ሰላም ንኣኹም ይኩን። ብዛዕባ “ክርስቶስ ፣ ቕቡእ ፣ ቕብኣት ፣ ምቕባእ“ ዝብሉ ሓሳባት፡ ብዙሕ ነገር ከም ዝበሃል ሰሚዕኩም ኣለኹም። ብፍላይ ድማ በዞም ናይ እምነት ምቅስቃስ ዝበሃሉ መማህራን ንሓያሎ ዓመታት ክፍኖ ዝጸንሐ ሰፊሒ ትምህርቲ ሓሶት ኣሎ።
እምባኣር ቀጺልና ብዛዕባ ክርስቶስ፣ ቕቡእ፣ ቕብኣት፣ምቕባእ ሓድሽ ኪዳን እንታይ ኢሉ ይምህር ብንጹር ኪንምልከት ኢና። ኣቀዲመ ክላበወኩም ዝደሊ ነገር እንተሎ ግና ነዚ ጽሑፍ እዚ ክሳዕ መወዳእታ ኣንብብዎ። ነቶም ኣብዚ ዝጥቀዖም ጥቕስታት ኩሎም ድማ ከይሰገርኩም ኣንብብዎም። ብዛዕባ ጐይታና ዝዛረቡ ኣዚዮም ኣገደስቲ ጥቕስታት ስለ ዝዀኑ ብሓጐስ ነንብቦም! ሽዕኡ ጥራይ እና ድማ እዞም ጥቕስታት እዚኣቶም ንጐይታናን ንጐይታና የሱስ ጥራይን ደኣ እምበር ንካልእ ንዋላ ሓደ ሰብ ወይ ኣካል ክወሃቡ ከም ዘይግበኦም ርግጸኛታት ኰይና ክንፈልጥ እንኽእል።
እዚ “ክርስቶስ“ ወይ ከኣ ““ቕቡእ“ ዝብል ቃል እንታይን ንመንን የመልክት?
እዚ ቃል እዚ ብግሪኽ “Χριστός`/Christos/ኽሪስቶስ/ እዩ ዝብል። እቲ ቃል “ገላጺ/adjective/“ እዩ። እዚ ቃል እዚ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ንኸባቢ 569 ጊዜ ተጠቂሱ ኣሎ።
እዚ ክርስቶስ ዝብል ቃል እዚ ትርጉሙ፡=>“እቲ ቕቡእ“/”The anointed One”/ ማለት እዩ።
I. Christ = “The anointed One”
A. Christ was the Messiah, the Son of God
ጀመርቲ መማህራን ምንቅስቃስ እምነት በዓል ኬነት ሄግን ካብ ዝምሃርዎ መሰረታዊ ትምህርቲ ስሕተት ሓደ፡ “` ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ክርስቶስ እዩ! / Every believer is Christ/’’ ዝብል እዩ።/ናኣሽቱ ክርስቶሳት ኢና፡ ናኣሽቱ ኣምላኽቲ ኢና“ `/We are little Christs, we are little gods/ ኣብ ዝብልን ኣብ ካልእ ጽሑፋት ኬነት ሃጊንን ተወከሱ።/’’Hagin …[The] believer is called Christ…That’s who we are; we’re Christ” (Zoe: The God-Kind of Life, 1989. pp. 35-36, 41)/
እሞ እዞም መማህራን እዚኣቶም ይብሉዎ ከም ዘለዉ; ብሓቂ ዶ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ክርስቶስ እዩ? ንምዃኑ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ክርስቶስ እንተደኣ ኰይኑ እኮ ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ እቲ እንኮ ጥራይ ክስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ዘይኰነ ዝሰብኽሲ፡ እቲ ኣማኒ ገዛእ ርእሱ ንዓለም ክሰብከላ ኣለዎ ማለት እዩ! ነፍስ ወከፍ ኣማኒ ክርስቶስ እንተዳኣ ኰኑ ኩሉ ኣማኒ ገዛእ ርእሱ ክሰብኽ ኣለዎ ማለት እዩ! ስለ ምንታይ እንተዳኣ ኢልና፡ ዓለም ምእንቲ ክትድሕን ክርስቶስ ክስበኽ ኣለዎ!
“በሎም ድማ ፥ ናብ ኵላ ዓለም ኪዱ፡ ንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹሉ’። ዝኣመነን እተጠምቀን ኪድሕን፡ እቲ ዘይኣመነ ግና ኪዅነን እዩ።“(ማርቆስ 16፡15-16)
እስከ ጠጠው ኢልና ንሕሰብ፡ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ (እቲ ቕቡእ ኣምላኽ) እንተደኣ ኰይኑ፡ ልክዕ ከምኡ ከኣ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ክርስቶስ (ቕቡእ ኣምላኽ) እንተደኣ ኰይኑ፡ እቲ ንምድሓን ጥፉ`ኣት ኣብ ዓለም ዝስበኽ ክርስቶስ ኣየነኦም እዮም? እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ገሊጽዎ ዘሎ እንኮ ክርስቶስ ኣምላኽዶ ወይስ እዞም ሎሚ ክርስቶሳት ኢና ዝብሉ ዘለዉ ሰባት?
ንጹሑፋቶምን ትምህርትታቶም፣ ስብከቶም ብዕምቈት እንተዳኣ መርሚርናዩ፡ ብዘይ ምግናንን 99% እዞም ምንቅስቃስ እምነት ዝበሃሉ ዝሰብኩዎ ስብከት፡ ዝምህርዎ ትምህርቲ እቲ እንኮ ቕቡእ ኣምላኽ ጐይታና የሱስ ዘይኰነስ ገዛእ ርእሶም እዮም ዝሰብኩ። ነቲ ዝሰምዖም ህዝቢ፡ ወይ ገዛእ ርእሶም እዮም ዝሰብኩዎ፡ ወይ ድማ “ ንስኻ ከምዚ ኢኻ“` እናበሉ እቲ ሰብ ገዛእ ርእሱ ንገዛእ ርእሱ ይሰብኩዎ።
እዚ ኣዚዩ ረቂቅን ሓደገኛ ስሕተትን እዩ። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ሓያሎ መማህራን፡ ነቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዘሎ “`እስራኤል“ ዝብል ቃልን ንእስራኤላውያን ዘመልክት ንጹር ተስፋታት ኩሉ ብኣልባባ ብምውሳድ ነታ ናይ ሓድሽ ኪዳን ማሕበር ጥራይ ከም ዘመልክት ገይሮም ዝሰበኽዎ ጽንፈኚነት/ሕ`ሉፍነት/፡ እስራኤልሲ ኣብ መጻኢ ተስፋ ምድሓን ኪሳዕ ዘይብላ ደረጃ ገይሮም ዝምህሩ ማለት እዩ፡ እዚ ከኣ ረፕሌስመንት ቲኦሎጂ/ Replacement Theology/ ተባሂሉ ዝፍለጥ ማለት እዩ፡ ልክዕ ከምኡ ድማ፡ እዞም ናይ ምንቅስቃስ እምነት መማህራን ነቲ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ጥራይ ዝግባእን ዘመልክትን ክፍሊ ጽሑፋት እቲ ቅዱስ ቃል ወሲዶም፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ከም ዝግባእን ከም ዘመልክትን ገይሮም ነቲ ቃል ሓቂ ንጥፋት ርእሶምን ንጥፍኣት ብዙሓት ሰዓብቶምን ጠውየሞን ይጠውይዎውን ኣለዉን።
እስከ ሓደ መሰረታዊ ሕቶ ንሕተት፡ ብመሰረት እቲ KJV STrongs ብንጹር ኣቀሚጥዎ ዘሎ፡ካብዞም 569 ኣብ ሓድሽ ኪዳን ተጠቂሶም ዘለዉ “ክርስቶስ“ ወይ “ቕቡእ“ ዝብሉ ጥቅስታት ክንደዮኖት እዮም እቶም ንሓደ ቕቡእ ዝዀነ ኣማኒ፣ ክርስቶስ ንዝዀነ ኣማኒ ዘመልክቱ?
መልሲ፡
=====
I. ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ጥራይ እዚ “ክርስቶስ“ ዝብል ቃል 17 ጊዜ ተጠቂሱ ኣሎ። ካብዚ ክልተሳዕ ጥራይ እያ ንሰባት ኣመልኪታ ተጠቂሳ (ማቴ.24፡5,23) ንሳተን ከኣ ንሓሰውቲ ክርስቶሳት ኣመልኪተን እየን ተጠቂሰን። እተን 15 ጊዜ ተጠቂሰን ዘለዋ ኩለን ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ጥራይ እየን ዘመልክታ። ካብዘን 17 ጊዜ ተጠቂሰን ዘለዋ፡ ንሓደ ናይ ሓቂ ሰዓቢ ጐይታ ብምምልካት፡ እቲ ሰብ ክርስቶስ ምዃኑ ወይ ኸኣ እቶም ሰባት ክርስቶሳት ከም ዝዀኑ እትገልጽ ዋላ ሓንቲ ጥቅሲ እኳ የላን።ነዘን ዝስዕባ ጥቅስታት ባዕልኹም ኣንብብወን።
ማቴ.1:1
መጽሓፍ ወለዶ የሱስ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት፡ ወዲ ኣብርሃም።
ማቴ.1:16
ያእቆብ ንዮሴፍ ሕጹይ ማርያም ወለደ፡ ካብኣ ድማ እቲ ክርስቶስ ዚበሀል ዘሎ የሱስ ተወለደ።
ማቴ.1:17
እምበኣርሲ ዅሉ ወለዶ ኻብ ኣብርሃም ክሳዕ ዳዊት ዓሰርተው ኣርባዕተ ወለዶ፡ ካብ ዳዊት ልሳዕ ምርኮ ባቢሎን ዓሰርተ ኣርባዕተ ወለዶ፡ ካብ ምርኮ ባቢሎን ክሳዕ ክርስቶስ ድማ ዓሰርተው ኣርባዕተ ወለዶ እዩ።
ማቴ.1:18
ልደት የሱስ ክርስቶስ ከምዚ እዩ፡ ኣዲኡ ማርያም ንዮሴፍ ተሐጽያ ኸላ፡ ከይተራኸቡ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ጠኒሳ ተረኽበት።
ማቴ.2:4
ንሱ ድማ ንዅሎም ሊቃውንቲ ኻህናትን ጻሓፍትን ህዝብን ኣኪቡ፡ ክርስቶስ ኣበይ እዩ ዚውለድ፧ ኢሉ ሐተቶም።
ማቴ.11:2
ዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ፡ ወረ ግብሪ ክርስቶስ ሰሚዑ፡ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ልኢኹ፡
ማቴ.16:16
ስምኦን ጴጥሮስ፡ ንሳኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ።
ማቴ.16:20
ድሕርዚ ንደቀ መዛሙርቱ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ንሓደ እኳ ከይነግሩ ኣዘዞም።
ማቴ.22:42
ብዛዕባ ክርስቶስ እንታይ ይመስለኩም፧ ወዲ መንከ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶም። ንሳቶም ወዲ ዳዊት፡ በልዎ።
ማቴ.23:8
ንስኻትኩም ግና፡ መምህርኩም ሓደ እዩ እሞ፡ መምህራን ኣይትብሀሉ፡ ንስኻትኩምሲ ዅልኹም ኣሕዋት ኢኹም።/But be not ye called Rabbi: for one is your Master, evenChrist; G5547 and all ye are brethren./
ማቴ.23:10
መራሒኹም ሓደ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩምሲ መራሕቲ ኣይትብሀሉ።
ማቴ.24:5
ኣነ ክርስቶስ እየ፡ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም።
ማቴ.24:23
ሽዑ ገለ፡ እንሆ ክርስቶስ ኣብዚ ወይ ኣብቲ፡ እንተ በለኩም፡ ኣይትእመንዎ።
ማቴ.26:63
እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ፡ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ ክትነግረና፡ በቲ ህያው ኣምላኽ ኤምሕለካ አሎኹ፡ በሎ።
ማቴ.26:68
ዎ ክርስቶስ፡ መን እዩ ዝወቕዓካ፧ እስኪ ተነበየልና፡ እናበሉ ወቕዕዎ።
ማቴ.27:17–18
ተአኪቦም ከለዉ፡ ጲላጦስ ንየሱስ ብቕንኣት ኣሕሊፎም ከም ዝህብዎ ፈሊጡ ነበረ እሞ፡ ንመን ክፈትሓልኩም ትፈትዉ፡ ንበርባንዶ ወይስ ነቲ ክርስቶስዚብሀል የሱስ፧ በሎም።
ማቴ.27:22
ንሳቶም፡ ንበርባን፡ በሉ። ጲላጦስ፡ እምበኣርሲ ነቲ ክርስቶስ ዚብሀል የሱስከ እንታይ ክገብሮ፧ በሎም። ኵሎም፡ ይሰቐል፡ በሉ።
II. ኣብ ወንጌል ማርቆስ እዚ “ክርስቶስ“ ዝብል ቃል 7 ጊዜ ተጠቂሱ ኣሎ። ኩለን ድማ ንክርስቶስ ጥራይ እየን ዘመልክታ፡ ካብዘን 7 ጊዜ ተጠቂሰን ዘለዋ፡ ንሓደ ናይ ሓቂ ሰዓቢ ጐይታ ብምምልካት፡ እቲ ሰብ ክርስቶስ ምዃኑ እትገልጽ ዋላ ሓንቲ ጥቅሲ እኳ የላን።ነዘን ዝስዕባ ጥቅስታት ባዕልኹም ኣንብብወን።
ማር.1:1
መጀመርታ ወንጌል ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ።
ማር.8:29
ንሱ ድማ፡ ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ አሎኹም፧ በሎም። ጴጥሮስ መሊሱ፡ ንስኻ ክርስቶስ ኢኻ፡ በሎ።
ማር.9:41
ናይ ክርስቶስ ስለ ዝዀንኩም፡ ጣሳ ማይ ዝሑል ብስመይ ዜስትየኩም ዘበለ፡ ዓስቡ ኸም ዘይስእን፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
ማር.12:35
የሱስ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ ኪምህር ከሎ፡ መለሰ በለውን ፥ ጸሓፍቲ ኸመይ ኢሎም እዮም ፥ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት እዩ ዝብሉ፧
ማር.13:21
ሽዑ ሓደ እኳ፡ ክርስቶስ ኣብዚ እንሆ፡ ወይስ ኣብቲ አሎ፡ እንተ በለኩም፡ ኣይትእመኑ።
ማር.14:61
ንሱ ኸኣ ስቕ በለ እምበር፡ ኣይመለሰን። እቲ ሊቀ ኻህናት ድማ ከም ብሓድሽ ፥ ክርስቶስ ወዲ እቲ ብሩኽዶ ንስኻ ኢኻ፧ ኢሉ ሓተቶ።
ማር.15:32
ርኢና ኽንኣምንሲ፡ ክርስቶስ ንጉስ እስራኤል ሕጂ ኻብ መስቀል ይውረድ፡ እናበሉ ኣላገጽሉ። እቶም ምስኡ እተሰቕሉውን የላግጽሉ ነበሩ።
III. ኣብ ወንጌል ሉቃስ እዚ “ክርስቶስ“ ዝብል ቃል 12 ጊዜ ተጠቂሱ ኣሎ። ኩለን ድማ ንክርስቶስ ጥራይ እየን ዘመልክታ፡ ካብዘን 12 ጊዜ ተጠቂሰን ዘለዋ፡ ንሓደ ናይ ሓቂ ሰዓቢ ጐይታ ብምምልካት፡ እቲ ሰብ ክርስቶስ ምዃኑ እትገልጽ ዋላ ሓንቲ ጥቅሲ እኳ የላን።ነዘን ዝስዕባ ጥቅስታት ባዕልኹም ኣንብብወን።
ሉቃ.2:10–11
እቲ መልኣኽ ድማ፡ እንሆ፡ ሎሚ መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም ስለ ዘሎ፡ – ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ፡ – ንዅሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ ኤበስረኩም አሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሁ።
ሉቃ.3:15
እቶም ህዝቢ ኺጽበዩ ኸለዉ፡ ኵሎም ከኣ ብዛዕባ ዮሃንስ፥ ክርስቶስ ኰን ይኸውን፧ ኢሎም በብልቦም ኪሐስቡ ኸለዉ ድማ፡
ሉቃ.4:41
ኣጋንንቲውን፥ ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ እናበሉ እናጨደሩን ካብ ብዙሓት ይወጹ ነበሩ። ይገንሖም ከኣ ነበረ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ ድማ፡ ኪዛረቡ ኣይፈቐደሎምን።
ሉቃ.9:20
ንሱ ኸኣ፥ ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ፧ በሎም። ጴጥሮስ ከኣ፥ እቲ ናይ ኣምላኽ ቅቡእ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ።
ሉቃ.20:41–43
ንሱ ድማ፡ ዳዊት ባዕሉ ኣብ መጽሓፍ መዝሙራት፥ ጐይታ ንጐይታይ፥ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማንይ ተቐመጥ፡ በሎ፡ ይብል እዩ እሞ፡ ከመይ ኢሎም ደኣ እዮም፥ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት እዩ ዚብሉ፧
ሉቃ.22:66–67
ምድሪ ምስ ወግሔ፡ ዓበይቲ ህዝብን ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ተኣኪቦም፥ ንስኻ እቲ ክርስቶስ እንተ ዄንካስ፡ እስኪ ንገረና፡ ኢሎም ናብ ዋዕላኦም ወሰድዎ። ንሱ ኸኣ፥ እንተ ነገርኩኹም፡ ኣይትኣምኑን፡
ሉቃ.22:66–67
ምድሪ ምስ ወግሔ፡ ዓበይቲ ህዝብን ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ተኣኪቦም፥ ንስኻ እቲ ክርስቶስ እንተ ዄንካስ፡ እስኪ ንገረና፡ ኢሎም ናብ ዋዕላኦም ወሰድዎ። ንሱ ኸኣ፥ እንተ ነገርኩኹም፡ ኣይትኣምኑን፡
ሉቃ.23:2
ንሳቶም ከኣ፥ እዚ፡ ንህዝብና ኼስሕቶም፡ ንቄሳር ግብሪ ኸይግብሩ ኸኣ ኪኽልክሎም፡ ርእሱ፥ ክርስቶስ ንጉስ እየ፡ ኢሉውን ኪዛረቦም ከሎ ረኺብናዮ፡ ኢሎም ኪኸስዎ ጀመሩ።
ሉቃ.23:35
እቲ ህዝቢ ደው ኢሉ ይርኢ ነበረ፡ እቶም ዓበይቲውን ምሳታቶም ኰይኖም፥ ንኻልኦት ኣድሒኑ፡ ንሱ ክርስቶስ ናይ ኣምላኽ ሕሩይ እንተ ዀይኑስ፡ ርእሱ የድሕን፡ እናበሉ የላግጹሉ ነበሩ።
ሉቃ.23:39
ካብቶም እተሰቕሉ ገበርቲ ኽፉእውን ሓደ፥ ንስኻ ክርስቶስ እንተ ዄንካ፡ ንርእስኻን ንኣናን ኣድሕን፡ ኢሉ የላግጸሉ ነበረ።
ሉቃ.24:26
ክርስቶስ እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ኺጸግብ እሞ ናብ ክብረቱ ኺኣቱ ናይ ግዲ ደይኰነን፧ በሎም።
ሉቃ.24:46
ክርስቶስ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ካብ ምዉታት ኪትንስእ፡
IV. ኣብ ወንጌል ዮሃንስ እዚ “ክርስቶስ“ ዝብል ቃል 21 ጊዜ ተጠቂሱ ኣሎ። ካብዚ አን እተን ክልተ“ ዮሃንስ መጥምቅ ብዛዕባ ርእሱ ተሓቲቱ “ኣነ ክርስቶስ ኣይኰንኩን! ` ከም ዝበለ ሓቀኛ ምስክር ዮሃንስ እየን (ዮሃንስ1፡19 ፣ 3፡ 28)
እተን ዝተረፋ 19 ድማ ኩለን ንክርስቶስ ጥራይ እየን ዘመልክታ፡ ካብዘን 21 ጊዜ ተጠቂሰን ዘለዋ፡ ንሓደ ናይ ሓቂ ሰዓቢ ጐይታ ብምምልካት፡ እቲ ሰብ ክርስቶስ ምዃኑ እትገልጽ ዋላ ሓንቲ ጥቅሲ እኳ የላን።እቲ ኣዚዩ ዘደንቅ ነገር፡ እቲ ካብ ኣንስቲ ካብ እተወልዱ ዝመስሎ ዘየለ ዮሃንስ መጥምቅ “ኣነ ክርስቶስ ኣይኰንኩን` ኢሉ ኣብ ቅዱሚ ኲሉ መስኪሩ። እቲ ኣዚዩ ዘሕዝን ግና ሎሚ ብዙሓት ኣመንቲ ኢና በሃልቲ `ኣነ ክርስቶስ እየ ንሕና ክርስቶሳት ኢና ይብሉ ኣለዉ!? ካብ ሃዋርያት ጐይታና ዋላ ሓደ ሰብ እኳ ኣነ ክርስቶስ እየ ወይ ከኣ ንሕና ክርስቶሳት ኢና ዝበለ የለን ፈጺሙ! ነዘን ዝስዕባ ጥቅስታት ባዕልኹም ኣንብብወን።
ዮሃ.1:16–17
ሕጊ ብሙሴ ተውሂቡ እዩ እሞ፡ ጸጋን ሓቅን ግና ብየሱስ ክርስቶስ መጸ። እምብኣርከ ንሕና ዅላትና ኻብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና፡
ዮሃ.1:19
ንሱውን፥ ኣነስ ክርስቶስ ኣይኰንኩን፥ ኢሉ ተኣመነ እምበር፡ ኣይከሐደን።
ዮሃ.1:24
ንሳቶም ከኣ፥ እምብኣርሲ ክርስቶስ፡ ወይ ኤልያስ፡ ወይ እቲ ነብዪ ኻብ ዘይኰንካስ፡ ንምንታይ ደኣ ተጥምቕ አሎኻ፡ ኢሎም ሐተትዎ።
ዮሃ.1:40
ንሱ ቕድም ንሓዉ ስምኦን ረኸቦ እሞ፥ ንመሲህ፦ ክርስቶስ ዝትርጉሙ፦ ረኺብናዮ፡ በሎ።
ዮሃ.3:28
ኣነ ቀቅድሚኡ ደኣ ተለኣኽኩ እምበር፡ ክርስቶስ ኣይኰንኩን ከም ዝበልኩ፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ምስክረይ ኢኹም።
ዮሃ.4:25
እታ ሰበይቲ ድማ፡ ክርስቶስ ዚብልዎ መሲህ ከም ዚመጽእ፡ እፈልጥ አሎኹ። ንሱ ምስ መጸ ኸኣ፡ ኵሉ ኪነግረና እዩ፡ በለቶ።
ዮሃ.4:29
ዝገበርክዎ ዘበለ ዝነገረኒ ሰብኣይ ንዑ ርኣዩ። እንድዒ፡ ክርስቶስ ኰን ይኸውን፧ በለቶም።
ዮሃ.4:42
ነታ ሰበይቲውን፥ ደጊምሲ ባዕላትና ደኣ ንሱ ብሓቂ ክርስቶስ መድሓኒ ዓለም ምዃኑ ሰሚዕናን ፈሊጥናን እምበር፡ ኣይብዘረባኽን ኢና እንኣምን ዘሎና፡ ይብልዋ ነበሩ።
ዮሃ.6:69
ንሕናስ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ምዃንካ ኣሚንናን ፈሊጥናን አሎና፡ ኢሉ መለሰሉ።
ዮሃ.7:26
እንሆ፡ ንሱ ብግሁድ ይዛረብ አሎ፡ ንሳቶምውን ገለ ኣይብልዎን፡ እዞም መኳንንቲ ደዀን ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ብሓቂ ፈሊጦም ኰይኖም፧
ዮሃ.7:27
ግናኸ እዚ ካበይ ምዃኑ ንፈልጦ ኢና፡ ክርስቶስ ኪመጽእ ከሎ ግና፡ ካበይ ምዃኑ ዚፈልጥ የልቦን፡ በሉ።
ዮሃ.7:31
ካብቶም ዝህቢ ኸኣ ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ እሞ፡ ክርስቶስ ምስ ዚመጽእከ፡ ካብዚ ንሱ ዝገበሮ ትእምርቲ ዚበዝሕዶ ኺገብር ኢሉ፧ በሉ።
ዮሃ.7:41
ካልኦትውን፥ እዚ ክርስቶስ እዩ፡ በሉ። ገሊኦም ግና፥ ክርስቶስ ደዀን ካብ ገሊላ ዚመጽእ ኰይኑ፧
ዮሃ.7:42
እቲ ጽሑፍዶ፡ ክርስቶስ ካብ ዘርኢ ዳዊት፡ ካብታ ዳዊት ዝነበራ ዓዲ፡ ካብ ቤት- ልሄም፡ ከም ዚመጽእ፡ ኣይነግርን እዩ፡ በሉ።
ዮሃ.9:22
ኣይሁድ፡ ንሱ ክርስቶስ እዩ፡ ኢሉ ንዝመስከረ ኻብ ቤት ጸሎት ኪስጕዎ ሓጊጎም ነበሩ እሞ፡ እቶም ወለዱ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሁ እዮም እዚ ዝበሉ።
ዮሃ.10:24
ሽዑ ኣይሁድ ኣኽበብዎ እሞ፥ ክሳዕ መኣዝከ ኢኻ ላሕ እተብለና፡ ንስኻ ክርስቶስ እንተ ዄንካ፡ ኣግሂድካ ንገረና፡ በልዎ።
ዮሃ.11:27
ንሳ፡ እወ ጐይታይ፡ ንስኻ እቲ ናብ ዓለም ዚመጽእ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃንካ ኣሚነ አሎኹ፡ በለቶ።
ዮሃ.12:34
ስለዚ እቶም ህዝቢ፥ ንሕናስ፡ ክርስቶስ ንዘለኣለም ከም ዚነብር ደኣ፡ ካብ ሕጊ ሰማዕና። ንስኻ ግና ከመይ ኢልካ ኢኻ፥ ወዲ ሰብ ልዕል ኪብል ይግብኦ እዩ፡ እትብል ዘሎኻ፧ እቲ ወዲ ሰብ እቲኸ እንታዋይ እዩ፧ ኢሎም መለስሉ።
ዮሃ.17:3
ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ።
ዮሃ.20:31
ግናኸ የሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ምእንቲ ኽትኣምኑ፡ ኣሚንኩምውን ብስሙ ህይወት ኽትረኽቡ እዩ እዚ እተጻሕፈ።
እቲ እንኮ ክርስቶስ=> እቲ እንኮ ቅቡእ
(ካልኣይ ክፋል)
ናይ ኣምላኽ ሰላምን ናይ ክርስቶስ ጸጋን ምስ ኩላህኩም ይኹን ክቡራት ተኸታተልቲ። ቀጽልና ነቲ እንኮነት ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ፡ ነቲ እንኮነት እቲ ቅቡእ ኣምላኽ ዝምልከት ዝጀመርናዮ ፍሉይ መጽናዕትና መቀጸልታ እነሆ። ኣቀዲመ ግና፡ ሕጅውን ከምዚ ክብል እፈቱ፡ ጸገምና ነቲ ቅዱስ ጽሑፍ ብግቡእ ዘይምንባብ እዩ። ነቲ እነንብቦ ከም ፍሉይ ኣጽዋርን ዕጥቅን ኣጽኒዕና ዘይምሓዝ እዩ። እምባኣር ሓንቲ ጥቅሲ እኳ ከይዘለልና ነዘን ቀጺለን ዘለዋ ቅዱሳት ጽሑፋት ነንብበን። ኣብዞም ጥቅስታት፡ እቶም ፍሉያትን እሙናት ዓየይቲ እቲ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን (ኩሎም ሃዋርያትን መተዓይይቶምን) ነቲ ሕሩይ ህዝቢ፡ ብኸመይ ዝበለ ፍሉይ መለኮታዊ ኣገባብ እቲ እንኮ ክርስቶስ ከም ዝሰኣሉሎም፣ ዘግነኑሎ፣ ዘጉልሑሎም፣ ዘድመቁሎምን ዘተኰሩሎምን ነስተውዕል! ገዛእ ርእሶም ኣይሰበኹን ነዚ እንኮ ፍሉይ ክርስቶስ ደኣ ሰበኹ! ማዕሬና እዩ ኣይበሉን! ንሕና ባሮት ኢና ንሱ ግና ጐይታ እዩ ደኣ በሉ! ፍሉይነቱ ካብ ደቂ ሰብ ከኣ ማዕረን መሳሊ ኣልቦነቱን መስከሩ!
