“መዓልቲ እግዚኣብሄር ትመጽእ ኣላ ቀሪባ ኸኣ እያ እሞ ኣብ ጽዮን መለኸት ንፍሑ…
ዓብይን ሓያልን ህዝቢ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ኸምኡ ዝበለ ዘይነበረ ድሕሪኡውን ክሳዕ ዓመታት ውሉድ ወለዶ ዚሓልፍ ከቶ ዘይኸውን። ኣብ ቅድሚኡ ሓዊ ይበልዕ ኣብ ድሕሪኡ ሃልሃልታ ሞዅ የብል። እታ ሃገር ኣብ ቅድሚኡ ኸም ገነት ኣብ ድሕሪኡ ኸኣ ጸምጸም በረኻ እያ፡ ካብኡ ዜምልጥውን የልቦን።
ትርኢቶም ከም ትርኢት ኣፍራስ እዩ፡ ከም ፈረሰኛታት ይጐዩ። ከምቲ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ድዋዕዋዕ ዚብል ሰረገላታት ከምቲ ንሓሰር ኪውሕጥ ከሎ ጥዋዕዋዕ ዚብል ሃልሃልታ ሓዊ ከምቲ ንውግእ እተሰለፈ ሓያል ህዝቢ ይዘሉ። ኣብ ቅድሚኦም ህዝብታት ይጭነቑ ኵሉ ገጽ ይጽልም። ከም ጀጋኑ ይጐዩ ከም ዚዋጋእ ሰብ ናብ ቀጽሪ ይድይቡ ነፍሲ ወከፍ በብጐደናኡ ይሓልፍ ካብ መገዶም ከኣ ኣየግልሱን።
ንብጻዩ ዚደፍእ የልቦን ነፍሲ ወከፍ በብመገዱ ይሓልፍ ናብ ማእከል ኣጽዋር ይኣትዉ ኣይቈስሉን ከኣ ። ናብታ ከተማ ይወሩ ኣብ ቀጽሪ ይጐዩ ናብ ኣባይቲ ይድይቡ ከም ሰራቒ ብመሳዅቲ ይኣትዉ። ምድሪ ኣብ ቅድሚኦም ራዕራዕ ትብል ሰማያት የንቀጥቅጥ ጸሓይን ወርሕን ይጽልምታ ከዋኽብቲ ኸኣ ብርሃኖም ይኽውሉ። ሰፈር ሰራዊቱ ኣዝዩ ዓብዪ እዩ እቲ ንቓሉ ዚፍጽም ከኣ ሓያል እዩ እሞ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ሰራዊቱ ድምጹ የስምዕ።…”
ኣብዚ ኣብ ዮኤል ምዕራፍ ክልተ “ዓብይን ሓያልን ህዝቢ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ኸምኡ ዝበለ ዘይነበረ ድሕሪኡውን ክሳዕ ዓመታት ውሉድ ወለዶ ዚሓልፍ ከቶ ዘይኸውን።” ብዝብል ፍሉይ ቃላት ተገሊጹ ዘሎ ፍሉይ ህዝቢ ኣብ 2፡11 ሰራዊት ኣምላኽ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። እምባኣር እዚ ሰራዊት እዚ ሰራዊት ኣምላኽ እዩ።
እምባኣር እስከ ነቲ ብተኸታታሊ ኣብዘን ሰለስተ መዓልትታት ሓቢርና ኪንሪኦ ዘሎና መሰረታዊን አዚዩ አገዳሲ ሓሳብ ኣምላኽ መእተዊ ዚዀኑና ሸውዓተ ዚዀኑ ኣዚዮም ዘደንጸዉን ፍሉያት ባህሪያት እዚ ፍሉይ ሰራዊት ኣምላኽዚ ንርኤ። ኣብ 2፡7-8 ተገሊጹ ዘሎ እዩ።
1. ከም ጀጋኑ ይጐዩ/They run like mighty men,/
• ኮፍ ዚበሉ ሰነፋት ኣይኰኑን ጀጋኑ እዮም ንሓደ ንጹር ስርሒት ንምፍጻም ብቅልጡፍ ዚጐዩ እዮም።
2. ከም ዚዋግኡ ሰብ ናብ ቀጽሪ ይድይቡ/They climb the wall like men of war/
• ከም ዚዋግኡ ሰብ= ጀጋኑ ተዋጋእቲ ሰራዊት እዮም።
• ናብ ቀጽሪ ይድይቡ = ብእተፈላለየ መገዲን ንእተፈላለየ ዕላማን ብሰባት ናብ እተነድቀን እተዓረደን ቀጽሪታት ይድዪቡ!
