ምስኡ ኺወስዶ ፈተወ፡ ኣቦኡ ጽርኣዊ ምዃኑ ዂላቶም ይፈልጡ ነበሩ እሞ፡ ስለ እቶም ኣብተን ዓድታት እቲኣተን ዘለዉ ኣይሁድ ከኣ፡ ወሲዱ ገዘሮ።“ (ግብ16፡1-3)
ካብዛ እዋን እዚኣ ጀሚሩ ኣብቲ ዝተረፈ ናይ ጳውሎስ ምስዮናዊ ጉዕዞ ኲሉ፡ጢሞቴዎስ ምስ ጳውሎስ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ እውን ነታ ናይ ጳውሎስ ሃዋርያዊ ናይ ወንጌል በታን (Baton=በትሪ ፖሊስ፡ በትሪ መኰነን) ዝርከባ ጢሞቴዎስ እዩ። ኣብ መወዳእታ ጳውሎስ ስለ ስም ክርስቶስ ብእሙንነት ድሕሪ ምስውኡውን ጢሞቴዎስ ባዕሉ ይእሰር እዩ። ካብቲ ማእሰርቲ ከም እተፈትሐ ድማ ይፍለጥ። እታ ስም ጢሞቴዎስ ንመወዳእታ ጊዜ እተጠቅሰትላ ስፍራ እብራውያን 13፡23 እያ። “ጢሞቴዎስ ሓዉና ኸም እተፈትሔ፡ ፍለጡ፡ ንሱ ቐልጢፉ እንተ መጸ፡ ምስኡ ኽርእየኩም እየ።“
እዚ ንጹር ድሕረ ባይታ እዚ፡ ጢሞቴዎስን ቲቶስን እሙናት መተዓይይቲ ጳሎስ ከም ዝነበሩ ደኣ እምበር፡ ናይ ሓንቲ ሎካል ቸርች ፓስቶራት ከም ዘይነበሩ ኣዚዩ የረጋግጸልና።
ኣብ ላዕሊ ብንጹር ከም ዝረኣናዮ፡ ጳውሎስ ኣብቲ መልእኽታቱ፡ ንምንታይ ዕላማ፡ ንቲቶስ ኣብ ቅሬጥስ፡ ንጢሞቴዎስ ድማ ቅብ ኤፌሶን ከም ዝሓደጎም ተመልኪትና ኣለና። እቲ ሃሳብ ኣዚዩ ንጹር እዩ። ፓስቶራት ንኪዀኑ ኣይኰነን ኣብኡ ሓዲግዎም። ዳሓርውን ንኽልቲኦም ሓንቲ ዓይነት ትእዛዝ እዩ ዝልእከሎም፡፡ ቀልጢፍኩም ናባይ ምጽኡ ዝብል ትእዝዞም። መተዓይይቱ ስለ ዝዀኑ እዩ ቀልጢፍኩም ናባይ ምጽኡ ዝብሎም ዘሎ። ንሳቶም ጓሶት/ፓስቶራት/ ኣይኰኑን። ጓሶት እተን ማሕበራት ነይሮም እንተ ዝዀኑ እሞ፡ ንመጓሰኦም ሓዲጎምስ ናብኡ ንኪመጹ ጳውሎስ ኣይሓቶምን ፈጺሙ! ንዋላ ሓደ ካብ ሽማግሌታት እኳ፡ ቀልጢካ ናብይ ምጻኒ ኢሉ ኣይፈልጥን ጳውሎስ! ሽማግሌታት፡ ንሳቶም ከኣ እቶም ናይ ሓቂ ጓሶት እቲ መጓሰ ኣምላኽ፡ ነቲ መጓሰ ሓዲጎም ካብ ከተማ ናብ ከተማ ኣይንቀሳቐሱን ፈጺሞም!
ንጢሞቴዎስን ንቲቶስን ግና፡ እሙናት መተዓይይቱ ስለ ዝኰኑ፡ ሓንሳእ ናብ ቆረንቶስ ይልእኮም፡ ሓንሳእ ኣብ ኤፌሶን ጽንሑ ይብሎም፡ ደሓር ከኣ ናባይ ንምምጻእ ፍጠኑ ይብሎም።
“ቅድሚ ኽረምቲ ንምምጻእ ፍጠን። ኤውቡሎስን ጱደንስን ሊኖስን ቅላውድያን ኵላቶም ኣሕዋትን ሰላም ይብሉኻ አለዉ።“ (2ጢሞቴ4፡21)
 
“ኣብ ኒቆጶሊስ ክኸርም መዲበዮ አሎኹ እሞ፡ ኣርጢማስ ወይስ ጥኪቆስ ምስ ለኣኽኩልካ፡ ቀልጢፍካ ናባይ ምጻእ።“ (ቲቶስ3፡12)
 
ጢሞቴዎስ ፓስቶር ማሕበር ኤፌሶን ኣይነበረን! ኣንኰራ ነቶም ነታ ማሕበር ኪጓሱዩ ዘለዎም ብቁዓት ጓሶት ማለት ሽማግሌታት ተጠንቂቑ ንኪሸይም ደኣ ካብቲ ሃዋርያ ትእዛዝ ተቀበለ።በቲ ሃዋርያዊ ውክልናዊ ስልጣን ተጠቒሙ፡ ነቶም ነታ ማሕበር ኣምላኽ ዝብጽብጹን ዘዕገርግሩን ዝነበሩ መማህራን ሓሶት ደው ንኸብሎም እዩ ኣብ ኤፌሶን ተሪፉ/1ጢሞ1፡3)። ቲቶስውን ልክዕ ከምኡ ኣብ ከከተማኡ ብቁዓት ሽማግሌታት ንኪሸይም እዩ ኣብ ቅሬጥስ ተሪፉ!
 
