MinistryShort In Put

መስቀል ናይ ኣምላኽ ሓድሽ መጀመርታ ምዕራፍ ሰለስተ (THE CROSS, GOD’S NEW BEGINNING)

ዳርጋ ኩሉ ሰብ ከም ዚፈልጦ መጽሓፍ ዘፍጥረት መጽሓፍ መጀመርታ ተባሂሉ እዩ ዚፈለጥ። መጽሓፍ ዘፍጥረት ኪጅምር ከሎ ከኣ ብኣዚዩ ኣዎንታዊ ዚዀነ ሓቂ እዩ ዚጅምር። “ኣምላኽ ብመጀምርያ ሰማይን ምድርን ፈጠረ።”(ዘፍ.1፡1)

ኣብዚ ጥቅሲዚ ከም እንሪኦ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ በመጅመርታ…” ወይ ድማ ኣብዚ ዚስዕብ እንግሊዘኛ ከም እንሪኦ “ብመጀመርታ ኣምላኽ…” ኢሉ እዩ ዚጅምር። /“In the beginning God created the heavens and the earth”/

ኣብ ምሉእ ኣድማስ ከም ኣምላኽ ዝበለ ጽቡቅን ኣዎንታዊ ሓቂ የለን ፈጺሙ። እዚ ኣምላኽ እዚ ኣብ ሕሉፍ ዘለኣለም ዚደለዮ ድሌት፣ዚሓሰቦ ሓሳባት፣ዚመኸሮ ምኽሪ ኣዚዩ ፍሉይን ኣዚዩ ብሉጽን እዩ። ኣብቲ መጀመርታ ናይ ፍጥረት ታሪኽ እንተ ተመልከትናውን ኣምላኽ ዚፈጠሮ ዘበለ ኩሉ ኣዚዩ ፍሉይ፣ኣዚዩ ጽቡቅን ኣዚዩ ኣዎንታውን እዩ! መጽሓፍ ዘፍጥረት ግና እቲ ብኣምላኽ ዚጀመረ ኣዎንታዊ ነገራት ኩሉ ጥራይ ዘይኰነ ዚዛረብ፡ ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ዓመጽ ሰይጣንን ውድቀት ሰብን ዚፈለመ ኣሉታዊ ነገራት ኩሉ ዚዛረብ ዘገርም መጽሓፍ እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ዘፍጥረት ናይ ዘርኢ መጽሓፍ ተባሂሉ ይፈለጥ። ኣዎንታዊ ዀነ ኣሉታዊ ዘበለ ኩሉ ኣብ ዘፍጥረት ከም ዘርኢ ጀሚሩ።

ነስተውዕል ሕጂ፡ ንኡስ ኣርእስትና ብዛዕባ ናይ ኣምላኽ ሓድሽ መጀመርታ ዚብል እዩ። ንምንታይ ነቲ ኩሉ ዚኽእል ኣምላኽሲ ሓድሽ መጀመርታ ኣድሊይዎ? እወ፡ እቲ ኣምላኽ ብመጀመርታ ዚፈጠሮ ኩሉ (እዚ ማለት ድማ ብጀካ እቶም ዘይዓመጹን ስፍሪኦም ዘይሓደጉን መላእኽቲ) ብምኽንያት ዓመጽ ሰይጣንን ውድቀት ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ  ኣረጊት(ወይ ብሉይ) ስለ ዚዀኑ፡ ኣምላኽ ሓደ ቁሩጽ ውሳኔ ወሲኑ፡ ንሱ ድማ ነቲ ኣሪጊት ፍጥረት ኩሉ ፈጺሙ ካብ መስመር ከወጊዶ (terminate => To bring it completely to an end) ወሲኑ።

ኣምላኽ ነቲ ብምኽንያት ዓመጽ ሰይጣንን ውድቀት ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣረጊት(ወይ ብሉይ) ዚዀነ ፍጥረት ኩሉ ተርሚኔት(ኪውግዶ) ኪገብሮ ኪውስን ከሎ ነቲ ኣብ ምሉእ ኣድማስ ፈጺሙ ሓድሽ ዚዀነ ፍጥረቱ ጀርሚኔት  (germinate => to cause to come into existence; create) ዚገበረሉ፡ እዚ ማለት ዚፈጥረሉን ዘብቁለሉን ሓድሽ መገዲ ኬምጽ ነይሩዎ፡፡ እዚ ሓድሽን ፍሉይን መገዲዚ ድማ መስቀል እዩ።