“ክርስቶሳት ኢና“` በሃልቲ ናይዚ ዘመን መማህራን ምንቅስቃስ እምነት ብዛዕባ እቲ ገዛእ ርእሶም ምስኡ ዘመዓራረዩ ክርስቶስ (=ካልእ ክርስቶስ!) እንታይ ይብሉ? እቲ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ክርስቶስ ከ እንታይ ይመስል ተጠንቂቑም ፈላሊዩ! ብዙሓት ሕሩያት ከይተረፈ ዝስሕቱሉ ክፉእ ዘመን እዩ እሞ ብምስትውዓል ኣንብቡ! ካብ ስሕተት ተሓለዉ!
V. ኣብ ግብሪ ሃዋርያት እዚ “ክርስቶስ“ ዝብል ቃል 31 ጊዜ ተጠቂሱ ኣሎ። ኩለን ድማ ንክርስቶስ ጥራይ እየን ዘመልክታ፡ ካብዘን 31 ጊዜ ተጠቂሰን ዘለዋ፡ ንሓደ ናይ ሓቂ ሰዓቢ ጐይታ ብምምልካት፡ እቲ ሰብ ክርስቶስ ምዃኑ እትገልጽ ዋላ ሓንቲ ጥቅሲ እኳ የላን።ነዘን ዝስዕባ ጥቅስታት ባዕልኹም ኣንብብወን።
ግብ.2:31
ቅድም ርእዩ ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ፡ ነፍሱ ኣብ ሲኦል ከም ዘይትተርፍ፡ ስጋኡ ኸኣ ጥፍኣት ከም ዘይርኢ፡ ተዛረበ።
ግብ.2:36
እምብኣርሲ ኣምላኽ ነዚ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ የሱስ፡ ንእኡ ጐይታን ክርስቶስን ከም ዝገበሮ፡ ብዘላ ቤት እስራኤል ብርግጽ ትፍለጥ።
ግብ.2:38–39
ጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም።
ግብ.3:6
ጴጥሮስ ከኣ፡ ወርቅን ብሩርን የብለይን፡ እቲ ዘሎኒ ግና እህበካ፡ ብስም የሱስ ክርስቶስ ናዝሬታዊ ተንስእ እሞ ኺድ፡ በሎ።
ግብ.3:18
ግናኸ ክርስቶስ መከራ ኸም ዚረክብ፡ ኣምላኽ ቅድም ብኣፍ ኲላቶም ነብያት ዝነገሮ ኸምኡ ፈጸሞ።
ግብ.3:20
ነቲ ቕድም ንኣኻትኩም እተሐርየ ክርስቶስ ከኣ ምእንቲ ኺሰደልኩምሲ፡ ተነስሑን ተመለሱን።
ግብ.4:10
ብስም እቲ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ እሞ፡ ኣምላኽ ካብ ምውታት ዘተንስኦ የሱስ ክርስቶስ ናዝሬታዊ፡ ብእኡ እዚ ኣብ ቅድሜኹም ጥዕዩ ደው ኢሉ ኸም ዘሎ፡ ኣብ ኲላትኩምን ኣብ ኲሉ ህዝቢ እስራኤልን ይፈለጥ።
ግብ.4:27–28
እቲ ኢድካን ምኽርኻን ኪኸውን ኢሉ፡ ቅድም ዝመደቦ ምእንቲ ኺገብሩ፡ ብሓቂ ሄሮድስን ጶንጥዮስ ጲላጦስን ምስ ኣህዛብን ምስ ዓሌታት እስራኤልን ኰይኖም፡ ነቲ ንስኻ ዝቐባእካዮ ቅዱስ ወድኻ የሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ንምጽራር ተኣከቡ።
ግብ.4:33
ሃዋርያት ከኣ ብብዙሕ ሓይሊ ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይምስክሩ ነበሩ፡ ኣብ ኲሎም ከኣ ዓብዪ ጸጋ ነበረ።
ግብ.5:42
ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ በቤትን ብስራት የሱስ ክርስቶስ ምምሃርን ምስባኽን ኣየብኲሩን ነበሩ።
ግብ.8:5
ፊልጶስ ከኣ ናብ ሓንቲ ኸተማ ሰማርያ ወሪዱ ክርስቶስ ሰበኸሎም።
ግብ.8:12
ፊልጶስ ግና ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ብዛዕባ ስም የሱስ ክርስቶስን ኣበሲርዎም፡ ምስ ኣመንዎ፡ ሰብኡትን ኣንስትን ተጠምቁ።
ግብ.8:37
ፊልጶስ ከኣ፡ ብዂሉ ልብኻ እንተ ኣሚንካስ፡ ይዀነልካ እዩ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ እኣምን ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ።
ግብ.9:22
ሳውል ግና እናበርትዔ ኸደ፡ ነቶም ኣብ ደማስቆ ዚነብሩ ኣይሁድ ከኣ የሱስ እቲ ክርስቶስ ምዃኑ ብምግሃድ ኣፎም የትሕዞም ነበረ።
ግብ.9:34
ጴጥሮስ ድማ፡ ኤንያ፡ የሱስ ክርስቶስ የሕውየካ ኣሎ። ተንስእ፡ ባዕልኻ ኣንጽፍ፡ በሎ። ብኡብኡ ኸኣ ተንስኤ።
ግብ.10:36
እቲ ናብ ደቂ እስራኤል ብየሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ ጐይታ ዂሉ፡ ሰላም እናኣበሰሮም እተላእከ ቓል፡
ግብ.10:48
ብስም የሱስ ክርስቶስ ኪጥመቑ ኸኣ ኣዘዘ። ድሕርዚ ድማ ቅሩብ መዓልቲ ምሳታቶም ኪቕኒ ለመንዎ።
ግብ.11:17
እምብኣርሲ ኣምላኽ ከምቲ ንኣና ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንዝኣመንና ዝሃበና፡ ማዕሬና ገይሩ ህያብ ካብ ዚህቦም፡ ኣነ ደኣ ንኣምላኽ ክኽልክሎ ዝኽእል እንታዋይ እየ፧
ግብ.15:25–26
ምስ እዞም እነፍቅሮም በርናባስን ጳውሎስን፡ ምእንቲ ስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ህይወቶም ኣሕሊፎም ዝሃቡ ሰባት፡ ናባኻትኩም እንሰዶም ሰባት ክንሐሪ ሰሚርና ብሓደ ዄንና መደብና።
ግብ.17:3
ንክርስቶስ ኪስቀን ካብ ምዉታት ኪትንስእን ከም ዚግብኦ፡ እዚ ዝሰብከልኩም ዘሎኹ የሱስ ከኣ ክርስቶስ እዩ፡ ኢሉ እናተርጐመ ይገልጸሎም ነበረ።
ግብ.18:5
ሲላስን ጢሞቴዎስን ካብ መቄዶንያ ምስ ወረዱ፡ ጳውሎስ፡ እቲ የሱስ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ንኣይሁድ እናመስከረ፡ ብዕዮ እቲ ቓል ጸኒዑ ነበረ።
ግብ.18:28
የሱስ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ብጽሑፋት እናኣርኣየ፡ ንኣይሁድ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ብግሁድ ኣጸቢቑ ይረትዖም ነበረ።
ግብ.19:4
ሽዑ ጳውሎስ፡ ዮሃንስሲ በቲ ድሕሪኡ ዚመጽእ፡ ማለት ብየሱስ ክርስቶስ፡ ኪኣምኑ፡ ነቶም ህዝቢ እናነገረ ጥምቀት ንስሓ እዩ ዘጥመቐ፡ በሎም።
ግብ.20:20–21
ንኣይሁድን ንጽርኣውያንን ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ኪምለሱ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከኣ ኪኣምኑ እናመስከርኩ፡ ዚጠቅም ዘበለ እናሰበኽኩልኩም ኣብ ዋዕላ ዀነ ኣብ ቤት ኰነ ምምሃርኩም ከቶ ኣየብኰርኩን።
ግብ.24:24
ድሕሪ ሓያሎ መዓልቲ ኸኣ ፌሊክስ ምስታ ኣይሁዳዊት ድሩሲላ ሰበይቱ መጺኡ ንጳውሎስ ልኢኹ ጸዊዑ፡ ብዛዕባ እምነት ብክርስቶስ የሱስ ካብኡ ሰምዔ።
ግብ.26:22–23
ግናኸ ንዓብይን ንንእሽቶን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ደው ኢለ እናመስከርኩ ኻብ ኣምላኽ ረዲኤት ተቐቢለ ኣሎኹ። ብዘይ እቲ ሙሴን ነብያትን ኪኸውን ከም ዘለዎ እተዛረብዎ፡ ማለት፡ ክርስቶስ ሓሳረ መከራ ኸም ዚጸግብ፡ ከም በዂሪ ትንሳኤ ምዉታትውን ንህዝብን ነህዛብን ብርሃን ከም ዘበስር፡ ኢለ ሓንቲ እኳ ኣይተዛረብኩን።
ግብ.28:31
ከይተኸልከለ ኸኣ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ትብዓት እናሰበኸ፡ ብዛዕባ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይምህር ነበረ።
(ኣብቲ KJV ክርስቶስ ዝብል ቃል ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 2፡30 ፣ 4፡33 ፣10፡48 ኰላይ ተጠቂሱ ኣሎ። እዚ ኣብቲ ትግሪኛ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይተጠቅሰን)
VI. ኣብ መልእኽቲ ሮሜ እዚ “ክርስቶስ“ ዝብል ቃል ንኸባቢ 68 ጊዜ ተጠቂሱ ኣሎ። ኩለን ድማ ንክርስቶስ ጥራይ እየን ዘመልክታ፡ ካብዘን 68 ጊዜ ተጠቂሰን ዘለዋ፡ ንሓደ ናይ ሓቂ ሰዓቢ ጐይታ ብምምልካት፡ እቲ ሰብ ክርስቶስ ምዃኑ እትገልጽ ዋላ ሓንቲ ጥቅሲ እኳ የላን።ነዘን ዝስዕባ ጥቅስታት ባዕልኹም ኣንብብወን።
ሮሜ.1:1
ጳውሎስ ባርያ የሱስ ክርስቶስ፡ ሃዋርያ ኪኸውን እተጸውዔ፡ ንወንጌል ኣምላኽ እተፈልየ፡
ሮሜ.1:4
ንሱ የሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታና፡ ካብ ምዉታት ብምትንሳኡ፡ ብመንፈስ ቅዱስና ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ብሓይሊ እተጋህደ፡
ሮሜ.1:6
ንስኻትኩም ከኣ ምሳታቶም ጽዉዓት የሱስ ክርስቶስ ኢኹም፡
ሮሜ.1:7
ኣብ ሮሜ ንዘሎኹም ጽዉዓትን ቅዱሳንን ፍቁራት ኣምላኽ ኲላትኩም። ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይሃሉኹም።
ሮሜ.1:8
እምነትኩም ኣብ ኲላ ዓለም ስለ እተወርየት፡ ቅድሚ ዂሉ ብዛዕባ ዂላትኩም ንኣምላኸይ ብየሱስ ክርስቶስ ኤመስግኖ ኣሎኹ።
ሮሜ.2:16
በታ፡ ከም ወንጌለይ ገይሩ፡ ኣምላኽ ነቲ ምስጢራት ሰብ ብየሱስ ክርስቶስ ዚፈርደላ መዓልቲ ኸምኡ ኪኸውን እዩ።
ሮሜ.3:22
ማለት፡ ጽድቂ ኣምላኽ ብምእማን ብየሱስ ክርስቶስ ንዚኣምኑ ዂላቶም እዩ፡ በዚ ሌላን ጒሌላን የልቦን እሞ፡
ሮሜ.3:24
በቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ በጃ ምሕላፍ ብኸምኡ ብጸጋኡ ይጸድቁ።
ሮሜ.5:1
እምብኣርሲ ብእምነት ካብ ጸደቕና፡ ምስ ኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሰላም ይሃልወና።
ሮሜ.5:6
ገና ድኹማት ከሎና፡ ክርስቶስ ብጊዜኡ ምእንቲ ዓመጽቲ ሞተ።
ሮሜ.5:8
ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ ኣሎ።
ሮሜ.5:11
ግናኸ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ብእኡ ሕጂ ዕርቂ ዝረኸብና፡ ብኣምላኽውን ንምካሕ ኣሎና እምበር፡ እዚ ጥራይ ኣይኰነን።
ሮሜ.5:15
ግናኸ እቲ ውህበት ጸጋ ኽንድቲ ኣበሳ ኣይኰነን። ብኣበሳ ሓደ ሰብኣይ ብዙሓት ሞይቶም እዮም እሞ፡ እቲ ጸጋ ኣምላኽን ውህበቱን ብጸጋ እቲ ሓደ ሰብኣይ፡ ማለት የሱስ ክርስቶስ፡ ናብቶም ብዙሓት እምብዛ ይዓዝዝ እዩ።
ሮሜ.5:17
ሞት ብኣበሳ እቲ ሓደ በቲ ሓደ ኻብ ገዝኤ፡ እቶም ትርፊ ጸጋን ውህበት ጽድቅን እተቐበሉ ኸኣ በቲ ሓደ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወት ኣዝዩ ብዙሕ ኪገዝኡ እዮም።
ሮሜ.5:21
ከምቲ ሓጢኣት ብሞት ዝገዝኤ፡ ጸጋውን ከምኡ ብየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ብጽድቂ ንዘለኣለም ህይወት ኪገዝእ እዩ።
ሮሜ.6:3
ወይስ ብክርስቶስ የሱስ እተጠመቕና ዘበልና ዂላትና ብሞቱ ኸም እተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧
ሮሜ.6:4
እምብኣርሲ ኸምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና።
ሮሜ.6:8–9
እቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ ክርስቶስ መሊሱ ኸም ዘይመውት፡ ሞትውን ኣብኡ ኸም ዘይመልኽ ፈሊጥና፡ ንሕና ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትናስ፡ ምስኡ ድማ ብህይወት ከም እንነብር፡ ንኣምን ኣሎና።
ሮሜ.6:11
ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ካብ ሓጢኣት ከም ዝሞትኩም፡ ብክርስቶስ የሱስ ግና ንኣምላኽ ህያዋን ከም ዝዀንኩም፡ ርእስኹም ቊጸሩ።
ሮሜ.6:22–23
ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ፡ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩም፡ ንኣምላኽውን ስለ እተገዛእኩምዎ፡ ፍሬኹም ንቕድስና ዀይኑ ኣሎ፡ መወዳእታ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።
ሮሜ.7:4
ኣሕዋተየ፡ ከምኡ፡ ድማ ንስኻትኩም፡ ንኣምላኽ ፍረ ምእንቲ ኽትፈሪ፡ ንኻልእ፡ ነቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ ኽትኰኑ፡ ብስጋ ክርስቶስ ካብቲ ሕጊ ሞትኩም።
ሮሜ.7:25
ንኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ስብሓት ይኹኖ። እምብኣርሲ ኣነ ባዕለይ ብሓሳበይ ንሕጊ ኣምላኽ፡ ብስጋይ ግና ንሕጊ ሓጢኣት እግዛእ ኣሎኹ።
ሮሜ.8:1
እምብኣርሲ ሕጂ ነቶም ብክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ዂነኔ የብሎምን።
ሮሜ.8:2
እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ ሕጊ መንፈስ ህይወት ካብቲ ሕጊ ሓጢኣት ሞትን ሓራ ኣውጺኡኒ እዩ እሞ፡
ሮሜ.8:9
ንስኻትኩም ግና፡ መንፈስ ኣምላኽ ሐዲሩኩም እንተ ኣልዩስ፡ ብመንፈስ እምበር፡ ብስጋ ኣይኰንኩምን ዘሎኹም። እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዜብሉ ሰብ ግና፡ ንሱ ናቱ ኣይኰነን።
ሮሜ.8:10
ክርስቶስ ኣባኻትኩም እንተ ኣልዩ ግና፡ እቲ ስጋ ብሰሪ ሓጢኣት ምዉት እዩ፡ እቲ መንፈስ ግና ሳላ ጽድቂ ህይወት እዩ።
ሮሜ.8:11
ናይ እቲ የሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኤ መንፈስ ኣባኻትኩም ሐዲሩ እንተ ኣልዩ ግና፡ እቲ ንክርስቶስ የሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ፡ ንሱ ነቲ መዋቲ ስጋኹምውን፡ በቲ ኣባኻትኩም ሐዲሩ ዘሎ መንፈሱ ገይሩ፡ ህያው ኪገብሮ እዩ።
ሮሜ.8:17
ውሉድ ካብ ኰንናኸ፡ ወረስቲ ድማ ኢና፡ ንኣምላኽ ወረስቱ፡ ንክርስቶስ መዋርስቱ ኢና። ምስኡ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብናስ፡ ምስኡውን ክንከብር ኢና።
ሮሜ.8:34
እቲ ዚዅንንከ መን እዩ፧ ክርስቶስ የሱስ፡ እቲ ዝሞተ፡ ኤረ ኻብ ምዉታት እኳ ዝተንስኤ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ኰይኑውን ምእንታና ዚልምን ዘሎ እዩ።
ሮሜ.8:35–36
ካብታ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ፧ ከመዮ፡ ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል ኣሎና፡ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቘጸርና፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ጭንቀትዶ፡ ጸበባዶ፡ ስደትዶ፡ ጥሜትዶ፡ ዕርቃንዶ፡ ፍርሂዶ ወይስ ሰይፊ፧
ሮሜ.8:37–39
ሞት ኰነ ወይ ህይወት፡ መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ወይ ሓይልታት፡ ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ፡ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ፡ ኣርጊጸ ኣሎኹ እሞ፡ በዚ ዂሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና።
ሮሜ.9:1–2
ኣነ ብዙሕ ጓህን ዘየባትኽ ስቓይን ኣብ ልበይ ከም ዘሎኒ፡ ሕሊናይ ብመንፈስ ቅዱስ ይምስክረለይ ኣሎ፡ ብክርስቶስ ሓቂ እብል ኣሎኹ፡ ኣይሕሱን እየ።
ሮሜ.9:3
ኣነ ብርእሰይ ምእንቲ እቶም ብስጋ ኣሕዋተይን ኣዝማደይን ውጉዝ ኰይነ ኻብ ክርስቶስ ክፍለ ምደሌኹ።
ሮሜ.9:5
ኣቦታት ከኣ ናታቶም እዮም፡ ክርስቶስውን ብስጋ ኻባታቶም እዩ፡ ንሱ ንዘለኣለም ብሩኽ ኣምላኽ፡ ልዕሊ ዂሉ እዩ። ኣሜን።
ሮሜ.10:3–4
ክርስቶስ ነቲ ዚኣምን ዘበለ ዂሉ መደምደምታ ሕጊ ንጽድቂ እዩ እሞ፡ ጽድቂ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጦምን ጽድቂ ርእሶም ኪተኽሉ ብምድላዮምንሲ ንርእሶም ኣብ ትሕቲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣየግዝኡን።
ሮሜ.10:6
እቲ ኻብ እምነት ዚመጽእ ጽድቂ ግና ከምዚ ይብል፡ ብልብኻ፡ መን ናብ ሰማይ ኪድይብ እዩ፧ ኣይትበል፡እዚ ማለት ንክርስቶስ ኬውርዶ፡
ሮሜ.10:7
ወይስ፡ ናብ መዓሙቝሲ መን ኪወርድ እዩ፧ እዚ ማለት ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ኬውጽኦ።
ሮሜ.10:17
እምብኣርሲ እምነት ካብ ምስማዕ እያ፡ ምስማዕውን ብቓል ክርስቶስ እዩ።
ሮሜ.12:5
ንሕና ብዙሓት ከኣ ከምኡ ብክርስቶስ ሓደ ስጋ ኢና፡ በብሓደ ግና ነንሓድሕድና ኣካላት ኢና።
ሮሜ.13:14
ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ እምበር፡ ነቲ ሓልዮት ስጋስ መለዓዓል ትምኒት ኣይትግበርዎ።
ሮሜ.14:9
ስለዚ ኸኣ እዩ ክርስቶስ ጐይታ ምዉታትን ህያዋንን ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ዝሞተን ህያው ዝዀነን።
ሮሜ.14:15
ሓውካ በቲ ብልዕኻ እንተ ጐሃየ፡ ደጊም ብፍቕሪ ኣይኰንካን እትኸይድ ዘሎኻ እሞ፡ ነቲ ክርስቶስ ዝሞተሉ ብብልዕኻ ኣይተጥፍኣዮ።
ሮሜ.14:18
እቲ በዚ ኸምዚ ንክርስቶስ ዜገልግል ንኣምላኽ ባህ የብሎ ብሰብውን ፍቱን እዩ።
ሮሜ.15:2–3
ከምቲ ጽሑፍ፡ ጸርፊ እቶም ዝጸረፉኻ ኣባይ ወደቐ፡ ዚብል፡ ክርስቶስ ድማ ንርእሱ ባህ ዜብል ኣይደለየን እሞ፡ ነፍሲ ወከፍና፡ ንብጻዩ ምእንቲ ኺሃንጾ፡ ብሰናይ ነገር ባህ የብሎ።
ሮሜ.15:5–6
ግናኸ ሐቢርኩም ብሓደ ኣፍ ኴንኩም ንኣምላኽ፡ ንሱ ኸኣ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ምእንቲ ኸትኽብሩስ፡ እቲ ናይ ትዕግስትን ምጽንናዕን ኣምላኽ ኣብ ንሓድሕድኩም፡ ከምቲ ናይ ክርስቶስ የሱስ ጌርኩም፡ ሓደ ሓሳብ ክትሐስቡ ይሃብኩም።
ሮሜ.15:7–8
ክርስቶስ ነቲ ተስፋ ኣቦታት ኬጽንዖስ፡ ምእንቲ ሓቂ ኣምላኽ ኣገልጋሊ ግዝረት ከም ዝዀነ፡ እብል ኣሎኹ። ስለዚ ድማ፡ ከምቲ ክርስቶስ ንኽብሪ ኣምላኽ እተቐበለኩም፡ ንሓድሕድኩም ተቓባበሉ።
ሮሜ.15:15–16
ግናኸ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ እተቐደሰ ምስዋእ ኣህዛብ ቅቡል ምእንቲ ኪኸውን፡ ብወንጌል ኣምላኽ እናኣገልገልኩ ናይ የሱስ ክርስቶስ ኣገልጋሊ ነህዛብ ምእንቲ ክኸውንሲ፡ በቲ ኻብ ኣምላኽ እተዋህበኒ ጸጋ ኸም ዘዘክረኩም ኰይነ፡ ብሓደ ወገን ኣዝየ ደፊረ ጸሐፍኩልኩም።
ሮሜ.15:17-19
እምብኣርሲ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ፡ ብሓይሊ ትእምርትን ተኣምራትን፡ንምእዛዝ ኣህዛብ፡ክርስቶስ ብቓልን ብግብርን ዘይገበሮስ ክዛረበሉ እኳ ኣይደፍርን እየ እሞ፡ ብናይ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ዝምከሓሉ ኣሎኒ። ከምዚ ኻብ የሩሳሌምን ከባቢኣን ጀሚረ ኽሳዕ ኢሊሪኮን ነቲ ወንጌል ክርስቶስ ብምሉእ ሰበኽክዎ።
ሮሜ.15:20–21
ከምቲ፡ ብእኡ ዘይተነግረሎም ኪርእይዎ እዮም፡ እቶም ዘይሰምዑውን ኬስተብህሉ እዮም፡ ዚብል ጽሑፍ ደኣ እምበር፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኻልእ ሰብ ዝመስረቶ ምእንቲ ኸይሃንጽሲ፡ ኣብቲ ክርስቶስ እተሰምየሉ ዘበለ፡ ወንጌል ከይሰብኽ፡ ክብረተይ ገይረዮ ኣሎኹ።
ሮሜ.15:29
በቲ ናባኻትኩም ምምጻኤይ ከኣ ብምልኣት በረኸት ክርስቶስ ከም ዝመጻእኩ፡ እፈልጥ ኣሎኹ።
ሮሜ.15:30–32
ኣሕዋተየ፡ ካብቶም ኣብ ኣይሁድ ዘለዉ ዘይኣምኑ ኽድሕን፡ ኣገልግሎተይ ንየሩሳሌምውን ኣብቶም ቅዱሳን ስሙር ምእንቲ ኪኸውን፡ ምሳኻትኩም ምእንቲ ኽዓርፍሲ፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ብሓጐስ ናባኻትኩም ክመጽእ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብፍቕሪ መንፈስን ብጸሎትኩም ምእንታይ ምሳይ ናብ ኣምላኽ ክትጋደሉ፡ እምዕደኩም ኣሎኹ።
ሮሜ.16:3
ነቶም ብክርስቶስ የሱስ መዓይይተይ፡ ጵርስኪላን ኣኪላስን፡ ሰላም በሉ።
ሮሜ.16:5
ነታ ኣብ ቤቶም ዘላ ማሕበርውን ሰላም በሉ። ንኤጴኔጦስ ፍቁረይ፡ ንሱ ድማ ንክርስቶስ በዂሪ እስያ ዝዀነ ሰላም በሉ።
ሮሜ.16:7
ነቶም ኣብ ሃዋርያት ፍሉጣት፡ ቅድመይ ድማ ናብ ክርስቶስ ዝመጹ ምሳይውን እተኣስሩ ኣዝማደይ ኣንድሮኒቆስን ዮንይን ሰላም በሉ።
ሮሜ.16:9
ንኡርባኖስ ብክርስቶስ መዓይይትናን ንእስጣኩስ ፈታውየይን ሰላም በሉ።
ሮሜ.16:10
ነቲ ብክርስቶስ እተፈተነ ኣጵሌስ ድማ ሰላም በሉ። ንስድራ ቤት ኣርስጦቡሎስ ሰላም በሉ።
ሮሜ.16:16
ንሓድሕድኩም ከኣ ብቕዱስ ምስዕዓም ሰላም ተባሃሃሉ። ኲለን ማሕበራት ክርስቶስውን ሰላም ይብላኹም ኣለዋ።
ሮሜ.16:17–18
ግናኸ ኣሕዋተየ፡ ነቶም ካብቲ እተመሃርኩምዎ ምህሮ ምፍልላይን መዓንቀፍን ዚገብሩ ኽትዕዘብዎም፡ እምዕደኩም ኣሎኹ። እቶም ከምዚኣቶም ዝበሉ ንኸብዶም እምበር፡ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣየገልግልዎን፡ ብጥዑም ዘረባን ምርቓን ልቢ እቶም ገርህታት የስሕቱ እዮም እሞ፡ ካባታቶም ኣግልሱ።
ሮሜ.16:20
ኣምላኽ ሰላም ከኣ ንሰይጣን ቀልጢፉ ኣብ ትሕቲ እግርኹም ኪቕጥቅጦ እዩ። ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን።
ሮሜ.16:24–25
ነቲ ብወንጌለይን ብስብከት የሱስ ክርስቶስን ብምግሃድ እቲ ኻብ ዘለኣለም ተሰዊሩ ዝነበረ ሕጂ ግና እተገልጸ ምስጢር፡ በቲ ብጽሕፈት ነብያትውን ብትእዛዝ እቲ ናይ ዘለኣለም ኣምላኽ ንምእዛዝ እምነት ንዅሎም ኣህዛብ እተነግረ ምስጢር፡ ነቲ ኼጽንዓኩም ዚክኣሎ፡
ሮሜ.16:24–25
ነቲ ብወንጌለይን ብስብከት የሱስ ክርስቶስን ብምግሃድ እቲ ኻብ ዘለኣለም ተሰዊሩ ዝነበረ ሕጂ ግና እተገልጸ ምስጢር፡ በቲ ብጽሕፈት ነብያትውን ብትእዛዝ እቲ ናይ ዘለኣለም ኣምላኽ ንምእዛዝ እምነት ንዅሎም ኣህዛብ እተነግረ ምስጢር፡ ነቲ ኼጽንዓኩም ዚክኣሎ፡
ሮሜ.16:26
ነቲ በይኑ ጥበብ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
