InterviewTranslation

ራእይ ንዘይኰኑ ራእይ ምባል ምንጩ ኣምላኽ ዘይኰነስ እቲ መሰረታዊ ጠንቁን ምንጩን ዓመጽ ወይ ድንቊርና እዩ (መቀጸልታ III)

“እቲ መሰረታዊ ጠንቊን ምንጩን ዓመጽ ድዩ ወይስ ድንቊርና ብዘየገድስ እቲ ነታ ናይ ሰማይ እንኮ ራእይ ቀንዲ ዕንቅፋትን ኣውራ ተጻራሪን መደናገሪን ዚዀነ ነገር፡ ራእይ ንዘይኰነ ራእይ ኢልካ ምጽዋዕን ምስዓብን እዩ። ብመን? በቲ ድሑን ህዝቢ ኣምላኽ!

1. መብዛሕትኦም(ብዘይ ምግናን 90%) ነቲ ዚኣምንዎ ዶክትሪንንቅዋምን ኣርቂቆም እዮም ራእይ ዘብልዎ

2. ካልኦት ንጹር ንዘይኰነ ነገር ራእይ ኢሎም ይጽውዕዎ። ኣብነት ንምጠቃስ፡ ራእይ ናትካ/ናትኩም እንታይ እዩ ንዝብል ሕቶ ዚህቡኻ መልሲ፦
• “ራእይ ናተይ/ናትና ንኣምላኽ ምኽባር እዩ”
– “ንኣምላኽ ከም ዘኽበርካዮ ከመይ ገርካ ትፈልጥ?”
– “ኣበ ልበይ ሰላም ይስማዓኒ”

– እዚ ሃይማኖአዊ ዕርዲ ጥራይ ኢኻ ክትብሎ እትኽእል።
• ካልኦት ድማ “ራእይ ናተይ ንዓለም ምብጻሕ እዩ” ይብሉ።
– እዚ ዓይነት ራእይ እዚ ንጹር ኣይኰነን
• ራእይ ኣዚዩ ንጹር፣ ዚጭበጥ፣ ዚብጻሕ፣ ኪኸውን ኣለዎ።
• ካልኦት ድማ ” ኩሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ” ዚብል ቃል ይጠቅሱልካ።
– ቀዳማይ ነገር ነቲ ጽሑፍ በቲ ዓውደንባቡ መሰረት ንመርምሮ ጳውሎስ አንታይ ማለቱ ምዃኑ ብትኽክል ንምፍላጥ(1ይ ቈረ.10፡30)
– ካልኣይ ኣምላኽ ብዝዀነ ብስመ “ንኽብሪ ኣምላኽ ተባሂሉ ዚቀረበ ነገር ዚኸብር ኣምላኽ ኣይኰነን ፈጺሙ።
– በቶም ነቲ ፍጹም ፍቓዱ ፈሊጦም ዚገብሩ ጥራይ እዩ ዚኸብር።
– ማቴ7፡21፣ ዘፍ4. ናብ ቃኤልን መስዋእቱን ባህ ኢልዎ ኣይጠመተን
– ስለ ምንታይ ኣምላኽ ንሳኦል ካብ ስልጣኑ ስዕርዎ? ስለምንታይከ ንዳዊት ቀቢኡ? 1ይ ሳሙ 15ን 16 ምስ ግብ.13፡21-22 ኣንብብ

3. ካልኦትን ኣዚዮም ዚበዝሕን ድማ ራእይኦም እቲ ካብ ኣምላኽ እተቀበልዎ ውበታቶምን ጽዋዓኦመን ስለ ዚዀነ። እዚ ኸኣ ሓደ ርእሱ ዚኸ ኣለ ዓቢዪ ጠንቂ እዩ።
• እቲ ሓደ ናተይ ራእይ ምዝማር እዩ
• እቲ ሓደ ናተይ ራእይ ምጽላዪን ብጸሎት ምውጋእን
• እቲ ሓደ ናተይ ራእይ ምምሃር እዩ?
• እቲ ሓደ ራእይኡ ሃዋሪያነቱ እዩ
• እቲ ሓደ ራእይኡ ነቢይነቱ እዩ፡
• እቲ ሓደ ራእየይ ምፍዋስን ምንጋፍን እዩ

4. ብሓቂዶ እዚ በገዛእ ርእሱ ራእይ እዩ?
• እሞ ብሓቂ እዚ ኹሉን ካልእ ዘይጠቀስኩዎ ዓይነት ውህበታትን ዓይነት ጽዋዓን ራእይ እንተዳአ ዀይኑ ኣብዚ ኣድማስ እዚ እነኮ ጥራይ ዘይኰነትስ እተፈላለየን ኣዚዩ ብዙሕን ራእይታት ኣሎ ማለት እኮ እዩ።
• ብዙሕ ራእይ እንተሎ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ምምቅቃልን ምፍልላይ ኪህሉ ምኽኑይ ኪኸውን እዩ?

