ኣብዚ ናይ ሕጂ ቪዲዮኻ፡ እንታይ ኢልካ ኣለኻ፡ ‘’እቶም ሽማግሌታት ጸላእትኻ ዘይኰኑስ መዓይይትኻ እዮም’’ ኢልካ ኣለኻ፣ ካልእ ድማ ‘’ነቶም ዘውደልድሉ ፈተውቲ ገንዘብ ዓየይቲ“ ኢልካ ኣለኻ። “መውደልደሊት ፈተውቲ ገንዘብ“ እትብሎም ሰባት ኣለዉ!
ኣይትሓዘለይ ደኣ እምበር፡ እቲ ናይ ብሓቂ መውደልደሊ ሰብ፡ እዚ ‘’ፓስቶር’’ ኢልካ በይኑ ነጺልካ ፍሉይ ስፍራ ሂብካዮ ዘለካ ሰብ እዩ። ነዛ ጰጥሮስ ኣብ 1ጰጥ5፡1 እተዛረባ ዘረባ ከም መጠቀሚ ገይሩ ኣውራ ስፍራ ዚሓዘ፡ ነቶም ሽማግሌታት መተዓይይቱ ዚቆጽር፡ ኣብቲ ኦርጋኒ ገጽ እታ ማሕበር ከም መጋቢ፡ ኣብቲ ምሕደራዊ ገጽ ድማ ከም ሽማግሌ ካብዚ ናብቲ ዚጠዋወ! “እቲ ፓስቶር መጋቢ እዩ፡ ልዕሊ ምምጋብ ከኣ ምምሕዳር ኣለዎ ከኣ!“ ኢልካ ኣለኻ። እምባእ! ኣንታ ዑቅብቲ ሓወይ፡ ናይ ብሓቂ መውደልደሊ ማለት ዳኣ ኣብዚ ኣነሀለካ እምበር!
በጃኻ እዚ መወደልደሊ እዚሲ ብካልቾ እግሪ ኣምላኽ ተሪር ቅሊዒት ተቀሊዑ ደኣ ካብቲ ሜዳ ይውጻእ! እዚ መውደልደሊ እዚ ካብታ ማሕበር ከይወጸ፡ ወይ ከኣ ኣብ ትኽክለኛ መስመሩ ብምእታው ካብቲ መድረኽ ከይተሰወረ፡ ነቶም ካልኦት “መውደልደልቲ ፈተውቲ ገንዘብ“ ዝበልካዮም ኣጻዊድና ኪንሕዞም ማለት ዘይሕሰብ እዩ። ምኽንያቱ እቶም ካልኦት መውደልደልቲ እውን እኮ ልክዕ እታ ናቱ/ናይዚ ፓስቶር/ ቅዲ መሪሕነት ሒዞም እዮም ከም ድላዮም ዘውደልድሉ ዘለዉ። ሕራይ ንሱ ከምቲኦም ገንዘብ ዘይውሕጥን ኣብ ካልእ ብልሽውና ጥንቅላዕላዕ ዘይብልን ይኸውን፡ ግናኸ ስልጣን ብጾቱ እኮ ውሒጡ ኣሎ! ደይ ንሱስ ካብቶም ካልኦት ብጾቱ ሽማግሌታት ዝበለጸ ስልጣን ከም ዘለዎ ኣካል ኰይኑ ዘውደልድል ዘሎ! ምልክት መውደልደሊት ከኣ ገንዘብ ጥራይ ኣይኰነን፡ ስልጣን እንኰላይ እዩ።
ሽማግሌታት ዝብል ቃል ኣብ ብሉይ ኪዳን 178 ጊዜ ተጠቒሱ ኣሎ።ካብ ዘፍጥረት 50 እዩ ዝጅምር። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ድማ 67 ጊዜ ተጠቒሱ ኣሎ። ኣብ ራእይ 19 እዩ ዝውድእ። ነዞም ኲሎም ጥቕስታት እዚኣቶም፡ ካብ ዘፍጥረት 50 ኪሳዕ ራእይ 19 ብዕምቈት መርሚረዮም ኣለኹ። እቲ ኣዚዩ ኣዚዩ ኣዚዩ ዝገረመኒ ነገር ከኣ እዚ ዝስዕብ እዩ።