ሮሜ.16:27
ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ ኲላትኩም ይኹን፡፡ ኣሜን፡፡
VII. ኣብ ቀዳማይ መልእኽቲ ቈረንቶስ እዚ “ክርስቶስ“ ዝብል ቃል ንኸባቢ 73 ጊዜ ዚኣክል ተጠቂሱ ኣሎ። ኩለን ድማ ንክርስቶስ ጥራይ እየን ዘመልክታ፡ ካብዘን 73 ጊዜ ተጠቂሰን ዘለዋ፡ ንሓደ ናይ ሓቂ ሰዓቢ ጐይታ ብምምልካት፡ እቲ ሰብ ክርስቶስ ምዃኑ እትገልጽ ዋላ ሓንቲ ጥቅሲ እኳ የላን።ነዘን ዝስዕባ ጥቅስታት ባዕልኹም ኣንብብወን።
1ቈረ.1:1
ጳውሎስ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋሪያ የሱስ ክርስቶስ ኪኸውን እተጸውዔ፡ ሶስቴኔስ ከኣ ሓውና፡
1ቈረ.1:2
ነታ ኣብ ቈረንቶስ ዘላ ማሕበር ኣምላኽ፡ ብክርስቶስ የሱስ እተቐደሱ፡ ቅዱሳን ንምዃን እተጸውዑ፡ ኣብ ኲሉ ስፍራ፡ ኣብኦምን ኣባናን፡ ስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ ዚጸውዑ ዘበሉ ዂላቶም፡
1ቈረ.1:3
ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።
1ቈረ.1:4–6
ኣነ፡ ከምቲ ምስክር ክርስቶስ ኣባኻትኩም ዝጸንዔ፡ ስለቲ ብክርስቶስ የሱስ እተዋህበኩም ጸጋ ኣምላኽ ብዂሉ ቓልን ብዂሉ ፍልጠትን ብዂሉ ብእኡ ስለ ዝሃብተምኩም፡ ኲሉ ሳዕ ብዛዕባኹም ንኣምላኸይ ኤመስግን ኣሎኹ።
1ቈረ.1:7
ምግሃድ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እናተጸቤኹም፡ ብሓደ ውህበት ጸጋ እኳ ኸይጐደልኩም፡
1ቈረ.1:8
ንሱ ድማ፡ ብመዓልቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ብዘይ እንታ ኽትኰኑ፡ ክሳዕ መወዳእታ ኼጽንዓኩም እዩ።
1ቈረ.1:9
እቲ ናብ ሕብረት ወዱ የሱስ ክርስቶስ ጐይታና ዝጸውዓኩም ኣምላኽ እሙን እዩ።
1ቈረ.1:10–12
ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ ኣባኻትኩም ክርክር ከም ዘሎስ፡ ብዛዕባኹም ሰብ ቤት ቀሎኤ ነጊሮምኒ ኣለዉ፡ እዚ ማለት፡ ነፍሲ ወከፍኩም፡ ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ፡ ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ፡ ኣነ ናይ ኬፋ፡ ኣነስ ናይ ክርስቶስ እየ፡ ከም እትብሉ፡ እዚ እየ ዝብል ዘሎኹ። ኣሕዋተየ፡ ኲላትኩም ሓደ ዘረባ ኽትዛረቡ፡ ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ፍጹም ክትጋጠሙ እምበር፡ ምፍልላይ ከይህልወኩም፡ እምዕደኩም ኣሎኹ።
1ቈረ.1:13
ክርስቶስዶ ተመቒሉ እዩ፧ ወይስ ጳውሎስዶ ተሰቂሉልኩም እዩ፧ ወይስ ብስም ጳውሎስ ዲኹም እተጠመቕኩም፧
1ቈረ.1:17
እቲ መስቀል ክርስቶስ ከንቱ ምእንቲ ኸይከውን፡ ብጥበብ ዘረባ ኸይግበር፡ ክርስቶስ ወንጌል ክሰብኽ ደኣ እምበር፡ ከጥምቕሲ ኣይለኣኸንን።
1ቈረ.1:23
ንሕና ግና ነቲ ንኣይሁድን መዓንቀፊ፡ ነህዛብን ዕሽነት ዝዀነ እተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ ኣሎና።
1ቈረ.1:24
ንሱ ነቶም ጽዉዓት፡ ንኣይሁድ ኰነ፡ ንጽርኣውያን ኰነ፡ ክርስቶስ፡ እቲ ሓይሊ ኣምላኽን ጥበብ ኣምላኽን እዩ።
1ቈረ.1:30–31
ግናኸ እቲ ጽሑፍ፡ ዚምካሕ ብእግዚኣብሄር ይመካሕ፡ ዚብሎ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ንስኻትኩም ካብኡ ኣብቲ ኻብ ኣምላኽ ንጥበብን ጽድቅን ምቕዳስን ምድሓንን ዝዀነልና ክርስቶስ የሱስ ኢኹም።
1ቈረ.2:1–2
ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይፈልጥ መደብኩ እሞ፡ ናባኻትኩም ከመጽእ ከሎኹ፡ ምስክር ኣምላኽ ብብሉጽ ዘረባ ወይስ ብጥበብ ክነግረኩም ኣይመጻእኩን።
1ቈረ.2:15–16
ንእግዚኣብሄር ኪምህሮ ኢሉ፡ ሓሳቡ ዝፈለጠኸ እንታዋይ እዩ፧ ንሕና ግና ሓሳብ ክርስቶስ ኣሎና። እምብኣርሲ እቲ መንፈሳዊ ንዂሉ ይምርምር፡ ንሱ ግና ብሓደ እኳ ኣይምርመርን እዩ።
1ቈረ.3:1
ኣሕዋተየ፡ ኣነ ኸኣ ከም ንስጋውያን፡ ከም ንቘልዑ ብክርስቶስ እምበር፡ ከም ንመንፈሳውያን ክዛረበኩም ኣይኰነለይን እዩ።
1ቈረ.3:10–11
ብዘይ እቲ ስሩት መሰረት፡ ንሱ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ፡ ካልእ መሰረት ሓደ እኳ ኺስርት ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ኣነ ኸምቲ እተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ ብልሓተኛ ሃናጺ ዀይነ ነቲ መሰረት ሰረትኩ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይሃንጽ። ነፍሲ ወከፍውን ከመይ ገይሩ ኸም ዚሃንጽ ይጠንቀቕ።
1ቈረ.3:23
ንስኻትኩምሲ ናይ ክርስቶስ ደኣ ኢኹም፡ ክርስቶስውን ናይ ኣምላኽ እዩ።
1ቈረ.4:1
ከምኡኸ ሰብ ንኣና ኸም ኣገልገልቲ ክርስቶስን ከም መገብቲ ምስጢር ኣምላኽን ደኣ ይቝጸሩና።
1ቈረ.4:10
ንሕና ስለ ክርስቶስ ዓያሱ ኢና፡ ንስኻትኩም ግና ብክርስቶስ ጥበበኛታት ኢኹም፡ ንሕና ሕማቓት፡ ንስኻትኩም ግና ሓያላት፡ ንስኻትኩም ክቡራት፡ ንሕና ግና ሕሱራት ኢና።
1ቈረ.4:14–15
ብክርስቶስ ኣእላፋት መዕበይቲ እኳ እንተ ኣለዉኹም፡ ኣነ ብክርስቶስ የሱስ ብወንጌል ወሊደኩም እየ እሞ፡ ብዙሓት ኣቦታትሲ የብልኩምን። እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ፡ ከም ፍቁራት ደቀይ ገይረ ኽምዕደኩም እየ እምበር፡ ከሕፍረትኩም ኢለ ኣይኰንኩን።
1ቈረ.4:17
በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኣብ ኲሉ ስፍራ ፍቕዳ ማሕበር ከመይ ገይረ ኸም ዝምህር፡ መገደይ ብክርስቶስ የሱስ ምእንቲ ኼዘክረኩም፡ እቲ ብጐይታ ፍቁርን እሙንን ወደይ ጢሞቴዎስ ሰዲደልኩም ኣሎኹ።
1ቈረ.5:7
ገንሸል ፋስጋና፡ ማለት ክርስቶስ፡ ተሰዊኡ እዩ እሞ፡ ከምቲ ዘይምጹጻት ዝዀንኩም፡ ሓድሽ ብሑቝ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ነቲ ኣረጊት ማይ ብሑቝ ኣጽሪኹም ኣውጽእዎ።
1ቈረ.6:11
ገሌኹም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም፡ ግናኸ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽን ተሐጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩምን ኢኹም።
1ቈረ.6:15
እቲ ስጋኹም ኣካል ክርስቶስ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምብኣርስኸ ንኣካል ክርስቶስ ወሲደዶ ኣካል ኣመንዝራ ኽገብሮ እየ፧ ያእ ኣይፋለይን።
1ቈረ.7:22
እቲ ባርያ ኽነሱ እግዚኣብሄር ዝጸውዖ፡ ናይ እግዚኣብሄር ውጹእ ሓራ እዩ። ከምኡውን እቲ ሓራ ኽነሱ እተጸውዔ፡ ባርያ ክርስቶስ እዩ።
1ቈረ.8:6
ንኣናስ ኲሉ ኻብኡ ዚኸውን ንሕናውን ንእኡ እንኸውን ሓደ ኣምላኽ ጥራይ፡ ኣቦ፡ ኣሎና፡ ኲሉ ብእኡ ዚኸውን ንሕና ኸኣ ብእኡ እንኸውን ሓደ ጐይታውን፡ የሱስ ክርስቶስ፡ ኣሎና።
1ቈረ.8:11
ከምዚ እቲ ምእንታኡ ክርስቶስ ዝሞተሉ ድኹም ሓው ብሰሪ ፍልጠትካ ይጠፍእ ኣሎ።
1ቈረ.8:12
ከምዚኸስ ነቶም ኣሕዋት እናበደልኩም፡ ነቲ ድኹም ሕሊናኦምውን እናኣቝሰልኩም፡ ንክርስቶስ ትብድልዎ ኣሎኹም።
1ቈረ.9:1
ኣይሓራን ድየ፧ ኣይሃዋርያን ድየ፧ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣይርኤኽዎን ድየ፧ ንስኻትኩምሲ ብጐይታዶ ኣይዕዮይን ኢኹም፧
1ቈረ.9:12
ካልኦት ካብዚ መሰል እዚ ኣባኻትኩም ተማቐልቲ ኻብ ዚዀኑስ፡ ንሕናዶ ግዳ ዚዓዝዝ ኣየሎናን፧ ንሕና ግና ንወንጌል ክርስቶስ መዕገቲ ምእንቲ ኸይንገብርሲ፡ ንዂሉ ንዕገስ እምበር፡ ነዚ መሰል እዚ ኣይወሰድናዮን፡
1ቈረ.9:21
እቶም ሕጊ ዜብሎምብሕጊ ክርስቶስ እምበር፡ ብዘይ ሕጊ ኣምላኽ ዘይኰንኩ ኽነሰይ፡ ከምቶም ሕጊ ዜብሎም ኰንኩ።
1ቈረ.10:4
ኲላቶምውን እቲ ሓደ መንፈሳዊ መስተ ሰተዩ። ካብቲ ዚስዕቦም ዝነበረ መንፈሳዊ ኸውሒ ሰትዮም እዮም እሞ፡ እቲ ኸውሒ እቲ ኸም ክርስቶስ እዩ።
1ቈረ.10:9
ከምቲ ገሊኣቶም ዝፈተንዎ እሞ በትማን ዝጠፍኡ፡ ንክርስቶስ ኣይፈትኖ።
1ቈረ.10:16
እታ ንሕና እንባርኻ ናይ በረኸት ጽዋእ ምስ ደም ክርስቶስ ሕብረት ዘለዋዶ ኣይኰነትን፧ እታ እንቘርሳ እንጌራስ ምስ ስጋ ክርስቶስ ሕብረት ዘለዋዶ ኣይኰነትን፧
1ቈረ.11:1
ከምዚ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ፡ ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ።
1ቈረ.11:3
ግናኸ ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ፡ ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ፡ ርእሲ ክርስቶስውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ክትፈልጡ እፈቱ ኣሎኹ።
1ቈረ.12:12
ከምቲ ስጋ ሓደ ኽነሱስ፡ ብዙሕ ኣካላት ዘለዎ፡ ብዘሎ እቲ ኣካላት ስጋ ኸኣ፡ ብዙሕ ክነሱስ፡ ሓደ ስጋ ዝዀነ፡ ክርስቶስ ከኣ ከምኡ እዩ።
1ቈረ.12:27
እምብኣርከ ንስኻትኩም ስጋ ክርስቶስ ኢኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ በብኽፍሉ ኣካላቱ ኢኹም።
1ቈረ.15:3
እቲ ኣነ እተቐበልክዎ ቕድሚ ዂሉ ነጊረኩም እየ፡ ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዚብልዎ፡ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ፡
1ቈረ.15:12
ክርስቶስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስኤ ኻብ ዚስበኽ ደኣ፡ ከመይ ኢሎም እዮም ሓያሎ ኻባኻትኩም፡ ትንሳኤ ምዉታት የልቦን፡ ዚብሉ ዘለዉ፧
1ቈረ.15:13
ትንሳኤ ምዉታት ዜልቦ እንተ ዀይኑስ፡ ክርስቶስ ድማ ኣይተንስኤን።
1ቈረ.15:14
ክርስቶስ ዘይተንስኤ እንተ ዀይኑስ፡ እምብኣርከ ስብከትና ኸንቱ እዩ፡ እምነትኩምውን ከንቱ እያ።
1ቈረ.15:15
ኣምላኽ ንክርስቶስ ኣተንሲእዎ ኢልና መስኪርና ኢና እሞ፡ ንክርስቶስ ዘየተንስኦ እንተ ዀይኑስ፡ ምዉታትውን እንተ ዘይትንስኡ፡ ንሕና ሓሰውቲ ምስክር አምላኽ ኴንና ንርከብ ኢና።
1ቈረ.15:16
ምዉታት እንተ ዘይትንስኡስ፡ ክርስቶስውን ኣይተንስኤን እሞ፡
1ቈረ.15:17
ክርስቶስ ዘይተንስኤ እንተ ዀይኑስ፡ እምነትኩም ከንቱ እያ፡ ንስኻትኩም ገና ኣብ ሓጢኣትኩም ኣሎኹም።
1ቈረ.15:18
እምብኣርሲ እቶም ብክርስቶስ ዝደቀሱ ድማ ጥፉኣት እዮም።
1ቈረ.15:19
ኣብዛ ህይወት እዚኣ ጥራይ ብክርስቶስ ተስፋ እንተ ገበርናስ፡ ካብ ኲሉ እነደንግጽ ምዀንና ኔርና።
1ቈረ.15:20
ሕጂ ግና ክርስቶስ፡ በዂሪ እቶም ዝደቀሱ ዀይኑ፡ ካብ ምዉታት ተንስኤ።
1ቈረ.15:22
ከምቲ ኹላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡ ከምኡ ድማ ኩላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪኾኑ እዮም።
1ቈረ.15:23
ግናኸ ነፍሲ ወከፍ በብስርዓቱ እዩ፡ ክርስቶስ ከም ቦኽሪ፡ ደሓር እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ብምጽኣቱ።
1ቈረ.15:24–25
ክርስቶስ ነቶም ጸላእቱ ዘበሉ ትሕቲ ኣእጋሩ ክሳዕ ዚገብሮም፡ ክነግስ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ኩሉ ሽመትን ስልጣንን ሓይልን ምስ ሰዓረ፡ እታ መንግስቲ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ምስ ወፈየ፡ ሽዑ እዩ መወዳእታ ዚኸውን።
1ቈረ.15:31
ኣሕዋተየ፡ ኣነ በቲ ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ኣባኻትኩም ዘሎኒ ትምክሕቲ ኣብ ጸጽባሕ እመውት ኣሎኹ።
1ቈረ.15:57
ግናኸ ነቲ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዓወት ዚህበና ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ።
1ቈረ.16:23
ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን።
1ቈረ.16:24
ብክርስቶስ የሱስ ፍቕረይ ምስ ኲላትኩም ይኹን። ኣሜን።
VIII. ኣብ ካልኣይ መልእኽቲ ቈረንቶስ እዚ ““ክርስቶስ“ ዝብል ቃል ንኸባቢ 49 ጊዜ ዚኣክል ተጠቂሱ ኣሎ። ። ኩለን ድማ ንክርስቶስ ጥራይ እየን ዘመልክታ፡ ካብዘን 49 ጊዜ ተጠቂሰን ዘለዋ፡ ንሓደ ናይ ሓቂ ሰዓቢ ጐይታ ብምምልካት፡ እቲ ሰብ ክርስቶስ ምዃኑ እትገልጽ ዋላ ሓንቲ ጥቅሲ እኳ የላን።ነዘን ዝስዕባ ጥቅስታት ባዕልኹም ኣንብብወን።
2ቈረ.1:1
ጳውሎስ፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ ክርስቶስ የሱስ፡ ጢሞቴዎስ ሓውናውን፡ ናብታ ኣብ ቈረንቶስ ዘላ ማሕበር ኣምላኽ ምስቶም ኣብ ብዘላ ኣካይያ ዘለዉ ዅላቶም ቅዱሳን፡
2ቈረ.1:2
ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።
2ቈረ.1:3
ኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን፡ ይባረኽ፡
2ቈረ.1:5
ከምቲ ስቓይ ክርስቶስ ኣባና ዚዐዝዝ ዘሎ፡ ከምኡ ድማ ብክርስቶስ ዚዀነልና ምጽንናዕና ይዐዝዝ እዩ።
2ቈረ.1:18–19
እቲ ብኣና፡ ማለት ብኣይን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን፡ ኣብ ማእከልኩም እተሰብከ ወዲ ኣምላኽ፡ የሱስ ክርስቶስ፡ ብእኡ እወ እምበር፡ እወን ኣይኰነን ኣይነበረን እሞ፡ ኣምላኽ እሙን ከም ዝዀነ፡ እቲ ንኣኹም ዝነገርናዮ ቓል፡ እወን ኣይኰነን፡ ኣይነበረን።
2ቈረ.1:21–22
ግናኸ እቲ ብክርስቶስ ገይሩ ምሳኻትኩም ዘጽንዓናን ዝቐብኣናን እቲ ዝሐተመናን ኣብ ልብናውን ዕርቡን መንፈስ ዝሃበና ኣምላኽ ንሱ እዩ።
2ቈረ.2:10–11
ግናኸ ሰይጣን ከይብለጸልና፡ ውዲቱ ኣይስንሕቶን ኢና እሞ፡ ኣነ ንገለ ይቕረ ኢለ እንተ ዀይነ፡ ብዛዕባኹም ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ይቕረ ኢለ እየ፡ እምብኣርሲ ነቲ ይቕረ እትብሉሉ ኣነውን ይቕረ እብለሉ አሎኹ።
2ቈረ.2:12
ወንጌል ክርስቶስ ምእንቲ ኽምህር ኢለ ናብ ጥሮኣስ ምስ መጻእኩ ግና፡ ደገውን ብጐይታ ተኸፈቱለይ ከሎስ፡
2ቈረ.2:14
ግናኸ ነቲ ብክርስቶስ ኵሉ ሳዕ ናብ ዓወት ዚመርሓና፡ ብኣናውን መኣዛ ፍልጠቱ ኣብ ኵሉ ቦታ ዚገልጽ ኣምላኽ፡ ስብሓት ይኹኖ።
2ቈረ.2:15
ማለት፥ ኣብ ማእከል እቶም ዚድሕኑን እቶም ዚጠፍኡን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ መኣዛ ክርስቶስ ኢና፡
2ቈረ.2:17
ብኣምላኽ ተደሪኽና ብገርህነት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኴንና ንዛረብ ኣሎና እምበር፡ ከምቶም ብዙሓት ንቓል ኣምላኽ ዚሓዋውሱ ኣይኰንናን።
2ቈረ.3:3
ንስካትኩም ብመንፈስ ህያው ኣምላኽ እምበር፡ ብቐለም ዘይተጻሕፈት ኣብ ልቢ ስጋ እምበር፡ ኣብ ጽላት እምኒ ዘይተጻሕፈት ብምግልጋልና ደብደበ ክርስቶስዃግሁድ እዩ።
2ቈረ.3:4
ብክርስቶስ ግና ኣብ ኣምላኽ ከምዚ ዝበለ እሙንቶ ኣላትና፡
2ቈረ.3:14
ግናኸ ኣብቲ ብሉይ ኪዳን ኬንብቡ ኸለዉ፡ እቲ ብክርስቶስ እተቐንተጠ መጋረጃ ክሳዕ ሎም መዓልቲ ኣይተቐልዓሎምን እሞ፡ ሓሳቦም ደንዚዙ ኣሎ።
2ቈረ.4:4
እቲ ብርሃን ወንጌል ናይ ክብሪ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ ምስሊ ኣምላኽ፡ ምእንቲ ኸየብርሃሎምሲ፡ ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ንሓሳብ እቶም ዘይኣምኑ ኣዖሮ።
2ቈረ.4:5
ማለት፥ ክርስቶስ የሱስ ከም ጐይታ፡ ንርእስና ግና ምእንቲ የሱስ ከም ግዙኣትኩም ጌርና እምበር፡ ርእስና ኣይኰንናን እንሰብኽ ዘሎና።
2ቈረ.4:6
እቲ፡ ካብ ጸልማትሲ ብርሃን ይብራህ፡ ዝበለ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ንብርሃን ፍልጠት ናይ ኣምላኽ ክብሪ ብገጽ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ልብና ኣብርሆ።
2ቈረ.5:9–10
ነፍሲ ወከፍና ነቲ ብስጋኡ ኸሎ ዝገብሮ፡ ሰናይ ኰነ ወይስ እከይ፡ ምእንቲ ኪቕበል፡ ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ብግዲ ኽንግሃድ ኢና። ስለዚ ድማ ኣብ ስፍራና እንተ አሊና ወይስ ኣብ ወጻኢ፡ ንእኡ ኸነሐጕሶ ንጽዕት አሎና።
2ቈረ.5:13–14
እምብኣርከ ሓደ በጃ ዅሉ ሞተ፡ ስለዚ ዅላቶም ሞቱ፡ ካብ እንብልሲ፡ ፍቕሪ ክርስቶስ ደሪኹና እዩ እሞ፡ እንተ ተጸለልና፡ ንኣምላኽ፡ ምስ ቀልብና እንተ ዀንናውን፡ ንኣካትኩም ኢና።
2ቈረ.5:16
ደጊም ካብ ሕጂ ብመገዲ ስጋ ንሓደ እኳ ኣይንፈልጦን ኢና፡ ንክርስቶስ ከኣ ምንም እኳ ብመገዲ ስጋ ፈሊጥናዮ እንተ ዀንና፡ ሕጂ ኸምኡ ጌርና ኣይንፈልጦን ኢና።
2ቈረ.5:17
ስለዚ ሓደ እኳ ብክርስቶስ እንተ አልዩ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፡ እቲ ብሉይ ሐሊፉ፡ እንሆ፡ ኵሉ ሓድሽ ኰይኑ።
2ቈረ.5:18
እዚ ዅሉውን ካብቲ ባዕሉ ብክርስቶስ እተዓርቀና፡ ኣገልግሎት ዕርቂውን ዝሃበና ኣምላኽ እዩ።
2ቈረ.5:19
ማለት፥ ኣምላኽ ንዓለም ምስ ርእሱ ኺዓርቃ ኸሎ፡ ኣብ ክርስቶስ ነበረ እሞ፡ በደሎም ኣይሐዘሎምን፡ ኣባና ኸኣ ቃል ዕርቂ ኣንበረ።
2ቈረ.5:20–21
ስለዚ ንሕና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ልኡኻት ኢና እሞ ኣምላኽ ብኣና ገይሩ ይምዕድ ኣሎ። ንሕና ብእኡ ጽድቂ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንከውን፡ ነቲ ሓጢኣት ዘይፈለጠ ኣብ ክንዳና ሓጢኣት ገበሮ። ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ፡ እናበልና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ንልምነኩም ኣሎና።
2ቈረ.6:15
ክርስቶስከ ምስ ብልያል እንታይ ምስምማዕ ኣለዎ ወይስ ንኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ግደ ኣለዎ፡
2ቈረ.8:9
ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም እሞ፡ ንስካትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙ፡ ሃብታም ክነሱስ፡ ምእንታኻትኩም ደኸየ።
2ቈረ.8:23
ብዛዕባ ቲቶስ እንተ ዀነ ኸኣ፡ ንኣይ ብጻየይ ኣባካትኩምውን መዓይይተይ እዩ፡ እቶም ኣሕዋትና እንተ ዀኑውን፡ ልኡኻት ማሕበርን ክብሪ ክርስቶስን እዮም።
2ቈረ.9:13
ንሳቶም ብምጽራይ እዚ ኣገልግሎት እዚ ንምእማን ወንጌል ክርስቶስ ስለ እተገዛእኩም፡ ስለቲ ንኣታቶምን ንዅሉን ዚኸውን ልግሲ ሐገዝኩም ንኣምላኽ የመስግኑ እዮም።
2ቈረ.10:1
ኣነ ምሳኻትኩም ከሎኹ፡ ኣብ ገጽን ያኢ ዝትሑት፡ ምስ ረሓቕኩ ግና ኣባካትኩም ዝተባዕ፡ ኣነ ጳውሎስ ባዕለይ ብዓቕሊ ክርስቶስን ብለውሃቱን እምዕደኩም አሎኹ፡
2ቈረ.10:5
ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ንዚጻላእ ልዕል ዝበለ ነገር ኵሉን እናፍረስና፡ ኵሉ ኣእምሮውን ንምእዛዝ ክርስቶስ ንማርኸሉ ኢና።
2ቈረ.10:7
ንስኻትኩምሲ ኣብ ቅድሚ ገጽኩም ዘሎ ትጥምቱ፡ ሓደ እኳ ብርእሱ ናይ ክርስቶስ ምዃኑ ዚኣምን እንተ ዀነ፡ ከምቲ ብርእሱ ናይ ክርስቶስ ከም ዚኸውን፡ ንሕናውን ከምኡ ኸም ዘሎና፡ ከም ብሓድሽ ብርእሱ የስተብህል።
2ቈረ.10:14
ናባኻትኩም ከም ዘይበጻሕናስ፡ ባዕላትና እምብዛ ኣይንማጣጠርን ኢና፡ ብወንጌል ክርስቶስሲ ኽሳዕ ናባካትኩም እኳ በጺሕና ኣሎና።
2ቈረ.11:2
ብቕንኢ ኣምላኽ እቐንኣልኩም እየ እሞ፡ ንጽህቲ ድንግል ንክርስቶስ ምእንቲ ከቕርበኩም፡ ንሓደ ሰብኣይ ኣሕጽየኩም እየ።
2ቈረ.11:3
ግናኸ ከምቲ ተመን ብጕርሑ ንሄዋን ዘስሐታ፡ ከምኡውን ሓሳብኩም ካብቲ ናብ ክርስቶስ ዚኸውን ገርህነትን ንጽህናን ምናልባሽ ከይጥፍእ እፈርህ ኣሎኹ።
2ቈረ.11:10
ከምቲ ናይ ክርስቶስ ሓቂ ኣባይ ዘሎ፡ እዚ ትምክሕቲ እዚ ኣብ ሃገር ኣካይያ ዜሕድገኒ የልቦን።
2ቈረ.11:13
ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ከኣ ሃዋርያት ሓሶት፡ ዚጥብሩ ዓየይቲ፡ ርእሶም ንሃዋርያት ክርስቶስ ዜምስሉ እዮም።
2ቈረ.11:23
ኣገልገልቲ ክርስቶስ ድዮም፧ከም ጽሉል እየ ዝዛረብ ዘሎኹ፡ኣነ እበልጾም እየ። ብጻዕሪ ሕልፊ ዘሎኒ፡ ብማእሰርቲ ሕልፊ ዘሎኒ፡ ብመውቃዕቲ ጸብለል ዝበልኩ፡ ብዙሕ ጊዜ ኣብ ሞት ዝበጻሕኩ እየ።
2ቈረ.11:31
እቲ ንዘለኣለም ብሩኽ ኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ኣነ ኸም ዘይሕሱ፡ ንሱ ይፈልጥ እዩ።
2ቈረ.12:2
ቅድሚ ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ሰብኣይ ብክርስቶስ፡ እዚ ኸምዚ ዝበለ ኽሳዕ ሳልሳይ ሰማይ ከም እተዘረፈ፡ እፈልጥ ኣሎኹ፦ ኣብ ስጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን፡ ኣብ ወጻኢ ስጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን፡ ኣምላኽ ይፈልጥ።