5. ኩቡር ስምዓኒ!
• ዳዊት ይዝምር ነይሩ ምዝማር ግና ናይ ዳዊት ራእይ ኣይነበረን
• ዳዊት ይጽሊ ነይሩ ምጽላይ ግና ናይ ዳዊት ራእይ ኣይነበረን
• ዳዊት ነቢይን ይንበን ነይወሩ ናይ ዳዊት ራእይ ግና ነቢይነት ኣይነበረን።
• ዳዊት ንጉስ ነይሩ ናይ ዳዊት ንግስነት ግና ናይ ዳዊት ራእይ ኣይነበረን(ንዳዊት ካብ ሳኦል እተፈልየ ዚገበሮ ኸ ኣ እዚ እዩ።)

6. ነዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ መንፈሳዊ ተግባራትን መንፈሳዊ ውህብታትን ተጠቂምካ ክትሃርሞ ዘሎካ ንጹር ሽቶ፡ ኪትፍጽሞ ዘሎካ ንጹር ራእይ ኪህልወካ ይግባእ። እንተ ዘይኰነ እቲ ዅሉ ንጥፈታትካን ውህበታትካን ናብቲ ናይ መወዳእታ ደስቲኒ ዘይበጽሐ ከንቱ ድኻም ጥራይ ኰይኑ እዩ ዚተርፍ።ስለምንታይ?

• ምኽንያቱ እዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ኵሉ እተፈላለየ ውህበታት ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር ንሱ ብገዛእ-ርእሱ እታ ሰማያዊ ራእይ ኣምላኽ ኣይኰነን ፈጺሙ፡፡
• ውህበት ኣምላኽ ክህልወካ ሓደ ነገር እዩ እቲ ሰማያዊ ራእይ ድማ ካልእ ነገር እዩ፡፡ ውህበት ኣምላኽ ኣዚዩ ብዙሕን እተፈላለየን እዩ እታ ሰማያዊ ራእይ ግና እንኮ ጥራይ እያ፡፡ ( ሮሜ 12፡1-21፤1ይ ቘረ12-14 ብምልኡ፤ኤፌ4፡1-16)

 እምባኣር እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ነጊሱ ዘሎ መሰረታዊ ስሕተትን ቀንዲ ጠንቂታት እታ ሰማያዊ ራእይን እዚን ነዚ ዚመስል ኩሉን እዩ። 

እቲ ቀንዲ ጠንቂ እዚ ኣብ መንጎ ህዘቢ ኣምላኽ ዘሎ ዓይነቱ ኪግለጽ ዘይከኣል ጽልኢን ምፍልላይ እዞም ኣብ ላዕሊ ዚራኣናዮም እፈላለዩ ጠንቂታት እታ ሰማያዊ ራእይን ካልእ ንእኡ ዚመስሉ ነገራትን እዮም።

 ከም ሓቂ ግና ሎሚ ናብቲ ህሉው ኩነታት ህዝቢ ኣምላኽ ምልስ ኢልና እንተ ንምልከት እሞ ትኽክለኛ ገምጋም እንተ ንገብር ፡ ኩሉ ልምምድናን እዚ ዘልናዮ ህሉው ኩነታትን ብዘይ ገለ ምግባዝ እንተ ዚግምገም ብሓቂዶ ምንቅስቃስ ህዝቢ ኣምላኽሲ ነቲ ፍሉይ ምንቅስቃስ እቲ ኣብ ላዕሊ ኣብ ዮኤል ምዕራፍ ክልተ ዚራኣናዮ ፍሉይ ሰራዊት ኣምላኽ ይመስሎ እዩ?ብዛዕባ እዚ ዘለናዮ ህሉው ኩነታት ክርስትና ኪንዛረብ እንተ ዀይኑ፡ ኣፍ ልብኻ ገቲርካ እትፍክረሉ ዘይኰነስ ኣዚዩ ዘሕፍርን ኣዚዩ ዘሕዝንን እዩ።ዓይነቱ እዚ ኢልካ ኪቁጸር ኣዚዩ ዘሸግር ብዙሕ ዚዓይነቱ ምፍልላይ ኣብ ዚነገሰሉ መድረኽ ደይኰናን ዘለና!?

• ብናይ ቛንቛ ፍልልይ ዚመጸ ምፍልላይ
• ብናይ ሃገር ፍልልይ ዚመጸ ምፍልላይ
• ብናይ ዶክትሪን ፍልልይ ዚመጸ ምፍልላይ
• ብናይ ባህሊ ፍልል ዚመጸ ምፍልላይ
• ብእተፈላለየ ናይ ደኖሚኔሽን ኣስማት ዚመጸ ምፍልላይ

I. ጠንቂ ናይዚ ኹሉ ምፍልላይ እዚ እንታይ እዩ?
1. ነታ መለኮታዊ ራእይ ብትኽክል ዘይ ምርኣይ! => ድንቊርና

2. ዓመጽን ዘይምእዛዝን

J. ነዚ ኣብ ላዕሊ ዚራኣናዮ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ነጊሱ ዘሎ ኣሉታዊ ነገራት መጽሓፍ ቕዱስ “ስድነት” ወይ “ስዲ ምኻድ” ኢሉ ይጽውዖ!

1. “ራእይ ዜልቦ እንተ ዀነ ህዝቢ ስዲ ይኸይድ ሕጊ ዚሕሉ ግና ብጹእ እዩ።” “

2. Where there is no vision, the people perish: but he that keepeth the law, happy is he.” 

 ካብዛ ጥቅሲ እዚኣ ማለት ምሳሌ 29፡18 ጥራይ ኪንማሃን ዘሎና ሓሙሽተ ኣዚየን ኣገደስቲ ነጥብታት ኣለዋ!