#1ይ) ኣብ መንጎ እዞም ኲሉ ሳዕ ብቁጽሪ ብዙሓት ሽማግሌታት እዚኣቶም ሓደ ኣውራ፣ ፍሉይ ስልጣን ዘለዎ፣ ፍልይ ኢሉ ዝረአ ሰብ ብፍጹም ብፍጹም ኣይረኸብኩን።
#2ይ) ካብ መንጎ እዞም ሽማግሌታት እዚኣቶም፡ ስሙ እተረቁሐ/እተጠቕሰ/ ውልቀ-ሰብ ፈጺመ ፈጺመ ኣይረከብኩን።
#3ይ) ካብ ዘፍጥረት 50 ኪሳዕ ራእይ 19፡ ኩሉ ሳዕ ሓቢሮምን ብጋንታ ጥራይን እዮም ዝጽውዑ። ኩሉ ሳዕ ሽማግሌታት ተባሂሎም እዮም ዚጽውዑ። ከም ተወሳኺ እቲ “ሽማግሌታት“ ዝብል መጸውዒ፡ ኣብ ሓድሽ ኪዳን “ኤጲስቆጶሳት“፣ “ጓሶት“ ተባሂሎም ተጸዊዖም ኣለዉ።
#4ይ) ኣብ ብሉይ ኰነ ኣብ ሓድሽ ኪዳን፡ ካብ መንጎ እዞም ሽማግሌታት እዚኣቶም ነቲ ሎካሊቲ (ዝነብሩዎ ከተማ) ሓዲጉ ናብ ካልእ ከተማ ንኣገልግሎት ዚገይሽ ውልቀ-ሰብ ፈጺመ ፈጺመ ኣይረኸብኩን
#5ይ) ኲሉ ሳዕ ብቁጽሪ ብዙሓት እዮም፡፡ ማዕረ ስልጣን፣ ማዕረ ድምጺ፣ ማዕረ ጻውዒት፣ ማዕረ ሓላፍነትን ማዕረ ተሓታትነትን ዘለዎም ሰባት እዮም።
#6ይ) እዞም ሽማግሌታት እዚኣቶም፡ ኣብ ኤፌሶን 4፡11 ከምኡውን ኣብ 1ጰጥ5፡4 ብብዙሕ ቁጽሪን ማዕረ ብዝዀነ ጻውዒት ጉስነትን፡ “ጓሶት“ ተባሂሎም ተጸዊዖም ኣለዉ።
እቲ ከም ጸሓይ ድሙቕ ዝዀነ ሓቂ እዚ እናሃለወ፡ እቲ ኣዚዩ ኣዚዩ ኣዚዩ ዘስደምም ነገር ግና፡ ናይዚ ኣብዚ ዘመን እዚ፡“ፓስቶር“ እናተባህለ ኣብ ማእከል እዞም “ጓሶት“ እዚኣቶም ዘውደልድል ውልቀ-ሰብ እዩ።
ከምዚ ውልቀ-ሰብ እዚ፡ ናይ ስልጣን ኣብዩዘር የለን። ፈጺሙ ዘይግበኦ ስልጣን ናተይ እዩ ኢሉ ዝወሓጠ ወሓጢ እዩ። ነታ ዘለዋ ስልጣን ቃል ኣምላኻዊ ንምግባር፡ካብ ብሉይ ኪዳን፡ ንሙሴ፣ እያሱ፣ዳዊት ሰሎሞን ብምጥቃስ ናቱ ጽላሎት ከም ዝዀኑ ንምዝራብ ይደፍር። ደፋር! ናይ ብሓቂ ደፋር! ሙሴ፡ እያሱ፣ ዳዊት ሰሎሞንን ሲ፡ ናይቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን ሓደ ጓሳ (ዮሃ10፡16)፡ ዓብዪ ጓሳ(እብራውያን 13፡20)፡ ሓለቓ ጓሶት ዝዀነ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ጥራይ ጽላሎት ደኣ እምበር፡ ናይዚ ኣብ ሓንቲ ሎካል ቸርች (እሞ ከኣ ውጽኢት ምምቅቓል ዝዀነት ደኖሚኔሽን)“ፓስቶር“ እየ እናበል ተቐሚጡ ዘሎ ውልቀ-ሰብ ኣይኰኑን ፈጺሞም! ኣበደን!