ኣታ ንጢሞቴዎስ ፓስቶር ነይሩ እትብል ሰብ፡ ንቲቶስ ከ እንታይ ትብሎ? ሓደ ሚኢቲ (100) ዝዀና ከተማታት እየን ኣብ ቅሬጥስ ነይረን። እሞ ናይ ኣየነይቲ ከተማ ፓስቶር ነይሩ ትብሎ? እሞ በል ጢሞቴዎስን ቲቶስን ዕዮኦምን ጻዊዒቶን ሓደ ዓይነት እዩ፡ ንሱ ድማ ጻውዒቶም ኣብቲ ሃዋርያዊ ጋንታ እዩ ነይሩ። ምስቲ ሃዋርያ ምጉያይ እዩ ነይሩ። ፓስቶራት ኣይነበሩን ፈጺሞም። ጻውዒቶም ፓስቶርነት እንተ ዝነብር እዚ ዂሉ ዓመታት ምስ ጳውሎስ ኪዞሩ፡ ኣብ ዘይጻውዒቶም ኪጐዩ ብምግባር ጳውሎስ ንኸንቱ ኣኽሲርዎም ማለት እዩ።ነፍሲ ወከፍ ሰብ በብቲ እተዋህቦ ጸጋ ኣኣብቲ እተጸወዖ ጽዋዓ ኪጽዕርን ኪተግህን ደይኰነን ዝግባእ! ጢሞቴዎስ ግና ካብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 16 ጀሚሩ እዩ ንብዙሕ ዓመታት (ካብ 25-30 ዓመታት ዘይውሕድ) ምስ ጳውሎስ ካብ ከተማ ናብ ከተማ ካብ ሓደ ከባቢ ናብ ሓደ ከባቢ፣ ካብ ሓንቲ ሃገር ናብ ካልእ ሃገር ይዀልል ነይሩ። እሞ፡ ንፓስቶርነት እተጸወዐ ሰብ ደኣ ከምኡ ይገብር ድዩ? ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ እኮ ካብ ሓንቲ ማሕበር እዩ ምስኡ ወሲድዎ። ጻውዒቱ ሪኡ፣ ጻውዒቱ ኣረጋጊጹ እዩ ወስድዎ። ጻውዒት ጢሞቴዎስ ጉስነት ማሕበር እንተ ዝነብር ጳውሎስ ካብ ማሕበር ኣውጺኡ ኣይምወሰዶን።
“ናብ ደርቤን ናብ ልስጥራን ድማ መጸ። እንሆ ኸኣ፡ ጢሞቴዎስ ዚብሃል ወደ መዝሙር፡ ወዲ ሓንቲ ኣማኒት ኣይሁዳዊት ሰበይቲ ኣቦኡ ግና ጽርኣዊ፡ ኣብኡ ነበረ። ንእኡ እቶም ኣብ ልስጥራን ኣብ ኢቆንዩምን ዘለዉ ኣሕዋት ጽቡቕ መስኪሮምሉ ነበሩ። ሽዑ ጳውሎስ ምስኡ ኺወስዶ ፈተወ፡ ኣቦኡ ጽርኣዊ ምዃኑ ዂላቶም ይፈልጡ ነበሩ እሞ፡ ስለ እቶም ኣብተን ዓድታት እቲኣተን ዘለዉ ኣይሁድ ከኣ፡ ወሲዱ ገዘሮ።“ (ግብሪ16፡1-3)
 
ጳውሎስ፡ ጻውዒት ጢሞቴዎስ ኣብቲ ፓስቶራል ዘይኰነ፡ ኣብቲ ሃዋርያዊ ጸፍሒ ከም ዝዀነ ኣርጊጹ ፈሊጡ እዩ ምስኡ ወሲድዎ። ጻውዒቱ ብትንቢት ከይተረፈ እተረጋገጸ እዩ። ጻውዒቱ ጉስነት ዘይኰነስ ካልእ ከም ዝዀነ ፈሊጡ እዩ ጳውሎስ ምስኡ ወሲድዎ።
 