3. ነፍሲ ወከፍ በብጐደናኡ ትኽ ኢሉ ይሓልፍ /They all march in line/
• ክፍጽምዎ ብንጹር ንእተሓንጸጽሎም ሕንጻጽ ብትኽክል እተማህሩን ዚፈልጡን እዮም።
4. ካብ መገዶም ከኣ ኣየግልሱን/ And they do not break ranks./
• በቲ ብኣምላኽ እተዋህቦም ጽውዓን ትእዛዝን ፍጹም ዕጋበት ዚዓገቡ ካብኡ ድማ ንየማን ወይ ንጸጋም ፈጺሞም ምንቅ ዘይብሉ እዮም።
5. ንብጻዩ ዚደፍእ የልቦን/They do not push one another. each marches straight ahead./
• ነፍሲ ወከፍ ሰብ መስመሩን ሰልፉን ኣርጊጹ ስለ ዚፈልጥ ንብጻዩ ኣይደፍኦን ብፍጹም።
6. ነፍሲ ወከፍ በብመገዱ ይሓልፍ /they walk every one in his path./
• ነፍሲ ወከፍ ነቲ ሕንጹጽ መስመሩ ሒዙ እዩ ዚጐዪ፡ እዚ ኸኣ ልክዕ ከምቲ ናይ ኣትለትክስ ተቀዳደምቲ ዚገብርዎ ማለት እዩ። ከምቲ ሕጉ ገይሮም እዮም ዚጐዩን ዚቃለሱን።
7. ናብ ማእከል ኣጽዋር ይኣትዉ ኣይቈስሉን ከኣ።/And they burst through and upon the weapons, yet they are not wounded and do not change their course./
• ኣብ ማእከሎም ኮፍ ኢሉ ዚሓሚ ፡ ዘይሳተፍ ተዓዛቢ የለን ፈጺሙ፡ ኵላቶም እዮም ናብ ማእከል ኣጽዋር ዚኣትዉ ማለት ነቲ ተልእኾኦም ንምፍጻም ብሓባርን ብሓንሳእን ናብ ማእከል እቲ ዕዮ ይኣትዉ፡ እቲ ኣዚዩ ዘገርም ምስጢር ግና ካብኦም ዋላ ሓደ ዚቈስል የለን፡ ኣብ ንሕድሕዶም ግጭት፡ ክርክር፡ ባእሲ ምትህርራም ዚባሃል ነገር የለን ፈጺሙ። ኵሎም እዮም ከም ሓደ ሰብ ኰይኖም ብሓደ እዋን ዚዓዩ ማለት ኣብ ማእከሎም ዋላ ሓደ ተዓዛቢ ወይ ተመልካቲ ብዘይ ምህላው ግናኸ እቲ ዘገርም ነገር ኣይቈስሉን ምኽንያቱ ፡
– ቀዳማይ ንሕድሕዶም ኣይተሃራረሙን ኣይጋጨዉን፡
– ካልኣይ ድማ ብጸላኢ ብፍጹም ኣይህረሙን።
– ኣዚዮም ኣግረሲፍ ዚዀኑ ፍሉያት መጥቃዕቲ እዮም።
– ብጸላኢ ኰነ ብብጻዮም ብፍጹም ኣይጥቅዑን።
8. እዚ ሰራዊት ኣምላኽ እዚ ዓቢይን ሓያልን ሰራዊት እዩ! ስለምንታይ?
ምኽንያቱ?
• ንድምጺ እግዚኣብሄር ዚሰምዕ እዩ!
• ንቃል ኣምላኽ ዚፍጽ እዩ!
መሰረታዊ ረቛሒ፡ ብኸመይ መገድን ስለምንታይን እዩ እዚ ሰራዊት እዚ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዚራኣናዮ ኣዚዩ እተፈልየ ባህሪያት ኪህልዎ ኽኢሉ? ስለምንታይከ ነቲ ኣብቲ ጽሑፍ ዚራኣናዮ ኣዚዩ እተፈልየ ተግባር ኪገብር ኪኢሉ? ነዚ ሰራዊት እዚ ካብ ኵሉ ካልእ ሰራዊት ኣዚዩ እተፈልየ ንኪኸወን ዚገበሮቶ ሓንቲ ኣዚያ ፍልይቲ ረቛሒ ኣላ።
Comment here