2ቈረ.12:9
ንሱ ኸኣ፡ ሓይለይ ብድኻም እዩ ዝፍጸም እሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካ፡ በለኒ። ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድር፡ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ።
2ቈረ.12:10
እምብኣርከ ምስ ዝደክም፡ ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ፡ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም፡ ብጸርፊ፡ ብሓሳር፡ ብምስጓጕ፡ ብጸበባ እሕጐስ እየ።
2ቈረ.12:19
ንርእሰና ኣባኻትኩም ከም እነመጻርያ ካብ ቀደም ሒዝኩም ትሐስቡ ኔርኩም። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኢና እንዛረብ ዘሎና። ግናኸ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ኵሉ ንምህናጽኩም እዩ።
2ቈረ.13:2–3
ክርስቶስ ናባኻትኩም ብርቱዕ እዩ እምበር፡ ናባኻትኩም ድኹም ኣይኰነን እሞ፡ በቲ ኣባይ ዚዛረብ ክርስቶስ ምስክር ከም እትደልዩ ርእየ፡ ከምቲ ኻልኣይ ጊዜ ምሳኻትኩም ከሎኹ ዝበልክዎ ሕጂውን ካባኻትኩም ርሒቐ ኸሎኹ፡ ናባኻትኩም እንተ ተመለስኩ፡ ነቶም ቅድም ዝኣበሱን ነቶም ዝተረፉ ዅላቶም ከም ዘይድንግጸሎም፡ ቀደም ነጊረ እየ፡ ኣቐዲመውን እነግር አሎኹ።
2ቈረ.13:4
ክርስቶስ ብድኻም ተሰቒሉ፡ ብሓይሊ ኣምላኽ ህያው ኰይኑ ይነብር እዩ። ንሕናውን ኣብኡ ድኹማት ኢና፡ በቲ ኣባኻትኩም ዝዀነ ሓይሊ ኣምላኽ ግና ምስኡ ህያዋን ኴንና ክንነብር ኢና።
2ቈረ.13:5
ብእምነት እንተ አሊኹም፡ ርእስኹም ፈትኑ፡ ርእስኹም መርምሩ። ወይስ የሱስ ክርስቶስ ኣባካትኩም ከም ዘሎዶ ብርእስኹም ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እዚ እንተ ዘኰነስ፡ መኸታ ዘይተጽንዑ ኢኹም።
2ቈረ.13:13
ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኵላትኩም ይኹን። ኣሜን።
እቲ እንኮ ክርስቶስ=> እቲ እንኮ ቅቡእ
(ሳልሳይ ክፋል)
========================
እግዚኣብሄር ኣቦ እንኮ ጥራይ ክርስቶስ እዩ ዘለዎ። ንሱ ከኣ ጐይታና መድሓኒና የሱስ እዩ። ካብ ጐይታና የሱስ ወጻኢ እግዚኣብሄር ኣቦ ካልእ ተወሳኺ ክርስቶስ የብሉን። “`ኣነ ክርስቶስ እየ! ንስኻ ክርስቶስ ኢኻ! ንሕና ክርስቶሳት ኢና!“ ዝብል ትምህርቲ ምንቅስቃስ እምነት ንጹር ኣጋንንታዊ ትምህርቲ እዩ። ነስተውዕል፡
ነዞም ኣብዚ እንጥቀዖም ዘሎና ጥቅስታት ሓድሽ ኪዳን ብግቡእን ተጠንቂቕናን ክንምርምሮም ከሎና፡ ኣምላኽ እንኮ ክርስቶስ ጥራይ ከም ዘለዎ ጥራይ ዘይኰነስ እዚ ክርስቶስ እዚ ፍሉይ ከም ዝዀነ፣ መሳሊ ወይ መዘና ከም ዘይብሉ፣ ዝመዓራረዮ ከም ዘየለ፣ መተካእታ ከም ዘይብሉ፣ እቲ ፍጹም ስምረት እግዚኣብሄር ኣቦ ኣብኡ ጥራይ ዝዀነ እንኮ በይኑ ፍሉይ ዘለኣለማዊ ወዲ ህያው ኣምላኽ እዩ።
“ክርስቶስ ጽድቀይ እዩ!“ እናበልካ ““ኣነ ክርስቶስ እየ!“ ` ኣይትብልን ፈጺምካ!
“ክርስቶስ ቅድስናይ እዩ!““ እናበልካ ““ኣነ ክርስቶስ እየ!“ ` ኣይትብልን ፈጺምካ!
“ክርስቶስ ምድሓነይ እዩ!““ እናበልካ ““ኣነ ክርስቶስ እየ!“ ` ኣይትብልን ፈጺምካ!
“ክርስቶስ ሓይለይ እዩ!““ እናበልካ ““ኣነ ክርስቶስ እየ!“ ` ኣይትብልን ፈጺምካ!
“ክርስቶስ መድሓኒየይ እዩ!““ እናበልካ ““ኣነ ክርስቶስ እየ!“ ` ኣይትብልን ፈጺምካ!
“ክርስቶስ ጐይታይ እዩ!““ እናበልካ ““ኣነ ክርስቶስ እየ!“ ` ኣይትብልን ፈጺምካ!
ንስኻ “ኣነ ክርስቶስ እየ!“ ` ካብ በልካ እሞ ሃየ “ኣነ ባዕለይ ጽድቀይ እየ፣ቅድስናይ እየ፣ ምድሓነይ እየ፣ መድሓኒ እየ፣ ሓይለይ እየ፣ ጐይታይ እየ“ ወዘተ በለና እምበር!
ኣታ መደናገሪ መምህር ወይ ተመሃራይ ምንቅስቃስ እምነት!? ድፍረትካ ተመልከቶ! “በቲ ኣጋንንታዊ ድፍረትካን ትዕቢትካን ““ኣነ ክርስቶስ እየ! ንስኻ ክርስቶስ ኢኻ! ንስኹም ክርስቶሳት ኢኹም! ንሕና ክርስቶሳት ኢና!“ ` ካብ በልካ፡=>>> “ክርስቶስ ጽድቀይ እዩ!“ “ክርስቶስ ቅድስናይ እዩ!““ ፣ “ክርስቶስ ምድሓነይ እዩ!““፣ “ክርስቶስ መድሓኒየይ እዩ!““፣ “ክርስቶስ ጐይታይ እዩ!““ እንተበልካ ምእንቲ ንብዙሓት ከገተደናግርን ከተስሕትን ኢልካ ጥራይ ኢኻ! ክርስቶስ እንኮ ጥራይን መሳሊን መማዓራሪቲ ዘይብሉ ፍሉይን ምዃኑ እንተ ትፈልጥን ነዚ ሓቂ እዚ እንተ ትግዛእን ነይርካ፡ ብስመ “ብክርስቶስ“` “ኣነ ክርስቶስ እየ!“ ኣይምስ በልካን ነይርካ! ንኻልኦትውን ““ንስኻትኩም ክርስቶሳት ኢኹም!“ ዝብል ሰይጣናዊ ትምህርቲ ኣይምስ መሃርካን ነይርካ! ብስመ “ብክርስቶስ“` ሲ ክርስቶስ ኣይኩወንን እምበር!
ብስመ `እቲ እንኮ `መድሓኒ ዓለም` ፡ መድሓኒ ኣይኩወንን ፈጺሙ! /By being in Christ, you never become a Christ! By being in the Saviour, you never become a saviour! By being in God, you never become a God! /
እምባኣር እንኮ ጥራይ መድሓኒ ከም ዘሎ፡ እንኮ ጥራይ ክርስቶስ እዩ ዘሎ! ንሕና እንኮ ጥራይ መድሓኒ ዓለም; እንኮ ክርስቶስ ጥራይ ኣብ ምልእቲ ዓለም ኢና እንፈልጥ! ካብዚ ወጻኢ ሰይጣናዊ ሲኦላዊ ገሃነማዊ እዩ!
IX. ኣብ መልእኽቲ ገላትያ እዚ ““ክርስቶስ“ ዝብል ቃል ንኸባቢ 41 ጊዜ ዚኣክል ተጠቂሱ ኣሎ። ኩለን ድማ ንክርስቶስ ጥራይ እየን ዘመልክታ፡ ካብዘን 41 ጊዜ ተጠቂሰን ዘለዋ፡ ንሓደ ናይ ሓቂ ሰዓቢ ጐይታ ብምምልካት፡ እቲ ሰብ ክርስቶስ ምዃኑ እትገልጽ ዋላ ሓንቲ ጥቅሲ እኳ የላን።ነዘን ዝስዕባ ጥቅስታት ባዕልኹም ኣንብብወን።
ገላ.1:1
ጳውሎስ፡ ሃዋርያ ብየሱስ ክርስቶስን በቲ ኻብ ምውታት ዘተንስኦ እግዚኣብሄር ኣቦን እምበር፡ ካብ ሰብ ወይስ ብሰብ ዘይኰነ፡
ገላ.1:3–4
ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብቲ ኸም ፍቓድ ኣቦና ኣምላኽ፡ ካብዛ ሕጂ ዘላ እክይቲ ዓለም ምእንቲ ኼድሕነና ኢሉ፡ ብሰሪ ሓጢኣትና ነፍሱ ዝሃበ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን፡ ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም።
ገላ.1:6
ካብቲ ብጸጋ ክርስቶስ ዝጸውዓኩም ከምዚ ቐልጢፍኩም ናብ ካልእ ወንጌል ምግልባጥኩም ይገርመኒ አሎ።
ገላ.1:7
እዚውን ገለ ዜዕገርግሩኹምን ነቲ ወንጌል ክርስቶስ ኪልውጥዎ ዚደልዩን ከም ዘለዉ ማለት እዩ እምበር፡ ካልእ ወንጌልሲ ኣይኰነን።
ገላ.1:10
ሕጂኸ ንስብዶ ወይስ ንኣምላኽ እየ ባህ ዘብል ዘሎኹ፡ ወይስ ንሰብ ከሐጕስ ድየ ዝደሊ ዘሎኹ፡ ገና ንሰብ ከሐጕስ እንተ ዝብልሲ፡ ባርያ ክርስቶስኣይምዀንኩን ነይረ።
ገላ.1:11–12
እምብኣርስ ኣሕዋተይ፡ ኣነ ድማ ብምግላጽ የሱስ ክርስቶስ እየ እምበር፡ ካብ ሰብ ኣይተቐበልክዎን ኣይተመሃርክዎንውን እሞ፡ እቲ ብኣይ እተሰብከ ወንጌል ከም ቅዲ ሰብ ዘይምዃኑ ኤፍልጠኩም አሎኹ።
ገላ.1:22–23
እተን ብክርስቶስ ዘለዋ ማሕበራት ይሁዳ ኸኣ፡ እቲ ቐደም ዝሰጐጐና ነታ ቐደም ኬዕንዋ ዚደሊ ዝነበረ እምነት ሕጅስ ይሰብካ አሎ፡ ኪብሉ ጥራይ ይሰምዓ ነበራ እምበር፡ ገጸይ ኣይፈልጣን ነበራ።
ገላ.2:4
እዚ ኸኣ ብሰሪ እቶም፡ ባሮት ምእንቲ ኺገብሩና፡ ተጐሐልዮም እተሐወሱና፡ ንሳቶምውን ነቲ ብክርስቶስ ዘሎና ሓርነት ኪስልዩ ዝኣተዉና ኣሕዋት ሓሶት እዩ።
ገላ.2:16
ሰብ ብእምነት ብየሱስ ክርስቶስ እምበር፡ ብግብሪ ሕጊ ኸም ዘይጸድቕ ካብ ፈለጥና ግና፡ ኵሉ ስጋ ብግብሪ ሕጊ ዘይጸድቕ ስለ ዝዀነ፡ ንሕና ኸኣ ብግብሪ ሕጊ ዘይኰነስ ብእምነት ብክርስቶስ ምእንቲ ኽንጸስቕ ብክርስቶስ የሱስ ኣመንና።
ገላ.2:17
ግናኸ ንሕና ብክርስቶስ ክንጸድቕ እናደሌና፡ ንርእስና ሓጥኣን ኴንና ኻብ ተረኸብና፡ እምብኣርሲ ክርስቶስዶ ኣገልጋሊ ሓጥኣት እዩ፧ ያእ ኣይፋሉን።
ገላ.2:19
ኣነስ ንኣምላኽ ብህይወት ምእንቲ ኽነብር፡ ካብ ሕግስ ብሕጊ ሞትኩ። ምስ ክርስቶስ ተሰቐልኩ።
ገላ.2:20
ግናኸ ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ እምበር፡ ደጊም ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘሎኹ። እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘሎኹ ድማ፡ ብእምነት በቲ ዘፍቀረኒ ምእንታይውን ነፍሱ ዘሕለፈለይ ወዲ ኣምላኽ እየ ዝነብር ዘሎኹ።
ገላ.2:21
ጽድቂ ብሕጊ እንተ ዚኸውን፡ እምብኣርከ ክርስቶስ ንኸንቱ እዩ ዝሞተ፡ ኣነስ ጸጋ ኣምላኽ ኣይንዕቕን እየ።
ገላ.3:1
ኣቱም ዓያሱ ሰብ ገላትያ፡ ቀደም የሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ከም ስቑል ኰይኑ ተስኢሉ ነበረ። ንሓቂ ኸይትእዘዙ ደኣ መን ዓዘመኩም፡
ገላ.3:13–14
ንሕና ነቲ ተስፋ መንፈስ ብእምነት ክንቅበሎ፡ እቲ በረኸት ኣብርሃምውን ብየሱስ ክርስቶስ ነህዛብ ምእንቲ ኪኸውንሲ፥ ኣብ ዕጸይቲ ዚስቀል ዘበለ ርጉም እዩ፡ ተጽሒፉ አሎ እሞ፡ ክርስቶስ ምእንታና መርገም ኰይኑ፡ ካብ መርገም ሕጊ ተሻየጠና።
ገላ.3:16
እቲ ንኣብርሃምን ንዘርኡን እተነግረ ተስፋ ድማ ንሓደ ኸም ዚብሃል፡ ንዘርእኻ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ እምበር፡ ንብዙሓት ከም ዚብሃል፡ ነዝርእቲ፡ ኣይብልን እዩ።
ገላ.3:22
እቲ ተስፋ ግና ነቶም ዚኣምኑ ብእምነት የሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኺውሃብ፡ እቲ ጽሑፍ ንዅሉ ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት ዓጸዎ።
ገላ.3:24
ስለዚ ኸኣ ብእምነት ምእንቲ ኽንጸድቕሲ፡ ናብ ክርስቶስ ኬብጽሓና እቲ ሕጊ ቐጻዒና ዀነ።
ገላ.3:26–27
ብክርስቶስ እተጠመቕኩም ዘበልኩም ንክርስቶስ ለበስኩምዎ እሞ፡ ብእምነት ብየሱስ ክርስቶስ ኵላትኩም ውሉድ ኣምላኽ ኢኹም።
ገላ.3:28
ኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን።
ገላ.3:29
ናይ ክርስቶስ ካብ ኰንኩም፡ ደጊም ዘርኢ ኣብርሃም ኢኹም፡ ከምቲ ተስፋውን ወረስቲ ኢኹም።
ገላ.4:7
ደጊም ብድሕርዚ ውሉድ እምበር፡ ባርያ ኣይኰንካን። ውሉድ ካብ ኰንካ ግና፡ ብክርስቶስ ወራሲ ኣምላኽ ኢኻ።
ገላ.4:14
ከም መልኣኽ ኣምላኽ፡ ከም ክርስቶስ የሱስ ጌርኩም ተቐበልኩምኒ እምበር፡ ነቲ ኣብ ስጋይ ንፈተና ዚዀነኩም ዝነበረ እኳ ኣይነዓቕኩምዎን፡ ኣይተጸየፍኩምዎን።
ገላ.4:19
ደቀየ፡ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ክሳዕ ዚሰኣል ከም ብሓድሽ እጽዕረልኩም አሎኹ።
ገላ.5:1
ሓራ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ክርስቶስ ሓርነት ኣውጺኡና እዩ። ስለዚ ጽንዑ፡ ከም ብሓድሽውን በርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ።
ገላ.5:2
እንሆ፡ ኣነ ጳውሎስ፡ እንተ ተገዘርኩም፡ ክርስቶስ ገለ እኳ ኣይጠቕመኩምን እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።
ገላ.5:4
ኣቱም ብሕጊ ኽትጸድቁ እትደልዩ፡ ካብ ክርስቶስ ተፈሌኹም፡ ካብ ጸጋ ወደቕኩም።
ገላ.5:6
ብክርስቶስ የሱስሲ፡ እታ ብፍቕሪ እትገብር እምነት ደኣ እምበር፡ ግዝረት ኰነ ወይ ዘይግዝረት ሓደ ግዛዕ ኣይከአሎን እዩ።
ገላ.5:24
እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ኸኣ ነቲ ስጋኦም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ እዮም።
ገላ.6:2–3
ሓደ ገለ ዘይኰነስ ገለ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ፡ ንርእሱ ይጥብር አሎ፡ እምብኣርከ ጾር ሓድሕድኩም ጹሩ፡ ከምኡውን ሕጊ ክርስቶስ ፈጽሙ።
ገላ.6:12
እቶም ንሰብ ብስጋ ባህ ኬብሉ ዚደልዩ ዘበሉ ዅላቶም ምእንቲ መስቀል ክርስቶስ ከይስጐጉ ኢሎም ጥራይ እዮም ክትግዘሩ ብግዲ ዚብልኹም ዘለዉ።
ገላ.6:14–15
ብክርስቶስ የሱስ እቲ ሓድሽ ፍጥረት ደኣ እዩ እምበር፡ ግዝረት ኰነ ወይስ ዘይግዝረት ሓደ ግዛዕ የብሉን እሞ፡ በቲ መስቀል ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ዓለም ብእኡ ንኣይ እተሰቕለት ኣነውን ንዓለም እተሰቐልኩ እንተ ዘይኰነስ፡ ትምክሕቲ ዘበለ ካባይ ይርሐቕ።
ገላ.6:15
ብክርስቶስ የሱስ እቲ ሓድሽ ፍጥረት ደኣ እዩ እምበር፡ ግዝረት ኰነ ወይስ ዘይግዝረት ሓደ ግዛዕ የብሉን እሞ፡ በቲ መስቀል ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ዓለም ብእኡ ንኣይ እተሰቕለት ኣነውን ንዓለም እተሰቐልኩ እንተ ዘይኰነስ፡ ትምክሕቲ ዘበለ ካባይ ይርሐቕ።
ገላ.6:18
ኣሕዋተየ፡ ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን።
X. ኣብ መልእኽቲ ኤፌሶን እዚ ““ክርስቶስ“ ዝብል ቃል ንኸባቢ 46 ጊዜ ዚኣክል ተጠቂሱ ኣሎ። ኩለን ድማ ንክርስቶስ ጥራይ እየን ዘመልክታ፡ ካብዘን 46 ጊዜ ተጠቂሰን ዘለዋ፡ ንሓደ ናይ ሓቂ ሰዓቢ ጐይታ ብምምልካት፡ እቲ ሰብ ክርስቶስ ምዃኑ እትገልጽ ዋላ ሓንቲ ጥቅሲ እኳ የላን።ነዘን ዝስዕባ ጥቅስታት ባዕልኹም ኣንብብወን።
ኤፌ.1:1
ጳውሎስ፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ ክርስቶስ የሱስ፡ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዘለዉ ቅዱሳንን ብክርስቶስ የሱስ እሙናትን፥
ኤፌ.1:2
ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን።
ኤፌ.1:3
እቲ ብመንፈሳዊ በረኸት ዘበለ ብክርስቶስ ገይሩ ኣብ ሰማያት ዝባረኸና ኣምላኽን ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብሩኽ ይኹን።
ኤፌ.1:5–6
በቲ ፍቁር ብእኡ ዝጸገወና፡ ንውዳሴ ኽብሪ ጸጋኡ ብፍታው ፍቓዱ ብየሱስ ክርስቶስ ንርእሱ ውሉድ ክንኰኖ ቐደም መደበና።
ኤፌ.1:8–10
ከምቲ ብእኡ ዝመደቦ ስምረቱ፡ ነቲ ምስጢር ፍቓዱ እናኣፍለጠና፡ ነቲ ናይ ምልኣት ዘመናት መጋቢነቱ፡ ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን፡ ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕለልሲ፡ ብዅሉ ጥበብን ብዅሉ ኣእምሮን ነዚ ጸጋኡ ኣባና ኣውሐዞ።
ኤፌ.1:11–12
ንሕና ቐደም ብክርስቶስ ተስፋ ዝገበርና ንውዳሴ ክብሩ ምእንቲ ኽንከውን፡ ንሕና በቲ ዅሉ ኸምቲ ምኽሪ ፍቓዱ ብሓሳብ ዚገብር ቀደም እተመደብና፡ ነቲ ዕድል ርስቲ ብእኡ ረኸብናዮ።
ኤፌ.1:17
ኣምላኽ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣቦ ኽብሪ ብፍልጠቱ መንፈስ ጥበብን መንፈስ ምግላጽን ምእንቲ ኺህበኩም፡
ኤፌ.1:19–21
ኣምላኽ ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ኣተንሲኡ፡ ኣብ የማኑ ኣብ ሰማያት ምስ ኣቐመጦ፡ ኣብታ እትመጽእውን እምበር፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሽመትን ስልጣንን ሓይልን ጐይትነትን ዚስመ ዘበለ ስምን ምስ ኣርኣሶ፡ ነቲ ሕልፊ ዘለዎ ዓብዪ ሓይሊ ኣባና እንኣምን ዘሎና ኸም ስልጣን ሓይሉ ኣብ ክርስቶስ ዝገበሮ ግብሪ ንስኻትኩም እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጥዎ፡ እጽልየልኩም አሎኹ።
ኤፌ.2:5
ንኣና፡ ብበደልና ምዉታት ከሎናስ፡ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና፡ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡
ኤፌ.2:6–7
ምስኡውን ኣተንስኣና፡ ኣብቲ ዚመጽእ ዘመናት ብሕያውነቱ እቲ ብሉጽ ሃብቲ ጸጋኡ ብክርስቶስ የሱስ ኣባታትና ምእንቲ ኼርኢ፡ ኣብ ሰማያት ብክርስቶስ የሱስ ምስኡ ኣቐመጠና።
ኤፌ.2:10
ፍጡራቱ ኢና እሞ፡ ነቲ ኣምላኽ ክንመላለሰሉ ኢሉ ቐደም ዘዳለዎ ሰናይ ግብሪ ብክርስቶስ የሱስ እተፈጠርና ኢና።
ኤፌ.2:12
በቲ ዘመን እቲ ብዘይ ክርስቶስ ከም ዝነብርኩም፡ ካብ ሕብረት እስራኤል ፍሉያት፡ ነታ ኺዳን ተስፋውን ኣጋይሽ፡ ትጽቢት ዜብሎም፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብዘይ ኣምላኽ ከም ዝነበርኩም ዘክሩ።
ኤፌ.2:13
ሕጂ ግና፡ ኣቱም ቀደም ርሑቓት ዝነበርኩም፡ ንስኻትኩም ብክርስቶስ የሱስ ብደም ክርስቶስ ቀረብኩም።
ኤፌ.2:19–20
እምብኣርሲ ንስኻትኩም ኣብቲ የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን እተነደቕኩም፡ ደጊም ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን ስድራ ቤቱ ንኣምላኽን ኢኹም እምበር፡ ኣጋይስን መጻእተኛታትን ኣይኰንኩምን።
ኤፌ.3:1
ስለዚ ኣነ ጳውሎስ፡ ምእንታኹም ኣህዛብ ናይ የሱስ ክርስቶስ እሱር፡
ኤፌ.3:4
ምስ ኣንበብኩምዎ፡ ነቲ ኣብ ምስጢር ክርስቶስ ዘሎኒ ፍልጠት ከተስተውዕልዎ ይዀነልኩም እዩ።
ኤፌ.3:6
ማለት፡ ኣህዛብሲ መዋርስቲ፡ ሓደ ስጋ፡ ብወንጌልውን ኣብ የሱስ ክርስቶስ መማቕልቲ ተስፋ ኸም ዝዀኑ፡
ኤፌ.3:8
ንኣይ፡ ካብ ኵሎም ቅዱሳን ለጠቕ ንዝብል፡ እቲ ዘይምርመር ሃብቲ ክርስቶስ ነህዛብ ክሰብኽ፡ እዚ ጸጋ እዚ ተዋህበኒ።
ኤፌ.3:11
ከምቲ ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዝገበሮ ናይ ዘለኣለም ምኽሩ፡
ኤፌ.3:12
ሳላ ብክርስቶስ ምእማንና ንሕና ትብዓትን ብእሙንቶ ምእታው ብእኡ አሎና።
ኤፌ.3:17
ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ብእምነት ምእንቲ ኺሐድር፡ ኣብ ፍቕሪ ሱር ሰዲድኩምን ተሰሪትኩምን፡
ኤፌ.3:19
እሞ ነታ ንፍልጠት ሓለፍ እትብላ ፍቕሪ ክርስቶስ ክትፈልጥዋ፡ ክሳዕ ኵሉ ምልኣት ኣምላኽ ምእንቲ ኽትመልኡ፡ እጽሊ አሎኹ።
ኤፌ.3:21
ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንዅሉ ውሉድ ወለዶታት ኣብታ ማሕበር ብክርስቶስ የሱስ ንእኡ ኽብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
ኤፌ.4:7
ግናኸ ብመስፈር ውህበት ክርስቶስ ንነፍሲ ወከፍና ጸጋ ተውሂቡ እዩ።
ኤፌ.4:11-13
ኵላትና ናብ ሕብረት እምነት፡ ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽ፡ ናብ እኹል ሰብኣይ፡ ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ፡ እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ፡ ንሱ ገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሀበ።
ኤፌ.4:15
ብፍቕሪ ንሓቂ እናሰዓብና፡ ናብቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ንዕበ።
ኤፌ.4:16
ብዘሎ እቲ ስጋ ብደገፍ እቲ መመላገቢኡ እናተታሓሐዘን እናተኣሳሰረን፡ ብመጠን እቲ ነንኽፍሉ እተመደበሉ ግብሪ ብፍቕሪ ምእንቲ ኺህነጽሲ፡ ካብ ክርስቶስእዩ ምዕባይ ዚረክብ።
ኤፌ.4:20
ንስኻትኩም ግና ንክርስቶስ ከምዚ ጌርኩም ኣይተመሃርኩምዎን።
ኤፌ.4:32
ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም፡ ይቕረ ተባሃሃሉ።
ኤፌ.5:2
ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረኩም፡ ነፍሱውን መባእን መስዋእትን ገይሩ ንኣምላኽ ንምዑዝ ጨና በጃና ዘሕለፈ፡ ከምኡ ብፍቕሪ ተመላለሱ።
ኤፌ.5:5
ኣመንዝራ ዘበለ፡ ወይ ርኹስ፡ ወይ ስሱዕ፡ ንሱ ድማ መምለኽ ጣኦት፡ ኣብ መንግስቲ ክርስቶስን ኣምላኽን ርስቲ ኸም ዜብሉ ትፈልጡ ኣሎኹም።
ኤፌ.5:14
ስለዚ ኸኣ፡ ኣታ ደቂስካ ዘሎኻ፡ ንቓሕ እሞ ካብ ምዉታት ተንስእ፡ ክርስቶስ ከኣ ኬብርሃልካ እዩ፡ ይብል።
ኤፌ.5:20
ንኣምላኽን ነቦን ስለ ኵሉ ነገር ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኵሉ ሳዕ እናኣመስገንኩምዎ፡
ኤፌ.5:21
ንሓድሕድኩም ብፍርሃት ክርስቶስ እዙዛት ኩኑ።
ኤፌ.5:22–23
ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝዀነ፡ ንሱ ምድሓን ስጋኡ ኸኣ እዩ፡ ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቱ እዩ እሞ፡ ኣትን ኣንስቲ፡ ከም ንጐይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም።
ኤፌ.5:24
ከምቲ እታ ማሕበር ንክርስቶስ እትእዘዞ፡ ከምኡ ድማ ኣንስቲ ንሰብኡተን ብዅሉ ይተኣዘዛኦም።
ኤፌ.5:25–27
ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ፡ ኣቱም ሰብኡት፡ ኣንስትኹም ኣፍቅሩ። ክርስቶስ ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ ምእንቲ ኪቕድሳ፡ ርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዚመስል ዜብላ፡ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ማሕበር ገይሩ ንእኡ ምእንቲ ኬቕውማ ኢሉ፡ ርእሱ በጃኣ ሃበ።
ኤፌ.5:29–30