ወይስ ን 1ጢሞ1፡18-19፣ 1ጢሞ.4፡14፣ ከመይ ንርደኦ?
“ኣታ ጢሞቴዎስ ወደይ፡ ከምቲ ቐደም እተባህለካ ትንቢታት እምነትን ሰናይ ሕሊናን ሒዝካ ብእኡ ጽቡቕ ውግእ ምእንቲ ኽትዋጋእ፡ እዚ ትእዛዝ እዚ ኤማዕቍበካ ኣሎኹ።“(1ጢሞ1፡18-19)
“ነቲ ብትንቢት ብምንባር ኢድ ሽማግሌታትን እተዋህበካ፡ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ጸጋ ዕሽሽ ኣይትበሎ።“ (1ጢሞ.4፡14)
እምባኣር ጢሞቴዎስ ናይታ ኣብ ከተማ ኤፌሶን ዝነበረት ማሕበር ኣምላኽ፡ ፓስቶር ኣይነበረን። እቶም ናይ ኤፌሶን ጓሶት እሞ፡ ቀደም ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ብሓንሳእ ኣብ ኤፌሶን እናተቐመጡ ከለዉ ብመንፈስ ቕዱስ እተሸሙ፡ እቶም ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 20፡17, 28 ዘለዉ ሽማግሌታት ማለት ኤጲስቆጶሳት እዮም። ጢሞቴዎስ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት (ድሕሪ ግብሪ ሃዋርይት ምዕራፍ ዕስራስ፡ ድሕሪ ከባቢ 10 ዓመት) እዩ ኣብ ኤፌሶን ኪቕመጥ ዝንገሮ ዘሎ። ብልሽውና ኣብታ ማሕበር ኣትዩ ስለ ዝነበረ፡ ሃዋርያዊ ምሕዳስን ለውጥን ንኸምጽ እዩ ኣብ ኤፌሶን ጽናሕ ዝብል ትእዛዝ ተዋሂቡ።
እምባኣር መልእኽቲታት ጢሞቴዎስን ቲቶስን እንተዀነውን ፓስቶራል/ፓስቶራዊ/ መልእኽቲታት ዘይኰነስ ከምቲ ካልእ ኲሉ መልእኽቲታት ሃዋሪያዊ መልእኽቲታት እዩ። ካብቲ ካልእ መልእኽቲታት ፍልይ ዝበለ ዝገብሮ፡ጳውሎስ ናብ መተዓይይቱ፡ ኣብቲ ሃዋርያዊ ጋንታ ንዝጐዩ፣ ንዝጽዕሩ፣ ንዝዓዩ መተዓይይቱ ስለ ዝጸሓፎ እዩ። እቲ ትሕዝትኡ ድማ ንጹር ሃዋርያዊ መመርሒ ዝሓዘ መልእኽቲታት እዩ። ሓደ ሃዋሪያዊ ጽዋዓ ዘለዎ ሰብ ኣብ ከከተማኡ ኣብ ዘለዋ ማሕበራት፡ ብዛዕባ ኪሰርሖ፣ ከደራጅዎ፣ ኪቀርጾን ከቃንዖን ዚግባእ ሃዋሪያዊ ዕዮን ተልእኾን ዚሓዘ መልእኽቲታት እዩ። ንሓሰውቲ መማህራንን ናይ ሓሶት ትምህርቶምን ልምምዶምን ደው የብል። ነቶም ዝግሰጹ ይግስጽ፣ ነቲ ብሓሰውቲ ዓየይቲ ተባላሽዩ ዝጸንሐ ቅርጺ መርሒነት እንደገና ይሕድስን የስተኻኽልን፣ ነቶም ዝውገዱ መራሕቲ ብምውጋድ ብቁዓት ዝዀኑ ጓሶት፡ ማለት ሽማግሌታት (1ጢሞ3፡1-7 ፣ ቲቶስ1፡5-8) ይውስኽ ወዘተ ወዘተ… እዚ መልእኽቲታት እዚ ብዛዕባ እዚ ንጹር ሓቒ እዚ እዩ ዝዛረብ። እዚ ኲሉ ከኣ ሃዋርያዊ ዕዮ ደኣ እምበር ፓስቶራዊ ዕዮ ኣይኰነን። እዚ እዩ እቲ ሓቂ!
ስለዚ ከኣ ኣብቲ ምሉእ ሓድሽ ኪዳን ኣውራ ናይ ሓንቲ ማሕበር ናብ ዝዀነ ውልቀ ሰብ እተጻሕፈ መልእክቲ ፈጺሙ የለን ። ምሽ ናብ ኣውራ እተጻሕፈ መልእኽቲ ኪህልወና፡ እኳዳኣ በኣንጻሩ፡ ነቲ ኣውራኦም ኪኸውን ዝደሊ ዲዮትሬፌስ ፈሊዩ ዚግስጽ ንጹር ሃዋሪዊ መልእኽቲ ኣሎና! (3 ዮሃንስ 1:9-11)
ኣብቶም ናይ ሓድሽ ኪዳን ሽማግለታት ፈጺምና ዘይንረኽበን መሰረታዊ ሓቂታት፡
• ካብቶም ጓሶት ሓድሽ ኪዳን፡ እዚ ከኣ እቶም ኩሉ ጊዜ ብቁጽሪ ብዙሓት ሽማግለታት፡ ብስሙ እተረቁሐ/እተጠቅሰ/ ዋላ ሓደ ውልቀ-ሰብ የለን ፈጺሙ! እዚ ዘገርም ምስጥር እዩ!
• ካብ ማእከሎም ፍልይ ዝበለ ሰብ፣ኣውራ መሳሊ የለን ፈጺሙ!
• ሓቢሮምን ብጋንታ ጥራይን እዮም ዝጽውዑ! እዚ ከኣ እቲ ካብ ብሉይ ኪዳን እተውሰደ ፍሉይ መለኮታዊ ምግላጽ እዩ!
• እቲ ኣብ ማእከል ኣሕዋቱ ናይ ኣውራነት ስፍራ ሒዙ ዝዋሳእ ሰብ ካልእ ዘይኰነስ ናይቲ እንኮ በይኑ ሓለቓ ጓሶት ስፍራ ወሲዱ፡ ኣሎ፡ እዚ ሰብ እዚ ድማ ብፕሪንሲፕል/ብመትከል/ ጸረ-ክርስቶስ እዩ! ናይ ክርስቶስ ተካኢ እዩ!
• ራእይ 4:4-10 ተጠንቂቅካ ተመልከት! ብፍላይ ራእይ5፡6! እታ ማእከል ስፍራ ንክርስቶስ ጥራይ እተሃዝአት እያ!
“ ኣብ ማእከል እቲ ዝፋንን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ኣብ ማእከል እቶም ሽማግሌታትን ተሐሪዱ ኸም ዝነበረ ዚመስል ገንሸል ደው ኢሉ ርኤኹ። ንሱ ሾብዓተ ቐርንን ሾብዓተ ዓይንን አለዉዎ፡ ንሳቶም ከኣ እቶም ናብ ብዘላ ምድሪ እተላእኩ ሾብዓተ መናፍስቲ ኣምላኽ እዮም።“
ከም መጠቓለሊ፡
===========
=> ቲቶስን ጢሞቴዎስን ንጳውሎስ መንፈሳዊ ደቁ እዮም። እዞም ክልተ ዘገርሙ ዓየይቲ እዚኣቶም፡ ኣስማቶም ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን ብብዝሒ ተጠቒሱ ኣሎ። ቲቶስ ስሙ ካብ 2ቆረ2፡13 ጀሚሩ ኪሳዕ ቲቱስ 1፡4 ኣብ ዘሎ ክፍሊ ን15-16 ጊዜ ተጠቒሱ ኣሎ። ጢሞቴዎስ ካብ ግብ16፡1 ጀሚሩ ኪሳዕ እብራውያ 13፡23 ስሙ ን28 ጊዜ ተጠቒሱ ኣሎ።
