ክርስቶስ => እቲ ኣብዚ ምሉእ ኣድማስዚ ምስ ዘሎ ኩሉ ነገር እንኮ ፍሉይ ዝምድናይ
(CHRIST => MY SOLE & UNIQUE RELATIONSHIP WITH EVERYTHING IN THE WHOLE UNIVERSE)
በታ ወርሓት እቲኣ የሱስ መለሰ በለውን፡ ዎ ኣቦይ ጐይታ ሰማይን ምድርን፡ እዚ ኻብ ብልህታትን ኣስተውዓልትን ስለ ዝሐባእካዮ፡ ንሕጻናት ግና ስለ ዝገለጽካዮ፡ ኤመስግነካ ኣሎኹ። እወ፡ ኣቦየ፡ ኣብ ቅድሜኻ ኸምኡ ስምረትካ ዀይኑ። ካብ ኣቦይ ኲሉ ተዋሂቡኒ ኣሎ። ንወዲ ብጀካ ኣቦ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን፡ ነቦ ኸኣ ብጀካ ወድን እቲ ወዲ ኺገልጸሉ ዚፈቱን፡ ዚፈልጦ የልቦን። ኣቱም ኲልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኲሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኺም።” (ማቴዎስ 11፡25-30)
ኣብዚ ክፍሊ እዚ ንዘሎ ቀንዲ መልእኽቲ ንምንጻር ዚሕግዙና ገለ ገለ ሕቶታት ከልዕል እየ። (1) ናይ የሱስ ዕድመ ወይ መጸዋዕታ ንመን እዩ? እቲ መልሲ ፦ ንዅሉ ዚጽዕርን ጾር ዝኸበዶን እዩ! (2) እቲ ነቶም ፍቓደኛታት ዚዀኑ የሱስ ዚህበም ፍሉይ ነገር እንታይ እዩ? ብካልእ ብዋላ ሐደ መገዲ ዘይትርከብ ፍልይቲ ዕረፍቲ! (3) እዛ ፍልይቲ ዕረፍቲ እዚኣ እንታይ እያ? እዛ ብካልእ ብዋላ ሓደ መገዲ ፈጺማ ዘይትርከብ ፍልይቲ ዕረፍቲ እዚኣ እታ የሱስ ኣብዚ ኣብ ማቴዎስ 11፡27 ገሊጽዋ ዘሎ ፡ ንሳ ድማ እታ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኡን ዘላ ኣብዚ ምሉእ ኣድማስ እዚ ኣዚያ፣ኣዚያ፣ኣዚያ ፍልይቲ ዚዀነት ብናይ ሰብ ኣእምሮ ድማ ዘይትብጻሕ እተገርም ዝምድና እያ!
“ብዘይ ብኣይ ሓንቲ ክትገበሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም”
ዮሃ.15፡5
ብመሰረት 14፡6 ናብ ኣቦ እንመጽእ ብወዲ ኣቢልና ኢና; ናብ ኣቦ ብገዛእ ርእስና ኣቢልና ኣይኰናን እንመጽእ።
ንዮሃንስ 14፡6 ብንጹር ዚገልጸልና ገላ 4፡6 እዩ። እዚ ድማ ኣምላኽ ነቲ “ኣባ ኣቦ” ኢሉ ዚጽውዕ መንፈስ ወዱ ናብ ልብና ብምልኣኽ።
እቲ ንሕና ናብ ኣቦ እንመጻሉ ፍሉይ መገዲ እንታይ እዩ? ከመይ እዩ ንዚብል ሕቶ መልሱ፡እቲ ወዲ ባዕሉ ኣብ ልብና ኰይኑ “ኣባ ኣቦ” ኢሉ እና ጸወዐ ኢና ናብ ኣቦ ንመጽእ። እቲ ንሕና “ኣባ ኣቦ” ኢልና ምጽዋዕና፣ እቲ ናህና “ኣባ ኣቦ” ኢልካ ምጽዋዕ ክርስቶስ ኣባና “ኣባ ኣቦ” ኢሉ ምጽውዑ እዩ! “Our crying “Abba, Father” is Christ in us crying, “Abba”. He says “Abba” in our “Abba” (cf. Gal.4:6; and Rom 8:15)
