NewsShort In Put

ሰማያዊ ራእይ!

እዚ ሰራዊት እዚ ሰራዊት ኣምላኽ እዩ። እዚ ሰራዊት እዚ እንኮ ንጽርቲ ሽቶ ፡ እንኮ ንጽርቲ ራይእ ስለ ዘላቶ እዩ ከምዚ ዓይነት አዚዩ ዘደንጹ ፍጻሜ ዘለዎ ፍሉይ ምንቅስቃስ ዚገበረ።
• እዚ ሰራዊት እዚ ብቁጽሪ ኣዚዩ ብዙሕ እዩ ነይሩ።
• ራእይኦምን ሽቶኦምን ተልእኾኦምን ግና እንኮ እወ እንኮ ጥራይ ነይራ።
• ንእኣ ከኣ ብንጹር እተማህርዋን ዚፈልጡዋን ፍሉያት ህዝቢ ነይሮም!
– ኣብ ማእከሎም ዕግርግር፡ ወይ ከኣ ኮንፉዝን ዚባሃል ነገር የለን ፈጺሙ።

• እዛ ራእይ እዚኣ ናይ ሰብ ራእይ ኣይኰነትን ፈጺማ!
– ሰብ ከምዚ ዓይነት ንኹሉ ሰብስ ከም ሓደ ሰብ እተሳትፍን እተጉይን ዓይነት ራእይ ኪሓልም ኣይካኣሎን ፈጺሙ።

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዚገለጽናዮ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሰራዊት ከምኡ ኰይኑ ኪዋጋእን ኪግለጽን ዚገበሮ መሰረታዊ ረቛሒ ራእይ እዩ!
እዚ ሰራዊትዚ ብብዙሕ ዲሲፕሊን፣ ብብዙሕ ምጽማምን ብብዙሕ ምዕጋስን ሓልፉ እተማህሮ ራእይ ነይሩዎ። ብፍሉይ ምድላውን ብፍሉይ ስልጠናን ሓሊፉ እተማህሮ ፍሉይ ራእይ ነይሩዎ።
እወ አብ ሆሴእ 4፡6 “ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ ። ፍልጠት ስለ ዘኣበኻ ኣነ ድማ ካህን ከይትዀነኒ ኽኣብየካ እየ።” ይብል።
እዚ ሰራዊት እዚግና ነዚ ትንቢት እዚ ናብ ኣዎንታዊ ዚለወጠ እዩ!
በቲ ትኽከለኛ ፍልጠት ኣምላኽ እተመልኤ!
ንሓደ ውልቀ ሰብ ፡ወይ ህዝቢ ብቁዕ ናይ ክህንነት መንነትን ህይወትን ኪህለዎ ዚገብሮ መሰረታዊ ረቛሒ፡ነቲ ኣብዚ ምሉእ ኣድማስ እዚ ዚዓምቘ ዚዓበየን ዚለዓን ፍጹም ፍቓድ ኣምላኽን ዘለኣለማዊ ምኽሪ ኣምላኽን ብትኽክል ፈሊጡ ዚፍጽም እዩ።
እምባኣር ፦
• ኣብ ማእከል እዚ ሰራዊት እዚ ድንቁርና የለን
• ፍሉይ ራእይ ዘለዎ ፍሉይ ሰራዊት እዩ
• ኣብ ማእከል እዚ ሰራዊት እዚ ስንፍና የለን
• ኣብ ማእከል እዚ ሰራዊት እዚ ፍርሃት የለን
• ፍርሃት ንጸላኢ ኰነ ፍርሃት ሕድሕድ ብፍጹም የለን።
• ኣብ ማእከል እዚ ሰራዊት እዚ ምጥርጣር የለን።
• ኣብ ማእከል እዚ ሰራዊት እዚ ሕንፍሽፍሽ የለን።
• ነዚ ሰራዊትዚ ከም ሓደ ሰብ ኰይኑ ኪምርሽ፣ኪንቀሳቀስ፣ ኪዋጋእን ኪጐይን ዚገበሮ ሓደ ፍሉይ መለኮታዊ ራእይ ስለ ዝነበሮ እዩ።

ከመይ እተገርም ራእይ!
• ንኽሉ ሰብ ብማዕረ እተሳትፍን እተጉይን ራእይ!
• ናይ ሓደ ውልቀ-ሰብ ዲክታተርነት ዘይብላ ራእይ!
• ካብ ኣምላኽ እምበር ካብ ሰብ ዘይኰነት ራእይ!
• ነቲ ናይ ኣምላኽ ናይ ልቡ ዘለኣለማዊ ጽቡቕ ድሌት ጥራይ እተፈጽም ራእይ!

ከመይ ዘገርም ሰራዊት!
• ንድምጺ እቲ እነኮ ባዓል ራእይ ዚዀነ ኣምላኽ ብትኽክል ዚሰምዕ ሰራዊት!
• ንራእይ ኣምላኹ ምሉእ ብምሉእ ዚእዘዝን ዘተግብርን ሰራዊት!
• ንብጻዩን ወገኑን ብትኽክል ፈልዩ ዘስተውዓለ ሰራዊት!
– ናብ ኣጽዋር ይኣትዉ ኣይቈስሉን ግና!
• ንጸላኢኡ ብትኽክል ፈልዩ ዚፍልጥ ሰራዊት!
– ንሱ ንብጻዩ ኣየቁስልን
ንሱ ባዕሉውን ንዋላ ሓደ ካብ ብጻዩ ኣየቁስልን!
ከምዚ እዩ ፍሉይ መለለይን ፍሉይ መምዘንን ሰራዊት ኣምላኽ።
ከምዚ ዚዓይነታ ናይ ሰማይ ራእይ ከምዘላ ንኸነበስረኩም ሓደ ካብቲ ቀንዲ ዕላማና እዩ!

ኣብ ህይወት ሓደ መንፈሳዊ መራሒ ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ህይወት ሓደ ፍሉይ ሕቡር ህዝቢ ራእይ ቀዳማይን እቲ ዚለዓለ ስፍራን ኣለዎ። ከምቲ ዚዀነ ነገር ሕምብርቲ ወይ ማእከል ዘለዎ ራእይ ኸኣ ኣብ ህይወት ሓደ ህዝቢ እቲ ማእከላይ ስፍራ ኣለዎ።ራእይ ናይ ምንቅስቃሳት ኵሉ ሕመረት እዩ።
ብዙሕ ሓይሊ ምጥቃምካ፣ ብዙሕ ነገር ኢንቨስት ምግባርካ ወይ ብዙሕ ሓይሊ ምጥፋእካ፣ ናብዚን ናብትን ምጉያይካ ሓደ ንጹር ዕላማ ወይ ሽቶ ንምህራም ኪኸውን ኣለዎ። እንተ ዘይኰነ ኵሉ ጻዕርኻ ትርጉም ኣልቦ እዩ ዚኸውን።

እምባኣር ነቲ ኣብዛ ኣድማስ እዚኣ ብክርሰቶስ እየሱስ እተፈጠርናሉን ዚደሓንናሉን ዚለዓለ ዕላማ ፈጺምና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብምቋም ነቲ ዚኸበረ ናእዳ ካብ ኣምላኽ ኪንቅበል እንተ ዀይኑ ሎሚ እቲ ናይ ኣምላኽ ዘለኣለማዊ ራእይ እንታይ ምዃኑ ብኑጹር ኪንፈልጥ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ።

Comment here