1. ምግላጽ-ኣልቦነት
2. ራእይ-ኣልቦነት
3. ስድነት
4. ሕጊ-ኣልቦነት
5. ብጽእና-ኣልቦነት!

ምግላጽ-ኣልቦነት=> ኣብ እፌ.3፡1-6 ጳውሎስ ምግላጽ እታ ምስጢር ከም ዚረኸበ ይገልጽ።
ኣብ ግብ 26፡19 ድማ ነታ ብምግላጽ ዚረኸባ ምስጢር “ሰማያዊ ራእይ” ኢሉ ይጽዋዓ!
ጳውሎስ ነዛ ሰማያዊ ራእይ ቅድሚ ምቅባሉ እንታይ ዓይነት ሃይማኖታዊ፣መንፈሳዊ፣ ኣምላኻዊ ቅንኣት ነይረዎ ብዘየገድስ ንሱ ራእይ-ኣልቦ እዩ ነይሩ።ስለምንታይ? ምኽንያቱ ሰማያዊ ምግላጽ ኣይረኸበን ነይሩ።መለኮታዊ ምግላጽ ዘይተቀበለ ሰብ ኣብ ናይ ራእይ-ኣልቦነት ዓለም እዩ ዚነብር!በዘየገድስት እቲሰብ ዋላ ነቢዪ ይኹን ወይስ ሃዋሪያ!ውይስ ንጉስ!
ራእይ-ኣልቦነት=> እንታይ እዩ? ስድነት!

መግለጺ ስድነት

= Without vision The people cast off restraint
=Without vision people run wild,
= Without vision people are uncontrolled
= Without vision The people don’t control themselves.
=Without a Vision is a people made naked.
ብተወሳኪ ነዛ እትስዕብ ትርጉም ነስተውዕለላ።
“If people can’t see what God is doing, they stumble all over themselves; But when they attend to what he reveals, they are most blessed.”

መጀመርታ “they stumble all over themselves” እንታይ ማለት ምዃና ንምስትውዓልንትንቢት ናሆም 2፡5 ነንብባ።ከምዚ ትብል ኣብ እንግልዝኛ “He remembers his best fighting men. They stumble over themselves as they march. They hurry to Nineveh’s wall. The shield has been set up for the battering ram.( GOD’S WORD® Translation (©1995)(ናሁም 2፡5)

ኣብዚ ጥቅሲዚ ድማ እታ ይዕንቀፉ እትብል ቃል ተደጊማ ኣላ። ኣበይ ይዕንቀፉ?
ኪምርሹ ከለዉ! ናብቲ ውግእ ኪቅልጥፉ ከለዉ ይዕንቀፉ!
ብምንታይ ይዕንቀፉን ይሰናኸሉን?
ብገዛእ ርእሶምን እቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደን!
የሮብዓም ወዲ ናባጥ ዚገበሮ ሓጢኣት እቶም ድሕሪኡ ዚመጹ ነገስታት ዳርጋ ኹሎም እናተዓንቀፉ ኣብታ ሓንቲ ዓይነት ሓጢኣት ወዲቆም።
የሁ እቲ ንቤት ኣካኣብ ከምቲ ኣብ ልቢ ኣምላኽ ዚነበረ ዅሉ ዚገበረ ከይተረፈ ኣብቲ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ ሰጊዱ!(2ይ ነገ. 10፡28-31 ኣንብብ)
እቲ መለኮታዊን ሰማያውን ንስኻ ባዕልኻ እተውጽኦ ሃቀና ልብኻን መደባት ርእስኻን ኣይኰነን ፈጺሙ።
(Without the vision from heaven Leadership accomplishes nothing. Without the Vision, the people of God perish, the people of God wander aimleswsly, the people of God dwell carelessly.)

ህንጡይነት(Ambition)፡

ኣብ መንጐ ህንጡይነትን (Ambition) ኣብ መንጐ ሰማያዊ ራእይን (Vision) ናይ ሰማይን ናይ ምድርን ዚዀን ርሕቀት ኣሎ፡፡ ትኽክለኛ ራእይ ብቀጥታ ካብ ኣምላኽ ዚመጽእ ኪኸውን ከሎ ህንጡይነት ግና ምድራዊ ስጋዊን ሰይጣናውን እዩ። (ያእቆብ3፡14-4፡10)።
ህንጡይነት ሰብ ካብ ሰነ-ሓሳባዊ ክፍሊ መንነቱ ዘመንጪዎ ሓያል ደፋኢ ድሌት እዩ። እቲ መለኮታዊ ራእይ ብቀጥታ ካብ አምላኽ ዚመጸ፣ ኣብቲ ካብቲ ሸውዓተ ጊዜ ኣብ እቶን ዚጸረየን እተዀዐን ብሩር ኣዚዩ ዚበልጽ ቃል ኣምላኽ ብግልጺ እተገልጸ፣ብሓይሊን ብምርዳእ መንፈስ ቅዱስ ድማ ኣብ መንፈስ ሰብ ዚውለድ ኪኸውን ከሎ ህንጡይነት ግና ካብ ናይ ሰብ ነፍሲ እዩ ዚምንጩ።

