“እቶም ኣብ ዘፍጥረት 1፡27 ዘለዉ ሰባት ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥሩ፣ ግና ኸኣ መናፍስቲ ጥራይ ዝዀኑ ሰባት እዮም” ንዝብል ትምህርቲ ሓሶት፡ ካብ ስሩ ዝምሕዋ፣ ካብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 1 ን 2 ን እተወስዳ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዘፍጥረት 1 ን 2 ን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሰብ ድማ ንጹርን ምሉእን ዝዀነ ሰማያዊ ሓቂ ዘጨብጣና ዓሰርተ ክልተ (12) ኣዕኑድ ዝዀና ሓቂታት (the 12 Pillars of the Powerful truths Concerning the man created in God’s image, in Genesis 1 & 2)!
እነሆ!
ብዝበለጸ ንዝዓመቘ ምርዳእን ምዕጣቅን፡ ኣብ ናይ ቀዳምን ሰንበትን፡ ኩሉ ጊዜ ሰዓት 19:00 ብናይ ዓዲ እንግሊዝ (U.K.) ኣቈጻጽራ ፡ ብተኸታታሊ ኣብ እነቅርቦ መሰረታዊ ትምህርቲ መጺኹም ኪትካፈሉ፡ ብዓቢዪ ኣኽብሮት ንዕድመኩም!
I. ኣብ ዘፍጥረት 1፡26 => ኣምላኽ ”ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር” በለ ዝብል ሓሳብን ኣብ ዘፍጥረት 1፡27 ድማ ኣምላኽ ብመልኽዑ ሰብ ፈጠረ ዝብል ሓሳብን ትርጉሙን መልእኽቱን ሓደ እዩ።
II. ኣብ ዘፍጥረት 1፡27 ኣምላኽ ዚፈጠሮም ሰባት ተባዕታይን ኣንስተይትን እዮም=>
ብንጹር ”ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም።” ይብለና ኣሎ። እቶም ኣምላኽ ኣብ ዘፍጥረት 1፡27 ዝፈጠሮም ሰባት፡ ስጋን ነፍስን ዘይብሎም መንፈሳት(መናፍስቲ) ጥራይ እንተ ዝዀኑ ነይሮም፡ እቲ ቃል ”ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም።” ኣይምስ በለን ነይሩ! ስለ ምንታይ? ምኽንያቱ ንመናፍስቲ ጾታ የብሎምን!
III. ኣብ ዘፍጥረት 1፡28 => እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ዝባረኾም ዓይነት በረኸት መንፈሳዊ፣ሰማያውን ዘለኣለማዊ በረኸት ኣይኰነን!ምድራዊ፣ተፈጥሮኣዊ በረኸት እዩ (Earthly, Natural & temporary blessing)=> ”ኣምላኽ ድማ፡ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ስማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዝብል ኩሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ፡ በሎም፡፡”
IV. ኣብ ዘፍጥረት 1፡28 => እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ዝሃቦም ዓይነት ስልጣን ተፈጥሮኣውን ምድራውን ስልጣን፣ ድማ ኣብ ልዕሊ ተፈጥራውን ምድራዊ ነገራትን ዝዀነ ስልጣን ደኣ እምበር ኣብ ልዕሊ መንፈሳዊ ሓይልታት ዝዀነ መንፈሳዊ ስልጣን ኣይኰነን።