ብዙሓት ንቃል ኣምላኽ ብኣግባብ ብቅዱስ ፍርሃትን ትኽንትኽን ዘይመቕሉ ሰባት፡ ቲቶስ ፓስቶር ነይሩ፣ ጢሞቴዎስ ናይታ ኣብ ከተማ ኤፌኦስን ዝነበረት ማሕበር ፓስቶር ነይሩ ዝብሉ ስሒቶም ኣለዉ። እዚኣቶም ሓዋወስቲ ቃል ኣምላኽ እዮም። በሉ እስከ ከምዚ ብተደጋጋሚ ስሙ ኣብ ሓድሽ ኪዳን እተጠቕሰ እሞ ከኣ ናይ ሓንቲ ሎካል ቸርች ፓስቶር ዝዀነ ሰብ ኣብቲ ምሉእ ሓድሽ ኪዳን መን ኣሎ? ዋላ ሓደ እኳ! ርኢኹም ሰባት ሎሚ፡ ብዛዕባ ዝምህርዎ ትምእህርቲ ዀነ ዝኣምንዎ እምነት ቀይዲ በተኻት እዮም። መን ኢኻ ንምንታይ ከምዚ ትምህር በየናይ መዕቀኒ? ወዘተ ዝብሎም ዘየለ፡ ሰብ ከከም ድላዩ ዝምህረሉ ዘሎ ዘመነ ምህውታት እዩ። ክርስቶስ ግና ሓደ መዓልቲ ኪመጽእ እዩ፡፡ ንቃሉ ከመይ ንመደገፊ ዶክትሪን ገዛእ ርእስና ከመይ ሓዋዊስናዮ፡ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ቅድሚኡ ቀሪብና ገጽ ንገጽ መልሲ ኪንህበሉ ኢና።
በሉ፡ ዋላኳ ቲቶስን ጢሞቴዎስን ከምቲ ጳውሎስ ካብ ሰብ ወይስ ብሰብ ዘይኰነስ ካብ ኣምላኽ እተላእከ ናይ ክርስቶስ ሃዋርያ ምዃኑ ብዛዕባ ርእሱ ደጋጊሙ ዝገልጾ፡ ሃዋርያት ተባሂሎም እንተ ዘይተጸውዑ፡ ሓደ ካብ ኣምላኽ ዝዀነ ሃዋርያ፡ ምስ ባህሪ እቲ ሃዋርያዊ ጻዊዒቱ ምስኡ ማዕሪኡ ዝጐይዩ፣ ማዕሪኡ ኣብቲ ሃዋርያዊ ግምባር ኣትዮም ጸር-ሓቂ ምስ ዝዀነ ኲሉ ዝራጸሙ፣ካብዚ ናብቲ ዝለኣኹ ዝወናጨፉ፣ እሙናት መተዓይይቲ ኣለውዎ። ንጳውሎስ፡ ጢሞቴዎስን ቲቶስን ቀዳሞት ይስርዑ። በርናባስን ጳውሎስን መተዓይይቲ እዮም። ግናኸ ክልቲኦም ሃዋርያት እዮም። ጢሞቴዎስን ቲቶስን ግና፡ ሃዋርያት ተባሂሎም ዘይተጸውዑ ኪነሶም፡ ግናኸ ናይ ሓቂ እሙናት መተዓይይቲ ጳውሎስ እዮም። እቲ ዝጐየይዎ ጉያ፣ እቲ ዚዓየይዎ ዕዮታት፣ እቲ እተላእክዎ ምልኣኽ፣ እቲ እተንቀሳቐስዎ ምንቅስቓሳት ኲሉ ሃዋርያዊ እዩ። ናይቲ ዕዮኦምን ንጥፈታቶምን ኩሉ መዕቀኒኡ እቲ ናይ ጳውሎስ ሃዋርያዊ ዕዮን ጻውዒትን ስለ ዝዀነ፡ ዕዮኦም ኲሉ ሃዋርያዊ እዩ። ፓስቶራዊ ኣይኰነን ፈጺሙ! ኣይንጋገ! ኣብቲ ቃል ሓቂ ኣይንድፈር! ጢሞቴዎስ ኣብ ኤፌሶን ጽናሕ ተባሂሉ ዝብል ፊደል ጠቒስና ኣይንሙት ኣብቶም ዝሰምዑና ሰባት እውን ሞት ኣይንዝራእ። ካብቲ ንጹር ሓሳብ ኣምላኽ ወጻኢ ዝዀነ ምህሮ ኲሉ፡ ምህሮ ሞት እዩ። ምህሮ ጽውጽዋይ እዩ! ምህሮ ኲሉ ዓይነት ዝርግርግ፣ ምህሮ ሕንፍሽፍሽ ምህሮ ኲሉ ሕልኽላኻት እዩ።
እምባኣር ነዞም ዝስዕቡ ክፍሊታት መጽሓፍ ቕዱስ፡ ብምስትውዓል ከተንብብዎም እዕድመኩም ኣለኹ። ነዞም ዚስዕቡ ሕቶታት እናሓሰብኩም ድማ ኣንብብዎም።
1ይ) ሓደ ኣብ ሓንቲ ሎካል ቸርች ካብ ዝጓስዩ ጓሶት ኰይኑ ብ ኣምላኽ እተጸወዐን እተፈልየን ሰብ፡ ብዋላ ሓደ መገዲ እኳ ነታ ሎካል ቸርች ሓዲጉ ናብ ካልእ ስፍራ ኣይንቀሳቐስን ፈጺሙ። ነቲ መጓሰ ሓዲጉ ኣብ ካልእ ከተማታት ከይዱ መንፈሳዊ ንጥፈታትን ዕዮታትን ንምግባር ፈጺሙ ኣይገይሽን። ኣነሲ ጓሳ ኰይነ ጥሪት ኣቦይ ንሓያሎ ዓመታት ጓሲየ ኣለዂ። ሓደ ጓሳ ነተን ጥሪቱ ንኻልኦት ሰባት ኣጽንሑለይ ኢሉ ሓዲግወን ብምጋሽ፡ ብኻልኦት ጓሶት ተዓዲሙ ከይዱ፡ ከመይ ከም ዝጓሰ ወይ ከኣ ነተን መጓሰታቶም ንሓደ ሰሙን ዝጓሲ፡ ወይ ከኣ ነቶም ካልኦት ጓሶት ዘጓስዮም (ምስኦም ኰይኑ ዝጓሲ) ፡ ጓሳ ኣይረኣኹን። ሓደ ጓሳ ህይወቱ ምስ መጓሲኡ ጥራይ እተቆርነ ሰብ እዩ። ጓሳ ማለት ትርጉሙ ከምኡ እዩ። መጓሰ ኡ ሓድጉስ ዓዲ ኦኣዲ ዝዘውር ሰብ? እዚ ጓሳ ዘይኰነስ እዚ ዘዋሪ እዩ! (ንሓንቲ ቤታ ሓዲጋ ቤት ቤት ዙረት እተዘውር ሰበይቲ ጐረባብታ እንታይ ይብላኣ!? “ዘወሪ! ኣቲ ዘዋሪት! ዘዋሪት እወ ዘዋሪት!“ ይብሉዋ!
