ልዕላውነት/Sovereignty/ እንታይ ማለት እዩ?
ልዕላውነት ማለት ኣብ ልዕሊ እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝዀነ፣ ሕጂ ዝዀውን ዘሎ፣ብሕጂ ኣብ መጻኢ ዝዀውን ኩሉ ዚዓበየ፡ ዝለዓለ፡ፍጹም ስልጣን(supreme authority)፣ ምሉእ ቁጽጽር/full contro/፣ፍጹም ሓልይሊን/and absolute power/፡ ኩሉ እዋንን ኣብ ኩሉ ስፍራን/in all times across all history/ ኪህልወካ ከሎ ማለት እዩ።
ልዕላውነት ኣምላኽ ማለት እምባኣር ንሱ እቲ ህልው፣ነባሪ፡ ህልዊ/immanently/ ን ብገዛእ ርእሱ ወይ ባዕሉ (personally) ኣብ ልዕሊ ኩሉ እቲ ናይ ምሉእ ኣድማስ ጉዳያት ወይ ፍጻሜታት/over all the affairs of the universe/ ስልጣን መግዛእቲ ዘለዎ ወይ ዚገዝእ/rule/ እቲ ዚዓበየ፡ ዚለዓለን ፍጹም ገዛኢ፡ ኣመሓዳሪ /Supreme Ruler/ ማለት እዩ። ልዕላውነት ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እቲ ህላዌ’/existence./ ዘለዎ ዘበለ ኩሉ ዘሎ እቲ ፍጹም ስልጣን/absolute authority/ ፣ መግዛእትን /Rule/ን ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽን ( government of God) ማለት እዩ።
ኣምላኽ ኩሉ ሳዕን ኣብ ኩሉ ስፍራን ልዑል እዩ!
ኣብ ሰማይ፣ ኣብ ምድሪ፣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ፣ኣብቲ ዝረኤ ኰነ ዘይረኤ ኩሉ፣ ኣብቲ መንፈሳዊ ዓለም ኰነ ኣብቲ ተፈጥሮኣዊ ዓለም ኩሉ፣ ኩሉ ሳዕን ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለምን ምሉእ ብምሉእን ፍጹም ብዝዀነ መገዲን ኣምላኽ ልዑል እዩ! ኣብ ሰማይ ኰነ ኣብ ምድሪ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ኰነ ንዝመጽእ ዘለኣለም፡ ንልዕላውነት ኣምላኽ ናይ ስፍራ ኰነ ናይ ጊዜ ደረት ወይ ገደብ የብሉን ፈጺሙ!
እቲ ኣብ ዘመናት ኩሉ ዘይለወጥ ዘለኣለማዊ ሓቂ እዚ ክነሱ፡ ሎሚ ኣዚዩ ዝገርምን ዘሕዝንን ምህሮ ሓሶት፡ ንሱ ከኣ “ብዘይ ናይ ሰብ ፍቓድ ወይ ምፍቓድ፡ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ዋላ ሓንቲ ኪገብር ኣይክእልን እዩ”/”God cannot do anything in the earth without a human’s permission!” “ሰብ ን ኣምላኽ እንተዳኣ ዘየፍቕዲሉ ወይ ፍቓድ/license/ እንተዳኣ ዘይህብዎ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ዘይሕጋዊ/illegal/ እዩ” ወዘተ… እናበሉ ብድፍረት ዝምህሩዎ ምንጩ ገለ ገለ ምዕራባውያን መማህራን ዝዀነ ምህሮ ኣብ ማእከልና ኣትዩ ኣሎ። ንሳቶም ኣንዳዕዲዕም እዮም ነቲ ትምህርቲ ኣትዮሞ። እቲ ኣዚዩ ዘህዝነካ ግና ኣብ መንጎና ዘለዉ ኣሕዋትና፡ ነዚ ኣጋንንታዊ ምህሮ እዚ ግጉይነቱ ንኺሪእዎ ክሳዕ ኪንድዚ ልቦም ምትራሮም እዩ።
እምባኣር እስከ ምናልባት ነቶም ብዘይምፍላጥ ዚጋገዩን ዝታለሉን ኣሕዋትና እንተጠቀምና ብዝብል ጽጹይ ሃቀና፡ ሕጂውን ነዛ እትስዕብ ኣዚያ ኣገዳሲት መልእኽቲ ሒዘልኩም መጺኤ ኣለኹ።
ብሓቂ ኣምላኽ፡
ቀዳማይ) ብጸሎት ህዝቡ ዝጽሎ (influenced/እንፍሎንስድ ዝኸውን/) እንተዳኣ ዀይኑ፣
ካልኣይ) ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዝዀነ ነገር ንኽገብር ድማ ናይ ሰብ ምፍቓድ/ፍቓድ/license/ እንተ ዘይተዋሂቡዎ፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኣምላኽ ዘይሕጋዊ/ illegal / እንተዳኣ ኰይኑ፡ እሞ ስለምንታይ ደኣ እዞም ዝስዕቡ ጥቅስታት ኩሎም ከምቲ ሰብ ዚጠለቦ፣ከምቲ ሰብ ዘፍቐዶን ዚደለዮን ፊጻሜ ዘይረኸቡ?
”ሙሴ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ተመሊሱ፡ ኣየ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ዓብዪ ሓጢያኣት ገበረ፡ ንኣታቶም ከኣ ኣማልክቲ ወርቂ ገበረ። ሕጂ ድማ ሓጢኣቶም ይቕረ በለሎም፡ እንተ ዘይኰነስ ካብቲ ዝጸሐፍካዮ መጽሓፍካ ሕከኸኒ፡ በለ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ነቲ ዝበደለኒ ኻብ መጽሓፈይ እሐኮ፡ ሕጂ ኸኣ ኪድ እሞ፡ ነዚ ህዝቢ ናብቲ ዝበልኩኻ ምርሓዮ። እንሆ፡ መልኣኸይ ቀቅድሚኣኻ ኪኸይድ እዩ። ኣነ ግና በታ ንኣታቶም ዝበጽሓላ መዓልቲ፡ ሓጢኣቶም ክቐጽዕ እየ፡ በሎ።” (ዘጻኣት 32:31-34)
ኣብዚ ኣምላኽ ብጸሎት ሙሴ ስለ እተጸልወስ ልክዕ ከምቲ ሙሴ ዝበሎ ገይሩ ድዩ!? ያ ኣይፋሉ!
ኣምላኽ ንደቂ እስራኤል ንኺቀጽዖም ካብ ሙሴ ፍቓድ/license/ ስለ ዘይረኸበ ኸ ኣብ ምድሪ ዘይሕጋዊ ብምዃን፡ እቲ ኪገብሮ ዚደለየ ካብ ምግባር ተኸልኪሉን ተደሪቱን ድዩ? ያ ኣይፋሉ!
“እግዚኣብሄር ድማ ንሳሙኤል፡ ኣነ ንሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከይነግስ ንዒቐዮ ኸሎኹስ፡ ንስኻ ኽሳዕ መአዝከ ኢኻ ንሳኦል እትጉህየሉ፧ ናብ እሴይ ብዓል ቤት-ልሄም ክልእከካ፡ ኣብ መንጎ ደቁ ንጉስ ዚዀነኒ ርእየ ኣሎኹ እሞ፡ ቀርንኻ ዘይቲ መሊእካስ ኪድ፡ በሎ።”/The Lord said to Samuel, “How long will you mourn for Saul, since I have rejected him as king over Israel? Fill your horn with oil and be on your way; I am sending you to Jesse of Bethlehem. I have chosen one of his sons to be king.”(1ይ ሳሙኤል 16፡1)
ሳሙኤል ንሳኦል ይጉህየሉ፣ ይሓዝነሉን ይበኽየሉን ነይሩ፡ ኣምላኽ ግና ንሳኦል ምሉእ ብምሉእ ነጺግዎ እዩ ነይሩ! ድሮ ድማ ካልእ ሰብ ኣብ ህዝቡ ንኸንግስ ወሲኑ ነይሩ!
1. እሞ ኣምላኽ እዚ ንኺውስን ሳሙኤል ጸልዩዎ ዲዩ? ያ ኣይፋሉ!
2. ኣምላኽ እዚ ንኺገብር ሳሙኤል ኣፍቒድሉ ዲዩ? ያ ኣይፋሉ!
3. ኣምላኽ ከ እዚ ንኽገብር ፍቓድ ካብ ሳሙኤል ሓቲቱ ዲዩ? ያ ኣይፋሉ!
4. እሞ ኣምላኽ ብዘይ ፍቓድ፣ድሌት ሳሙኤል እዚ ብምውሳኑኸ እዚዶ ንኣምላኽ መፍረስ ሕጊ የብሎ እዩ? ያ ኣይፋሉ ፈጺሙ!
“እምበኣርሲ ኣይክሰምዓካን እየ እሞ፡ ምእንቲ እዚ ህዝቢ እዚ ኣይትለምን፡ ኣይትማህለል፡ ኣይትጸሊ፡ ላሕውን ኣይተብለኒ።” (ኤርምያስ 7፡16)
ኣበይ ኣሎ ደኣ ምጽላው ኣምላኽ? ኣብዚ ኣብቲ ህዝቢ ብዛዕባ ዝዀውን ነገር፡ ኤርምያስ ድዩ ዝውስንን ፍቓድ ዝህብን ዋላስ እቲ ልዑል ኣምላኽ?
”ንሳቶም ናብቲ ኣበሳ ናይቶም ንቓለይ ምስማዕ ዝአበዩ ቐዳሞት ኣቦታቶም ተመልሱ። ምእንቲ ኼገልግልዎም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ሰዓቡ። ቤት እሰራኤልን ቤት ይሁዳን ነቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣቶኽዎ ኺዳነይ ኣፍረሱ። ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ዘየምልጡሉ መዓት ከውርደሎም እየ፡ ናባይ ኪጠርዑ እዮም፡ ኣነ ግና ኣይክሰምዖምን እየ።/ኤርምያስ 11፡10-11/
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝዀነ ንጡፍ ተቃውሞ ዘይገብር/passive/ እንታይ ደኣ ብጸሎት ካልኦት ዝዝወር ተጸላዊ ጥራይ እንተ ዝዀውን ስለ ምንታይ ደኣ እሞ ኣብዚ ነቲ ናብኡ ዝቀረበ ጥርዓን ቤት እሰራኤልን ቤት ይሁዳን ዘይሰምዐ?
“ብሰሪ ጸበባኦም ናባይ እንተ ተማህለሉ፡ ኣይክሰምዖምን እየ እሞ፡ ንስኻስ ምእንቲ እዚ ህዝቢ እዚ ኣይትለምን፡ ምእንትኦም ከኣ ኣይትጥራዕን ኣይትማህለልን።” (ኤርምያስ 11፡14)
በዚ ጥቅሲ እዚ መሰረት ኣብ ምድሪ ልዕላውነት ዘለዎ መን እዩ? ኤርምያስ ወይስ ኣምላኽ በይኑ?
”እግዚኣብሄር ድማ በለኒ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ሰናይ ኣይትለምነሉ፡ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ከጥፍኦም እየ እምበር፡ እንተ ጾሙ እኳ ጥርዓኖም ኣይክሰምዕን፡ ዚሐርርን ዚብላዕን መስዋእቲ እንተ ሰውኡውን፡ ኣይክፈትወሎምን እየ።”/ኤርምያስ 14፡11-12/
”እግዚኣብሄር ከኣ በለኒ፡ ሙሴን ሳሙኤልን እኳ ኣብ ቅድመይ እንተ ቘሙ፡ ነፍሰይ ነዚ ህዝቢ እዚ ግልጽ ኣይምበለቶን። ካብ ቅድሚ ገጸይ ስጐጎም እሞ ይጸርገፉ። ናበይ ክንከይድ ኢና? እንተ በሉኻ ኸኣ፡ ንሞት እተመደበ ናብ ሞት፡ ንሰይፊ እተመደበ ናብ ሰይፊ፡ ንጥሜት እተመደበ ናብ ጥሜት፡ ንምርኮ እተመደበ ናብ ምርኮ ይኸይድ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኢልካ ንገሮም።ኣነ ኣርባዕተ ዓይነት፡ ሰይፊ ንምቕታሎም፡ ኣኽላባት ንምጒታቶም፡ ኣዕዋፍ ሰማይን ኣራዊት ምድርን ከኣ ንምብላዖምን ንምጥፋኦምን ከውርደሎም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።” ኤርምያስ 15፡1-3/
እዚ ጽሑፍ እዚ ብግልጺ ይዛረብ ከም ዘሎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኖንዶ ብጸሎት ናይዞም ፈተውቲ ርእሶምን ስሱዓትን ዝዀኑ ዘመናውያን ናይ ሓሶት ዓየይቲ ኪጽሎ ወይ ፍቓድ ናቶም ከድልዮ፡ ብጸሎት እቶም ገዛእ ርእሲም ፍጹም ኪሕዶም ዘገልግልዎ ኣዚዮም እሙናት ባሮቱ (ኣብዚ እተጠቅሱ ኣብነት ሙሴን ሳሙኤልን)ኰይተረፈ እኳ ፈጺሙ ከም ዘይጽሎ፡ ወይ ድማ እቲ ንሱ ዚደለዮ ንኸይፍጽም ናቶም ምፍቓድ ከም ዘየድልዮ ብንጹር ይዛረብ ኣሎ!
ነዚ ዝስዕብ ዘገርም ቅዱስ ጽሑፍ እውን ተጠንቂቅና ነንብቦ!
”ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ሃገር ኣዝያ ጠሊማ ኣባይ ሓጢኣት እንተ ገበረት፣ ኣነ ኸኣ ኢደይ እንተ ዘርጋሕኩላ፣ ነቲ ምርኩስ እንጌራ ድማ እንተ ሰበርኩላ፣ ጥሜት ከኣ እንተ ሰደድኩላ፣ ሰብን እንስሳንውን እንተ ኣጽነትኩላ፣ እዞም ሰለስተ ሰብኣይ፣ ኖህን ዳንኤልን እዮብን፣ ኣብኣ እኳ እንተ ጸንሑ፣ ንሳቶምሲ ብጽድቆም ነታ ነፍሶም ጥራይ ደኣ መናገፍዋ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ብሰሪ እቶም ኣራዊት ሓደ እኳ ብእኣ ምሕላፍ ክሳዕ ዚስእን፣ ምድረ በዳ ገይሮም ክሳዕ ዜጥፍእዋ፣ ኣነ ሕሱማት ኣራዊት ኣብ ማእከል እታ ሃገር ኣንተ ፈኖኹ፣ እዞም ሰለስተ ሰብኣይ እኳ ኣብኣ እንተ ጸንሑ፣ ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ንሳቶምሲ ንርእሶም ጥራይ ደኣ ምተናገፉ እምበር፣ ነወዳት ወይስ ነዋልድ ኣይመናገፉን፣ እታ ሃገር ከኣ ምባደመት። ወይስ ንሰብን እንስሳን ካብኣ ኸይጸንትሲ፣ ሰይፊ ኣብ ማእከል እታ ሃገር ይሕለፍ፣ ኢለ ንሰይፊ ናብታ ሃገር እንተ ኣምጻኣኩ፣ እዞም ሰለስተ ሰብኣይ ኣብኣ እኳ እንተ ጸንሑ፣ ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ንሳቶምሲ ንርእሶም ጥራይ ደኣ ምተናገፉ እምበር፣ ነወዳት ወይስ ነዋልድ ኣይመናገፉን። ወይስ ሰብን እንስሳን ካብኣ ኸጽንትሲ፣ ፌራ ናብታ ሃገር ኣቲኣ እንተ ሰደድኩ፣ ቍጥዓይ ከኣ ብደም እንተ ኽዖኹ፣ ኖህን ዳንኤልን እዮብን እኳ ኣብኣ እንተ ጸንሑ፣ ንሳቶምሲ ብጽድቆም ንነፍሶም ጥራይ ደኣ መናገፉ እምበር፣ ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ወዲ ወይስ ጓል ኣይመናገፉን።” (ህዝቄል 14፡12-20)
ኣምላኽ ይብል ኣሎ፥ “እዞም ሰለስተ ሰብኣይ እኳ ኣብኣ እንተ ጸንሑ፣ ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ንሳቶምሲ ንርእሶም ጥራይ ደኣ ምተናገፉ እምበር፣ ነወዳት ወይስ ነዋልድ ኣይመናገፉን፣”
ከናግፉ ኢሎም እንተ ዝፍትኑ ወይ እንተ ዝጽልዩ፡ ንርእሶም ጥራይ ደኣ ብንጽህንኦም ይናገፉ እምበር ነወዳት ወይስ ነዋልድ ኣይመናገፉን! ኣምላኽ ብዋላ ሓደ ኣይጽሎን! ዋላ በቶም ኣዚዮም እሙናት ባሮቱ! ዝዀነ ነገር ኣብ ምድሪ ንኺገብር ኣምላኽ ናይ ዋላ ሓደ ፍቓድ ኣይሓትትን ወይ ኣየድልዮን! ንሱ ባዕሉ ብስልጣኑን ኣብቲ ዝደለዮ ጊዜን ነቲ ኪምሕሮ ዚደለየ ዝምሕር፡ ነቲ ኪምሕዎ ዝደለየ ድማ ዚምሑ ልዕል (sovereign) ኣምላኽ እዩ!
እምባኣር ኣብዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እንታይ እዩ ዝብል ዘሎ? ” ኣነ ልዕል እየ! ኣብ ልዕላውነተይ መጺኻ ብዋላ ሓደ ኣይጽሎን! ናይ ዋላ ሓደ ምፍቓድ ኣይሓትትን! ልዕላውነተይ ፍጹምን ምሉእን እዩ! ፍጥረት ኩሉ ፍቓደይ ይሓትት፣ ውሳኔይ ይጽበ እምበር ኣነ ካብቲ ዚፈጠርኩዎ ፍጥረት ምፍቓድ ወይ ፍቓድ ኣይሓትትን እየ!” እዩ ዝብል ዘሎ!
”ብምኽንያት እቲ ኣዝዩ ብሉጽ ራእይ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ ኸኣ፡ ኣብ ስጋይ ግራጭ ተዋህበኒ፡ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ፡ መልኣኽ ሰይጣን ኪስቅየኒ ተዋህበኒ። እዚ ኻባይ ኪርሕቕ፡ ብዛዕባዚ ንጐይታ ሰለስተ ሳዕ ለመንክዎ፡ ንሱ ኸኣ፡ ሓይለይ ብድኻም እዩ ዝፍጸም እሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካ፡ በለኒ። ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድር፡ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ።” (2ይ ቈረንቶስ 12፡7-9)
እዚ ቃል እዚ ብንጹር ይዛረብ ከም ዘሎ፡ ጳውሎስ ብመልኣኽ ሰይጣን ብኸቢድ ይስቀ ነይሩ። እዚ ኣብ ስጋኡ ዝነበረ ግራጭ ካብኡ (ካብ ስጋኡ) ንኺርሕቕ ጳውሎስ ሓንሳ ዘይኰነስ ሰለስተ ሳዕ ጸሊዩ! ኣምላኽ ግና ኣየርሓቀሉን!
ረኣዩ! እዚ ግራጭ እዚ ኣብ ስጋኡ ንኽቕጽል ጳውሎስ ኣይደለየን! ኣይፈተወን! ኣይፈቐደን! ንኽርሕቕ ሰለስተ ጊዜ ደጋጊሙ ጸልዩ፡ ግናኸ እቲ ላዕለዋይ ወሳኒ፡ ገባሪን ሓዳጊን እቲ ልዑል ኣምላኽ ጥራይ ስለ ዝዀነ፡ ጳውሎስ፡ “ጸጋይ ይ ኣኽለካ!” ዝብል መልሲ እዩ ረኺቡ ካብ ኣምላኽ!
እወ! ሰብ ናይ ዚደለየ ወይ ኣየፍቕድን እየ ናይ ዝበለ ኣይኰነን! ኩሉ ውሳኔ ናይቲ ልዕል ኣምላኽ እዩ!
“ስለዚ ናይቲ ዚምሕር ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ናይቲ ዚደልን ዚጐይን ኣይኰነን።” (ሮሜ 9፡16)
“እቶም ህያዋንሲ፣ እቲ ልዑል ኣብ መንግስቲ ሰብ ከም ዚመልኽ’ ንዝደለዮ ኸኣ ከም ዚህቦ፣ ኤረ ነቲ ኻብ ሰብ ዚንእስ ደኣ ልዕል ከም ዜብሎ ምእንቲ ኺፈልጡ፣ እዚ ባህሊ እዚ እቶም ሓለውቲ ዝመደብዎ፣ እዚ ነገር እዚውን ኣቶም ቅዱሳን ዝኣዘዝዎ እዩ።” (ዳኔኤል 4:17)
“ካብ ሰብ ክትስ?ጕ፣ ምስ እንስሳ መሮር ክትነብር ኢኻ፣ ከም ንኣብዑር ከኣ ሳዕሪ ኼብልዑኻ እዮም፣ ብኣውሊ ሰማይ ድማ ክትጥልቂ ኢኻ፣ እቲ ልዑል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ ከም ዘመልኽ፣ ንዝደለዮ ኸኣ ከም ዚህቦ፣ ክሳዕ እትፈልጥሲ፣ ሾብዓተ ግዝያትውን ኪሐልፋኻ እየን።” (ዳኒኤል 4፡25)
“እቲ ዘመን ምስ ተፈጸመ፣ ኣነ ነቡካድነጻር፣ ኣዒንተይ ናብ ሰማይ ኣልዓልኩ እሞ ኣእምሮይ ተመልሰለይ። ነቲ ልዑል ባረክኹ፣ ነቲ ንዘለኣለም ህያው ዝዀነ፣ ግዝኣቱ ዘለኣለማዊ ግዝኣት፣ መንግስቱውን ንውሉድ ወለዶ ዚነብር፣ ወደስኩን ኣኽበርኩን። እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዅሎም ብእኡስ ከም ገለ እኳ ኣይቍጸሩን፣ ንሱ ኣብ ሰራዊት ሰማይን ኣብቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩን ከም ፍቓዱ እዩ ዚገብር። ንኢዱ ዚክልክላ፣ ሰለምንታይ እዚ እትገብር፣ ኪብሎ ዚኽእልውን የሎን።”(ዳኔኤል 4:34, 35)
እምባኣር እዞም ኣብዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮም ናይ ኣምላኽ ሰባት እኮ፡ ከምቲ ኣብዚ ብጸሎት ንኣምላኽ ሓቲተሞ ዘለዉ፡ ልክዕ ከምኡ ንኽኸውን ደሊዮም፣ ፈቒዶምን ኣፍቒዶምን ነይሮም ማለት እዩ። እሞ እንታይ ኰይኑ ደኣ ኣምላኽ ብጸሎቶም ዘይተጸልወ (influenced ዘይኰነ? ? ? ?
ያኢ እቲ ልዑል ኣምላኽሲ ብጸሎት ሰብ እዚ ድሩት ፍጥረት ኪጽሎ? ፍቓድ ኪወሃብ ወይ ድማ ኢለጋል/ኣብ ምድሪ ዘይሕጋዊ/ኪባሃል? ንሱስ ሰብ ኣይኰነን!ንሱ ደረት ኣልቦ፣ ፈጺሙ ዘይምርመርን መገድታቱ ብኣሰር ኣሰር ዘይብጻሕን ኣምላኽ እዩ! ዝጸለኻ ዓይነት ጸሎት ጸሊ፣ ዝለመንካ ዓይነት ለምን፣ ዝደለኻ ዓይነት ኣፍቕድ፣ ዝደለኻ ዓይነት ድለ፣ ንሱስ ኩሉ ሳዕ ኣብ ልዕሊ ጸሎታትካ፣ ድሌታትካን ፍቓዳታትካን ከይተረፈ ፍጹም ልዑል እዩ! ኣብ ሰማይ ልዑል እዩ! ኣብ ምድሪ ልዑል እዩ! ኣብ ትሕቲ ምድሪ ልዑል እዩ! ኣብ ጸሎትካ ከይተረፈ ልዑልን በይኑ ወሳኒን እዩ! ንሱ የፍቕድ እምበር ንሱ ኣብ ምድሪ ናይ ዋላ ሓደ ፍቓድ ኣይሓትትን እዩ! ንሱ ይጸሉ እምበር ንሱ ኣብ ምድሪ ብዘሎ ፍጥሩ ብዋላ ሓደ እኳ ዘበት ነይጽሎ!
ከምቲ “ኣምላኽ ከይሕሱ፡ ሰብ ኣይኰነን። ከይጠዐስ ከኣ፡ ወዲ ሰብ ኣይኰነን።,,,”(ዘሁልቅ23፡19) ዝብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ኣነ ኸኣ ኣምላኽ ብሰብ ዚጽሎ ወይ ከኣ ኣብ ምድሪ ገለ ነገር ንምግባር ካብ ደቂ ሰባት ፍቓድ/ምፍቓድ/ ዚሓትት ንሱ ሰብ ኣይኰነን ኢለ እምስክር ኣለኹ! ንሱ ካብ ፍጥረታቱ ኩሉ ኣዚዩ እተፈልየ ዘይምርመር፣ ዘይብጻሕ፣ ዋላ ሓደ እኳ መሳሊ ዘይብሉ ኣምላኽ እዩ!
ኣታ ክቡር ሓወይ፥ “ልዕላውነት ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ድሩትን ውሱንን እዩ! ካብ ሰብ ፍቓድ እንተዳኣ ዘይረኺቡ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ዋላ ሓንቲ ኪገብር ኣይክእልን እዩ! ሰብ እንተ ዘይፍቒድሉ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ዘይሕጋዊ እዩ፡”ብዝብል ናይ ጥልቂ ኣጋንንታዊ ትምህርቲ ከስሕተካ ንዋላ ሓደ ኣይተፍቕደሉ! ካብዚ ዘመናዊ ግናኸ ሰይጣናዊ ጽንጽዋይ እዚ ኣምልጥ እብለካ ኣለኹ!
ኖንዶ ሰብ እዚ እብእብ፡ ጎይታና መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ እኳ እንተ ዀነ፡ “ኣቦይ፡ ፍቓድካ እንተ ዀይኑ፡ ነዛ ጽዋእ እዚኣ ካባይ ኣሕልፋ። ግናኸ ፍቕድካ እምበር፡ ፍቓደይሲ ኣይኹን፡ ” እናበለ ደኣ ጸለየ እምበር ከምዞም ዘመናውያን መማህራን ሓሶት፡ እዚ ኢልካ ዘይግመት ድፍረትን ንኣምላኽ ከም ዓቢዪ ጸርፊ ዝቁጸርን ጸሎት ኣይጸለየን። ከምዚ ዓይነት ምህሮውን ንሰዓብቱ ኣይመሃረን ፈጺሙ!
”ከም ብሓድሽ ካልኣይ ሳዕ ከይዱ፡ ኣቦይ፡ እዚ ኸይሰቴኽዎ ኺሐልፍ ዘይከኣል እንተ ኰይኑስ፡ ፍቓድካ ይኹን፡ ኢሉ ጸለየ።ከም ብሓድሽ ድማ መጸ፡ ኣዒንቶም ባዕዚዙ ነበረ እሞ፡ ደቂሶም ረኸቦም። ሐዲግዎም ከደ፡ ሳልሳይ ከኣ ከም ብሓድሽ እቲ ኢልዎ ዝነበረ ጸሎት ጸለየ።” (ማቴዎስ 26፡41-44)
“ኣቦይ፡ ፍቓድካ እንተ ዀይኑ፡ ነዛ ጽዋእ እዚኣ ካባይ ኣሕልፋ። ግናኸ ፍቕድካ እምበር፡ ፍቓደይሲ ኣይኹን፡ እናበለ ጸለየ።” (ሉቃስ 22:42)
እሞ እግዚኣብሄር ኣቦ ብጸሎት ዚጽሎ እንተ ዝዀውን ጎይታና የሱስ ኣብ መስቀል ከይሞተ ኪተረፍ ነይሩዎ! ጎይታና ግና ዘደንቅ እዩ። “ኣቦይ ነዛ ጽዋእ እዚኣ ካባይ ኣሕልፋ!” ኢሉ ኣይኰነን ጸሊዩ! ኖ!ኖ!ኖ! ጎይታ ዝጸለዮ ጸሎት ሕጂውን ልቢ ኢልና ንመልከት፡
“ኣቦይ፡ ፍቓድካ እንተ ዀይኑ፡ ነዛ ጽዋእ እዚኣ ካባይ ኣሕልፋ። ግናኸ ፍቕድካ እምበር፡ ፍቓደይሲ ኣይኹን፡” እናበለ እዩ ጸልዩ! ኣብዚ ጸሎት እዚ ሓደ ኣዝዩ ዘገርም ምስጥር ተገሊጹ ኣሎ! እወ ኣብዚ ጸሎት እዚ እቲ ኣዚዩ ካብ ኩሉ እተፈልየን ዘገርምን መንነት ኣምላኽ ተገሊጹ ኣሎ፡ንሱ ከኣ ልዕላውነት ኣምላኽ!
ብኸመይ ተገሊጹ? እወ፡ “ዎ ኣቦይ ከም ንዓይ፣ ከም ናተይ ድሌት፣ ከም ናተይ ፍቓድ እዛ ጽዋእ እዚኣ ከይሰተኹዋ ኪትሓልፍ እዩ፡፡ ነዛ ጽዋእ እዚኣ ካባይ ንኸተሕልፋ እዩ።ግናኸ ንስኻ ልዑል ኣምላኽ ኢኻ! ኣብ ዝዀነ እዋንን ስፍራን/ቦታን/ እቲ ላዕለዋይን ናይ መወዳእታ ወሳኒ ኣነ ወይ ድሌተይ፣ ወይ ፍቓደይ ኣይኰነን! እቲ ላዕለዋይን ናይ መወዳእታ ወሳኒ ንስኻ፡ እወ ንስኻ ጥራይ ኢኻ! ስለዚ ከኣ ፍቕድካ እምበር፡ ፍቓደይሲ ኣይኹን!”ብዝብል ተገሊጹ ኣሎ!
ክቡር ሰዓቢ ክርስቶስ፡ ብጸሎት ኰነ ብኻልእ ኩሉ፡ እቲ እንኮ መምህርናንን ፍሉይ ኣብነትናን ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ! ጸሎትካ ድፍረት ትዕቢተኛታት ዝገልጽን ዘንጸባርቕን ዘይኰነስ ንልዕላዊነት እቲ እንኮ በይኑ ኣምላኽ ሓቂ፡ ንልዕላዊነት እቲ ኣምላኽን ኣቦ ጎይታና የሱስ ክርስቶስን ጥራይ ዝገልጽን ኣነጺሩ ጸንጸባርቕን ኪኸውን ይግባእ!
ኣምላኽ ነቲ ኣብ ምድሪ ኰነ ኣብ ሰማያ ዘለዎ ፍሉይ፣ ደረት ኣልቦን ዘይተመርማርን ልዕላዊነቱ ብዝፈልጡን ብእኡ ብዝቕየዱ ባሮቱ ኣዚዩ ዝኸብር ኣምላኽ እዩ!
እቶም ብሓቂ ን ኣምላኽን ነቲ ደረት ዝልቦን ዘይተመርማርን ልዕላዊነት ኣምላኽ ትኽክልን ብዕምቈትን ዚፈለጡን እተመሃሩን ናይ ሓቂ ባሮት ኣምላኽ፡ “ኣምላኽ ብጸሎትና ይጽሎ እዩ፣ ንሕና እንተዘይፍቂድናሉ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ዘይሕጋዊ እዩ፡ ወዘተ ” ዘይኰነ ኢሎምሲ፡ ብዛዕባ ዕቤት ስልጣኑን ኣብ ሰማይ፣ኣብ ምድሪን ኣባታቶም ዘሎ ኩሉ ፍጥረት ምሉእን ፍጹምን ልዕላውነቱ ነዚ ዚስዕብ ዘገርም ሓቂታት እዮም ኣሚኖም፣ ዘሚሮም፣ ተኣሚኖም፣ ምሂሮም፣ ሰቢኾምን ተዛሪቦምን።
በል ልቢ ኢልካ ነቲ ሓቂ ዝዀነ ምስክርነቶም ተጠንቂቃ ስማዕ፣ ተመልከትን ካብኣቶም ተማሃርን።
”ንስኻትኩም ንኽፉኤይ ሐሰብኩም፡ እግዚኣብሄር ግና፡ ከምቲ ሎሚ ዀይኑ ዘሎ ኺገብር ብዙሕ ህዝቢ ምእንቲ ኼድሕን፡ ንጽቡቕ ሐሰበ።”/ዘፍጥረት 50፡20)
”እግዚኣብሄር ድማ፡ ንሰብ ኣፍ ዝገበረሉ መን እዩ፧ ወይ ዓባስ ወይ ጸማም ወይ ዚርኢ ወይ ዕዉር ዝገበሮኸ መን እዩ፧ ኣነ እግዚኣብሄር ኣይኰንኩን፧ሕጂ ኸኣ ኪድ፡ ኣነ ምስ ኣፍካ ዀይነ፡ እቲ እትዛረቦ ኸምህረካ እየ፡ በሎ።”/ዘጻኣት 4፡11-12/
”እምበኣር ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ኣብ ታሕቲ ኸኣ ኣብ ምድሪ፡ እግዚኣብሄር፡ ንሱ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ካልእ ከምዜልቦ፡ ሎሚ ፍለጥ፡ ኣብ ልብኻውን ሕሰቦ።”/ዘዳግም 4፡39/
”እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ እንሆ፡ ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ናቱ እዩ።”/ዘዳግም 10፡14/
”ኣነ፣ ኣነ እየ ንሱ፣ ምሳይ ካልእ ኣምላኽ ከም ዜልቦ ድማ፣ ሕጂ ርኣዩ። ኣነ እቐትል ህያው እገብር፣ ኣነ ኤቚስል ድማ፣ ካብ ኢደይ ዜድሕን ከኣ የልቦን።ኢደይ ንሰማይ ኤልዕል እሞ’ ኣነ ንዘለኣለም ህያው እየ፣ እብል።ነቲ ዜንበልብል ሴፈይ ምስ ሰሐልኩ፣ ኢደይውን ፍርዲ ምስ እትሕዝ፣ ንተጻረርተይ ክብቀሎም እየ፣ ንዚጸልኡኒውን ክፈድዮም እየ፣”/ዘዳግም 32፡39-41/
”እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ንሱ ኣብ ሰማይ ኣብ ላዕሊ፡ ኣብ ምድሪ ኸኣ ኣብ ታሕቲ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ምስ ሰማዕናዮ፡ ልብና መኸከ፡ ኣብ ቅድሜኹም ድማ ትንፋስ ኣብ ሰብ ኣይቈመትን።”/እያሱ 2፡11/
”ብጀካኻ ኻልእ የልቦን እሞ፡ ከም እግዚኣብሄር ዝበለ ቅዱስ የልቦን፡ ከም ኣምላኽና ዝበለ ኸውሒ ኸኣ የልቦን፡እግዚኣብሄር ኵሉ ዚፈልጥ ኣምላኽ እዩ፡ ግብርታት ከኣ ኣብኡ ምዙን እዩ እሞ፡ እምብዛ ዘረባ ትዕቢት ኣይተብዝሑ፡ ቃል ድፍረትውን ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ፡ቀስቲ እቶም ሓያላት ተሰብረ፡ እቶም ሰንከልከል ዚብሉ ዝነበሩ ኸኣ ሓይሊ ተዐጥቁ፡ እቶም ጽጉባት ዝነበሩ ምእንቲ እንጌራ ተገዝኡ፡ እቶም ጥሙያት ድማ ደጊም ኣይጠምዩን። እወ፡ እታ መኻን ሾብዓተ ወለደት፡ እታ ወላድ ግና ደኸመት።እግዚኣብሄር ይቐትል፡ የሕዊ ኸኣ፡ ናብ ሲኦል የውርድ፡ የውጽእ ድማ።እግዚኣብሄር የድኪ፡ የሀብትም ከኣ፡ ትሕት የብል፡ ክብ ድማ የብል።ኣዕኑድ ምድሪ ናይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ንዓለም ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ኣንቢርዋ እዩ እሞ፡ ነቲ ነዳይ ካብ ሓመድ ኣተንሲኡ፡ ነቲ ድኻውን ካብ ጐዱፍ ኣልዒሉ፡ ምስ መኳንንቲ የቐምጦም፡ ዝፋን ክብሪውን የውርሶም።ንሱ ነእጋር ቅዱሳኑ ይሕልወን፡ ሰብ ብሓይሉ ኣይስዕርን እዩ እሞ፡ እቶም ረሲኣንሲ ኣብ ጸልማት ኪጠፍኡ እዮም። እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጻረሩ ስብርብር ይብሉ፡ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ኣብ ልዕሊኦም የንጐድጕድ፡ እግዚኣብሄር ንወሰናት ምድሪ ይፈርድ፡ ንንጉሱ ድማ ሓይሊ ይህቦ፡ ንቐርኒ መሲሑ ኸኣ ልዕል የብሎ።”።1ይ ሳሙኤል 2፡2-10/
”ዳዊት ድማ ኣብ ቅድሚ ብዘላ ማሕበር ንእግዚኣብሄር ባረኾ፡ በለ ኸኣ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦና እስራኤል፡ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ብሩኽ ኩን።ጐይታየ፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ዘበለ ዂሉ ናትካ እዩ እሞ፡ ዕቤትን ስልጣንን ክብርን ዓወትን ግርማን ናትካ እዩ። ጐይታየ፡ እታ መንግስትካ ናትካ እያ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ኸኣ ከም ርእሲ ልዕል በልካ።ሃብትን ክብረትን ካባኻ እየን ዚመጻ፡ ንስኻ ድማ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ትገዝእ፡ ሓይልን ስልጣንን ከኣ ኣብ ኢድካ እዩ። ንዝዀነ ዘበለ ዓብዪን ጽኑዕን ምግባሩ ድማ ኣብ ኢድካ እዩ። ሕጂ ኸኣ፡ ዎ ኣምላኽና፡ ንሕና ነመስግነካ ንኽቡር ስምካውን ንውድሶ ኣሎና።”/1ይ ዜና29፡10-13/
”ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና፡ ንስኻዶ ኣይኰንካን ኣምላኽ ሰማይ? እቲ ንዂለን መንግስትታት ኣህዛብ ዚገዝእ ድማ ኣይንስኻን ዲኻ? ሓይልን ስልጣንን ከኣ ኣብ ኢድካ እዩ እሞ፡ ኪቃወመካ ዚኽእል የልቦን።”/2ይ ዜና 20፡6/
”እንሆ፡ ንሱ እንተ መንጠለ፡ መን ይኽልክሎ፡ መንከ፡ እንታይ እዩ እትገብሮ ዘሎኻ፡ ኪብሎ ይኽእ።?’/እዮብ 9፡12/
”ግናኸ ንእንስሳ ጠይቀን እሞ፡ ኪምህራኻ፡ ነዕዋፍ ሰማይውን፡ ኪገልጻልካ እየን።ወይስ ንምድሪ ተዛረባ፡ ክትምህረካ እያ፡ ዓሳታት ባሕሪውን ኪነግሩኻ እዮም። በዚኣቶም ኲሎምሲ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ዝገበረቶ ዘይፈልጥከ መን እዩ?ህያው ነፍሲ ዘበለን፡ መንፈስ ኲሉ ሰብን ኣብ ኢዱ ደይኰነን፡ከምቲ ትንሓግ ንምግቢ ዜስተማቕሮ፡ ከምኡዶ እዝኒ ንቓላት ኣይለልዮን እዩ?ጥበብ ኣብ ሽማግሌታት፡ ምስትውዓልውን ኣብ ምንዋሕ ዕድመ እዩ።ጥበብን ስልጣንን ኣብኡ ኣሎ፡ ምኽርን ምስትውዓልን ድማ ናቱ እየን። እንሆ፡ ንሱ የፍርስ፡ ከም ብሓድሽ ዚነድቕ ከኣ የልቦን፡ ንሱ ንሰብ ይዐጽዎ፡ ዚኸፍቶ ድማ የልቦን፡ እንሆ፡ ንሱ ንማይ ይኽልክሎ እሞ ይነጽፍ፡ ከፊቱ ይድርጒሖ እሞ ምድሪ ይድምሰስ።ሃይልን ኣእምሮን ናቱ እየን፡ እቲ ዚስሕትን ዜስሕትን ናቱ እዮም። ንሱ ንመኸርቲ ቐንጢጡ ይሰዶም፡ ንፈረድቲውን ዓያሱ ይገብሮም። ንሱ ንስልጣን ነገስታት ይፈትሖ፡ ኣብ ሓቛቚኦም ድማ ገመድ የዕጥቖም።ንሱ ንኻህናት ቀንጢጡ ይሰዶም፡ ንጽኑዓት ከኣ ይግልብጦም።ንዘረባ እቶም እሙናት የፍርሶ፡ ንኣረገውቲ ኣእምሮኦም የሕድጎም።ንመሳፍንቲ ንዕቀት የፍስሰሎም፡ ንሓያላትውን ዕጣቖም የላሕልሓሎም።ነቲ መዓሙቚ ካብ ጸልማት ይቐልዖ፡ ንድነ ሞትውን ናብ ብርሃን የውጽኦ።ንህዝብታት የብዝሖም የብርሶም ከኣ፡ ንህዝብታት የስፍሖም የባርሮምውን።ነሕሉቕ ኣህዛብ ምድርስ ኣእምሮ የሕድጎም፡ መገዲ ብዜብሉ በረኻ የዀብልሎም።ንሳቶም ብርሃን ስኢኖም፡ ኣብ ጸልማት ሃሰስ ይብሉ፡ ንሱውን ከም ሰካራት ሰንከልከል የብሎም።” /እዮብ 12፡7-25/
”ግናኸ ናቱ ሓሳብ ሓደ እዩ፡ መንከ ይኽልክሎ? ነፍሱ እትደልዮ እዩ ዚገብር። ”/እዮብ 23፡13/
”ብዘይ ፍልጠት ብምዝራቡ ንምኽረይ ዜጸልምቶ መን እዩ?”/እዮብ 38፡2/
”ንማእሰር እቶም ሾብዓተ ኸዋኽብቲ ኽትልቅሞ፡ ንኦሪዮን ካብ ማእሰሩ ኽትፈትሖዶ ይከኣለካ እዩ?ንናይ ማዛሮት ምልክት በብጊዜኡ ኸተውጽኦ፡ ወይስ ንድቢ ምስቶም ደቃ ክትመርሓዶ ይከኣለካ እዩ?ንሕጋጋት ሰማይ ትፈልጦ ዲኻ? ንምልኩ ኣብ ልዕሊ ምድሪ እትምድቦኸ ንስኻ ዲኻ?ብዝሒ ማይ ምእንቲ ኪኸድነካ፡ ንድምጽኻ ኽሳዕ ደበና ኸተልዕሎዶ ይከኣለካ እዩ?እኔና ኢሎምኻ ኪኽዱስ፡ ንበርቅታት ክትልእኮምዶ ይከኣለካ እዩ?ንጥበብ ናብ ውሽጢ ዘንበራ መን እዩ? ወይስ ንልቢ ምስትውዓል ዝሀቦ መን እዩ?ሓመድ ተበጽቢጹ ምስ ዚረግእ፡ ደናኲል ብሓደ ምስ ዚጣበቑ፡ ንደበናታት ብጥበብ ዚቘጽሮም መን እዩ፡ ነሕርብቲ ሰማይ ዜፍስሶምከ መን እዩ?ንዋዕሮዶ ሃድን ተምጽኣላ፡ ነቶም ኣብ በዓትታት ለጥ ኢሎም፡ ኣብ ዱርውን ኣድብዮም ዚጸንሑ ኰራዂር ኣንበሳኸ፡ ንጥሜቶምዶ ተጽግቦ ኢኻ?ኳዂ፡ ጨጫውቱ ዚብላዕ ስኢኖም እናተመላለሱ፡ ናብ ኣምላኽ እንተ ተማህለሉ፡ ዚምግቦኸ መን እዩ?”/እዮብ 38፡31-41/
”ኲሉ ኸም እትኽእል፡ ነቲ ዝመደብካዮ ኸኣ ዚኽልክለካ ኸም ዜልቦን፡ እፈልጥ ኣሎኹ።”/እዮብ42፡2/
”እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ማይ ኣይሂ ተቐመጠ፣ ኤረ እግዚኣብሄርሲ ንዘለአለም ነጊሱ ኪቕመጥ እዩ።”/መዝሙር 29፡10/
”እግዚኣብሄር ንዝፋኑ አብ ሰማይ ኣቘመ፣ መንግስቱውን አብ ልዕሊ ዅሉ ትገዝእ ኣላ።”/The LORD has established His throne in the heavens; And His sovereignty rules over all /New American Standard 1977 /መዝ.103፡19/
”ኣምላኽናስ አብ ሰማያት ኣሎ፣ ዝደለዮ ዅሉ ይገብር እዩ።”/መዝሙር115፡3/
”እግዚኣብሄር ኣብ ሰማይን ምድርን፣ ኣብ ባሕርን መዓሙቚን ዝደለዮ ዘበለ ይገብር እዩ።”/መዝሙር135፡6/
”ጐይታየ፣ ንስኻ መርመርካኒ ፈለጥካኒውን።ንምቕማጠይን ምትንሳኤይን ትፈልጦ፣ ንሓሳበይ ካብ ርሑቕ ተስተውዕሎ።ጐይታየ፣ ሓንቲ ቓል ኣብ መልሓሰይ ከየላስ፣ እንሆ፣ ኵሉ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፣ ምኻደይን ምድቃሰይን ትምርምር፣ ንብዘሎ መገደይውን ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ።ብድሕሪትን ብቕድሚትን ከበብካኒ፣ ኢድካውን ኣንበርካለይ። እዚ ፍልጠት እዚ ኣዝዩ ይገርመኒ፣ ልዑል እዩ፣ ከርክቦ ኣይክእልን።ካብ መንፈስካ ናበይ ክኸይድ፣ ካብ ገጽካስ ናበይ ክሀድም እየ፧ንሰማይ እንተ ደየብኩ፣ ንስኻ ኣብኡ ኣሎኻ፣ መንጸፈይ ኣብ ሲኦል እንተ ኣንጸፍኩ፣ እንሆ፣ ንስኻ ኣብኡ ኢኻ። ኣኽናፍ ወጋሕታ እንተ ወሰድኩ፣ ኣብ ወሰን ባሕሪ እንተ ተቐመጥኩ፣ ኣብኡ ኸኣ ኢድካ ኽትመርሓኒ፣ የማነይቲ ኢድካውን ክትሕዘኒ እያ። ጸልማት ይኸውለኒ፣ ኣብ ዙርያይ ዘሎ ብርሃን ከኣ ለይቲ ይኹን፣ እንተ በልኩ፣ንኣኻስ ጸልማት እኳ ኣይጽልምተካን፣ ለይቲ ኸኣ ከም መዓልቲ ትበርህ፣ ጸልማትን ብርሃንን ንኣኻ ሓደ እዮም።ንዀላሊተይ ንስኻ ፈጢርካየን፣ ኣብ ከርሲ ወላዲተይ ኣሊምካኒ፣መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፣ ከማስወካ እየ፣ ግብርታትካ መስተንክር እዩ፣ ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ።ብሕቡእ ምስ ተፈጠርኩ፣ ኣብ ከርሲ ምድሪ ምስ ተአለምኩ፣ ኣዕጽምተይ ኣይተኸወላኻን።ኣዒንትኻ፣ ድቂ ኸሎኹ፣ ረኣያኒ፣ እተን ምዱባት መዓልትታተይ፣ ሓንቲ እኳ ኸይነበረት፣ ኵለን ኣብ መጽሓፍካ ተጻሕፋ።ዎ ኣምላኽ፣ ሓሳባትካ ንኣይ ክንደይ ክቡር እዩ፣ ቊጽሩስ ክንደይ ዓብዪ እዩ። እንተ ቘጸርክዎ፣ ካብ ሑጻ ይበዝሕ፣ እንተ ነቓሕኩ፣ ገና ምሳኻ እየ።” /መዝሙር 139፡1-18/
”ሰብ ብልቡ ሓሳባት የዳሉ፡ መልሓስ እትመልሶ ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ።”/ምሳሌ 16፡1/
”ሰብሲ ኵሉ መገዱ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ንጹህ እዩ፡ መናፍስቲ ዚመዝን ግና እግዚኣብሄር እዩ።/ምሳሌ 16፡2/
”ልቢ ሰብ መገዱ ይምድብ፡ ንስጕምቱ ግና እግዚኣብሄር እዩ ዜቃንዓ።”/ምሳሌ16፡9/
”ዕጭ ናብ ሕቝፊ እዮም ዜውድቑ፡ ንመን ከም ዚበጽሕ ግና እግዚኣብሄር እዩ ዚምድቦ።”/ምሳሌ16፡33/
”ኣብ ልቢ ሰብ ብዙሕ ሃቐና ኣሎ፡ ምኽሪ እግዚኣብሄር ግና እዩ ጸኒዑ ዚነብር።”/ምሳሌ 19፡21/
”ልቢ ንጉስ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ወሓዚ ማይ እዩ፡ ንሱ ናብ ዝደለዮ ይመልሶ።”/ምሳሌ 21፡1/
”ሰብሲ ዅሉ መገዱ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ቕኑዕ ይመስሎ፡ ግናኸ እግዚኣብሄር እዩ ልቢ ዚመዝን።”/ምሳሌ21፡2/
”ጥበበ ወይስ ኣእምሮ ወይስ ምኽሪ፡ ንእግዚኣብሄር ዚቃወሞ የልቦን።ፈረስ ንመዓልቲ ውግእ ተዳልዩ ኣሎ፡ ስዕረት ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ።”/ምሳሌ 21፡30-31/
”ንግብሪ ኣምላኽ ጠምቶ፡ ነቲ ንሱ ዝጎበጦ መንከ የቕንዖ፡ብመዓልቲ ጣዕሚ ባህ ይበልካ፡ ብመዓልቲ መከራ ድማ ሕሰብ፡ ሰብ ነቲ ድሕሪኡ ዚኸውን ምእንቲ ኸይፈልጥ፡ ኣምላኽ ነዝን ነተን ገበሮ።”/መክብብ 7፡13-14/
”እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ኢሉ መሐለ፡ ብሓቂ ኸምቲ ዝሐሰብክዎ ኪኸውን፡ ከምቲ ዝመደብክዎውን ኪቐውም እዩ።ንኣሶር ኣብ ሃገረይ ክሰባብሮ፡ ኣብ ኣኽራነይ ድማ ኽረግጾ እየ፡ ሽዑ፡ ኣርዑቱ ኻባታቶም ኪውሰድ፡ ጾሩውን ካብ መንኲቦም ኪውሰድ እዩ።ኣብ ልዕሊ ዂላ ምድሪ ዝመደብክዎ ምኽሪ እዚ እዩ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሎም ኣህዛብ እተዘርግሔት ኢድ እዚኣ እያ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት መዲብዎ እዩ እሞ፡ መን ከንቱ ይገብሮ? ኢዱ ተዘርጊሓ ኣላ፡ መንከ ይመልሳ?”/ኢሳያስ14፡24-27/
”ንማያት ብኢዱ ዐሚኹ ዘሰፈረ፡ ንሰማያት ከኣ በጻብዑ ዝሰደረ መን እዩ? ንሓመድ ምድሪ ኣብ ሚዛን ዝኣከበ፡ ነኽራን ብሚዛን፡ ንዀረቢት ድማ ብነጥሪ ዝመዘነኸ መን እዩ?ንመንፈስ እግዚኣብሄር ዝመርመረ፡ ወይስ መኻሪኡ ዀይኑ ዝመሀሮኸ መን እዩ?ምስ መን ተማኸረ? ኣእምሮ ዝሀቦ፡ እቲ ቅኑዕ መገዲ ኸኣ ዝመሀሮ፡ ፍልጠት ዘፍለጦ፡ መገዲ ምስትውዓል ድማ ዘርኣዮኸ መን እዩ?እንሆ፡ ኣህዛብ ከም ሓንቲ ነጥቢ ኣብ ዕትሮ፡ ከም ሓንቲ በሰር ኣብ ሚዛን ይቚጾሩ፡ እንሆ፡ ንደሴታት ከም ተጐጓ የልዕል። ሊባኖስ ንምንዳድ ኣይኣክልን፡ እንስሳኡውን ንመስዋእቲ ምሕራር ኣይኣክልን። ኲሎም ኣህዛብ ኣብ ቅድሚኡ ኸም ሓደ ግዛዕ ኣይረኣዩን፡ ሓንቲ ኸም ዜልቦ፡ ከም ከንቱነት ገይሩ ይቘጽሮም።እምበኣርሲ ንኣምላኽ ምስ መን ተማሳስልዎ? ምስ ኣየናይ መልክዕከ ኸተመዓራርይዎ ኢኹም? ገባር ምስሊ ፍሲ ገይሩ ጣኦት ይገብር፡ ኣምካኺ ድማ ብወርቂ ይልብጦ፡ ብሰንሰለት ብሩር ከኣ ይስልሞ።እቲ ኽሳዕ ክንድዚ ኺስውእ ዓቕሚ ዜብሉ ድኻስ ዘይቊንቊን ዕጨይቲ ይሐሪ፡ ዘይነቓነቕ ምስሊ ዚገብረሉ ኸኣሊ ድማ ይደሊ።ኣእምሮ የብልኩምን? እኳዶ ኣይትሰምዑን ኢኹም? ካብ ጥንቲዶ እዚ ኣይተዘንተወልኩምን? መሰረታት ምድሪ ዚነግርዎዶኸ ኣየስተውዐልኩምን ኢኹም?ንሱ እዩ ኣብ ልዕሊ እታ ኸባብ ምድሪ ዚቕመጥ፡ እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ኸኣ ከም ኣንበጣ እዮም፡ ንሰማያት ከም ጋንጽላ ዜስጥሖ፡ መሕደሪ ኪኸውን ድማ ከም ድንኳን ዚገብሮ ንሱ እዩ።ንመሳፍንቲ ገለ እኳ ኸም ዘይኰኑ፡ ንፈራዶ ምድሪ ኸም ምናምን ዚገብሮም ንሱ እዩ።ብኡብኡ ሱር ኣብ ምድሪ ምስ ሰደዱ፡ ንሱ ኡፍ ይብለሎም እሞ ይነቕጹ፡ ዘራጊቶ ኸኣ ከም ብቚቡቚ ይወስዶም” (ኢሳያስ40፡11-24/
”ካብ ጥንቲ ኣነ እየ፡ ካብ ኢደይ ዜድሕን ከኣ የልቦን፡ ኣነ እገብር፡ ኪኽልክል ዚከኣሎኸ መን እዩ?”/ኢሳያስ 43፡13/
”ብርሃን እገብር፡ ጸልማት ከኣ እፈጥር፡ ደሓን እገብር፡ መዓት ድማ እፈጥር፡ እዚ ዂሉ ዝገብር ኣነ እግዚኣብሄር እየ።”/ ኢሳያስ 45፡7/
”ነዚ ዘክሩ እሞ፡ ሰብኡት ኲኑ፡ ኣቱም ገበነኛታት፡ ኣብ ልብኹም ተመለሱ። ኣነ ኣምላኽ እየ፡ ብጀካይ ከቶ የልቦን እሞ፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ናይ ቀደም ዘክሩ፡ ኣነ ኣምላኽ እየ፡ ዚማሳሰለኒ ኸኣ የልቦን።ካብ መጀመርታ ነቲ መወዳእታ፡ ካብ ጥንቲ ገና ኸይኰነ ኸሎ ዝነገርኩ እሞ፡ ምኽረይ ኪቐውም እዩ፡ ፍቓደይ ኲሉውን ክፍጽም እየ፡ ዝበልኩ አነ እየ።ንኣሞራ ኻብ ምብራቕ፡ ነቲ መማኽርተይ ካብ ርሑቕ ሃገር ዝጽውዕ ኣነ እየ። እወ፡ ተዛሪበ ኽፍጽሞ ኸኣ እየ፡ ኣሚመ ኽገብሮውን እየ። ”/ኢሳያስ 46፡8-11/
”ሓሳባተይ ሓሳባትኩም ኣይኰነን፡ መገድታትኩም ከኣ መገድታተይ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዚብል፡ መገድታተይ ካብ መገድታትኩም፡ ሓሳባተይ ከኣ ካብ ሓሳባትኩም ልዕል ዝበለ እዩ።ዝናምን ውርጭን ካብ ሰማይ ከም ዚወርድ እሞ ንምድሪ ኸይስተዮ፡ ከም ዜፍርን ከም ዜብቊልን ከኣ ከይገበሮ፡ ዘርኢ ንዘራኢ፡ ምግቢ ንተቐላቢ ድማ ከይሀቦ፡ ንድሕሪት ከም ዘይምለስ፡እቲ ኻብ ኣፈይ ዚወጽእ ቃለይ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ፡ ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኼስልጥ፡ ኣብቲ ኣነ ዝልእኮ ኬቕንዕ እዩ እምበር፡ ብኸንቱ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ።”/ኢሳያስ 55፡8-11/
”ጐይታየ፡ መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ፡ እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ፡ እፈልጥ ኣሎኹ።ጐይታየ፡ ቅጽዓኒ፡ ግናኸ ብልክዕ ደኣ። ምእንቲ ኸይተጥፍኣንስ ብቚጥዓኻ ኣይኰነን። ”/ኤርምያስ 10፡23-24/
”ኣነ እየ፡ በቲ ዓብዪ ስልጣነይን በታ ዝርግሕቲ ቕልጽመይን ገይረ፡ ንምድርን ነቶም ኣብ ዝባን ምድሪ ዚነብሩ ሰብን እንስሳን ዝገበርኩ፡ ቅኑዕ ኰይኑ ንዝተራእየኒ ድማ እየ ዝህባ።እምበኣርሲ ዂለን እዘን ሃገራት እዚኣተን ኣብ ኢድ ግዙኤይ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ሂበየን፡ እንስሳ መሮርውን ኪግዝእዎ ሂበዮ እየ።”/ኤርምያስ27፡5-6/
”ሽዑ፡ እንሆ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኲሉ ስጋ ዝለበሰ እየ፡ ንኣይ ዘይከኣለኒ ነገርዶ ኣሎ እዩ? ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ መጸ።”/ኤርምያስ 32፡27/
”እግዚኣብሄር ዘይኣዘዞስ፡ እተዛረበ እሞ ዝዀነሉ መን እዩ?” /ደጉዓ ኤርምያስ 3፡37/
”ዳንኤል ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፣ ጥበብን ስልጣንን ናቱ እዩ እሞ፣ ስም ኣምላኽ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ይባረኽ።ንሱ ዘመናትን ወርሓትን ይለዋውጥ፣ ነገስታት ይስዕር ነገስታት ከኣ ይሸይም፣ ነቶም ጠቢባን ጥበብ ነቶም ኣስተውዓልቲ ኸኣ ምስትውዓል ይህቦም። ንሱ ዓሚቝ ሕቡእን ይገልጽ እቲ ኣብ ጸልማት ዘሎ ይፈልጥ፣ ብርሃንውን ምስኡ እዩ ዚነብር።”/ዳኒኤል 2፡20-22/
”እቲ ዘመን ምስ ተፈጸመ፣ ኣነ ነቡካድነጻር፣ ኣዒንተይ ናብ ሰማይ ኣልዓልኩ እሞ ኣእምሮይ ተመልሰለይ። ነቲ ልዑል ባረክኹ፣ ነቲ ንዘለኣለም ህያው ዝዀነ፣ ግዝኣቱ ዘለኣለማዊ ግዝኣት፣ መንግስቱውን ንውሉድ ወለዶ ዚነብር፣ ወደስኩን ኣኽበርኩን።እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዅሎም ብእኡስ ከም ገለ እኳ ኣይቍጸሩን፣ ንሱ ኣብ ሰራዊት ሰማይን ኣብቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩን ከም ፍቓዱ እዩ ዚገብር። ንኢዱ ዚክልክላ፣ ሰለምንታይ እዚ እትገብር፣ ኪብሎ ዚኽእልውን የሎን።”/ዳኒኤል4፡34-35/
”ንጉስ ቤልሻጽር ንሽሕ መኳንንቱ ዓብዪ ምሳሕ ገበረሎም፣ ኣብ ቅድሚ እቶም ሽሕ ድማ ወይኒ ይሰቲ ነበረ።ቤልሻጽር ሰኺሩ፣ ንጉስን መኳንንቱን ኣንስቱን ዕቁባቱን ብእኡ ምእንቲ ኺሰትዩ፣ ነቲ ኣቦኡ ነቡካድነጻር ካብ መቕደስ ኢየሩሳሌም ዝወሰዶ ኣቓሑ ወርቅን ብሩርን ኬምጽእዎ ኣዘዘ።ሽዑ ነቲ ኻብቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበረ መቕደስ ቤት ኣምላኽ ዝወሰድዎ ኣቓሑ ወርቂ ኣምጽእዎ። እቲ ንጉስን መኳንንቱን ኣንስቱን ዕቁባቱን ከኣ ብእኡ ገይሮም ሰተዩ። ወይኒ እናሰተዩ፣ ነቶም ብወርቅን ብብሩርን በስራዝን ብሓጺንን ብዕጨይትን ብእምንን እተገብሩ ኣማልኽቶም ወደሱ።በታ ሰዓት እቲኣ ኣብቲ ልቕልቕ መንደቕ ኣዳራሽ ንጉስ፣ ኣብ መንጽር እቲ ቐዋሚ ቐንዴልሲ ኣጻብዕ ኢድ ሰብ ወጻን ጸሐፋን። እቲ ንጉስ ድማ ነታ ኢድ ሰብ ረኣያ። ሽዑ እቲ ንጉስ ገጹ ተለወጠ፣ ሓሳባቱ ኸኣ ኣጨነቖ፣ ጅማውቲ ሕቝኡ ድማ ላሕልሔ፣ ኣብራኹውን ንሓድሕዱ ተዋቕዔ።”/ዳኒኤል5፡1-6/
”ሽዑ ዳንኤል ኣብ ቅድሚ ንጉስ ከምዚ ኢሉ መለሰ፣ ህያብካ ንኣኻ ይኹን፣ ውህበታትካውን ንኻልእ ሀቦ። ዝዀነ ኾይኑ ንንጉስ እታ ጽሕፈት ከንብበሉ፣ ትርጓሜኣውን ከፍልጦ እየ። ዎ ንጉስ፣ እቲ ልዑል ኣምላኽ ነቦኻ ነቡካድነጻር መንግስትን ዕቤትን ክብርን ግርማን ሀቦ።ስለ እቲ ንሱ ዝሀቦ ዕቤት ኵሎም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ኣብ ቅድሚኡ የንቀጥቅጡን ይፈርሁን ነበሩ። ንዝደለዮ ቐተሎ፣ ንዝደለዮ ብህይወት ኪነብር ሐደጎ። ንዘደለዮ ልዕል ኣበሎ፣ ንዝደለዮ ኸኣ ኣዋረዶ።ግናኸ ልቡ ልዕል ምስ በለ፣ መንፈሱ ኸኣ ተሪሩ ምስ ተዐበየ፣ ካብ ዝፋን መንግስቱ ወረደ፣ ክብረቱውን ተወስዶ።ካብ ደቂ ሰብ ተሰጐ፣ ልቡ ኸኣ ከም ናይ እንስሳ ዀነ፣ ምስ ኣድጊ በረኻ ድማ ሰፈረ፣ ከም ነብዑርውን ሳዕሪ ኣብልዕዎ፣ ስጋኡ ብኣውሊ ሰማይ ጠልቀየ፣ እዚ ኸኣ እቲ ልዑል ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ ከም ዝመልኽ፣ ንዝደለዮ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ኸም ዜቝመሉ፣ ክሳዕ ዜስተውዕሎ እዩ ዝዀነ።ኣታ ቤልሻጽር ወዱ፣ ምንም እኳ እዚ ዅሉ ፈሊጥካ ኽነስካስ፣ ልብኻ ኣየትሐትካን።ነቲ ጐይታ ሰማይ ርእስኻ ኣልዓልካሉ፣ ነቲ ኣቓሑ ቤቱ ኣብ ቅድሜኻ ኣምጽእዎ እሞ፣ ንስኻን መኳንንትኻን ኣንስትኻን ዕቁባትካን ወይኒ ሰቴኹምሉ። ነቶም ዘይርእዩን ዘይሰምዑን ዘይፈልጡን ኣማልኽቲ ብሩርን ወርቅን ኣስራዝን ሓጺንን ዕጨይትን እምንን ወደስካ እምበር: ነቲ ንስትንፋስካን ንኹለን መገድኻን ኣብ ኢዱ ዝሐዘ ኣምላኽሲ ኣየኽበርካዮን።ስለዚ ኸኣ እታ ነዛ ጽሕፈት እዚኣ ዝጸሐፈት ኢድ ካብኡ እያ እተላእከት። እዛ ጽሕፍቲ ጽሕፈት እትብሎ ዘላ ኸኣ፣ መኔ፣ መኔ፣ ቴቄል ኡፋርሲን፣ እዩ። ትርጓሜኡ ድማ መኔ፣ ኣምላኽ ንመንግስትኻ ቘጸሮን ጠረሶን፣ ቴቄል፣ ብሚዛን ተመዚንካ፣ ቀሊልካ ተረኽብካ፣ ኡፋርሲን፣ መንግስትኻ ተመቒላ ንሰብ ሜዶንን ፋርስን ተዋህበት፣ ማለት እዩ።ሽዑ ቤልሻጽር ንዳንኤል ቀይሕ ሃሪ ኪኸድንዎ፣ ኣብ ክሳዱ ኸኣ ድሪ ወርቂ ኺኣስሩሉ ኣዘዘ፣ ኣብታ መንግስቲ ሳልሳይ ገዛኢ ኪኸውን ድማ ኣዋጅ ኣንገረሉ። በታ ለይቲ እቲኣ ቤልሻጽር ንጉስ ከለዳውያን ተቐትለ።ዳርዮስ ሜዶናዊ ኸኣ፣ ወዲ ስሳን ክልተን ዓመት ከሎ፣ ነታ መንግስቲ ተቐበላ።”/ዳኒኤል 5፡17-31/
ዎው! ዎው! ዎው! ኣምላኽና ኣዚዩ ኪፍራህ ዚግበኦ ኣዚዩ ልዑል እዩ! ልዕላውነቱ ኩሉ ሳዕን ኣብ ልዕሊ ኩሉ ፍጹምን እዩ!
”ኣነ ዝፋናት ክሳዕ ዚንበሮ እጥምት ነበርኩ፣ ሓደ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ድማ ተቐመጠ። ክዳውንቱ ጻዕዳ ከም በረድ፣ ጸጕሪ ርእሱ ኸኣ ከም ጽሩይ ጸምሪ እዩ። ዝፋን ሃልሃልታ ሓዊ፣ መንኰራዅሩ ድማ ጕሁር ሓዊ እዩ።ውሒዝ ሓዊ ይውሕዝ፣ ካብ ቅድሚኡ ኸኣ ይወጽእ ነበረ። ሽሕ ጊዜ ሽሕ የገልግልዎ፣ እልፊ ጊዜ እልፊ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ቘይሞም ነበሩ። ፍርዲ ዀነ፣ መጻሕፍቲውን ተገንጸለ።”/ዳኒኤል 7፡9-10/
”ነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ኬጥፍእ ዚከአሎ ደኣ ኣዚኹም ፍርህዎ እምበር፡ ነቶም ንስጋ ዚቐትሉ፡ ንነፍሲ ግና ምቕታላ ዘይክአሎም ኣይትፍርህዎም።ክልተ ዑፍዶ ብኣሳርዮን ይሽየጣ ኣይኰናን፧ ሓንቲ ኻባታተን ብዘይ ፍቓድ ኣቦኹም ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን።ጸጉሪ ርእስኹም ኵለን እኳ ቝጹራት እየን።” /ማቴዎስ 10፡28-31/
”በታ ጊዜ እቲኣ ኢየሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ተሐጐሰ፡ በለውን፥ ኣቦይ ጐይታ ሰማይን ምድርን፡ ነዚ ኻብ ብልህታትን ካብ ለባማትን ስለ ዝሓባእካዮ፡ ንሕጻናት ከኣ ስለ ዝገለጽካዮ፡ እወ ኣቦይ፡ ስምረትካ ኣብ ቅድሜኻ ኸምዚ ስለ ዝዀነ፡ ኤመስግነካ አሎኹ።”/ሉቃስ 10፡21/
”እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን። ኣነ ድማ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ከተንሲኦ እየ።”/ዮሃንስ6፡44/
”ኢየሱስ እቶም ዘይኣምኑ ኣየኖት ምዃኖም፡ እቲ ዜትሕዞውን መን ምዃኑ ኻብ መጀመርታ ፈሊጡ ነበረ እሞ፥ ዘይኣምኑ ግና ኣብ ማእከልኩም ኣለዉ፡ ስለዚ ድማ እየ፥ እቲ ኻብ ኣቦይ እተዋህቦ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን፡ ዝበልኩኹም፡ በሎም።/ዮሃንስ 6፡64-65/
”እቲ ዓለምን ኣብኣ ዘሎን ዝገበረ ኣምላኽ፡ ንሱ ጐይታ ሰማይን ምድርን እዩ እሞ፡ ብኢድ ኣብ እተሀንጸ መቓድስ ኣይሐድርን እዩ።ንሱ ህይወትን ትንፋስን ኲሉ ነገርን ንዂሉ ዚህብ እዩ፡ ገለ ኸም ዚጨንቆ ኢድ ሰብ ኣየገልግሎን እዩ።ካብቶም ተቐነይትኹም ድማ ሓያሎ፡ ንሕና ኻብ ዓሌት ኣምላኽ ኢና፡ ኢሎም ከም ዘለዉ፡ ብእኡ ኢና እንነብርን እንዋሳወስን ብእኡ ኸኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዂላ ምድሪ ኺነብሩ ዂሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ። ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ ኽነሱ፡ ምናልባሽ ሃሰስ ኢሎም እንተ ረኸብዎ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልዩ፡ ንመናበሪኦም ድማ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረትን ሐገገሎም።”/ግብሪ ሃዋሪያት 17፡24-28/
”ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎም፡ ንፈልጥ ኢና።”/ሮሜ 8፡28/
”እምብኣርስኸ ንዝደለዮ ይምሕሮ፡ ንዝደለዮውን የትርሮ እዩ። ደጊም ንምንታይ ደኣ ሕጂኸ ዚገንሕ፧ ነቲ ፍቓዱ መን ይቃወሞ፡ ክትብለኒ ኢኻ።ወይ ጋዶ፡ ኣታ ሰብ። ንኣምላኽ እትማጐቶኸ ንስኻ መን ኢኻ፧ ግቡርዶ ነቲ ገባሪኡ፡ ንምንታይ ከምዚ ጌርካ ሰራሕካኒ፧ ይብሎ እዩ፧ወይስ ሰራሕ መሬትዶ ኻብ ሓደ ጽቡር መሬት ገሊኡ ንኽብረት ገሊኡውን ንሓሳር ዚኸውን ኣቓሑ ኺሰርሕ፡ ኣብቲ መሬት ስልጣን የብሉን እዩ?”/ሮሜ9፡18-21/
”ንሕና በቲ ዅሉ ኸምቲ ምኽሪ ፍቓዱ ብሓሳቡ ዚገብር ቀደም እተመደብና፡”/ኤፌሶን 1፡11/
”ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስን፡ መንፈስን፡ መፈላልዮ ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።እቲ ጸብጻብ እንህቦ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዅሉ ጋህ ዝበለን ቅሉዕን እዩ እምበር፡ ኣብ ቅድሚኡ ዚሕባእ ፍጡር የልቦን።”/እብራውያን 4፡12-13/
”ወዳጄ፡ መዓሙቝ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን፡ ክንደይ ዘይምርመር ኮታ እዩ ፍርዱ፡ ክንደይ ብኣሰር ኣሰር ዘይርከብ እዩ መገዱ። ሓሳብ እግዚኣብሄር ዝፈልጥ መን እዩ፧ ወይስ መን እዩ ዘማኸሮ፧ መንከ እዩ ቐደም ገለ ዝሃቦ እሞ ዝፍደዮ፧ኵሉ ካብኡ እዩ ብእኡን ንእኡን ድማ እዩ እሞ፡ ንእኡ ንዘልኣለም ክብሪ ይዅኖ። ኣሜን።” /ሮሜ11፡33-36/
”ብግዝያቱ ዚገልጾ፡ እቲ ብጹእ በይኑ ኸኣ ስልጣን ዘልዎ ንጉስ ነገስታት፡ ጐይታ ጐይተትውን፡ ንሱ በይኑ ዘይመውት፡ ሓደ ሰብ እኳ ከቶ ዘይረኣዮ ኺርእዮውን ዘይኽእል፡ ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዚነብር፡ ንእኡ ኽብርን ናይ ዘለኣለም ስልጣንን ይኹን። ኣሜን።”/1ይ ጢሞቴዎስ 6፡15-16/
”እምብኣርስ ነቲ ናይ ዘለኣለም ንጉስ፡ ዘይሐልፍ፡ ዘይርኤ ሓደ ኣምላኽ ንዘለኣለም ኣለም ክብርን ስብሓትን ይኹኖ። ኣሜን።”/1ይ ጢሞቴዎስ 1፡17/