ንሕና እቶም ሰዓብቲ ክርስቶስ እንበሃል ህዝቢ ነናይ ግልናን ነናይ ገዛእ-ርእስና ዚዀነ እተፈላለየ ዓይነት ዝምድና የብልናን ፈጺምና። እታ ምስ ኣምላኽ ዘላትና ዝምድና እንኮ ጥራይ እያ፡ ንሱ ድማ የሱስ ባዕሉ እዩ። እቲ አንኮ በይኑ ህይወትና የሱስ ባዕሉ ከም ዝዀነ፡ ልክዕ ከምኡ ድማ እቲ እንኮ በይኑ ዚምድናና የሱስ እዩ። ነስተውዕል፡ ኣርእስቲ ናይ ትምህርትና “ክርሰቶስ እቲ ኣብዚ ምሉእ ኣድማስዚ ምስ ኵሉ ነገር እንኮ ፍሉይ ዝምድናይ እዩ” እትብል እያ።፡ ሕጂ ኣብዚ ክንሪኦ ደሊየ ዘለዅ ካብቲ ብዙሕ ሓንቲ እያ፡ ንሳ ድማ እቲ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ዘሎና ዝምድና ንሱ የሱስ ባዕሉ እዩ። ንሕና ኵላህና ነናይ ግልና፣ ነናይ ገዛእ-ርእስና ዚዀነ ዓይነት ዝምድና የብልናን። ምስ ኣቦ ዘሎና ዝምድና ብናይ ሰብ ኣእምሮ ምሉእ ብምሉእ ኪብጻሕ ዘይክእል ኣዚዩ ፍሉይ እዩ፡ ንሱ ድማ የሱስ ባዕሉ እዩ። እዚ ማለት እታ ምስቲ ሰማያዊ ኣቦ ዘላትና ዝምድና ካልእ ዘይኰነትስ እታ ካብ ጥንቲ ዘለኣለም ኣቦ ምስ ወዲ ዚነበረቶ እንኮ ፍልይቲ ዝምድና እያ! እምባኣር ንሕና እቶም ካብዛ ርኽስቲ ዓለምን ካብቲ ናብ ህይወት ዘየብጽሕ እተፈላለየ ሃይማኖታትን ኣምሊጥና ናብ ክርስቶስ ዚመጻእና ሰባት ኣብቲ ወዲ ምስ ኣቦ ዘላቶ ኣብዚ ምሉእ ኣድማስዚ ድማ፡
- እታ እንኮ፣ (THE SOLE)
- እታ እተፈልየት፣ (THE UNIQUE)
- እታ ዚዓመቘት፣ (THE DEEPEST)
- እታ ዚዓበየት (THE GREATEST)
- እታ ዚለዓለት፣ THE HIGHEST
- እታ ዚኸበረት፣ (THE MOST GLORIOUS)
- እታ ዚበለጸት፣ (THE BEST OF ALL)
- እታ ዘይቲ ልዋወጥ፣ (THE UNCHANGING)
- እታ ዘለኣለማዊ (THE ETERNAL)
- እታ ዚለዓለ-ጫፍ (THE CLIMAX) ዚምድና (RELATIONSHIP) እሳተፍ ኣለኹ ማለት እዩ።
ኣመንቲ ሕብረተ-ሰብ ምስ ኣምላኽ ፍሉይ ዚምድና ንምፍጣር ወይ ድማ ንምቛም ከም መፍትሒ፣ ከም ምርኩስ፣ እተጸግዕዎ ግናኸ ኣምላኽ ፈጺሙ ዘይቅበሎም መገዲታት ብውሕዱ ሰለስተ ጠቂስና አሎና።
- መላእኽቲ
- ጽድቂ ገዛእ-ርእስና
- ካልኦት “ፍሉያት ሰባት” (=ኒቆላውያን)
እዞም ኣብዚ “ፍሉያት ሰባት” ተባሂሎም ተጠቂሶም ዘለዉ ፡በቲ ካልእ ኣማኒ ሕብረተ-ሰብ ኰነ ብገዛእ ርእሶም ካብቲ ካልእ ህዝቢ፡
– ፍሉይ ቅብኣት እተቀብኡ፣
– ፍሉይ ሕርየት እተሓርዩ፣
– ፍሉይ ጽዋዓ እተጸዊዑ፣
– ፍሉይ ፍልጠት ዘለዎም፣
– ፍሉይ ምግላጽ ዘልዎም፣
– ፍሉይ ልምምድ ዘለዎም፣
– ኣብ ፍሉይ መንፈሳዊ ዓቀን ዚኣተዉ
– ምስ ኣምላኽ ፍሉይ ዚምድና ዘለዎም
– ወዘተ…