ማንም ሰብ ንርእሱ መለኮታዊ ራእይ ኪህብ ኣይክእልን፡፡ ኵሉ ሓቀኛ ራእይ ካብ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ዚመጽእ፡፡
እምባኣር ኣብ መንጎ ራእይን ህንጡይነትን ዘሎ ዓቢ ጋግን ፍልልይን ምርኣይ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ፡፡
• ራእይ ካብ ኣምላኽ ዚወሃብ እዩ ፡
• ህንጡይነት(Ambition) ግና ሰብ ብትምኒት ገዛእ-ርእሱ ዚፈጥሮ ነገር (ሰው-ሰራሽ) እዩ፡፡
• ምንጪ ሓቀኛ ራእይ (መበቆል እታ ሰማያዊ ራእይ) ካብ ላዕሊ እዩ፡ ህንጥይነት ግና መበቆሉ ካብ ታሕቲ እዩ፡፡
• ህንጡይነት “ኣነ ፡ ንዓይ ፡ናተይ፡ ካባይ፡ ባዕለይ…ወዘተ…” ኣብ ዝብል ዓንኬል እዩ ዚዘውር፡፡(ኣብ ትንቢት ኢሳ14፡12-20 ንዘለዉ ሓሙሽተ ናይ ሰይጣን “ኣነ ኪገብር፡ኣነ ኪከውን…\The Five I Wills of Satan\” ተመልከት)።
• ካብ ካልኦት ዚበለጸ ኪትኰውን ምድላይ፡ ካብ ካልኦት እተፈልየ ክትኰውን ምድላይ ወዘተ፡፡
• መብዛሕትኡ ጊዜ ህንጡይነት ካብ ቅንኢ፡ ድሌት ስልጣንን ርእሰ-ተፈላጥነትን እዩ ዚምንጩ፡፡ እዚ ከኣ ኣዚዩ ሓደገኛ ሳዕቤን ኣለዎ፡፡ብህንጡይነቶም ዚኹብኰቡ ሰባት ከተማታት፡ ህዝቢታትን ወሎዶታትን ኪቀትሉን ኬጥፍኡን ይኽእሉ እዮም፡፡ መወዳእትኦም ግና ግብ ዚበለ ጸልማት እዩ፡፡
• ኣብ ዓለም ካብ እተፈጸሙ ታሪኽ ፡ከም ኣብነት ሂትለር ተመልከት፡፡ ብናይ ገዛእ-ርእሱ ህንጡይነት ተዀብኲቡ ንኽንደይ ሚሊዮን ኣይሁዳውያን ከም ዜጥፍኤ ታሪኽ ምስክር እዩ፡፡
• ብዙሕ ሃይማኖታዊ ኣይትኹን! “ኣነ ዶሞ ሂትለር እየ? ኣነ ክርስትያን እየ፡ ኣነ ውሉድ ኣምላኽ እየ፡ ወዲ ንጉስ እየዶ ትብል ኣሎኻ?”
• ህንጡነት እዚ ክርስትያን እዩ ፡እዚ ወዲ ንጉስ እዩ ኢሉ ከም ዘይሓልፈካ ኣርጊጽካ ፍለጥ፡፡ ኣብዚ ንሂትለር ዚጠቀስና ኣዕናዊነት ናይ ህንጡይነት ኣዚዩ ግልጺ ንምግባር እዩ፡፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዚባሃል ፍጥረት ርእሱ ኪምርምር ይግባእ፡፡ ኣቤሴሎም ግዲ ወዲ መን እዩ? ወዲ ንጉስ ዳዊት! እሞ ወዲ ንጉስ ስለ ዝኰነስ ካብ ህንጡይነትዶ ኣምለጠ? (2ይ ሳሙ14፡21-18፡33 ተመልከት)፡፡

” ኣብ ብዘሎ እስራኤል ድማ ከም ኣቤሴሎም ገይሩ ውቃቤኡ ኣዚዩ እተናእደ ሰብ ኣይነበረን፡ ካብ ከብዲ እግሩ ኽሳዕ መንበስበስታ ርእሱ ገለ እንታ ኣይነበሮን፡፡…” (2ይ ሳሙ14፡25)፡፡ እዚ ሰብ እዚ ግና ተራእዩ ብቅጽበት ተቀንጺሉ ጠፊኡ፡፡ ስለምንታይ?