እቶም ኣብቲ ምሉእ ሓድሽ ኪዳን ዘለዉ ጓሶት፡ ካብ ሓደ ከተማ ናብ ካልእ ከተማ፡ ኣይገሹን ኣይንቀሳቐሱን ፈጺሞም! ኣበደን! ነዞም ሕጂ ፓስቶራት ኢና ዝብሉና ዘለዉ፡ ግናኸ ነቲ መጓሰ ሓዲጎም ኣብ መገሻታት ጸሓይ ዚዕርቦም ዘሎ ኣሕዋትና፡ኣብ ዘይፍራኹም እተቐመጥኩም ሰባት ኢኹም ኢልና ንምጉቶም ዘለና ከኣ ብመሰረት እዚ ቃል ሓቂ እዚ እዩ። ብድንቁርና (ስለ ዘይፈለጡ) ድዮም ነዚ ዝገብሩዎ ዘለዉ ወይስ ብፍትወት ርእሶምን ብዓመጽን (እናፈለጡስ ከም ዘይፈለጡ ብምምሳል) ኣምላኽ ይፈልጥ! ስሒቶም ከም ዘለዉን ኣብቲ ዕዮ ኣምላኽ ድማ ዓብዪ ዕንቅፋት ምዃኖምን ግና ዋላ ሓደ ኪስሕቶ ዘይብሉ ሓቂ እዩ። እቶም ኣብተን ማሕበራት ዘለዉ ሽማግሌታት፡ “ኣብዛ ከተማ እዚኣ እቶም ዚለዓሉ ጓሶት ንሕና ኢና፡ ካባና ወጻኢ ወይ ፍልይ ዝበለ ጓሳ ዝባሃል ሰብ የለን፡ ስለዚ ከኣ ነቲ መጓሰ ኣምላኽ ብግቡእ ንጓስዮ፡ ኣይኰነን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣምላኽን ብዓብዪ ሓላፍነት ተሓተቲ ኢና!“ ኢሎም ጻዊዒቶም ብእሙንነት ከይፍጽሙ፡ እዞም “ፓስቶር“ ተባሂሎም ዝጽውዑ ግናኸኣ ነቲ መጓሰ ሓዲጎም ዓዲ ዓዲ ኪዞሩ ጸሓይ ዚዓርቦም ሰባት ስለ ዘለዉ፡ ንሳቶም ምስ ገሹ፡ “እወ፡ እዚ እኮ ናይ ፓስቶርና ሓላፍነት እዩ! ንሱ ከኣ ገይሹ እዩ ዘሎ፡ ድሕሪ ሰሙን ምስተመልሰ ኪንነግሮ ኢና!“ ` እዮም ዝብሉ ዋላ እቶም ሽማግሌታት ዝባሃሉ። እዚ ከኣ ኣዚዩ ኣዚዩ ኣዚዩ ዘጉሂ እዩ። ነኣብነት ናይቲ ኣማኒ ህዝብና ብስለትን ምርዳእን ረኣይዎ። ብዝመጽእ ሓድሽ ትምህርቲ ንፋስ ካብዚ ናብቲ ኪድፋእን ዘዘው ኪብልን ይርከብ ኣሎ። ስለ ምንታይ? ምኽንያቱ ኣብታ ከተማ ኮፍ ኢሎም ነቲ ምሉእ ሓድሽ ኪዳን ብትኽክልን ትኽንትኽን ብምምቃል እቲ ዓሚቕ ትምህርቲ እግዚኣብሄር መድሓኒና ዝምህርዎ ጓሶት ስለ ዘየለዉ። እቶም ዘለዉዎ ጓሶት ዝባሃሉ ዘወርቲ እዮም! ከምቲ ዝበልኩዎ ቤታ ሓዲጋ ቤት ቤት እትዘወር ሰበይቲ ዝፈቱ ሰብኣይ ኣይናይ ሰብኣይ ኣሎ!? ኣሕ! እዚ ኪዛረብ ከለኹ ብብዙሕ ጓሂ እየ ዝዛረብ ዘለኹ! ከምዚ ዝበለ ስሕተትሲ ኣብ ጓሶት እቶም ኣብቲ ምሉእ ሓድሽ ኪዳን ተገሊጾም ዘለዉ ፈጺሙ የለን። ኣቱም ዘወርቲ፡ ካብቲ ናይ ዙረት ስኽራንኩም መኣስ ኢኹም ኪትበራበሩ? ኣይትሰርሑ ወይ ኣይተስርሑ! ወይ ኮፍ ኢልኩም ብዓብዪ ዲሲፕሊንን ብርቱዕ ጻዕርን ድኻምን ነቲ መጓሰ ኣምላኽ ኣይትምግቡ፡ ወይ ከኣ ካልኦት መገብቲ ኪትንስኡ ነቲ ስፍራ ኣይቲለቑ! ዎዮ ዎዮ ዎዮ ዎዮ! ዙራማ ሃገርካ ዚዓይነቱ፡ ናይ ዙረት ወልፍኹም ኣውጺእኩም ምስ መጻእኩም፡ ከምታ ናይ ቀደምኩም፡ ናይ መጀመረታ /ደረጃ ጸባ ዝስራዕ/ ስብከት ሕዝኩም፡ ብጭድርታታትኩም ኣእዛን እቲ ህዝቢ ተጽምሙ! ኣምላኽ ብርቱዕ ተግሳጽ ገሲጹ ትኽክለኛ ኣንፈትኩም የትሕዝኩም! ካልእ እንታይ ክንብለኩም!?
2ይ) እሞ፡ እዞም ከምዚ ዚዓይነቱ ጉያን ምንቅስቓሳትን እናተንቀሳቐሱ ምስዚ ጳውሎስ ሃዋርያ፡ ዚጐየዩ፣ ዝደኸሙን ዝጸዓሩን ዚተግሁ፣ እተንከራተቱ ቲቶስን ጢሞቴዎስ ሲ ጓሶት ሓንቲ ማሕበር ነይሮም ድዮም? ናይ ጓሶት ጻውዒት ነይሩዎም ድዩ? ኢልኩም ሕተቱ!
3ይ) እንተዳኣ እዞም ክልተ ሰባት እዚኣቶም ጻውዒቶም ናይ ጉስነት ነይሩ ኰይኑ ግና፡ እሞ፡ ጳውሎስ ሲ፡ ኣብዩዘር እዩ! ብዘይግቡ ንሰባት ኣብ ዘይጻዊዒቶም ዘከላብትን ዘንከራትትን! ናይ ጢሞቴዎስን ቲቶስን ጻዊዒት ምጉሳይ(ፓስቶርነት) እናሃለወ ሲ፡ እዚ ኲሉ ንኸባቢ 25-30 ዝዀውን ዓመታት ኣኽሲርዎም ማለት እዩ! ግናኸ ጳውሎስ ከምኡ ዝገበረዶ ይመስለና!? ብፍጹም! ኣይፋል!
“1 እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ ኣምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። 2 እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ። 3 ከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝዓደሎ መስፈር እምነት ገይሩ ደኣ፡ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፡ ካብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሐስብሲ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ፡ በቲ እተዋህበኒ ጸጋ እብሎ አሎኹ። 4 ከምቲ ኣብ ሓደ ስጋ ብዙሕ ኣካላት ዘሎና እሞ፡ ብዘሎ ኣካላት ከኣ ተግባሩ ሓደ ዘይኰነ፡ 5 ንሕና ብዙሓት ከኣ ከምኡ ብክርስቶስ ሓደ ስጋ ኢና፡ በብሓደ ግና ነንሓድሕድና ኣካላት ኢና። 6 ከምቲ እተዋህበና ጸጋ በበይኑ ዝዀነ ውህበት ጸጋ ኻብ ዚህልወናስ፡ ትንቢት እንተ ዀይኑ፡ ብልክዕ እምነትና ይኹን። 7 ኣገልግሎ እንተ ዀይኑ፡ ብኣገልግሎትና ንጽናዕ። ዚምህር እንተ ዀይኑ፡ ብምምሃሩ ይጽናዕ። 8 መዓዲ እንተ ዀይኑ ብምምዓዱ፡ ዚህብ ተገሪሁ ይሃብ፡ መራሒ እንተ ዀይኑ፡ ብትግሃት ይምራሕ፡ እቲ ዚድንግጽውን ብሓጐስ ይደንግጽ።“ (ሮሜ12፡1-8)
 
