ሰላምካ ይብዛሕ ሓወይ ዳኒኤል ተስፋይ።Facebook friends እኳ ኣይኰንናን፡ግናከ ኣብ ፌስቡክ ሼር እትገብሮ መልእኽቲታትካ ሓሓሊፉ ስለ ዝገጥመኒ እሰምዖ እየ። ምስ ሓወይ ዑቅባ ስላሴ እኳ ተዘራሪበ እፈልጥ እየ (ብተለፎን እኳ እንተ ዀነ) ። ኣምላኽ ኣገልግሎትካ ይባርኽ።
ኣብዛ ምስ ሓውና ዕቊባስላሴ ዝገበርኩምዋ ዘተ፡ ናእዳን(appreciation) ነቀፌታን ኣለዋኒ። እቲ ናእዳ፡ እቲ ንቅኑዕ ነገር ዘለኩም ጸዓትን ቅንኣትን ጻዕርን እዩ። ኣብ ቤት ጐይታና ንዘሎ ዘይዕሩይ ነገራት ብኸመዚ እተፈላለየ መገድታት ተጠቒምና ኪንብድሆን ምሉእ ምቅናዕ ከነምጽን ምጽዓር ግቡእ እዩ ዝነኣድ እዩ። ኣምላኽ ይባርኽኩም።
ነቀፌታ
====
እቲ ዘሎኒ ነቀፌታ ንምቅናዕ እዩ (constructive criticism) ፣ ንምህናጽ እዩ። ኣብቲ ነቀፌታ ኣብ ክልተ ቀንዲ ዛዕባታት ጥራይ ከተኲር እየ። ኣብዛ ቪድዮ ብሰፊሕ እተዛረብኩምለን ነጥብታት እውን ንሳተን ስለ ዝዀና። እታ ቀዳመይቲ ብዛዕባ በዓል ራእይነት እቲ ፓስቶር እያ። እታ ካልኣይቲ ድማ ብዛዕና ነቲ “ፓስቶር“ እትብሉዎ ዘለኹም ሰብን ንሽማግሌታትን እትህብዎ ዘለኹም ትርጉምን እዩ።
እቲ ሃቀናኹም ኣብዚ ቪድዮ ኣዚዩ ንጹርን ኣዎንታውን እዩ። ለውጢ ንምምጻእ እዩ። ነቲ ቃል ኣምላኻዊ ዘይኰነ ኣካይዳ፣ ግጉይ ምርዳእን ኣሰራርሓን፣ ከም ቃል ኣምላኽ ዘይኰኑ ግናኸ፡“ዘደልድሉ ፈተውቲ ዘንዘብ ዝዀኑ ዓየይቲ“ ኣወጊድካ ጽፉፍ ጥዑይን ቅኑዕን ዕዮ ኣምላኽ ንምስራሕ እዩ።
ኣብቲ ምርዳእኩም ባዕሉ ግና፡ ብፍላይ ብዛዕባ እዘን ዘልዕለን ዘለኹ ክልተ ዛዕባታት፡ እቲ ቀንድን ኣውራ ጠንቅታት እቲ ኲሉ ሕንፍሽፍሽ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ማሕበር ኣምላኽ ገና ኣሎ። ናይ ምርዳእ ጉዳይ እዩ ግን ከኣ ኣውራ ጸገማት ዝፈጥር ዘሎ ስለ ዝዀነስ ሰሚዕካ ጥራይ ዝሕለፍ ኰይኑ ኣይረኽብኩዎን። ጥዑይ ምርዳእ ንጥዑይ ልምምድ መሰረቱ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ኣብዚ ዝብሎ ብሰናይ ሕልና ኪትቅበልዎ፡ ካብ መጀመርታ ኪሳዕ መወዳእታ ድማ ነዚ ቃል ኣምላኻዊ ስምዕታይ ጽን ኪትብሉዎ፡ ብዓብዪ ኣኽብሮት እሓተኩም። እቲ ጸገም ንብሎ ዘለና ብግቡእን ምልኣትን ኪፍታሕ እንተዳኣ ኰይኑ፡ ኲሉ ነገር ካብ ምርዳእና እዩ ዝጅምር። ቅድም ንሕና እቶም ዓየይይቲ፡ ናብቲ ንጹር ናይ ሓድሽ ኪዳን ትምህርትን ልምምድን ምሉእ ብምሉእ ኪንምለስ ይግባእ።
እምባኣር፥
1ይ) ናይቲ ፓስቶር በዓል ራእይ-ነት
ኣብዚ ቅድም ሓወይ ዑቅባ ስላሴ ኣብ መጀመርታ ኣከባቢ እዛ ቪዲዮ ብዛዕባ ራእይ እተዛረብካዮ ከቀምጥ እየ። “ራእይ ኪህልወካ፡ ነቲ ዝረኣኻዮ ራእይ ከኣ ምስቶም ሽማግሌታት ጥራይ ዘይኰነ ኸማን፡ ምስ ምሉእ ጉባኤ ናይታ ማሕበር ኰንካ ስለ ተተግብሮ፡ ነቲ ዝረኣኻዮ ራእይ ከተተግብር፡ ኲሉ ሳዕ ኪትዛረብ ኣለካ፡ ጥበብ ኪህልወካ ኣለዎ፡ ከተእምን እትኽእል ኰንካ ኪትዛረብ ኣለካ፡…ነዚ እቲ ሕሉፍ ታሪኽካ/ምስክርነትካ/ ዓቢ ግደ ኣለዎ፡ ተኣመንቲ ኰይንና ተሰማዕቲ ኰንና ራእይና ንኸነተግብር… ‘’ ኢልካ ኣለኻ።
ቀጺልካ፡ ‘’ገሊኦም እኮ ራእይ ኣለኒ ይብሉኻ! ናይ ቆልዑ ራእይ ኣለኒ፡ ናይ መንእሰያት ራእይ ኣለኒ፡ ናይ መንእሰያት ኢሉ ከኣ የፍርስ!’’ ኢልካ።
ሓወይ ዳኒኤል ተስፋይ እውን ኣብቲ መወዳእታ ኣከባቢ፡ ‘’በዓል ራእይ እንዲዩ እቲ ፓስቶር፡ገምግሙኒ ዝብሎም ሰባት ዘለውዎ ኪኸውን ኣለዎዶ? ኣነ ከም ኡ ይመስለኒ፡ እንታይ ትብል ፡ትሰማማዕዶ?’’ ኢልካ ሕቲትካ። መልሲ ዑቅቢት፡ ‘’ኣጸቢቀ እሰማማዕ!’’ ዝብል እዩ።
እሞ፡ ኣቱም ብሩኻት ኣሕዋት፡ እቲ ቀዳማይን ቀንዲ ጠንቂ እቲ ኣብተን ማሕበራት ኣምላኽ ዘሎ ብዙሕ ጸገማት እኮ እዚ ኣብዚ ትደጋግምዎ ዘለኹም ግጉይ ምርዳእ እዩ። ክልተኹም፡ ኣብ ሓንቲ ማሕበር፡ እቲ በዓል ራእይ እቲ ፓስቶር ምዃኑ ኢኹም እትኣምኑን እትምህሩን ዘለኹም። እዚ ከኣ ኣብቲ ምሉእ ሓድሽ ኪዳን ፈጺሙ ዘየለ ሓሳብ እዩ። ‘’ነቲ ናይ ቆልዑ ራእይ ኣለኒ፡ ናይ መንእሰያት ራእይ ኣለኒ’’ ዝብል ሰብ ትዂንንዎ ኣለኹም። ነቲ ‘’ኣነ ራእይ ኣለኒ’’ ኢሉ ነቲ ሕብረት ፈንጪሉ ዝወጽእ ሰብ እውን ትዂንንዎ ኣለኹም። ጽብቅ ግናኸ ማዕሪኡ፡ ነዚ ናይ ፓስቶር በዓር ራእይ-ነት ዝብል ዘይ ቃል ኣምላኻዊ ምህሮ ከኣ ኪትኲንንዎ ይግባእ!
እዚ ጉዳይ እዚ ንእሽቶ ዝዀነ ገይጋ ምርዳእ ወይ ልምምድ ኣይኰነን፡ ከምኡ እንተ ዝዀውን ሰሚዐ ስቅ ምበልኩ፡ እዚ ብዙሕ ጻዕሪ ዝሓትት ጽሑፍ ኪጽሕፍውን ኣይምተገደድኲን።
‘’እቲ ፓስቶር በዓል ራእይ እዩ፡ ወይ ከኣ እቲ በዓል ራእይ እቲ ፓስቶር እዩ’’ ዝብል ምህሮን ዶክትሪንን ኲለንተናኡ ምንጩን ባህሪኡን ካልቲክ (Cultic) እዩ። ‘’ኣብ ሓንቲ ማሕበር እቲ በዓል ራእይ ፓስቶር እዩ’’ ንዝብል ምህሮ ምንጩ ኣምላኽ ኣይኰነን! ፈጺሙ!
ኣብ ኲለን እተን ማሕበራት ኣምላኽ፡ በዓል ራእይ ዝበሃል ሃዋርያ የለን! በዓል ራእይ ዝበሃል ነብዪ የለን! በዓል ራእይ ዝባሃል ወንጌላዊ የለን፡ በዓል ራእይ ዝባሃል ፓስቶር ወይ መምህር የለን! ብፍጹም የለን! ንህውትት ኢና ዘለና! ካብዚ ህውተታ እዚ ቅድም ንሕና እቶም ዓየይቲ እንባሃል እንተ ዘይተመሊስና፡ ዝመጽእ ለውጢ የለን! ንሕና ንኽንልወጥ ፍቓደኛታት ስለ ዘይኰንና!
