Message

እታ ናይ ዘመናት ራእይ፡ እታ ናይ ምህናጽ ራእይ እያ

>THE VISION OF THE AGES IS THE VISION OF BUILDING)

ቅድሚ ብዛዕባ እታ ናይ ምህናጽ ራእይ ምርኣይና ሰለምንታይ ብዛዕባ እታ ናይ ዘመናት ምኽሪን እታ ሰማያዊ ራእይን ብትኽክል ምፍላጥ ኣዚዩ ኣዚዩ ኣድላይን ኣንገብጋቢን ዚዀነሉ ምኽንያት ኣብዚ ደጊምና ኪንሪኦ ኢና። ንሱ ኸኣ፦

ብቀጥታ ኰነ ብተዘዋዋሪ ናይ ሰይጣን እቲ ዚለዓለ መደብን ዕዮን ንደቂ ሰባት ኩሎም ካብታ ናይ ዘመናት ምኽሪ ኣምላኽን ሰማያዊ ራእይ ኣምላኽን ወጻኢ ከም ዚነብሩን ዚመላለሱን ምግባር እዩ። ሰይጣን እዚ “ኣማኒ እዩ፣እዚ ኣማኒ ኣይኰነን፡ወዘተ…” ዚብል ኣኽብሮት ወይ ኣፈላላይ ኣይገብርን ፈጺሙ።

ትኽክለኛ ፍልጠት እታ ናይ ዘመናት ምኽሪን እታ ሰማያዊ ራእይን እንተ ዘይብልካ/ኪ እዚ/ኣ ኣማኒ እዩ/ያ ኢሉ ኣይሓደገካን/ኪን ፈጺሙ።

ሎሚ ምልስ ኢልና ንዘሓለፈ ንታሪኽ ደቂ ሰባት ኰነ ነዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶ ደቂ ኣዳም ብትኽክል እንተ ንምልከቶን እንተ ንምርምሮን እሞ፡ ሰይጣን ኪሳዕ ክንደይን በኸመይ ዚበለ መገዲን ካብታ ናይ ዘመናት ምኽሪን እታ ሰማያዊ ራእይን ወጻኢ ኣብዚዀነ ካልእ ቁጽሪ-ኣልቦ ዚዀነ እተፈላለየ “ምኽሪታት፣ሃቀናታትን፣ ውልቃዊ ህንጡይነታት፣ ሰብ-ኣዊ ራእይታት፣ወዘተ…” ኣጥሒልዎምን ኣጥፊእዎምን ከም ዘሎ እንተነስተውዕል ኰታ!

እምባኣር ነዛ ኣብዚ ብእንግሊዘኛ ጽሒፈያ ዘለዂ ኪብርቲ ሓቂ ሓቢርና ንርኣያ፦

The vision of the ages, which is directly originated from the purpose of the ages, is the vision of building the eternal dwelling place of God.

ብትግሪኛ፦

እታ ብቀጥታ ካብታ ናይ ዘመናት ምኽሪ ዚመንጨወት፣ዚወጸትን ዚመጸትን ናይ ዘመናት ራእይ፡ ንሳ ምህናጽ እታ ዘለኣለማዊ ማሕደር ኣምላኽ እያ።

I. እታ ናይ ኣምላኽ ናይ ዘመናት ራእይ ምህናጽ እታ ክብርቲ ማሕበሩ እያ።

A. እታ ሰማያዊ ራእይ ምህናጽ እታ ክብርቲ ማሕበር እያ!

B. ቅድም ምህናጽ እታ ማሕበር እቲ ናይ ኣምላኽ ሰማያዊ ራእይ ከም ዚዀነ ካብ ዘፍጥረት ክሳዕ ራእይ ዮሃንስ ክንርኢ ኢና።

C. ኣብ መወዳእታ እታ ማሕበር እንተደኣ ዘይተሃኒጻ ኣብቲ ናይ ኣምላኽ ናይ ዘላአለም ኣጀንዳ ኪፍጸሙ ዘይክእሉ ኣዚዮም ኣዚዮም ኣገደስቲ ዚዀኑ ነጥብታት ኣለዉ። ነዚኣቶም ኣብ መወዳእታ ኪንሪኦም ኢና።

D. ቀጺልና ዓበይቲ ጠንቅታት ምህናጽ እታ ማሕበር ኪንርኢ ኢና።

1. እምባኣር ሕጂ ንናይ ምህናጽ ራእይ ማለት ንዕዮ ምህናጽ እታ ማሕበር ካብ ዘፍጥረት ሓደ-ክሳዕ ራእይ መወዳእታ ኪንሪኦ ኢና።

II. ናይ ምህናጽ ዕዮ ካብ መጀመርታ መጽሓፍ ዘፍጥረት ኪሳዕ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ መወዳእታ

A. ዘፍ1፡26 ነንብብ

1. እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ዘፍጥረት 1፡26 ዚዛረበሉ ዘሎ ሰብ ሕቡር-ሰብ/CORPORATE-MAN/ እዩ።