V. ነቶም ኣብ ዘፍጥረት 1፡27 ዘለዉ ተፈጥሮኣዊ ሰባት፡ ኣምላኽ ኣብ ዘፍጥረት 1፡29-30 ዘኣዘዘሎም ዓይነት መግቢ ተፈጥሮኣዊ መግቢ እዩ። =>
VI. ኣምላኽ ነቲ ዝገበሮ ዘበለ ኩሉ ማለት => ነቲ ዝፈጠሮ ዘበለ ኩሉ ድሕሪ ምርኣዩ ”ብዙሕ ጽቡቕ ዀነ” ዝብል ኣዋጅ ከም ዝ ኣወጀ!
VII. ዘፍጥረት 1፡31=>ናይ ምፍጣር መወዳእታ ሻድሸይቲ መዓልቲ=>
ኣብ መወዳእታ ዘፍ.1፡31 ከምዚ ይብል፡ ”ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነ፡ ሳድሰይቲ መዓልቲ።”
እዚውን ኣቀዲመ ከም ዝበልኩዎ፡ እቲ ኣብ ዘፍጥረት 2፡7-25 ዘሎ ዝርዝራት ኣፈጣጥራ ሰብ ( ዝርዝር ኣፈጣጥራ እቶም ኣምላኽ ብመልክዑ ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ዝፈጠሮም ሰባት ማለት እዩ) ልክዕ ቅድሚ ዘፍጥረት 1፡31፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ዘፍጥረት 1፡27 እዩ ኪመጽእ ዘለዎ። ምኽንያቱ እዞም ኣብ ዘፍጥረት 2፡7-25 ዘለዉ ተባዕታይን ኣንስተይትን ክልተ ሰባት ኣብ ሻድሻይ መዓልቲ እዮም ተፈጢሮ!
ብሓቂ ዘፍጥረት 1፡27 ድምራዊ ወይ ጽማቚ/Summary/ ናይ ዘፍጥረት 2፡7-25 እዩ! ዘፍጥረት 2፡7-25 ድማ ዝርዝር (Details) ናይ ዘፍጥረት 1፡27 እዩ።
VIII. ናይ ሰብ ኩለንተና (መንፈስ ሰብ፣ነፍሲ ሰብን ስጋ ሰብን) በታ እተፈጥረላ መዓልትን ኣብ ሓንቲ ካልእን/second/ደቒቃ/ ኣብ ዘፍጥረት 2፡7 እዩ ፈሊሙ=> ከምዚ እዩ ዝብል፦ ”እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ፡ ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ ዀነ።”
IX. እቲ መንፈስ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣምላኽ (ዮሃንስ4፡24=> ኣምላኽ መንፈስ እዩ!) ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ካብኡ ፈጺማ ዘይትፍለ ነፍሲ ኣላቶ።
ብሓቂ ከምዞም መማህራን “ምንቅስቃስ ቃል እምነት” ዝብልዎ ግና፡ እዚ ኣብ ዘፍጥረት 1፡27 ዘሎ ሰብ፡ መንፈስ ጥራይ እንተዀይኑሲ ብኸመይ መገዲ እዩ ደኣ እዚ ሰብዚ መልክዕ ኣምላኽ ኪህልዎ ዝኽእል? ምኽንታቱ ኣምላኽ መንፈስ እዩ፡ግና ኸኣ ኩሉ ሳዕን ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለምን ካብኡ ፈጺማ ዘይትፍለን ዘይትንጸልን ነፍሲ ኣሎቶ። ናይዚ ኣብ ዘፍጥረት 1፡27 ዘሎ፡እሞ ኸኣ መንፈስ ጥራይ እዩ ነይሩ ዝብሉና ዘለዉ ሰብ፡ ነፍሲ ግና ኣብ ዘፍጥረት 2፡7 እያ ንመጀመሪያ ጊዜ ናብ ህላዌ (Existence) መጺኣ!
X. እቲ መንፈስ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣምላኽ (ዮሃንስ4፡24=> ”ኣምላኽ መንፈስ እዩ” ይብል!) ካብኡ ፍሉይ (Distinct) ንዝዀነ ካልእ ኣካሉ መልኪቱ፡”መንፈሰይ” እናበለ ደጋጊሙ ይጥቅስ እዩ፡፡ንሱ ከኣ ንመንፈስ ቅዱስ ማለት እዩ። ግናኸ ድማ እዚ ኣምላኽ እዚ ባዕሉ መንፈስ እዩ። ሰብ ግና ከምዚ ዓይነት መንነት የብሉን ፈጺሙ! ዋላዃ ሰብ መንፈስ (መንፈስ ሰብ)ዘለዎ ፍጥረት እንተዀነ፣ ነቲ መንፈሱ (መንፈስ ሰብ) ኣመልኪቱውን ‘’መንፈሰይ’’ እናበለ ኪዛረብ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምሕሮ ምሉእ ሓቂ እንተዀነ፡ ካብቲ መንፈስ ሰብ ናብ እተፈልየ ኣካል ብምምልካት ግና፡ ሰብ”ኣነ መንፈስ እየ!’’ ኪብል ኣይክእልን ፈጺሙ! ምኽንያቱ ንሰብ ከምዚ ዓይነት መንነት የብሉን ፈጺሙ! ንኣምላኽ ግና ከምዚ ዓይነት መንነት ኣለዎ! ምኽንያቱ ኣምላኽ ባዕሉ መንፈስ እዩ! ስለዚ ከኣ ኣምላኽ ብቀጥታ ናብ ገዛእ ርእሱ እናኣመልከት፡ “ኣነ መንፈስ እየ!” ኪብል ይኽእል እዩ! ከምኡ ስለ ዝዀነ!ሰብ ግና ከምዚ ኪብል ኣይክእልን ምኽንያቱ ሰብ ከምኡ ኣይኰነን!ንሰብ መንፈስ (መንፈስ ሰብ) ደኣ ኣለዎ እምበር ሰብ ባዕሉ መንፈስ ኣይኰነን!