ሰብ ንስጋኡ ይምግቦን ይካናኸኖን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚጸልኦ የልቦን። ኣካላት ስጋኡ ስለ ዝዀንና፡ ክርስቶስ ከምኡ ንማሕበሩ ይካናኸና ኣሎ።
ኤፌ.5:32
እዚ ምስጢር እዚ ዓብዪ እዩ፡ ኣነ ግና ብናይ ክርስቶስን ማሕበሩን እብሎ ኣሎኹ።
ኤፌ.6:5
ኣቱም ግዙኣት፡ ነቶም ብስጋ ጐይቶትኩምሲ ብፍርሃት ብምንቅጥቃጥን፡ ብገርህነት ልብኹም ከም ንክርስቶስ ጌርኩም፡ ተኣዘዝዎም።
ኤፌ.6:6
ከም ግዙኣት ክርስቶስ ኴንኩም ነቲ ፍቓድ ኣምላኽ ካብ ልቢ እትገብርዎ ደኣ እምበር፡ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ብገጽርኤ ኣይኰነን።
ኤፌ.6:22
ሰላምን ፍቕርን ምስ እምነት ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ነሕዋት ይኹን።
ኤፌ.6:23
ምስቶም ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ብዘይሐልፍ ዜፍቅርዎ ዅሎም ጸጋ ይኹን።
XI. ኣብ መልእኽቲ ፊሊጲ እዚ ““ክርስቶስ“ ዝብል ቃል ንኸባቢ 38 ጊዜ ዚኣክል ተጠቂሱ ኣሎ። ኩለን ድማ ንክርስቶስ ጥራይ እየን ዘመልክታ፡ ካብዘን 38 ጊዜ ተጠቂሰን ዘለዋ፡ ንሓደ ናይ ሓቂ ሰዓቢ ጐይታ ብምምልካት፡ እቲ ሰብ ክርስቶስ ምዃኑ እትገልጽ ዋላ ሓንቲ ጥቅሲ እኳ የላን።ነዘን ዝስዕባ ጥቅስታት ባዕልኹም ኣንብብወን።
ፊል.1:1
ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ባሮት የሱስ ክርስቶስ ናብቶም ኣብ ፊልጲ ብክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ዅላቶም ቅዱሳን፡ ምስ ኤጲስቆጶሳትን ዲያቆናትን፡
ፊል.1:2
ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን።
ፊል.1:6
እቲ ኣባኻትኩም ሰናይ ግብሪ ዝጀመረ ኸኣ፡ ንሱ ኽሳዕ እታ መዓልቲ የሱስ ክርስቶስ ከም ዚፍጽሞ፡ እዚ ተረዲኤዮ ኣሎኹ።
ፊል.1:8
ብለውሃት ክርስቶስ የሱስ ንዅላትኩም ከመይ ገይረ ኸም ዝናፍቐኩም፡ ኣምላኽ ምስክረይ እዩ።
ፊል.1:9–11
ንኽብሪ ኣምላኽን ምስጋናኡን እቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ ፍረ ጽድቂ መሊእኩም፡ ክሳዕ እታ መዓልቲ ክርስቶስ መዓንቀፊ ዜብሎምን ንጹሃትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እቲ ዚሐይሽ ክትምርምሩ፡ እቲ ፍቕርኹምውን ብፍልጠት ብምስትውዓል ዘበለ ዅሉን ኣዝዩ እናበዝሔ ኪኸይድ፡ እዚ እልምን አሎኹ።
ፊል.1:13
እቲ ማእሰርተይ ብክርስቶስ ምዃኑ ኣብ ብዘሎ ሰፈር ዘብዔኛታትን ኣብ ኵላቶም ካልኦትን ተገልጸ።
ፊል.1:15
ገሊኦም ብቕንእን ባእስን፡ ገሊኦም ግና ብጽቡቕ ፍቓድ ንክርስቶስ ይሰብክዎ ኣለዉ።
ፊል.1:17
እቶም ሓደ ወገን ግና ኣብ ርእሲ ማእሰርተይ ጸበባ ኬምጹኡለይ ሐሲቦም፡ ብቕንዕና ዘኰነስ፡ ብሻራ ንክርስቶስ ይሰብክዎ አለዉ።
ፊል.1:18
እንታይ ደኣ እዩ ፧ እንተ ብምኽንያት እንተ ብሓቂ፡ ብዝዀነ ዀይኑስ ክርስቶስ ይስበኽ አሎ እሞ፡ በዚ እሕጐስ ኣሎኹ ኽሕጐስውን እየ።
ፊል.1:19
እዚ ድማ ብጸሎትኩምን ብደገፍ መንፈስ የሱስ ክርስቶስን ንምድሓነይ ከም ዚኸውን፡ እፈልጥ አሎኹ።
ፊል.1:20–21
ንኣይ ህይወተይ ክርስቶስ እዩ፡ ሙማተይውን ረብሓይ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሃረርታይን ተስፋይን ብገለ ኸይሐፍር፡ ከምቲ ዅሉ ሳዕ ሕጂውን ብትብዓት ደኣ፡ ብህይወት እንተ ዀይኑ ወይስ ብሞት፡ ክርስቶስ ብስጋይ ኪኸብር እዩ።
ፊል.1:23
በዘን ክልተ እዚኣተን እጭነቕ አሎኹ፡ ንኣይ ኣዝዩ ዚሐይሽ እዩ እሞ፡ ክፋኖ ምስ ክርስቶስውን ክነብር ሃረርታ አሎኒ።
ፊል.1:25–26
ከም ብሓድሽ ናባኻትኩም ብምምላሰይ እቲ ትምክሕትኩም ብክርስቶስ የሱስ ኣባይ ምእንቲ ኺዓዝዝ፡ እዚ ድማ ንናይ እምነትኩም ምዕባይን ሓጐስን ከም ዝጸንሕ ተረዲኤ፡ ምስ ኵላትኩም ከኣ ከም ዝነብር፡ እፈልጥ አሎኹ።
ፊል.1:27–28
ካብቶም ተጻረርቲ ብሓደ ነገር እኳ ኸይሰምበድኩም፡ እዚ ንኣታቶም ንጥፍኣት፡ ንኣኻትኩም ግና ንምድሓን ምልክት እዩ፡ እዚ ኸኣ ካብ ኣምላኽ እዩ፡ መጺኤ ኽርእየኩም እንተ ዀይነ ወይስ ከየሎኹ፡ ስለ እምነት ወንጌል ብሓንቲ ነፍሲ ምሳይ እናተጋደልኩም፡ ብሓደ መንፈስ ቀጥ ኢልኩም ከም እትቘሙ ምእንቲ ኽሰምዕ፡ ሓንትስ ንብረትኩም ንወንጌል ክርስቶስ ዚበቅዕ ጥራይ ይኹን።
ፊል.1:29–30
እቲ ኣባይ ዝርኤኹምዎ ሕጂውን ኣባይ እትሰምዕዎ ዘሎኹም ገድሊ፡ ከምኡ ዝበለ እናበጽሓኩም፡ ሳላ ክርስቶስ ምእንታኡ መከራ ድማ ክትጸግቡ እምበር፡ ብእኡ ኽትኣምኑ ጥራይ ኣይኰነን ጸጋ ተውሂብኩም ዘሎ።
ፊል.2:1
እምብኣርሲ ገለ ምጽንናዕ ብክርስቶስ፡ ወይስ ገለ ደበሳ ናይ ፍቕሪ፡ ወይስ ገለ ሕብረት መንፈስ፡ ወይስ ገለ ምሕረትን ድንጋጽን እንተሎ፡
ፊል.2:5
እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሃሉኹም።
ፊል.2:9–11
ስለዚ ኸኣ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽ፡ ልሳን ዘበለውን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምኻኑ ኺእመን እዩ ኣምላኽ ናብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዘበሎ፡ ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስምውን ዝሃቦ።
ፊል.2:14–16
ንኸንቱ ኸም ዘይጐየኹ ወይስ ንኸንቱ ኸም ዘይጸዓርኩ፡ ነቲ ቓል ህይወት ሒዝኩም በታ መዓልቲ ክርስቶስ ንትምክሕተይ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚ መንቅብ ዜብሎምን ግሩሃትን ሕፍቲ ዜብሎም ውሉድ ኣምላኽ ኴንኩም፡ ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም እትበርሁ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ንዅሉ ብዘይምጕርምራምን ብዘይውልውልን ግበርዎ።
ፊል.2:21
ኵላቶም ነናይ ርእሶም እዮም ዚደልዩ፡ ነቲ ናይ የሱስ ክርስቶስ ኣይኰነን።
ፊል.2:29–30
ደጊም ንሱ እቲ ኻባኻትኩም ዝጐደለኒ ምእንቲ ኺምልእ፡ ነብሱ ቐቢጹ ምእንቲ ዕዮ ክርስቶስ ክሳዕ ሞት ቀሪቡ ነይሩ እዩ እሞ፡ ብዅሉ ሓጐስ ብጐይታ ተቐበልዎ፡ ነዞም ከምዚኣቶም ዘመሰሉ ኣኽብርዎም።
ፊል.3:3
ንሕና ንኣምላኽ ብመንፈስ እነገልግሎ፡ ብየሱስ ክርስቶስ ተመኪሕናውን ብስጋ ዘይንእመን ግዝረት ንሕና ኢና፡
ፊል.3:7
እዚ ንኣይ ረብሓ ዝነበረ ግና ስለ ክርስቶስ ኢለ ኸም ወጽዓ ቘጸርክዎ።
ፊል.3:8–9
ኣየን እሞ፡ ብእምነት ክርስቶስ እቲ ብእምነት ካብ ኣምላኽ ዚርከብ ጽድቂ እምበር፡ እቲ ብሕጊ ዚመጽእ ጽድቀይ ሒዘ ኣይኰንኩን፡ ንክርስቶስ ምእንቲ ኽረብሕ ብእኡውን ክርከብ፡ ብሓቂ ስለ እቲ ብሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ የሱስ ጐይታይ ኢለ፡ ስሊኡ እዚ ዅሉ እተወጻዕኩ፡ ኵሉ ኸም ወጽዓ እቘጽሮ፡ ከም ጐሓፍ እቘጽሮ ኣሎኹ።
ፊል.3:12
ኣነ ነቲ ንእኡ ክኸውን ብክርስቶስ የሱስ እተረኸብኩ ምእንቲ ኽረኽቦ፡ ንቕድሚት እደፍእ ኣሎኹ እምበር፡ ቅድሚ ሕጂ ኸም ዝረኸብክዎ ወይስ ቅድሚ ሕጂ ፍጹም ከም ዝዀንኩ ኣይኰነን።
ፊል.3:14
ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ፡ ናብቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ እጐዪ አሎኹ።
ፊል.3:18
ከምቲ ብዛዕባኦም ብዙሕ ሳዕ ዝበልኩኹም፡ ሕጂውን እናበኼኹ እብል ኣሎኹ፡ ብዙሓትሲ ጸላእቲ መስቀል ክርስቶስ ኰይኖም ይመላለሱ እዮም።
ፊል.3:20
ንሕና ግና ሃገርና ኣብ ሰማያት እያ፡ ካብኣውን መድሓኒ፡ ንሱ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ንጽበ አሎና።
ፊል.4:7
እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።
ፊል.4:19
ኣምላኸይ ከኣ፡ ከምቲ መጠን ሃብቱ ብኽብሪ ብክርስቶስ የሱስ ገይሩ፡ ድሌትኩም ዘበለ ኺመልኣልኩም እዩ።
ፊል.4:21
ነቶም ብክርስቶስ የሱስ ቅዱሳን ንነፍሲ ወከፎም ሰላም በልዎም። እቶም ምሳይ ዘለዉ ኣሕዋትውን ሰላም ይብሉኹም አለዉ።
ፊል.4:23
ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን።
XII. ኣብ መልእኽቲ ቈሎሴ እዚ ““ክርስቶስ“ ዝብል ቃል ንኸባቢ 27 ጊዜ ዚኣክል ተጠቂሱ ኣሎ። ኩለን ድማ ንክርስቶስ ጥራይ እየን ዘመልክታ፡ ካብዘን 27 ጊዜ ተጠቂሰን ዘለዋ፡ ንሓደ ናይ ሓቂ ሰዓቢ ጐይታ ብምምልካት፡ እቲ ሰብ ክርስቶስ ምዃኑ እትገልጽ ዋላ ሓንቲ ጥቅሲ እኳ የላን።ነዘን ዝስዕባ ጥቅስታት ባዕልኹም ኣንብብወን።
ቈሎ.1:1
ጳውሎስ፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስ፡ ጢሞቴዎስ ሓውናውን፡
ቈሎ.1:2
ነቶም ኣብ ቈሎሴ ዘለዉ ቅዱሳንን ብክርስቶስ ኣመንቲ ኣሕዋትን፡ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም።
ቈሎ.1:3–4
እታ ብክርስቶስ የሱስ እምነትኩምን ንዅሎም ቅዱሳን ዘላትኩም ፍቕርን ምስ ሰማዕና፡ ኵሉ ሳዕ ምእንታኻትኩም እናጸሌና፡ ንኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ነመስግን አሎና።
ቈሎ.1:7
ከምቲ ኻብ ኤጳፍራስ፡ እቲ ፍቁር መዓይይትና ምእንታኻትኩምውን እሙን ኣገልጋሊ ክርስቶስ፡ እተመሃርኩምዎ፡
ቈሎ.1:24
ሕጂ በቲ ምእንታኹም ዝዀነ ጸበባይ እሕጐስ አሎኹ፡ ምእንቲ ስጋኡ፡ ንሳ ድማ እታ ማሕበር እያ፡ ብስጋይ ነቲ ጐደሎ መከራ ክርስቶስ እምልእ አሎኹ።
ቈሎ.1:27
ሃብቲ ኽብሩ ነዚ ምስጢር እዚ ኣብ ኣህዛብ እንታይ ምዃኑ ኼፍልጥ ንዝደለዮም፡ ንሱውን ክርስቶስ ኣባኻትኩም፡ ተስፋ ኽብሪ እዩ።
ቈሎ.1:28
ንሕና ድማ፡ ንዅሉ ሰብ ብክርስቶስ ምሉእ ጌርና ኸነቝሞ፡ ብጥበብ ዘበለ ንዅሉ ሰብ እናመዓድና፡ ንዅሉ ሰብውን እናመሃርና ንነግር አሎና።
ቈሎ.2:2
ብፍቕርን ብዅሉ ሃብቲ ናይ ምሉእ ኣእምሮን፡ ንፍልጠት እቲ ምስጢር ኣምላኽ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ፡ ብሓደ ሰሚሮም ልቦም ምእንቲ ኺጸናናዕ፡
ቈሎ.2:5
ብስጋ እኳ ምሳኻትኩም እንተ ዘየሎኹ፡ ብመንፈስ ምሳኻትኩም እየ፡ ስርዓትኩምን ጽንዓት እምነትኩም ብክርስቶስን እናርኤኹውን እሕጐስ አሎኹ።
ቈሎ.2:6
ደጊም ከምቲ ንጐይታና ክርስቶስ የሱስ እተቐበልኩምዎ፡ ከምኡ ኢልኩም ብእኡ ተመላለሱ።
ቈሎ.2:8
ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ ብልማድ ሰብ፡ ከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቑ።
ቈሎ.2:11
ንስኻትኩም ድማ ብግዝረት ክርስቶስ ነቲ ናይ ስጋ ሰብነት ቀንጢጥኩም ብኢድ ብዘይኰነት ግዝረት ብእኡ ተገዘርኩም።
ቈሎ.2:17
እዚ ነቲ ዚመጽእ ጽላሎት እዩ፡ እቲ ስጋ ግና ክርስቶስ እዩ።
ቈሎ.2:20–22
እምብኣርከ ኻብ ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትኩም፡ ስለምንታይ ደኣ ኣብዛ ዓለም ከም ዘሎኹምሲ፡ ከም ናይ ሰብ ትእዛዛትን ምህሮን ገይሮም፥ ኣይትሐዝ፡ ኣይትጥዓም፡ ኣይትተንኪ፡ ኢሎም ሕጋጋት ዚሕግጉልኩም፡እዚ ዅሉ ተተገይሩስ ንሕልፈቱ እዩ፡
ቈሎ.3:1
ደጊም ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ነቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ።
ቈሎ.3:2–3
መዊትኩም ኢኹም፡ እታ ህይወትኩም ድማ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ እሞ፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኰነን።
ቈሎ.3:4
ክርስቶስ ህይወትና ምስ ዚግለጽ፡ ሽዑ ንስኻትኩምውን ምስኡ ብኽብሪ ኽትግለጹ ኢኹም።
ቈሎ.3:11
ክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን እዩ እምበር፡ ኣብኡስ ጽርኣውን ኣይሁዳውን፡ ግዝረትን ዘይግዝረትን፡ ባርባን ስኪትን፡ ባርያን ጭዋን የልቦን።
ቈሎ.3:13
ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም፡ እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ፡ ይቕረ ተባሃሃሉ። ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ።
ቈሎ.3:15
ሰላም ክርስቶስ ከኣ ኣብ ልብኹም ይግዛእ፡ ነዚ ብሓደ ስጋ ተጸዊዕኩም ኢኹም እሞ መማስውቲ ኹኑ።
ቈሎ.3:16
ብመዝሙርን ውዳሴን መንፈሳዊ ቕኔን ንሓድሕድኩም ኣስተምህሩን ምዓዱን፡ ብልብኹምውን ብጸጋ ንኣምላኽ እናዘመርኩም፡ ቃል ክርስቶስ ብዅሉ ጥበብ መሊኡ ይሕደርኩም።
ቈሎ.3:23–24
ነቲ ዓስቢ ርስቲ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ እናፈለጥኩም፡ እትገብዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ ልቢ ግበርዎ፥ ንጐይታና ክርስቶስ ኢኹም እትግዝእዎ ዘሎኹም።
ቈሎ.4:3–4
እቲ ብዛዕባኡ ተኣሲረ ዘሎኹ ምስጢር ክርስቶስ ክንነግርሲ፡ ምዝራቡ ኸም ዚግብኣኒ ምእንቲ ኽገልጾ፡ ኣምላኽ ነቲ ቓሉ ደገ ኪኸፍተልና ምእንታና ድማ ጸልዩ።
ቈሎ.4:12
እቲ ሓደ ኻባኻትኩም ባርያ ክርስቶስ የሱስ፡ ምሉኣትን ብዅሉ ፍቓድ ኣምላኽ ርዱኣትን ኴንኩም ደው ክትብሉ፡ ኵሉ ሳዕ ብጸሎት ዚጋደለልኩም ዘሎ ኤጳፍራስ ሰላም ይብለኩም አሎ።
XIII. ኣብ ቀዳማይ መልእኽቲ ተሰሎንቄ እዚ ““ክርስቶስ“ ዝብል ቃል ንኸባቢ 14 ጊዜ ዚኣክል ተጠቂሱ ኣሎ። ኩለን ድማ ንክርስቶስ ጥራይ እየን ዘመልክታ፡ ካብዘን 14 ጊዜ ተጠቂሰን ዘለዋ፡ ንሓደ ናይ ሓቂ ሰዓቢ ጐይታ ብምምልካት፡ እቲ ሰብ ክርስቶስ ምዃኑ እትገልጽ ዋላ ሓንቲ ጥቅሲ እኳ የላን።ነዘን ዝስዕባ ጥቅስታት ባዕልኹም ኣንብብወን።
1ተሰ.1:1
ጳውሎስን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን ናብ ማሕበር ሰብ ተሰሎንቄ፡ ብእግዚኣብሄር ኣቦናን ብጐይታና የሱስ ክርስቶስን፡ ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም።
1ተሰ.1:2–3
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን ነቲ ግብሪ እምነትኩምን ጻዕሪ ፍቕርኹምን ትዕግስቲ ተስፋኹምን ኣብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከየብኰርና ኣብ ጸሎትና ዅሉ ሳዕ እናዘከርናኩም፡ ብዛዕባ ዅላትኩም ንኣምላኽ ነመስግኖ አሎና።
1ተሰ.2:6
ሃዋርያት ክርስቶስ ብምዃንና ኸነኽብድ ዚክኣለና እኳ ኽነሱ፡ ካባኻትኩም ኰነ ወይስ ካብ ካልኦት፡ ካብ ሰብሲ ኽብሪ ኣይደሌናን።
1ተሰ.2:14
ኣሕዋተየ፡ ንስኻትኩምሲ ነተን ብክርስቶስ የሱስ ኣብ ይሁዳ ዘለዋ ማሕበራት ኣምላኽ ሰዓብተን ኴንኩም ኢኹም እሞ፡ ከምቲ ንሳቶም ብኣይሁድ ሓሰረ መከራ ዝጸገቡ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ብደቂ ዓድኹም መከራ ጸገብኩም።
1ተሰ.3:2–3
በዚ ጸበባ እዚ ሓደ እኳ ሰንከልከል ከይብል፡ ነዚ ኸም እተመደብና፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ትፈልጥዎ ኢኹም እሞ፡ ንጢሞቴዎስ ሓውናን ብወንጌል ክርስቶስ ናይ ኣምላኽ ኣገልጋልን፡ ንሱ ኼጽንዓኩም ብዛዕባ እምነትኩምውን ኬህድኣኩም ለኣኽናዮ።
1ተሰ.4:16
ጐይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጭድርታን ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ፡ እቶም ብክርስቶስ ዝሞቱውን ቅድም ኪትንስኡ እዮም።
1ተሰ.5:9
ኣምላኽ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምድሓን ክንረክብ እምበር፡ ንቝጥዓስ ኣይመደበናን።
1ተሰ.5:10
ክርስቶስ፡ እንተ ነቒሕና ወይስ እንተ ደቂስና፡ ምስኡ ሐቢርና ብህይወት ምእንቲ ክንነብር ኢሉ፡ ስሌና ሞተ።
1ተሰ.5:18
እዚ ምእንታኹም ብክርስቶስ የሱስ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ብዅሉ ኣመስግኑ።
1ተሰ.5:23
ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ ኸኣ ንዅለንትናኹም ይቐድሶ፡ በቲ ምጽኣት የሱስ ክርስቶስ ብዘሎ መንፈስኩምን ነፍስኹምን ስጋኹምን ብዘይ መንቅብ ኪርከብ ይተሐሎ።
1ተሰ.5:28
ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን። ኣሜን።
XIV. ኣብ ካልኣይ መልእኽቲ ተሰሎንቄ እዚ ““ክርስቶስ“ ዝብል ቃል ንኸባቢ 13 ጊዜ ዚኣክል ተጠቂሱ ኣሎ። ኩለን ድማ ንክርስቶስ ጥራይ እየን ዘመልክታ፡ ካብዘን 13 ጊዜ ተጠቂሰን ዘለዋ፡ ንሓደ ናይ ሓቂ ሰዓቢ ጐይታ ብምምልካት፡ እቲ ሰብ ክርስቶስ ምዃኑ እትገልጽ ዋላ ሓንቲ ጥቅሲ እኳ የላን።ነዘን ዝስዕባ ጥቅስታት ባዕልኹም ኣንብብወን።
2ተሰ.1:1
ጳውሎስን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን ናብ ማሕበር ሰብ ተሰሎንቄ፡ ብእግዚኣብሄር ኣቦናን ብጐይታና የሱስ ክርስቶስን።
2ተሰ.1:2
ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም።
2ተሰ.1:11–12
ከም መጠን ጸጋ ኣምላኽናን ጐይታና የሱስ ክርስቶስን፡ ስም ጐይታና የሱስ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኪኸብር፡ ንስኻትኩምውን ብእኡ ኽትከብሩ፡ ኣምላኽና ነዛ ጽውዓ እዚኣ ብቑዓት ምእንቲ ኪቘጽረኩም፡ ብሓይሊውን ኵሉ ሰናይ ስምረትን ግብሪ እምነትን ክፍጽም፡ ብዛዕባኹም ኵሉ ሳዕ ንልምን አሎና።
2ተሰ.2:1
ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ናብኡ ምእካብናን፡ መዓልቲ ጐይታ ሕጂ ቕርብቲ ኸም ዘላስ፡ ብመንፈስ ወይስ ብቓል ወይስ ከምታ ኻባና ዝመጸትኩም ደብዳበ፡ ካብቲ ኣእምሮኹም ቀልጢፍኩም ከይትናቓነቑን ከይትስምብዱን፡ ንልምነኩም አሎና።
2ተሰ.2:2
ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ናብኡ ምእካብናን፡ መዓልቲ ጐይታ ሕጂ ቕርብቲ ኸም ዘላስ፡ ብመንፈስ ወይስ ብቓል ወይስ ከምታ ኻባና ዝመጸትኩም ደብዳበ፡ ካብቲ ኣእምሮኹም ቀልጢፍኩም ከይትናቓነቑን ከይትስምብዱን፡ ንልምነኩም አሎና።
2ተሰ.2:14
ነቲ ኽብሪ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኽትረኽብዎ እዩ ንሱ ብወንጌልና ገይሩ ዝጸውዓኩም።
2ተሰ.2:16
ግናኸ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ባዕሉን እቲ ዘፍቀረናን ብጸጋ ናይ ዘለኣለም ምጽንናዕን ጽቡቕ ተስፋን ዝሃበና እግዚኣብሄር ኣቦናን፡
2ተሰ.3:5
ጐይታ ኸኣ ንልብኹም ናብ ፍቕሪ ኣምላኽን ናብ ትዕግስቲ ክርስቶስን የቕንዓዮ።
2ተሰ.3:6
እምብኣርስ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ካብቲ በቲ ኻባና እተቐበሎ ምህሮ ዘይነብር፡ ብዘይ ስርዓት ዚመላለስ ዘበለ ሓዉ ክትፍለዩ፡ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስንእዝዘኩም አሎና።
2ተሰ.3:12
ነዞም ከምዚኣቶም ዘመሰሉ፡ ብህድኣት እናዓየዩ እንጌራኦም ኪበልዑ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንእዝዞምን ንምዕዶምን አሎና።
2ተሰ.3:18
ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ ኵላትኩም ይኹን። ኣሜን።
እቲ እንኮ ክርስቶስ=> እቲ እንኮ ቅቡእ
(ራባዓይ ክፋል)
========================
ጳውሎስ ኣብ መወዳእታ መብዛዕሕትኡ መልእኽቲታቱ ብኸምዚ ዝስዕብ ዘገርም መገዲ እዩ ዝዓጽዎ፦
ሮሜ.16:27
ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ ኲላትኩም ይኹን፡፡ ኣሜን፡፡
2ቈረ.13:13
ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኵላትኩም ይኹን። ኣሜን።
ገላ.6:18
ኣሕዋተየ፡ ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን።
ኤፌ.6:23
ምስቶም ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ብዘይሐልፍ ዜፍቅርዎ ዅሎም ጸጋ ይኹን።
ፊል.4:23
ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን።
1ተሰ.5:28
ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን። ኣሜን።
2ተሰ.3:18
ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ ኵላትኩም ይኹን። ኣሜን።
2ጢሞ.4:22
ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስካ ይኹን። ጸጋ ምሳካትኩም ይኹን። ኣሜን።
ፊል.1:25
ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን።
እሞ እዞም መማህራን ምቅስቃስ እምነት፡ “ንሕና መንፈስ ኢና! ንሕና ጐይቶት ኢና! ንሕና ክርስቶሳት ኢና! ንሕና ኣምላኻት ኢና! ወዘተ…“ ካብ በሉ፡ ፕሮግራሞም፣ ዘረባኦም፣ ኣኼባኦም ኪዓጽዉ ከለዉ ኸኣ፡“ጸጋይ ምሳኹም ይኹን! ኣነ ምሳኹም ይኹን! “ ይበሉዎም እምበር ነቶም ሰዓብቶም!
