Interview

III. ብብዙሕ መንፈሳዊን ሃይማኖታዊን ቃላት ዚማዕረጉ፣

III. ብብዙሕ መንፈሳዊን ሃይማኖታዊን ቃላት ዚማዕረጉ፣ እቲ ትኽክለኛ ዓውደ ንባቦም ብዘይ ሓለዉ ብዙሓት ጥቅስታት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ እተደገፉን እተሰላለሙን ብዙሕ ዚዓይነቶም ንምድረ-ክርስትና ድማ መሊኦም፣ከፋፊሎም፣ዘራሪጎም፣ ደባሊቆም፣ ሓላሊኾም(Confuse ገይሮም) ዘለዉ ዓይነታት ራእይ።

“ብዛዕባ እቲ ፍሉይ ዘይሓልፍ ምኽሩን ናይ ኣምላኽ ሰማያዊ ራእይን ከትሓስብ ከለኻ ኣዚዮም፡ኣዚዮም ካብ ዝገርሙኻ ነገራት ሓደ፡ እግዚኣብሄር፡ መተዓይይቲ ኣምላኽ ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ ነዚ ብቀሊሉ ብብዙሕ ዚዓይነቱ ብልሽውና ኪታለል ዚኽእል ሰብ ብምሕራዩ እዩ። እታ ናይ ሰማይ ራእይ ብዝምልከት ሰብ ብቀሊሉ ተበላሻዊን ኣዚዩ መበላሸውን ፍጥረት እዩ።

እቲ ኣዚዩ ዘሕዝን ድማ በቲ ድሑን ህዝቢ ወይ ድማ ኣብ ማእከል እቲ ድሑን ህዝቢ ኣምላኽ ዚግብር ብልሽውናን ኣብ ልዕሊ እታ ናይ ሰማይ ራእይ ዚግበር ተቃውሞን በደል እዩ።ንኣምላኽን ንምኽሪ ኣምላኽን እቲ ኣዚዩ ዘሸግሮን እቲ ዚዓበየ ዕንቅፋትን ሰይጣን ወይ ድማ እታ ዘይትኣምን ዓለም ኣይኰነትን።

ንኣምላኽ እቲ ኣዚዩ ኣሸጋሪን ዚዓበየ ዕንቅፋትን እቲ ብዓመጽ፣ ብድንቁርናን ብዘይ ምእዛዝን ነታ ናይ ሰማይ ራእይ ዚመላለስ ህዝቢ ኣምላኽ እዩ።

ኣምላኽ ንሰይጣንን ሰዓብቱን ኬጥፍኦም ኣዚዩ ቀሊል እዩ ነይሩ።ግናኸ ኣምላኽ ንሰይጣን ባዕሉ ኬጥፍኦ ኣይደለየን።፡በቲ ዘድሓኖ እሞ ንኣምላኹን ነታ ሰማያዊ ራእይ ፍጹም ዚእዘዝ ህዝቡ ጌሩ እዩ ኪጭፍልቆን ኪቀጽዕን ወሲኑ። እወ ከምቲ “ምእዛዝኩም ምስተፈጸመ ንዘይ ምእዛዝ ዘበለ ኪንቀጽዖ ተዳሊና ኣለና” ዚብል ጽሑፍ ዘሎ እዩ።

እምባር ነስተውዕል፡ሰይጣን ንኣምላኽን ንራእይ እታ ናይ ዘመናት ምኽሪ ኣምላኽ ንምጽራር፣ ንምብልሻው፣ ንምፍራስ፣ንምዕናው፡ ወዘተ ሰብ ከም ዚጥቀም፡ ኣምላኽ ድማ ነዛ እንኮ ሰማያዊ ራእይኡ ንምፍጻም ሰብ እዩ ዚጥቀም። ኣምላኽ ምኽሩ ንምፍጻም ሰባት ከም ዚጽውዕን ከም ዚቀብን ሰይጣን ድማ ልክዕ ከምኡ።

ኣምላኽ ካብ ናይ ገዛእ ርእሶም ነገራት ፍጹም ዚሞቱ፡ ነቲ ቃል ሓቂ ድማ ብቅንዕናን ብትኽክል ብምምቃል ናይ ብዙሓት መንፈሳዊ የዒንቲ ብምኽፋት ንብዙሓት
ናብ ምእዛዝ እታ ሰማያዊ ራእይ ዘእትዉን ዘረስትዩን ሰባት ከም ዚደሊ፡ ልክዕ ከምኡ ድማ ሰይጣን፡ ነቲ ቃል ሓቂ ብምጥዋይ፣ በቲ ቃል ሓቂ ብምንጋድ፣ እቲ ድሑን ህዝቢ ድማ ነታ ናይ ሰማይ ራእይ ዚጻረር ህይወት ንኪንብር ፍጹም ትሑዝ (Busy) ኪኸውን ዚገብሮ እተፈላለየ ምህዞታት፣ ስ’ራሕ-ሰብ ወይ ድማ ሰው-ሰራሽ ዚዀኑ ሃይማኖታዊ፣ ፍልስፍናዊ፣ስጋዊ፣ ምድራዊ፣ነፍሳዊ፣ ወዘተ.. ዝዀኑ ራእታት ብምምሃዝ ንብዙሓት ሰባት ዘስሕቱ ቁጽሪ ዘይብሎም ፍሉያት መተዓይይቲ ኣለውዎ።