ነዚ ብንጹር ንምምጓት፡ ናብ ቃል ኣምላኽ ኪኣቱ እየ እሞ፡ በጀኹም ንጹሑፈይ ካብ መጀመርታ ኪሳዕ መወዳእታ ከተንብብዎ እላቦ። ከም ሓደ ናይ ምቁዋምን ናይ ምንቃፍን ወልፊ ዘለዎ ሰብ ንኸይትቆጽሩኒ እምሕጸነኩም። ብለውጢ ዚኣምን ንለውጢ ዝጽዕር ሰብ ምዃነይ እፈልጥ! ሓቀኛን ምሉእን ለውጢ፡ እቲ ሓደ ዘይሪኦ፡ እቲ ሓደ ብጻዩ ግና ጎሊሑ ብዚሪኦ እዩ ዝመጽእ።
እቲ ፓስቶር በዓል ራእይ ዝብል ምርዳእ ሲ፡ ካበይ ኢና ኣምጺእናዮ? በየና ቃል ኣምላኽ ከ ንድግፎ? እቲ ምሉእ ሓድሽ ኪዳን ሓደ ጥራይ በዓል ራእይ ከም ዘሎ እዩ ብንጹር ዝምህረና። ንሱ ከኣ ኣምላኽ ወይ ከኣ ክርስቶስ ጥራይ እዩ!
ዳኒኤል ተስፋይ ሓወይ፡ እስከ በታ ናይዚ “ሎጎ“ኻ መሪሕ ገርካያ ዘለኻ ጥቕሲ እሞ ንጀምር። (BTW, I like your logo!)
“ንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና እሞ፡ ንስኻትኩም ግራት ኣምላኽ፡ ህንጻ ኣምላኽ ኢኹም።”(1ቆረ3፡9)
ኣብዛ ጥቕሲ ሰለስተ ኣገደስቲ ሓቕታት ኣለዉ።
1ይ) ኣምላኽ
2ይ) እታ ኣብ ከተማ ቆረንቶስ ዘላ ማሕበር ኣምላኽ (1፡2)፡ ንሳ ኸኣ እታ ግራት ኣምላኽ እታ ህንጻ ኣምላኽ።
3ይ) መዓይይቲ ኣምላኽ (ጳውሎስ፣ ኣጲሎስ፣ ኬፋ)
እሞ፡ ካብዞም ሰለስተ ጋንታስ መን እዩ እቲ እንኮ በዓል ራእይ?
ኣብዚ ክልተ ‘ሰብ ራእይ’ ኣለዉ ኣይትብለንን ኢለ ተስፋ እገብር። ምኽንያቱ ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ራእይ፡ንሱ እቲ ሱር ጠንቂ ምምቅቓል ስለ ዝዀነ። እቲ ምሉእ ዓንቀጽ 1ቆረ1፡10-4፡21 ነቲ ሱር ኲሉ እቲ ካልእ ጸገማት ዝዀነ ጸገም፡ ንሱ ከኣ ንምምቅቓል እዩ ኣድረስ ዝገብር (Divisions within the Church of God in Corinth!)
እቲ “division” ዝብል ቃል ባዕሉ ግሩም ዝዀነ implication ኣለዎ! Division=> Di & vision=> Two visions. Two visions cause division or division is caused by two visions, by di-visions
Visions ከኣ owners ኣለውዎም። Visionaries ይባሃሉ! ራእያት ሲ፡ ሰብ ራእይ ኣለውዎ! ሰብ ራእይ ከኣ ይበሃሉ! ወይ ከኣ በዓል ራእይ!
እሞ ኣብታ ኣብ ከተማ ቆረንቶስ ዝነበረት ማሕበር ኣምላኽ፡ ግራት ኣምላኽ, ህንጻ ኣምላኽ ሲ፡ ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ visionaries ድዮም ነይሮም ዋላስ እንኮ ጥራይ visionary!?
ኣታ ብሩኽ ሓው፡ ኣብታ ቤት ኣምላኽ፡ እንኮ ጥራይ ቪዥኔሪ -በዓል ራእይ እዩ ዘሎ። ንሱ ከኣ ፓስቶር ኣይኰነ፡ ሃዋርያ ኣይኰነ፡ ነብዪ ኣይኰነ፡ ኣምላኽ ባዕሉ እዩ።
ዋላኳ እታ ናይ ቆረንቶስ ማሕበር ብጳውሎስ ተተኺላ እንተ ዀነት፡ ጳውሎስ ግና እቲ በዓል ራእይ ኣይኰነን። ጳውሎስ ልኡኽ ግልያ ባርያ ክርስቶስ እዩ። “ኣነ በዓል ራእይ እየ!” ኪብል ዝኽእል ባርያ ኣሎ ድዩ? ባርያ ማለት እኮ ጐይታ ዘለዎ ማለት እዩ። እቲ ጐይታ፡ እቲ በዓል ድሌት፡ እቲ በዓል ፍቓድ፡ እቲ በዓል ምኽሪ እቲ በዓል ራእይ እዩ። እቲ ባርያ ከዳኣ? እቲ ባርያ ደኣ፡ እቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ድሌት፣ ፍቓድ፣ ምኽሪ፣ ራእይ ዝሓደገ፡ ንፍቓድ ጐይትኡ ጥራይ ከኣ ዝእዘዝ! ንድሌት ጐይትኡ ጥራይ ዝገብር፡ ንምኽሪ ጐይትኡ ጥራይ ዝፍጽም፡ እቲ ንራእይ ጐይትኡ ጥራይ ዝነብር፡ እቲ በቲ ራእይ ጐይትኡ ጥራይ ተቀይዱ ዝዀይድ እዩ።
ጳውሎስ፡ ኣጲሎስ፡ ኬፋ ወዘተ መዓይይቲ ኣምላኽ ኣብታ ኣብ ከተማ ቆረንቶስ ዘላ ማሕበር ኣምላኽ ደኣ እምበር ሰብ ራእይ በዓል ራእይ እታ ማሕበር ኣይኰኑን።
ሪኢኻ፡ እቲ ኣብታ ኣብ ቆረንቶስ ዝነበረት ሓንቲ ማሕበር በዓል ራእይ ሓደ እዩ ንሱ ከኣ ኣምላኽ ጥራይ እዩ። እቶም ኣብዛ ማሕበር እዚኣ ዝነበሩ መዓይይቱ ግና ሓደ ውልቀ ሰብ ኣይኰነን! ሓደ “ፓድቶር” እናተባህለ ዝፍለጥ ውልቀ ሰብ ኣይኰነን! ከምዚ ዓይነት ምርዳእ ኣምላኻዊ ኣይኰነን ዓለማዊ እዩ።ኣብ ዓለም ሓደ ፕረዝደት ፕራይም ሚኒስተር ተባሂሉ ዝፍለጥ በዓል ራእይ ገባርን ሓዳግን መውደኽደኺ መሽከርከሪ ሰብ ኣሎ። ኣብ ቸርች ሂስትሪ ከኣ እዚ “ፓስቶር” ዝባሃል ኲሉ ገባሪ ኣካል ሰሊኹ ናብታ ማሕበር ኣምላኽ ኣትዩ!
ነዚ ዓለማዊ ሓሳብ ኣምጽእ ኣቢልካስ ኮፍ! ንቤት ኣምላኽ ከ!? እዚ ዘይባሃል ሕንፍሽፍሽ! ምኽንያቱ ጳውሎስ “ኣነ እየ እቲ በዓል ራእይ! ምኽንያቱ ኣነ እየ እቲ መስራቲ!” እንተይሉ፡ ምስ ኣጲሎስን ኬፋ ዓብዪ ጦርነት ኪኽፈት እዩ ኣብታ ከተማ። ብሰሪ’ዚ ድማ እታ ኣብታ ከተማ ዝነበረት ሓንቲ ማሕበር ኣምላኽ ብውሕዱ ኣብ ሰለስተ ኪትግማዕ እያ ማለት እዩ። እዚ ከኣ ድንቁርና እተሓወሶ ዓምጽ እዩ። ንቤት ኣምላኽ ምዕናውን ምፍራስን ዓመጽ እዩ።
እቲ ዘሕዝን፡ ነዚ ዓለማዊ ምርዳእን ኣካይዳን እዚ እንደግም ወለዶ ምዃንና እዩ! እሞ እዚ ግጉይ ምርዳእናዚ ከይተለወጠ ሲ፡ ከመይ ገይርና ኢና ኣብታ ማሕበር ለውጢ ከነምጽእ ሂርግዲም ንብል ዘለና!? እቲ ትኽክለኛን ምሉእን ለውጢ በቲ ቃል ሓቂ እዩ ዝመጽእ። እሞ ቅድም ንሕና እቶም ነቲ ቃል ንምህር ሰባት ምርዳእና ይለወጥ! ዶክትሪንና ይለወጥ! ሽዑ ፈውስና ኪፈጥን እዩ።
ብመሰረት እዚ ዓለማዊ ኣረዳዳኣ እዚ፡ እቲ ፖስቶር ብድንቁርና ማለት እዩ፡ “ኣነ እየ እቲ በዓል ራእይ” ኢሉ ስለ ዝሓስብ፡ ነቶም እቲ እንኮ በዓል ራእይ ኣምላኽ ቤቱ ንምህናጽ፡ ንምቅናዕ, ዝልእኮም መዓይይቱ (መዓይይቲ ኣምላኽ) ኪወቅዕም ይጅምር። What a sad tragedy to the church of God!
ኣቱም ኣሕዋትና በጃኹም! እቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ማሕበሩ በዓል ራእይ ኣምላኽ እዩ!
