ApologeticsDiscipleship

ትርጉም “ካብ መንፈስ እተወልደ መንፈስ እዩ (PART-II)”

#ካብ #መንፈስ #እተወልደ #መንፈስ #እዩ (#PART-#II)
”ካብ ስጋ እተወልደ ስጋ እዩ፡ ካብ መንፈስ እተወልደ ኸኣ መንፈስ እዩ።’’ (ዮሃንስ 3፡6)
ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፍና፡ ካብ ሓንቲ ወይ ክልተ ጥቅስታት ሓደ ክፍሊ ጽሑፍ ጥራይ ተበጊስና፡ እዚ ከምዚ እዩ ኢልና ቅድሚ ምምሃርና፡ ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኩሉን ንዓንቀጽ እቲ ምሉእ ቅዱስ ጽሑፋት ብግቡእን ብትኽክልን ብምምርማር ከነጽንዖ ከም ዝግባኣና፡ ድሕሪኡ ጥራይ ኢና ድማ ናብ መደምደምታት ኪንበጽሕ ዝግባኣና ኢልና ነርና። ካልእ ዝጠቐስናዮ ኣገዳሲ ሓቂ ነይሩ ንሱ ከኣ፡ ዓንቐጽ ኪበሃል ከሎ፡ ነቲ ሓሙሽተ ምድብ (category) ዘለዎ ዓንቐጽ ቅዱስ ጽሑፍ ብምልኡን ብዓቢዪ ኣቃልቦን ምምርማር ማለት ከም ዝዀነ ብንጹር ገሊጽና።

እቶም ሓሙሽተ ምድብ ዓንቐጽ ቅዱስ ጽሑፍ፡ እዞም ዝስዕቡ ከም ዝዀኑውን ጠቂስና ነርና።
1ይ) ዓንቀጽ ጥቅሲ/Verse Context/
2ይ) ዓንቀጽ እምነ-ጽሑፍ/Passage Context/
3ይ) ዓንቀጽ መጽሓፍ/Book Context/
4ይ) ዓንቀጽ ኪዳን/Testament Context/
5 ይ) ዓንቀጽ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ/Bible Context/
እምባኣር ኣብቲ ዝሓለፈ ጽሑፍና ካብዚኣተን ነታ ቀዳመይቲ ጥራይ ኢና ሪኢና። ኣብዚ ናይ ሎሚ ጽሑፍና፡ ነታ ካልኣይቲ ደረጃ ሕጊ-ዓንቀጽ፡ ንሳ ከኣ ዓንቀጽ እምነ-ጽሑፍ/Passage Context) ኪንምልከታ ኢና።
ዓንቀጽ እምነ-ጽሑፍ
ናይ ዮሃንስ 3፡6 ዓንቀጽ እምነ-ጽሑፍ ወይ ድማ ዓንቀጽ ሕጥቦ ጽሑፍ (Passage Context) ኣየናይ እዩ?
ዮሃንስ 3፡1-21 ብሓንሳእ ዝኸይድ ክፍሊ ወይ ከኣ እምነ-ጽሑፍ እዩ፡፡ እዚ ክፍሊዚ ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ልደት (The New Birth) እዩ ዝዛረብ። ዮሃንስ 3፡22-36 ድማ ብሓንሳእ ዚኸይድ ክፍሊ እዩ። እዚ ከኣ ብዛዕባ ናይ ዮሃንስ መጥምቅ ናይ መወዳእታ ምስክርነት (John Baptist’s Last Testimony) ዝዛረብ ክፍሊ እዩ።
እምባኣር ናይ ዮሃንስ 3፡6 ዓንቀጽ እምነ-ጽሑፍ/Passage Context) ዮሃንስ 3፡1-21 እዩ።
ኣብ ዓንቀጽ እዚ እምነ-ጽሑፍ እዚ፡ ነተን ብዛዕ ጐይታ ዝዛረባ ጥቅስታት ሓዲግና (ማለት ነተን ጎይታ ብዛዕባ ርእሱ እተዛረበን ጥቅሲታት ሓዲግና) ነተን ብዛዕባ ሰብ ጥራይ ዝዀነ ሰብ ዝዛረባ ጥቅስታት ጥራይ ኪንምልከተን፣ ድሕሪኡውን ድማ ብሓቂ ሰብ መንፈስ እንተዀይኑ ኪንምርምር ኢና። ስለምንታይ ግና ነተን ብዛዕባ ጐይታ ዝዛረባ ጥቅስታት ኪንሓድገን ይግባእ? ምኽንያቱ ጐይታና የሱስ፡ ካብታ ካብ ድንግል እተወልደላ ጊዜ ጀሚሩ፡ኩሉ ሳዕን ኣብ ሓደ እዋንን፡ ክልቲኡ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን እዩ። ጐይታና መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ካብ ድንግል ቅድሚ ምላዱ፡ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ኣምላኽን ወዲ ህያው ኣምላኽን እዩ። ካብታ ካብ ድንግል እተወልደላ ጊዜ ጀሚሩ ግና፣ ሕጂን ንዝመጽእ ዘለኣለምን ኩሉ ሳዕን ኣብ ሓደ እዋንን፡ ክልቲኡን ብማዕረን ማለት እዩ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን እዩ።
ነኣብነት ኣብ 3፡17 ጐይታና የሱስ ብኣቦ ተልኢኹ ካብ ሰማይ ናብዛ ዓለም እዚኣ ዝመጸ እንኮ ዘለኣለማዊ ወዲ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ይዛረብ፣ ኣብ 3፡13 ኣብ ምድሪ እናሀለወስ ኣብ ሰማይ ከም ዘሎ ይዛረብ፣ ኣብ 3፡14 ወዲ ሰብ ከም ዝዀነ ይዛረብ፣ ኣብ 3፡16, 17, 18 ግና ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ይዛረብ። እምባኣር ጐይታና የሱስ ምሉእ ብምሉእ ወዲ ሰብ እዩ፡፡ ኣብ ሓደ እዋን ድማ ምሉእ ብምሉእ ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ እዩ። ስለዚ ከኣ ጐይታና ፍጹም ሰብ ጥራይ ኣይኰነን። ወዲ ኣምላኽ እዩ ድማ፡እዚ ማለት ከኣ ፍጹም ኣምላኽ እዩ። ስለ ዝዀነ ድማ ኣብዚ እምነ-ዓንቀጽ እዚ ነቶም ብዛዕባ ጐይታ ዝዛረቡ ጥቅስታት ኪንሰግረን ኢና።ምኽንያቱ ብዛዕባ ናይ ሰብ መንነት ብትኽክል ንኽንፈልጥ መጠን ሰብ/ዓቅሚ ሰብ/ ዝዀነ ኣብነት ኣይኰነን ናይ ጐይታና! ጐይታና ዋላ ሓደ መሳሊ ዘይብሉ ኣዚዩ ፍሉይን መስተንክርን እዩ ብባህሪኡ!
እምባኣር ኣብተን ብዛዕባ እቲ ሰብ ጥራይ ዝዀነ ሰብ ዝዛረባ ጥቅስታት ጥራይ ብምትኳ፡ ”ብሓቂ ዶ ሰብሲ መንፈስ እዩ?’’ ንዝብል ሕቶ ንመልስ።
ዮሃንስ 3፡12-18 => ብፍላይ ብዛዕባ ጐይታ ስለ ዝዛረብ ኪንሓድጎ ኢና። ን ዮሃንስ 3፡1-11 ን ን ዮሃንስ3፡19-21 ግና ብዛዕባ ሰብ ስለ ዝዛረብ ብሓንሳእ ኪንምልከቶ ኢና።
ሃየ ብሓንሳእ ነንብቦ ቅድም!

”ካብቶም ፈሪሳውያን ኒቆዲሞስ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ሓለቓ ኣይሁድ ነበረ።” (ዮሃ.3፡1)
”ንሱ ብለይቲ ናብ ኢየሱስ መጺኡ፥ ረቢ፡ ብጀካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝዀነ ሰብ፡ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ኪገብሮ ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ንስኻ መምህር ኴንካ ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካ፡ ንፈልጥ አሎና፡ በሎ።” (3፡2)
”ኢየሱስ ድማ፥ ካብ ላዕሊ እንተዘይተወልደ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከም ዜልቦ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ።” (3፡3)
”ኒቆዲሞስ ከኣ፥ ንሰብከ ምስ ኣረገ፡ ኪውለድ ከመይ ኢሉ ይከአሎ፧ መሊሱ ናብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትዩስ ኪውለድ ይከአሎ’ዶ እዩ፧ በሎ።” (3፡4)
”ኢየሱስ መለሰ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል የልቦን።” (3፡5)
”ካብ ስጋ እተወልደ ስጋ እዩ፡ ካብ መንፈስ እተወልደ ኸኣ መንፈስ እዩ።
ካብ ላዕሊ ኽትውለድ ብግዲ እዩ ስለ ዝበልኩኻ፡ ኣይትገረም።” (3፡6)
”ንፋስ ናብ ዝደለዮ ይነፍስ፡ ደሃዩ ኸኣ ትሰምዕ፡ ካበይ ከም ዚመጽእ ናበይውን ከም ዚኸይድ ግና ኣይትፈልጥን ኢኻ። እቲ ኻብ መንፈስ እተወልደ ዘበለ ድማ ከምኡ እዩ። ኒቆዲሞስ ከኣ፥ እዚ ደኣ ኸመይ ኢሉ ኪኸውን ይከኣል፧ ኢሉ መለሰሉ።
ኢየሱስ ድማ መሊሱ በሎ፥ ንስኻ መምህር እስራኤል ኢኻ፡ እዚዶ ኣይትፈልጥን፧
ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ እንፈልጦ ንዛረብ፡ ዝርኤናዮውን ንምስርክር አሎና፡ ነቲ ምስክርና ግና ኣይትቕበልዎን ኢኹም።” (3፡7-11)
”እቲ ፍርዲ እዚ እዩ፥ ብርሃን ናብ ዓለም መጸ፡ ሰብ ግና፡ ግብሮም ክፉእ እዩ እሞ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ። ክፉእ ዚገብር ዘበለ ብርሃን ይጸልእ እዪ እሞ፡ እቲ ግብሩ ምእንቲ ኸይዝለፍ፡ ናብ ብርሃን ኣይመጽእን። እቲ ሓቂ ዚገብር ግና፡ ብኣምላኽ እተገብረ እዩ እሞ፡ ግብሩ ምእንቲ ኺግለጽ፡ ናብ ብርሃን እዩ ዚመጽእ።” (3፡19-21)
ኣብዚ ክፍሊ ጽሑፍ እዚ (ዮሃንስ 3፡1-21)፡ እቲ ዝዛርብ ዘሎ ኣካል ጐይታና የሱስ እዩ።

”ካብቶም ፈሪሳውያን ኒቆዲሞስ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ሓለቓ ኣይሁድ ነበረ።
ንሱ ብለይቲ ናብ ኢየሱስ መጺኡ፥ ረቢ፡ ብጀካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝዀነ ሰብ፡ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ኪገብሮ ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ንስኻ መምህር ኴንካ ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካ፡ ንፈልጥ አሎና፡ በሎ።
ኢየሱስ ድማ፥ ካብ ላዕሊ እንተዘይተወልደ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከም ዜልቦ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ።
ኒቆዲሞስ ከኣ፥ ንሰብከ ምስ ኣረገ፡ ኪውለድ ከመይ ኢሉ ይከአሎ፧ መሊሱ ናብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትዩስ ኪውለድ ይከአሎ’ዶ እዩ፧ በሎ።
ኢየሱስ መለሰ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል የልቦን። ” (3፡1-5)
እዛ ክፍሊ እዚ (ዮሃንስ 3፡1-5) ብዛዕባ እቲ ብለይቲ ናብ ጎይታና የሱስ ዝመጸ ሰብኣይ (ኒቆዲሞስ) ን፡ ጐይታና ንመንፈሳዊ ኩነታት ኒቆዲሞስ ኣመልኪቱ እተዛረቦ ዘረባን እዩ ዝገልጽ።
እታ ቀዳመይቲ ክፋል ወይ ሓረግ ዮሃንስ 3፡6 ድማ ፡ እቲ ናብ ክርስቶስ ገና ዘይመጸ ሰብ ብዝምልከት ኣብዘን ሓሙሽተ ጥቅስታት (3.1-5) ንዘሎ ሓቂ ጽሟቅ (ሳማሪ) ሓሳብ እያ። እዚ ከኣ እቲ ካብ ስጋ እተወልደ ሰብ ስጋ ከም ዝዀነ!
ኣብ ጥቅሲ ሸውዓተ ድማ፡ ጐይታና የሱስ ንኒቆዲሞስ ንስኻ ካብ ስጋ እተወልደ ስጋ ኢኻ ስለዚ ከኣ ካብ ላዕሊ ክትውለድ ብግዲ እዩ ኢልዎ። “ካብ ላዕሊ ኽትውለድ ብግዲ እዩ ስለ ዝበልኩኻ፡ ኣይትገረም።” (ዮሃንስ 3፡7)
ነዘን ዝስዕባ ጥቅሲታት እሞ ብምስትውዓል ነንብበን ብሩኻት!
”ካብቶም ፈሪሳውያን ኒቆዲሞስ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ሓለቓ ኣይሁድ ነበረ።’’ (ዮሃንስ3:1)
”ንሱ ብለይቲ ናብ ኢየሱስ መጺኡ፥ ረቢ፡ ብጀካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝዀነ ሰብ፡ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ኪገብሮ ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ንስኻ መምህር ኴንካ ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካ፡ ንፈልጥ አሎና፡ በሎ።” (ዮሃንስ 3፡2)
”ኒቆዲሞስ ከኣ፥ ንሰብከ ምስ ኣረገ፡ ኪውለድ ከመይ ኢሉ ይከአሎ፧ መሊሱ ናብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትዩስ ኪውለድ ይከአሎ’ዶ እዩ፧ በሎ።’’ (ዮሃንስ3፡4)
”ካብ ስጋ እተወልደ ስጋ እዩ፡ ካብ መንፈስ እተወልደ ኸኣ መንፈስ እዩ።’’ (ዮሃንስ3፡6)
“ካብ ላዕሊ ኽትውለድ ብግዲ እዩ ስለ ዝበልኩኻ፡ ኣይትገረም።” (ዮሃንስ 3፡7)
”ኢየሱስ ድማ መሊሱ በሎ፥ ንስኻ መምህር እስራኤል ኢኻ፡ እዚዶ ኣይትፈልጥን፧'(ዮሃንስ3፡10)
”እቲ ፍርዲ እዚ እዩ፥ ብርሃን ናብ ዓለም መጸ፡ ሰብ ግና፡ ግብሮም ክፉእ እዩ እሞ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ። ክፉእ ዚገብር ዘበለ ብርሃን ይጸልእ እዪ እሞ፡ እቲ ግብሩ ምእንቲ ኸይዝለፍ፡ ናብ ብርሃን ኣይመጽእን። እቲ ሓቂ ዚገብር ግና፡ ብኣምላኽ እተገብረ እዩ እሞ፡ ግብሩ ምእንቲ ኺግለጽ፡ ናብ ብርሃን እዩ ዚመጽእ።’’ (3:19-21)
ብፍላይ ኣብዚ ዝስዕብ ብእንግሊዝኛ ፖስት ገይረዮ ዘለኹ፡ ሓደ ሓቂ ከመልክተኩም ደሊየ ኣለኹ።
“1There was a man of the Pharisees named Nicodemus, a ruler of the Jews.2 This man came to Jesus by night and said to Him, “Rabbi, we know that You are a teacher come from God; for no one can do these signs that You do unless God is with him.”
3 Jesus answered and said to him, “Most assuredly, I say to you, unless one is born again, he cannot see the kingdom of God.”
4 Nicodemus said to Him, “How can a man be born when he is old? Can he enter a second time into his mother’s womb and be born?”
5 Jesus answered, “Most assuredly, I say to you, unless one is born of water and the Spirit, he cannot enter the kingdom of God. 6 That which is born of the flesh is flesh, and that which is born of the Spirit is spirit. 7 Do not marvel that I said to you, ‘You must be born again.’
“10 Jesus answered and said to him, “Are you the teacher of Israel, and do not know these things?’’
“19 And this is the condemnation, that the light has come into the world, and men loved darkness rather than light, because their deeds were evil.20 For everyone practicing evil hates the light and does not come to the light, lest his deeds should be exposed. 21 But he who does the truth comes to the light, that his deeds may be clearly seen, that they have been done in God.”
እስከ በሉ ኣብዚ ትግሪኛ ኰነ ወይ እንግሊዝኛ፡ ብምስትውዓል ብምንባብ ሰብ ዝብል ሓሳብ ወይ ቃላት ንርከብ።
ነዚ ሕቶ እዚ ንምምላስ እቲ እንግሊዝኛ ሓጋዚ ይመስለኒ።
ኣብ ጥቅሲ 1 => a man/=ሰብኣይ/ ይብል፣
ኣብ ጥቅሲ 2 => This man/=እዚ ሰብኣይ/ ይብል፣
ኣብ ጥቅሲ 3 => one ይብል፣ (man ማለቱ እዩ=ሰብ)
ኣብ ጥቅሲ 4 => a man/=ሰብ/ ይብል፣
ኣብ ጥቅሲ 7 => you/=ንስኻ ኣታ ሰብ/ ይብል፣
ኣብ ጥቅሲ 10 => you/=ንስኻ ኣታ ሰብ/ ይብል፣
ኣብ ጥቅሲ 19 => men/=ሰባት=ብርሃን ዝጸልኡ ኩሎም ሰባት/ ይብል፣
ኣብ ጥቅሲ 20 => everyone/= ክፉእ ዚገብር ዘበለ ኩሉ/ ይብል፣
ኣብ ጥቅሲ 21 => he/=ንሱ=እቲ ሓቂ ዝገብር ሰብ/ ይብል፣
እዘን ጥቅስታት እዚኣተን ኩለን ኣብ ውሽጢ እታ ናይ ዮሃንስ 3፡6 ዓንቀጽ እምነ-ጽሑፍ (passage Context) ዝዀነት ዮሃንስ 3፡1-21 ዝርከባ እየን። እተን ኣብዛ ሕጥቦ ጽሑፍ እዚኣ ብዛዕባ ሰብ ዝዛረባ ጥቅስታት ድማ እዚኣተን እየን። እሞ እዘን ትሽዓተ (9) ጥቅሲታት እዚኣተንሲ፡ ”ሰብ መንፈስ፣ ነፍሲ ዘላቶ፣ ኣብ ስጋ ድማ ከም ዝነብር’’ ይዛረባ ድየን?ይምህራ ድየን?
ብመሰረቱ ነዚ ‘’ሰብ መንፈስ እዩ፣ ነፍሲ፣ ኣላቶ፣ ኣብ ስጋ ይሓድር’’ ዝብል ሓድሽ ምህሮ ኣሰር መሰሩ ኣብዘን ትሽዓተ ጥቅስታት እዚኣተን ንረኽቦ!?
ከም ሓቂ እቲ/እቶም/ ኣብዘን ትሽዓተ ጥቅስታት ተንጸባሪቁ/ተንጸባሪቆም/ ዘሎ ሰብ/ሰባት/ ኣብታ ቀዳመይቲ ሓረግ ዮሃንስ 3፡6 ብትኽክል ጎይታና ገሊጽዎ ከም ዘሎ፡ እቶም ካብ ስጋ እተወልዱ እሞ ከኣ ስጋ ዝዀኑ ሰባት እዮም።
እዘን ትሽዓተ ጥቅስታት እዚኣተን ብዛዕባ እቲ ናብ ክርስቶስ ቅድሚ ምምጻኡ ዘሎ መንፈሳዊ ኩነታት ሰብ (ኩነታት ኩሉ ሰብ) እየን ዝዛረባ ዘለዋ።
መንፈሳዊ ኩነታት እዚ ሰብ እዚ እንታይ እዩ? ካብ ስጋ እተወልደ ስጋ እዩ! ወይ ድማ ኣብ 1ይ ቈረንቶስ 2፡14 ጳውሎስ ብትኽክል ኣቀሚጥዎ ከም ዘሎ፡ እቲ ካብ ክርስቶስ ወጻኢ ዘሎ ሰብ፡ ነቲ ካብ መንፈስ ኣምላኽ ዝመጽእ ምግላጽ ከስተውዕልን ኪቅበልን ዘይክእል ስጋዊ ሰብ እዩ።
”እቲ ስጋዊ ሰብ ነቲ ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ዘሎ ኣይቅበሎን፡ ብመንፈስ ዚምርመር ስለ ዝዀነ፡ ንእኡ ዕሽነት እዩ እሞ፡ ኬስተውዕሎ ኣይከኣሎን እዩ።’’ (1ይ ቈረንቶስ 2፡14)
እዚ ኣብዚ ዮሃንስ 3፡1-12 እንሪኦ ዘሎና ንቆዲሞስ ድማ ልክዕ ከምኡ እዩ። ብምድራዊ ፍልጠቱስ ዘይተማህረ ገለ ዘይፈልጥ መሃይም ከማን ኣይኰነን። ምሁር እዩ። መምህር ኣይሁድ እዩ! ነቲ ጐይታና ዝዛረቦ ዝነበረ ናይ ሰማይ ናይ መንፈስ ቅዱስ ምስጥር ግና ኪርድኦ፣ ከስተውዕሎን ኪቅበሎን ተጸጊሙ።
ብፍላይ ነዞም ዝስዕቡ ጥቅስታት ደጊምና ነንብቦም!
”ኒቆዲሞስ ከኣ፥ ንሰብከ ምስ ኣረገ፡ ኪውለድ ከመይ ኢሉ ይከአሎ፧ መሊሱ ናብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትዩስ ኪውለድ ይከአሎ’ዶ እዩ፧ በሎ።’’ (ዮሃንስ 3፡ 4)
ኒቆዲሞስ ከኣ፥ እዚ ደኣ ኸመይ ኢሉ ኪኸውን ይከኣል፧ ኢሉ መለሰሉ።
ኢየሱስ ድማ መሊሱ በሎ፥ ንስኻ መምህር እስራኤል ኢኻ፡ እዚዶ ኣይትፈልጥን፧
ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ እንፈልጦ ንዛረብ፡ ዝርኤናዮውን ንምስርክር አሎና፡ ነቲ ምስክርና ግና ኣይትቕበልዎን ኢኹም።
ናይ ምድሪ ነገር ነጊረኩም ካብ ዘይትኣምኑስ፡ ናይ ሰማይ ነገር እንተ ነገርኩኹም ግዳ፡ ከመይ ጌርኩም ክትኣምኑ፧ (ዮሃንስ 3፡9-12)
እምባኣር ዮሃንስ 3፡1, 2, 3, 4, 10, 19፣ 20, 21 => ብዛዕባ እቲ ገና ናብ ክርስቶስ ዘይመጸ ሰብ እዮም ዝዛረቡ ዘለዉ።
ናይዚ ሰብ እዚ መንፈሳዊ ኩነታትከ እንታይ/ወይ ከመይ/ እዩ? ስጋ እዩ(ዮሃንስ3፡6)! ስጋዊ ሰብ እዩ(1ይ ቈረንቶስ 2፡14)!
እዚ ቃል ብዛዕባ እቲ ካብ ክርስቶስ ወጻኢ ዝዀነ ሰብ ኣመልኪቱ ኪዛረብ ከሎ፡ ”ስጋ’’ ወይ ድማ ”ስጋዊ ሰብ’’ ስለ ዝበለ፡ እቲ ሰብ እቲ ‘’መንፈስን ነፍስን’’ የብሉን ማለት ግና ኣይኰነን ፈጺሙ!
”ስጋ ዘበለ ዅሉ መገዱ ኣብ ምድሪ ኣባላሽዩ ነበረ እሞ፡ ኣምላኽ ከኣ ንምድሪ ረኣያ፡ እንሆ ድማ ተባላሽያ ነበረት።’’ (ዘፍጥረት 6፡12)/So God looked upon the earth, and indeed it was corrupt; for all flesh had corrupted their way on the earth./
ኣብዚ ጥቅሲ እዚ ‘’ ስጋ ዘበለ ዅሉ’’/ all flesh/ ኪብል ከሎ ደቂ ሰባት ኩሎም ማለቱ እዩ። እሞ እዞም ሰባት እዚኣቶም ኩሎም ‘’መንፈስን ነፍስን’’ ዘይብሎም፡ እንታይ ደኣ እዚ ልስሉስ ብኢድካ ዝድህሰስን ብዓይንኻ ዝረኤን ‘’ስጋ/Body/ወይflesh/ ጥራይ ዘለዎም ማለቱ ድዩ?ያ ኣይፋሉ!
ኩሎም ሰለስቲኡ ናይ ሰብ ኩለንተና(መንፈስ ሰብ፣ነፍሲ ሰብ፣ ስጋ ሰብ) ኣለዎም።
ኣብ ኢሳያስ 40፡6-8 እውን ከምዚ ዝስዕብ ይብል፦
”ድምጺ፡ ኣውጅ፡ ይብል። ሓደ ኸኣ፡ እንታይ ኢለ ኽእውጅ? በለ። ስጋ ዘበለ ዂሉ ሳዕሪ እዩ፡ ኲሉ ኽብሩ ኸኣ ከም ዕምባባ መሮር እዩ። ትንፋስ እግዚኣብሄር ነፊስዎ እዩ እሞ፡ ሳዕሪ ይነቅጽ፡ ዕምባባ ይቕምስል። ብሓቂ እቲ ህዝቢ ሳዕሪ እዩ። ሳዕሪ ይነቅጽ፡ ዕምባባ ይቕምስል፡ ቃል ኣምላኽና ግና ንዘለኣለም ይነብር።’’
እወ! ሓቂ! እቲ “”ብህያው ንዘለኣለም ብዚነብር፡ ካብ ቃል ኣምላኽ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ’’ ከም ብሓድሽ ካብ ኣምላኽ ዘይተወልደ ህዝቢ ኩሉ ሳዕሪ እዩ! ስጋ እዩ!
”ብህያው ንዘለኣለም ብዚነብር፡ ካብ ቃል ኣምላኽ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ እምበር፡ ካብ ጠፋኢ ዘርኢ ኣይኰንኩምን ከም ብሓድሽ እተወለድኩም’’ (1ይ ጰጥሮስ 1፡22)
እዚ ከም ብሓድሽ ካብ ኣምላኽ ዘይተወልደ ህዝቢ ኩሉ ሳዕሪ እዩ፡ ስጋ እዩ፡ ማለት ግና እቲ ህዝቢ ‘’መንፈስን ነፍስን’’ ዘይብሉ፡ እንታይ ደኣ ስጋ ጥራይ ዝዀነ ሰብ ማለት እዩ ማለት ግና ኣይኰነን ፈጺሙ።
እዚውን ብዛዕባ መንፈሳዊ ኩነታት እዩ ዝዛረብ ዘሎ። እቲ ካብ ስጋ እተወልደ ሰብሲ፡ ብዘየገድስ ምድራዊ ሃብቱ፣ ብዚሒ ኽብረቱ፣ ዕምቘት ምድራዊ ጥበቡ፣ ሳይንሳዊ ፍልጠቱ፣ ሃይማኖታዊ ፍልስፍናዊ ቲኦሎጂኡ፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሳዕሪ እዩ፡ ስጋ እዩ! መንፈሳዊ፣ ሰማያዊ ምስጢር ዘይርድኦ ስጋዊ ሰብ እዩ!
ግን እሞ እዚ ሰብ እዚ ሲ መንፈስን ነፍስን ዘይብሉ ኣካላዊ ስጋ ጥራይ ዘለዎ ማለት ድዩ!? ያ ኣይፋሉ! መንፈስ፣ ነፍስን ስጋን ሰለስቱ ብማዕረ ኣለዎ እሞበር! ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ መንፈሳዊ ኩነታቱ ግና ስጋ እዩ! መወዳእትኡውን ከም መወዳእታ ሳዕሪ እዩ!
እሞ እቲ ዓንቅጽ እምነ-ጽሑፍ ዮሃንስ3፡6፡ ንሱ ከኣ ዮሃንስ 3፡1-21 ሲ ነዚ ሓቂ እዚ እዩ ወሊዑ ዘርእየና ዘሎ!
እዚ ከኣ ምስቲ ንዓንቀጽ እታ እንዛረበላ ዘላ ጥቅሲ (3፡6) ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፍና ዝጨበጥናዮ ሓቂ ብትኽክል ይሰማማዕ!
እንታይ እዩ እቲ ሓቂ እቲ? ዮሃንስ 3፡6፡ ”ሰብ መንፈስ፣ ነፍሲ ዘላቶ፣ ኣብ ስጋ ድማ ዝነብር’’ ከም ዝዀነ ከም ዘይምህር ፈጺሙ፡ እንታይ ደኣ ሰብ (ምስ ብዘሎ ኩለንተናኡ፡መንፈሱ፣ነፍሱን ስጋኡን ማለት እዩ) ወይ ስጋ እዩ ማለት፡እዚ ማለት ስጋዊ እዩ (እዚ እቲ ካብ ክርስቶስ ወጻኢ ዝዀነ ኩሉ ሰብ ማለት እዩ) ወይ ድማ ካብ መንፈስ እተወልደ መንፈስ እዩ፡እዚ ማለት መንፈሳዊ እዩ ፡፡
”እቲ ስጋዊ ሰብ ነቲ ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ዘሎ ኣይቅበሎን፡ ብመንፈስ ዚምርመር ስለ ዝዀነ፡ ንእኡ ዕሽነት እዩ እሞ፡ ኬስተውዕሎ ኣይከኣሎን እዩ። ንእግዚኣብሄር ኪምህሮ ኢሉ፡ ሓሳቡ ዝፈለጠኸ እንታዋይ እዩ፧ ንሕና ግና ሓሳብ ክርስቶስ ኣሎና። እምብኣርሲ እቲ መንፈሳዊ ንዂሉ ይምርምር፡ ንሱ ግና ብሓደ እኳ ኣይምርመርን እዩ።’’ (1ይ ቈረንቶስ 2፡14-16)
ጐይታና የሱስ ኣብ ዮሃንስ 3፡6 ”ካብ ስጋ እተወልደ ስጋ እዩ’’ ኪብል ከሎ፡ ነቲ ደጋዊ ናይ ሰብ ኣካል (ነቲ ልስሉስ ዝድህሰስ ስጋ) ነጺሉ ብምውሳድ ኣይኰነን ዝዛርብ ዘሎ! ነቲ ናይ ሰብ ኩለንተና ዘለዎ ምሉእ ሰብ (the whole man; መንፈስ፣ ነፍሲ፣ ስጋ ዘለዎ ምሉእ ሰብ) ኣመልኪቱ እዩ “ካብ ስጋ እተወልደ ስጋ እዩ፡’’ ዝብል ዘሎ!
ልክዕ ከምኡ ድማ ጐይታ ኣብዛ ጥቅሲ እዚኣ ካብ ‘’ካብ መንፈስ እተወልደ መንፈስ እዩ፡’’ ኪብል ከሎ፡ ነቲ ናይ ሰብ መንፈስ ጥራይ ነጺሉ ኪኸውን ኣይክእልን። ኣብ ዮሃንስ 3፡6 ጐይታና የሱስ፡ ”ሰብ እቲ ካብ መንፈስ እተወልደ መንፈስ ሰብ እዩ፡’’ ኣይበለን ፈጺሙ፡ ከምኡ ማለቱውን ኣይኰነን ፈጺሙ!
ኣብዚ ጐይታ ዝብል ዘሎ፡ “እቲ ካብ መንፈስ እተወልደ ሰብ መንፈስ እዩ፡” እዩ ዝብል ዘሎ! ሰብ እንታይ እዩ? ሰብ ‘’መንፈስ፣ ነፍስን ስጋስ’’ ሰለስቲኡ ብማዕረ ዘለዎ ፍሉይ ፍጥረት እዩ!
እዚ ሰብ እዚ ካብቶም ስጋውያን ወለዱ ብኸመይ ኣገባብ ተወሊዱ ናብዛ ዓለም እዚኣ ይኣቱ? ኣቦኡን ኣዲኡን ብወሲብ ድሕሪ ምርኻቦም ይውለድ ፡፡ እዚ ማለት ብመገዲ ስጋዊ ወሲብ ኣቢሉ ይውለድ! ሰብ ናብዛ ዓለም እዚኣ መንፈስ፣ነፍስን ስጋን ሰለስቲኡ ክፍልታት ሰብ ዘለዎ ሰብ ኰይኑ ንኽውለድ፡- ናይ ግዲን ብሰለስቲኡ ክፍሊ መንነቱ ምላድ ኣየድልዮን። እዚ ማለት ብመንፈስ ምላድ፣ ብነፍሲ ምላድን ብስጋ ምላድን ኣየድልዮን። በመገዲ ወሲብ ኣቢሉ ብስጋ ይውለድ፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ድማ ሰለስቲኡ ክፍሊ ኣካላቱ ሒዙ ይኣቱ! ብምኽንያት እታ ብመገዲ ስጋዊ ወሲብ እተረኽበት ኣካላዊ ስጋ ሰብ ጥራይ፡ እቲ መንፈስ ሰብን ነፍሲ ሰብን እውን ብማዕረ ምስኡ ህላዌ ረኺቡ ናብ ዓለም ይኣቱ። እዚኣ ኣገዳሲት ሓሳብ እያ። ነስተውዕለላ ኪንምለሳ ኢና።
እዚ ብኸምዚ ኣገባብ እተወልደ መንፈስ፣ ነፍስን ስጋን ዘለዎ ሰብ ግና፡ መንፈሳዊ ኩነታቱ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪረኤ ከሎ፡ ስጋ ወይ ድማ ስጋዊ ሰብ እዩ!
ኣብዚኣ ደጊምና ነስተውዕ፡ እቲ ኣብዚ ንሰብ ”ስጋ’’ ወይ ”ስጋዊ ሰብ’’ ንኽባሃል ኣብቒዕዎ ዘሎ ጉዳይ፡ እቲ ደጋዊ ክፍሊ ሰብ ዝዀነ ደጋዊ ኣካላዊ ስጋኡ ኣይኰነን። እቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ኩነታት መንፈሳዊ ዝምድና እዩ። ንሱ እዩ ”ስጋ” ወይ ድማ ”ስጋዊ ሰብ” ዘብሎ። እዚ ከኣ ንሰለስቲኡ ናይቲ ናይ ሰብ ኩለንተና ዘመልክትን ዝውክልን መጸዊዒ እዩ። እቲ ልስሉስ ዝድህሰስን ዝረኤን ስጋኡ ተወሊዱ ኣብዛ ዓለምዚኣ ንኸኣቱ ጥራይ እዩ መገዲ ኰይኑ። እቲ ልስሉስ ስጋ ጠንቂ እቲ ንሰብ ምስ ኣምላኽ ናይ ዘለዎ መንፈሳዊ ጸገም ኣይኰነን ፈጺሙ። እምባኣር እቲ ንሰብ ምስ ኣምላኽ ናይ ዘለዎ መንፈሳዊ ጸገም ብሓላፍነት ተሓታቲ፡ ብማዕረ ሰለስቲኡ እቲ ናይ ሰብ ኩለንተና (መንፈሱ፣ ነፍሱን ስጋኡን) እዩ። እንተ ዘይኰነ ሰለስቲኡ ብማዕረ ኣብ ገሃንም ንኺቅጻዕ ብኣምላኽ ኣይምተደርበየን። ኣምላኽ ጻድቅ ፈራዲ እዩ!
”ነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ኬጥፍእ ዚከአሎ ደኣ ኣዚኹም ፍርህዎ እምበር፡ ነቶም ንስጋ ዚቐትሉ፡ ንነፍሲ ግና ምቕታላ ዘይክአሎም ኣይትፍርህዎም።’’ (ማቴዎስ10፡28)
ኣብ ማቴዎስ 25፡41-46 ፣ ራእይ 20፡11-15 => ንመልከት! እዞም ኣብዚ ናብ ቃላይ ሓዊ እቲ ካልኣይ ሞት ዝድርበዩ፡ ሰባት፡ መንፈስ፣ ነፍስን ስጋን ሰለስቲኡ ናይ ሰብ ክፍሊታት ዘለዎም ሰባት እዩሞ። እዚ ሰለስተ ናይ ሰብ ኩለነተና ብማዕረ ሒዞም፡ ብሰለስቲኡ ክፍልታት መንነቶም ንዘለላኣለም ናብ ዝቅጽዕሉ ቃላ ሓዊ ኪድርበዩ እዮም! ኣብ ፍርዲ ኣምላኽ ምውዳቕ ዘስካሕክሕ እዩ!ኣምላኽ ዝባላዕ ሓዊ እዩ!
እምባኣር እዚ ጐይታና ኣብ ዮሃንስ 3፡6 ”ካብ መንፈስ እተወልደ መንፈስ እዩ’’ ኢልዎ ዘሎ ሰውን ሰብ እዩ! ማለት መንፈስ፣ነፍስን ስጋን ሰለስቲኡ ብማዕረ ዘለዎ ሰብ እዩ። ነዚ ሰለስተ ናይ ሰብ ኩለነተና ወይ ናይ ሰብ ክፍሊታት (መንፈስ ሰብ፣ነፍሲ ሰብን ስጋ ሰብን) ዘለዎ እሞ ካብ መንፈስ ኣምላኽ እተወልደ ሰብ እዩ እምባኣር ጎይታ ”መንፈስ እዩ’’ ዝብሎ ዘሎ። ጳውሎስ ድማ ”መንፈሳዊ ሰብ’’(1ይ ቈረንቶስ፡15) ዝብሎ ዘሎ።
እዚ ኣብዚ ጐይታ “ካብ መንፈስ እተወልደ መንፈስ እዩ’’ ዝብሎ ዘሎ፡ ነቲ ናይ ሰብ መንፈስ ነጺሉ ድዩ “ሰብሲ እቲ ካብ መንፈስ እተወልደ መንፈስ ሰብ እዩ’’ ዝብል ዘሎ ዋልስ ‘’ካብ መንፈስ እተወልደ ሰብ መንፈስ እዩ’’ እዩ ዝብል ዘሎ?
”ካብ መንፈስ እተወልደ ሰብ መንፈስ እዩ’’ እዩ ዝብል ዘሎ።
እሞ እዚ ኣብዚ ጐይታ ”ሰብ’’ እናበለ ዝዛረበሉ ዘሎ ሰብ ግዲ መን ድዩ? እዚ ሰብ እዚ እቲ ኣቀድምና ዝረኣናዮ፡ ኣብ ዮሃንስ 3፡1,2,3,4,10,19,20,21 ተጠቂሱ ዘሎ ሰብ እዩ እኮ። እሞ ናይዚ ሰብዚ ኩለንተና እንታይን እንታይን ድዩ? መንፈስ፣ ነፍሲ፣ ስጋ!
እሞ እቲ ኣብ ዮሃንስ 3፡6 “ካብ መንፈስ እተወልደ መንፈስ እዩ’’ ዝብሎ ዘሎ ሰብ እቲ እዚ ነዚ ሰለስተ ናይ ሰብ ኩለንተና ዝውክል ሰብ ደኣ እምበር ተነጺሉ እቲ ናይ ሰብ መንፈስ ጥራይ ኣይኰነን።
እዚ ሰብዚ ግና፡ ናብዛ ዓለም እዚኣ ንኽኣቱ ብመገዲ ስጋዊ ወሲብ ኣቢሉ በቲ ዝድህሰስን ዝረኤን ኣካላዊ ስጋኡ ምላድ ከምዝድለዮ፡ ናብታ ዘይትረኤ ዓለም ንኺኣቱኸ በዚ ኣካላዊ ስጋዚ ኣቢሉ ድዩ እንደገና ዝውለድ!? ያ ኣይፋሉ!
ብኻልእ ክፍሊ ኣካላቱ እዩ እንደገና ዝውለድ፡ንሱ ከኣ ብመንፈሱ! ብመንፈሱ እንተዳኣ ካብ ላዕሊ ተወሊዱ፡ መንፈሱ ጥራይ ዘይኰነስ ነፍሱን ስጋኡንውን ብማዕረ እዩ ናብታ እትመጽእ ዓለም ዝኣቱ። እዚ ሰብ እዚ ብመገዲ መንፈሱ (መንፈስ ሰብ) ኣቢሉ ካብ መንፈስ ኣምላኽ ተወሊዱ ናብታ እትመጽእ ዓለም ንብኹለንተናኡ ንምእታው ብቅዓት ስለ ዝረኸበ፡ ነቲ ናይ ሰብ መንፈስ ጥራይ በይኑ ነጽልካ ብምምልካት “ሰብ መንፈስ እዩ!” ኣይትብልን ኢኻ!
እዚ ልክዕ ከምቲ ናብዛ ሒጂ ዘላ ዓለም ኪኣቱ ከሎ ዝሃብናዮ መግለሲ ተመሳሳሊ እዩ። ከምቲ ብምኽንያት እታ ብመገዲ ስጋዊ ወሲብ እተረኽበት ኣካላዊ ስጋኡ ጥራይ ኣቢሉ፡ እቲ መንፈስ ሰብን ነፍሲ ሰብን እውን ብማዕረ ምስኡ ህላዌ ረኺቡ ናብዛ ዓለም እዚኣ ዝኣተው፡ ልክዕ ከምኡ ድማ፡ ነፍሲ ሰብን እቲ ኣካላዊ ስጋ ሰብን ብመገዲ እቲ ካብ መንፈስ ኣምላኽ እተወልደ መንፈስ ሰብ ኣቢሉ ብማዕረ ናብቲ መንፈሳዊ ዓለም ሰይሩ ይኣቱ። እቲ ብኸምዚ ኣገባብ ናብታ ሓንቲ ዓለም ዚኣቱ መንፈስ ነፍስን ስጋን ዘለዎ ሰብ ድማ መንፈስ ይባሃል፡ እዚ ማለት መንፈሳዊ ሰብ ማለት እዩ! ኩለንታናኡ መንፈሳዊን ሰማያውን ዝዀነ ሰብ!
መንፈሱ ምስ ክርስቶስ ሓደ መንፈስ ዝዀነ ሰብ (1ይ ቈረንቶስ 6፡17)፣ ነፍሱ ምስ ነፍሲ ክርስቶስ ሓደ ዝዀነት ሰብ፣(ኤፌ4፡23) ስጋኡ ድማ ናይ ክርስቶስን ኣካል ክርስቶስን ዝዀነ ሰብ!(1ይ ቈረንቶስ 6፡14) እዚ ዓይነት ሰብ እዚ ኩለንተናኡ ኪረኤ ከሎ መንፈስ ማለት መንፈሳዊ ሰብ ይበሃል!
ግናኸ እስከ ሒጂ ሓንቲ ኣገዳሲት ሕቶ ንሕተት ደሓን፡፡ እዚ ኣብ ዮሃንስ 3፡1-21 “ሰብ፣ሰብ፣ሰብ” እናተባህለ ዝጽዋዕን ዝጥቀስን ዘሎ ሰብ፡ ካብ መንፈስ ስለ እተወልደስ “ሰብ’’ ምዃኑ ይልወጥ ድዩ? ያ ኣይፋሉ!
እዚ ሰብ እዚ ካብ ላዕሊ ቅድሚ ምላዱ (ዮሃንስ 3፡3) ሰብ እዩ። ድሕሪ ካብ ላዕሊ ምላዱውን ሰብ እዩ። ካብ ላዕሊ ቅድሚ ምላዱ መንፈስ ሰብ፣ነፍሲ ሰብን ስጋ ሰብን ዘለዎ ሰብ እዩ። ካብ ላዕሊ ድሕሪ ምላዱውን መንፈስ ሰብ፣ነፍሲ ሰብን ስጋ ሰብን ዘለዎ ሰብ እዩ። እቲ ዝልወጥ ሓደ ነገር ጥራይ እዩ። ንሱ ኸኣ መንፈስዊ ኩነታቱ፡ ወይ ድማ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ መንፈሳዊ ዝምድናኡ!
ካብ ላዕሊ ቅድሚ ምላዱ ስጋ እዩ! (ዮሃንስ 3፡6) እዚ ማለት #ስጋዊ #ሰብ እዩ! (1ይ ቈረንቶስ 2፡14)። ካብ ላዕሊ ድሕሪ ምላዱ ድማ መንፈስ እዩ (ዮሃንስ 3፡6)! እዚ ማለት #መንፈሳዊ #ሰብ እዩ!((1ይ ቈረንቶስ 2፡15)
እዚ ኣብ ዮሃንስ 3፡6 ”ስጋ እዩ’’ ዝብል ዘሎ ንሰለስቲኡ መንፈስ ሰብ፣ነፍሲ ሰብን ስጋ ሰብን ብማዕረ ኣጠቃሊሉ ይዛረብ ከም ዘሎ ኩሉ፡ ልክዕ ከምኡ ድማ እቲ ኣብዚ ጥቅሲ እዚ “መንፈስ እዩ” ዝብል ዘሎ ንሰለስቲኡ መንፈስ ሰብ፣ነፍሲ ሰብን ስጋ ሰብን ብማዕረ ኣጠቃሊሉ እዩ ዝዛረብ ዘሎ።
እቲ ኣብ 1ይ ቈረንቶስ 2፡14-15 ዘሎ ሓቂ እውን ልክዕ ከምኡ! እቲ ”ስጋዊ ሰብ’’ (Natural man) (1ይ ቁረንቶስ 2፡14) ዝብል ሓሳብ ነቲ መንፈስ ሰብ፣ነፍሲ ሰብን ስጋ ሰብን ዘለዎ ሰብ እዩ ዝውክልን ዘመልክትን። ልክዕ ከምኡ ድማ እቲ ”መንፈሳዊ ሰብ’’(Spiritual man) (1ይ ቈረንቶስ 2፡15) ዝብል ሓሳብ ነቲ መንፈስ ሰብ፣ነፍሲ ሰብን ስጋ ሰብን ዘለዎ ሰብ እዩ ዝውክልን ዘመልክትን።
ነዞም ”ሰብ መንፈስ እዩ፣ ነፍሲ ኣላቶ፣ ኣብ ስጋ ይነብር’’ ዝብል ጋሻ ትምህርቲ ዝምህሩ ሰባት ግና፦ እዚ ኣብ ዮሃንስ 3፡6, “ካብ መንፈስ እተወልደ መንፈስ እዩ’’ ዝበሎ ቃል ጐይታ ኣይድግፎምን ፈጺሙ!
ካብ መሰረቱ “ሰብ መንፈስ እዩ፡ ነፍሲ ኣላቶ፡ ኣብ ስጋ ይነብር’’ ዝብል ትምህርቶም ዳግም እንተወልደ ጥራይ ዘይኰነስ ንኹሎም ደቂ ኣዳም ዘመልክት መግለጺ እዩ። ብመሰረት እዚ መግለጺ መንነት ሰብ እዚ፡ እቲ ጐይታ ኣብታ ቀዳመይቲ ሓረግ ዮሃንስ 3፡6, “ካብ ስጋ እተወልደ ስጋ እዩ’’ ኢልዎ ዘሎ ሰብውን እኮ፡ ነፍሲ ዘላቶ ኣብ ስጋ ድማ ዝሓድር መንፈስ እዩ።
እሞ እዚ እንተዳኣ ኰይኑ እቲ ቅሉዕ ብዛዕባ መንነት ሰብ ዝምህርዎ ዶክትሪኖም እኮ (ብርግጽ ከምኡ እዩ ድማ!)፡እቲ “ካብ መንፈስ እተወልደ መንፈስ እዩ” ዝብል ትምህርቲ ጎይታ ምስ እዚ ባዕሉ እተፈንጠረ ግጉይ ትምህርቶም ምትእስሳር ዝባሃል የብሉን ፈጺሙ!
እቲ ዓንቀጽ እምነ-ጽሑፍ 3፡6: ንሱ ኸኣ ዮሃንስ 3፡1-21፡ እውን ነዚ “ሰብ መንፈስ እዩ” ዝብል ዘመናዊ ምህሮ ኣፈልጦን ኣይድግፎን ፈጺሙ!
(ይቕጽል….TBC…)

Comment here