እዚኣቶም ኣብይ ይነብሩ? ኣብ ማእከል እቲ ድሑን ህዝቢ ኣምላኽ። እምባር ቀጺሊና ከም እንሪኦ ስለ ምንታይ እዚ ሳልሳይ ዓይነት ራእይ እዚ እቲ ነታ እንኮ ናይ ሰማይ ራእይ እቲ ቁጽሪ ሓደን እቲ ቀንዲ ዕንቅፋትን ከም ዚዀነ ኪንርኢ ኢና።  

 

Â

እቶም መሰረታዊ ጠንቂታት እንታይ እዮም?

ሀ) ዓመጽእቲ ቀዳማይን ቀንዲ ጠንቂ (Core Cause) እዚ ዓይነት ራእይ እዚ፡ ዓመጽ ወይ ድማ ደቂ ዓመጽ እዮም።

ናይ’ቲ ኣብ ማእከል ህዝቢ ኣምላኽ ዘሎ ዓመጽን ዘይምእዛዝን፡ እዚ ማለት ናይቲ ኣንጻር ኣምላኽን ኣንጻር እታ ናይ ዘመናት ራእይኡን ዚዀነ ዓመጽን ዘይምእዛዝን እቲ መሰረታዊ ጠንቁ ክልተ ዓይት ጉጅለ ሰባት እዮም

(1) እቲ ቀዳማይ ጠንቂ ዓመጽ ሰይጣን ኰነ ኢሉ ኣብ ማእከል እቲ ድሑን ህዝቢ ኣምላኽ ዚዘርኦም ኣገልገልቱ ኣለዉ።  (1) እቲ ቀዳማይ ጠንቂ ዓመጽ እቶም ሰይጣን ኰነ ኢሉ ኣብ ማእከል እቲ ድሑን ህዝቢ ኣምላኽ ዚዘርኦም ዘሎ ኣገልገልቱ እዮም።  እዚኣቶም እቶም ቀንዲን ቀዳማይ ጠንቂ ናይቲ ኣብ ማእከል ህዝቢ ኣምላኽ ዘሎ ዓመጽን ዘይምእዛዝን እዮም።

 

ነዚኣቶም እቲ ህዝቢ ኣምላኽ በቲ ዘለዎም ኣስማትን መ ዓርግ መጸዊዒ(ታይቲሎም)፣ ደጋዊ ካሪዝማቲካዊ ተግባራቶም፣ መሳጢ፡ ማራኺ፡ መስድዒ፡ ዚዀነ ክእለት ኣዘራርበኦም፣ ወዘተ…  ስለ ዚዖረ ኪፈልዮም ኣይከኣለን። ዚሰሓተን እተደናገረን ህዝቢ እዩ! ልክዕ ከምቲ ሄዋን በቲ ኣዚዩ ጐራሕ ተመን ተታሊላ ኣብ ዓቢዪ ውድቀት ዚበጽሐት ነዚ ናይዚ ዘመንዚ ህዝቢ ኣምላኽ ድማ ልክዕ ከምኡ ወሪድዎ ኣሎ። ነዚኣቶም መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኢሉ ይጽውዖም፦

• ናይ ሓሶት ሃዋሪያት
• ናይ ሓሶት ነቢያት
• ናይ ሓሶት ጓሶት
• ናይ ሓሶት መምህራን
• ናይ ሓሶት ኣሕዋት
• ናይ ሓሶት መሲሃት ወይ ቅቡኣት
• ናይ ሓሶት ክርስቶሳት

 

እዚ ሓሳብ እዚ ብዝምልከት መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር እዩ ዘጠንቅቀናን ዘማለኽተናን።ነዞም ዚስዕቡ ክፍሊ ጽሑፋት ንመልከት፡-

  • ናይ ሓሶት ሓዋሪያት ብዛዕና ዚምልከት ኣብ 2ይ ቈረንቶስ 11፡1-14፣ ራእይ 2፡2 ንርኤ።
  • ናይ  ሓሶት ነቢያት ብዛዕባ ዚምልከት ኣብ ማቴዎስ 7፡15-20፣ 24፡11, 24፣ ማርቆስ 13፡22፣ ሉቃስ 6፡26፣ 1ይ ዮሃንስ 4፡1
  • ናይ ሓሶት ወንጌል ሰበኽቲ ብዛዕባ ዝምልከት ኣብ ገላትያ 1፡6-10 ንመልከት
  • ናይ ሓሶት ጓሶት ብዝምልከት ህዝቅኤል 34፡10፣ ኤርምያስ 25፡34፣ 50፡6፣ ዮሃንስ 10 (ዕሱባት ጓሶት=> ህይወቶምን ተግባሮምን ኣንጻር እቲ ሕያዋይ፣ዓቢዪ፣ ሓለቃ ጓሶት ዚዀነ ጓሳ እዩ።)
  • ናይ ሓሶት መማህራን ብዝምልከት ኣብ 1ይ ጢሞቴዎስ 1፡3፣ 2 ጴጥሮስ 2፡1
  • ናይ ሓሶት ኣሕዋት ብዝምልከት ኣብ 2ይ ቈረንቶስ 11፡26፣ ገላ 2፡4 ተመልከት
  • ናይ ሓሶት መሲሃት ብዝምልከት ማቴዎስ 24 ተመልከት
  • ናይ ሓሶት ክርስቶሳት ብልምልከት 1ይ፣2ይን 3ይ መልእኽትታት  ዮሃነስ ተመልከት