ኰይኖም ወይ ድማ ተባሂሎም ብካልኦት ሰባት ዚሕሰቡን ገዛእ-ርእሶም ብዛዕባ ርእሶም ዚሓስቡን እዮም። እዚ ከምዚ ዓይነት ምርዳእ፣ ልምምድ፣ግብሪ፣ ዶክትሪን ወይ ትምህርቲ ግና ክርስቶሳዊ ትምህርቲ፣ ክርስቶሳዊ ዶክትሪን፣ ሃዋሪያዊ ትምህርቲ ኣይኰነን ፈጺሙ። እዚ ከምቲ ጳውሎስ ኣብ ካልኣይ መልእኽቱ ናብ ሰብ ቘረንቶስ ኢልዎ ዘሎ፡ካልእ ወንጌል፣ ካልእ የሱስ፣ ካልእ መንፈስ እዩ።እዚ እቶም ናይ ሓሶት ሃዋሪያት፣ ናይ ሓሶት ነቢያት፣ ናይ ሓሶት ጓሶት፣ ናይ ሓሶት ወንጌላወያን፣ ናይ ሓሶት መማህራን፣ ናይ ሓሶት ኣሕዋት፣ ናይ ሓሶት ክርስቶሳት፣ ዚለማመድዎን ዚገበርዎን ዚምህርዎን ዚነብርዎን እዩ። እዚ እቶም ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ሃዋሪያት፣ ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ነቢያት፣ ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ጓሶት፣ ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ወንጌላወያን፣ ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ መማህራን፣ ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ኣሕዋት፣ ዚለማመድዎን ዚገበርዎን ዚምህርዎን ዚነብርዎን ኣይኰነን ፈጺሙ! እቲ እንኮ በይኑ ናይ ኣምላኽ ክርስቶስ ዚመሃሮውን ኣይኰነን ፈጺሙ!
ሎሚ ግና ግብሪ ንቆላውያንን ናይ ንቆላውያን ትምህርትን ኣብተን ማሕበራት ኣምላኽ ኣሎ። ሎሚ ናይ ሓሶት ሃዋሪያት፣ ናይ ሓሶት ነቢያት፣ ናይ ሓሶት ጓሶት፣ ናይ ሓሶት ወንጌላወያን፣ ናይ ሓሶት መማህራን፣ ናይ ሓሶት ኣሕዋት፣ ናይ ሓሶት ክርስቶሳትን ኣብተን ማሕበራት ኣምላኽ ኣለዉ።
እቶም ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ሃዋሪያት፣ ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ነቢያት፣ ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ጓሶት፣ ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ወንጌላወያን፣ ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ መማህራን፣ ነቲ ዘገልግልዎ ህዚቢ ገዛእ ርእሶም ከም ፍሉያት ሰባት፡ እዚ ማለት ካብቲ ካልእ ህዚቢ ኣምላኽ፦
– እተፈልየ ቅብኣት ከም እተቀብኡ፣
– እተፈልየ ሕርየት ከም እተሓርዩ፣
– እተፈልየ ጽዋዓ ከም እተጸዊዑ፣
– እተፈልየ ፍልጠት ከም ዘለዎም፣
– እተፈልየ ምግላጽ ከም ዘልዎም፣
– እተፈልየ ልምምድ ከም ዘለዎም፣
– ኣብ ፍሉይ መንፈሳዊ ዓቀን ከም ዚኣተዉ
– ምስ ኣምላኽ ድማ ፍሉይ ዚምድና ዘለዎም ወዘተ… ዚዓይነቱ መንፈሳዊ ድራማ ኣይሰርሕሉን!