XV. ኣብ ቀዳማይ መልእኽቲ ጢሞቴዎስ እዚ ““ክርስቶስ“ ዝብል ቃል ንኸባቢ 16 ጊዜ ዚኣክል ተጠቂሱ ኣሎ። ኩለን ድማ ንክርስቶስ ጥራይ እየን ዘመልክታ፡ ካብዘን 16 ጊዜ ተጠቂሰን ዘለዋ፡ ንሓደ ናይ ሓቂ ሰዓቢ ጐይታ ብምምልካት፡ እቲ ሰብ ክርስቶስ ምዃኑ እትገልጽ ዋላ ሓንቲ ጥቅሲ እኳ የላን።ነዘን ዝስዕባ ጥቅስታት ባዕልኹም ኣንብብወን።
1ጢሞ.1:1
ጳውሎስ፡ ብትእዛዝ ኣምላኽ መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ተስፋናን፡ ናይ የሱስ ክርስቶስ ሃዋርያ፡
1ጢሞ.1:2
ናብ ጢሞቴዎስ፡ ብእምነት ናይ ሓቂ ወደይ። ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና ክርስቶስ የሱስን ጸጋን ምሕረትን ሰላምን ምሳኻ ይኹን።
1ጢሞ.1:12
ኣነ ነቲ ሓይሊ ዝሃበኒ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ነገልግሎቱ መዲቡ፡ እሙን ክኸውን ስለ ዘብቅዓኒ፡ ኤመስግኖ አሎኹ።
1ጢሞ.1:14
ጸጋ ጐይታና ምስቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ እምነትን ፍቕርን ብዘይ ልክዕ ዓዘዘ።
1ጢሞ.1:15
ክርስቶስ የሱስ ነቶም ኣነ ዝቐዳማዮም ሓጥኣን ኬድሕን ከም ዝመጸ፡ እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፡ ምቕባሉውን ብዅሉ ግቡእ እዩ።
1ጢሞ.1:16
ግናኸ የሱስ ክርስቶስ ነቶም ናብ ዘለኣለም ህይወት ኪበጽሑ ኢሎም ብእኡ ዚኣምኑ ንኣርኣያ ዅሉ ትዕግስቱ ቕድም ኣባይ ምእንቲ ኼርኢ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣነ ምሕረት ዝረኸብኩ።
1ጢሞ.2:5
ማለት፥ ኣምላኽ ሓደ በይኑ እዩ እሞ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ማእከላይውን፡ እቲ ሰብ፡ ክርስቶስ የሱስ፡ ሓደ በይኑ እዩ።
1ጢሞ.3:12–13
እቶም ዲያቆናት ኣጸቢቖም ምስ ኣገልገሉ፡ ዓብዪ መዓርግን ብእምነት የሱስ ክርስቶስን ብዙሕ ትብዓትን ይረኽቡ እዮም እሞ፡ ሰብ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ደቆምን ኣባይቶምን ኣጸቢቆም ዜስተናብሩ ይኹኑ።
1ጢሞ.4:6
ነቶም ኣሕዋት እዚ እንተ ኣርኤኻዮም፡ ቃል እምነትን እቲ ተኣሚንካ ዝሰዓብካዮ ጽቡቕ ምህሮን እተመገበ ሕያዋይ ኣገልጋሊ የሱስ ክርስቶስ ክትከውን ኢኻ።
1ጢሞ.5:11
ሓያማት ግና ንክርስቶስ ተጻሪረን ፍትወት ስጋ ምስ ተላዕለን፡ ኪምርዓዋ እየን ዚደልያ እሞ፡ ንኣታተን ኣርሕቀን።
1ጢሞ.5:21
ተቐዳዲምካ ኸይፈረድካን ሓንቲ እዃ በድልዎ ኸይገበርካን፡ እዚ ኽትሕሉ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ ክርስቶስን የሱስን ኣብ ቅድሚ እቶም ሕሩያት መላእኽትን ኤማሕጽነካ አሎኹ።
1ጢሞ.6:3
ሓደ እኳ ኻልእ ምህሮ እንተ መሃረ፡ በቲ ጥዑይ ቃል ጐይታና የሱስ ክርስቶስ በቲ ኣምልኾ ዘለዎ ምህሮን እንተ ዘይተታሕዘ፡
1ጢሞ.6:13–14
ክሳዕ ምግላጽ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ነቲ ትእዛዝ ብዘይ ርስሓትን መንቅብን ክትሕልዎ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ንዅሉ ህያው ዚገብር ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ጽቡቕ ምእምን እተኣመነ ክርስቶስ የሱሱን እእዝዘካ አሎኹ።
XVI. ኣብ ካልኣይ መልእኽቲ ጢሞቴዎስ እዚ ““ክርስቶስ“ ዝብል ቃል ንኸባቢ 15 ጊዜ ዚኣክል ተጠቂሱ ኣሎ። ኩለን ድማ ንክርስቶስ ጥራይ እየን ዘመልክታ፡ ካብዘን 15 ጊዜ ተጠቂሰን ዘለዋ፡ ንሓደ ናይ ሓቂ ሰዓቢ ጐይታ ብምምልካት፡ እቲ ሰብ ክርስቶስ ምዃኑ እትገልጽ ዋላ ሓንቲ ጥቅሲ እኳ የላን።ነዘን ዝስዕባ ጥቅስታት ባዕልኹም ኣንብብወን።
2ጢሞ.1:1
ጳውሎስ፡ ከም እታ ተስፋ ናይታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘላ ህይወት፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስ ዝዀነ፡
2ጢሞ.1:2
ናብ ጢሞቴዎስ ፍቁር ወደይ፡ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታናን ጸጋ፡ ምሕረት፡ ሰላም ምሳኻ ይኹን።
2ጢሞ.1:9
ኣምላኽ ብፍቓድ ርእሱን በቲ ብክርስቶስ የሱስ ቅድሚ ዘመናት ዓለም እተዋህበና ጸጋን ኣድሐነና ብቕዱስ ጽውዓውን ጸውዓና እምበር፡ ብግብርና ኣይኰነን።
2ጢሞ.1:10
ሕጂ ግና ብምግሃድ መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ተገልጸ፡ ንሱ ንሞት ዝሰዓሮ፡ ንህይወትን ንዘይምጥፋእን ብወንጌል ናብ ብርሃን ዘውጽኦ፡
2ጢሞ.1:13
ነቲ ኻባይ ዝሰማዕካዮ ጥዑይ ቃል ከኣ በቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ እምነትን ፍቕርን ንምሳሌ ሐዞ።
2ጢሞ.2:1
ኣታ ወደየ፡ እምብኣርሲ በቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ ጸጋ ደልድል።
2ጢሞ.2:3
ከም ንፉዕ ናይ ክርስቶስ የሱስ ዓቀይታይ ምሳይ ኴንካ መከራ ጽገብ።
2ጢሞ.2:8
ነቲ ኸም ወንጌለይ ካብ ዘርኢ ዳዊት ዝዀነ ካብ ምዉታትውን ዝተንስኤ የሱስ ክርስቶስ ዘክሮ።
2ጢሞ.2:10
ስለዚ ምእንቲ እቶም ሕሩያት፡ ንሳቶም ድማ እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ ምድሓን ምስ ናይ ዘለኣለም ክብሪ ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ንዅሉ እዕገስ አሎኹ።
2ጢሞ.3:12
ግናኸ እቶም ብክርስቶስ የሱስ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ኪነብሩ ዚደልዩ ዅሎም ኪስጐጉ እዮም።
2ጢሞ.3:14–15
ንስኻ ግና ካብ እንመን ከም እተመሃርካ ፈሊጥካ፡ ነተን ካብ ቍልዕነትካ ጀሚርካ ብእምነት ብክርስቶስ የሱስ ንምድሓን ኬለብማኻ ዚኽእላ ቅዱሳት ጽሑፋት ፈሊጥካ፡ በቲ እተምሃርካዮን እተረዳእካዮን ጽናዕ።
2ጢሞ.4:1–4
ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ፡ ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር፡ ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡ ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ፡ ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም እሞ፡ ብዅሉ ዓቕልን ብምህሮን እቲ ቓል ክትሰብኽ፡ ብጊዜኡን ብዘይጊዜኡን ከተስምዕ፡ ክትገንሕ፡ ክትቀጽዕ፡ ክትምዕድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንህያዋንን ምዉታንን ኪፈርድ ዘለዎ ክርስቶስ የሱስን በቲ ምግላጽ መንግስቱን ኤማሕጽነካ አሎኹ።
2ጢሞ.4:22
ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስካ ይኹን። ጸጋ ምሳካትኩም ይኹን። ኣሜን።
XVII. ኣብ መልእኽቲ ቲቶስ እዚ ““ክርስቶስ“ ዝብል ቃል ንኸባቢ 5 ጊዜ ዚኣክል ተጠቂሱ ኣሎ። ኩለን ድማ ንክርስቶስ ጥራይ እየን ዘመልክታ፡ ካብዘን 5 ጊዜ ተጠቂሰን ዘለዋ፡ ንሓደ ናይ ሓቂ ሰዓቢ ጐይታ ብምምልካት፡ እቲ ሰብ ክርስቶስ ምዃኑ እትገልጽ ዋላ ሓንቲ ጥቅሲ እኳ የላን።ነዘን ዝስዕባ ጥቅስታት ባዕልኹም ኣንብብወን።
ቲቶ.1:1
ጳውሎስ፡ ባርያ ኣምላኽን ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስን፡ ብእምነት ሕሩያት ኣምላኽ ብፍልጠት ሓቂውን ምስ ኣምልኾ፡
ቲቶ.1:4
ናብ ቲቶስ፡ ብሕብረት እምነት ናይ ሓቂ ወደይ። ካብ እግዚኣብሄር ኣቦን ካብ ጐይታና መድሓኒና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምሳኻ ይኹን።
ቲቶ.2:12–13
እቲ ብሩኽ ተስፋን ናይቲ ዕዙዝ ኣምላኽናን መድሓኒና የሱስ ክርስቶስን ምግላጽ ክብሪ እናተጸቤና፡ ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድና፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን በምልኾን ክንነብር ይምህረና አሎ።
ቲቶ.2:14
የሱስ ክርስቶስ ካብ ዓመጻ ዘበለ ምእንቲ ሓራ ኼውጽኣና፡ ንርእሱውን ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእን ገንዘብ ዚዀኖን ህዝቢ ምእንቲ ኼንጽህ ኢሉ፡ ነፍሱ በጃና ኣሕለፈ።
ቲቶ.3:6–7
ብጸጋኡ ጸዲቕና፡ ብተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብመድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ንመንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሌና ኣብዚሑ ኣፍሰሶ።
XVIII. ኣብ መልእኽቲ ፊሊሞን እዚ ““ክርስቶስ“ ዝብል ቃል ንኸባቢ 38 ጊዜ ዚኣክል ተጠቂሱ ኣሎ። ኩለን ድማ ንክርስቶስ ጥራይ እየን ዘመልክታ፡ ካብዘን 38 ጊዜ ተጠቂሰን ዘለዋ፡ ንሓደ ናይ ሓቂ ሰዓቢ ጐይታ ብምምልካት፡ እቲ ሰብ ክርስቶስ ምዃኑ እትገልጽ ዋላ ሓንቲ ጥቅሲ እኳ የላን።ነዘን ዝስዕባ ጥቅስታት ባዕልኹም ኣንብብወን።
ፊል.1:1
ጳውሎስ እሱር ክርስቶስ የሱስ፡ ጢሞቴዎስውን ሓውና፡ ናብቲ ፍቁርን መዓይይትናን ፊልሞን፡
ፊል.1:3
ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም።
ፊል.1:4–7
ኣታ ሓወየ፡ ልቢ እቶም ቅዱሳት ብኣኻ ስለ ዝቐሰነ፡ በታ ፍቕርኻ ብዙሕ ሓጐስን ህድኣትን ረኺበ እየ እሞ፡ እተን ንጐይታና የሱስ ንዅሎም ቅዱሳትን ዘለዋኻ ፍቕርን እምነትን ምስ ሰማዕኩ፡ ነቲ ብክርስቶስ ኣባኻትኩም ዘሎ ዅሉ ሰናይ ነገር እናፈለጥካ፡ እቲ ሕብረት እምነትካ ምእንቲ ኼስልጥ፡ ኣብ ጸሎተይ እናዘከርኩኻ፡ ኵሉ ሳዕ ንኣምላኸይ ኤመስግን አሎኹ።
ፊል.1:8
ስለዚ እቲ ግቡእ ክእዝዘካ ብክርስቶስ የሱስ ብዙሕ ትብዓት ዘሎኒ ኽነሰይሲ፡
ፊል.1:9
ከምዛ ዘሎኽዋ ኣነ ጳውሎስ፡ ኣረጊት፡ ሕጂውን ናይ የሱስ ክርስቶስ እሱር፡ ምእንቲ ፍቕሪ ኢለ እልምነካ አሎኹ።
ፊል.1:20
እወ፡ ኣታ ሓወየ፡ ኣነ ኻባኻ ብጐይታ እጠቐም፡ ብክርስቶስ ንልበይ ኣቕስነለይ።
ፊል.1:23
ኤጳፍራስ፡ ብክርስቶስ የሱስ መተኣስርተይ፡
ፊል.1:25
ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን።
XIX. ኣብ መልእኽቲ እብራውያን እዚ ““ክርስቶስ“ ዝብል ቃል ንኸባቢ 14 ጊዜ ዚኣክል ተጠቂሱ ኣሎ። ኩለን ድማ ንክርስቶስ ጥራይ እየን ዘመልክታ፡ ካብዘን 14 ጊዜ ተጠቂሰን ዘለዋ፡ ንሓደ ናይ ሓቂ ሰዓቢ ጐይታ ብምምልካት፡ እቲ ሰብ ክርስቶስ ምዃኑ እትገልጽ ዋላ ሓንቲ ጥቅሲ እኳ የላን።ነዘን ዝስዕባ ጥቅስታት ባዕልኹም ኣንብብወን።
እብ.3:6
ክርስቶስ ግና ከም ውሉድ ኣብ ልዕሊ ቤቱ እዩ። ትብዓትናን ትምክሕቲ ተስፋናን ክሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዕና እንተ ሐዝናስ፡ ቤቱ ንሕና ኢና።
እብ.3:14
ነታ መጀመርታ እሙንቶና ኽሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዕና እንተ ሓዝናያስ፡ ተማቐልቲ ክርስቶስ ኴንና አሎና።
እብ.5:5
ከምኡውን እቲ፡ ንስኻ ወደይ ኢኻ፡ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ፡ ዝበሎ ኣኽብሮ እምበር፡ ክርስቶስ ባዕሉ ሊቀ ኻህናት ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ርእሱ ኣየኽበረን።
እብ.6:1–2
ስለዚ ናይ ክርስቶስ መጀመርታ ነገሩ ሐዲግና፡ ብንስሓ ኻብ ምዉት ግብሪ፡ ብእምነት ብኣምላኽ፡ ብትምህርቲ ጥምቀት፡ ብምንባር ኣእዳው፡ ብትንሳኤ ምዉታት፡ ብናይ ዘለኣለም ፍርዲውን ከም ብሓድሽ መሰረት ኣይንሰርት እሞ ናብ ፍጻሜ ንሕለፍ።
እብ.9:11
ክርስቶስ ግና ናይቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገር ሊቀ ካህናት ኰይኑ ምስ መጸ፡ በቲ ብሉጽን ፍጹምን ብኢድ ዘይተገብረ፡ ማለት ካብዚ ፍጥረት እዚ ዘይኰነ ድንኳን፡
እብ.9:14
ደም ክርስቶስ ብናይ ዘለኣለም መንፈስ ገይሩ ርእሱ ብዘይ ጽያፍ ንኣምላኽ ዘቕረበ ግዳ፡ ንስካትኩም ንህያው ኣምላኽ ከተገልግሉ ኽንደይ ኣዝዩ ንሕሊናኹም ካብ ምዉት ግብሪ ዘየንጽሆ።
እብ.9:24
ክርስቶስ ሕጂ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪረኣየልና ናብኡ ናብታ ሰማይ ኣተወ እምበር፡ ኣብቲ ምስሊ ሓቂ፡ ኣብታ ብኢድ እተገብረት መቕደስ ኣይኰነን ዝኣተወ።
እብ.9:28
ከምኡ ኸኣ እቲ ንሓጢኣት ብዙሓት ኬርሕቕ ኢሉ ሓንሳእ እተሰውኤ ክርስቶስ ንምድሓን እቶም ዚጽበይዎ ኻልኣይ ጊዜ ብዘይ ሓጢኣት ኪግለጽ እዩ።
እብ.10:10
በዚ ፍቓድ እዚ በቲ ሓንሳእ ንሓዋሩ ዚኣክል እተሰውኤ መስዋእቲ ስጋ የሱስ ክርስቶስ ተቐዲስና አሎና።
እብ.10:12–14
ክርስቶስ ግና ነቶም ዚቕደሱ ብሓንቲ መስዋእቲ ንሓዋሩ ፈጸሞም እሞ፡ ንሱ ንሓዋሩ እትኸውን ሓንቲ መስዋእቲ ስለ ሓጢኣት ምስ ኣቕረበ፡ እቶም ጸላእቱ መርገጽ እግሩ ኽሳዕ ዚዀኑ እናተጸበየ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐመጠ።
እብ.11:26
ናብቲ ዓስቢ ጠመተ እሞ፡ ካብ መዝገብ ግብጽስ ነቲ ጸርፊ ክርስቶስ ኣዝዩ ብዙሕ ሃብቲ ገይሩ ቘጸሮ።
እብ.13:8
የሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለም ንሱ እዩ።
እብ.13:20
ኣምላኽ ሰላም ግና ነቲ ብናይ ዘለኣለም ደም ኪዳን ዓብዪ ጓሳ ኣባጊዕ፡ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ፡
እብ.13:21
ብየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዜብሉ ኣባኻትኩም እናገበረ ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ፍቓድ ኽትገብሩ የብቅዕኩም። ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንእኡ ኽብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
XX. ኣብ መልእኽቲ ያእቆብ እዚ ““ክርስቶስ“ ዝብል ቃል ንኸባቢ 2 ጊዜ ዚኣክል ተጠቂሱ ኣሎ። ኩለን ድማ ንክርስቶስ ጥራይ እየን ዘመልክታ፡ ካብዘን 2 ጊዜ ተጠቂሰን ዘለዋ፡ ንሓደ ናይ ሓቂ ሰዓቢ ጐይታ ብምምልካት፡ እቲ ሰብ ክርስቶስ ምዃኑ እትገልጽ ዋላ ሓንቲ ጥቅሲ እኳ የላን።ነዘን ዝስዕባ ጥቅስታት ባዕልኹም ኣንብብወን።
ያእ.1:1
ያእቆብ ናይ ኣምላኽን ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ባርያ ነቶም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ዓሰርተው ክልተ ነገድ ሰላም ይብሎም አሎ።
ያእ.2:1
ኣቱም ኣሕዋተይ፡ እምነት ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታ ኽብሪ፡ ብዘይ ኣድልዎ ሐዙ።
XXI. ኣብ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ጰጥሮስ እዚ ““ክርስቶስ“ ዝብል ቃል ንኸባቢ 21 ጊዜ ዚኣክል ተጠቂሱ ኣሎ። ኩለን ድማ ንክርስቶስ ጥራይ እየን ዘመልክታ፡ ካብዘን 21 ጊዜ ተጠቂሰን ዘለዋ፡ ንሓደ ናይ ሓቂ ሰዓቢ ጐይታ ብምምልካት፡ እቲ ሰብ ክርስቶስ ምዃኑ እትገልጽ ዋላ ሓንቲ ጥቅሲ እኳ የላን።ነዘን ዝስዕባ ጥቅስታት ባዕልኹም ኣንብብወን።
1ጴጥ.1:1
ጴጥሮስ ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስ ነቶም ኣብ ጶንጦስን ኣብ ገላትያን ኣብ ቀጶዶቅያን ኣብ እስያን ኣብ ቢቲንያን ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ሕሩያት፡
1ጴጥ.1:2
ከምቲ ናይ ቀደም ፍልጠት እግዚኣብሄር ኣቦና ብቕድስና መንፈስ ንምእዛዝን ብደም የሱስ ክርስቶስን ንምንጻግን ጸጋን ሰላምን ኣባኻትኩም ይብዛሕ።
1ጴጥ.1:3–4