ብምኽንያት እቲ ኣብ ልቡ ዚተንሰኤ ክፉእ-ህንጡይነት!ኣቤሴሎም ነቲ ምንጩ-ማለት ኣቡኡ ኣጥፊኡስ ኣብ ንግስነት ንምቅማጥ ብኸመይ ዝበለ ህንጡይነትን ክፍኣትን ልቡ ከም ዚመልኤ ተመልከት፡፡
ኣቤሴሎም መልክዑን ክፉእ ህንጡይነቱን ተጠቂሙ ከመይ ጌሩ ልቢ ኵሉ እስራኤል
ከም ዚሰረቀ 2ይ ሳሙ15፡1-6 ተምልከት፡፡እግዚኣብሄርሲ ነዚ መንእሰይዚ ዚኸውን
ስፍራን መደብን ዘይነበሮዶ ይመስለና? ነይሩዎ እምበር ፡፡ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ፍጥረቱ ፍሉይ ምኽሪ ፍሉይ ዓላማ ኣለዎ፡፡

እግዚኣቢሄርሲ ነዚ ሕጂ ዘሎ ሰይጣን፡ ሰይጣን ንኪኸውን ዚፈጠሮዶ ይመስለና? ነዚ መልኣኽ ጸልማትእዚ ዚዀውን ክቡር ስፍራዶኸ ዘይነበሮ ይመስለና? ዘገርም ዕላማን ዘደንቕ ናይ ክብሪ ስፍራን እምበር ነይሩዎ!
መጽሓፍ ቕዱስ ብዛዕባ እቲ ቅድሚ ምውዳቁ ዚነበሮ ክቡር መንነትን ስፍራን ኪዛረብ ከሎ ከምዚ ይብል፡ “…ንስኻ ጥበብ ዝመልኣካ ፍጹም ዝመልክዕካ ብሉጽ ማሕተም ነበርካ፡፡ ንስኻ ኣብ ኤደን ገነት እግዚኣብሄር ነበርካ፡፡ በብዝዓይነቱ ክቡር እምኒ ሰርድዮስ፡ ቶጳዝዮን ከልቄዶን ክሪሶሊት ሰርዶንክስ ያስጲስ ሰፊሮስ ክሪሶጵራስ ስመግራዶስን ወርቅን ተኸዲንካ ነበርካ፡፡እቲ ኸበሮኻን ዕንዱርካን ምሳኻ ነበረ በታ እተፈጠርካላ መዓልቲ ተዳለወ፡፡ንስኻ ዜጽልል ቅቡእ ኪሩብ ነበርካ፡ ኣነ ኣብቲ ቅዱስ ከረን ኣምላኽ ኣስፈርኩኻ፡ ኣብ ማእከል እቲ ኣእማን ሓዊ ተመላለስካ፡፡ ካብታ እተፈጠርካላ መዓልቲ ጀሚርካ ኽሳዕ እቲ ኣበሳ እተረኽበካ ጊዜ ብመገድኻ ፍጹም ነበርካ፡፡…” ተመልከት!

እምባኣር እግዚኣብሄር ነዚ ብሰሪ ክፉእ ትምኒቱ ዚሰይጠነ መልኣኽ ዝነበሮ ምኽርን ዓላማን ከመይ ኣዚዩ ዘገርም ምንባሩ ካብዚ ክፍሊ ንባብዚ ተመልከት፡፡ ንሰይጣን ግና ብምኽንያት እቲ ክፉ ህንጡይነቱ እንታይ ኣጋጢምዎ? ኣዚዩ፡ ኣዚዩ ዘሕዝን ዘለኣለማዊ ጸልማትን መዓሙቕን፡፡

“…ብብዝሒ ነግድኻ ውሽጥኻ ብዓመጻ መልኤ እሞ ሓጢኣት ገበርካ፡፡ስለዚ ኣታ እተጽልል ኪሩብ ካብቲ ኸረን ኣምላኽ ከም ርኹስ ደርቤኹኻ ካብ ማእከል እቲ ኣእማን ሓዊ ከኣ ኣጥፋእኩኻ፡፡ ብምኽንያት መልኽዕካ ልብኻ ተዓበየ፡ ብክብረትካ ድማ ጥበብካ ኣበላሾኻ፡፡ ኣብ ምድሪ ጻሕ ኣበልኩኻ ኪርእዩኻስ ኣብ ቅድሚ ነገስታት ወፌኹኻ፡፡…”(ህዝ 28፡12-17)
እምባኣር ንመልከትን ንፍራህን ንርዓድን እሞ ነፍሲ ወከፍና ርእስና ንመርምር፡፡ እዚ መልኣኽዚ ሉሲፌር ተባሂሉ እዩ ይጽዋዕ ነይሩ-ትርጉሙ ከኣ ዜብርህ ማለት እዩ፡፡ ኣዚዩ ፍሉይ መልክዕን ኣዚዩ ፉሉይ ስፍራን እዩ ነይሩዎ ኣብ ኣምላኽ ፡ ይኹን እምበር እንታይ ኣጋጥምዎ? በቲ ዚነበሮ ፍሉይ ጽባቄን ናብ ኣምላኽ ኣዚዩ ዚቀረበ ስፍራ-ዝምድናስ ካብ ህንጡይነትዶ ኬምልጥ ኣይከኣለን? ኣይፋሉ!
• ምንጪ ህንጡይነት (Ambition) ስሰዐ እዩ፡፡ ስሰዐ መበቆል ኵሉ ሓጢኣት፡ ምንጪ ኵሉ ሓጢኣት፡ መሰረት ኵሉ ሓጢኣት እዩ፡፡

• መበቆል ስሰዐኸ (Selfishness) እንታይ እዩ? (ህዝ28፡11-19, ኢሳ 14፡12-20)

• ፍጹምነትካ ፡መልክዕኻ ፡ ጽባቄኻ ፡ካብ ኣምላኽ እተቀበልካዮ ኵሉ ውህበታትን ጽቡቕ ነገራትን፡ ንኣምላኽ ዘሎካ ተወፋይነትን ኣገልግሎትን ወዘተ…ቀንዲ መበቆል ስሰዐ ኪኸውን ይኽእል እዩ እንተዳኣ ዘይተጠንቂቅካ፡፡

• ከመይ ገይርና ንፈልጥ?