እቲ ነዚ ኣብዚ ቅዱስ ጽሑፍ እዚ ዘሎ ሓቂ ብትኽክል ዝፈልጥን ባዕሉ ዝምህርን ጳውሎስ፡ ንጢሞቴዎስን ቲቶስን ኣብዘይ ጻዊዒቶም ንብዙሓ ዓመታት ኣንከራቲቱ ከኽስሮም፡ ዳሓር ኣብቲ ንሱ ባዕሉ ነቲ ሃዋርያዊ ጉያኡ ዝውዳኣሉ ዝነበረ ዓመታት ድማ፡ “በሉ ንዑ ናብታ ፓስቶርነትኩም ሓደ ኢልኩም ጀምሩዋ! ጢሞቴስዎስ ኣብ ኤፌሶን ፓስቶር ኩን! ቲቶስ ከኣ ኣብ ቅሬጥስ ፓስቶር ኲን! ድሓን ኲኑ! ኣብ ሰማይ የራኽበና! ቻው!“ ኪብሎም ኣይክእልን እዩ! God forbid! ድዩ ዝበሃል! እዚሲ ኣብቲ ፍሉይ ባርያ ኣምላኽ ጳውሎስ የለን ፈጺሙ!
በሉ ሃየ ኣንብቡ! ሕውስዋስ ምህሮ ካብ ምምሃር ከኣ ተኣረሙ!
 