እቲ ንዘይሐልፍን ዘይረክስን ዘይጽምሉን ኣብ ሰማያት ተኣርኒብልኩም ዘሎ ርስቲ፡ ብናይ የሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ ካብ ምውታት ብዝሒ ምሕረት ንህያው ተስፋ ብሓድሽ ዝወለደና ኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይባረኽ፡
1ጴጥ.1:6–7
እቲ ምፍታን እምነትኩም ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ ንምስጋናን ስብሓትን ክብርን ብሓዊ ኻብ ዚዅላዕ ንሓላፊ ወርቂ ኣዝዩ ኸቢሩ ምእንቲ ኺርከብ፡ እንተ ኣድለየስ፡ ሕጂ ብብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና ምስ ጕሄኹም፡ ብእኡ ኽትሕጐሱ ኢኹም።
1ጴጥ.1:11
እቲ ኣባታቶም ዝነበረ መንፈስ ክርስቶስ ብስቓይ ክርስቶስ በቲ ድሕሪኡ ዘሎ ኽብርን ቀዲሙ ኸም ዝመስከረ፡ ነየናይ ወይስ ንኸመይ ዝበለ ዘመን ከም ዘመልከተ እናመርመሩ፡
1ጴጥ.1:13
ስለዚ ሓቛቝ ልብኹም ተዐጢቕኩም እናተጠንቀቕኩም፡ ነቲ ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ እትረኽብዎ ጸጋ ምሉእ ተስፋ ግበሩ።
1ጴጥ.1:18–19
ካብቲ ኻብ ኣቦታትኩም እተቐበልኩምዎ ኸንቱ ንብረትኩም፡ ከም ብደም እቲ ኣበርን ርኽሰትን ዜብሉ ገንሸል፡ ብኽቡር ደም ክርስቶስ እምበር፡ ብጠፋኢ ነገር፡ ብብሩር ወይስ ወርቂ፡ ከም ዘይደሐንኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም።
1ጴጥ.2:5
ንስኻትኩምውን፡ ከም ህያዋን ኣእማን ኴንኩም፡ ነቲ ብየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ኸተቕርቡ፡ ንቕዱስ ክህነት ዚኸውን፡ መንፈሳዊ፡ ቤት ተሀነጹ።
1ጴጥ.2:21
ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ።
1ጴጥ.3:15
ንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ እምበር፡ ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ፡ ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን።
1ጴጥ.3:16–17
ፍቓድ ኣምላኽ ከምዚ እንተ ደለዮስ፡ ካብ እከይ እናገበርኩምሲ፡ ሰናይ እናገበርኩም ሓሳረ መከራ ኽትጸግቡ ይሔሸኩም እዩ እሞ፡ እቶም ነቲ ብክርስቶስዚኸውን ሰናይ ኣኻይዳኹም ዚጸርፉ በቲ ዚሐምዩኹም ምእንቲ ኺሐፍሩ፡ ሰናይ ሕሊና ይሀሉኹም።
1ጴጥ.3:18
ክርስቶስ ድማ፡ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኬቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተ፡ ብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ።
1ጴጥ.3:21
እቲ ማይ ድማ ሕጂ ብተምሳሉ፡ ማለት ጥምቀት፡ የድሕነኩም አሎ፡ እዚ ኸኣ ብትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ ልማኖ ሰናይ ሕሊና ናብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ምሕጻብ ርስሓት ስጋ ኣይኰነን።
1ጴጥ.4:1–2
ደጊም ክርስቶስ ምእንታና ሓሳረ መከራ ካብ ጸገበስ፡ ብስጋኡ መከራ ዚጸግብ፡ ንሱ ንሓጢኣት ሒዲግዎ እዩ እሞ፡ እቲ ብስጋ ዝተረፈ ዘመን ንፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ንፍትወት ሰብ ምእንቲ ኸይትነብሩ፡ ንስኻትኩምውን ነዚ ሓሳብ እዚ ኸም ኣጽዋር ጌርኩም ሐዝዎ።
1ጴጥ.4:11
ዚነግር እንተ ዀነ፡ ከም ቃል ኣምላኽ ገይሩ ይንገር፡ ዜገልግል እንተ ዀነውን፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝሀቦ ሓይሊ ገይሩ የገልግል። ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስብዅሉ ምእንቲ ኪኸብር፡ ንእኡ ኽብርን ስልጣንን ንዘለኣለመ ኣለም ይዀኖ። ኣሜን።
1ጴጥ.4:13
ብምግላጽ ግርማኡ ድማ ክትሕጐሱን ባህ ክትብሉን ኢኹም እሞ፡ ኣብቲ ስቓይ ክርስቶስ ሕቡራት ካብ እትዀኑስ፡ ተሐጐሱ ደኣ።
1ጴጥ.4:14
ምእንቲ ስም ክርስቶስ እንተ ተጸረፍኩም፡ እቲ ናይ ክብርን ናይ ኣምላኽን መንፈስ ኣባኻትኩም ይሐድር እዩ እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም።
1ጴጥ.5:1
እምብኣርሲ ነቶም ኣብ ማእከልኩም ዘለዉ ሽማግሌታት፡ ኣነ መሸማግልቶም፡ ብስቓይ ክርስቶስ ድማ መስካሪ፡ ኣብቲ ደሓር ኪግለጽ ዘልዎ ኽብሪውን ተማቓሊ እየ እሞ፡ እምዕዶም አሎኹ፡
1ጴጥ.5:10
እቲ ብክርስቶስ የሱስ ናብ ናይ ዘለኣለም ክብሩ ዝጸወዓኩም ኣምላኽ ኵሉ ጸጋ፡ ቅሩብ ጊዜ ሓሳረ መከራ ምስ ጸገብኩም፡ ንሱ ኺፍጽመኩም፡ ኬበርትዓኩም፡ ኪስርተኩምውን እዩ።
1ጴጥ.5:14
ብናይ ፍቕሪ ምስዕዓም ንሓድሕድኩም ሰላም ተባሃሀሉ። ብክርስቶስ የሱስ ዘሎኹም ኵላትኩም ሰላም ይሀልኹም። ኣሜን።
XXII. ኣብ ካልኣይቲ መልእኽቲ ጰጥሮስ እዚ ““ክርስቶስ“ ዝብል ቃል ንኸባቢ 8 ጊዜ ዚኣክል ተጠቂሱ ኣሎ። ኩለን ድማ ንክርስቶስ ጥራይ እየን ዘመልክታ፡ ካብዘን 8 ጊዜ ተጠቂሰን ዘለዋ፡ ንሓደ ናይ ሓቂ ሰዓቢ ጐይታ ብምምልካት፡ እቲ ሰብ ክርስቶስ ምዃኑ እትገልጽ ዋላ ሓንቲ ጥቅሲ እኳ የላን።ነዘን ዝስዕባ ጥቅስታት ባዕልኹም ኣንብብወን።
2ጴጥ.1:1
ስምኦን ጴጥሮስ፡ ናይ የሱስ ክርስቶስ ባርያን ሃዋርያን፡ ናብቶም ማዕረ እታ ናትና ዝኽብረታ እምነት ብጽድቂ ኣምላኽናን ብመድሓኒናን የሱስ ክርስቶስን እተመቕሉ፡
2ጴጥ.1:8
እዚ ነገርዚ እንተ ኣሎኩም፡ እናማዕበለውን እንተ ኸደ፡ ንምፍላጥ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሃካያትን ዘየፍርዩን ክትኰኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።
2ጴጥ.1:11
ከምኡውን ናይቲ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ዘለኣለማዊ መንግስቲ ምእታው ብምልኣት ኪውሀበኩም እዩ።
2ጴጥ.1:13–14
ከምቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዝገለጸለይ ከኣ፡ እቲ ምቕንጣጥ ድንኳነይ ቀልጢፉ ኸም ዚኸውን ስለ ዝፈለጥኩ፡ ኣብዚ ድንኳን እዚ ኽሳዕ ዘሎኹ፡ ብምዝካር ከንቅሓኩም ቅኑዕ ኰይኑ ይርኣየኒ አሎ።
2ጴጥ.1:16
ነቲ ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሓይልን ምጽኣትን ክንነግረኩም ከሎና፡ ነቲ ናይ ግርማኡ ብዓይንና ዝርኤናዮ ምስክር ኴንና ኢና እምበር፡ እተጣበብዎ ጽውጽዋያት ኣይሰዐብናን።
2ጴጥ.2:20
ብፍልጠት ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ካብታ ርኽሰት ዓለም ኣምሊጦም፡ ከም ብሓድሽ ብእኣ ተጠሊፎም እንተ ተሳዕሩ፡ ካብ ቀዳማዮምሲ ዳሕራዮም ዝገደደ እዩ ዚኸውን።
2ጴጥ.3:18
ብጸጋን ብፍልጠት ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ደኣ ዕበዩ። ንእኡ ሕጅን ንመዓልቲ ዘለኣለምን ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
XXIII. ኣብ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ዮሃንስ እዚ ““ክርስቶስ“ ዝብል ቃል ንኸባቢ 14 ጊዜ ዚኣክል ተጠቂሱ ኣሎ። ካብዚአን እተን ኣርባዕተ ብ ኣሉታዊ መገዲ ንሱ ከኣንኣጽራረ ክርስቶስ ብምምልካት ተጠቂሰን ኣለዋ (1ዮሃ.2፡18,18 ፣2፡22 ፣ 4፡3)። እተን ዝተረፋ ኩለን ድማ ንክርስቶስ ጥራይ እየን ዘመልክታ፡ ካብዘን 14 ጊዜ ተጠቂሰን ዘለዋ፡ ንሓደ ናይ ሓቂ ሰዓቢ ጐይታ ብምምልካት፡ እቲ ሰብ ክርስቶስ ምዃኑ እትገልጽ ዋላ ሓንቲ ጥቅሲ እኳ የላን።ነዘን ዝስዕባ ጥቅስታት ባዕልኹም ኣንብብወን።
1ዮሃ.1:3
ንስኻትኩም ድማ ምሳና ሕብረት ምእንቲ ኺህልወኩም ኢልና፡ እቲ ዝርኤናዮን ዝሰማዕናዮን ንኣካትኩም ንነግሮ ኣሎና። ሕብረትናውን ምስ ኣቦን ምስ ወዱ የሱስ ክርስቶስን እዩ።
1ዮሃ.1:7
ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፡ ኣብ ብርሃን እንተ ተመላለስና ግና፡ ንሓድሕድና ሕብረት አሎና፡ ደም የሱስ ክርስቶስ ወዱውን ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንጽሃና እዩ።
1ዮሃ.2:1
ኣቱም ደቀየ፡ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ እዚ እጽሕፈልኩም አሎኹ። ሓደ እኳ ሓጢኣት ዝገበረ እንተሎ፡ ጠበቓ ኣብ ኣቦ አሎና፡ ንሱ የሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ጻድቕ፡ እዩ።
1ዮሃ.2:18
ደቀየ፡ እዚኣ እታ ዳሕረይቲ ሰዓት እያ። ከምቲ፡ እቲ ጸረ ክርስቶስ ከም ዚመጽእ፡ ዝሰማዕኩምዎ፡ ካብ ሕጂውን ብዙሓት ኣጽራር ክርስቶስ ተንሲኦም አለዉ። እዚኣ እታ ዳሕረይቲ ሰዓት ምዃና በዚ ኢና እንፈልጥ።
1ዮሃ.2:22
እቲ ንየሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ዚኽሕዶ እንተ ዘይኰይኑኸ፡ መን እዩ እቲ ሓሳዊ፧ እቲ ነቦን ወድን ዚኽሕዶም፡ ንሱ እዩ እቲ ጸረ ክርስቶስ።
1ዮሃ.3:23
ከምቲ ንሱ ዝሀበና ትእዛዝ ጌርና፡ ብስም ወዱ የሱስ ክርስቶስ ክንኣምን ንሓድሕድናውን ክንፋቐር፡ ትእዛዙ እዚ እዩ።
1ዮሃ.4:2
ንመንፈስ ኣምላኽ በዚ ኢኹም እትፈልጥዎ፡ የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዚእመን ዘበለ ዅሉ መንፈስ ካብ ኣምላኽ እዩ፡
1ዮሃ.4:3
የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመን ዘበለ ዅሉ መንፈስ ድማ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን። እዚ ኸኣ እቲ ኸም ዚመጽእ ሰሚዕኩምዎ ዘሎኹም ናይ ጸረ ክርስቶስ መንፈስ እዩ፡ ሕጂውን ድሮ ኣብ ዓለም አሎ።
1ዮሃ.5:1
ንየሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ዚኣምን ዘበለ ዅሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ እዩ፡ ንወላዲ ዜፍቅሮ ዅሉ ኸኣ፡ ነቲ ኻብኡ እተወልደውን የፍቅሮ።
1ዮሃ.5:6
እቲ ብማይን ብደምን ዝመጸ እዚ እዩ፡ ማለት፡ የሱስ ክርስቶስ፡ ብማይን ብደምን እምበር፡ ብማይ ጥራይ ኣይኰነን ዝመጸ።
1ዮሃ.5:20
ግናኸ እቲ ወዲ ኣምላኽ መጺኡስ ነቲ ብዓል ሓቂ ኽንፈልጦ ኢሉ ኣእምሮ ኸም ዝሀበና፡ ንፈልጥ ኢና፡ ንሕና ኣብቲ ብዓል ሓቂ፡ ኣብ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ኢና ዘሎና። እዚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ናይ ዘለኣለም ህይወትን እዩ።
XXIV. ኣብ ካልኣይቲ መልእኽቲ ዮሃንስ እዚ ““ክርስቶስ“ ዝብል ቃል ንኸባቢ 4 ጊዜ ዚኣክል ተጠቂሱ ኣሎ። ካብዚአን እተን ሓንቲ ብኣሉታዊ መገዲ ንሱ ከኣ ንጸረ ክርስቶስ ብምምልካት ተጠቂሳ ኣላ (2ዮሃ.1፡7) እተን ዝተረፋ ኩለን ድማ ንክርስቶስ ጥራይ እየን ዘመልክታ፡ ካብዘን 4 ጊዜ ተጠቂሰን ዘለዋ፡ ንሓደ ናይ ሓቂ ሰዓቢ ጐይታ ብምምልካት፡ እቲ ሰብ ክርስቶስ ምዃኑ እትገልጽ ዋላ ሓንቲ ጥቅሲ እኳ የላን።ነዘን ዝስዕባ ጥቅስታት ባዕልኹም ኣንብብወን።
2ዮሃ.1:3
ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ የሱስ ክርስቶስ ወዱ ነቦን ጸጋን ምሕረትን ሰላምን ብሓቅን ብፍቕርን ምሳና ኪኸውን እዩ።
2ዮሃ.1:7
የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመኑ ብዙሓት ምስሓትቲ ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ። እቲ መስሓትን እቲ ጸረ ክርስቶስን እዚ እዩ።
2ዮሃ.1:9
እቲ ጐቦ ዚዘብል፡ ብምህሮ ክርስቶስውን ዘይጸንዕሲ፡ ኣምላኽ የብሉን። እቲ ኣብቲ ምህሮ ዚጸንዕ፡ ንሱ ኣቦን ወድን አለውዎ።
XXV. ኣብ መልእኽቲ ይሁዳ እዚ ““ክርስቶስ“ ዝብል ቃል ንኸባቢ 6 ጊዜ ዚኣክል ተጠቂሱ ኣሎ። ኩለን ድማ ንክርስቶስ ጥራይ እየን ዘመልክታ፡ ካብዘን 6 ጊዜ ተጠቂሰን ዘለዋ፡ ንሓደ ናይ ሓቂ ሰዓቢ ጐይታ ብምምልካት፡ እቲ ሰብ ክርስቶስ ምዃኑ እትገልጽ ዋላ ሓንቲ ጥቅሲ እኳ የላን።ነዘን ዝስዕባ ጥቅስታት ባዕልኹም ኣንብብወን።
ይሁ.1:1
ይሁዳ ባርያ የሱስ ክርስቶስ ሓዉ ያእቆብን፡ ናብቶም ጽውዓት፡ ብእግዚኣብሄር ኣቦና ፍቁራትን ንየሱስ ክርስቶስ እተሐለዉን፡
ይሁ.1:4
ገለ ሰባት ካብ ቀደም ነዚ ፍርዲ እዚ እተጻሕፉ፡ ፍርሃት ኣምላኽ ዜብሎም፡ ነቲ ጸጋ ኣምላኽና ናብ ርኽሰት ዚልውጥዎ፡ ነቲ ሓደ በይኑ ገዛእን ጐይታናን የሱስ ክርስቶስ ዚኽሕድዎ፡ ስሉኽ ኢሎም ኣትዮምኹም አለዉ።
ይሁ.1:17–18
ንስኻትኩም ግና፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ነቲ እቶም ሃዋርያት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ኣብቲ ዳሕራይ ዘመን ብእኩይ ፍትወቶም ዚመላለሱ፡ መላገጽቲ ኺትንስኡ እዮም፡ ኢሎም ቅድም ዝነገሩኹም ቃላት ዘክርዎ።
ይሁ.1:21
ነቲ ናብ ህይወት ዘለኣለም ዜብጽሕ ምሕረት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እናተጸቤኹምሲ፡ ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሐልውዋ።
ይሁ.1:25
ነቲ ብየሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታና፡ በይኑ መድሓኒና ዝዀነ ኣምላክ ቅድሚ ዅሉ ዘመናትን ሕጅን ንዅሉ ዘለኣለም ክብሪ፡ ግርማ፡ ሓይሊ፡ ስልጣን ይኹኖ። ኣሜን።
XXVI. ኣብ ራእይ ዮሃንስ እዚ ““ክርስቶስ“ ዝብል ቃል ንኸባቢ 11 ጊዜ ዚኣክል ተጠቂሱ ኣሎ። ኩለን ድማ ንክርስቶስ ጥራይ እየን ዘመልክታ፡ ካብዘን 11 ጊዜ ተጠቂሰን ዘለዋ፡ ንሓደ ናይ ሓቂ ሰዓቢ ጐይታ ብምምልካት፡ እቲ ሰብ ክርስቶስ ምዃኑ እትገልጽ ዋላ ሓንቲ ጥቅሲ እኳ የላን።ነዘን ዝስዕባ ጥቅስታት ባዕልኹም ኣንብብወን።
ራእ.1:1
እቲ ቐልጢፉ ኺኸውን ዘለዎ፡ ንባሮቱ ምእንቲ ኼርእዮም ኢሉ፡ ኣምላኽ ዝሀቦ ናይ የሱስ ክርስቶስ ራእይ፡ ብኢድ መልኣኹ ልኢኹውን ንባርያኡ ዮሃንስ ኣርአዮ።
ራእ.1:2
ንሱ ንቓል ኣምላኽን ንምስክር የሱስ ክርስቶስን፡ ነቲ ዝረአዮ ዘበለ ዅሉ መስኪሩ አሎ።
ራእ.1:4–5
ዮሃንስ ነተን ኣብ እስያ ዘለዋ ሾብዓተ ማሕበራት፡ ካብቲ ዘሎን ዝነበረን ዚመጽእን፡ ካብቶም ኣብ ቅድሚ ዝፋኑ ዘለዉ ሾብዓተ መናፍስትን ካብቲ እሙን ምስክርን በዅሪ ምዉታትን ርእሲ ነገስታት ምድሪ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ከኣ ጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን። ንእኡ፡ ነቲ ዜፍቅረና ዘሎ፡ ካብ ሓጢኣትናውን ብደሙ ዝሐጸበና፡
ራእ.20:4
ዝፋናት ድማ ርኤኹ፡ ኣባታቶም ከኣ ተቐመጡ፡ ፍርዲውን ተዋህቦም። ነፍሳት እቶም ምእንቲ ምስክር የሱስን ምእንቲ ቓል ኣምላኽን እተሰየፉ፡ ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ከኣ ዘይሰገዱ፡ ማሕተሙውን ኣብ ግምባሮም ወይስ ኣብ ኣእዳዎም ዘይተቐበሉ ድማ ርኤኹ። እዚኣቶም ህያዋን ኰኑ እሞ ምስ ክርስቶስ ሽሕ ዓመት ነገሱ።
ራእ.20:6
ኣብቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ዕድል ዘለዎ ብጹእን ቅዱስን እዩ። ናይ ኣምላኽን ናይ ክርስቶስን ካህናት ኪዀኑ፡ ምስኡውን ሽሕ ዓመት ኪነግሱ እዮም እምበር፡ እቲ ኻልኣይ ሞት ኣብዚኣቶም ስልጣን የብሉን።
ኣብቲ ክንግ ጄምስ/KJV/ ዝብል ናይ 1611 ናይ እንግሊዚኛ ትርጉም፡ ኣብዞም ዝስዕቡ ጥቅስታት ራእይ ዮሃንስ /ራእይ1፡9=2 ጊዜ ፣ ራእይ 11፡15 ፣12፡17 ፣ራእይ 22፡21/“ክርስቶስ“ ዝብል ቃል ኣቀሚጥሉ ኣሎ።
እቲ እንኮ ክርስቶስ=> እቲ እንኮ ቅቡእ
(ሓሙሻይ ክፋል)
========================
ጐይታ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝኣዘዞም ትእዛዝ፡ ንሳቶም “ንሕና ባሮት ኢና“ ክብሉ (ባሮት ኣምላኽ! ባሮት ክርስቶስ!) ንሳቶምውን ከም እሙናት ሰዓብቲ ጎይታ ባሮት ክርስቶስ ምዃኖም ጥራይ ደኣ መስከሩን ተኣመኑን!