ኣብ 1ቆረ1፡2 “ኣብ ቆረንቶስ ዘላ ማሕበር ኣምላኽ“ ይብል። ማሕበር ኣምላኽ ማለት ናይ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ጥራይ ዚዋና፡ ኣምላኽ ጥራይ ዚወናኒኣ፡ ናይ ኣምላኽ ናይ ገዛእ-ርእሱ ንብረት ማለት እዩ።
ኣብ 1ቆረ1፡9 ድማ ‘’እቲ ናብ ሕብረት ወዱ የሱስ ክርስቶስ ጐይታና ዝጸውዓኩም ኣምላኽ እሙን እዩ።’’ ይብል።
መን እዩ እቲ ጸዋዒ? ኣምላኽ! ናብ መን ጸዊዑና? ናብ ጳውሎስ? ናብ ኬፋ? ናብ ኣጲሎስ? ኖኖ፣ ኣይፋል! ናብ ሕብረት ወዱ የሱስ ክርስቶስ! ናብ ሓንቲ ጥራይ ሕብረት! ናብ ሕብረት ወዱ! ኣምላኽ እቲ እንኮ በዓል ራእይ፡ እቲ ኣብ ሓንቲ ከተማ ዘሎ እሞ፡ ናብዛ ሓንቲ ሕብረት ወዱ እተጸወ ህዝቡ፡ እዚ ብባዕሉ ብኣምላኽ እተጸወዐ ሕሩይ ህዝቡ ኪመቃቐል የብሉን! ክርስቶስ ከም ዘይምቀል፡ እቲ በዓል ራእይ ኣምላኽ ከኣ ህዝቡ ኪምቀል ኣይደልን! ነዚ ግና፡ ሓሳብ ክርስቶስ ዘለዎም ዓየይቲ ጥራይ እዮም ዝርድእዎ! ምኽሪ ኣምላኽ ብትኽክል እተረድኡ ዓየይቲ ይድለዩ! እዞም ዓየይቲ እዚኣቶም ንጳውሎስ ይመስሉ! ኣምላኽ ጥራይ ደኣ እምበር ንሳቶም ሰብ ራእይ ከም ዘይኰኑ ኣርጊጾም ዝፈልጡ ዓየይቲ! ስለዚ ከኣ ካብ ኣምላኽ ንዝዀኑ ካልኦት ዓየይቲ ፈጺሞም ዘይደፍኡ ዓየይቲ! እንታይ ደኣ ሓቢሮም በብ ጸጋኦም እቲ ዘዝግበኦም ዚገብሩ ዓየይይቲ! ኣበይ? ኣብታ ኣብ ሓንቲ ከተማ ዘላ ሓንቲ ማሕበር ኣምላኽ!
ማሕበር ማለት ኤክለሲያ ካብ ዝብል ናይ ግሪኽ ቃል ዝመጸ እዩ። ትርጉሙ ከኣ፡ ብሓደ ዓብዪ በዓል ስልጣን ንሓድ ፍሉይ ዕላማ ተጸዊዑ ዝወጸን እተኣከበን ፍሉይ ኣኼባ ማለት እዩ። ነዛ መግለጺ ነቃልበላ፡ ኣዚያ ኣገዳሲት እያ። እተን ቃላት ኲለን ረዚን መልእኽቲ ኣለወን! (Specially Assembly)=> ፍሉይ ኣኼባ! እኲብ ህዝቢ! ፍሉይ ኣኼባ ኣምላኽ! ነቲ ኣምላኽ ናብቲ ሓደ ወዱ ጸዊዑ ዚኣከቦ ሕሩይ ህዝቡ፡ “ሰብ ራእይ ኢና“ ብዝብሉ ዓየየቲ ኪብተን ኪበታተን ኣዚዩ ዘሕዝን እዩ! ዓብዪ ዓመጽን ድንቁርናን እዩ! ነቲ ኣምላኽ ናብ ወዱ ዝጸወዖ ፍሉይ ኣኼባ ዝብትኑ ዓየይቱ? ደናቊር ድዮም ወይ ዓመጸኛታት? እቲ እንኮ በዓል ራእይ ኣምላኽ ክነሱ፡ ግናኸ “ሰብ ራእይ ኢና“ እናበሉ ነቲ ሰማያዊ እኲብ ህዝቢ ዝብትኑ ዓየይቲ! ዚመቃቕሉ ዚጐጃጅሉ ዓየይቲ! ብስመ ደኖሚኔሽን ካልእ ዶክትሪናትን ነታ ኣምላኽ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበሩ ዚበጃጅሉ ዓየይይቲ፡ ኣምላኽ ኪበጃጅሎም እዩ።
ኣብ 1ቆረ3፡9 ድማ ቅድም ብዛዕባ ግራት ኣምላኽ ይዛረብ፡፡ ሕጂውን እታ ግራት ሓንቲ እያ። እቲ ዋና እታ ግራት እውን ሓደ እዩ። እቲ ብዛዕባ ግራቱ ራእይ ዘለዎ፡ ኣምላኽ እቲ ሓደ በይኑ ዋና እታ ግራት እዩ። እቲ ኣብ ግራቱ እንታይ ዓይነት ዘርኢ ኪዝራእ ኣለዎ ዝወስን፡ እንታይ ዓይነት ማይ ኪፈስስ ኣለዎ ዚውስን እቲ በዓል ራእይ ኣምላኽ እዩ። ኣብቲ ግራቱ ኪላኣኹ ዘለዎም ዓይነት ዓየይትን ብዝሖምን ዝውስን እቲ ዋና እታ ግራት እዩ። ሓደ “ፓስቶር“ እናተባህለ ዝፍለጥ ውልቀ-ሰብ ኣይዀነን ኪንደይ ዓየይቲ የድልዩን መነ መን ምዃኖምን ዝውስን።ኣምላኽ እዩ ዝውስን! እቶም ናብ ግራቱ ዚለኣኾም ዓየይቲ ኣብ ንሕድሕዶም ተባኢሶም ነታ ግራት (ሓንቲ ግራት) እንተዳኣ መቃቒሎማ ሲ፡ ከመይ ይስመዖ ነቲ ዋና ግራት? ከመይከ ይቊጠዖም ነቶም ዚለኣኾም ዓየይቲ? ንሱ ዚደሊ እቶም ዝለኣኾም ዓየይቲ ኲላቶም ከም ሓደ ሰብ ሓቢሮም፡ ነታ ግራት ኪኹስኩሱዋ፣ ከስትዩዋ ኪኸናኸንዋ፡ብርቱዕ ሓጹር ኪገብሩላ፡ ነታ ግራት ንዘበላሽዉ ዘበሉ ኲሎም ድማ ሓቢሮም ኪሕልዉን ከባርሩን እዩ።
ሓንቲ ግራት! ሓደ ዋና እታ ግራት! ሓደ ወናኒ እታ ግራት! ሓደ በዓል ራእይ እታ ግራት! ንሱ ከኣ ኣምላኽ እዩ!
ቀጺልና ኣብ 1ቆረ3፡9 “ንስኻትኩም ህንጻ ኣምላኽ ኢዂም“ ይብል። ሓንቲ ጥራይ ህንጻ ኣምላኽ! ሓደ ጥራይ መሰረት ዘለዋ (ንሱ ከኣ ክርስቶስ) ሓንቲ ህንጻ ኣምላኽ! እሞ እቲ እንኮ በዓል ራእይ እዛ ሓንቲ ህንጻ ኣምላኽ ሲ መን እዩ? እቲ ኣብ መሰረት እዚ ኪኸውን ኣለዎ፣ ኣብቲ መኣዝን እዚ ኪኸውን ኣለዎ፣ ኣብ ላዕሊ እዚ ኪኸውን ኣለዎ፣ ኢሉ ዝወስን እቲ እንኮ በዓል ራእይ እታ ኣብ ሓንቲ ከተማ ዘላ ሓንቲ ህንጻ፡ ኣምላኽ እዩ። እቶም ኣብ መሰረት እቲ ህንጻ ኪዓዩ ዘለዎም ዓየይቲ መን እዮም ዝውስን ንሱ እዩ። ኣየናይ ዓያዪ ኣበይ ኪዋፈር ኣለዎ ዝውስን ንሱ እዩ። ንገሊኦም ኣዕጻው ቆሪጾም ከምጽኡ ይልእኮም፣ ንገሊኦም ኣእማን ኪሰብሩ፣ንገሊኦም ኣእማን ኪወቅሩ፣ ንገሊኦም ነቲ ውቁር ኣእማን ኣብ ነሕድሕዱ ኣለጋጊቦም ኪነድቁ ኪሃንጹ፡ ገሊኦም ማይ ከቀብሉ ነዚ ዂሉ ዝእዝዝ ዘዋፍር ዝውስን እቲ እንኮ በዓል ራይ ኣምላኽ እዩ! እታ ህንጻ ሓንቲ! እቲ ዋና እታ እንጻ ሓደ! ንሱ ከኣ እታ ባዓል ራእይ ኣምላኽ እዩ!