ኣምላኽ ነቲ ኣብ ምሉእ ኣድማስ ዘሎ ባዕሉ ዚፈጠሮ ግናኸ ብምኽያት ውድቀት ዚኣረገ ፍጥረት ኩሉ ብመስቀል ገይሩ ሓንሳእን ንሓዋሩን ተርሚኔት(ወጊድዎ) ገይሩዎ፡ ነቲ ኣብዛ ሕጂ ዘላ ክፍእቲ ዘመን (Evil Age) ጥራይ ዘይኰነስ ብዚያዳን ብምልኣትን ኣብታ እትመጽእ ዘመን (The Coming Age) ናብ ፍጹም ምልኣት ዚበጽሕ፣ ዚኸብር፣ ዚገንን ሓድሽ ፍጥረቱ ኣብ መስቀል እዩ ጀርሚኔት (ፈጢርዎ፣ኣብቊልዎ) ገይርዎ!

እምባኣር በዚ ምኽንያት እዚ እየ ንመስቀል ናይ ኣምላኽ ሓድሽ መጀመርታ እዩ ዚበልኩዎ። ኣምላኽ ነቲ ኪጠፍእ ዘለዎ ኩሉ ድሮ ኣብ መስቀል ኮኒንዎ እዩ! ነቲ ኪደቕቅ ዘለዎ ኩሉ ድሮ ኣብ መስቀል ኣድቕቅዎ እዩ! ነቲ ኪፍርስ ዘለዎ ኩሉ ድሮ ኣብ መስቀል ኮኒንዎ እዩ! ሎሚ ነቲ ኣምላኽ ድሮ ኣብ መስቀል ዚዀነኖ፣ዘድቐቆ፣ ዘፍረሶ፣ ዘወገዶ፣. . . ነገራት ኩሉ መሊስካ ትምግቦ፣ትከናኸኖ፣ትሃንጾ፣መሊስካ ህይወት ትህቦ ከይትህሉ ኣዚኻ ፍራህ!

እዚ ጥራይ ኣይኰነን! ኣምላኽ ነቲ ኪነብር ዘለዎ ኩሉ ድሮ ኣብ መስቀል ፈሊምዎ እዩ! ነቲ ኪዓብን ኪህነጽን ንምልእቲ ኣድማስ ድማ ኪመልኣን ንዘለኣልም ኣለም ኪነብር ዘለዎ ኩሉ ድሮ ኣብ መስቀል ኣብቑልዎ እዩ! ሎሚ ነቲ ኣምላኽ ድሮ ኣብ መስቀል ዚጀመሮ፣ዘብቆሎ፣ ቀጺሉ ድማ ኪዓቢ፣ ኪህነጽ፣ ኪሕሎ፣ ኪዕቀብ፣ ወዘተ. . . ዘለዎ ነገራት ኩሉ ትቃወሞ፣ተጥፈኦ፣ተፍርሶ፣ተዕንዎ፣ ወዘተ. . . ከይትህሉ ኣዚኻ ፍራህ!

ናይ መስቀል ጥሉቕን ዓሚቁን ምሉእን ምግላጽ ምስ ዘይህልወካ ናብራኻ ስጋዊ፣ፍጥረታዊ እዩ! እቲ ቀንዲ ተቓዋሚ ኣምላኽን ምኽሩን ድማ ንስኻ ኢኻ! ንስኻ ካብቲ ዋላ ሓንቲ ዘይፈልጥ፡ ንስኻ ድማ “ዓለማዊ” እናበልካ እትጽውዖ ሰብ እንታ ፍሉይ ይገብረካ፧

ኣብ ዝቅጽል ትምህርትና ብዛዕባ ኣብ መስቀል እተፈጸሙ ዓበይቲ ሓቂታት ኪንርኢ ኢና።

(ይቕጽል…)

Stay tuned, For Heaven is Amazingly invading Earth & Everything Earthly!

Comment here