• ንልሱፌር ተመልከት፡ካብቲ ዝነበሮ ፍሉይ መልክዕን ፍሉይ ጽባቄን፡ብኹሉ መገዱ ዝነበሮ ፍጹምነት፡ንኣምላኽ ዝነበሮ ፍሉይ ውዳሴን ኣምልኾን ኣገልግሎትን፡ ኣብቲ ቅዱስ ከረን ኣምላኽ ዝነበሮ ፍሉይ ናይ ክብሪ ስፍራ ወዘተ… እተላዕለ የዕንቲ ብዙሓት መላእኽቲ ናብኡ ኬተኵራ ጀሚረን፡፡ ስለዚ ከኣ ንሱ ብዕሽነት” ኣነ፡ ናተይ፡ ንዓይ ወዘተ…” ኪብል ጀሚሩ፡፡(ኢሳ 14፡12-20)
እምባኣር ኣስተውዕል ክቡር ኣንባቢ፡ እንታይ ዓይነት ጽባቄ ኣሎካ ብዘየገድስ፡ እንታይ ዓይነት ፍሉይ ውህበት ኣሎካ ብዘየገድስ፡ እንታይ ዓይነት ክእለት፡ፍልጠት፡ ልምምድ ፡ክቡር ስፍራ ወዘተ ኣሎካ ብዘየገድስ ከይትወድቅ ተጠንቀቅ!

“ስለዚ እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ ከይወድቕ ይጠንቀቕ፡፡ (1ይ ቈረ10፡12)
1. ፍሉይ ጽባቄን መልክዕን፣ ፍሉይ ውህበት፣ ፍሉይ ክእለት እተዋህበካ እንኮ ምኽንያት እኮ ንገዛእ-ርእስኻ ኣይኰነን ፈጺሙ፡፡ ኣይትተዓሾ!
2. ፍሉይ ጽባቄን መልክዕ፣ ፍሉይ ውህበትን ፍሉይ ክእለትን እተዋህበካ እንኮ ምኽንያት ንገዛእ-ርእስኻ ዘይኰነስ ንካልእ ምኽያት እዩ፡፡
3. እታ እንኮ ዕላማ ኵሉ ፍሉይ ጽባቄኻን መልክዕን፣ ፍሉይ ውህበትካ፣ ፍሉይ ክእለትካ፣ ወዘተ ንርእስኻ ዘይኰነስ ንኽብሪ እቲ እንኮ በይኑ ዘለኣለማዊ ኣምላኽን ንምፍጻም እታ ዘይትልወጥ ዘለኣለማዊ ምኽሪ ኣምላኽን ጥራይ እዩ፡፡
4. መበቆል ኵሉ ጽባቄኻ፣ ፍሉይ መልክዕኻ፣ ፍሉይ ውህበትካ፣ ፍሉይ ክእለትካ፡ ንስኻ ገዛእ-ርእስኻ ኣይኰንካን ፈጺምካ፡፡
5. ዕላማን ሽቶ ኵሉ ጽባቄኻ፣ ፍሉይ መልክዕኻ፣ ፍሉይ ውህበትካ፣ ፍሉይ ክእለትካ ድማ፡ ንስኻ ገዛእ-ርእስኻ ኣይኰንካን ፈጺምካ፡፡
6. ምንጪ እቲ ኣባኻ ዘሎ ኣዎንታዊ ነገራት ኵሉ ማለት ኵሉ ጽባቄኻ ፣ ፍሉይ መልክዕኻ፣ ፍሉይ ውህበትካ፣ ፍሉይ ክእለትካ፡ ወዘተ…ኣምላኽ ጥራይ እዩ፡፡
7. ሽቶ ኵሉ ጽባቄኻ፣ ፍሉይ መልክዕኻ፣ ፍሉይ ውህበትካ፣ ፍሉይ ክእለትካ፡ ድማ ኣምላኽን ዕላማኡን ጥራይ እዩ፡፡
8. እታ የዕንትኻ ካብ ኣምላኽን ዕላማኡን ኣልዕልካስ ናብ ገዛእ ርእስኻ እትጥምተላ ሰኬንድ ፡ ንሳ እታ ኣብ ህይወትካ ኣዚያ እተረግመት ሰኬንድ እያ፡፡
9. ናብ ርእስኻ ምጥማት ውጽእቱ፡ ክልተ ተቃረንቲ ዚመስሉ ግናኸ መወዳእታኦም ሓደን ግብ ዝበለ ጸልማትን ዝዀኑ ነገራት እዩ፡ ንሱ ኸኣ ፦
• እቲ ቀዳማይ ፡ ትዕቢት ወይ ከኣ ሕድረ-ልዕልና (Pride Or Superiority-Complex) እዩ፡
• እቲ ካልኣይ ድማ ስምዒተ-ትሑት ወይ ከኣ እተገልበጠ ትዕቢት( Inferiority-Complex)፡፡
• እዚ እዩ ንጕያ ብዙሓት ቀንጽልዎን ቘሪጽዎን፡፡
• ካብዚ ህደም! ህደም!ንህደም ክቡር ሰዓሪ!!!!!!
10. ብሕድረ-ልዕልና ወይ ከኣ ብስምዒተ-ትሑት ተጠሊፍካ ንኼይቲ ቅንጸል እንኮ መፍቲሒ ኣላታ፡ ንሳ ከኣ ኵሉ ሳዕ እዚ ማለት 24ን ሰዓት፡ምሉእ ሰሙን፡ 365 መዓልቲ ፡ ብዘይ ዋላ ሓደ ምቍራጽ ፡ ናብ ክርስቶስ ጥራይ ምጥማትን ነታ እንኮ ዘለኣለማዊት ምኽሩ ጥራይ ምንባርን እያ!