እዚኣቶም ናብረኦምን ዕላማኦምን ኣኽብዶም እዩ።
• ጸረ መስቀል ጎይታና የሱስ እዮም
• ጸረ ምኽሪ ኣምላኽን ራእይ ኣምላኽን እዮም

ነዚኣቶምን ኣብ ማእከል እቲ ህዚቢ ኣምላኽ ንዚገብርዎ ኩሉ ተግባሮምን መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚስዕብ ይገልጾም።
• “ሽዑ እግዚብሄር ፡ እቶም ነቢያትሲ ብስመይ ሓሶት ይንበዩ ኣለዉ፡፡ ራእይ ሓሶትን ጥንቈላን ከንቱነትን ናይ ልቦም ጥበራን ደኣ እዮም ዚንበዩልኩም ዘለዉ እምበር ኣነስ ኣይለኣኽኩዎምን ኣይኣዘዝኩዎምን ኣይተዛረብኩዎምን ድማ በለኒ፡፡” (ትንቢት ኤር14፡14)

• “እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቶም ዚንበዩልኩም ዘለዉ ነቢያትሲ ኸንቱነት እዮም ዚምህሩኹም ዘለዉ፡ ራእይ ልቦም እምበር እቲ ካብ ኣፍ እግዚኣብሄር ዚወጸ ኣይኰነን ዚነግሩኹም ዘለዉ እሞ ቃላቶም ኣይትስምዑ፡፡” (ትንቢት ኤር 23፡16)

 

 እዚኣቶም ኣበይ እዩ ኣድራሻኦም?

• ኣብ ማእከል ህዝቢ ኣምላኽ
• ኢዛቤል ግዲ ኣበይ እያ ዘላ?
– ራእይ 2 ኣንብብ- ኣብ ውሽጢ ቸርች ኣላ!
– እንታይ ትገብር?
– ነገልገልቲ ጎይታ ትምህር

(2) እቲ ኻልኣይ ናይቲ ኣብ ማእከል ህዝቢ ኣምላኽ ዘሎ እሞ ኸኣ ኣንጻር እታ ናይ ዘመናት ራእይ ኣምላኽ ዚዀነ ጠንቂ፡ እቶም እግዚኣብሄር ንምኽሪ ገዛእ-ርእሱን ነታ ሰማያዊ ራእይ ጥራይ ንኪነብሩ ዚቀብኦም ኣገልገልቲ ተገልቢጦም “ሳኦላት” ስለ ዚዀኑ።

1. ሳኦል ማለት ሳኦል ማለት እዩ።
• ሳኦል ራእይ ኣምላኽ ኣይነበሮን ፈጺሙ።
• ምስ ፍልስጥኤም ተዋጊኡ ብዙሓት ስለ ዚቀተለ ራእይ ነይሩዎ ማለት ኣይኰነን።

2. ሳኦል ኣብ ምሉእ ዘመኑ “እቲ ኣብዚ ምሉእ ኣድማስ እዚ እቲ ዚለዓለ ድሌት ኣምላኽ እንታይ እዩ? ከመይ ገይረኸ ነቲ ምኽሪቲ ክነብር እኽል” ዚብል ሓሳብ ኣይነበሮን ፈጺሙ።

3. ሳኦል ሓንሳእ ምስ ነገሰ ካብታ ደቂቃ እቲኣ ጀሚሩ፡ ከመይ ገይሩ ስልጣኑ የናውሕ፣ ከመይ ገይሩኸ ነታ ንግስነት ኣብናቱ ቤተሰብ ጥራይ ትቅጽል ኪዋጋእ ዘመን ዓሪብዎ ብሓንቲ መዓልቲ ድማ ምስ ደቁ ጠፊኡ።

4. ብዛዕባ ሳኦልን ምኽሪ ኣምላኽን እንታይ ከም እተጻሕፈ ኪንፈልጥ እንተዳኣ ደሊና፡ነዚ ዚስዕብ ነንብብ።

“ዳዊት ድማ ምስ ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ምስ ኲሎም መሳፍንትን ተማኸረ።ዳዊት ከኣ ንብዘሎ ማሕበር እስራኤል በሎ፡ እዚ ነኣኻትኩም ጽቡቕ መሲሉኩም እንተ ዀይኑ፡ እዚ ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽናውን እንተ ዀይኑስ፡ ናብቶም ዝተረፉ ኣሕዋትና ናብ ኲለን ሃገራት እስራኤልን ምስኦም ናብ ዘለው ኻህናትን ሌዋውያንን ከኣ ኣብተን ከተማታቶም መምስ ከባብኤን፡ ንሳቶም ናባና ምእንቲ ኺእከቡ፡ ልኡኻት ንስደደሎም። ነቲ ታቦት ኣምላኽና ብዘመን ሳኦል ኣይጠየቕናሉን ኢና እሞ፡ ናባና ነምጽኣዮ።” (1ይ ዜና 13፡1-3)