2. እቲ ቀዳማይ ኣዳም (the First Adam) = ንሱ እቲ በመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሕቡር ሰብ እዩ(The Corporate Man was created in the IMAGE of God)

3. መልክዕ ኣምላኽ /IMAGE of God/ ዚብል ሓደ ኣዚዩ መሰረታዊን ኣዚዩ ኣድላዪ መልእኽቲ ኣለዎ! ንኣምላኽ ንገዛእ ርእሱ ምስ ብዘሎ ህይወቱ፣ ባህሪያቱ፣ ምልኣቱ፣ ክብሩ ምሉእ ብምሉእ ምግላጽ እዩ ዘመልክት።/The Purpose of the IMAGE of GOD is for the Expression of God Himself./

4. እቲ ሙሴ ዚሃነጾ ድንዃን ምርኻብ ናይቲ መልክዕ ኣመላኽ ምሳሌ እዩ። እቲ ኣምላኽ ክብሪ ኣብቲ ድንኳን ሓዲሩ ስለ ዚነበረ እቲ ድነኳን ከም ዘለዎ መልክዕ ኣምላኽ ማለት ቀጥታዊ መግለጺ ኣምላኽ ኰይኑ።

5. ድሕሪኡ ቀጺልና እንሪኦ መልክዕ ኣምላኽ ማለት ቀጥታዊ መግለጺ ኣምላኽ እቲ ሰሎሞን ዚሰርሖ መቅደስ እዩ።

6. ኣብ ሓድሽ ኪዳን ቅድም ጐይታና የሱስ ነቲ ድንኳን ሙሴ ፍጻሜ ሂብዎ/ብመሰረት ዮሃንስ 1፡14 ጐይታን የሱስ ባዕሉ እቲ ድንኳን ምርኻብ ማለት እቲ ማሕደር ኣምላኽ ማለት እቲ ቀጥታዊን ዚረኤ መልክዕ እቲ ዘይረኤ ኣምላኽ እቲ ቀጥታዊ መግለጺ እቲ ዘይረኤ ኣምላኽ ኰይኑ። ደሓር ኣብ ዮሃንስ ምዕራፍ ክልተ ድማ ጐይታና የሱስ ባዕሉ እቲ መቕደስ ኣምላኽ ከም ዚዀነ ብንጹር ተዛሪቡ/ዮሃንስ 2/

7. ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ንመጀመርታ ጊዜ ብናይ ሰብ መልክዕ መጺኡ ነኣቦ ዚገለጾ ጐይታና የሱስ እዩ።(እቲ አብቲ ናይ ምሳሌ /TYPE/ ዘመን ኣብቲ ድንኳን ሙሴን ሰሎሞን ዚሃነጾ ቤተመቅደስ እተገልጸ ኣምላኽ ክብሪ፡ ንመጀመርታ ጊዜ ከመ ሰብ ኰይኑ ነቲ መልክዕ ኣምላኽ ዘግሃደ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እዩ።

8. ኣምላኽ ንኽግለጽ እዚ እቲ ዚለዓለ ምኽሩን ድሌቱን ስለ ዚዀነ ጐይታ የሱስ ብውልቂ ብገዛእ ርእሱ ጥራይ ዘይኰነስ ብዚዓበየ ደረጃ በታ ስጋኡ መእታን ኪግለጽ ናብ መስቀል ከይዱ!

9. ክረስቶስ እቲ ዳሕራይ ኣዳም(Christ, the Last Adam)= ንሱ እቲ መልክዕ እቲ ዘይረኤ ኣምላኽ እዩ።/the IMAGE of the Invisible God./ ሕጂ ድሕሪ ሞቱ ግና ክርስቶስ ውለቀ ሰብ/ Individual/ ኣይኰነን። ንሱ ሕቡር ሰብ እዩ። ንሱ ርእሲ እዩ ማሕበሩ ኸኣ ስጋኡ ኩሉን ኣብ ኩሉን ዚመልእ ምልኣቱ እያ።