ኣብ ሓደሽ ኪዳን ካብ ዘለዉ ሰባት ድማ፡ ንጰጥሮስ(1ጰጥ5፡1)፡ ንያእቆብ ሃዋርያ(ሓው ጐይታና)(ግብ15) ወዘተ ከም መደገፊ ስልጣኑ ይጠቕስን ርእሱ ምስኦም የመዓራርን! ኣንታ እዚ እኮ ዘገርም ዘደንጹ ዘስደምም እዩ! ነዚ ተግባርን ልምምድን እዚ ድቡልስና እዩ እንተዳኣ ዘይኢልካዮሲ፡ እሞ ሕራይ እንታይ ትብሎ? You, tell me!? ናይዚ ውልቀ-ሰብ እዚ ስልጣንን መዝነትን እቶም ሃዋርያት ዝባሃሉ ሰባት ከማን የብሎምን። ነዚ ዘይ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ልምምድ እዚ፡ በዚ መብረቓዊ ትምህርቲ ሓቂ እዚ ኰኒንናዮ ኣለና! እዚ ናይቲ ፍሉይ ጐይታና መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ስፍራ ምውሳድ እዩ!
#7ይ) ሕጅውን ኣስተውዒልና ንስማዕ፡ እቶም ኣብ 1ጰጥሮስ5፡1 ተጠቒሶም ዘለዉ ብቁጽሪ ብዙሓት ሽማግሌታት፡ እቶም ኣብ 1ጰጥ5፡4 ተጠቒሶም ዘለዉ ብቁጽሪ ብዙሓት ጓሶት፡ ብቁጽሪ ብዙሓት ፓስቶራት እዮም። ናይዞም ብቁጽሪ ብዙሓት ሽማግሌታት፡ንሳቶም ከኣ ብቁጽሪ ብዙሓት ጓሶት (=ብቁጽሪ ብዙሓት ፓስቶራት) እቲ እንኮ ሓለቓ ድማ፡ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ። ብጀካ ጐይታና የሱስ፡ ኣብቲ ዝነብሩዎ ከተማ ካልእ ሓለቓ ወይ ኣውራ የብሎምን።
ነዚ ሓቂ እዚ ጥሒሱ፡ ኣውራኦም ኰይኑ ዝመላለስ ውልቀ-ሰብ እንተሎ ግና፡ ብመንፈስ ዲዮትሬፌስ እተለኽፈ ሰብ ጥራይ እዩ።
“9 ኣነ ናብታ ማሕበር ሓደ ነገር ጽሒፈ አሎኹ፡ እቲ ኣውራኦም ኪኸውን ዚደሊ ድዮትሬፌስ ግና ኣይቅበለናን እዩ። 10 ስለዚ፡ እንተ መጻእኩ፡ ኣነ ነቲ ንሱ ብእኩይ ዘረባ እናጸረፈና ዚገብሮ ዘሎ ግብሪ ኸዘክሮ እየ። በዚ ድማ ምእካል ኣብይዎስ፡ ባዕሉ ነቶም ኣሕዋት ኣይቕበሎምን፡ ነቶም ኪቕበልዎም ዚደልዩ ኸኣ ይክልክሎም ካብ ማሕበርውን የውጽኦም አሎ። 11 ኣታ ፍቁረይ፡ ነቲ ሰናይ ደኣ እምበር፡ ነቲ እኩይሲ ኣይትቃጸጾ። እቲ ሰናይ ዚገብር ካብ ኣምላኽ እዩ፡ እቲ እኩይ ዚገብር ንኣምላኽ ኣይረኣዮን።“ (3ይ ዮሃንስ 1፡9-11)
ኣብቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ መወዳእታ ኲሉ ነገር ዝዀነ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ፡ ኣብዘን ዝስዕባ ጥቕስታት ኣብቲ ዝፋን ኣምላኽ ብዘይ ምቁራጽ ማዕረ ዝዀነ ጻውዒት ዘለዎም፡ ማዕረ ዝዀነ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ዘገልግሉ፣ ዘምልኹ፣ ዝሰግዱ፣ ዝዝምሩ፣ ንዂሉ እቲ ድሕሪኦም ዝስራዕ ፍጥረት ድማ ናብቲ ናይ ሓቂ መዝሙር፣ ኣምልኾ፣ ስግደት፣ ዝመርሑ፡ እቶም 24 ሽማግሌታት ኣለዉ። እዞም 24 ሽማግሌታት እዚኣቶም ሓንቲ ዓይነት ዝዀና 24 ዝፋናት ኣለዋኦም። ናብታ ኣብቲ ማእከል ኲሉ ዘላ ዝፋንን ኣብታ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኲሉ ዝኽእል ኣምላኽን፡ ቅርበት እዘን 24 ዝፋናት እዚኣተን ሓደ ዓይነትን ማዕረን እዩ። ዝፋን፡ ስልጣን፣ ክብሪ፣ ማዕረግ፣ ቦታ፣ ሓላፍነት ወዘተ እዩ ዘመልክት። እዞም 24 ሽማግሌታት ስልጣኖም፣ ክብሮም፣ መዓርጎም፣ ደረጃ ቦተኦም፣ ዓይነት ኣገግሎቶም ኲሉ ማዕረን ሓደ ዓይነትን እዩ። ካልእ ዘገርም ሓቂ ድማ፡ እቲ ኣብ ማእከል እዞም ሽማግሌታት እዚኣቶም ዘሎ እንኮ በይኑ ኣውራ፡ እቲ እተሓርደ ገንሸል እዩ። እቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ ሓደ ኣብ ማእከል እተን ሸውዓተ ማሕበራት ዝመላለስውን እቲ እተሓርደ ገንሸል እዩ። ኣብተን ኲለን ማሕበራቱ ኰነ፡ ኣብ መንጎ እቶም ኣገልገልቱ፡ ማለት እቶም ሽማግሌታት፡ እቲ በይኑ ማእከላይ ስፍራ ዘለዎ፡ እቲ እንኮ በይኑ ናይተን ማሕበራቱን ኣገልገልቱን ኣውራ፡ የሱስ ጥራይ እዩ። ኣታ ናይ ኣውራነት መንፈስ ካብ ማሕበሩ ይመሖ፡ ይመንቆስ ንብል ኣለና!
#መፍቀሪ ሓቂ ዘበለ ኲሉ ድማ፡ “ኣሜን! ኣሜን! ኣሜን! ኣሜን! ኣሜን! ኣሜን!ኣሜን! ኣሜን! ኣሜን!ኣሜን! ኣሜን! ኣሜን!“ ይበልልልልልልልልልል!
ራእይ ዮሐንስ 4:4
ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን ከኣ ዕስራን ኣርባዕተን ዝፋናት፡ ኣብቲ ዝፋናትውን ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኣብ ረርእሶም ከኣ ኣኽሊል ወርቂ እተኸለሉ ዕስራንኣርባዕተን ሽማግሌታት ተቐሚጦም ርኤኹ።
ራእይ ዮሐንስ 4: 10-11
እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ፍግም ኢሎም፡ ዎ ጐይታናን ኣምላኽናን፡ ንብዘሎ ንስኻ ፈጠርካዮ፡ ስለ ፍቓድካውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ፡ ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ፡ እናበሉ፡ ነቲ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኰይኑ ዚነብር እናሰገዱ ኣኽሊላቶም ናብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ይድርብዩ አለዉ።
ራእይ ዮሐንስ 5:8
ነቲ መጽሓፍ ምስ ወሰዶ ኸኣ፡ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታትን፡ ነፍሲ ወከፎም መሰንቆን ዕጣን ዝመልኤ ጽዋእ ወርቅን ሒዞም ፦ እዚ ድማ ጸሎት እቶም ቅዱሳት እዩ ፦ ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸል ተደፍኡ።
ራእይ ዮሐንስ 11: 16-17
እቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብ ዝፋናቶም ተቐሚጦም ዘለዉ ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ከኣ፡ ዎ ዘሎኻን ዝነበርካን፡ ኵሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነቲ ዓብዪ ስልጣንካ ስለ ዝወስድካዮን ስለ ዝነገስካን፡ ነመስግነካ አሎና፡ እናበሉ ብግምባሮም ተደፊኦም ንኣምላኽ ሰገዱ።
