Uncategorized

http://https://www.youtube.com/watch?v=WZQkRcZSPG8

መለኮታዊ ህይወት ንናይ ሰብ ኲለንተና
<=======================>

ዕላማ እቲ መለኮታዊ ህይወት ብማዕረን ብመስርዕን ንናይ ሰብ ኲለንተና እዩ! ንናይ ሰብ መንፈስ፣ ንናይ ሰብ ነፍስን ንናይ ሰብ ስጋን እዩ! /The Purpose of the Divine Life is to the entire three parts of man, equally & respectively: to his spirit, to his soul & to his body/

ዕላማ እቲ መለኮታዊ ህይወት እዚ እዩ፡-
1ይ) ንመንፈስ ሰብ (to the spirit of man) ጥጣዐ፡ምጥጣዕ(REGENERATION) ንምሃብ እዩ፣

2ይ) ንነፍሲ ሰብ(to the soul of man) ምቕያር፡ ምልዋጥ፡ ለውጢ(TRANSFORMATION) ንምሃብ እዩ፣

3ይ) ንስጋ ሰብ(to the body of man) ንምጽባቕ ንምኽባር (GLORIFICATION) እዩ። ጳውሎስ ነዚ፡ መሰል ውልድነትና ኢሉ ይጽወዖ!(ሮሜ8፡23)

እዚ ልክዕ ከምቲ ጐይታና ኣብቲ ከረን ምልዋጥ፡ ኲለንተናኡ እተለወጠ፡ ኲለንተናና ናብ ዘይንገር፡ ብቃላት ሰብ ኪግለጽ ናብ ዘይከኣል ክብሪ ኪልወጥ እዩ!

“ኣብ ቅድሚኦም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ። ገጹ ኸም ጸሓይ ኣብርሄ፡ ክዳኑውን ከም ብርሃን ጸዕደወ።”(ማቴ17፡2)

ነዚ ፈጺሙ ዘይነጻጸል ሰለስተ-ዕጽፊ ዕላማ እቲ መለኮታዊ ህይወት ኣምላኽ ብማዕረን ብመስርዕን ዘይምህሩ ሰባት፡ ብምህሮ ስሕተት ኖስቲሲዝምን ዱዋሊዝምን(Gnosticism & Dualism) እተበከሉን ዚበኹዑን ሰባት ጥራይ እዮም!

እዚኣቶም “መንፈስ መንፈስ መንፈስ” እናበሉ ኣብቲ መንፈስ ሰብ ጥራይ ብምትኳር ናብ ጽንፈኛነት ዚሰሓቱ፡ እቲ ፍሉይ ዕላማ መለኮታዊ ህይወት ኣምላኽ ነቲ ምሉእ ኲለንተና ሰብ ምዃኑ ዘይበርሃሎም ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ይቀበልዎ ኣይቅርበልዎ ይረዳኣዮም ኣይረዳዮም ብዘየገድስ፡ ብማይ ብሑቕ ኖስቲሲዝም ስለ ዚበዂዑ ጥራይ እዮም!

እቲ መፍትሒ?

1ይ) ካብቲ ሱር ስሕተቶም ምሉእ ንሳሓ ይነስሑን ይመለሱን!

2ይ) ነቲ ፈጹም ዘይነጻጸል ሰለስተ-ዕጽፊ ዕላማ ህይወት ኣምላኽ ኣብ ናይ ሰብ ኲለንተና ብማዕረን ብመስርዕን (ኣብ መንፈስ ሰብ ኣብ ነፍሲ ሰብን ኣብ ስጋ ሰብን) ከኣ ምሉእ ብምሉእ ይቀበሉ

3ይ) ነዚ ምሉእ ሓቂ እዚ(this whole truth) ብማዕረን ብመስርዕን ይምሃሩን ይተኣዘዙን!

ኪሳዕ “ሰብ መንፈስ እዩ!” ናብ ዝብል ዘይመጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽንፈኛነት/extremism/ ዚሃተፉ ምኽንያት እኮ፡ ብንጽልን ብዘይ ኣግባብን ኣብ መንፈስ ሰብ ጥራይ ካብ ምትኳሮም እተላዕለ እዩ። ናይ ኣምላኽ ኣተኲሮ ግና፡ብማዕረ ኣብቲ ናይ ሰብ ምሉእ ኲለንተና እዩ። ኣብ ናይ ሰብ መንፈስን ኣብ ናይ ሰብ ነፍስን ኣብ ናይ ሰብ ስጋን!

እቲ ምሉእ ምድሓን ኣምላኽ/the full Salvation of God/ ብማዕረ ነቲ ምሉእ ናይ ሰብ ኲለንተና እዩ። እቲ ጐይታና መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ በቲ ናይ መስቀል ሞቱን ብትንሳኤኡን ንሰብ ዘምጸኦ ምሉእ ምድሓን፡ ኪዝርዘር ከሎ፡ እዚ ዝስዕብ እዩ፡-

=>=> ንመንፈስ ሰብ Regeneration{ፍጹም ምጥጣዕ፡ ፍጹም ጥጣዐ)

=>=> ንነፍሲ ሰብ Transformation{ፍጹም ምቕያር፡ ፍጹም ምልዋጥ፡ ፍጹም ለውጢ)

=>=> ንስጋ ሰብ ድማ Glorification( ፍጹም ጽባቔ ፍጹም ክብሪ) እዩ። ነዚ ምሉእ ትምህርቲ እግዚኣብሄር መድሓኒና እዚ ሒዙልካ ንዘይመጽእ ሰብ ንየ በሎ! ኣይትተሃመል ኣይትስሓት! ካብ ምህሮ ክርስቶስ ጎቦ ዚዘበለ እዩ እሞ ኣይትቀበሎ! ኣምላኽ ንኲለንተናኻ እዩ ምሉእ ዋጋ ምድሓን ከፊሊሉ! ብማዕረ ንመንፈስካን ንነፍስኻን ንስጋኻን!

” ግናኸ እቲ ጽሑፍ፡ ዚምካሕ ብእግዚኣብሄር ይመካሕ፡ ዚብሎ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ንስኻትኩም ካብኡ ኣብቲ ኻብ ኣምላኽ ንጥበብን ጽድቅን ምቕዳስን ምድሓንን ዝዀነልና ክርስቶስ የሱስ ኢኹም።”(1ቆረ1፡30-31)/It is because of him that you are in Christ Jesus, who has become for us wisdom from God—that is, our righteousness, holiness and redemption. Therefore, as it is written: “Let the one who boasts boast in the Lord.” (1 Corinthians 1:30‭-‬31)

ኣብዚ ጥቕሲ እዚ እቲ ካብ ኣምላኽ ዝዀነ ፍጹምን ምሉእን መለኮታዊ ጥበብ ዝዀነልና ክርስቶስ ባዕሉ ሰለስተ ነገር ከም ዝዀነልና ይገልጽ ጳውሎስ። ንመንፈስና ሰማያዊ ጽድቂ ኰይኑልና፡ ንነፍስና ፍጹም ምቕዳስ ኰይኑልና። ንስጋና ድማ መወዳድርቲ ዘይብሉ ምድሓን ኰይኑልና!

ርኢኹም! ጐይታና ክርስቶስ ንናይ ሰብ ኲለንተና እዩ ምሉእ ምድሓን ከፊሉ!

በዚ ምኽንያት እዩ ድማ ኣምላኽ ኣብ ካልእ ስፍራ ከምዚ እናበለ ዝእዝዘና፡ ” ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ ኸኣ ንዅለንትናኹም ይቐድሶ፡ በቲ ምጽኣት የሱስ ክርስቶስ ብዘሎ መንፈስኩምን ነፍስኹምን ስጋኹምን ብዘይ መንቅብ ኪርከብ ይተሐሎ”(1ተሰ5፡23)

ንመንፈስና፡ ንነፍስናን ንስጋን ማዕረን ምሉእን ዝዀነ ዋጋ ምድሓን ተኸፊልዎ ስለ ዝዀነ፡ በቲ ምጽኣት ጐይታና መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ኲለንተናና፡ ንሱ ከኣ ብዘሎ መንፈስናን ነፍስናን ስጋናን ብዘይ መንቅብ ኪርከብ ፈጺሙ ኪሕሎ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣቱ ትእዛዝ ጐይታ እዩ!

ሎሚ ኣብዚ ቅንያት ክርስትማስ ከይተረፈ፡ ወይ ብመንፈስካ (ካልእ መንፈስ ብምቅባል ብስመ impartation-2ቆረ11፡4) ወይ ብነፍስኻ ወይ ከኣ ብስጋኻ እትረክስ ዘሎኻ/ኺ ሰብ፡ ብርግጽ ንስኻ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ ኣምላኽ ኣለኻ! ኣታ ይሕሸካ! ተነሳሕ!

ዝዀንካ እንተዀንካ ብዘየገድስ/ጴጠ እየ በል፣ መንፈስ እየ በል! ካቶሊኽ እየ በል፣ ኦርቶዶክስ እየ በል ዋላ ካልእ ዝዀነ ዓይነት ሃይማኖት ይሃልኻ ብዘይርገድስ! ብማዕረ ንመንፈስካን ንነፍስኻን ንስጋኻን ብዘይመንቅብ ንኪሕሎ መዓልትን ለይትን ዘይትጥንቀቕ እንተሊኻ ስሒትካ ኣሎኻ! ድሮ ብምህሮ ሓሶት ተፈንጢርካ ኣሎኻ! ክርስቶስ ንምንታይ ከም ዝሞተን ከም ዝተንሰአን፡ ንምንታይ እውን ዳግም ይመጽእ ኣሎ ዓሺኻ ኣሎኻ! ወይ ኣይተረዳኣካን ወይ ድማ ተላግጽ ኣሎኻ! ግቡእ ዋጋ ስሕተትካን ድፍረትካን ኪትቅበል ኢኻ!

“ነፍሲ ወከፍና ነቲ ብስጋኡ ኸሎ ዝገብሮ፡ ሰናይ ኰነ ወይስ እከይ፡ ምእንቲ ኪቕበል፡ ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ብግዲ ኽንግሃድ ኢና። ስለዚ ድማ ኣብ ስፍራና እንተ አሊና ወይስ ኣብ ወጻኢ፡ ንእኡ ኸነሐጕሶ ንጽዕት አሎና። 11እምብኣርሲ ፍርሃት እግዚኣብሄር ፈሊጥና፡ ንሰብ ነረድኦም አሎና” (2ቆረ5፡10-11)

“For we must all appear before the judgment seat of Christ, that each one may receive the things done in the body, according to what he has done, whether good or bad. Knowing, therefore, the terror of the Lord, we persuade men;” (II Corinthians 5:10‭-‬11)

ሎሚ ብስጋኻ ብመንፈስካ ብነፍሲኻ እንታይ ትገብር ኣሎኻ ፍለጥ! ፍርሃት እግዚኣብሄር/the terror of the Lord) ከም ዘሎ ፍለጥ!

Comment here