ንሳቶም ንዂሉ ነቲ ህዝቢ ኣምላኽ፦
(1) . እቲ ፍሉይ ቅብኣት እተቀብኤ ንሳቶም (እዚ ማለት እቶም ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ሃዋሪያት፣ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ነቢያት፣ ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ መምህራን ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ጓሶት፣ ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ወንጌላውያን) ዘይኰኑስ ንሱ እንኮ ጥራይ ከም ዚዀነ፡ ንሱ ከኣ ክርስቶስ እቲ እንኮ ናይ ኣምላኽ መሲህ!
(2). እቲ ፍሉይ ሕርየት እተሓርየ ንሳቶም (እዚ ማለት እቶም ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ሃዋሪያት፣ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ነቢያት፣ ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ መምህራን ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ጓሶት፣ ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ወንጌላውያን) ዘይኰኑስ ንሱ እንኮ ጥራይ ከም ዚዀነ፡ ንሱ ከኣ ክርስቶስ እቲ እንኮ ናይ ኣምላኽ መሲህ!!
(3). ነታ ምኽሪ ዘለኣለም ንምፍጻም እቲ ፍሉይ ጽውዓ እተጸወዐን እተቀበለን(ኣብነት፡ ከምቲ ንኣይ ኣቦይ ዚላኣኸኒ…) ንሳቶም ዘይኰኑስ ንሱ እንኮ ጥራይ ከም ዚዀነ፡ ንሱ ከኣ ክርስቶስ እቲ እንኮ ናይ ኣምላኽ መሲህ!!
(4). እቲ ፍሉይ ፍልጠት ዘለዎ ንሳቶም (እዚ ማለት እቶም ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ሃዋሪያት፣ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ነቢያት፣ ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ መምህራን ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ጓሶት፣ ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ወንጌላውያን፣) ዘይኰኑስ ንሱ እንኮ ጥራይ ከም ዚዀነ፡ ንሱ ከኣ ክርስቶስ እቲ እንኮ ናይ ኣምላኽ መሲህ!
(5). እቲ ፍሉይ ምግላጽ ዘለዎ ንሳቶም (እዚ ማለት እቶም ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ሃዋሪያት፣ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ነቢያት፣ ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ መምህራን ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ጓሶት፣ ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ወንጌላውያን፣ ዚበልናዮም ) ዘይኰኑስ ንሱ እንኮ ጥራይ ከም ዚዀነ፡ ንሱ ከኣ ክርስቶስ እቲ እንኮ ናይ ኣምላኽ መሲህ!!
(6). እቲ ፍሉይ ልምምድ ዘለዎ ንሳቶም (እዚ ማለት እቶም ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ሃዋሪያት፣ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ነቢያት፣ ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ መምህራን ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ጓሶት፣ ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ወንጌላውያን፣ ዚበልናዮም ) ዘይኰኑስ ንሱ እንኮ ጥራይ ከም ዚዀነ፡ ንሱ ከኣ ክርስቶስ እቲ እንኮ ናይ ኣምላኽ መሲህ!!
(7). እቲ ኣብ ፍሉይ መንፍሳቂ ዓቀን ዚኣተወ ንሳቶም (እዚ ማለት እቶም ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ሃዋሪያት፣ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ነቢያት፣ ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ መምህራን ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ጓሶት፣ ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ወንጌላውያን፣ ዚበልናዮም ) ዘይኰኑስ ንሱ እንኮ ጥራይ ከም ዚዀነ፡ ንሱ ከኣ ክርስቶስ እቲ እንኮ ናይ ኣምላኽ መሲህ!!