”እስኪ ሕጂኸ ንስኻትኩም፡ ሎሚ ወይስ ጽባሕ ናብታ ኸተማ እቲኣ ንኺድ እሞ ኣብኣ ዓመት ንግበር፡ ክንነግድን ክንረብሕን ኢና፡ እትብሉ፡ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዚኸውን ኣይትፈልጥዎን ኢኹም። ህይወትኩም ደኣ እንታይ እያ፧ ንቕሩብ ጊዜ ተርእያስ፡ ደሓር ዚበንን ትኪ ኢኹም። ጐይታ እንተ ፈቐዶ፡ ንሕናውን እንተ አሊና፡ እዚ ወይስ እቲ ክንገብር ኢና፡ ኣብ ክንዲ ምባልሲ፡ ሕጂ ግና ብምጅሃርኩም ትምክሑ አሎኹም። ከምዚ ዝበለ ዅሉ ትምክሕቲ ኽፉእ እዩ።”/ያእቆብ 4፡13-16/
”እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ፍግም ኢሎም፡ ዎ ጐይታናን ኣምላኽናን፡ ንብዘሎ ንስኻ ፈጠርካዮ፡ ስለ ፍቓድካውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ፡ ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ፡ እናበሉ፡ ነቲ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኰይኑ ዚነብር እናሰገዱ ኣኽሊላቶም ናብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ይድርብዩ አለዉ።”/ራእይ 4፡10-11/
”ርኤኹ ድማ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን እቶም ሽማግሌታትን ከኣ ድምጺ ብዙሓት መላእኽቲ ሰማዕኩ፡ ቍጽሮም ድማ ኣእላፍ ጊዜ ኣእላፍ፡ ኣሻሕ ጊዜውን ኣሻሕ እዩ። ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ፡ እቲ እተሐርደ ገንሸል፡ ንሱ ስልጣንን ሃብትን ጥበብን ሓይልን ክብርን ግርማን ውዳሴን ኪወስድ ብቑዕ እዩ፡ በሉ።ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ኣብ ባሕርን ዘሎ ፍጡር ኣባታቶም ዘሎ ዘበለ ዅሉውን፡ በረኸትን ክብርን ግርማን ስልጣንን ንዘኣለመ ኣለም ነቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን ነቲ ገንሸልን ይኹን ኪብሉ ኸለዉ ሰማዕኩ።እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ኸኣ፡ ኣሜን፡ በሉ። እቶም ሽማግሌታትውን ፍግም ኢሎም ሰገዱ።’/ራእይ 5፡11-15/
”ኣታ ዅሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ግብርኻ ዓብይን ግሩምን እዩ። ኣታ ንጉስ ኣህዛብ፡ መገድኻ ጽድቅን ሓቅን እዩ። ንስኻ በይንኻ ኢኻ ቅዱስ እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ዘይፈርሃካን ንስምካ ዘየኽብርንከ መን አሎ፧ እቲ ቕኑዕ ፍርድኻ ተግሂዱ እዩ እሞ፡ ስለዚ ዅሎም ኣህዛብ ኪመጹ ኣብ ቅድሜኻውን ኪሰግዱ እዮም፡ እናበሉ፡ መዝሙር ሙሴ፡ እቲ ባርያ ኣምላኽን፡ መዝሙር እቲ ገንሸልን ዘመሩ።”/ራእይ 15፡3-4/
”እተን ሽሕ ዓመት ምስ ተፈጸማ ኸኣ፡ ሰይጣን ካብ ማእሰርቱ ኺፍታሕ፡እሞ ነቶም ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ዚነብሩ ኣህዛብ፡ ንጎግን ማጎግን ኬስሕቶም፡ ንውግእውን ምእንቲ ኺእክቦም፡ ኪወጽእ እዩ፡ ቍጽሮም ድማ ከም ሑጻ ባሕሪ እዩ።ኣብ ልዕሊ እቲ ግፍሒ ምድሪ ኸኣ ወጹ፡ ንሰፈር እቶም ቅዱሳትን ነታ ፍቅርቲ ኽተማን ድማ ከበቡ። ካብ ሰማይ ከኣ ሓዊ ወሪዱ በልዖም።እቲ ዘስሐቶም ድያብሎስውን ናብቲ እቲ ኣራዊትን እቲ ነብዪ ሓሶትን እተደርበይዎ ቐላይ ሓውን ዲንን ተደርበየ። ንዘለኣለመ ኣለም ከኣ ለይትን መዓልትን ኪሳቐዩ እዮም። ዓብዪ ጻዕዳ ዝፋንን እተቐመጦን ከኣ ርኤኹ። ምድርን ሰማይን ካብ ገጹ ሀደሙ፡ ቦታውን ኣይተረኽበሎምን። ምዉታት ድማ፡ ዓበይትን ናእሽቱን፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ኢሎም ርኤኹ፡ መጻሕፍቲውን ተገንጸሉ። ካልእ መጽሓፍ ከኣ ተገንጸለ፡ እዚውን እቲ መጽሓፍ ህይወት እዩ። እቶም ምዉታት ድማ፡ ከምቲ ኣብቲ መጻሕፍቲ ዝጸንሔ፡ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። ባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ወፈየት፡ ሞትን ሲኦልንውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ወፈዩ። ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱ።ሞትን ሲኦልንውን ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበዩ። እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ ማለት ቀላይ ሓዊ።ዝኰነ ይኹን ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጽሒፉ ዘይተረኽበ፡ ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበየ።”/ራእይ 20፡7-15/
”እቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳመይቲ ምድርን ሐሊፎም፡ ባሕሪውን ደጊምሲ የልቦን እሞ፡ ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ርኤኹ።እታ ቅድስቲ ኸተማ፡ እታ ሓዳስ ኢየሩሳሌም፡ ንመርዓዊኣ ኢላ ኸም እተሰለመት መርዓት ተዳልያ፡ ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ርኤኹ። ካብቲ ዝፋንውን ዓው ዝበለ ድምጺ፡ እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፡ ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ፡ ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም፡ ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ።ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኸኣ፡ እንሆ፡ ንዅሉ እሕድሶ አሎኹ፡ በለ። እዚ ቓልዚ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ፡ ጽሐፍ፡ በለኒ።”/ራእይ 21፡1-5/
ዎው! What a sovereign God!
ከመ ፍጹም ኣምላኽ! ከመይ ፍሉይ ኣምላኽ! መሳሊ ዘይብሉ፣
ዘይምርመር፣ ዘይብጻሕ ዕቤት ስልጣኑን ጥበቡን!
ብኣሰር ኣሰር ዘይብጻሕ ኣሰራርሓኡ!
እሰግ!እሰግድ! እወ እሰግድ ፍግም እብል ኣብ ቅድሚኡ!
እውድሶ ኤምልኾ ንዘለኣለም ንበይኑ ንእኡ!
ብሓቂ እዞም በቲ ግጉይ ትምህርቶም ንልዕላውነት ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኪድርቱን ኪውስኑን ዝፈተኑ ዘመናውያን መማህራን ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣይረኣይዎን ኣይፈልጥዎን ድማ። ምኽንያቱ እቶም ብትኽክል ንኣምላኽ ዚረኣይዎን ዝፈለጥዎን ሓቀኛታት ባሮት ኣምላኽ ፡ ኣብዞም ኣብ ላዕሊ ብዘለዉ ጽሑፋቶም ከም ዝመስከሩዎ ማለት እዩ፡ ነቲ ኣዚዩ ፍሉይን ፍጹም ዘይብጻሕን ዘይተመርማሪን ልዕላዊነት ኣምላኽ እዮም መስኪሮምን ተዛሪቦምን ሓሊፎም!
Comment here