ካልእ ካብዚኣ ዘይትፍለ ሓቂ፡ ሰብ ናብቲ መንፈሱ (መንፈስ ሰብ) ኣመልኪቱ “ኣነ መንፈስ እየ!’’ ኪብል ኣይክእልን ፈጺሙ! ምኽንያቱ ሰብ “ኣነ እየ” ዝብሎ መንነቱ፡ ነቲ መንፈስ ሰብ፣ ነፍሲ ሰብን ስጋ ሰብን ምሉእ ውህደት ዝዀነ ፍጥረትነቱ ደኣ እምበር፡ ካብ ሰለስተስ ናብቲ ሓደ ክፍሊ መንነቱ ነጺሉ ብምትዃር ፡”ኣነ መንፈስ እየ፡ ነፍሲ ኣላትኒ ኣብ ስጋ ይነብር” ኪብል ኣይክእልን ፈጺሙ!
ነኣብነት ኣምላኽ ናብቲ መንፈሱ (ናብ መንፈስ ኣምላኽ) ኣመልኪቱ ኣይኰነን “ኣነ መንፈስ እየ!” ኪብል ዝኽእል። ካብቲ መፈሱ (መንፈስ ኣምላኽ) እተፈልየ ኣካል ከም ምዃኑ መጠን (ዘፍጥረት 1፡1፣ ዘፍጥረት1፡2)፡ ኣምላኽ ባዕሉ መንፈስ እዩ( ዮሃንስ4፡24)፡ ናብቲ ካብ መንፈሱ (ካብ መንፈስ ኣምላኽ) ናብ እተፈልየ መንነቱ ነጺሉ ብምምልካት ድማ፡ ኣምላኽ “ኣነ መንፈስ እየ” ክብል ይኽእል እዩ! ልክዕ ከምኡ ዝበለ መንነት ዘለዎ ፍሉይ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ! ሰብ ግና ከምኡ ኣይኰነን ፈጺሙ! ከምኡ ከም ዝዀነ ኪሓስብውን ኣይግበኦን ፈጺሙ! ዘይኰንካዮ ከም ዝዀንካ ምሕሳብ፣ ወይ ድማ ኪትዀኖ ዘይትኽእል ነገር ኪትኰኖ ምድላይ፡ ኣጋንንታዊ ምህሮ ሰለ ዝዀነ!
ብርግጽ ኣምላኽን እቲ ብመልኽዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሰብ፡ ዋላኳ ዝመሳሰልሉ ዝቡሕ ነገር እንተሃለወ፡ ኣብ ኣቃውማ መንነቶም እንተ መጺኻ ግና ፈጺሞም እተፈላለዩ ኣካላት እዮም!
XI. ኣብ ዘፍጥረት 1፡26=> ዘሎ”ሰብ” ዝብል ቃል ብእብራይስጢ ”ኣዳም” እዩ ዝብል።መምህራን “ምንቅስቃስ ቃል እምነት”፡ እዚ ቃል እዚ ንጾታ ኣየመክትን ይብሉ። ሓቂ ወይስ ሓሶት?
እዚ ቃል እዚ እንታይ የመልክት ቀጺልና ብሰፊሕ ኪንምከቶ ኢና።
ዘፍጥረት 1:26-28=> እግዚኣብሄር ኣምላኽ መንፈሳት ጥራይ ዝዀኑ ሰባት ከም ዝፈጠረ እሞ ሰብ ኢሉ ከም ዝጸወዖም ኣይዛረብን ፈጺሙ። ንሕና ነቲ ቃል ሓቂ ኢና ንኣምን!