“ናብኡ ዚጥምቱ የንጸባርቑ ገጾምውን ከቶ ኣይሓፍርን፡፡” (መዝ 34፡5)

“ናብቲ ሕፍረት ንዒቑ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዓገሰን ኣብ የማን ኣምላኽ እተቀመጠን ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን ንጠምት፡፡” (እብ12፡2)

M. ቅንኣት ብዘይ ፍልጠት ሓደገኛን መዕነውን እዩ

ምናልባት ካልእ ሰብውን “ቅንኣትን (Zeal) ስሰዐን (Selfishness) ሓደ ኣይኰነን፡፡ ስለዚ ከኣ ኣነ ስሰዐ ዘይኰነስ ቅንኣት ኣሎኒ፡ቅንኣተይ ድማ ንኣምላኽን መጽሓፍ ቅዱሳውን እዩ፡፡ ስለዚ ጻዕረይ፡ ድኻመይ ጕያይ፡ሽቶይ ራእየይ ወዘተ ንኣምላኽ ክሳዕ ዚዀነ እዋን ምንም ሓደጋን ጌጋን የብሉን፡፡” ትብል ትዀውን፡፡

እምባኣር ተመልከት!
1. መጀመርታ፡ ዝዀነ ዓይነት ቅንኣት፡ ንኣምላኽ ኰነ ወይስ ናይ ስጋ ትምክሕቲ ይሃልኻ ብዘየገድስ ነቲ ጳውሎስ ቅድሚ ምልዋጡ ዝነብሮ ቅንኣትን ትምክሕትን ከም ዘይመዓራረዮ ተረዳእ፡፡(ፊሊጲ3፡3-6)
2. ካልኣይ ፡ ንኣምላኽ እንቀንኦ ቅንኣት ኵሉን ንኣምላኽ ቀኒእና እንገብሮ ተግባር ኵሉን፡ ቅዱስን ቅኑዕን እዩ ማለት ኣይኰነን ፈጺሙ፡፡ኣይምሰልካ!
• ካብ ጳውሎስ ግዳ ተምሃር።
• ንኣምላኽ ብዝነበሮ ቅንኣት መወዳድርቲ ኣይነበሮን፡፡ ይኹን እምበር በታ ቅንዕቲ እትመስሎ ዝነበረት ቅንኣት ተበጊሱ ነታ ቀንዲን ዘለኣለማዊ ሓሳብ ኣምላኽን ራእይ ኣምላኽን ኪጻረር፣ ኬጥፍኣን ኬዕንዋን ጀሚሩ፡፡
• ኣምላኽ በቲ ዘይውዳእ ምሕረቱ ድንገት ካብ ሰማይ ጣልቃ ኣትዩ ንጳውሎስ ናይ 180 ዲግሪ ኣዚሩ ካብቲ ግጉይ መገዱ እንተ ዘይመልሶ፡ ናይ ጳውሎስ ጻዕርን ጕያን ኣዚዩ ከንቱ ምዀነ። መወዳእታኡ ድማ ኣዚዩ ዘሕዝን ምዀነ ኔሩ፡፡
• ጳውሎስ ግና ካብ ኣምላኽ ምሕረት ተቀቢሉ፡፡

3. ካብ ኣምላኽ ካብ እትቅበሎ እቲ ዝበለጸ ነገር እዚ እዩ፡ ንሱ ድማ ገና ኣብዚ ህይወትዚ ከሎኻስ “ፈጺምካ ሲሕትካ ስለ ዘሎኻስ ካብቲ ጌጋኻ “ተመለስ!”፣ “ኣምልጥ!”፣”ወይልኻ!” ወዘተ ዚብል መለኮታዊ ቀይሕ መጠንቀቅታ ዝህብ ድምጺ ምስማዕ እዩ፡፡ካብዚ ዝዓቢ ምሕረት የለን፡፡ ከም ሓቂ ትኽክለኛ ትርጉም ምሕረት ኣምላኽ ከኣ እዚ እዩ፡፡ ምሕረት ኣምላኽ ማለት እኮ ንኽትንሳሕ፣ ንኽትምለስ፣ ንኬተምልጥ ፡ ናይ ንስሓ ጊዜን ካልኣይ ዕድልን ይዋሃበካ ማለት ደኣ እዩ እምበር ንሓጢኣትካን ጌጋኻን ተነጺፍካዮ ክትነብር ዚገብር ጋራንቲ ማለት ኣይኰነን ፋጺሙ፡፡(ሮሜ2፡4-5, ራእይ ዮሃ.2፡20,21)

