DiscipleshipTranslation

እታ ዘለኣለማዊ ምኽሪ ኣምላኽን እታ ሰማያዊ ራእይን

(THE ETERNAL PURPOSE OF GOD & THE HEAVENLY VISION OF GOD)
እታ ናይ ዘመናት ምኽሪን እታ ናይ ዘመናት ራእይን

   እታ ምኽሪ ዘለኣለም ንሳ እታ ናይ ዘመናት ምኽሪ እያ፡እታ ናይ ሰማይ ራእይ ድማ ንሳ እታ ናይ ዘመናት ራእይ እያ። እቲ ሕቶ ግና ፦

→እዛ ዘለኣለማዊ ምኽሪ ኣምላኽ እዚኣ እንታይ እያ?እዚ ማለት እታ ናይ ዘመናት ምኽሪ ኣምላኽ እንታይ እያ?

→እታ ሰማያዊ ራእይ ኣምላኽኸ እንታይ እያ?እዚ ማለት እታ ናይ ዘመናት ራእይ ኣምላኽ እንታይ እያ?

   ኣብ ዚሓለፈ ትምህርትና ኣብ ዓለም ኣርባዕተ እተፈላለዩ ዓይነት ራእይ ከም ዘለዉ ጠቂስና ኔርና።
1.    ናይ ሰይጣን ራእይ
2.    ናይቲ ካብ ክርስቶስ ወጻኢ ዘሎ ዚዀነ ሰብ ራእይ
3.    እዚ ኣብ ምድረ-ክርስትና መሊኡ ዘሎ እተፈላለየ፣ ቁጽሪ ኣልቦን ንኹሉ ህዝቢ ኣምላኽ ድማ እቲ ዚዓበየ ጸገማትን ምፍልላያትን ፈጢሩ ዘሎ ግጉይ ዓይነታት ራእይ
4.    እታ እንኮ ሰማያዊ ራእይ

    ነተን ቀዳሞት ሰለስተ ድሮ ርኢናየን ኢና። ሕጂ ኸኣ ብዛዕባ እታ ራበዓይቲ ራእይ ክንርኢ ኢና።ቅድሚ ነታ ሰማያዊ ራእይ ምርኣይና ሓደ ነገር ኪዛርብ።