 

“ድሕርዚ ንጉስ ለመኑ፡ ኣምላኽ ከኣ ነርብዓ ዓመት ሓደ ሰብኣይ ካብ ነገድ ብንያም፡ ሳውል ወዲ ቂስ ሀቦም። 22ምስ ሰዐሮ ድማ፡ ንዳዊት፡ ንጉስ ኪኸውን፡ ኣተን ሰኣሎም፡ ዳዊት ወዲ እሴይ ኲሉ ፍቓደይ ዚገብር ሰብኣይ ዝኸም ልበይ ረኸብኩ፡ ኢሉ ኸኣ መስከረሉ።” ( ግብ.13፡21-22)

 

ሎሚውን እቲ በዓል ምኽሪ ኣምላኽ ነቶም ንናይ ሳኦል ቅዲ ኣገልግሎት ዚክተሉ እናሰዓሮም እዩ ዘሎ! ኣምላኽ ኣምላኽ እዩ! ንሱ ንሳኦላት ኣልጊሱ ንዳዊታት ዚቀብእ ብዓል ምኽሪ ኣምላኽ እዩ!

እወ ነቶም ነታ ናይ ዘለ ኣለም ራእይኡ ኣብ ክንዲ ዚነብሩ ንመንግስቲ ርእሶም ዚነብሩ ኣምላኽ ድሮ ንመንግስቶም ቀዲድዋ ኣሎ! ኣይትታለሉ! ኣምላኽ ብዛዕና ምኽሩ ኣይድቅስን እዩ!

ካብ ሳኦልነት ቅዲ ህይወትን ቅዲ ኣገልግሎት ኣምልጥ!

 

5.  ናይ ሳኦል ቅዲ ዚኽተሉ ኣገልገልቲ፡-
• ኣብ መጀመርታ ልቦም ገለ ቅንዕና ስለ ዚነበሮ ብኣምላኽ እተቀብኡ
• ድሓር ግና ብምኽንያት ዓመጻኦም እቲ ሓይሊ እታ መንግስቲ ካብኦም እተወስደ
• በቲ ናይ ቀደም ጀብዲ ጥራይ ሰብ ዚፈርሆምን ዚስዕቦምን
• ነታ ሓንሳእ ዚሓዝዋ ስልጣን ኪሳዕ ጊዜ ሞቶም ፈጺሞም ዘይሓድጉ
• ነቶም ናይ ኣምላኽ “ዳዊታት” ንምጥፋእ ዚለዓለ ዕላማኦም ዚገብሩ
• ብዛዕባ እታ ሰማያዊ ራእይ ዋላ ሓንቲ ደንታ ዘይብሎም
• ብናይ ጥንቆላ መንፈስ ንህዝቢ ዚገዝኡ(1ይ ዜና 10፡13

Â

ኣብዚ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣምላኽን ኣብታ ናይ ዘመናት ራእይ ኣምላኽን  ብህዝቢ ኣምላኽን ብመራሕቱን  ብዛዕባ ዚግበር  ዓመጽን ዘይምእዛዝን ተወሳኺን ሓደ መሰረታዊ ኣብነትን ንመልከት ።

 

“ኣብ እግዚኣብሄር ግዳ ኣይትዐምጹ፡ ንሳቶም እንጌራና እዮም ኣሞ፡ ንስኻትኩም ንህዝቢ እታ ምድሪ ኣትፍርህዎም። ኣቲ ዜጽልለሎም ካባታቶም ኣግሊሱ፡ ኣግዚኣብሄር ከአ ምሳና እዩ፡ ኣይትፍርህዎም። ብዘሎ እቲ ኣኼባ ግና ብዳርባ እምኒ ኪቐትሎም ተዛራረበ። ክብሪ እግዚኣብሄር ከአ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ንኹሎም ደቂ እስራኤል ተራእየ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ኽሳዕ መአዝ እዩ ዚንዕቀኒ፡ ክሳዕ መአዝከ እዮም በቲ ኹሉ ኣብ ማእከሎም ዘገበርክዎ ትእምርትታት ዘይኣምኑኒ፡  ብፌራ ኽወቖምን ከጥፍኦምን እየ፡ ንኣኻ ግና ካባታቶም ዚዐብን ዚብርትዕን ህዝቢ ኽገብረካ እየ፡ በሎ።” (ዘሁልቊ 14፡9-12)

Â

ሎሚ ነቶም ምኽሪ ኣምላኽ፣ እታ ናይ ዘመናት ራእይኡ ንዚነግሩኻ እቶም ከም ኤርምያስ፣ ከም ኤልያስ ዚበሉ ሕደት ተረፍ እሙናት ባሮት ኣምላኽዶ ብዳርባ እምኒ (በቲ ክፉእ ናይ ልብኻ ጽልኢን ጸለመን ) ትቀትሎም ኣሎኻ? እወ እዚ ምግባርካ ንኣምላኽ ሰማይ ምንዓቅካ ኣነጺሩ ዘርኢ ግሉጽ ምልክትካ እዩ!