ሉቃስ 17:10
ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እተኣዘዝኩምዎ ዅሉ ምስ ገበርኩም፥ ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና፡ እቲ ኽንገብሮ ዚግብኣና ኢና ዝገበርና፡ በሉ።
ማቴዎስ 20:27
እቲ ኻባታትኩም ምርኡይ ኪኸውን ዚደሊ ኸኣ፡ ባርያኹም ይኹን።
ማቴዎስ 24:45
እቲ ጐይታኡ ምግቦም በብግዜኡ ኺህቦም ኢሉ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ መን ኰን እዩ፧
ማቴዎስ 24:46
ጐይታኡ ኺመጽእ ከሎ፡ ከምዚ እናገበረ ዚረኽቦ ባርያ ብጹእ እዩ።
ማቴዎስ 24:48
እቲ ኽፉእ ባርያ ግና ብልቡ፡ ጐይታይ ይድንጕ እዩ፡ እንተ በለ፡
ማቴዎስ 24:50
ጐይታ እቲ ባርያ እቲ፡ ንሱ ብዘይተጸበያ መዓልቲ ብዘይፈላጣ ጊዜውን ኪመጽእ እዩ።
ማቴዎስ 25:21
እቲ ጐይታኡ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ እሙን ባርያ፡ ብሒደት ተእሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ፡ በሎ።
ማቴዎስ 25:23
ጐይታኡ ኸኣ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ፡ እሙን ባርያ፡ ብሒደት ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ።
ማቴዎስ 25:26
እቲ ጐይታኡ ግና መሊሱ በሎ፡ ኣታ ኽፉእ ሃካይ ባርያ፡ ዘይዘራእክዎ ኸም ዝዐጽድ፡ ዘይበተንክዎ ኸኣ ከም ዝእክብ ፈሊጥካ አሎኻ።
ማቴዎስ 25:30
ነዚ ዘይጠቅም ባርያ ግና ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ።
ሉቃስ 1:38
ማርያም ከኣ፥ እኔኹ፡ ኣነ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ዘረባኻ ይኹነለይ፡ በለት። እቲ መልኣኽ ድማ ካብኣ ሐለፈ።
ሉቃስ 1: 47-49
መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኽ፡ በቲ መድሓንየይ፡ ባህ ይብሎ። ውርደት ባርያኡ ስለ ዝረኣየ፡ እቲ ሓያል ዓብዪ ነገር ገይሩለይ እዩ እሞ፡ ስሙ ቅዱስ እዩ። እንሆ፡ ካብ ሕጂ ዅሎም ወለዶ ብጽእቲ ኺብሉኒ እዮም።
ሉቃስ 1: 54-55
ከምቲ ነቦታትና፡ ንኣብርሃምን ንዘርኡን ዝነገሮም፡ ክሳዕ ዘለኣለም ምሕረት እናዘከረ፡ ንእስራኤል ባርያኡ ተቐበሎ።
ሉቃስ 1: 69-70
ከምቲ በቶም ካብ ጥንቲ ዝነበሩ ብኣፍ ቅዱሳት ነብያት እተዛረቦ፡ ኣብ ቤት ዳዊት ባርያኡ ቀርኒ ምድሓን ኣተንስኣልና፡
ሉቃስ 2: 29-32
ዎ ጐይታይ፡ ነቲ ንምብራህ ኣህዛብ ብርሃን፡ ንህዝብኻ እስራኤልውን ክብረት ምእንቲ ኪኸውን፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ዘዳሎኻዮ ምድሓንካ ኣዒንተይ ካብ ረኣያስ፡ ሕጂ ኸምቲ ዘረባኻንባርያኻ ብሰላም ተፋንዎ ኢኻ፡ በለ።
ሮሜ 1:1
ጳውሎስ ባርያ የሱስ ክርስቶስ፡ ሃዋርያ ኪኸውን እተጸውዔ፡ ንወንጌል ኣምላኽ እተፈልየ፡
ገላትያ 1:10
ሕጂኸ ንሰብዶ ወይስ ንኣምላኽ እየ ባህ ዘብል ዘሎኹ፡ ወይስ ንሰብ ከሐጕስ ድየ ዝደሊ ዘሎኹ፡ ገና ንሰብ ከሐጕስ እንተ ዝብልሲ፡ ባርያ ክርስቶስ ኣይምዀንኩን ነይረ።
ፊሊጲ 1:1
ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ባሮት የሱስ ክርስቶስ ናብቶም ኣብ ፊልጲ ብክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ዅላቶም ቅዱሳን፡ ምስ ኤጲስቆጶሳትን ዲያቆናትን
ቆሎሴ 4:12
እቲ ሓደ ኻባኻትኩም ባርያ ክርስቶስ የሱስ፡ ምሉኣትን ብዅሉ ፍቓድ ኣምላኽ ርዱኣትን ኴንኩም ደው ክትብሉ፡ ኵሉ ሳዕ ብጸሎት ዚጋደለልኩም ዘሎ ኤጳፍራስ ሰላም ይብለኩም አሎ።
ቲቶ 1:1
ጳውሎስ፡ ባርያ ኣምላኽን ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስን፡ ብእምነት ሕሩያት ኣምላኽ ብፍልጠት ሓቂውን ምስ ኣምልኾ፡
ያዕቆብ 1:1
ያእቆብ ናይ ኣምላኽን ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ባርያ ነቶም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ዓሰርተው ክልተ ነገድ ሰላም ይብሎም ኣሎ።
ይሁዳ 1:1
ይሁዳ ባርያ የሱስ ክርስቶስ ሓዉ ያእቆብን፡ ናብቶም ጽውዓት፡ ብእግዚኣብሄር ኣቦና ፍቁራትን ንየሱስ ክርስቶስ እተሐለዉን፡
ራእይ ዮሐንስ 1:1
እቲ ቐልጢፉ ኺኸውን ዘለዎ፡ ንባሮቱ ምእንቲ ኼርእዮም ኢሉ፡ ኣምላኽ ዝሀቦ ናይ የሱስ ክርስቶስ ራእይ፡ ብኢድ መልኣኹ ልኢኹውን ንባርያኡ ዮሃንስ ኣርአዮ።
ራእይ ዮሐንስ 7:3
ነቶም ባሮት ኣምላኽና ኣብ ገግምባሮም ክሳዕ እንሐትሞምሲ፡ ምድሪ፡ ወይስ ባሕሪ፡ ወይስ ኣእዋም ኣይትጕድኡ፡ በለ።
ራእይ ዮሐንስ 10: 6-7
ብመዓልትታት ድምጺ እቲ ሳብዓይ መልኣኽ ንሱ መለኸት ኪነፍሕ ምስ ተዳለወ፡ እቲ ምስጢር ኣምላኽ ከኣ ከምቲ ነቶም ባሮቱ ነብያት ዘበሰሮም፡ ሽዑ ኺፍጸም እዩ እምበር፡ ደጊምሲ ዘመን ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኢሉ በቲ ንሰማይን ኣብኡ ዘሎን፡ ንምድርን ኣብኡ ዘሎን፡ ንባሕርን ኣብኣ ዘሎን ዝፈጠረ፡ ንዘለኣለም ኣለምን ህያው ኰይኑ ዚነብር መሐለ።
ራእይ ዮሐንስ 15: 3-4
ኣታ ዅሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ግብርኻ ዓብይን ግሩምን እዩ። ኣታ ንጉስ ኣህዛብ፡ መገድኻ ጽድቅን ሓቅን እዩ። ንስኻ በይንኻ ኢኻ ቅዱስ እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ዘይፈርሃካን ንስምካ ዘየኽብርንከ መን አሎ፧ እቲ ቕኑዕ ፍርድኻ ተግሂዱ እዩ እሞ፡ ስለዚ ዅሎም ኣህዛብ ኪመጹ ኣብ ቅድሜኻውን ኪሰግዱ እዮም፡ እናበሉ፡ መዝሙር ሙሴ፡ እቲ ባርያ ኣምላኽን፡ መዝሙር እቲ ገንሸልን ዘመሩ።
ራእይ ዮሐንስ 19: 1-2
ድሕርዚ ኣብ ሰማይ ከም ናይ ብዙሕ ሰብ ዝበለ ብርቱዕ ድምጺ፡ ሃሌሉያ፡ ፍርዱ ሓቅን ጽድቅን ስለ ዝዀነ፡ ንሱ ናይታ ብምንዝርናኣ ንምድሪ ዘጥፍኤት ዓባይ ኣመንዝራ ስለ ዝፈረዳ፡ ንደም ባሮቱውን ካብ ኢዳ ስለ እተፈድየ፡ ምድሓንን ክብርን ሓይልን ናይ ኣምላኽና እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።
ራእይ ዮሐንስ 19:5
ካብቲ ዝፋንውን፡ ኣቱም እትፈርህዎ ናእሽቱን ዓበይትን ኵሉኹም ባሮቱ፡ ንኣምላኽና ወድስዎ፡ ዚብል ድምጺ ወጸ።
ራእይ ዮሐንስ 19:10
ኣነ ኸኣ፡ ክሰግደሉ ኢለ፡ ናብ ቅድሚ ኣእጋሩ ፍግም በልኩ። ንሱ ድማ፡ ከይትገብሮ ተጠንቀቕ። ምስክር የሱስ እቲ መንፈስ ትንቢት እዩ እሞ፡ ኣነስ ከማኻን ከምቶም ምስክር የሱስ ዚሕዙ ዘለዉ ኣሕዋትካን ባርያ እየ፡ ንኣምላኽ ደኣ ስገድ፡ በለኒ።
ራእይ ዮሐንስ 22:3
ድሕሪ ደጊምሲ መርገም ከቶ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ናይ ኣምላኽን ናይቲ ገንሸል ዝፋን ኣብኡ ኪኸውን እዩ፡ እቶም ባሮቱውን ኬገልግልዎ
ራእይ ዮሐንስ 22:6
ንሱ ኸኣ፡ እዚ ቓላት እዚ እሙንን ሓቅን እዩ፡ እግዚኣብሄር፡ እቲ ኣምላኽ መናፍስቲ ነብያት፡ እቲ ቐልጢፉ ኪኸውን ዝግባእ ነገር ንባሮቱ ኼርእዮም፡ መልኣኹ ሰዲዱ አሎ።
ራእይ ዮሐንስ 22:9
ንሱ ኸኣ፡ ከይትገብሮ ተጠንቀቕ። ኣነስ ከማኻን ከምቶም ኣሕዋትካ ነብያትን፡ ከምቶም ንቓላት እዚ መጽሓፍ እዚ ዚሕልዉን ባርያ እየ፡ ንኣምላኽ ደኣ ስገድ፡ በለኒ።
ገለ ተወሳኺ ጥቅስታት ካብ ብሉይ ኪዳን፥
=====================================
ዘፍጥረት 50:17
ንዮሴፍ፤ እቲ ኽፉእ ዝገበሩኻ በደል ኣሕዋትካን ሓጢኣቶምን ሕደገሎም ሕድርኻ፡ በልዎ። ሕጂ ኸኣ በደል ባሮት ኣምላኽ ኣቦኻ ይቕረ ኽትብል፡ ንልምነካ ኣሎና። ዮሴፍ ምስ ተዛረብዎ በኸየ።
እዝራ 5:11
እቲ ዝመለሱልና ቓል ከአ እዚ እዩ፡ ንሕና ባሮት እቲ ኣምላኽ ሰማይን ምድርን ኢና። ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ተሰሪሓ ዝነበረት፡ ሓደ ዓብዩ ንጉስ እስራኤል ሰሪሑ አእኪልዋ ዝነበረ ቤት ድማ ንሰርሕ ኣሎና።
ዳዊት 113:1
ሃሌሉያ። ኣቱም ባሮት እግዚኣብሄር፣ ኣመስግኑ፣ ንስም እግዚኣብሄር ኣመስግኑ።
ዳዊት 135: 1-2
ሃሌሉያ። ኣቱም ባሮት እግዚኣብሄር፣ ስም እግዚኣብሄር ኣመስግኑ፣ ኣቱም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር፣ ኣብ ኣጸድ ቤት ኣምላኽና እትቘሙ፣ ኣመስግንዎ።
ዳንኤል 3:26
ድሕርዚ ነቡካድነጻር ናብ ኣፍ እቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ቐረበ እሞ፣ ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎ፣ ኣቱም ባሮት ኣምላኽ፣ ውጹ፣ ናብዚ ንዑ፣ ኢሉ ተዛረበ።ሽዑ ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ካብቲ ሓዊ ወጹ።
ናይዚ ዘመን እተፈላለየ ትምህርቲ ንፋስ ዝምህሩ ግና፡ ““ንሕና ክርስቶሳት ኢና!““ ዝብሉ! (ብፍላይ ድማ መማህራን ምንቅስቃስ እምነትን ሰዓብቶምን ማለት እዩ!)
እሞ ክርስቶሳት ዝበሃሉ ባሮት ክርስቶስ ኣለዉ ድዮም ደኣ!? ባሮት ክርስቶስ ዝባሃሉ ክርስቶሳት!? እምባእ! ክርስቶሳት ዝዀኑ ባሮት ክርስቶስ!? ከምዚ ሲ ኣብቲ ምሉእ ቅዱስ ጽሑፍ ኣይተራእየን ኣይተሰምዐን ፈጺሙ!
(ይቕጽል…)
እቲ እንኮ ክርስቶስ=> እቲ እንኮ ቅቡእ
(ሻድሻይ ክፋል)
ኽሪዮ/Chrio/= χρίω=ቀብአ
=====================
ኣብ መወዳእታ ክሪዮ(ግሲ=Verb) =ቀብአ፣ ምቅባእ ዝብል ቃል ኣብ ሓድሽ ኪዳን 5 ጊዜ ተጠቂሱ ኣሎ። (ኣብ ሉቃስ 4፡18 ፣ ግብሪ ሃዋርያት 4፡27 ፣ ግብ.10፡38 ፣ 2ቈረንቶስ 1፡21፣ እብራውያን 1፡9)
“ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ክምልስ፡ ንዕዉራት ምርኣይ፡ ንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ኽሰብኽ፡“ (ሉቃስ 4፡18)
“እቲ ኢድካን ምኽርኻን ኪኸውን ኢሉ፡ ቅድም ዝመደቦ ምእንቲ ኺገብሩ፡ ብሓቂ ሄሮድስን ጶንጥዮስ ጲላጦስን ምስ ኣህዛብን ምስ ዓሌታት እስራኤልን ኰይኖም፡ ነቲ ንስኻ ዝቐባእካዮ ቅዱስ ወድኻ የሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ንምጽራር ተኣከቡ።“ (ግብሪ ሃዋርያት 4፡27-28)
“37እቲ ድሕሪ እታ ዮሃንስ ዝሰበኻ ጥምቀት ካብ ገሊላ ጀሚሩ ናብ ኲላ ይሁዳ ዝበጽሔ ቓል፡ 38ማለት ብዛዕባ የሱስ ብዓል ናዝሬት፡ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓይልን ከም ዝቐብኦ፡ ኣምላኽ ምስኡ ስለ ዝዀነ፡ እናዞረ ጽቡቕ ከም ዝገበረ፡ ነቶም ሰይጣን ዝሰዐሮም ኲሎም ከኣ ከም ዘሕወየ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።“ (ግብሪ ሃዋርያት 10፡37-38)
“ግናኸ እቲ ብክርስቶስ ገይሩ ምሳኻትኩም ዘጽንዓናን ዝቐብኣናን እቲ ዝሐተመናን ኣብ ልብናውን ዕርቡን መንፈስ ዝሃበና ኣምላኽ ንሱ እዩ።“ (2 ቈረንቶስ 1፡21-22)
“ጽድቂ ፈቶኻ ዓመጻ ኸኣ ጸላእካ፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሓለፋ ብጾትካ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብኣካ፡ እዩ ዚብል።“ (እብራውያን 1፡9)
ካብዚአን እተን 4 ጥቅስታት ብቀጥታ ንጐይታና የሱስ እየን ዘመልክታ።(ሉቃስ 4፡18 ፣ ግብሪ ሃዋርያት 4፡27 ፣ ግብ.10፡38 ፣ እብራውያን 1፡9)
እታ ሓንቲ ጥቅሲ ጥራይ እያ ንኣመንቲ ማለት ነታ ማሕበር ጐይታ እተመልክት። (2ቈረንቶስ 1፡21) ። እዚ ግና እታ ማሕበር ወይ ከኣ እቶም ኣመንቲ ክርስቶስ/ክርስቶሳት/ ከም ዝዀነት/ዝዀኑ/ ኣይመልክትን ፈጺሙ። ከም ሓቂ እቲ ጥቅሲ ብዛዕባ እንታይ ይዛረብ ኣሎ ኣዚዩ ንጹር እዩ።
“ግናኸ እቲ ብክርስቶስ ገይሩ ምሳኻትኩም ዘጽንዓናን ዝቐብኣናን እቲ ዝሐተመናን ኣብ ልብናውን ዕርቡን መንፈስ ዝሃበና ኣምላኽ ንሱ እዩ“/2ቈረ.1፡21/ ኣብዚ ጥቅሲ እዚ እቲ ክርስቶስ ዝብል ቃል ኣሎ። ብግሪክ Χριστός`/Christos/ዝብል ማለት እዩ። እቲ “ዝቐብኣና` ዝብል ቃል ግና ብግሪክ ኽሪዮ/Chrio/=χρίω/ እዩ ዝብል። ክርስቶስ ዝብል ቃል ነቲ ስብእና/Personality/ ዘለዎ ወዲ ህያው ኣምላኽ ጐይታና የሱስ እዩ ዘመልክት፡፡ እቲ ዝቐብኣና ዝብል ቃል ግና ግሲ እዩ። ስብእና የብሉን። ስለ ዝዀነ ከኣ ኽሪዮ እዚ ማለት ምቅባእ/ቀብአ/ ዝብል ቃል ምስቲ ቅቡእ ወይ ከኣ ክርስቶስ ዝብል ቃል ሓደ ኣይኰነን።እዚ ማለት ክሪዮ ነቲ ስብእና ዘለዎ ክርስቶስ ኣይመልክትን። ካብዚ ጥቅሲ እዚ ተበጊስካ ንሕና ክርስቶሳት ኢና ኢልካ ክትምህር ኣይከኣልን ፈጺምካ። ከምኡ ምግባር ነቲ ቃል ሓቂ ምጥዋይ እዩ።
ኣብ ብሉይ ኪዳን ዘመን እተፈላለዩ ኣቁሕት ቤተ መቅደስ ይቅብኡ ነይሮም። እሞ ንሳቶምከ ክርስቶሳት እዮም ማለት ድዩ? ምቅባእ እቶም ኣቁሑት፡ ካብ ተራ ነገር ንፍሉይ ዕላማ ንፍሉይ ኣገልግሎት ምቅዳሶም ምፍላዮም እዩ ዘመልክት። እዚ ክፍሊዚ ልክዕ ነዚ ሓሳብዚ እዩ ዝገልጽ ዘሎ። ብፍላይ ኣብቲ ናይ ኣምሓሪኛ መጽሓፍ ቅዱስ ነንብቦ፡ ኣዚዩ ንጹር እዩ።
“እንግዲህ፣ እኛንም እናንተንም በክርስቶስ ጸንተን እንድንቆም የሚያደርገን እግዚአብሔር ነው፤ የቀባንም እርሱ ነው፤ 22የእርሱ ለመሆናችን ማኅተሙን ያተመብን ደግሞም ወደ ፊት ለምናገኘው ነገር የመንፈሱን ዋስትና በልባችን ያኖረ እርሱ ነው።“/Now He who establishes us with you in Christ and has anointed us is God, 22 who also has sealed us and given us the Spirit in our hearts as a guarantee. /
እቲ ናይ ኣምሓሪኛ: ‘’ንሕና ኰነ ንስኻትኩም ኣብ ክርስቶስ ጸኒዕና ክንነብር ዝገብረና እግዚኣብሄር እዩ፡ እቲ ዝቀብኣናውን ንሱ እዩ፣ ናቱ ንምዃንና ማሕተም ዝሓተመና ነቲ ኣብ መጻኢ እንረኽቦ ነገር ናይ መንፈሱ ውሕስነት ኣብ ልብና ዘንበር ንሱ እዩ’’እዩ ዝብል ዘሎ። እዚ ከኣ እቲ ምጽናዕና ምቅባእና፡ ማሕተም ምቅባልና፡ ንሕና ናይ ኣምላኽ ምዃንና፡ ንኣምላኽን ንምኽሩን እተፈለና ከም ዝዀነና ደኣ እምበር ክርስቶሳት ከም ዝዀንና ኣይገልጽን ፈጺሙ።
/χρῖσμα/=Chrisma/ኽሪዝማ/
===================
/neuter noun/
=>/“Anything smeared on, unguent, ointment, usually prepared by the Hebrews from oil and aromatic herbs. Anointing was the inaugural ceremony for priests“/
እዚ ቃል እዚ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ሰለስተ ጊዜ ጥራይ እዩ ተጠቂሱ ዘሎ። ንሱ ከኣ ኣብ 1ይ ዮሃንስ 2፡20 ፣2፡27 እዩ።
ኣብ 2፡20=ሓንሳእ ተጠቂሱ ኣሎ። =>“ንስኻትኩም ድማ ቅብኣት ካብቲ ቅዱስ አሎኹም፡ ንዅሉውን ትፈልጥዎ ኢኹም።“/But you have an anointing from the Holy One, and you know all things. /
ኣብ 2፡27 ድማ =ክልተ ሳዕ ተጠቂሱ ኣሎ። => “ንስኻትኩምሲ፡ ከምቲ ቕብኣት ብዛዕባ ዅሉ ዚምህረኩም ዘሎ፡ ሓቂውን እዩ፡ ሓሶት ኣይኰነን፡ እሞ ኸምቲ ንሱ ዝመሀረኩም ኴንኩም፡ ኣብኡ ኽትነብሩ ኢኹም። እምብኣርከ እቲ ኻብኡ እተቐበልኩምዎ ቕብኣት ኣባኻትኩም ይነብር አሎ እሞ፡ ሓደ እኳ ኺምህረኩም ኣየድልየኩምን እዩ።“/But the anointing which you have received from Him abides in you, and you do not need that anyone teach you; but as the same anointing teaches you concerning all things, and is true, and is not a lie, and just as it has taught you, you will[e] abide in Him./
እዚ ግና ንሕና ክርስቶሳት ምዃንና ብዋላ ሓደ መገዲ እዃ ኣይገልጽን ፈጺሙ። ከም ሓቂ እቲ ኣብዚ ክፍሊ እዚ ሰለስተ ጊዜ ተደጊሙ ተጠቂሱ ዘሎ `ቅብኣት“ ዝብል ቃል ነቲ ኣባና ዝሓደር መንፈስ ቅዱስ ደኣ እምበር ንኣና ኣይመልክትን ፈጺሙ።
(ይቕጽል…)
መጠቃለሊ/Sammary/
(ሻብዓይን ናይ መወዳእታን ክፋል)
==============
1ይ) ኣብ ሓድሽ ኪዳን ንኸባቢ 569 ጊዜ ዚኣክል ተጠቂሱ ዘሎ ክርስቶስ ዝብል ቃል ንጐይታና መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ ዘመልክት።
2ይ) እዚ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ንኸባቢ 569 ጊዜ ተጠቂሱ ዘሎ ብግሪክ “Χριστός`/Christos/ኽሪስቶስ/ ዝብል ቃል “ገላጺ/adjective/“ እዩ ዀይኑ፡ ትርጉሙ፡=>“እቲ ቅቡእ“/The Anointed One/ ማለት እዩ።እግዚኣብሄር ኣቦ ብቁጽሪ እንኮ ጥራይ ቅቡእ እዩ ዘለዎ፡ ንሱ ከኣ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ጥራይ እዩ። ኣብቲ ትግሪኛ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እዛ “Χριστός`/Christos/ኽሪስቶስ/ እትብል ናይ ግሪክ ቃል ካብዘን 569 4 ጊዜ ጥራይ እያ “እቲ ቅቡእ“ ተተሪጒማ፡ እቲ ዝተረፈ 565 ጊዜ ክርስቶስ እያ ተተርጒማ።
ነዘን ኣብ ታሕቲ ዘለዋ 4 ጥቅስታት ሓወይ ቢኒያም ፍቅረየሱስውን/Biniam Fikreyesus/ ኣብቲ ናቱ ፌስቡክ ገጽ ጠቂዕወን ኣሎ። ነዚ ኣርእስቲ እዚ ብሰፊ ኪጽሕፍ ንልበይ ዘለዓዓለኒውን እዘን ዝጠቀዐን ጥቅስታት እዚኣተን ድሕሪ ምንባበይ እየ። (ንቢኒ ሓወይ ተባረኽ ክብሎ እደሊ!) ነዘን 4 ጥቅስታት ነተን ክልተ ኣብ ወንጌል ሉቃስ ንረኽበን፡ ነተን ክልተ ድማ ኣብ ራእይ ዮሃንስ ንረኽበን።
ሉቃስ 2:26
ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ከይረአዮ፡ ሞት ከም ዘይርኢ ድማ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተገሊጽሉ ነበረ።
ሉቃስ 9:20
ንሱ ኸኣ፥ ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ፧ በሎም። ጴጥሮስ ከኣ፥ እቲ ናይ ኣምላኽ ቅቡእ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ።
ራእይ ዮሐንስ 11:15
እቲ ሳብዓይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሔ፡ ኣብ ሰማይ ከኣ፡ መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን ናይቲ ቕቡእን ኮይና እያ እሞ ንዘለኣለመ ኣለም ኪነግስ እዩ፡ ዚብል ዓው ዝበለ ድምጽታት ኰነ።
ራእይ ዮሐንስ 12:10
ኣብ ሰማይ ከኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ እቲ ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ዚኽሶም ዝነበረ ኸሳስ ኣሕዋትና ተደርብዩ እዩ እሞ፡ ሕጂ ምድሓንን ስልጣንን መንግስትን ናይ ኣምላኽና ዀይኑ፡ ምልኪ ኸኣ ናይቲ ቕቡእ እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።
ኣብዘን ኣርባዕተ ጥቅስታት ብንጹር እተደጋገመት ሓንቲ ኣገዳሲት ሓቂ ኣላ። ንሳ ኸኣ ቅድሚ እቲ “ቅቡእ“ ዝብል ቃል ተቀሚጣ ዘላ ቃል እያ። ኣብ ኣርባዕቲ አን ጥቅስታት፡ እቲ “ቅቡእ“ ዝብል ፍሉጥ ከም ዝዀነ ዝገልጽ ቃል ኣሎ። ነዚ ቃል እዚ ኣብ እንግሊዝኛ “ደፍኒት ኣርቲክል“ ንብሎ። ትርጉሙ ፍሉጥ ንዝዀነ ኣካል/ሰብ/ነገር እትጥቀመሉ ገላጺ ቃል እዩ። “ሓደ ሰብኣይ ይመጽእ ኣሎ።“ እንተዳኣ ኢለ፡ እቲ ሰብ ኣይ መን ምዃኑ ኣይንፈልጦን። ዝዀነ ሰብኣይ ማለት እዩ። እንተዳኣ “እቲ ሰብኣይ ይመጽእ ኣሎ፡፡“ ኢለ ግና እቲ ሰብኣይ መን ምዃኑ ንፈልጦ ኢና ማለት እዩ። ካልእ ክኸውን ዘይክእል ሓደ ፍሉጥ ሰብኣይ ማለት እዩ።
እምባኣር ኣብዘን ኣርባዕተ ጥቅስታት እዚኣተን ድማ እቲ “ቅቡእ“ ዝብል ቃል ንሓደ ንፍሉጥ ኣካል ጥራይ ከም ዘመልክት ዝገልጽ ኣብ ኣርባዕቲኡ እተጠቅሰ ንጹር ቃል ኣሎ። ንመልከት፦
“ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ከይረአዮ፡ ሞት ከም ዘይርኢ …’’ (ሉቃስ 2፡26)
“እቲ ናይ ኣምላኽ ቅቡእ ኢኻ…’’ (ሉቃስ 9፡20)
“መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን ናይቲ ቕቡእን ኮይና እያ…’’ (ራእይ11፡15)
“ምልኪ ኸኣ ናይቲ ቕቡእ እዩ፡….’’ (ራእይ 12፡10)
ኣብዘን ኣርባዕተ ጥቅስታት እቲ ቅቡእ ፍሉጥን እንኮን ወይ ድማ ሓደ ጥራይ ምዃኑ ዘመልክታ ቃላት ኣለዋ። እዘን ቃላት እዚኣተን ከኣ እተን ኣብ ቅድሚ እቲ “ቅቡእ“ ዝብል ቃል ተጠቂሰን ዘለዋ፡ “ ነቲ፣ እቲ፣ ናይቲ፣ ናይቲ“ ዝብላ እየን። እዘን ቃላት እዚኣተን እቲ ቅቡእ ኣምላኽ ፍሉጥን እንኮ ጥራይን ከም ዝዀነ ይእውጃ፡ ንሱ ከኣ ክርስቶስ እዩ።
እምባኣር እቲ ንኸባቢ 565 ጊዜ ተጠቂሱ ዘሎ ክርስቶስ ዝብል ቃል ንጐይታና የሱስ ጥራይ እዩ ዘመልክት፡ እዘን “እቲ ቅቡእ“ ዝብላ 4 ጊዜ ተጠቂሰን ዘለዋ ኰላይ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ጥራይ እየን ዘመልክታ።
እምባኣር እቲ ናይ ኣምላኽ ክርስቶስ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ቅቡእ ፍሉጥን እንኮ ጥራይን እዩ፡ ንሱ ከኣ ጐይታና የሱስ እቲ ዘለኣለማዊ ወዲ ህያው ኣምላኽ እዩ። ኣብቲ ምሉእ ጽንፈለኽ/ዩኒቨርስ/፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ካብ የሱስ ወጻኢ ካልእ ክርስቶስ የብሉን ካልእ ቅቡእ የብሉን ፈጺሙ።
“ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ክምልስ፡ ንዕዉራት ምርኣይ፡ ንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ኽሰብኽ፡“ (ሉቃስ 4፡18)
“እቲ ኢድካን ምኽርኻን ኪኸውን ኢሉ፡ ቅድም ዝመደቦ ምእንቲ ኺገብሩ፡ ብሓቂ ሄሮድስን ጶንጥዮስ ጲላጦስን ምስ ኣህዛብን ምስ ዓሌታት እስራኤልን ኰይኖም፡ ነቲ ንስኻ ዝቐባእካዮ ቅዱስ ወድኻ የሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ንምጽራር ተኣከቡ።“ (ግብሪ ሃዋርያት 4፡27-28)
“37እቲ ድሕሪ እታ ዮሃንስ ዝሰበኻ ጥምቀት ካብ ገሊላ ጀሚሩ ናብ ኲላ ይሁዳ ዝበጽሔ ቓል፡ 38ማለት ብዛዕባ የሱስ ብዓል ናዝሬት፡ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓይልን ከም ዝቐብኦ፡ ኣምላኽ ምስኡ ስለ ዝዀነ፡ እናዞረ ጽቡቕ ከም ዝገበረ፡ ነቶም ሰይጣን ዝሰዐሮም ኲሎም ከኣ ከም ዘሕወየ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።“ (ግብሪ ሃዋርያት 10፡37-38)
“ጽድቂ ፈቶኻ ዓመጻ ኸኣ ጸላእካ፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሓለፋ ብጾትካ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብኣካ፡ እዩ ዚብል።“ (እብራውያን 1፡9)
ካብ ሃዋርያት እቲ ገንሸል ኰነ እቶም ድሕሪኦም ዝመጹ ከም በዓል ጳውሎስ ዝኣመሰሉ እሙናት መተዓይይቲ ኣምላኽ፡ ንሳቶም እሙናት ባሮት ክርስቶስ፣ ኣቓሑ ምሕረት፣ ኣቓሑ መሬት፣ ንተግባር በዓል ቤት ዝጠቅም ኣቓሑ ኽብሪ ምዃኖም (ሉቃስ17፡10 ፣ ሮሜ9፡23 ፣ 2ቈረንቶስ 4፡7 ፣ 2ጢሞቴዎስ 2፡21) ጥራይ ደኣ ተኣመኑን መስከሩን እምበር፡ ኣብ ዋላ ