The Only one Vison

እታ ናይ ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም ራእይኸ እንታይ እያ?

ምኽሪ ኣምላኽን ራእይ ኣምላኽን ከም ክልተ ገጽ ናይ ሓንቲ ሳንቲም እየን።ክልቲኤን ኣይፈላለያን ፈጺመን። እተን ክልተ ገጽ ናይ ሓንቲ ሳንቲም ሓደ ዓይነት መግለጺ ኣለወን ማለት ግና ኣይኰነን። እቲ እተን ክልተ ገጻት ሓንቲ ሳንቲም ዘመልክተኦ ነገር ወይ እቲ ዚህበኦ መግለጺ ይፈላለ እዩ።ዚህብኦ መግለጺ እተፈላለየ እኳ እነተዀነ፡ ግናኸኣ ክልቲኤን ኣይፈላለያን።ክልቲኤን ከምቲ እተን ክልተ ገጻት ናይ ሓንቲ ሳንቲም እተፈላለያ ዚዀና ግናኸኣ ካብ ንሕድሕደን ፈጺመን ዘይፈላለያ እታ ናይ ዘመናት ምኽሪ ኣምላኽን እታ ናይ ዘመናት ራእይ ኣምላኽን ከኣ ልክዕ ከምኡ እየን።

2.    ኣብዚ ነቲ እተፈላለየ መልክዕ ወይ ከኣ እተፈላለየ ገጻት ናይታ ሓንቲ ክብርቲ ማሕበር ጐይታ ኣይኰንኩን ኪገልጽ ደሌ ዘለኹ። መልክዕ እታ ክብርቲ ማሕበር ጐይታ ብዙሕን ኣዚዩ ዘደንቅን እዩ። ጊዜ ስለ ዘይብልና ሕጂ ኣይኪን ትንክፎን ኢና።
·    ሕጂ ኪገልጾ ደልየ ዘለኹ ግና ነዞም ክልተ ኣብ ምሉእ ኣድማስን ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቕዱስን ኣዚዮም ዚዓመቑ፣ኣዚዮም ዚዓበዩ፣ ኣዚዮም ዚለዓሉ፣ ኣዚዮም ዚኸበሩ ሓሳባት ኣምላኽ እዩ።
–    እታ ቀዳመይቲ እታ ናይ ዘለኣለም ምኽሪ ኣምላኽ እያ።
–    እታ ካልይቲ ድማ እታ ናይ ዘለኣለም ሰማያዊ ኣድማሳዊ ራእይ ኣምላኽ እያ።

Comment here