10. ናይ ኣምላኽ ቀዳማይን እቲ ዚለዓለን ድሌቱን ምኽሩን ብቀጥታን ብምልኣትን ንፍጥረት ኲሉ ገዛእ-ርእሱ ኪገልጸሉ ወይ ኪግለጸሉ ዚኽእል ዘላኣለማዊ ስፍራ ምህናጽ እዩ። ስለዚ እዩ እምባኣር ከምቲ ፍጹም ፍቓዱ እተሃንጸት ማሕደር ንኪረክብ እዚ እቲ ናይ ኣምላኽ እቲ ቀዳማይን እቲ ዚለዓለን ድሌቱን ምኽሩን እዩ እንብል ዘሎና። እምባኣር ዘለኣለማዊ ማሕደሩን ዘለኣለማዊ መግለጺ ገዛእ-ርእሱን እቲዀኖ ክብርቲ ማሕበር ምህናጽ እዚ እቲ ናይ ኣምላኽ እቲ ቀዳማይ፣ እቲ ዚዓበየ፣ እቲ ዚለዓለን እቲ ዚዓመቘን ድሌቱን ምኽሩን ዕላማኡን ዕቶኡን እዩ።/Christ is the Head and the true , Church is His Body! Christ as the only Head of the True Church and the true Church as His Body, makes up the single Universal-Man, the Corporate-Man, the single New-Man with the very IMAGE of God /

· And the CILIMAX and PRIMARYpurpose of the Corporate-Christ is for the highest expression of God. For God to be expressed is His greatest, highest and climax purpose and Need, in the entire universe.

· God’s highest purpose is for He to be expressed in His CORPORATELY BUILT UP true CHURCH/.

11. ምህናጽ እታ ማሕበር እዚ እቲ ናይ ኣምላኽ ቁጽሪ ሓደ ኣጀንዳኡ እዩ! እዚ ኣዚዩ ኣድላዪ እዩ!

12. “ኣዚዩ ኣድላዪ” ዚብል ቃል ኪሳዕ ክንደይ ንሓሳበይ ገሊጽዎ ስለ ዘይፈልጥ እስከ ሓንቲ ኣዚያ ኣገዳሲት ናይ እግሊዘኛ ቃል ኪጥቀም።/ The building up of the church is SO CRUCIAL for God. The work of building is the CORE and the HEART of the entire Bible.

· The meaning of the Word CRUCIAL፡something that is crucial is extremely important, because everything else depends on it!

· (Similar words: Main, key , chief,principal, vital, leading, crucial, essential, significant!)

13. ብዘይ እታ እተሃነጸት ማሕበር ኪመጽእ ዚኽእል ምሉእ ግዝኣት ኣምላኽ የለን!

· እንተምጻእካ ንሱ ካብ ነፍስኻ ዚመንጨወ ሓይሊ ጥራይ እዩ።ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰባት ዳርጋ ንምልእቲ ዓለም ዚገዝኡ ሰባት ተንሲኦም ይፍልጡ እዮም። እቲ ናይ ምግዛኦም ምንጪ ግና ሓይሊ ንፍሶም ወይ ሰይጣን እዩ።

· እቲ ንሰማይን ምድሪን ኣባታቶም ንዘሎ ኲሉ ነገራት ዚፈጠረ ኣምላኽ ግና ንመጀመርታ ጊዜን ብቀጥታን ብእተፈልየን ብዚለዓለን ብዚዓበየን እተገልጸሉ ፍሉይ መገዲ እንታይ ነይሩ ኢልና ብትኽክል እንተድኣ መርሚርና፡ በቲ ሙሴ እቲ ባሪያ እግዚኣብሄር ዚሃነጾ ማሕደርን በቲ ንጉስ ሰሎሞን ዚሃነጾ ቤተ-መቅደስን እዩ።

· እቲ ብሙሴ እቲ ባሪያ እግዚኣብሄር እተሃንጸ ማሕደርን እቲ ብንጉስ ሰሎሞን እተሃንጸ ቤተ-መቅደስን ክልቲኡ እቲ ትኽክለኛን እቲ ዚለዓለን ተምሳል፣ጽላሎት/ the TYPE, the Shadow / እታ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ሓቢራ ድሕሪ ምህናጻ ናይ ኣምላኽን ምሉእ ግዝኣቱን መግለጺ ኪትከውን ዘለዋ ክብርቲ ማሕበር ኣምላኽ እዩ ዚገልጽ።(መዝ.114)

· እቲ ካብ ኣምላኽ ዚመጽእ ሓይሊ ንሱ በታ እተሃንጸት ማሕበር ዚግለጽ እዩ። ሰሎሞን ነታ መቕደስ ሃኒጹ ምስ ወዳኣ እታ መንግስቲ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ብሓይሊ ተገሊጻ!

· So the SOLE HEAVENLY VISION is THE VISION OF GOD’S BUILDING!

· The meaning of the Word Sole:The sole person, thing etc is the only one [= only]:

Comment here