ኣብ ማቴዎስ 16፡18 ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከምዚ ኢሉ፡ “ኣነ ኸኣ እብለካ አሎኹ፡ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ። ንማሕበረይ ከኣ ኣብዛ ኸውሒ እዚኣ ኽሃንጻ እየ፡ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይሕይልዋን።“(ማቴ16፡18)
ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣዚየን ኣገደስትን መሰረታዊ ሓቂታት ኣለዋ።
እታ ቀዳመይቲ ሓቂ) “ኣነ ኸኣ“ እትብል። እዛ ኣብዚ “ኣነ ኸኣ“ እቲብል ዘላ ነቲ መሰረት ኲሉ እቲ ጽኑዕ ሓቂ ዝዀነ ምሉእን ትኽክለኛን መንነት ጐይታና የሱስ ትገልጽ። እቲ እተሓተ ሕቶ “ሰባት ንወዲ ሰብ መን እዩ ይብልዎ፧ … ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ አሎኹም፧’’ ዝብል እዩ።
“ወዲ ሰብ“ ዝብል ቃል ኣብቲ ኣርባዕተ ወንጌላት ጥራይ 80 ጊዜ ተጠቒሱ ኣሎ፡ ብምልኡ ድማ ንጐይታና የሱስ ጥራይ እዩ ዘመልከት። እምባኣር ጐይታ፡ “ወዲ ሰብ“ መን እዩ? ኪብሎም ከሎ፡ “ኣነ እዚ የሱስ ተባሂለ ዚጽዋዕ ዘለኹ መን እየ? “ እዩ ዝብሎም ዝሎ። እቲ መልሲ ከኣ፡ “የሱስ (ወዲ ሰብ) ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ!” ዝብል እዩ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ እንኮ የሱስ ጥራይ (እንኮ መድሓኒ ዓለም ጥራይ) እዩ ዘለዎ። እዚ እንኮ የሱስ እዚ ከኣ እቲ እንኮ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ እዩ። ኣብ ሓደ እዋን (equally & Simultaneously) ፡ ንሱ እቲ እንኮ የሱስ መድሓኒ እዩ፡ እቲ እንኮ መሲሕ ኣምላኽ እዩ፡ እቲ እንኮ ፍሉይን ካልኣይ ዘይብሉ ዘለኣለማዊ ወዲ ህያው ኣምላኽ እዩ። እቲ እንኮ የሱስ፡ እቲ እንኮ መሲሕ(ክርስቶስ) እቲ እንኮ ወዲ ህያው ኣምላኽ! እዚ እቲ ዘይነቃነቕ መሰረት እታ ናይ ሓቂ ማሕበር እዩ።
እቲ እንኮ የሱስ=>ነቲ እንኮ መድሓኒ ዓለም የመልክት። እቲ እንኮ ወዲ ህያው ኣምላኽ=> ነቲ መወዳእን መጀመርታን ዘይብሉ ዘለኣለማዊ መንነቱ(ማቴ28፡19) የመልክት። እቲ “ወዲ ህያው ኣምላኽ“ ዝብል ነቲ ዘለኣለማዊ ስብእናኡ (His Eternal Personhood/ እዩ ዘመልክት። እቲ ወዲ ነቲ በቲ ወዲነቱ ምስ ኣቦኡ ዘለዎ ዝምድና መጀመርታን መወዳእታን የብሉን። ካልኣይ ሳልሳይ ወይ ድማ መሳሊ የብሉን። እዚ እቲ እንኮ ፍሉይ ዘለኣለማዊ ወዲ ኣምላኽ (The sole & unique eternal Son) ምዃኑ ንጰጥሮስ ብኣቦ ተገሊጽሉ። “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡“ (ማቴ28፡19) ዝብል ነዚ የጽንዖ።
እቲ እንኮ መሲህነቱ ኸ እንታይ የመልክት?
እወ፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ (ናይ ኣቦኡ) ናይ ዘለኣለም ምኽሪ ንምፍጻም በቦኡ እተቐብአ እንኮ ቕቡእ፡ በቦኡ እተሾመ እንኮ ሹም፣ በቦኡ ካብ ሰማይ እተላእከ እንኮ ልኡኽ ምዃኑ የመልክት። (Christ=> signifies, the Anointed One (meaning, the only Anointed One), the appointed One, (the Only appointed One by the Father), the Only Authorized One, & the Only Commissioned One to Carry out God’s eternal purpose! (መዝ2፡1-12)
እዚ እንኮ መሲህ ኣምላኽ እዚ ንኪፍጽሞ፡ በቦኡ እተመደበ እተመዘዘ እተቀብአ እተላእከ ናይ ዘመናት(ዘለኣለማዊት) ምኽሪ ኣምላኽ ኣላ። እዛ ዘለኣለማዊት ምኽሪ ኣምላኽ እዚኣ እንታይ ከም ዝዀነት ደሓር ኪንመጻ ኢና።
እታ ካልኣይቲ ሓቂ) “ንማሕበረይ“ እትብል ቃል እያ። እታ ማሕበር ናይ ኣምላኽ እያ (1ቆረ1፡2)። ናይ ኣምላኽ ዘበለ ኲሉ ናይ ክርስቶስ ስለ ዝዀነ ከኣ፡ እታ ማሕበር ናይ ክርስቶስ እያ!
“እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ዝሰምዖ ዘበለ እዩ ዚዛረብ እምበር፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ፡ ንሱ ነቲ ዚመጽእ ኬፍልጠኩም፡ ናብ ኵሉ ሓቂውን ኪመርሓኩም እዩ። ንሱ ኻባይ ኪወስድን ኪነግረኩምን እዩ እሞ፡ ንኣይ ኬኽብረኒ እዩ። እቲ ናይ ኣቦ ዘበለ ዅሉ ናተይ እዩ። ስለዚ እየ፥ ካባይ ወሲዱ ኺነግረኩም እዩ፡ ዝበልኩ።“(ዮሃንስ16፡13-15)
(ኵሉ ናተይ ናትካ እዩ፡ እቲ ናትካውን ናተይ እዩ፡ ኣነውን ኣባታቶም ከበርኩ።“(ዮሃንስ17፡10)
እሞ እታ ማሕበር ናቱ እያ። እታ ማሕበር ናይ ክርስቶስ እያ። ብጀካ እቲ እንኮ ክርስቶስ ኣምላኽ፡(እቲ እንኮ መሲህ ኣምላኽ) የሱስ ወዲ ህያው ኣምላኽ፡ ማሕበረይ ክብል ዝኽእል ዋላ ሓደ ኣገልጋሊ ወይ መልኣኽ የለን!
እታ ሳልሰይቲ ሓቂ) “ኣብዛ ከውሒ እዚኣ ኪሃንጻ እየ“
ኣብ ላዕሊ እቲ ክርስቶስ ዝብል ቃል፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ (ናይ ኣቦኡ) ናይ ዘለኣለም ምኽሪ ንምፍጻም በቦኡ እተቐብአ እንኮ ቕቡእ/the Anointed One (meaning, the only Anointed One/፣ በቦኡ እተሾመ/እተመደበ/ እንኮ ሹም/the appointed One, (the Only appointed One by the Father)/, በቦኡ እተመዘዘ እንኮ በዓል ስልጣን(the Only Authorized One), በቦኡ ካብ ሰማይ እተመዘዘ ኮሚሽን ዝዀነ እንኮ ልኡኽ/the Only Commissioned One to Carry out God’s eternal purpose/ ምዃኑ ተመልኪትና። (መዝ2፡1-12)
እንታይ ንኪፍጽም እዩ ተመዲቡ፣ ተቐቢኡ፣ ተፈልዩ፣ ተመዚዙ፣ ተላኢኹን? ነታ እንኮ ናይ ዘመናት ምኽሪ ኣምላኽ ንምፍጻም። እንታይ እያ እዛ ምኽሪ እዚኣ? ምህናጽ ማሕበሩ!
እምባኣር እዚ እንኮ መስሒ ኣምላኽ እዚ ጥራይ እዩ እቲ ኣብቲ ምሉእ ጽንፈለኽ በይኑ ሕጋዊ በዓል ራእይ (the sole & Single Universal, legal & legitimate Visionary)! ኲሎም እቶም ካልኦት ንሱ ዚለኣኾም ዓየይቲ ዀነ ወይስ ካልእ ፍጥረት፡ ንሳቶም ሰብ ራእይ ኣይኰኑን፡ ኢና እንተበሉውን ኣብ ሰማይ ሕጋውያን ኣይኰኑን ፈጺሞም!
ኣብቲ ኣርባዕተ ወንጌላት ብንጹር ከም እንሪኦ፡ ክርስቶስ 12 ሃዋርያት ሓርዩን ልኢኹን። እሞ እቶም 12 ሃዋርያት ሰብ ራእይ ድዮም? ሰብ ራእይ እዮም እንተዳኣ ኢልና፡ ልክዕ ከምቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ኣብ ማቴ16፡18 “ማሕበረይ“ ዝበለ፡ንሳቶምውን ዓሰርተ ክልቲኦም “ማሕበረይ“ ዝብሉ እዮም ማለት እዩ። ነፍሲ ወከፎም በብ ውልቂ ማሕበረይ ዝብሉወን ነናቶም ዓሰርተ ክልተ ማሕበራት ኪህልወኦም እየን ማለት እዩ።ነፍሲ ወከፎም ማሕበረይ እንተዳኣ ኪብሉ ኪሎም ድማ፡ ነፍሲ ወከፎም ሰብ ራእይ እዮም ማለት እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኰነውን፡ ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዚሃንጹ ዓየይቲ(ገላዉ) ዝልእኽ ፡ እዚኣቶም እውን ነናቶም ዚላኣዂ ዓየይቲ ኪህልውዎም እዮም ማለት እዩ።
ኣብ ከተማ ዮሩሳሌም ድማ፡ ብውሕዱ ዓሰርተ ክልተ ማሕበራት ምሃለዋ ማለት እዩ። ምኽንያቱ ዓሰርተ ክልቲኦም ሰብ ራእይ እዮም፡ ዓሰርተ ክልቲኦም ሃዋርያት ስለ ዝዀኑ ዓሰርተ ክልቲኦም ማሕበረይ ዝብሉወን ነናይ ውልቆም ማሕበራት ኪህልወኦም እየ ማለት እዩ፡ ልክዕ ከምቲ ክርስቶስ ዘላቶ! ጰጥሮስ ጥራይ እዩ እቲ ማሕበረይ ኪብል ዝኽእል፡ ስለዚ ከኣ ጰጥሮስ ጥራይ እዩ እቲ በዓል ራእይ ዝብል ስነ-መጎት ኣይሰርሕን! ጰጥሮስ ማሕበረይ ኪብል እንተዳኣ መዝነት ኣለዎ ኰይኑ፡ እቶም ካልኦት ዓሰርተ ሓደ ሃዋርያትውን እዚ መዝነት እዚ ይግበኦም እዩ። ምኽንያቱ ዓሰርተ ኪልቲኦም ማዕረ ዝዀነ ጻዊዒቲ ሃዋርያነት ኣለዎም(ማቴ19፡28-29) ስለዚ ከኣ፡ ንጰጥሮስ ነቲ ሓደ በዓል ራእይ ኪስዕቡ ኣለዎም ዝብል ስነ-ሓሳብ ውዱቅ እዩ። ወይ ዓሰርተ ክልቲኦም ልክዕ ከም ክርስቶስ፡ “ማሕበረይ“ ናይ ምባል ስልጣንን መዝነትን ኣለዎም፡ እዚ ማለት ከኣ ዓሰርተ ክልቲኦም ሰብ ራእይ እዮም።
ጰጥሮስ ሃዋርያ እዩ፡፡ “ማሕበረይ“ ዝብላ ስለ ዘላቶ ከኣ በዓል ራእይ እዩ። ዮሃንስ ሃዋርያ እዩ፡ ከምቲ ክርስቶስ ዝበሎ፡ ንሱውን “ማሕበረይ“ ዝብላ ስለ ዘላቶ ድማ ንሱውን በዓል ራእይ እዩ። ልክዕ ከምኡ ድማ፡ እንድርያስ ሓው ጰጥሮስ፣ ያእቆብ ሓው ዮሃንስ፣ ማቴዎስ፣ ቶማስ፣ ወዘተ ወዘተ ዓሰርተ ክልቲኦም “ማሕበረይ፣ ማሕበረይ ማሕበርይ“ ዝብሉወን ማሕበራት ኣለዋኦም፡ ስለዚ ከኣ ዓሰርተ ክልቲኦም ሰብ ራእይ እዮም። ካብ ሓደ ንላዕሊ ራእይ ከኣ ኣብ ሓደ ስፍራ ተሰማሚዑ ኪቅጽል ኣይክእልን!
