ኣብታ መንግስቲ ኣቦኡ ክርስቶስ እቲ ዋላ ሓደ መሳልን መወዳድርትን ዘይብሉ ፈጺሙ ፍሉይ እዩ። ካብ መላእኽቲ ዝመስሎ የለን! ካብ ደቂ ሰባት ዝመስሎ የለን። ካብ ዝዀነ ካልእ ፍጥረት ዝመስሎ የለን።
ነቲ ፍሉይን መሳሊ ዘይብሉ ብሉጽነት፣ ልዕልነትን ጸብለልትነትን(Superiority) ክርስቶስ ካብ ዝገልጹ ናይ ሓድሽ ኪዳን መልእኽቲታት ሓደ መልእኽቲ እብራውያን እዩ።
እብራውያን 1፥4-2፥18 => ክርስቶስ ካብ መላእኽቲ ኣዚዩ ከም ዝበልጽ ብንጹር ይዛረብ!
እብራውያን 3፥1-6 ክርስቶስ ካብ ሙሴ ኣዚዩ ከም ዝበልጽ ብንጹር ይዛረብ።
እብራውያን 4፥14-7፥28=> ክርስቶስ ካብ ኣሮን ኣዚዩ ከም ዝበልጽ ብንጹር ይዛረብ።
እብራውያን 8፥1-10፥18 => እቲ ናይ ክርስቶስ ሓድሽ ኪዳን ካብቲ ብሉይ ኪዳን ኣዚዩ ከም ዝበልጽ ብንጹር ይዛረብ።
ካብቶም ብክርዝቶስ ኣሚኖም ሓደስቲ ፍጥፈት ዚዀኑ ኩሎም ሰዓብቱኸ፡ ክርስቶስ ፍሉይ ብሉጽነት፣ ፍሉይ ልዕልነት፣ፍሉይ ጸብለልትነት፣ ፍሉይ ላዕለዋይነት፣ፍሉይ መሳሊ ኣልቦነት ኣለዎዶ ወይስ የብሉን!? ብስመ ”ብክርስቶስ” ማዕረ ክርስቶስ ኪኸውን ዝኽእል ሰዓቢ ክርስቶስ ኣሎ ድዩ!?
”ብክርቶስ ጽድቂ ኣምላኽ ኰይነ እየ! ብክርስቶስ ተቀዲሰ እየ፣ ብክርስቶስ ናብ ኣቦ ኣትየ! ወዘተ…” ብዝብል ስነ-ሓሳብ፡ “ኣነ ብክርስቶስ ከምዚ እየ! ኣነ ብክርስቶስ እዚ እየ፣ ኣነ ብክርስቶስ ከምዚ ከምቲ ኣለኒ” ብዝብል ሓሳብን ምርዳእን ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ብኹሉ ነገር ማዕረ ክርስቶስ ከም ዝዀና ኪንሓስብ፡ ወይ ድማ ንርእስና ምስ ክርስቶስ ከነስተኻኽላ ወይ ከነ መዓራርያ ሓድሽ ኪዳን ይምህረና ድዩ!? ብፍላይ ሃዋሪያት ከምዚ ዚዓይነቱ መንፈስ ወይ ምርዳእ ኣብቲ ዘገልገልዎ ህዝቢ ኣንጸባሪቆምን ኣጸቢቆም ምሂሮምን ድዮም!? ወይ ናይዚ ዘመንዚ መማህራን እዮም ኪንዮውን እቲ ደረት ሓሊፎም ኪንዮው እቲ ዝግባኣና ኪንሓስብ ዝገብሩና ዘለዉ? ከም ሓቂ ንንሕናሲ ብክርስቶስ ማዕረ ክርስቶስ ዲና? ኪንከውንከ ንኽእል ዲና? ወይስ ክርስቶስ ክሉ ጊዜን ኣብ ኩሉ ነገርን ፍሉይነት፣ ብሉጽነትን ላዕለዋይነትን ኣለዎ!?
”ድሕሪ ሹዱሽተ መዓልቲ ድማ ኢየሱስ ንጴጥሮስን ንያእቆብን ንዮሃንስ ሓዉን ወሲዱ ንበይኖም ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም። ኣብ ቅድሚኦም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ። ገጹ ኸም ጸሓይ ኣብርሄ፡ ክዳኑውን ከም ብርሃን ጸዕደወ። እንሆ ኸኣ፡ ሙሴን ኤልያስን ምስኡ እናተዛራረቡ ተራእይዎም። ጴጥሮስ መሊሱ ንኢየሱስ በሎ፡ ጐይታይ፡ ንኣና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ። ትፈቱ እንተ ዄንካስ፡ ኣብዚ ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ፡ ሓደ ንኣኻ፡ ሓደ ንሙሴ ሓደውን ንኤልያስ። ገና ኺዛረብ ከሎ፡ እንሆ፡ ብሩህ ደበና ኣጐልበቦም። እንሆ ኸኣ፡ ካብቲ ደበና፡ ዝፈትዎ ወደይ፡ ብእኡ ዝሰመርኩ እዚ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ፡ ዚብል ድምጺ መጸ። ደቀ መዛሙርቱ እዚ ሰሚዖም ብግንባሮም ተደፍኡ፡ ብዙሕ ድማ ፈርሁ። ኢየሱስ ቅርብ ኢሉ ተንከዮም፡ ተንስኡ ኣይትፍርሁውን፡ በሎም። ንላዕሊ ገጾም ቍሊሕ እንተ በሉ፡ ብዘይ ኢየሱስ በይኑ ሓደ እኳ ኣይረኣዩን።” (ማቴዎስ 17፡1-8)
ኣብዚ ጰጥሮስ በቲ ድኹም ምርድኡ ማለት እዩ፡ ንክርስቶስ ምስ ኤልያስ፣ ምስ ሙሴ ከመዓራርዮ ፈቲኑ! ንሰለስቲኦም ማዕረ ዝዀነ ዳስ ኪሰርሓሎም ደሊዩ! ኣብዚ ጰጥሮስ ንሙሴን ኤልያስን ምስ ክርስቶስ ማዕረ ዝዀነ ክብሪ፣ ማዕረ ዝዀነ ስፍራ፣ ብኹሉ ነገር ማዕረ ክርስቶስ ዝዀነ ቦታ ኪህቦም ፈቲኑ!
እግዚኣብሄር ኣቦ ግና ንወዱ ሙሴ ኰነ ኤልያስ፡ ካልእ ፍጥረትውን እኝተዀነ ከም ዘይመዓራረዮ ብንጹር ኣዊጁን ኣዚዙን!
እወ ንክርቶስ፡ ሙሴ ኣይመዓራረዮን! ኤልያስ ኣይመዓራረዮን! ክርስቶስ ፍሉይ እዩ፣ ብሉጽ እዩ፣ መሳሊን መወዳድርትን የብሉን ኣብታ መንግስቲ ኣቦኡ!
”ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ ኣባኻትኩም ክርክር ከም ዘሎስ፡ ብዛዕባኹም ሰብ ቤት ቀሎኤ ነጊሮምኒ ኣለዉ፡ እዚ ማለት፡ ነፍሲ ወከፍኩም፡ ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ፡ ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ፡ ኣነ ናይ ኬፋ፡ ኣነስ ናይ ክርስቶስ እየ፡ ከም እትብሉ፡ እዚ እየ ዝብል ዘሎኹ። ኣሕዋተየ፡ ኲላትኩም ሓደ ዘረባ ኽትዛረቡ፡ ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ፍጹም ክትጋጠሙ እምበር፡ ምፍልላይ ከይህልወኩም፡ እምዕደኩም ኣሎኹ።” ( 1ይ ቈረንቶስ 1፡10-12)
ሰብ ቈንቶስ ነፍሲ ወከፍከፎም፡ ”ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ፡ ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ፡ ኣነ ናይ ኬፋ፡ ኣነስ ናይ ክርስቶስ እየ” ኢሎም! እዚ ማለት በቲ ድኹም ምርድኦም ንጳውሎስ፣ ንኣጲሎስ፣ ንኬፋ ምስ ክርስቶስ ኣመዓራርዮሞ ማለት እዩ! ወይ ድማ ንክርስቶስ ምስ ጳውሎስ፣ ምስ ኣጲሎስ፣ ምስ ኬፋ ኣመዓራዮሞ ማለት እዩ!
እቲ ”ንሕና ግና ሓሳብ ክርስቶስ ኣሎና” ዝበለ ሰብ (1ይ ቈረንቶስ 2፡16)እሞ፡ ብሓቂ ድማ ሓስብ ክርስቶስ ብትኽክል ዝነበሮ ባሪያ ኣምላኽ ጳውሎስ ግና፡ ንክርስቶስ ኬፋ ከም ዘይመዓራረዮ፣ ኣጲሎስ ከም ዘይመዓራረዮ፣ ጳውሎስ ከም ዘይመዓራረዮ መስኪሩን ምሂሩን!
ብርግጽ ንክርስቶስ መሳሊ የብሉን!
ብዛዕባ ዝነገር እዚ ኣብ 1ይ ቈረንቶስ 3፡ 21-23 ጳውሎስ ንጹር ዝዀነ ትምህርቲ ሂቡ ኣሎ።
”ጳውሎስ ወይ ኣጵሎስ፡ ኬፋ ዀነ ዓለም ኰነት፡ ህይወት ኰነት ሞት ኰነ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ኲሉ ናታትኩም እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ብሰብ ኣይመካሕ። ንስኻትኩምሲ ናይ ክርስቶስ ደኣ ኢኹም፡ ክርስቶስውን ናይ ኣምላኽ እዩ።”
ንሕና እቶም ሓደስቲ ፍጥረት ኩላህና፡ ናይ ጳውሎስ፣ ናይ ኣጲሎስ፣ ናይ ኬፋ፣ ናይ ዓለም፣ ናይ ሞት፣ ናይ ህይወት፣ ናይ ዘሎ ኰነ ናይ ዝመጽእ ዘይኰናስ ናይ ክርስቶስ ጥራይ ኢና! ንሕና ኩላህና፡ ናይ ጳውሎስ፣ ናይ ኣጲሎስ፣ ናይ ኬፋ፣ ናይ ዓለም፣ ናይ ሞት፣ ናይ ህይወት፣ ናይ ዘሎ ኰነ ናይ ዝመጽእ ዘይኰናስ ናይ ክርስቶስ ጥራይ ካብ ኰንና ድማ፡ ብርግጽ ክርስቶስ ካብ ጳውሎስ፣ ካብ ኣጲሎስ፣ ካብ ኬፋ፣ ካብ ዓለም፣ ካብ ሞት፣ ካብ ህይወት፣ ካብቲ ዘሎ ኰነ ካብቲ ዝመጽእ ዝኰነ ነገር ኩሉ ኣዚዩ እተፈልየን ኣዚዩ ዝበልጽን እዩ!
ኖንዶ ሙሴ፣ ኤልያስ፣ እያሱ፣ ኣሮን፣ ጰጥሮስ፣ ጳውሎስ፣ ኣጲሎስ፣ ወዘተ…፡ ንሳቶም ከኣ ካብ ኣዳም ዝመጹ ሰባት (እዚኣቶም ኩሎም ደቂ ኣዳም እዮም) ንክርቶስ ኪመዓራረይዎ፡ እቲ ቀዳማ ኣዳም ባዕሉ ንክርስቶስ ከም ዘይመዓራረዮ፡ ጳውሎስ ብንጹር መስኪሩን ምሂሩን ኣሎ!
”ነፍሳዊ ስጋ ይዝራእ፡ መንፈሳዊ ስጋ ይትንስእ። ነፍሳዊ ስጋ ኻብ ዚህሉ፡ መንፈሳዊ ስጋውን ኣሎ። ከምኡ ድማ፡ እቲ ቐዳማይ ሰብ፡ ኣዳም፡ ህያው ነፍሲ ዀነ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ፡ እቲ ዳሕራይ ኣዳም ህያው ዚገብር መንፈስ ኰነ። ግናኸ ቅድም እቲ ነፍሳዊ እዩ እምበር፡ እቲ መንፈሳዊ ኣይኰነን፡ ደሓር እቲ መንፈሳዊ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሰብ ካብ ምድሪ ዀይኑ መሬታዊ እዩ፡ እቲ ኻልኣይ ሰብ ግና ካብ ሰማይ እዩ። ከምቲ መሬታዊ ኸምኡ ኸኣ እቶም መሬታውያን እዮም፡ ከምቲ ሰማያዊ ድማ ከምኡውን እቶም ሰማያውያን እዮም። ከምቲ ምስሊ እቲ መሬታዊ ዝለበሰና፡ ምስሊ እቲ ሰማያዊ ድማ ክንለብስ ኢና።” (1ይ ቈረንቶስ 15፡44-49)
እቲ ነፍሳዊ፣ መሬታዊ፣ ካብ ምድሪ፣ ወዘተ ዝዀነ ቀዳማይ ኣዳም ነቲ ሰማያዊ መንፈሳዊን ፍሉይን ዝዀነ ክርስቶስ ኣይመስሎን ኣይመዓራረዮን!
እምባኣር ዝዀነ ካባና እቶም ብክርስቶስ ኣሚንና ሓደስቲ ፍጥረት ዝዀንና ሰባት እተቀበልና ጸጋ ንቀበል ብዘየገድስ፣ ብክርስቶስ ዝኰንና ንኹን ብዘየአገድስ፣ ክርስቶስ ካባና እተፈልየን ካባና ዝበልጽን እዩ! ንክርስቶስ ዋላ ሓደ ዝመስሎን ዝመዓራረዮን ሰብ የለን ዋላ ካብቶም ብክርስቶስ ዝዀኑ ሰባትውን እንተዀነ!
እዚ ካብ ጸሓይ ዝነጸረ ሓቂ እዩ! ዋላ ሓደ እኳ ካብ ነፍሲ ወከፍና ብውልቂ ማዕረ ክርስቶስ ዝዀነ ወይ ኪኸውን ዝእኽል የለን። ብክርስቶስ ነፍሲ ወከፍና ሓደስቲ ፍጥረት ኰይና ኢና፡ (2ይ ቈረንቶስ 5፥17)። ከም ሓደስቲ ፍጥረት ድማ ነፍስ ወከፍና ኣካላት ክርስቶስ ደኣ እምበር ክርስቶስ ባዕሉ ወይስ ማዕሪኡ ኣይንመጽን ኣይንኸውንን ኢና ፈጺምና።
እስከ ገለ ገለ ኣካላትና ብምጥቃስ ኣብነት ንመልከት።
ዓይነይሲ ማዕረ ኢቲ ግዙፍ ስጋይ ድያ? ያ ኣይፋላ! ምስ ስጋይ ተነጻጺራ ዓይነይ ኣዚያ ንእሽቶ ኣካል እዩ።
እዝነይ ማዕረ እቲ ግዙፍ ስጋይ ድያ? ያ ኣይፋላ! ምስ ስጋይ ተነጻጺራ እዝነይ ኣዚያ ንእሽቶ ኣካል እያ!
ኣፍንጫይ ማዕረ እቲ ግዙፍ ስጋይ ድያ? ያ ኣይፋላ! ምስ ስጋይ ተነጻጺራ ኣፍንጫይ ኣዚያ ንእሽቶ ኣካል እያ!
መልሓሰይ ማዕረ እቲ ግዙፍ ስጋይ ድያ? ያ ኣይፋላ! ምስ ስጋይ ተነጻጺራ መልሓሰይ ኣዚያ ንእሽቶ ኣካል እያ!
እምባኣር ከም ሓደስቲ ፍጥረት ብክርስቶስ፡ብውልቂ ፡ኖንዶ ማዕረ ክርስቶስ ኪንከውንሲ ፡ ማዕረ እታ ኣዚያ ገዛፍ ማሕበሩ፡ ንሳ ከኣ ስጋኡ እኳ ኪኸውን ዝኽእል ኣካል ክርስቶስ የለን ፈጺሙ። ከም ኣካላት ስጋና እቲ ኣብ መልሓስና እተዓደለ ጸጋን ምልኣት ህይወትን ማዕረ እቲ ኣብቲ ምሉእ ስጋና ተዓዲሉ ዘሎ ጸጋን ምልኣትን ኣይኰነን ፈጺሙ። ኣብ መልሓስና፡ ንመልሓስና ንምጥዓምን (መቀረት ንምፍላጥ) ምዝራብን ዘኽእላ ድሩት ጸጋን ምልኣት ህይወትን ጥራይ እዩ ተዓዲሉ! ኩሉ እቲ ኣብቲ ምሉእ ስጋና ዘሎ ጸጋ፣ ምልኣት ህይወት፣ ኣገልግሎትን ብቅዓትን ኣብ መልሓስና የለን ፈጺሙ። ኣብ መልሓስና ተዓዲሉ ዘሎ ጸጋን ምልኣት ህይወትን ውሱንን ድሩትን እዩ።
ልክዕ ከምኡ ፡ ከም ኣካላት ስጋና እቲ ኣብ ዓይኒና እተዓደለ ጸጋን ምልኣት ህይወትን ማዕረ እቲ ኣብቲ ምሉእ ስጋና ተዓዲሉ ዘሎ ጸጋን ምልኣትን ህይወትን ኣይኰነን ፈጺሙ። ኪኸውን እውን ኣይክእልን ፈጺሙ። እቲ ኣብ ዓይንንና እተዓደለ ጸጋን ምልኣት ህይወትን ንዓይንና ንምርኣይ ዘኽእላ ድሩት ጸጋን ህይወትን ጥራይ እዩ።
ከም ኣካላት ስጋና እቲ ቅኣብ ኣፍንጫና እተዓደለ ጸጋ፣ ምልኣት ህይወት፣ ወዘተ ማዕረ እቲ ኣብቲ ምሉእ ስጋና ተዓዲሉ ዘሎ ጸጋን ምልኣትን ኣይኰነን ፈጺሙ። ንምሽታት ጥራይ ዘኽእል ድሩት ጸጋ እዩ ኣብ ኣፍንጫና ተዓዲሉ። ልክዕ ከምኡውን ንምስማዕ ጥራይ ዘኽእል ድሩት ጸጋ እዩ ኣብ ኣእዛንና ተዓዲሉ።
“ከምቲ ስጋ ሓደ ኽነሱስ፡ ብዙሕ ኣካላት ዘለዎ፡ ብዘሎ እቲ ኣካላት ስጋ ኸኣ፡ ብዙሕ ክነሱስ፡ ሓደ ስጋ ዝዀነ፡ ክርስቶስ ከኣ ከምኡ እዩ። ኣይሁድ ወይስ ጽርኣውያን፡ ባሮት ወይስ ጭዋታት እንተ ዀንና፡ ንሕና ዂላትና ሓደ ስጋ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብሓደ መንፈስ ተጠሚቕና ኢና እሞ፡ ሓደ መንፈስ ሰቴና። እቲ ስጋ ኸኣ ብዙሕ እምበር፡ ሓደ ኣካል ኣይኰነን እሞ፡ እግሪ፡ ኢድ ካብ ዘይኰንኩስ፡ ናይ ስጋ ኣይኰንኩን፡ እንተ በለ፡ በዚዶ ናይ ስጋ ምዃኑ ይተርፎ እዩ፧ እዝኒ ድማ፡ ዓይኒ ኻብ ዘይኰንኩስ፡ ናይ ስጋ ኣይኰንኩን፡ እንተ በለት፡ በዚዶ ናይ ስጋ ምዃና ይተርፍ እዩ፧ ብዘሎ እቲ ስጋ ዂሉ ዓይኒ እንተ ዚኸውን ደኣ፡ ምስማዕ ኣበይ ምተረኽበ፧ እቲ ስጋ ዂለንትናኡ ምስማዕ እንተ ዚኸውንከ፡ ምሽታት ኣበይ ምተረኸበ፧ ሕጂ ግና ኣምላኽ፡ ንሱ ኸም ዝደለዮ ገይሩ፡ ነቲ ኣካላት ንነፍሲ ወከፉ ኣብቲ ስጋ ሰርዖ። ኲሉ ኣካላት ሓደ ኣካል ጥራይ እንተ ዚኸውንከ፡ እቲ ስጋ ኣበይ ምሃለወ ፧ ሕጂ ግና ኣካላት ብዙሕ፡ እቲ ስጋ ግና ሓደ እዩ። ዓይኒ ንኢድ፡ ኣይደልየክን፡ ክትብላ ኣይከኣላን እዩ፡ ወይስ ርእሲ ድማ ነእጋር፡ ኣይደልየኩምን፡ ክትብሎም ኣይከኣላን እዩ። እቶም ድኹማት ዚመስሉ ኣካላት ስጋ እባ ግዳ እዮም ኣዝዮም ዚድለዩ። ነቲ ኣብ ስጋ ዘሎ ሕሱር ዚመስለና ኸኣ፡ ብዚበዝሕ ክብሪ ንኸድኖ፡ ንሓፍረትናውን ኣዚና ብኽብሪ ንኽውሎ። እቲ ኽቡር ኣካላትና ግና እዚ ኣየድልዮን እዩ። ግናኸ እቲ ኣካላት ንሓድሕዱ ሓደ ሓልዮ ኺህልዎ እምበር፡ ኣብቲ ስጋ ምፍልላይ ምእንቲ ኸይከውንሲ፡ ኣምላኽ ነቲ ኽብሪ ዝጐደሎ ኣካል ዚበዝሕ ክብሪ እናሃበ፡ ነቲ ስጋ ኣጋጠሞ። ሓደ ኣካል እንተ ተሰቀየ፡ ኲሉ ኣካላት ይስቀ፡ ሓደ ኣካል እንተ ኸበረ ኸኣ፡ ኲሉ ኣካላት ሐቢሩ እዩ ዚሕጐስ። እምብኣርከ ንስኻትኩም ስጋ ክርስቶስ ኢኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ በብኽፍሉ ኣካላቱ ኢኹም።” (1ይ ቈረንቶስ 12፥12-27)
“ከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝዓደሎ መስፈር እምነት ገይሩ ደኣ፡ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፡ ካብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሐስብሲ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ፡ በቲ እተዋህበኒ ጸጋ እብሎ ኣሎኹ። ከምቲ ኣብ ሓደ ስጋ ብዙሕ ኣካላት ዘሎና እሞ፡ ብዘሎ ኣካላት ከኣ ተግባሩ ሓደ ዘይኰነ፡ ንሕና ብዙሓት ከኣ ከምኡ ብክርስቶስ ሓደ ስጋ ኢና፡ በብሓደ ግና ነንሓድሕድና ኣካላት ኢና። ከምቲ እተዋህበና ጸጋ በበይኑ ዝዀነ ውህበት ጸጋ ኻብ ዚህልወናስ፡ ትንቢት እንተ ዀይኑ፡ ብልክዕ እምነትና ይኹን።” (ሮሜ12፥3-6)
እምባኣር በብውልቂ እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣካላትና ተዓዲሉ ዘሎ ጸጋን ህይወትን ውሱንን ድሩትን እዩ። እቲ ዓዳሊ ባዕሉ ንነፍስ ወከፍ መጢኑ ከም ዝዓደሎ እዩ ማለት እዩ።
ብርግጽ መልሓስና “ብስጋና” ማዕረ ስጋና ከም ዘይኰነት ኪትከውን እውን ከም ዘይትኽእል ኩሉ፡ ልክዕ ከምኡ ድማ፡ “ብክርስቶስ” ማዕረ ክርስቶስ ኪኸውን ዝኽእል ሓድሽ ፍጥረት ዝዀነ ኣካል ክርስቶስ የለን ፈጺሙ!
ሎሚ ግና እቶም ናይ ክርስቶስ ዝዀና፡ ብኹሉ ነገር ማዕረ ክርስቶስ ከም ዝዀና ዝዛረብ፡ ንብዙሓት የዋሃት ዘዛብዕን ዝምርዝን ዘሎ ባዶሽን መጽሓፍ ቅዱሳዊ መዘረት ኣልቦ ዝዀነ ካልእ ምህሮ ኣብ ማእከልና ኣትዩ ኣሎ።
ደቂ ጓል ህዝበይ ስማዕ! ናብታ ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እተቀበሉዋ እንኮ ኣዚያ ንጽርትን ጽርይትን ትምህርቲ ሃዋርያት ብምምላስ ካብዚ ንብዙሓት ዘርክስን ዘጥፍእን ዘሎ ጽንጽዋይ እዚ ዘመንኣምልጥ!
“ሽዑ ኢየሱስ መሊሱ በሎም፥ ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር፡ ናተይ ኣይኰነን። ፍቓዱ ኺገብር ዚደሊ እንተሎ፡ ንሱ ብዛዕባ ትምህርተይ ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡ ወይስ ካብ ርእሰይ እንተ ዀይኑ ዝዛረብ ዘሎኹ፡ ኪፈልጥ እዩ። እቲ ኻብ ርእሱ ዚዛረብ ክብረት ርእሱ እዩ ዚደሊ። እቲ ነቲ ዝለኣኾ ኬኽብር ዚደሊ ግና፡ ንሱ ሓቀኛ እዩ እሞ፡ ኣብኡ ዓመጻ የልቦን።” (ዮሃንስ 7፥16-18)
እታ እንኮ ናይ ሓቂ ምህሮ፥ መበቈላ እቲ ኣብ ሰማየ ሰማያት ዝነብር ኣቦ እዩ! እዛ እንኮ ምህሮ እዚኣ እታ ኣብ ምሉእ ኣድማስን ኣብ ወለዶታት ኩሉን እታ ንጽልቲ (Single)፣እታ ፍልይቲ (Unique)፣ እታ ጽርይቲ (Pure)፣ እታ ቅድስቲ ፡እዚ ማለት ተራ ካብ ዝዀኑ ካልእ ምህሮታት ኣዚያ እተፈልየት (Holy, Uncommon!) ፣ እታ ሰማያዊት Heavenly) ምህሮ እያ!
እታ ጐይታና የሱስ ካብ ሰማይ ካብ ኣቦኡ ናብዛ ዓለም እዚኣ ሒዝዋ ዝመጸ እንኮ ምህሮ እዚኣ እያ! ጐይታና የሱስ ካብታ ምህሮ ኣቦ እተፋልየት፡ ካልእ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝዀነት ምህሮ ሒዙ ኣይመጸን። እታ ሃዋርያት ንካልእ ምህሮታት ኩሉ ደርቢዮም፡ ተጠንቂቆም፣ኣኽቢሮም፣ነኺሶም ሒዞምን ብምሉእ ልቦም፡ ብኩሉ ነፍሶምን ብኩሉ ሓይሎምን ናይ ገዛእ ርእሶም ቈጺሮም ዝሓዝዋን ፈጺሞም ዝወነኑዋን (absolutely possess ዝገብሩዋ) እንኮ ምህሮ እዚኣ እያ። ስለ ዝዀነ እያ ድማ ትምህርቲ ሃዋርያት ተባሂላ ተሰሚያ!
“ብትምህርቲ ሃዋርያትን ብሕብረትን ብምቚራስ እንጌራን ብጸሎትን ጸኒዖም ነበሩ።” (ግብሪ ሃዋርያት 2፥42)
ሎሚ ነዛ እንኮ ጽርይቲ፡ምህሮ እዚኣ ኣዚዩ ዘይተኣደነን እዚ ኢልካ ዘይግመትን መግደራ ገጢምዋ ኣሎ። ምህሮታት ኖስቲክስ፣ ምህሮታት ኒቈላውያናት፣ ምህሮታት በላዓማት፣ ምህሮታት ኢዛቤላት፣ ብዙሕ ዚዓይነቱ ጋሻ ምህሮታትን ትምህርቲ ንፋሳት ኩሉን ተማዓራርይዋ ጥራይ ዘይኰነሲ እዚ ዓብሊሉዋን ናብ ሓደ ኣንጎሎ ደፊኡ ኣጸጊዕዋን ኣሳዲድዋን ኪትርኢ ከሎኻ ዝስማዓካ ጓሂን ሓዘንን ኣዚዩ ዓሚቁን ጥሉቅን እዩ።
ናብዚ መንፈሳዊ መግደራ እዚ ካብ ዘውደቀና ጠንቂ ሓደ፡ እቲ ናይቲ ሕሩይ ህዝቢ ኣምላኽ ድንቁርናን ስቅታን እዩ። ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ጎይታና ፈጺሙ ዝጸልኦ ኣብ ኪንዲ ዝጸልኦ ስለ ዝፈትዎ፣ ኣብ ኪንዲ እቲ ሕሩይ ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ዘይዕገሶ ትምህርትታትን ልምምዳትን እቲ ህዝቢ ክርስቶስ ድማ ልክዕ ከምኡ ዘይዕገስ ኣብ ኪንዲ ዝኸውን እቲ ህዝቢ ባዕሉ ስቅ ኢሉ ስለ ዚሪኦ፡ ድያብሎስ ብነጻነት ድላዩ ይገብር ኣሎ።
“ግናኸ ነቲ ኣነውን ዝጸልኦ ዘሎኹ ግብሪ ኒቆላውያን ንስኻ ትጸልኦ ኢኻ እሞ እዚ ግዳ አሎካ። እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ። ነቲ ዚስዕር ካብታ ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘላ ኦም ህይወት ኪበልዕ ክህቦ እየ።” (ራእይ 2፥6-7)
“ግናኸ ነታ፡ ነብዪት እየ፡ እናበለትሲ ነቶም ኣገልገልተይ ኪምንዝሩን ንጣኦታት እተሰውኤ ኺበልዑን እትምህሮምን እተስሕቶምን ዘላ ኢዛቤል፡ ነታ ሰበይቲ እቲኣ ስቕ ኢልካ ምርኣይካ ረኺበልካ አሎኹ።” (ራእይ 2፥20)
ነታ ሰበይቲ እቲኣ ስቅ ኢልካ ብርኣይካ! እህ ህ ህ ህ ህ! ከምዚ ሎሚ ብዙሓት ክብሪ ርእሶም ንምሕላውን ስለ ክርስቶስ ምእንቲ ከይጽልኡን ስቅ፡ስቅ፡ስቅ፡ስቅ፡ስቅስቅ ኢሎሚ ዝርኡ ዘለዉ ማለት እኮ እዩ!
ኣታ ሕሩይ ሰማያዊ ህዝቢ ኣምላኽ ነቶም ካብታ እንኮ ትምህርቲ ሃዋርያት ወጻኢስ፡ ካልእ በብዓይነቱን እተፈላለየን ጋሻ ምህሮታት ንፋስ እናመሃሩ፡ ካብቲ ጽሩይ፡ቅዱስ፡ ፍሉይ፡ ሰማያዊ፡ ክርስቶሳዊ፡ ዘለኣለማዊ ሓድነትካ ዝፈላልዩኻ ዘለዉ እኩያትን ጠበርቲ ዓየይትን እባ ንጹር ምልክት ግበረሎም!
“ግናኸ ኣሕዋተየ፡ ነቶም ካብቲ እተመሃርኩምዎ ምህሮ ምፍልላይን መዓንቀፍን ዚገብሩ ኽትዕዘብዎም፡ እምዕደኩም ኣሎኹ። እቶም ከምዚኣቶም ዝበሉ ንኸብዶም እምበር፡ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣየገልግልዎን፡ ብጥዑም ዘረባን ምርቓን ልቢ እቶም ገርህታት የስሕቱ እዮም እሞ፡ ካባታቶም ኣግልሱ።” (ፎሜ 16፥17-18)
እወ እቲ ሰማይ ኪሓልፍ ንሱ ግና ንዘለኣለም ዘይሓልፍ ቅዱስ ጽሓፍ ቃል ኣምላኽ፡ብንጹርን ብግልጽን “ገለ ሰባት ካብ ቀደም ነዚ ፍርዲ እዚ እተጻሕፉ፡ ፍርሃት ኣምላኽ ዜብሎም፡ ነቲ ጸጋ ኣምላኽና ናብ ርኽሰት ዚልውጥዎ፡ ነቲ ሓደ በይኑ ገዛእን ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዚኽሕድዎ፡ ስሉኽ ኢሎም ኣትዮምኹም አለዉ።” (ይሁዳ 1፥4) ይብል ከም ዘሎ፡ ሎሚውን ነዘሞ ገዛእ ርእሶም መማህራይንን ስበኻቲ እቲ ናይ ሓሶት ቅዳሕ ጸጋ (The Counterfeit Grace) ብምቁጻር፡ ብድፍረት ኣትዮምኻ ዘለዉ ዓየይቲ ዓቢዪ ምልክት ግበረሎም!
ኣታ ሕሩይ ሰማያዊ ህዝቢ፡ እቲ እንኮ ትምህርቲ ጸጋ፡ ንሱ ከኣ እቲ ጥዑይ ምህሮ ብንጹርን ኣጉሊሑን ከምዚ እናበለ እዩ ዝምህረካ፡ዝምዕደካ፡ዘጠንቅቀካን ዘመልክተካን፡
“ጸጋ ኣምላኽ ተገሊጹ እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሰብውን ምድሓን ኣምጺኡ፡ እቲ ብሩኽ ተስፋን ናይቲ ዕዙዝ ኣምላኽናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ምግላጽ ክብሪ እናተጸቤና፡ ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድና፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን በምልኾን ክንነብር ይምህረና አሎ። ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዓመጻ ዘበለ ምእንቲ ሓራ ኼውጽኣና፡ ንርእሱውን ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእን ገንዘቡ ዚዀኖን ህዝቢ ምእንቲ ኼንጽህ ኢሉ፡ ነፍሱ በጃና ኣሕለፈ። (ቲቶስ 2፥11-14)
ቀጺሉውን እቲ ጥዑይ ምህሮ ጸጋ ከምዚ ይብል፥
“ድማ፡ እቲ ጊዜ ቐረባ እዩ እሞ፡ ንቓል ትንቢት እዚ መጽሓፍ እዚ ኣይትሕተሞ። እቲ ገፋዒ ኣዝዩ ይግፋዕ፡ እቲ ርኹስ ኣዝዩ ይርከስ፡ እቲ ጻድቕ ኣዝዩ ጽድቂ ይግበር፡ እቲ ቅዱስውን ኣዝዩ ይቀደስ፡ በለኒ። እንሆ፡ ቀልጢፈ እመጽእ አሎኹ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኽፈድዮ ኸኣ፡ ዓስበይ ምሳይ እዩ።” (ራእይ 22፥10-12)
ሎሚ እቶም ኣገልገልቲ ኣሕዋት ሓስቶ ዝዀኑ፡ ኣገልገልቲ ሓሶት ወይ ሓዋሪያት ሓሶት (2ቈረንቶስ 11፥13፣ 11፥26)፡ ብድፍረቶምን ብትዕቢቶምን ነቶም “እቲ ጻድቕ ኣዝዩ ጽድቂ ይግበር፡ እቲ ቅዱስውን ኣዝዩ ይቀደስ” ንዝብል ክርስቶሳዊን ሃዋሪያውን ትምህርቲ ኣተኲሮም ዝምህሩ ናይ ሓቂ ዓየይቲ፡ “መማህራን ሕጊ ሙሴ፣ መማህራን ኩነኔ፣ ለጋሊስት” ወዘተ ዝብል ትዕቢታዊ ላግጽታቶም የቃልሑ ኣለዉ!ካብቶም ከምዚ እናበሉ ኣብ ኣደባባይ ፈኢስቦክ ብግልጺ ንክዝቢ ኣምላኽ ዝኸሱ ሓደ ሓይሉ ዮሃንስ እዩ።
እቲ ናይ ሓቂ ትምህርቲ ጸጋ፡ እቲ ጥዑይ ምህሮ ግና መርገጹ ንጹርን ዘየወላውልን እዩ። ጽሑፈይ በዘን ዝስዕባ ኣብ ሰማይ ጸኒዐን ዝነብራ ቅዱስ ጽሑፋት ኪዛዝማ እፈቱ፡
“ምስቶም ዘይኣምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ። ማለት፥ ንጽድቅን ሓጢኣትን እንታይ ኣራኺብዎ፧ ወይስ ንብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት ኣልይዎ፧