 

ኣብዚ ኣብ ዘሁልቊ 14፡9 “ኣይቲዓምጹ!” ዝብል ቃል፡ ኣብ እብራይስጢ Marad እዩ ዚብሎ። ትርጉሙ ድማ (=>to rebel, revolt, be rebellious , against God, against light) ኣንጻር ኣምላኽ ምዕማጽ! ኣንጻር ብርሃን ምዕማጽ ማለት እዩ!

ሎሚ ነቶም ኣንጻር ኣምላኽን ኣንጻር ብርሃን ኣምላኽ ማለት ኣንጻር እታ ካብ ጸሓይ ኣዚያ ትደምቅ እታ ናይ ዘመናት ራእይ ኣምላኽ ዚዕምጹ ወይልኦም!

 

ኣምልጥ ካብቲ ኣዚዩ መርዛም ዚዀነ ጽልዋኦም! (Escape From Their Most Poisonous Influence)

እቶም ንከነኣን ንኪስልዩ ሙሴ ዚለኣኾም 12 ሰባት ተራ ሰባት ኣይነበሩን። ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ዚለዓለ መሪሕነት ዚነበሮም እዮም።ኣብ ዘሁልቊ 13፡3 “እዞም ሰባት እዚኣቶም ኵሎም ሓላቑ ደቂ እስራል ነበሩ” ይብል።

ሙሴ ናይ ጐይታና የሱስ ጽላሎትን ምሳሌን እዩ። ጐይታና የሱስ ነቶም 12 ሃዋሪት ቅድሚ ምሕራዩ ምሉእ ለይቲ ከም ዚጸለየ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና (ወንጌል ሉቃስ 6፡12-16)

ካብቶም ጐይታና የሱስ ዚሓረዮም 12 ሰባት ሓደ ጥራይ እዩ ደብሊሱ፡ እዚ ከኣ ብፍቃድ ኣምላኽ ዘይጐነስ ብፍቃድ እቲ ሰብ ገዛእ-ርእሱ! እምባኣር ሙሴ እቲ ባሪያ እግዚአብሄርውን ካብቶም 12ሲ እቶም 10 ድያበሎሳት እዩ ሓሪዩ ኪንብል ኣይንኽእልን። (ገለ ገለ ኣመንቲ ይሁዳ እስቆሮታዊ ካብ ፈለማኡ ወዲ ጥፍኣት እዩ ነይሩ ሰለ ዝብሉ እኮ እየ!እቲ ምጉቶም ኣብዚ ኪሰምዖ ደሊየ ኣለዅ! እሞ እዞም ካብቶም ሙሴ ዚሓረዮም 12ስ እቶም 10 ድያብሎሳት ነይሮም ወይ ድማ ከምቶም ኣብ ላዕሊ ኣብቲ ማእከል ህዝቢ ኣምላኽ ሰይጣን ዚዘርኦም ናይ ሓሶት ዓየይቲ ዲና ክንብሎም? እሞ ንዓሰርቲኦም ድያብሎሳት እንተ ኢልናዮም እቲ ብዘረበኦም ተጸልዩ ኣብቲ በረኻ እተወድኡ ኣስታት ክልተ ሚሊዮን ዚቁጽሩ ካብ ግብጺ ዚወጹ ህዝቢ ኣምላኽከ ብምልኡ ድያብሎስ ነይሩ ክንብል ዲና፧ ፧ ፧ ?)

ሙሴ ድያብሎሳት ዘይኰነስ ፡ ኣዚዮም ጥዑያት፣ ምርኡያት፣ መስተውዓልቲ፣ ጀጋኑ ተዋጋእቲ፣ ሓሉቑ ደቂ እስራኤል ዚዀኑ ሰባት እዩ ሓሪዩ።

 

እምባኣር ካብዞም ሙሴ ዚሓረዮም 12ስ እቶም ዓሰርተ ነቲ ካብ ግብጺ ዚወጸ ህዝቢ እንታይ ኣዚዩ ዘስካሕክ ሓደጋ ኣምጽእሉ? ናብታ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ምድሪ ተስፋ ከይኣተወ፡ ናብ ምድሪ ግብጺ ድማ ከይተመልሰ፡ ሓዲግ ሰማይ ሓዲግ ምድሪ ከም ዚበሃል ኣብ በረኻ ኮለል እናበለ ሞይቱ ተወደኤ!

እቲ ናይዚ ክፍእ ፍጻሜ እዚ መሰረታዊ ጠንቂ እንታይ እዩ? ኣብ ልዕሊ ኣምላኽን ኣብ ብርሃን ኣምላኽ(ፍሉይ ሓሳብ ኣምላኽ=>ራእይ ኣምላኽ) ምዕማጽ!

