InterviewTranslation

ኣብዚ ምሉእ ኣድማስ ኣምላኽን ኣብ ታሪኽ ዅሎም ፍጡራቱን እተራእዩ ዓይነታት ራእይ

” ራእይ ማለት ነቲ እግዚኣብሄር ንኽፍጽሞ ኢሉ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ዚረኣዮ፣ዚደለዮ፣ ዚመኸሮን ዚመደቦን ዘለኣለማዊ ፍጹም ፍቓዱ ልክዕ ከምቲ እግዚኣብሄር ዚራኣዮ ጌርካ ብትኽክል ምርኣይን ምግባርን ምፍጻምን ማለት እዩ።/ት.ኤር.12/ ራእይ ማለት ነቲ ቅድሚ ዓለምን ኣብኡ ዘሎ ነገራት ኵሉን ቅድሚ ምፍጣሩ ኣብ ልቢ ኣምላኽ ዚነበረ ኣዚዩ ዚዓመቘ፡ ኣዚዩ ዚዓበየ፡ አዚዩ ዚለዓለ ኣዚዩ ዚኸበረን ዘለኣለማዊ ምኽሪ ኣምላኽን ሰማያዊ ራእይ ኣምላኽን እንታይ ምዃኑን ኣብዚ ኣድማስዚ ከኣ እቲ ምኽሪቲ ብኸመይ መገዲ ከም ዚፍጸምን ብኑጹር ምርኣይ፡ ምፍላጥን ምግባርን ማለት እዩ።

ንህይወት ወዲ ሰብ መሰረታዊ ትርጉም ዚህብ ራእይ እዩ።ንሓደ ህዝቢ ብፍሉይ መገዲ ብሓንሳእ ከም ሓደ ሰብ ሓቢሩ ሓደ ዘደንቅ ነገር ንኪፍጽም ዚገብሮ ራእይ እዩ።ንህዝቢ ኣምላኽ ካብ ኵሉ ጸብለል ዚብል ስፍራ ዚህቦ ሰማያዊ ራእይ እዩ።

ኣብዚ ምሉእ ኣድማስ ኣምላኽን ኣብ ታሪኽ ኵሎም ፍጡራቱን እተራእዩ ዓይነታት ራእይ

ኣብዚ ምሉእ ኣድማስ ኣምላኽን ኣብ ታሪኽ ኵሎም ፍጡራቱን እተራእዩ ዓይነታት ራእይ ኣብ ክንደይ ይምቀሉ ወይ ይምደቡ?

ናይዚ ሕቶዚ መልሲ ብተፈላለዩ ሰባት ዘይንጹርን ኣዚዩ እተፈላለየ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እስከ ገለ ገለ ኣብነታት ንመልከት።

 

ናይቲ ሴኩላራዊ ዓለም ራእይ፡

  • ናይ ሳይንትስትስ ራእይ?
  •  ናይ ኣርኪኤሎጂስትስ ራእይ?
  •  ናይ ኣስትሮመርስ ራእይ?
  •  ናይ ፍላስፋታት ራእይ?
  •  ናይ ፖለቲከኛታት ራእይ?
  •  ናይ ኮሚንሰት ራእይ፣
  •  ናይ ማርክስስት ራይእ፣
  •  ናይ ሌኒንስ ራእይ፣
  •  ወዘተ…ወዘተ

ካልእ ድማ

ናይቲ ሃይማኖታዊ ዓለም ራእይ፡
– ናይ ሂንዱይዝም ራእይ፣
ናይ ጁዳይዝም ራእይ፣
ናይ ብዱሂዝም ራእይ፣
ናይ ባሃይዚም ራእይ
ቁጽሪታት ዜብሉ ናይ ምድረ-ክርስትና ራእይ፣ ናይ እስልምና ራእይ፣
ወዘተ… ወዘተ…

በዚ ዓይነት ኣረኣእያ እንተድኣ ከድና ኣብታ ዘይቲኣምን ዓለምን(ሴኩላራዊ ዓለም) ሃይማኖታዊ ዓለምን ዘሎ ዓይነታት ራእይ ጥራይ ኣብ ክንደይ ይምደብ ንዝብል ሕቶ መልስና እንታይ ኪኸውን እዩ? ንጹር መልሲ ኪህልወና ኣይክእልን ፈጺሙ።

ኣብ ካልእ ከይከድና ኣብ ማእከል ኣመንቲ ክርስትያናት እኳ እተፈላለየን በዙሕ ዚዓይነቱ ራእይ ከም ዘሎ ዚምህሩ ኣንቢበን ሰሚዐን ኣለኹ።ንገለገለ ሰባት ምዝማር ራእይኦም እዩ፡ ንገለ ገለ ድማ ምስባኽ። ንገለ ገለ ሰባት እቲ ካብ ኣምላኽ እተቀበልዎ እተፈላለየ ውበታት እዩ ራእይኦም። እቶም ፓስተራት ራእይኦም ፓስተርነቶም እዩ፣ ነብያት ራእይኦም ነቢዪነቶም፣ ሃዋሪያት ራእይኦም ሃዋሪያነቶም፣መማህራን ራእይኦም ምሃሮም፣ ወዘተ…ወዘተ ኰይኑ ኣሎ።

ገለገለ መማህራንውን፡ ኣብ ማእከል እቲ ኣማኒ ሕበረተ-ሰብ፦(1) ሓፈሻዊ ራእይ (እዚ ማለት ንሓንቲ ዞባዊት ማሕበር ዚህልዋ ራእይ፡ እዚ ድማ እቲ “እናመሃረኩም ደቀ መዛሙርተይ ግበርዎም” ዝብል)፣ (2) ናይ ጉጅለ ራእይ፣ (3) ናይ ግሊ ራእይ ዚብሉ ሰለስተ ዓይነታት ራእይ ከም ዘለዉ ይምህሩ። እዚ ግና ገይጋ እዩ።

ኣብዚ ትምህርቲዚ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰባት እተራእዩ ዓይነታት ራእይ ኣብ ክንደይ ይምቀሉ ወይ ይምደቡ ንዝብል ሕቶ ኣብ ኣርባዕተ ይምቀሉ ብዝብል ሓፈሻዊ መልሲ መሊስናዮ ኣለና። ነዚ ሓሳብዚ ብቃል ኣምላኽ መሰረት ኣብዚ ዚስዕብ ክፍሊ ብንጹር ኪንሪኦ ኢና።

ኣብዚ ኣቀዲምና ከነስተውዕሎ ዚግባኣና ሓደ መሰረታዊ ሓቂ ግና አሎ፡ ንሱ ድማ፡ እዞም ኣብዚ ኣብ ኣርባዕተ መቂልና እንሪኦም ዓይነታት ራእይ፡ ኣርባዕቲኦም መጽሓፍ ቅዱሳዊ፣ ሰማያዊ፣መለኮታዊ፣ ሕጋዊ (ሕጋዊ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ) እዮም ማለት ግና ኣይኰነን ፈጺሙ!

Comment here