Di=vision causes terrible division! ስለዚ ከኣ ዓሰርተ ክልተ ማሕበራት ናይ ዓሰርተ ክልቲኦም ሃዋርያት ኣብ ዮሩሳሌም ምሃለዋ። ጳጥሮስ ኣብተን ካልኦት ከተማታት ይሁዳ፡ ናቱ ጨናፍር ማሕበራት እንተ ተኺሉ ድማ፡ እቶም ዓሰርተ ሓደ ሃዋርያትውን ኣብታ ጥቃኡ ነናቶም ማሕበራት ይተኽሉ። ከምኡ እናበሉ ከኣ ኪሳዕ ወሰን ምድሪ ነናቶም ማሕበረት(ደኖሚኔሽናት?) ይዝርግሑ ግዲ!
እምባኣር ወይ ዓሰርተ ክልቲኦም፡ “ማሕበረይ“ ናይ ምባል ስልጣንን መዝነትን ብፍጹም የብሎምን፡ ስለዚ ከኣ ካብ ዓሰርተ ክልቲኦም “በዓል ራእይ እዩ“ ዝባሃል ዋላ ሓደ ሰብ እኳ የለን! ወይ ከኣ ዓሰርተ ክልቲኦም “ማሕበረይ“ ኪብሉ ዝኽእሉ እዮም፡ ዓሰርተ ክልቲኦም ከኣ ሰብ ራእይ እዮም!? ካልእ ኣማራጺ የለን!
በሉ ጽን ኢልኩም ስምዑ፡ ልክዕ ከምቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዝበሎ ማለት እዩ፡ “ማሕበረይ“ ኪብል ዘይክእል ሰብ፡ በዓል ራእይ ኪበሃል ኣይከኣልን ፈጺሙ! እቲ እንኮ በይኑ፡ “ማሕበረይ“ ንኪብል ካብ ኣቦ ፍጹም ምቕባእ (ምሉእ ስምረት)፣ ምሉእ መዝነትን ተልእኾን እተዋህቦ ክርስቶስ ጥራይ እዩ! እዚ እንኮ መሲሕ ኣምላኽ እዚ ጥራይ እዩ ከኣ እቲ በዓል ራእይ! እታ እንኮ ራእይኡ ከኣ ምህናጽ ማሕበሩ እያ!
ስለዚ ከኣ በዓል ራእይ ፓስቶር ዝባሃል የለን! በዓል ራእይ ሃዋርያ ዝባሃል የለን፣ በዓል ራእይ ነብዪ ዝባሃል የለን፣ በዓል ራእይ ወንጌልዊ ወዘተ፡ ከምዚ ዝባሃል ነገር ፈጺሙ የለን! የለን! የለን! ኣታ የለን! ኣብቲ ምሉእ ዩኒቨርስ እንኮ ጥራይ ሕጋዊ በዓል ራእይ ኣሎ፡ ንሱ ከኣ የሱስ እቲ እንኮ መሲህ ኣምላኽ፡ እቲ እንኮ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ጥራይ እዩ። ከምዚ ስለ ዝዀነ እዩ ከኣ፡“ኣነ ኸኣ እብለካ አሎኹ፡ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ። ንማሕበረይ ከኣ ኣብዛ ኸውሒ እዚኣ ኽሃንጻ እየ፡ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይሕይልዋን።“ ዝብል።
እታ ራባዓይቲ ሓቂ) “ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይሕይልዋን።“
ኣብ ንሕድሕዳ እተኸፋፈለት፣ እተመቃቐለት፣ እተበታተነትን ዝፈራረሰትን ማሕበር፡ ደጌታት ሲኦል ዘይሕይሉዋ ማሕበር ኣይኰነትን። እታ ደጌታት ሲኦል ዘይሕይሉዋ ማሕበር እታ እተሃንጸት ማሕበር ጥራይ እያ።
ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 26፡19, ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ተዛሪቡ፡
“ዎ ንጉስ ኣግሪጳ…ነቲ ሰማያዊ ራእይ ኣይኣቤኽዎን።/ “So then, King Agrippa, I was not disobedient to the vision from heaven.’’/NIV/ ‘’So, then, King Agrippa, I did not go against the vision from heaven.’’/BBE/“
ኣብዛ ጥቕሲ ዂሉ-መላኺ፡ኲሉ-ገዛኢ፡ኲሉ-ተቆጻጸርቲ ዝዀና ሰልስተ ሓቕታት ኣለዋ።(Three all-Governing & All-Controlling truths)፡
1ይ) እታ ራእይ
2ይ) ጳውሎስ
3ይ) ምእዛዝ
በታ ራእይ ንጀመር። ኣብዚ እታ ኣብቲ ምሉእ ጽንፈለኽ እንኮ ሕጋዊት(legal & legitimate) ራእይን ፍሉይ ባህሪያታን ብንጹር ተገሊጻ ኣላ።
እታ ራእይ/=‘’the vision’’/ ብቁጽሪ እንኮ ጥራይ እያ። እዚ ጥቕሲ “ሓንቲ ራእይ-a vision’’ ኣይኰነን ዝብል ዘሎ። እታ ራእይ (the vision) እዩ ዝብል ዘሎ! እታ ራእይ ብቁጽሪ እንኮ ጥራይን ፍልጥትን እያ። ካልኣይ፡ እታ ራእይ፡ ሰማያዊ እያ፡ ናይ ሰማይ እያ። መበቆላ፣ ምንጫ፣ መበገሲኣ ሰማይ እዩ! ምንጪ እዛ ራእይ እዚኣ፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዝነብር ኣምላኽ ዘለኣለም እዩ። ንሱ በይኑ እዩ እቲ ሕጋዊ ዩኒበርሳል በዓል ራእይ። እዚ እንኮ ጥራይ በዓል ራእይ/The Sole Visionary/ ጐይታ እዚ፡ ነዛ ፍልይቲ ሰማያዊ ራእይኡ ኣብ መገዲ ደማስቆ ንጳውሎስ ገሊጽሉ! ጳውሎስ ግና ነዛ እንኮ ጥራይ ናይ ሰማይ ራእይ ጥራይ ኣይኰነን ሪኡ። ነቲ እንኮ በይኑ ጽንፈለኻዊ ሕጋዊ በዓል ራእይ ከኣ ሪኢዎ። ከም ሓቂ ጳውሎስ ቅድም ነቲ እንኮ በይኑ በዓል ራእይ እዩ ሪኢዎ! ከምዚ ኢሉ ከኣ ሓቲትዎ፡ –
• “ጐይታይ ንስኻ መን ኢኻ? በለ“
• “ጐይታይ ንስኻ መን ኢኻ? በለ“
• “ጐይታይ ንስኻ መን ኢኻ? በለ“
• “ጐይታይ ንስኻ መን ኢኻ? በለ“
• “ጐይታይ ንስኻ መን ኢኻ? በለ“
• “ጐይታይ ንስኻ መን ኢኻ? በለ“
• “ጐይታይ ንስኻ መን ኢኻ? በለ“
(ግብ9፡5) እቲ እንኮ በይኑ፡ ጽንፈለኻዊ በዓል ራእይ ድማ ከምዚ ኢሉ ስሙ ንጳውሎስ ነጊርዎ፡
• “ኣነ እቲ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ የሱስ እየ። ኣብ ኣንፊ ብልሒ እንተ ኣድሐርሐርካ፡ ንርእስኻ እዩ ዚገደካ፡ በሎ።“
• “ኣነ እቲ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ የሱስ እየ። ኣብ ኣንፊ ብልሒ እንተ ኣድሐርሐርካ፡ ንርእስኻ እዩ ዚገደካ፡ በሎ።`’
• “ኣነ እቲ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ የሱስ እየ። ኣብ ኣንፊ ብልሒ እንተ ኣድሐርሐርካ፡ ንርእስኻ እዩ ዚገደካ፡ በሎ።“
• “ኣነ እቲ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ የሱስ እየ። ኣብ ኣንፊ ብልሒ እንተ ኣድሐርሐርካ፡ ንርእስኻ እዩ ዚገደካ፡ በሎ።“
• “ኣነ እቲ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ የሱስ እየ። ኣብ ኣንፊ ብልሒ እንተ ኣድሐርሐርካ፡ ንርእስኻ እዩ ዚገደካ፡ በሎ።“
• “ኣነ እቲ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ የሱስ እየ። ኣብ ኣንፊ ብልሒ እንተ ኣድሐርሐርካ፡ ንርእስኻ እዩ ዚገደካ፡ በሎ።“
• “ኣነ እቲ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ የሱስ እየ። ኣብ ኣንፊ ብልሒ እንተ ኣድሐርሐርካ፡ ንርእስኻ እዩ ዚገደካ፡ በሎ።“
•
ቀጺሉ ጳውሎስ፡ መሰረታዊ መሰረታዊ መሰረታዊ ሕቶ ሓቲቱ፡-
• “ጐይታይ፡ እንታይ ክገብር ትደሊ ኣሎኻ፧ በሎ“
• “ጐይታይ፡ እንታይ ክገብር ትደሊ ኣሎኻ፧ በሎ“
• “ጐይታይ፡ እንታይ ክገብር ትደሊ ኣሎኻ፧ በሎ“
• “ጐይታይ፡ እንታይ ክገብር ትደሊ ኣሎኻ፧ በሎ“
• “ጐይታይ፡ እንታይ ክገብር ትደሊ ኣሎኻ፧ በሎ“
• “ጐይታይ፡ እንታይ ክገብር ትደሊ ኣሎኻ፧ በሎ“
• “ጐይታይ፡ እንታይ ክገብር ትደሊ ኣሎኻ፧ በሎ“
(ግብ9፡6) ቀጺሉ ጐይታ ከምዚ ኢልዎ፡-
• ጐይታ ድማ፡ ተንስእ እሞ ናብ ከተማ እቶ፡ እንታይ ክትገብር ከም ዚግብኣካውን፡ ኣብኡ ኺነግሩኻ እዮም፡ በሎ“
• ጐይታ ድማ፡ ተንስእ እሞ ናብ ከተማ እቶ፡ እንታይ ክትገብር ከም ዚግብኣካውን፡ ኣብኡ ኺነግሩኻ እዮም፡ በሎ“
• ጐይታ ድማ፡ ተንስእ እሞ ናብ ከተማ እቶ፡ እንታይ ክትገብር ከም ዚግብኣካውን፡ ኣብኡ ኺነግሩኻ እዮም፡ በሎ“
• ጐይታ ድማ፡ ተንስእ እሞ ናብ ከተማ እቶ፡ እንታይ ክትገብር ከም ዚግብኣካውን፡ ኣብኡ ኺነግሩኻ እዮም፡ በሎ“
• ጐይታ ድማ፡ ተንስእ እሞ ናብ ከተማ እቶ፡ እንታይ ክትገብር ከም ዚግብኣካውን፡ ኣብኡ ኺነግሩኻ እዮም፡ በሎ“
• ጐይታ ድማ፡ ተንስእ እሞ ናብ ከተማ እቶ፡ እንታይ ክትገብር ከም ዚግብኣካውን፡ ኣብኡ ኺነግሩኻ እዮም፡ በሎ“
• ጐይታ ድማ፡ ተንስእ እሞ ናብ ከተማ እቶ፡ እንታይ ክትገብር ከም ዚግብኣካውን፡ ኣብኡ ኺነግሩኻ እዮም፡ በሎ“
…ርኢኹም ቀጺሉ ነታ ናይ ሰማይ ራእይ እንታይን ከመይን ምዃና ብዝርዝር ኪገልጸሉ እዩ ማለት እዩ! ገሊጽሉ ድማ ብትኽክል! ስለዚ እዩ ከኣ ጳውሎስ ናይ ሰማይ ራእይ ኢሉ ጸዊዕዋ! (ግብ26፡19)
ድሕሪ እዛ ፍጻሜ እዚኣ ታሪኽ ጳውሎስ ተመልከቱ! My!!! What a revolutional & radical pardigm shift!!