ራእይ ዮሐንስ 19:4
እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታትን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ከኣ ነቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽ፡ ኣሜን፡ ሃሌሉያ፡ እናበሉ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ።
ራእይ ዮሐንስ 5:6
ኣብ ማእከል እቲ ዝፋንን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ኣብ ማእከል እቶም ሽማግሌታትን ተሐሪዱ ኸም ዝነበረ ዚመስል ገንሸል ደው ኢሉ ርኤኹ። ንሱ ሾብዓተ ቐርንን ሾብዓተ ዓይንን አለዉዎ፡ ንሳቶም ከኣ እቶም ናብ ብዘላ ምድሪ እተላእኩ ሾብዓተ መናፍስቲ ኣምላኽ እዮም።
እዚ ነቲ መጓሰ ሓሓዲጉ ዓዲ ዓዲ ዝገይሽን ዝዘውርን “ፓስቶር!“ እናተባህለ ዚጽዋዕ፡ መውደልደሊ ውልቀ-ሰብ እዚ፡ ወንጌላዊ ከይንብሎ፡ ኣብቲ ዘለዎ ከተማ ዀነ ኣኣብቲ ዝገሾ ከተማታት ንዝጠፍኣ ነፍሳት ኣይምስክርን ፈጺሙ፣ ሃዋርያ ከይንብሎውን ሓንቲ ምልክት እኳ ፈጺሙ ነይብሉ! ነብዪ ከይንብሎ፡ በየናይ መዕቀኒ!? ጓሳ ከይንብሎ፡ ንመጓሲኡ ሓዲጉ ዚገይሽ ጓሳ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብፍጹም ኣይረኸብናን! አረ እንታይ ኢልና ኢና ኪንጽውዖ!? ኣታ ህዝቢ ኣምላኽ ኲልኻ፡ ኣዋጢርካ እባ ሕተቶ ነዚ ውልቀ-ሰብ እዚ፡ እናበልካ፡ “አረ መን ይብሉኻ!?“
እምባኣር እዚ መውደልደሊ ውልቀ ሰብ እዚ፡ ሃዋርያ እንተዳኣ ኰይኑ፡ ይኺድ ይሓውር፣ ግብሪ ሃዋርያ ይግበር መከራ ይጽገብ! ኣይኰነን እቲ ሒዝዎ ዘሎ ስፍራ፡ ኣብቲ ምሉእ ሓድሽ ኪዳን የለን ፈጺሙ! ዑቅባስላሴ ሓወይ፡ ኣይትሓዘለይ እምበር ንኣኻ ኣብነት ገይረ ኪዛረብ እየ፡ ንስኻ ኣብ ዘይትገሾ ዓዲ የብልካን። ናይ ሓንቲ ሎካል ቸርች ፓስቶር እየ ኢኻ እትብል። እስከ ካብቶም ናይ ሓድሽ ኪዳን ጓሶት ንሳቶም ከኣ ሽማግሌታት፡ ነቲ መጓሲኡ ሓዲጉ ካብ ሓደ ከተማ ናብ ካልእ ከታማ ከምዚ ናትካ ዚገይሽ ኣምጽኣለይ? ኖንዶ ሓንቲ ጥቕሲ ፍርቂ ቃል ኣኳ ኣይተምጻኣለይን ስለ ዘይትረክብ። ንመጓሲኡ ሓዲጉ ሰሚናራት ኪህብ ኮንፈርናሳት ኪህብ ዚገይሽ ጓሳ ብፍጹም የለን። ነዚ ወለዶ እዚ ቀንዲ ዕንቅፋት ኰንኩም ዘለኩም ድማ ንስኻትኩም ኣንቱም፡ ኣብ ሓደ ሎካል ቸርች ዘይግባኣኩም ስፍራ ስልጣን ሒዝኩም፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ነቲ መጓሰ ኣምላኽ ሓዲግኩም ዙራ እሞ ንሃገርካ ኪትዞሩ ንህዝቢ ኣምላኽ ብጥሜት እቲቀትሉ ዘለኹም ኣሕዋትና ኢኹም። አረ ስለ ኣምላኽን ስለ እዚ ወለዶ እዝን ኪትብሉ ሲ፡ ልክዕኩም ዘይትፈልጡ? አረ ንምንታይ ኣብታ ጻዊዕትኩም ጥራይ ብእሙንነት ዘይትጐይዩ? ምሕዋር እንተኰኑ ጻዊዕትኩም፡ ሃየ ንዝጠፍኣ ነፍሳት ወንጌል ስበኹ ከም በዓል ጰጥሮስ ከም በዓል ጳውሎስ! ጓሶት እንትዀንኩም ድማ፡ ኖንዶ ንሓንቲ ለይቲ፡ ንፍርቂ ሰዓት እኳ ካብቲ መጓሰ ኣምላኽ ከይተፈለኹም ጓሲዩ!
ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሓት ጥሪት ነይረናና፡፡ ኣነ ንብዙሕ ዓመታት ጓሳ ዝነበሩኩ ሰብ እየ። ብዛዕባ ጉስነት ኣጸቢቀ እፈልጥ እየ። ንመጓሲኡ ሓዲጉ ዓዲ ዓዲ ዝገይሽ ጓሳ ግና ፈጺመ ነይረኣኹ። ዓዲ ዓዲ ዝገይሽ እንተዀይኑ እሞ፡ ጓሳ ተባሂሉውን ኣይጽዋዕን እዩ! ጓሳ ስለ ዘይኰነ! ጓሳ ዘይገብሮ ተግባር ይገብር ስለ ዘሎ! ልምምዱ ናይ እሙን ጓሳ ኣይኰነን! በዓል ዓስቢ ዝዀነ ሰብ ጥራይ እዩ ንመጓሰ ሓዲጉ ዝዘውር። ካብተን መጓሰ ንላዕሊ እቲ ዘዙሮ ዘሎ ቢዝነስ ስለ ዚዓጦ ማለት እዩ! እዋ፡ እሞ እተን እንስሳት ብበላዒ ተበሊዐን ይጸንሓ ግዲ! ኣንታ እዞም ናይ ሎሚ ጓሶት ሲ ንበይንኹም ኢኹም! ኣምላኽ ምሕረት ይግበረልኩም! ጓሳ ማሕበር ደኣ እሞ፡ ናይ ባዕሉ ጓሶት ናብ ዘለውዎ ኣብ ካልእ ከተማ ናብ ዘሎ መጓሰ እናዞረ ሰሚናር ኮንፈርንስ ይህብ ዲዩ? ኖኖ! እዚ ጻዊዕቱ ዘይፈለጠ ሰብ ጥራይ ኪኻውን ኣለዎ፡ ወይ ከኣ ገደቡ ዘይፈለጠ ሰብ! እዚ ከኣ ‘’Confusion begets confusion’’ ከም ዝበሃል ማለት እዩ፡፡እዚ ሰብ እዚ ልክዕ ከምኡ ሰባት፡ ንእኡ ዝመስሉ ወለዶ እዩ ዝፈሪ! Its only revelation that begets revelation! ምግላጽ/ካብ ኣምላኽ ዝዀነ ምግላጽ/ ጥራይ እዩ ምግላጽ ዝወልድ! እዚ ወለዶ እዚ ከኣ fade up ኰይኑ ኣሎ! እዚ ወለዶ እዚ ከምቲ ፍጹም ፍቓድ ኣምላኽ ንዝዀነ ምግላጽ፣ ልምምድን ኣሰራርሓን ይናፍቅን ይደልን ኣሎ። እዚ ንህዝቢ ኣምላኽ ምዕባይን ምስፋሕን ዝኸልከለ ቀታሊ ዝዀነ ብሓደ ኣውራ ዝቆመ ቅዲ መሪሕነት ኪግልበጥ ኣለዎ። እዚ ቁጽሪ ንዘይብሎም መውደልደቲ ጥጡሕ ባይታ (vital ground/ ዚሃበ ልምምድ እዩ! ንኣኻ ንውልቅኻ ይዛረብ ከም ዘየለኹ ኣቀዲመ ነጊረካ እየ ዑቅባ ስላሴ ሓወይ። ግናኸ ንስኻውን ኣብኡ ምስቶም መውደልደቲ ስለ ዘለካ ይምልከተካ እዩ። ንዘረባይ ከም ዘረባ ትዕብቲ ከይቈጸርካ ጽን እንተዳኣ ኢልካዮ፡ ብብርቱዕ ጓሂ ደኣ እምበር ብትዕብቲ ይዛረብ ከም ዘየለኹ ኪትፈልጥ ኢኻ!