4. ቅንኣትካ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኪኸውን ይከኣል እዩ፡ እዚ ማለት ግና ራእይኻ መጽሓፍ ቅዱሳዊ እዩ ማለት ግና ኣይኰነን ፈጺሙ፡፡

• እንደገና ካብ ጳውሎስ ተመሃር! ጳውሎስ ካብ ናይ ዝኰነ ሰብ ሓለፍ ዝበለ ቅንኣት ነይሩዎ (ገላ1፡14) ጳውሎስ ግና በዚ ቅንኣትዚ ተበጊሱ ነቲ ሽቶ ኣምላኽ፡ራእይ ኣምላኽ፡ ነቲ መለኮታዊ ታርጌት እዩ ኬጥፍእን ኬዕኑን ጀሚሩ፡፡

5. እምባኣር ሎሚውን ንስኻ ሓንሳእ ኣብ ዘለኻዮ ጠጠው በል እሞ እንታይ ትገብር ከም ዘሎኻ ገና ጊዜ ኸሎ ሕሰብ ፡፡ ንጳውሎስ (ፊሊጵ3፡3-6) “ኣብ ኣንፊ ብልሒ እንተ ኣድሓርሓርካ ንርእስኻ እዩ ዚገደካ” ካብ እተባህለሉ ንዓናዳኣ ሎሚ ክንደይ ብዙሕ ወይልኻ ክባሃለና ዘይግባእ!

6. ዝዀነ ዓይነት ተወፋይነትን ቅንኣት ንኣምላኽን ይሃልወና ብዘየገድስ ቅንኣትና ካብ ቅንኣት እስራኤላውያን ዚዓቢ ኪኸውን ኣይክእልን፡፡ ቅንኣት እስራኤላውያን ሓደ መጽሓፍ ቅዱሳዊ እዩ ነይሩ፡፡ “እዚ ምስ ሰምዑ ንኣምላኽ ኣመስጊኖም በልዎ፡ ዎ ሓውና ካብ ኣይሁድ ክንደይ ኣእላፋት ከም ዘኣመኑ ትርኢ ኣሎኻ፡ ኵላቶም ከኣ ብዛዕባ ሕጊ ቕንኣት ኣለዎም፡፡” (ግብ21፡20)

• ኣይሁድ ኵላቶም ብዛዕባ ሕጊ ቕንኣት ነይሩዎም ሕጊ ድማ ካብ ሰማይ ዚወረደ ጽሩይ ቃል ኣምላኽ እዩ፡፡
• ይኹን እምበር እቲ ሕጊ ግና ራእይ ኣምላኽ፡ ሽቶ ኣምላኽ ነይሩ ማለት ግና ኣይኰነን ፈጺሙ፡፡
• ናብቲ ራእይ ኣምላኽ ዜመልክት ኵናት/ኣሮው/ እዩ ነይሩ፡፡
• እምባኣር ተመልከት፡ ብዛዕባ እቲ ካብ ኣምላኽ ዝዀነ ሕጊ ፣ ቃል ኣምላኽ፣ እተፈላለየ ውህበት ኣምላኽ፣ ወዘተ… ምቕናእ ሓደ ነገር እዩ፡ ፈሊኻ ነቲ ዘለኣለማዊ ሰማያዊ ራእይ ምርኣይ ድማ ካልእ ነገር እዩ፡፡

7. እዚ ጥራይ ዘይኰነ ድማ ኣይሁድ ኵላቶም ቕንኣት ንኣምላኽ ነይሩዎም፡፡
• “ኣሕዋተየ ብፍልጠት ዳኣ ኣይኰነን እምበር ንኣምላኽ ቅንኣት ከም ዘለዎምሲ ኣነ እምስክረሎም ኣሎኹ…ጽድቂ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጦምን ጽድቂ ርእሶም ኪተኽሉ ብምድላዮምንሲ ንርእሶም ኣብ ትሕቲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣየግዝኡን።” (ሮሜ10፡2-4)

8. እምበኣር ክቡርነትካ ኣብዚ እዩ ዚምርኰስ፡ንሱ ድማ ሎሚዶ ሓሳባት ርእስኻ፣ ፍልጠት ርእስኻ፣ድሌት ርእስኻ፣ ሃቀና ልብኻ፣ ወዘተ፤…ነቲ ሕሱር፣ምድራዊ፣ ሓላፊ፣ ጠፋኢ፣ ሓሳባትካ ኵሉ፤ ነቲ ናብ ገዛእ-ርእሲ ዘመልከተ ህንጡይነትካ ኵሉ ጕሒፍካን ደሪቢኻን ነቲ ብሉጽን ክቡርን ሰማያዊ ሓሳብ ኣምላኽ ትመርጽ ወይስ ከምቲ እቶም ህዝቢ እስራኤል ሽዑ ዚገበርዎ ሎሚ ነቲ መለኮታዊ-ምልክት (Divine-Mark) ትስሕት?!

Comment here