(8). እቲ ምስ ኣቦኡ ፍሉይ ዚምድና ዘለዎ ንሳቶም (እዚ ማለት እቶም ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ሃዋሪያት፣ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ነቢያት፣ ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ መምህራን ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ጓሶት፣ ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ወንጌላውያን፣ ዚበልናዮም ) ዘይኰኑስ ንሱ እንኮ ጥራይ ከም ዚዀነ፡ ንሱ ከኣ ክርስቶስ እቲ እንኮ ናይ ኣምላኽ መሲህ ከም ዝዀነ እዮም ዘርእይዎም!!
(9). ወዘተ… ነቲ ህዝቢ ብንጹር የቀምጥሉ!
- እዚ ማለት እቲ ናይ ሓቂ ህዚቢ ኣምላኽ ብምልኡ (ማለት ብዘለዉ እቶም ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ሃዋሪያት፣ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ነቢያት፣ ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ መምህራን ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ጓሶት፣ ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ወንጌላውያን፣ ጥራይ ዘይኰነስ ናይ ክርስቶስ ዘበለ ኩሉ) ብማዕረን ከም ሓደ ሰብን፡
– ኣብ ውሽጢ እቲ ፍሉይ ቅብኣት እተቀብኤ እቲ እንኮ ናይ ኣምላኽ መሲህ (=ክርስቶስ) ከም ዘለዉ፡ ንሱውን ኣብ ውሽጦም ከም ዘሎ፣
– ኣብ ውሽጢ እቲ ፍሉይ ሕርየት እተሓርየ እቲ እንኮ ናይ ኣምላኽ መሲህ፡ እቲ እንኮ ናይ ኣምላኽ ክርስቶስ ከም ዘለዉ ንሱውን ኣብ ውሽጦም ከም ዘሎ፣
– ኣብ ውሽጢ እቲ ፍሉይ ጽውዓ እተጸወዐ እንኮ ናይ ኣምላኽ መሲህ፡ ናይ ኣምላኽ ክርስቶስ ከም ዘለዉ ንሱውን ኣብ ውሽጦም ከም ዘሎ፣
– ኣብ ውሽጢ እቲ ፍሉይ ፍልጠት ዘለዎ (ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብኡ እተሰወረ) እንኮ ናይ ኣምላኽ መሲህ፡ ናይ ኣምላኽ ክርስቶስ ከም ዘለዉ ንሱውን ኣብ ውሽጦም ከም ዘሎ፣
– ኣብ ውሽጢ እቲ ፍሉይ ሕርየት እተሓርየ እንኮ ናይ ኣምላኽ መሲህ፡ ናይ ኣምላኽ ክርስቶስ ከም ዘለዉ ንሱውን ኣብ ውሽጦም ከም ዘሎ፣
– ኣብ ውሽጢ እቲ ኣብዚ ምሉእ ኣድማስ እዚ ፍሉይ ልምምድና ዘለዎ ናብ ፍሉይ መንፈሳዊ ዓቀን ወይ ደረጃ ዚኣተወ እቲ እንኮ ናይ ኣምላኽ መሲህ፡ ናይ ኣምላኽ ክርስቶስ ከም ዘለዉ ንሱውን ኣብ ውሽጦም ከም ዘሎ፣
– ኣብ ውሽጢ እቲ ምስ ኣቦኡ ፍሉይ ሓድነትን ዚመድናን ዘለዎ እንኮ ናይ ኣምላኽ መሲህ፡ ናይ ኣምላኽ ክርስቶስ ከም ዘለዉ ንሱውን ኣብ ውሽጦም ከም ዘሎ፣
ንሳቶም (ማለት እቶም ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ሃዋሪያት፣ ነቢያት፣ ወንገላውያን፣ ጓሶት፣ መምህራን ወዘተ…) ነቲ ህዝቢ ኣምላኽ ናብኦም ኪጥምት ዘይኰነስ ናብ ክርስቶስን ናብ ክርስቶስ ጥራይን ኪጥምት እዮም ዚገብርዎ!
– ንሳቶም ርእሶም ይስውሩ እምበር ርእሶም ኣይሰብኩን። ንሳቶም ርእሶም የናእሱ፣ ርእሶም የሕስሩ እምበር ርእሶም ኣየተ ዓባቢዩን ርእሶም ኣየምልኹን!