#ኣብ መወዳእታ፡
#ክቡር ዑቅባስላሴ ሓወይ፡- ሰለሰስተ ነገር ኪብል፦
#ቀዳማይ) በቲ ካልእ ነገራትካ ዝነቅፈካ ዘይብለይ ክነሰይ፡ ነዚ ኣብዚ ብትሪ ዚነቀፍኩዎ ትምህርትኻ ብፍቕሪ ኪትቅበሎ ተስፋ ይገብር። እዚ ኣብዚ ዝነቀፍኩኻ፡ ምናልባት ብገለ ነገር ኣዚየ ደፊረ ዀይኑ ኣብ ሕልናኻ እንተዳኣ ተሰሚዑካ፡ ሕጂውን ከምቲ ብጽሑፈይ ዝደፈርኩኻ ኰይኑ እተሰማዓካ፡ በዚ ጽሑፍ ይቅሬታ ይሓተካ ኣለኹ። You should never take it personal. I don’t want you to take it personal! ነዚ ድሮ ኣብ ሜድያ ኣብ ኣደባባይ ዝወጸ ትምህርቲ ንምእራም፡ ካልእ ዚሓሸ ኣማራጺ ስለ ዘየለ፡ ነዚ መገዲ እዚ ዝወስደኲ ኰይኑ ይስማዓኒ።
#ካልኣይ) እዚ ኣብዚ ዝነቀፍኩኻ ብዋላ ሓደ መገዲ እኳ ነቲ ካልእ ጽባቄኻ፣ ጽዓትካ፣ኣምላኻዊ ጥበብካ፣ ቅዱስ ዝዀነ ንጐታ ተወፋይነትካን ኣገልግሎትካን ዘነኣእስ ወይ ኢግኖር ዝገብር ከም ዘይኰነ ከረጋግጸልካ እፈቱ።
#ሳልሳይ) ሓደራኻ፡ ኣብቲ ዝስዕብ ኣገልግሎትካ፡ ብዛዕባ እዚ “ፓስቶርን“ “ሽማግሌታትን“ ንዝብል ትምህርትኻ መሰረታዊ ዳግመ ግምት ኪትገብረሉ እላበወካ። በጃኻ ስለ ካልእ ዘይኰነስ ስለ ጐይታን ህዝቡን ኪትብል ምስትኽኻል ግበረሉ። እንተ ተበዳህናስ ንኣምላኽ ደኣ እምበር ንሰብ ኣይኰንናን እንብዳህ! እዚ ዂሉ ሰሚዕና፡ ከም ዘይሰማዕና ኰይና እንተ ቀጸልና ግና፡ ነቲ ወለዶና፡ ካልእ ዘይኰነስ ንሳ ኢና ነውርሶ ዘለና። ኣብ ሓደ እዋን ጰጥሮስ፡ እቲ ፍሉይ እቲ ቆራጽ፡ እቲ ተባዕ እቲ ኣዚዩ ውፉይ ናይ ክርስቶስ ሃዋርያ፡ ካብኡ ብዝንእስ ብጳውሎስ ተነቂፉ ነይሩ። ግናኸ እቲ ትሑት ጰጥሮስ ዝገበሮ ዘገርም ግብሪ፡ ንኹላህና መምህርና ይኹን!
#ሓውና ዳኒኤል ተስፋይ ከኣ፡ ነዛ እቲገብራ ዘለኻ ቃለ መሕተት፡ ነዚ ዘሎ ግጉይ ኣካይዳን ልምምዳትን ዘቃልዕ፣ ዚግስጽን ዘቅንዕን Hard talk ከተቅርብ ይግባኣካ! እንተ ዘይኰነ ተተወዳዲስካ ጥራይ ትፈላለ እንተዳኣ ኰንካሲ ብኸመይ እዩ ደኣ እቲ ዚድለ ዘሎ ለውጢ ኪመጽእ!?
#ናብቲ ምሉእ ምኽሪ ኣምላኽ ተመሊስና ንወለዶና ንምምላስን ንፈውስን እንኸውን ሰባት ይግበረና!
#ኣምላኽ #ይባርኽኩም!
ሰላም!
Comment here