ኣቀዲመ ዚጠቀስክዎ መሊሰ ድማ ኪደግሞ ዘሎኒ ሓደ መሰረታዊ ሓቂ ኣሎ። ንሱ ድማ ራእይ ካብ ምኽሪ እዩ ዚመጽእን ዚወጽእን። ምኽሪ እንተዘየለ ራእይ የለን።
ንኣብንት ኣብ ላዕሊ ዚራኣናዮም ኣርባዕተ እተፈላሉ ራእይ ካብ ኣርባዕተ እተፈላሉ ምኽሪታት ዚመጹ እዮም።
እዚ ማለት፦
·    እቲ ናይ ሰይጣን ራእይ ካብቲ ናይ ሰይጣን ምኽሪን ድሌትን ዚመንጨወት ወይ ዚመጸት ዓይነት ራእይ እያ።
·    ናይቲ ካብ ክርስቶስ ወጻኢ ዘሎ ዚዀነ ሰብ ዓይነት ራእይ ካብቲ ናይቲ ሰብ ናይ ገዛእ-ርእሱ ምኽሪን ሃቀናታትን ዚመጸ ራእይ እዩ።(ምሳሌ 19፡21)
·    እዚ ኣብ ምድረ-ክርስትና መሊኡ ዘሎ እተፈላለየ፣ ቁጽሪ ኣልቦን ንኹሉ ህዝቢ ኣምላኽ ድማ እቲ ዚዓበየ ጸገማትን ምፍልላያትን ፈጢሩ ዘሎ ግጉይ ዓይነታት ራእይ ካብቲ ንኹለንተናኡ ምሉእ ብምሉእ ንኣምላኽ ዘየግዘኤን ብምሕዳስ ሓሳቡ ፍጹም ተለዊጡ ነታ ኣብ ምሉእ ኣድማስ ዘላ እንኮ ምኽሪ ኣምላኽ ዘይራኣየ፣ እንታይ ዳኣ ራእይ-ኣልቦ ብምዃን ብእተፈላለየ ስድነት ናይ እተጸመደ ህዝቢ ዓይነት ራእይ እዩ።
·    ኣብታ ንክርስቶስ ዘይቲኣምን ዓለም ዘለዉ ናይ ፖለቲካ፣ ሃይማኖትን ካልእ ነገራትን  መራሕቲ ነቲ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ እቲ ካብ ናይ ገዛእ-ርእሶም ምኽሪታትን ሃቀናታትን ዚመንጨወ ናይ ገዛእ-ርሶም ራእይ የስክርዎን የሽከርክርዎን ኣልዉ። እቶም ኣብ ዛሕጂ ዘላ ምድረ-ክርስትና ዘለዉ መራሕቲ ድማ ልክዕ ከምኡ እዮም።እቲ ፍልልዮም እዚኦም ዳሕረዎት ነቲ ናይ ልቦም ራእያትን ሃቀናታትን መጽሓፍ ቅዱስ እናጠቀሱን ኣብቲ ድሑን ህዝብ ስለ ዚገብርዎን እዩ።እዚ ክርስቶስ ዚሞተሉ ፍሉይ ህዝቢ ከምዚ ሕጂ ዚነብሮ ዘሎ ናብራ ኪነብር ኣይምተገበኦን ነይሩ።

·    እታ እንኮ ሰማያዊ ራእይ ካብታ ኣብ ምሉእ ኣድማስ ዚለዓት፣ዚዓመቘት፣ዚዓበየትን ዘይትልወጥ ዘላኣለማዊ ምኽሪ ኣምላኽ ዚመጸት ዓይነት ራእይ እያ።
እዚ ማለት እዞም ኣርባዕተ እተፈላለዩ ዓይነታት ራእይ ካብ ኣርባዕተ እተፈላለዩ ዓይነታት ምኽሪ ዚመጹ እዮም ማለት እዩ።
እምባአር እቲ መጀመርታን ቅዲሚ ዅሉ ኪምለስ ዘለዎ ሕቶ፦
 “ሎሚ ንስኻ/ንስኺ ኣበየናይ ምኽሪ ኣሎኻ/ኣሎኺ? ነየናይ ምኽሪ ትነብር ኣሎኻ?” ዚብል ሕቶ እዩ።
ኣብ ህዚቢ ኣምላኽ ዘሎ እቲ ዚዓበየ ድንቁርና ብዛዕባ እታ ናይ ኣምላኽ ዘላኣለማዊ ምኽሪ  ዚምልከት እዩ። “ምኽሪ ኣምላኽ” ወይ “ምኽሪ” ዚብል ሓሳብ ኣብ ትግሪኛ ተዛረብቲ ኰነ ኣብ ካልእ ቛንቛታት ተዛረብቲ ሳሕቲ ይጥቀስ እዩ።ይኹን እምበር ሰባት ምኽሪ ኢሎም ዚዛረብሉ  ካብቲ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምኽሪ ኣዚዩ ዚረሓቐ እዩ።ኣብ ምድሪ ክርስተና ዘለዉ ሰባት ኰነ ካብ ክርስትና ወጻኢ ዘለዉ ሰባት ብዛዕባ “ምኽሪ ኣምላኽ” ወይ “ምኽሪ” ኢሎም ዚጽሕፍዎ ብዙሕ መጻሕፍትን ካልእ ጽሑፋትን ኣንቢበን ብትኽክል መርሚረን ኣሎዅ።ይዂን ደኣ እመበር ዋላ እቶም ናይ ኣምላኽ ኣገልገልቲ ኢና በሃልቲ ብዛዕባ ምኽሪ ኣምላኽ ዚህብዎ መግለጺ ምድራዊ፣ ካብ ፍልስፍና እዛ ዓለም እዚኣ ዚመንጨወ፣ ምስቲ መለኮታዊ ምግላጽ ኣምላኽን ናይ ምኽሩ ትርጉምን ዕላማን ኣዚዩ ዚቃረን፣ካብቲ ዘይኣምኑ ሰባት ብዛዕባ ‘ምኽሪ’ ዚህብዎ መግለጽ ብዋላ ሓደ መገዲ ዘይፍለ እዩ።
እዚ ዓይነታት ምኽሪዚ ንዚበዝሕ ህዚቢ ኣምላኽ ኣፈንጢሩ ሕዚዎ ዘሎ ዓይነታት ምኽሪ እዩ።
ኣብዚ ምሉእ ኣድማስ እዚ ኣምላኽ ምኽሪ ኣለዎ! ካብ ኩሉ እቲ ካልእ ምኽርታት ሃዲምካ ናብ ምኽሪ ኣምላኽ ምምላጥ እቲ ዚበለጸ፣ እቲ ዚኸበረን እቲ ዚለዓለን ምርጫ እዩ።