ድሕሪ እዚ ፍሉይ ምግላጽ እዚ ፡ እዚ ማለት ድሕሪ እዚ ፍሉይ ምግላጽ እቲ እንኮ ሕጋዊ ጽንፈለኻዊ በዓል ራእይን እታ እንኮ ሕጋዊት ጽንፈለኻዊት ራእይ እዚ እንኮ በዓል ራእይን፡ ህይወት ጳውሎስ ካብ ምንታይ ናብ ምንታይ ናይ 180 ዲግሪ ተለዊጡ? ካብ ድንቁርና፣ዓመጽ፣ ዕንወትን ናብ ፍጹም ምእዛዝ ነታ እንኮ ናይ ሰማይ ራእይ!
“ዎ ንጉስ ኣግሪጳ…ነቲ ሰማያዊ ራእይ ኣይኣቤኽዎን።/ “So then, King Agrippa, I was not disobedient to the vision from heaven.’’/NIV/ ‘’So, then, King Agrippa, I did not go against the vision from heaven.’’/BBE/“
ፍሉይ ባህሪያት እዛ እንኮ ፍልይቲ ራእይ እዚኣ፡
============================
1ይ) ብኣገዳሲነታ መጺኻ እዛ ራእይ እዚኣ ናይቲ እቲ ኣብ ምሉእ ጽንፈለኽ/ዩኒቨርስ/ ዘሎ ሰብኣዊ መንነት (Personality) ዘለዎ ኰነ ሰብኣዊ መንነት ዘይብሉ ኣዎንታዊ ዘበለ ኩሉ፡ ማእከል ወይ ከኣ ሕመረት እያ! /The Center of every positive thing in the whole Universe)!
2ይ) ብጽንፈለኽነታን/Universality/ ብኣድማስነታን መጺኻ እዛ ራእይ እዚኣ ኩለ-ሰፊሕ (All-extensive) እያ!
3ይ) በቲ ሓድነታዊ ባህሪያታ መጺእካ እዛ ራእይ እዚኣ ኩሉ- ሓቈፍ (All-inclusive) ፣ ኩሉ-ጠማሪት፡ ኩሉ-ኣወሃሃዲት፡ ኩሉ-ኣቃዳዊት፣/All-blending/ እያ!
4ይ) ብመላኺነታ መጺእካ እዛ ራእይ እዚኣ ኩሉ-መላኺት/All-Subduing/ እያ!
5ይ) ብገዛኢነታ መጺእካ እዛ ራእይ እዚኣ ኩሉ-ገዛኢት/All-Governing,/ ኩሉ-ተቘጻጻሪት/All-Controlling/ እያ!
6ይ) ብብርተዐኣ መጺኻ እዛ ራእይ እዚኣ ኩሉ-ሰዓሪት/ All-Prevailing, All-Powerful/ እያ!
7ይ) ብብሉጽነታ መጺኻ እዛ ራእይ እዚኣ ንኹሉ-ሓለፍ እትብልን/All-surpassing/ እያ!
8ይ) ብፍሉይነታ (its Uniqueness) መጺእካ እዛ ራእይ እዚኣ ፡ መሳሊ ወይ መወዳድርቲ ፈጺሙ ዘይብላ ኣዚያ ፍልይቲ እያ!!!
9ይ) ብባህሪኣ መጽእካ እዛ ራእይ እዚኣ ሰማያዊት እያ! “ነቲ ናይ ሰማይ ራእይ ኣይኣበኹን!”/Heavenly!
10ይ) ብነባሪነታ መጺእካ እዛ ራእይ እዚኣ ዘለኣለማዊት እያ!/Eternal/
11) ብቁጽሪ መጽእካ እዛ ራእይ እዚኣ እንኮ ጥራይ/Sole & Only One)
12) ብዋንነታ መጽእካ እዛ ራእይ እዚኣ ናይ ኣምላኽ ጥራይ እያ!
እምባኣር እቲ እንኮ በዓል ራእይ እዚ ይመስል! እቲ ግርማዊ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ! እታ እንኮ ራእይኡ ከኣ እዚ ትመስል። ንሳ ከኣ ምንህናጽ ማሕበሩ እታ! ጳውሎስ ካብ መጀመርታ ኣብ መገዲ ደማስቆ ምልዋጡ ጀሚሩ፡ ኪሳዕ መወዳእታ ምፍጻም ጉያኡ፡ ነዛ እንኮ ራእይ ጐይታኡ እዚኣ ፍጹም ምእዛዝ ተኣዚዙ! እዚ ጳውሎስ ኣብ 2ጢሞቴዎስ4፡ 7 ‘’ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ እቲ ጕያ ወዲኤ፡ ነታ እምነት ሐልየ።’’ ዝብሎ ዘሎ፡ ብመንጽርን ብመዐቀንን እዛ እንኮ ናይ ሰማይ ራእይ እዚኣ እዩ። ኣብ ህይወት ጳውሎስ፡ እዚ እንኮ ጽንፈለኻዊ በዓል ራእይ ክርስቶስ ጐይታን እዛ እንኮ ኣድማሳዊ ናይ ሰማይ ራእይ ክርስቶስን እቲ ፍሉይ ማእከልነት (Centrality) ነይርዎም። ምንቅስቓሳት ጳውሎስ ኲሉ በዛ እንኮ ናይ ሰማይ ራእይ ኣዩ ተቀሊሱ!
ነዛ እንኮ ናይ ሰማይ ራእይን እቲ ባዓል ራእይ ጐይታን ፍጹም ምእዛዝ ብምእዛዙ፡ ጳውሎስ ፍሉይ ምሳሌ(pattern) እዩ!