– ንሳቶም ስለ ክርስቶስን ስለ መንግስቲ ኣምላኽን እተሰልቡ እቶም ናይ ሓቂ ስሉባት ስለ ዚዀኑ ነታ ማሕበር “ኣብዩዝ” ኣይገብርዋን ፈጺሞም። ሓደ ንጉስ ነታ ንግስቲ ዘገልገሉ ሰባት ኪምዚዝ ከሎ ስሉባት እዩ ዚምዝዝ! ስለ ምንታይ? ምኽንያቱ ነታ ንግስቱ ኣብዩዝ ምእንቲ ከይገብሩዋ!
– ሎሚ እቲ ኣዚዩ ዘሕዝን ነገር ጐይታና የሱስ ስሉባት ሰባት ምስኣኑ እዩ! ጐይታና ስሉባት ሰባት ስለ ዘይረኸበ፡ እቶም እኩያት ሰባት ነታ ማሕበሩ፣ ነታ መርዓቱ ድላዮም ይገብሩዋ ኣለዉ! “ኣብዩዝ” ይገብሩዋ ኣለዉ! ነታ ማሕበር ናይቶም ናይ ገዛእ ርእሶም ገይሮማ!
– ኣብዚ መወዳእታን ክፉእን ዘመንዚ ጐይታ ከም ዮሃንስ መጥምቅ ዚበሉ ስሉባት ኪረክብ ኣለዎ! ኪረክብ እዩ ድማ!
– እወ ከም ዮሃንስ መጥምቅ ዚበሉ ስሉባት! “ናብ ዮሃንስ መጺኦም መምህር እቲ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ምሳኻ ዝነበረ ንስኻውን ዝመስከርካሉ፡ እነሆ ንሱ የጥምቕ ዂሉ ኸኣ ናብኡ ይኸይድ ኣሎ በልዎ። ዮሃንስ ከኣ መሊሱ በለ፡ሰብ ካብ ሰማይ እንተ ዘይተዋህቦስ ሓንቲ እኳ ኺወስድ ኣይክእልን እዩ። ኣነ ቀቅድሚኡ ደኣ ተለኣኽኩ እምበር፡ ክርስቶስ ኣይኰንኩን ከም ዝበልኩ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ምስክረይ ኢኹም። እቲ መርዓት ዘላቶ ንሱ መርዓዊ እዩ። እቲ ደው ኢሉ ንእኡ ዚሰምዖ ዓርኪ መርዓዊ ግና ብድምጺ እቲ መርዓዊ ኣዚዩ ይሕጐስ። ደጊም እዚ ሓጐሰይ ተፈጸመ። ንሱ ኺዓቢ ኣነ ግና ክንእስ ይግባእ።” (ዮሃንስ 3፡26-30)
– እወ ከም ዮሃንስ መጥምቕ ዚበሉ ስሉባት! “ኣነ ቀቅድሚኡ ደኣ ተለኣኽኩ እምበር፡ ክርስቶስ ኣይኰንኩን” ዚብሉ ስሉባት! ንሱ ኪዓቢ ኣነ ግና ኪንእስ ይግባእ ዚበሉ ናይ ሓቂ ስሉባት!
– ከም ጴጠሮስ ዚበሉ ስሉባት! ጴጥሮስ ናብ ቤት ቆርኔሌዎስ ኪኣቱ ከሎ ቆርኔሌዎስ ድማ ኣብ ኣእጋሩ ተደፊኡ ምስ ሰገደሉ፡ ጴጥሮስ ግና “ኣነ ድማ ከማኻ ሰብ እየ ተንስእ” ኢሉ ከም ዘተንሰኦ ከም ጴጥሮስ ዚበሉ ስሉባት ባሮት፡ ስሉባት ዓየይቲ ጐይታ ይደሊ አሎ! ከም ጳውሎስ ዚበሉ ስሉባት! “ኣማልኽቲ ብኣርኣያ ሰብ ናባና ወሪዶም፡ በሉ። …ግናኸ ጳውሎስን በርነባስን እቶም ሃዋሪያትን እዚ ምስ ሰምዑ ክዳውንቶም ቀደዱ፡ እናጨደሩ ኸኣ ናብቶም ህዝቢ ጐየዩ! ንሕና ድማ ከማኻትኩም ዚፍጥረትና ሰብ ኢና”” ድማ በሉ!