እምባኣር እዚ ኣብ ዘሁልቊ 14፡9 “ኣብ እግዚኣብሄር ግዳ ኣይቲዓምጹ!” ዚብል ቃል ነቲ ካብ ግብጺ ዘምለጠ ቢሚሊዮን ዚቁጸር ናይ እግዚኣብሄር ህዚቢ እተዋህበ ዚዓበየ ቀይሕ መጠንቀቅታ ዚእውጅ ቃል እዩ ነይሩ! እቲ ህዝቢ ግና ሰምዐዶ? ኣስተውዓለዶ? ካብቲ ክፉእ ዓመጻኡኸ ተመልሰዶ? ያ ኣይፋሉን!

ኣብ ልዕሊ እቶም ጽቡቅ ዘበሰሩ፣ ንኣምላኽ ሰማይ እታኣመኑ፡ ንምኽሩ ድማ ዘይተጻረሩ ክልተ ሰባት (እያሱን ካሌብን) እባዳኣ ብዓቢዪ ቁጣዓ ብዳርባ እምኒ ኪጭፍልቆም ተላዕለ! ኣብ ክንዲ ዘዀለስኩስ ኢደይ ተነኸስኩ ከም እተባህለ እዩ!

 

መን ናብዚ ሓደጋዚ ኣውዲቅዎም?

በቲ ኣዚዩ መርዛም ወረ እቶም ዓሰርተ ሰለይቲ ስለ እተጸልዉ!ንብዙሓት ዚጸሉ ሰብ ኪእመን ዚካኣል ሰብ እዩ። ሙሴ ኰነ እቲ ህዝቢ ኪእመኑ ዘይክእሉ ሰባት ኣይኰነን ልኢኹ!

Â

ደወል! ደወል! ደወል! ነዚ ናይዚ ዘመን እዚ ህዝቢ ኣምላኽ!

ደወል መጠንቀቅታ! ደወል መጠንቀቅታ! ደወል መጠንቀቅታ!

Â

ኣታ ናይዚ ወለዶዚ ህዝቢ ኣምላኽ ጽን ኢልካ ስማዕ! እዞም ዚመርሑኻ ዘለዉ መራሕትኻ ኩሎም “ሰይጣን ዚዘርኦም፣ ኣገልገልቲ ሓሶት፣ ኣገልገልቲ ድያብሎስ እዮም” ኪንብል ኣይንኽእልን ፈጺምና! ሓደ ነግር ግና ኣርጊጽና ንፈልጥ!ናብቲ ኣምላኽ ዚመኸረልካ ናይ ላዕሊ ናይ ሰማይ ጽዋዓ ንኸይትኣቱ ፡ ብኣውራጃ፣ ብብሄር፣ ብዓሌት፣ ብሃገር፣ብሃገራዊ ወኔ፣ ብእተፈላለየ ደክትሪን፣ ብተፈላለየ ንዮው ነጀው ትምህርቲ ንፋስ ኮለል እናበሉ፡ ኪሳውዲ (እተፈላለየ ካምፒታት ማለት እተፈላለዩ ደኖሚኔሽናት)  እናቀያየሩ ኣብ በረኻ ይቀትሉኻ ኣለዉ! ኣብ በረኻ የወድኡኻ ኣለዉ!

 

እስከ ሓንሳእ ከም ዕቡድ ኪቁጸር! እስከ ስለ መድሓንየይን ስለታ ዘይትሓልፍ ምኽሩን ከም ጽሉል ኪቁጸር!

Â

ደወል! ደወል! ደወል! ደወል!

ደወል እቲሰምዕ እዝኒ ንዘላቶ ኩሉ ደወል!

እተንብብ ዓይኒ ንዘላቶ ኩሉ ደወል!

ደወል ንብክርሰቶስ ሓወይ!

ደወል ንብክርሰቶስ ሓፍተይ!

ደወል ንብክረስቶስ ኣቦታተይ!

ደወል ንብክርስቶስ ኣዴታተይ!

ደወል ንደቂ ሰማያዊት ሃገረይ!

ደወል! ደወል! ደወል!

እቲ ገንሸል ይመጽእ ኣሎ! ደወል!

እቲ ገንሸል ይመጽእ ኣሎ! ደወል!

እታ ንምውሳዳ ዚመጽእ መርዓቱ መኣስ እያ ክትዳሎ! ደወል!

ተዳሊያ ንዚጸንሐት መርዓት ጥራይ ኪወስድ ከም ዚምለስ ዘንጊዕና ኣሎና! ደወል!

ደወል! ደወል! ናይ ምብርባር ደወል!

ናብ ምኽሪ ኣምላኽ ዚመልስ ደወል!

ነታ ክብርቲ መርዓት ክርስቶስ ዘዳሉ ደወል!

