Uncategorized

II. ካብ ክርስቶስ ወጻኢ ናይ ዘሎ ኩሉ ሰብ ራእይ


ካብ ክርስቶስ ወጻኢ ናይ ዘሎ ኵሉ ሰብ ዓይነታት ራእይ ካብ መንፈስ ኣምላኽ ዘይኰነስ ካብ ናይ ሰብ ነፍሲ ማለት ካብ ነፍሲ እቲ ተፈጥሮኣዊን ምድራዊን  ሰብ ዚመንጨወ ምድራዊ፣ ስጋዊ፣ ሓላፊ፣ በራሲ፣ ጠፋኢ፣ ተለዋዋጢ ዓይነት ራእይ እዩ! 

(By nature & principle there is no any difference between the Vision of Satan and the vision of the unbelievers.)

  1.  

A. ካብ ክርስቶስ ወጻኢ ናይ ዘሎ ኵሉ ሰብ ዓይነት ራእይ ብባህሪን ብመትከልን ካብቲ ናይ ሰይጣን ዓይነት ራኢይ ብዋላ ሓደ መገዲ ኣይፍለን።

B. ካብ ክርሰቶስ ወጻኢ ናይ ዘሎ ኵሉ ሰብ ዓይነታት ራእይ ቀጥተኛ ብዝሒትን መግለጺ እቲ ናይ ሰይጣን ራእይ እዩ ኪባሃል ይከኣል። ምኽንያቱ ናይ ሰይጣን ራእይ ኣብቲ “ኣነ፡ ናተይ፣ ንዓይ፣ ምሳይ፣ ናባይ፣ ካባይ፣ ብኣይ፣ ወዘተ…” ዚበል ገዛእ-ርሳዊ ዓንኬል ዚዘውር፡ ኣብ ርእሰ-ማእከልነት እተመርከኮሰ ዓይነት ራእይ እዩ።

C. ሰይጣን በቲ ክፉእ ትምኒቱን ክፍእ ዓመጻኡ ምኽንያት ምስ ወደቀ፡ ነቲ ኣታሊሉ ዘውደቆ ሰብ ኸኣ ልክዕ እታ ናይ ዓመጽ ስሪኒጋ እቲኣ እዩ ወጊእዎ! እታ ንሱ ዚወደቀላ ስሪንጋ! ናይ ዓመጽ መርዚ ዚሓዘት ስሪንጋ!

D. እምባኣር እዚ ካብ ክረሰቶስ ወጻኢ ናይ ዘሎ ኵሉ ሰብ ዓይነታት ራእይ እዚውን ኣብዞም ዚስዕቡ ነጥብታት ዘተኰረን እተመርኰሰን እዩ።

1. ኣብ ናይ ሰብ ፍቓድ
2. ኣብ ናይ ሰብ ምኽሪ
3. ኣብ ናይ ሰብ ሽቶታት፣
4. ኣብ ናይ ሰብ መደባትን ሕልምታትን

መሰረታዊን ብዋላ ሓደ ኪብዳህ ፈጺሙ ዘይከኣል ዘየላቡ መብርሂ

ኣብ ዳኒኤል ምዕራፍ ክልተ ዘሎ ንጉስ ነበኵደናጸር ዚረኣዮ ዘይልወጥ ሕልሚ…..

ይቅጽ….

 

 

Comment here