ቲቶስ
=====
2ይ ቈረንቶስ 2:13
ንቲቶስ ሓወይ ስለ ዘይረኽብክዎ፡ ንሳቶም ኣሰንዮምኒ ናብ መቄዶንያ ወጻእኩ እምበር፡ ኣብ መንፈሰይ ዕረፍቲ ኣይነበረን።
 
2ይ ቈረንቶስ 7:6
እቲ ንጥቑዓት ዜጸናንዕ ኣምላኽ ግና ብምምጻእ ቲቶስ ገይሩ ኣጸናንዓና።
 
 
2ይ ቈረንቶስ 7:13
ስለዚ ድማ ተጸናናዕና። ኣብ ርእሲ እዚ ምጽንናዕና ድማ ብሓጐስ ቲቶስ፡ መንፈሱ ብዅላትኩም ስለ ዝቐሰነ፡ ብዙሕ ኣዚና ተሐጐስና።
 
 
2ይ ቈረንቶስ 7:14
ኣብ ቅድሚኡ ብዛዕባኹም ብገለ ተመኪሔ እንተ ዀንኩ እኳ፡ ከምቲ ዅሉ ብሓቂ ዝነገርናኩም፡ ከምኡውን እቲ ትምክሕና ኣብ ቅድሚ ቲቶስ ሓቂ ዀይኑ ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ኣይሐፈርኩን።
 
 
2ይ ቈረንቶስ 8:6
ንቲቶስ፡ ከምቲ ቕድም ዝጀመሮ ኸምኡ ኸኣ እዚ ጸጋ እዚ ኣባካትኩምውን ኪፍጽም፡ ምዒድናዮ አሎና።
 
 
2ይ ቈረንቶስ 8:16
ግናኸ ቲቶስ ምዕዶና ሰሚዑ፡ በዓል ጸዓት ኰይኑ እዩ ብገዛእ ፍቓዱ ናባካትኩም ዝኸደ እሞ፡ ስለዚ ነቲ ምእንታኹም ኢሉ፡ ኣብ ልቢ ቲቶስ እዛ ጸዓት እዚኣ ዘሕደረ ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ።
 
 
2ይ ቈረንቶስ 8:17
ግናኸ ቲቶስ ምዕዶና ሰሚዑ፡ በዓል ጸዓት ኰይኑ እዩ ብገዛእ ፍቓዱ ናባካትኩም ዝኸደ እሞ፡ ስለዚ ነቲ ምእንታኹም ኢሉ፡ ኣብ ልቢ ቲቶስ እዛ ጸዓት እዚኣ ዘሕደረ ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ።
 
 
2ይ ቈረንቶስ 8:23
ብዛዕባ ቲቶስ እንተ ዀነ ኸኣ፡ ንኣይ ብጻየይ ኣባካትኩምውን መዓይይተይ እዩ፡ እቶም ኣሕዋትና እንተ ዀኑውን፡ ልኡኻት ማሕበርን ክብሪ ክርስቶስን እዮም።
 
 
2ይ ቈረንቶስ 12:18
ንቲቶስ ለሚነዮ፡ ምስኡውን ነቲ ሓደ ሓው ሰዲደዮ። ቲቶስ ደዀን ተበሊጹልኩም ኰይኑ፧ ብሓደ መንፈስዶ ኣሰኣሰር ሓደ ኣይተመላለስናን፧
 
 
ገላትያ 2:1
ካብኡ ኸኣ ድሕሪ ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመት ከም ብሓድሽ ናብ የሩሳሌም ምስ በርናባስ ደየብኩ ንቲቶስውን ምሳይ ተማላእክዎ።
 
 
ገላትያ 2:3
ግናኸ ነቲ ምሳይ ዝነበረ ቲቶስ እኳ፡ ጽርኣዊ ኽነሱስ፡ ምግዛር ኣየድለዮን።
 
 
2ይ ጢሞቴዎስ 4:10
ዴማስ፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ፈትይዋ እዩ እሞ፡ ሐደገኒ ናብ ተሰሎንቄውን ከደ። ክሬስኬስ ናብ ገላትያ፡ ቲቶስ ናብ ደልማይታ ኸዱ።
 
 
ቲቶስ 1:4
ናብ ቲቶስ፡ ብሕብረት እምነት ናይ ሓቂ ወደይ። ካብ እግዚኣብሄር ኣቦን ካብ ጐይታና መድሓኒና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምሳኻ ይኹን።
 
 
ጢሞቴዎስ
==========
 
ግብሪ ሃዋርያት 16:1
ናብ ደርቤን ናብ ልስጥራን ድማ መጸ። እንሆ ኸኣ፡ ጢሞቴዎስ ዚብሃል ወደ መዝሙር፡ ወዲ ሓንቲ ኣማኒት ኣይሁዳዊት ሰበይቲ ኣቦኡ ግና ጽርኣዊ፡ ኣብኡ ነበረ።
 
 
ግብሪ ሃዋርያት 17:14
ሽዑ እቶም ኣሕዋት ንጳውሎስ፡ ክሳዕ ባሕሪ ኪኸይድ፡ ቀልጢፎም ሰደድዎ። ሲላስን ጢሞቴዎስን ግና ኣብኣ ተረፉ።
 
 
ግብሪ ሃዋርያት 17:15
እቶም ንጳውሎስ ዝወሰዱ ግና ክሳዕ ኣቴና ኣብጽሕዎ እሞ፡ ሲላስን ጢሞቴዎስን ቀልጢፎም ናብኡ ይስዓብዎ፡ ዚብል ትእዛዝ ሒዞም ናባታቶም ተመልሱ።
 
 
ግብሪ ሃዋርያት 18:5
ሲላስን ጢሞቴዎስን ካብ መቄዶንያ ምስ ወረዱ፡ ጳውሎስ፡ እቲ የሱስ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ንኣይሁድ እናመስከረ፡ ብዕዮ እቲ ቓል ጸኒዑ ነበረ።
 
 
ግብሪ ሃዋርያት 19:22
ክልተ ኻብቶም ደገፍቱ፡ ጢሞቴዎስን ኤራስጦስን፡ ናብ መቄዶንያ ሰደዶም፡ ንሱ ግና ኣብ እስያ ሓያሎ ወርሓት ጸንሔ።
 
 
ግብሪ ሃዋርያት 20:4
ክሳዕ እስያ ኸኣ እኒ ሶጳጥሮስ፡ ወዲ ጲሮስ ብዓል ቤሮያን፡ ኣርስተርኮስን ሴኮንዶስን፡ ሰብ ተሰሎንቄ፡ ጋይዮስ ብዓል ደርቤን ጢሞቴዎስን ካብ እስያ ኸኣ ትኪቆስን ጥሮፊሞስን ኣሰነይዎ።
 