 

(ለ)ድነቊርና=> ዓመጽ እቲ ቀንዲን ቀዳማይ ጠንቂ ናይቲ እቲ ኣጻር ኣምላኽን እታ ናይ ሰማይ ራእይኡን ዚዀነ እሞ ኣብ ማእከል ህዝቢ ኣምላኽ ድማ ነጊሱ ዘሎ እተፈላለየ ዓይነታት ራእይ፡ ናብራ፡ ኣሰራርሓ፡ኣካይዳን ኩሉ ዘይምእዛዝን ኪኸውን ከሎ፡፡ ድንቁርና እቲ ካልኣይ ጠንቂ እዩ። እዚ ማለት ንራእይ እታ ናይ ዘመናት ምኽሪ እትፍጸመሉ ፍሉይ መለኮታዊ መገዲ ፍጹም ደንቈሮ ምዃን (Complete Ignorance to the Vision of the purpose of all the ages) ማለት እዩ።

 

እምባኣር እዚ እቲ መበል ካልኣይ ጠንቂ፡ ናይታ ኣብዚ ኣርእስቲዚ እንዛረበላ ዘለና እሞ ኣብ ማእከል ህዝቢ ኣምላኽ ድማ ነጊሳ ዘላ ሳልሰይቲ፡ ነታ እንኮ ናይ ሰማይ ራእይ ድማ ቀንዲ ዕንቅፋትን ተጻራሪትን ዝዀነ ዓይነት ራእይ እዩ። እዚ ድማ እቶም ጥዑያት ዚባሃሉ መራሕቲ ዀነ እቲ ህዝቢ ኣምላኽ ኩሎም ትኽክለኛ ምግላጽ እታ ሰማያዊ ራእይ ካብ ዘይምህላዎም እተላዕለ ነታ ናይ ዘመናት ራእይ ዓቢዪ ዕንቅፋት ይዀኑ። እቶም ክልተ ቀዳሞት ጉጅለታት ብምኽንያት ዓመጽ፡ እዚ ሳልሳይ ጉጅለዚ ድማ ብምኽንያት ድንቁርና!

• “ራእይ ዜልቦ እንተ ዀነ ህዝቢ ስዲ ይኸይድ ሕጊ ዚሕሉ ግና ብጹእ እዩ።” (ምሳሌ29፡18)።
• “Where there is no vision, the people perish: but he that keepeth the law, happy is he.”
• Where there is no revelation, the people cast off restraint; but blessed is he who keeps the law.”

 ስለምንታይ ትኽክለኛ ምግላጽ እዛ ሰማያዊ ራእይ ዘይረኸቡ? ስለምንታይከ እቲ ህዝቢ ራእይ ዘይብሉ ይኸውን?

1. ናብቲ ከረን ምግላጽ ስለ ዘይደየቡ
• ምናልባት ንገለ ገለ የዋሃት ወይ ድማ ዕምቆት ዘለዎ ፍልጠት እቲ ሓቂ ዘይብሎም ኣመንቲ የሰምብዶም ይኸውን እዚ፡ ይዅን ደኣእምበር ብዛዕባ ሙሴ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ እታ ናይ ዘመናት ራእይን ብዝምልከት ሓደ ሓቂ ክዛረብ። ሙሴ ክሳዕ ናብ ከረን ሲና ዚድይብ ነታ ናይ ሰማይ ራእይ ኣይራኣያን ኣይተቀበላን ነይሩ! 
• እዚ ኹሉ ኣብ ግብጺ ትእምርትን ታኣምራትን ብምግባር ነቲ ብዙሕ ህዝቢ ካብ ቅብጺ ኣውጺእዎ ክነሱ? እወ!

እዚ ኩሉ ብዓቢዪ ቅልጽም ኣምላኽ ንባሕሪ ኤርትራ ብምምቃል ነቲ ህዝቢ ናብ በረኻ መሪሕዎ ክነሱ? እወ!

• ኣብ ግብሪ ሃዋሪያት እኮ ሙሴ ንህዘቡ ኪበጽሕ ሓሳብ ኣተዎ ይብል እዩ? እወ!

• ነስተውዕል፡ ጽዋዓ ካብ ኣምላኽ ምቅባልን ጽዋዓኻ ምፍላጥን ሓደ ነገር እዩ ።
• ትኽክለኛ ምግላጽ እታ ሰማያዊ ራእይ ምርካብ ድማ  ካልእ ነገር እዩ።

 

እታ ናይ ዘመናት ራእይን ድንቊርናን ብዝምልከት ካልእ ዓቢይ ኣብነት ጳውሎስ እዩ። ጐይታና የሱስ ብምሕረቱ ኣብ መገዲ ደማስቆ ብዓቢዪ ሰማያዊ ብርሃን ጸዳል ተገሊጹ ጳውሎስ  ጻሕ ኢሉ ናብ ምድሪ ኪሳዕ ዚወድቅ ፊት ንፊት ኪሳዕ እተጋጠሞ እዋን ጳውሎስ ኣንጻር ክርስቶስን ነታ ናይ ዘመናት ራእይ ዘፍርስን ዘዕኑን ጉያ ይጐይ ነይሩ። ምስ እዚ ዅሉ ንኣምላኽ ቅንኣቱ? እወ! ምስ እዚ ዅሉ እስራኤላዊነቱ፡ ፈሪሳዊነቱ፡ ጸዓቱ፡ ጻዕሩ? እወ ምስቲ ኩሉ ኣብ ፍሊጲ 3፡3-6 ተዘርዚሩ ዘሎ ሸውዓተ-ዕጽፊ ዓበይቲታት ናስጋ ትምኽትታቱ! ጳውሎስ ነታ ማሕብር የጥፍኣ፣ይሰጓን  የዕንዋን ነበረ ይብል እቲ ጽሑፍ (ግብሪ ሃዋሪያት 8፡1-3፣ ገላትያ 1፡11-14 ብምስትውዓል ኣንብቦ)

 

ሎሚ ግዲ ነታ ማሕር ክርስቶስ ዘጥፍእዋ፣ዘዕንውዋ ዘለዉ መን እዮም? ንምድረ-ክርስትና መሊኦም ዘለዉ፡ ሃዋሪያት፣ነቢያት፣ ጓሶትን መማህራን ክርስቶሳት ኢና በሃልቲ!