እግዚኣብሄር ቅድም ኣብ ዘፍጥረት 1፡27 መናፍስቲ ዝዀኑ ሰባት ከም ዝፈጠረ እሞ ደሓር ድማ ኣብ ዘፍጥረት ክልተ ድማ ስጋ ኣዳልዩ፡ ነቶም መንፈሳት ዝዀኑ ሰባት ናብ ስጋ ከም ዘእተዎም ዝብል ትምህርቲ ምንጩ መን ምዃኑን ዕላማኡን ዘይንፈልጥ ድንዙዛት ኪንከውን ኣይግባኣናን።
ኣብቶም ዝሓለፉ፡ ናይ ትምህርቲ ክፍለ ጊዜ ብንጹር ከም ዝገለጽኩዎ ግና፡ እዞም ዘመናውያን መማህራን፡ብፍላይ ከኣ ”ምንቅስቃስ ቃል እምነት”/Word Faith Movement/ ኢና በሃልቲ፡ እቶም ኣምላኽ ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 1፡26-27 ዝፈጠሮም ሰባት መናፍስቲ እዮም ይብሉ። ኣምላኽ መናፍስቲ ጥራይ ዝዀኑ ሰባት ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ ሓደ ድሕሪ ምፍጣሩ፡ ነዞ መናፍስቲ እዚኣቶም ኣብ ዘፍጥረት 2፡7 መሕደሪኦም ዝዀውን ስጋ ኣዳልዩ ፡ ናብቲ ስጋ ኣእትይዎም ይብሉ።
ብፍላይ ማይልስ ሙንሮ(Myles Munroe) ዝተባህለ ሓደ ፍሉጥ መምህር ካብዚ ምንቅስቃስ እዚ፡ ”Rediscovering the Kingdom” ኣብ ዝብል መጽሓፉ፡ ኣብ ዘፍጥረት 1:26-27 ንዘሎ ሰብ ኣመልኪቱ ከምዚ ዝስዕብ ይብል።
”ኣምላኽ ሰብ ፈጢሩ። እዚ ኣብዚ ሰብ ዝብል ዘሎ ቃል ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ እዚ ከም ንተባዕታይ ንጾታታት ኣይኰነን ዘመልክት፡ እንታይደኣ፡ ነቶም ካብ መንፈሱ ዝመጹ ዓይነት መናፍስቲ /species of spirits/መናፍስቲ ንዝዀኑ ሰባት/ በቲ ፈጣሪ እተዋህበ ስም እዩ። በቲ እንታይነት መጺኻ፡ ሰብ ዝብል ናይ ብዙሕ ቁጽሪ እዩ፡ እዚ ከኣ እቲ ነቲ መናፍስቲ ዓይነት/spirits species/ እተዋህበ ስም እዩ።ካልእ ኣብዚ ከነስተውዕሎ ዘሎና ኣገዳሲ ነገር፡ መናፍስቲ ጾታ ከም ዘይብሎም እዩ።ስለዚ ከኣ ሰብ ተባዕታይ ኣይኰነ ወይ ኣንስተይቲ ኣይኰነ፡ እንታይደኣ ጽሩይ መንፈስ/pure spirit/ እዩ።”
XII. እዞም ዘመናውያን መማህራን እታ ኣብ ዘፍጥረት 1፡27 ተጠቂሳ ዘላ ”ባራ”/BARA”/ እትብል ናይ እብራይስጢ ቃል፡ ካብ ዘየለ ናብ ምህላው ንዝግበር ምፍጣር እያ እተመልክት፣ እቲ ”ንግበር”/ኣሳ”/፣ ”ገብሮ”/ያትሳር”/ ዝብል ግና ካብ ድሮ እተፈጥረ ነገር ምግባር እዩ ዘመልክት ብምባል ከመናፍሱዎን ኪመቃቅልዎን ይፍትኑ። እዚ ግና ሓቂ ኣይኰነን ፈጺሙ። ነቲ ኣብቲ ቃሉ ብንጹር ተገሊጹ ዘሎ ምሉእ ሓቂ ኪትፈልጡ ትደልዩ? ሃየ፡ ምጹ እሞ ተመሃሩ!
Comment here