 
1ይ ቈረንቶስ 4:17
በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኣብ ኲሉ ስፍራ ፍቕዳ ማሕበር ከመይ ገይረ ኸም ዝምህር፡ መገደይ ብክርስቶስ የሱስ ምእንቲ ኼዘክረኩም፡ እቲ ብጐይታ ፍቁርን እሙንን ወደይ ጢሞቴዎስሰዲደልኩም አሎኹ።
 
 
1ይ ቈረንቶስ 16:10
ጢሞቴዎስ እንተ መጸ ግና፡ ከምዚ ኸማይ ዕዮ ጐይታ ይዓዪ እዩ እሞ፡ ምሳኻትኩም ብዘይ ፍርሃት ኪኸውን ተጠንቀቑሉ።
 
 
2ይ ቈረንቶስ 1:1
ጳውሎስ፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ ክርስቶስ የሱስ፡ ጢሞቴዎስ ሓውናውን፡ ናብታ ኣብ ቈረንቶስ ዘላ ማሕበር ኣምላኽ ምስቶም ኣብ ብዘላ ኣካይያ ዘለዉ ዅላቶም ቅዱሳን፡
 
 
2ይ ቈረንቶስ 1:18-19
እቲ ብኣና፡ ማለት ብኣይን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን፡ ኣብ ማእከልኩም እተሰብከ ወዲ ኣምላኽ፡ የሱስ ክርስቶስ፡ ብእኡ እወ እምበር፡ እወን ኣይኰነን ኣይነበረን እሞ፡ ኣምላኽ እሙን ከም ዝዀነ፡ እቲ ንኣኹም ዝነገርናዮ ቓል፡ እወን ኣይኰነን፡ ኣይነበረን።
 
 
ፊልጲ 1:1
ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ባሮት የሱስ ክርስቶስ ናብቶም ኣብ ፊልጲ ብክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ዅላቶም ቅዱሳን፡ ምስ ኤጲስቆጶሳትን ዲያቆናትን፡
 
 
ፊልጲ 2:19-20
ብናይ ህልዋትኩም ከምታ ነፍሰይ ሐሲቡ ብንጹህ ልቢ ዚሐሊ ሓደ እኳ የብለይን እሞ፡ ኣነ ብዛዕባኻትኩም ፈሊጠ ምእንቲ ባህ ኪብለኒ፡ ቀልጢፈ ንጢሞቴዎስ ክልእከልኩም፡ ብጐይታና የሱስ ተስፋ እገብር አሎኹ።
 
 
ቈሎሴ 1:1
ጳውሎስ፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስ፡ ጢሞቴዎስ ሓውናውን፡
 
 
1ይ ተሰሎንቄ 3:2-3
በዚ ጸበባ እዚ ሓደ እኳ ሰንከልከል ከይብል፡ ነዚ ኸም እተመደብና፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ትፈልጥዎ ኢኹም እሞ፡ ንጢሞቴዎስ ሓውናን ብወንጌል ክርስቶስ ናይ ኣምላኽ ኣገልጋልን፡ ንሱ ኼጽንዓኩም ብዛዕባ እምነትኩምውን ኬህድኣኩም ለኣኽናዮ።
 
1ይ ተሰሎንቄ 3:6
ሕጂ ግና ጢሞቴዎስ ካባኻትኩም ናባና መጺኡ፡ ከምቲ ንሕና እንናፍቐኩም ዘሎና፡ ክትርእዩና እናናፈቕኩም ኵሉ ሳዕ ብጽቡቕ ከም እትዝክሩና፡ ብናይ እምነትኩምን ፍቕርኹምን ምስ ኣበሰረና፡
 
 
2ይ ተሰሎንቄ 1:1
ጳውሎስን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን ናብ ማሕበር ሰብ ተሰሎንቄ፡ ብእግዚኣብሄር ኣቦናን ብጐይታና የሱስ ክርስቶስን።
 
 
1ይ ጢሞቴዎስ 1:2
ናብ ጢሞቴዎስ፡ ብእምነት ናይ ሓቂ ወደይ። ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና ክርስቶስ የሱስን ጸጋን ምሕረትን ሰላምን ምሳኻ ይኹን።
 
 
1ይ ጢሞቴዎስ 1:18-19
ኣታ ጢሞቴዎስ ወደይ፡ ከምቲ ቐደም እተባህለካ ትንቢታት እምነትን ሰናይ ሕሊናን ሒዝካ ብእኡ ጽቡቕ ውግእ ምእንቲ ኽትዋጋእ፡ እዚ ትእዛዝ እዚ ኤማዕቍበካ አሎኹ። ገሊኦም ነቲ ሰናይ ሕሊናኦም ደርብዮምሲ፡ ናይ እምነት መርከብ ተሰቢራቶም እያ።
 
 
1ይ ጢሞቴዎስ 6:20-21
ኣታ ጢሞቴዎስ፡ ካብቲ፡ ገሊኦም ተኣሚኖምዎ ኻብ እምነት ዘምቢሎም ዘለዉ፡ ብሓሶትሲ ፍልጠት ተብሂሉ ዘሎ ርኹስ ሃተውተውን ክትዕን ርሐቕ። ነቲ ሕድሪ እተዋህበካ ሐልዎ። ጸጋ ምሳኻ ይኹን። ኣሜን።
 
 
2ይ ጢሞቴዎስ 1:2
ናብ ጢሞቴዎስ ፍቁር ወደይ፡ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታናን ጸጋ፡ ምሕረት፡ ሰላም ምሳኻ ይኹን።
 
 
ፊልሞን 1:1
ጳውሎስ እሱር ክርስቶስ የሱስ፡ ጢሞቴዎስውን ሓውና፡ ናብቲ ፍቁርን መዓይይትናን ፊልሞን፡
 
 
እብራውያን 13:23
ጢሞቴዎስ ሓዉና ኸም እተፈትሔ፡ ፍለጡ፡ ንሱ ቐልጢፉ እንተ መጸ፡ ምስኡ ኽርእየኩም እየ።
 

Comment here