ብኸመይ የጥፍኡዋ ኣለዉ? በቲ ዚስዕብዎን ዘተኩሩሉ እተፈላለየ ዶክትሪኖም፣ እተፈላለየ ትምህርትታቶም (ትምህርቲ ሃዋሪያት ግና እንኮ እወ እንኮ ጥራይ እያ ነይራ (ግብ. ሃ. 2፡42  ኣንብብ)

እንታይ እዩ እቲ መሰረታዊ ጠንቂታት? ኣብ ላዕሊ ብንጹር ዘርዝርናዮ ኣለና።

 ናብ ከረን ኣምላኽ ደይቡ ካብ ኣምላኽ ነቲ ናይ ዘመናት ምኽሪ ኣምላኽን ሰማያዊ ራእይን ዘይተቀበለ ሰብ ብምንታይ ይግልጽ?

• በቲ ንብረት ጐይታስ ምራዅት ብምቅራጽ ይግልጽ።

 ኣብነት?
• ካህን ኣሮን
• ሳኦል
• የሮበዓም ወዲ ናባጥ

እዚኣቶም ኣብነት እቶም ኣብ ብሉይ ኪዳን በቲ ድሑን ህዝቢ ኣምላኽ ገይሮም ናይ ገዛእ-ርእሶም መኖናርኪ፣ ንእሽቶ እምፓየር፣ …ዚሃነጹ እዮም።

 ኣብ ሓድሽ ኪዳንኸ?

• እዝግዮ! እዚኹሉ ናይዚ ዘመንዚ ደኖሚኔሽናት መን ድዩ ቀሪጽዎን ብቀጻሊውን ዚቀርጾ ዘሎን?
– ኣምላኽ?
– እዚ ኹሉ ናይዚ ዘመንዚ ኣስማት ደኖሚኔሽናትን ምፍልላይ ዚርግርግን ድብልቕልቕን ኣብ ቃል ኣምላኽ ንረኽቦ?
• ኖ! ኖ! ኖ!
• ገሊኡ እቲ ገይጋ ካብቲ ህዝቢ እዩ።
– ንካህን ኣሮን እቶም ህዝቢ እዮም ምራኽ ኪሰርሓሎም ደፋፊኦሞ
– ምናልባት በታ ምኽንያት እቲኣ ክትከውን ኣለዋ ሙሴ ዚነሓፎ። ትገርመኒ እያ!
– ዳርጋ ሞይቱ ዚተንሳኤ እያ!
– ካብ ኣንፊ እታ ብልሒ ንቁሩብ እዩ ኣምሊጡ!
– ዘጻኣት 32 ኣንብብ
እቲ ዚበዝሕ ከኣ እቶም ኣገልገልቲ እዮም ገይገኛታት።

 ብእተፈላለየ ሃይማኖታዊን መንፍሳዊ ዚመስሉ ቃላትን ዚወቀቡ፣ብጽቡቕ ጥቅስታት እተሰላለሙ ኣስማት መሪጽካ ደኖሚኔሽናት ምህናጽ እዚ ግሉጽ ምልክት እቶም ናብቲ ከረን ኣማላኽ ዘይደየቡ ኣገልገልትን ህዝብን እዩ።

 የሮብዓም ወዲ ናባጥ እኮ ነቲ ናይ ሰሜን መንግስቲ ” እስራኤል” ማለት “ናይ ኣምላኽ መስፍን” ኢሉ እዩ ሰምይዎ!
• እንታይ እሞ የገርም?
• ካብቶም ናይ ሰሜን 19-20 ዚዀኑ ነገስታት ኣብ ወለዶ እቲ ናይ ነገስታት ንጉስ ጐይታና የሱስ ዚኣተወ ዋላ ሓደ የለን።

ኣዚኻ ፍራህ! መንፈሳዊ ጀብድ ናይ ምስራሕ ጉዳይ ኣይኰነን!

ነታ ዘይትሓል ናይ ዘመናት ራእይዶ ትነብር ኣለኻ ወይስ ንምንታይ፧

ንምንታይ?

ነየናይ ምኽሪ ትነብር ኣለኻ?

ነየናይ ራእይ ትነብር ኣለኻ?

ኣብ በረኻ ዘትርፈካ ድዩ ወይ ናብ ሰማያዊ ከነኣን ዘእትወካ?

ምድራዊ ከነኣን ከም ዘላ ሰማያዊ ከነኣን ከም ዘላኸ ትፈልጥዶ!?

 

Â

Â

Â

Comment here