ኣብ ላዕሊ፡ “ጐይታይ፡ እንታይ ክገብር ትደሊ ኣሎኻ፧“ ብምባል ጳውሎስ ዚሓተቶ መሰረታዊ ሕቶን፡ እቲ ቀጺሉ፡ ‘’ጐይታ ድማ፡ ተንስእ እሞ ናብ ከተማ እቶ፡ እንታይ ክትገብር ከም ዚግብኣካውን፡ ኣብኡ ኺነግሩኻ እዮም፡ በሎ“(ግብ9፡6) ዝብል ጽሑፍ ጠቒሰ ኣለኹ።
እቲ ኣብዚ ጳውሎስ ኣብቲ ዝተረፈ ምሉእ ህይወቱ ኪገብሮ ዚግባእ ንጳውሎስ እተነግሮ ሰማያዊ ሓቂ፡ ብቀጥታ ምስ ምህናጽ እታ ማሕበር ዚተኣሳሰር እዩ።
ኣብቲ ግብሪ ሃዋርያት 26፡15-20 ብንጹር ከም እንሪኦ ከምዚ ዝብል፦
‘’ኣነ ድማ፡ መን ኢኻ፡ ጐይታይ፧ በልክዎ። ጐይታ ኸኣ በለኒ፡ ኣነ እቲ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ የሱስ እየ። ግናኸ ተንስእ እሞ ብእግርኻ ደው በል፡ ነቲ ዝርኤኻዮን ኣነ ድሕርዚ ኽገልጸልካ ዘሎንን ነገር ኣገልጋልን ምስክርን ክትከውን መዲበካ ኣሎኹ፡ ስለዚ ድማ እየ እተገለጽኩልካ። ካብ ህዝብኻን ካብቶም ናባታቶም ዝልእከካ ኣህዛብን ከኣ ከናግፈካ እየ፡ ንኣይ ብምእማን ከኣ ሕድገት ሓጢኣት ርስቲ ምስ ቅዱሳንን ኪረኽቡ፡ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ስልጣን ሰይጣንውን ናብ ኣምላኽ ኪምለሱ ኣዒንታቶም ክትከፍተሎም፡ እልእከካ ኣሎኹ። ዎ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ምእንትዚ ንንስሓ ዚግባእ ግብሪ እናገበሩ ኺንስሑን ናብ ኣምላኽ ኪምለሱን፡ ቅድም ኣብ ደማስቆን ኣብ የሩሳሌምን፡ ደሓር ከኣ ኣብ ኲላ ሃገር ይሁዳ ንዚነብሩን ነህዛብን ብስራት ኣበሰርኩ እምበር፡ ነቲ ሰማያዊ ራእይ ኣይኣቤኽዎን።’’
ጳውሎስ ንህዝቡ(ኣይሁድ) ብፍላይ ከኣ ነህዛብ ወንጌል ኪሰብኽ እዩ! ወንጌል ንሳሓ ወንጌል ምምላስ ኪሰብኽ እዩ! ‘’ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ስልጣን ሰይጣንውን ናብ ኣምላኽ ኪምለሱ ኣዒንታቶም’’ ዚኸፍት ናይ ብርሃን ወንጌል ኪሰብኽ እዩ። እዚ ግና እቲ መወዳእታ ኣይኰነን! እዚ እቲ ራእይ ኣይኰነን! እቲ ራእይ ምህናጽ እታ ማሕበር ጐይታ እዩ(ማቴ16፡18)!
መብርሂ፡=> ሓደ ኣዚዩ ኣዚዩ ጽቡቕ ቤት ወይ ከኣ ህንጻ ኪሃንጽ ዝደለየ ክቡርን ሃብታምን ሰብ ኣሎ ንበል፡፡ እዚ ሰብ እዚ ናብ ኣኽራንን ጎቦታትን ደይቦም ኣእማን ዝፍንቅሉ፣ ኣእማን ዝወቅሩ፣ ኣእዋም ዝቆርጹ፣ ኣእዋም ብውሕልነት ዝጸርቡን ጭቓ ዘብዕጡ ኣዚዮም ብዙሓት ሰራሕተኛታት(ዓየይቲ) ይቆጽርን ይልእኽን። እዚኣቶም ኲላቶም ዓየይቲ ናቱ፣ ባሮት ናቱ፣ ገላዉ ናቱ፣ መተዓይይቲ ናቱ ደኣ እምበር ሰብ ራእይ ኣይኰኑን። እቲ እንኮ በዓል ራእይ እሞ፡ እቲ ሓደ ፍሉይ ህንጻ ኪሃንጽ ዚደሊ ዘሎ ክቡርን ሃብታምን ሰብ እዩ። እቶም ኣእዋም ዝቆርጹ ዝጸርቡ፣ እቶም ኣእማን ዝፍንቅሉን ዝወቅሩን ወዘተ እውን እንተዀኑ፡ እቲ ኣእዋም ምቁራጾም፣ ኣእዋም ምጽራቦም፣ ኣእማን ምፍንቃሎምን ምጽራቦምን ንባዕሉ እቲ ናይ መወዳእታ ሽቶ ኣይኰነን። እቲ ምህናጽ እታ ህንጻ (ሓንቲ ጥራይ ህንጻ) እዩ እቲ ናይ መወዳእታ ሽቶን ራእይን! ስለዚ ከኣ እታ መዘወር ኲሉ፡ እታ ናይ ኲሉ ነገር ማእከል፡ እታ ነዞም ኲሎም ዓየይቲ ከም ሓደ ሰብ እተሕብሮምን እተስምሮምን እተኣስሮምን፡ እታ እንኮ ራእይ እቲ በዓል ቤት እያ፡ንሳ ከኣ ምህናጽ እታ ህንጻ! እዚኣ እያ እታ እንኮ ራእይ! ብፍላይ ነዚ ናብ ቆረንቶስ ምልስ ኢለ ብሓጺር ኪዛረበሉ እየ። ቅድሚኡ ግና ነዛ ክፍሊ እዚኣ ንመልከታ!
‘’እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፣ ብልብኹም መገድኩም ሕሰቡ፣ ይብል ኣሎ። ናብ ኣኽራን ደይቡ፣ ዕጨይቲ ኣምጽኡ፣ ነታ ቤት ከኣ ስርሕዋ። ኣነ ድማ ብእእ ክሕጐስን ክኸብርን እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር።’’ (ሃጌ1፡7-8)
1. ናብ ኣኽራን (To all Nations) ኣህዛብ፣ ኣይሁድ፣ ቋንቋታት ህዝብታት ዓሌታት ወዘተ ኪዱን ደይቡን
2. ዕንጨይቲ ኣምጽኡ => ወንጌል ብምስባኽ ነፍሳት ኣምጽኡ!
3. ነታ ቤት ከኣ ስርሑዋ! => እታ እት ስራሕ ቤት፡ እታ እትህነጽ ቤት ሓንቲ ጥራይ እያ!
4. ኣነ ድማ ብእእ ክሕጐስን ክኸብርን እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር። => ብርግጽ እቲ ዋና፡ እቲ እንኮ በዓል ራእይ እግዚኣብሄር ጥራይ እዩ!
ናብ ቆረንቶስ ንመለስ፡ ኣብ ሓደ ፡ ‘’The Great Destroyer Became the Greatest Master builder”/ ‘’እቲ ዓብዪ መዕነዊ እታ ማሕበር ሲ፡ እቲ ዚዓበየ ብልሓተኛ ሃናጺ ኰይኑ’’ ኣብ ዝብል ጽሑፈይ ብሰፊሒ ገሊጸዮ ኣለኹ። ጳውሎስ እዚ በዓል ተርሲስ፡ ባዕሉ ኣብ ገላትያ 1፡13 => ከም ዝገለጾ፡ ‘’ቀደም ብኣይሁድነት ክነብር ከሎኹስ፡ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ብዘይ ልክዕ ከም ዝሰጐጕክዋን ዘዕኖኽዋን፡ ሰሚዕኩም አሎኹም።’’
እዚ ሰጓጒን መዕነዊ ማሕበር ኣምላኽ ዝነበረ ሰብ፡ ፍሉይ ሃናጺ፡ እቲ ዚዓበየ ብልሓተኛ ሃናጺ እታ ማሕበር ኣምላኽ ኰይኑ!
‘’6 ኣነ ተኸልኩ ኣጵሎስ ኣስተየ፡ ኣምላኽ ግና ኣብቈለ። 7 እምብኣርሲ እቲ ዜብቊል ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ እቲ ዚተክል ወይስ እቲ ዜስቲ ዚዓብሱ የብሎምን። 8 እቲ ዚተክልን እቲ ዜስትን ሓደ እዮም፡ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ጻዕሩ ዓስቡ ኪቕበል እዩ። 9 ንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና እሞ፡ ንስኻትኩም ግራት ኣምላኽ፡ ህንጻ ኣምላኽ ኢኹም። 10-11 ብዘይ እቲ ስሩት መሰረት፡ ንሱ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ፡ ካልእ መሰረት ሓደ እኳ ኺስርት ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ኣነ ኸምቲ እተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ ብልሓተኛ ሃናጺ ዀይነ ነቲ መሰረት ሰረትኩ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይሃንጽ። ነፍሲ ወከፍውን ከመይ ገይሩ ኸም ዚሃንጽ ይጠንቀቕ።12 ሓደ እኳ ኣብ ልዕሊ እዛ መሰረት እዚኣ ወርቂ፡ ብሩር፡ ክቡር እምኒ፡ ዕጨይቲ፡ ሳዕሪ ወይስ ሓሰር እንተ ሰርሔ፡ 13 እታ መዓልቲ እቲኣ ብሓዊ ኽትግለጽ እያ እሞ፡ ክትቀልዖ እያ። ግብሪ ነፍሲ ወከፍ ኪግሃድ እዩ፡ ንግብሪ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ከመይ ምዃኑ እቲ ሓዊ ኺፍትኖ እዩ። 14 ሰብ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ እተሃንጸ ዕዮ እንተ ጸንዓሉ፡ ዓስቢ ኪቕበል እዩ። 15 እቲ ዕዮኡ እንተ ነደደ ግና፡ ዓስቡ ኺስእን እዩ። ንርእሱ ግና ኪድሕን፡ ግናኸ ከምቲ ሓዊ ሐሊፉ ዝደሐነ እዩ። 16 ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ሐዲሩ ምህላዉንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧17 ሓደ እኳ ነታ ቤት መቕደስ ኣምላኽ እንተ ኣማሰነ፡ ኣምላኽ ኬማስኖ እዩ። ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ፡ እዛ ቤት መቕደስ እዚኣውን ንስኻኩም ኢኹም።’’ (1 ቆረ3፡6-17)