ሎሚ እቲ ደው ኢልካሉ ዘሎኻ ምኽሪ ኣየናይ ዓይነት ምኽሪ እዩ ብህጹጽን ብትኽክልን ኪትፈልጥ ኣዚዩ፡ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣንታ ኣብቲ ናይ ኣምላኽ ምኽሪ ኣብ ዘይኰነ ደው ኢልካ ዘሎኻ ሰብ ሳዕቤኑ ዓቢዪ ምዃኑ ሎሚ ዘክር! “ኣነ ኣምኒ እየ፡ኣማኒ ስለ ዚዀንኩ ኸኣ ኣብ ምኽሪ ኣምላኽ ኣለዅ!” ዶትብል ኣሎኻ? እወ ግናኸ ኣመንቲ ጥራይ ዘይኰነስ ኣገልገልቲ ምድሪ ክርስተና ዚምህርዎ፣ ዚሰብክዎ፣ዚጽሕፍዎን ዚነብርዎ ዘለዉ ምኽሪ ኣዚዩ ግጉይ እዩ ኢለ እኮ እየ ዚጭድር ዘሎዅ!
 
ስማዕ ክቡር ኣንባቢ! ፈሪሳውያን ኣብቲ ዘመኖም እቶም ኣለዉ እተባህሉ ናይ ሓቂ ተጣበቅቲ ቃል ኣምላኽ፣ተጣበቅቲ ኣምላኽን ናይቲ ዘመን ኣመንትን  እዮም ነይሮም።
ፈሪሳዊያን ግና ምኽሪ ኣምላኽ ብዝምልከት እንታይ ከም ዚገበሩስ ትፈልጥዶ? ሉቃስ 7፡30 ኣንብብ።
·    ”ኲሎም ህዝብን ተገውትን ሰሚዖም፡ ብጥምቀት ዮሃንስ ተጠሚቖም ንኣምላኽ ኣጽደቕዎ። ፈሪሳውያንን ፈለጥቲ ሕግን ግና ብእኡ ኣይተጠምቁን እሞ ነቲ ኣምላኽ ዝመኸረሎም ምኽሪ ነዐቕዎ።”
·     “But the Pharisees and experts in the law rejected God’s purpose for themselves, because they had not been baptized by John.”
እምባኣር ሎሚውን ናይ ምኽሩ ትኽክለኛ ምግላጽን ፍልጠትን ተቀበል! ንምኽሩ ኣይትንዓቅ! ንምኽሩ ኣይትእበ! ንምኽሩ ኣይትጻረር! ንምኽሩ ኣይትቃወም!

Comment here