ክርስቶስከ ምስ ብልያል እንታይ ምስምማዕ ኣለዎ ወይስ ንኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ግደ ኣለዎ፡ ንመቕደስ ኣምላኽከ ምስ ጣኦታት እንታይ ስምምዕ አለዎ፡ ኣምላኽ፤ ኣባታቶም ክነብር ኣባታቶምውን ክመላለስ እየ፡ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶምውን ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ከም ዝበለ፡ ንሕና ቤተ መቕደስ ህያው ኣምላኽ ኢና። ስለዚ፡ ካብ ማእከሎም ውጹን ተፈለዩን ርኹስ ኣይትተንክዩን፡ ኣነውን ክቕበለኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኣቦ ድማ እዀነኩም፡ ንስኻትኩምውን ኣወዳትን ኣዋልድን ክትኰኑኒ ኢኹም፡ ይብል እቲ ዅሉ ዚከኣሎ ጐይታ
እምብኣርከ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ እዚ ተስፋታት እዚ ካብ ዚህልወናስ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ቅድስና እናመላእና፡ ካብቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ ርእስና ነንጽህ።” (2ቈረንቶስ 6፥14-7፥1)
“ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ፡ ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር፡ ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡ ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ፡ ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም እሞ፡ ብዅሉ ዓቕልን ብምህሮን እቲ ቓል ክትሰብኽ፡ ብጊዜኡን ብዘይጊዜኡን ከተስምዕ፡ ክትገንሕ፡ ክትቀጽዕ፡ ክትምዕድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንህያዋንን ምዉታንን ኪፈርድ ዘለዎ ክርስቶስ ኢየሱስን በቲ ምግላጽ መንግስቱን ኤማሕጽነካ አሎኹ። ንስኻ ግና ብኵሉ ተጠንቀቕ፡ መከራ ጽገብ፡ ግብሪ ወንጌላዊ ግበር፡ ኣገልግሎትካ መልእ። ኣነስ ካብ ሕጂ እስዋእ አሎኹ፡ እታ መዓልቲ ምስንባተይውን በጺሓ እያ እሞ፡ ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ እቲ ጕያ ወዲኤ፡ ነታ እምነት ሐልየ። ደጊምሲ ጐይታይ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ፈራዲ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ዚህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ አሎ። እዚ ግና ነቶም ምግሃዱ ዜፍቅሩ ዅላቶም ድማ እዩ እምበር፡ ንኣይ ጥራይ ኣይኰነን።” ( 2 ጢሞቴዎስ 4፥1-8)
“ስለዚ ሓቛቝ ልብኹም ተዐጢቕኩም እናተጠንቀቕኩም፡ ነቲ ብምግሃድ ኢየሱስ ክርስቶስ እትረኽብዎ ጸጋ ምሉእ ተስፋ ግበሩ። ከም እዙዛት ውሉድ እምበር ከምቲ ብዘመን ድንቍርና ከሎኹም ዝገበርኩምዎ ናይ ቀደም ትምኒት ኣይትግበሩ፡ ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ፡ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ። ነቲ ንነፍሲ ወከፍ ብዘይ ኣድልዎ ከከም ግብሩ ዚፈርድ፡ ንስኻትኩም ኣቦ ኢልኩም እትጽውዕዎ ኻብ ኰንኩምሲ፡ ኣብዚ ዘመን ግሽነትኩም ብፍርሃት ንበሩ።” (ራእይ 1፥13-17)
“ርኣዩ፡ ውሉድ ኣምላኽ ክንብሀል፡ እቲ ኣቦ ኸመይ ዝበለ ፍቕሪ ሀበና፡ ከምኡውን ኢና። ስለዚ ኸኣ ዓለም ንእኡ ኣይፈለጠቶን እሞ፡ ንኣና ኣይትፈልጠናን እያ። ኣቱም ፍቁራተይ፡ ሕጂ ውሉድ ኣምላኽ ኢና፡ እንታይ ከም እንኸውን ከኣ፡ ገና ኣይተገልጸን። ንሱ ምስ ዚግለጽ ግና፡ ከምታ ዘለዋ ኽንርእዮ ኢና እሞ፡ ንእኡ ኸም እንመስል፡ ንፈልጥ አሎና። እዛ ተስፋ እዚኣ ኣብኡ ዘላቶ ዘበለ ዅሉ፡ ከምታ ንሱ ንጹህ ዝዀነ፡ ንርእሱ የንጽህ አሎ።” (1ዮሃንስ 3፥1-3)
Comment here