ሸውዓተ ኣዚዮም ኣዚዮም ኣገደስቲ ሓቂታት ንመልከት
=============================
1ይ ሓቂ) ዝተኽሉ ዓየይቲ ኣለዉ፡ ዘስትዩ ዓየይቲ ከኣ ኣለዉ። እዚኣቶም ግና ፡ ‘’ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ጻዕሩ’’ ዓስቦም ካብ ኣምላኽ ዝቅበሉ ዓየይቲ ደኣ እምበር፡ ንሳቶም እቲ ዓብዪ ስእሊ ኣይኰኑን! እቲ ዓብዪ ስእሊ (The Big picture) ኣምላኽ እዩ! እቲ ነቲ እተተኽለ ዘብቊል ነቲ ዝስተ ከኣ ዘዕቢ ኣምላኽ፡ ንሱ እዩ እቲ ማእክልነት/centrality) ዘለዎ! ንሱ ስለ ዝዀነ እቲ በዓል ራእይ ንሱ እዩ እቲ ዓብዪ ስእሊ! ስለዚ ኣምላኽ ኣብ ግራቱ፡ ኣዚዩ ንጡፍ(active) እዩ ማለት እዩ! እቲ ዝተክል እንታይ ዓይነት ዘርኢ ይዘርእ ከመይ ገይሩኸ ይዘርእን ይተክልን ኣምላኽ ኣብቲ ግራቱ ኣዚዩ ኣክቲቭ/ንጡፍ/ ኰይኑ መዓልትን ለይትን ይርኢን ይዋሳእን እዩ! እቲ ዘስቲኸ እንታይ ዓይነት ማይ የስትን ብኸመይ የስትን ኣምላኽ ንጡፍ ኣክቲቭ ኰይኑ ይምልከት እዩ! (1ቆረ3፡6-7)
2ይ ሓቂ) እቶም ዝተኽሉን እቶም ዘስትዩን ኲሎምን ብማዕረን መዓይይቲ ኣምላኽ ደኣ እምበር ሰብ ራእይ ኣይኰኑን! እቲ እንኮ በዓል ራእይ፡ እቲ ዋና እታ ሓንቲ ግራት፡ እቲ ዋና እታ ሓንቲ ህንጻ ዝዀነ ኣምላኽ ጥራይ እዩ። (1ቆረ3፡9)
3ይ ሓቂ) እቶም ኣብ ምትካል እታ ግራት ኣምላኽ ዚዋፈሩ ዓየይቲ፡ እቶም ኣብ ምምስራት እቲ መሰረት ዚለኣኹ ዓየይቲ፡ ብዘይ እቲ እንኮ በይኑ ስሩት መሰረት፡ ንሱ ከኣ ክርስቶስ የሱስ፡ ካልእ መሰረት ኪስረት ከም ዘይግባእ ብፍሉይ ዚፈልጡ ዓየይቲ፣ እሙናት ባሮት፡ እሙናት ገላዉ እዮም። (1ቆረ3፡10)
4ይ ሓቂ) እቶም ኣብ ምስታይ እታ ግራት ኣምላኽ፡ ኣምህናጽ እታ ህንጻ ኣምላኽ ዚዋፈሩ ዓየይቲ ድማ፡ ብጀካ እቲ ጽሩይ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ካልእ ነገር ወይ ሕውስዋስ ከየስትዩ፣ እቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ስሩት መሰረት ዚሃንጹ ዓየይቲ፡ ብጀካ እቲ እንኮ ወዲ ኣምላኽ ብኻልእ ነገር ከይሃንጹ ኣዚዮም ኪጥንቀቁ ከም ዚግበኦም ዓብዪ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ኣሎ። ‘’ ሓደ ኻልእ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይሃንጽ። ነፍሲ ወከፍውን ከመይ ገይሩ ኸም ዚሃንጽ ይጠንቀቕ’’ (1ቆረ3፡11)
5ይ ሓቂ) እቶም ኣብቲ መሰረት (ትሕተ-ቅርጹ=Foundation) እቶም ኣብቲ ልዕለ-ቅርጺ(super-structure) ፡ዚዓዩ ባሮት ኣምላኽ፡ ብወርቂ፡ ብብሩር፡ ብኽቡር እምኒ ዘይኰነስ ብ ዕጨይቲ፡ ብ ሳዕሪ ወይስ ብ ሓሰር እንተ ሰርሑ ወይ እንተ ሃነጹ፡ ‘’ 13 እታ መዓልቲ እቲኣ ብሓዊ ኽትግለጽ እያ እሞ፡ ክትቀልዖ እያ። ግብሪ ነፍሲ ወከፍ ኪግሃድ እዩ፡ ንግብሪ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ከመይ ምዃኑ እቲ ሓዊ ኺፍትኖ እዩ። 14 ሰብ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ እተሃንጸ ዕዮ እንተ ጸንዓሉ፡ ዓስቢ ኪቕበል እዩ። 15 እቲ ዕዮኡ እንተ ነደደ ግና፡ ዓስቡ ኺስእን እዩ። ንርእሱ ግና ኪድሕን፡ ግናኸ ከምቲ ሓዊ ሐሊፉ ዝደሐነ እዩ።’’
6ይ ሓቂ) እምባኣር ርኢኹም፡ እቲ እነገልግሎ ኲሉ ኣገልግሎት፣ እንጐይዮ ኲሉ ጉያ፣ ብቀጥታ ኰነ ብተዘዋዋውሪ ምስ ምህናጽ እታ እንኮ ህንጻ ኣምላኽ እተኣሳሰረ እዩ! እዚ ጥራይ ዘይኰነ ድማ፡ ዋላ እቲ ብመዓልቲ ፍርዲ (ኣብ ቅድሚ መበር ፍርዲ ክርስቶስ ቀሪብና) እንፍረዶ ፍርዲ (2ቆረ5፡10)፡ ብቀጥታ ምስ ምህናጽ እታ እንኮ ህንጻ ኣምላኽ እተኣሳሰረ እዩ። ብመዕቀኒ እቲ ኣብታ ህንጻ ዚገበርዮ ግብሪ ኪንፍረድ ኢና! ዕዮና ኲሉ፡ ኣብዛ እንኮ ናይ ሰማይ ህንጻ፡ ምምሳን፡ እዚ ማለት ምፍራስ ምዕናው (Destroying, destruction) ድዩ ኣምጺኡን ኣኸቲሉን ወይስ ምህናጽን (building up) ምዕባይን (growing)፡ ግብሪና ኲሉ ጻዕርና ኲሉ ኪፍረድ እዩ! ‘’ ግብሪ ነፍሲ ወከፍ ኪግሃድ እዩ፡’’ ‘’ንግብሪ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ከመይ ምዃኑ እቲ ሓዊ ኺፍትኖ እዩ!’’
እዚ እንታይ የርእየና?
ሀ) እታ ራእይ ኣምላኽ እንኮ ጥራይ ምዃና፡ ንሳ ከኣ ኣብ ከከተማኡ ምህናጽ ማሕበሩ!
ለ) እዛ ኣንኮ ናይ ሰማይ ራእይ እዚኣ ፡ እታ እንኮ ናይ ኲሉ ነገር ማእከል (Hub & center): እታ እንኮ ናይ ኲሉ ነገር መዘወርን መቀለስን (pivot): እታ እንኮ ናይ ኲሉ ዕዮታት ግብሪታት መዕቀኒ (the only divine measuring yard) ምዃና ንርዳእ!
7ይ ሓቂ) ናይ ኣምላኽ ማሕበር (1ቆረ1፡2)፡ ናይ ኣምላኽ ግራት (1ቆረ3፡9)፡ ናይ ኣምላኽ ህንጻ (1ቆረ3፡9)፡ ናይ ኣምላኽ መቕደስ(1ቆረ3፡16) ኣብ ሓንቲ ከተማ ሓንቲ ጥራይ እያ። ነቶም ነዛ ማሕበር እዚኣ ዝበታትኑን ዝመቃቕሉን፣ ነቶም ነዛ ግራት እዚኣ ብእተፈላለየ ምህሮ ሓሶት ዚብክሉ፡ ዝምርዙን ዘበላሽዉን፣ ነቶም ነዛ ህንጻ ኢዚኣ ነዛ መቅደስ እዚኣ ዘማስኑ፡ እዚ ማለት ዘፍርሱን ዘዕንዉን ሰባት፡ ኣምላኽ ኪብትኖም እዩ፡ ከማስኖም እዩ፡ ከፍርሶም እዩ ከዕንዎም እዩ!
‘’ 16 ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ሐዲሩ ምህላዉንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 17 ሓደ እኳ ነታ ቤት መቕደስ ኣምላኽ እንተ ኣማሰነ፡ ኣምላኽ ኬማስኖ እዩ። ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ፡ እዛ ቤት መቕደስ እዚኣውን ንስኻኩም ኢኹም።’’/16 Don’t you know that you yourselves are God’s temple and that God’s Spirit dwells in your midst? 17 If anyone destroys God’s temple, God will destroy that person; for God’s temple is sacred, and you together are that temple. (1 ቆረ3፡6-17)
ኣቱም ነዚ ኣብዚ ኣቅሪበዮ ዘለኹ ንጹር ትምህርቲ ኣምላኽ፡ ከም ቃል ኣምላኽ፡ ከም ድምጺ ኣምላኽ፡ ከም ዘረባ ኣምላኽ፡ ከም ኣዚዩ ህጹጽ ደወል ኣምላኽ ዘይኰነስ፡ ከም ቃል ሰብ፡ ከም ዘረባ ሰብ ከም ዶክትሪን ሓደ ኣሼር ዝባሃል ውልቀ ሰብ ገይርኩም እንተ ወሰድኩምዎ ግና፡ ኣሕዋተይ ትጋገዩ ኣለኹ! ኣነ ካብ ርእሰይ ዝዀነ ዋላ ሓንቲ ነገር እዃ ከም ዘይብለይ ይፈልጥን ይእመንን! ብርግጽ ኣብ መወዳእታ እታ መዓልቲ እቲኣ ኪትግለጽ እያ! ንልብን ኲላሊትን ኲሉ ሰብ ከኣ ኪትቀልዖ እያ!
ኣምላኽ ይርዳኣና ኰታ! ኣምላኽ ንልብና ይስበር! ኣምላኽ ናብ ፍጹም ምእዛዝ እታ እንኮ ሰማያዊ ራእይ ይምለሰና ኰታ!
“ዎ ንጉስ ኣግሪጳ…ነቲ ሰማያዊ ራእይ ኣይኣቤኽዎን።/ “So then, King Agrippa, I was not disobedient to the vision from heaven.’’/NIV/ ‘’So, then, King Agrippa, I did not go against the vision from heaven.’’/BBE/“
ኣሜን!!!
(ይቕጽል…)
Comment here