– እወ ሎሚውን ጐይታ ከምዚ ዓይነት ስሉባት ዓየይቲ ይደሊ ኣሎ! ነቲ እተዋህቦም ዕዮ ብግቡእ ድሕሪ ምፍጻሞም እኳ ከይተረፈ ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና፡ ነቲ ክንገብሮ ዝግባኣና ኢና ዝገበርና ዝብሉ ናይ ሓቂ ስሉባት ዓየይቲ ይደሊ ኣሎ ጐይታ! “ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እተኣዘዝኩምዎ ዂሉ ምስ ገበርኩም፡ ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና፡ እቲ ኽንገብሮ ዚግብኣና ኢና ዝገበርና፡ በሉ።” (ሉቃስ 17፡10)። እወ፡ ነቲ ዘገልግልዎ ህዝቢ ናብ ገዛእ-ርእሶምን ናብ ግብርታቶምን ዘይኰነስ ናብ ክረስቶስን ናብቲ ፍሉይ ዘይብጽሕ ግብሪታቱን ዘመልክቱ ዓየይቲ ይደሊ ኣሎ!ከምቲ ዮሃንስ መጥምቅ “እነሆ ሓጢኣት ዓለም ዘርሕ ገንሸል ኣምላኽ!” ብምባል ነቶም ሰማዕቱ ናብ የሱስ ዘመልከቶም!
- ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብኡ እተሰወረ (ቘሎሴ 2፡3)፣ ብዘሎ ምልኣት መለኮት ኣብኡ ኪሓድር ኣቦ ዚሰመሮ(ቘሎ1፡19)፣ እቲ መልኽዕ እቲ ዘይረኤ ኣምላኽ፣ በኹሪ ኩሉ ፍጥረት፣ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ዚርኤን ዘይረኤን ዝፋናት ኰኑ ወይስ ጒይትነት ሕልቅነት ወይስ ስልጣናት ኲሉ ብእኡ እተፈጥረ፣ኲሉ ብእኡን ንእኡን እተፈጥረ፣ ንሱ ቅድሚ ኲሉ እዩ ኲሉውን ብእኡ ዚቆመ፣ ንሱ ነታ ስጋኡ ርእሳ፡ ማለት ነታ ማሕበር ብዂሉ ነገር ቀዳማይ ምእንቲ ኪኸውሲ መጀመርታ ዚዀነ፣ ካብ ምውታትውን በዂሪ እዩ።
- ሎሚ ኪሳዕ ወሰን ምድሪ ተጓዒዚካ ሕንቂሕንቂሊተካ ንኪፈትሓልካ ናብ “ንጉስ ሶሎሞን” ወይ ሶሎሞን መሰለቲ ኪትከይድ ኣድላዪ ኣይኰነን። እቲ ካብ ሶሎሞን ዚዓቢ ኣብ ውሽጢኻ ኣሎ ንስኻውን ኣብ ውሽጡ ኣሎኻ!
- ንሕና (ሰዓብቲ ክርስቶስ ዘበልና ኩላህና በቲ ብዘሎ ምልኣት መለኮት ብስጋ ዚመልኦ እንኮ ናይ ኣምላኽ መሲህ፡ እንኮ ናይ ኣምላኽ ክርስቶስ እተመላእና ኢና! (ቖሎ 2፡9-10)
እዚ ጽሑፍ እዚ ነታ “ክርስቶስ => እቲ ኣብዚ ምሉእ ኣድማስዚ ምስ ዘሎ ኩሉ ነገር እንኮ ፍሉይ ዝምድናይ”/(CHRIST-MY SOLE & UNIQUE RELATIONSHIP WITH EVERYTHING IN THE WHOLE UNIVERSE) እትብል ቪድዮ ኣዛሚድና ነጽንዓዮ!
ብብዙሕ ተባረዅ!
Comment here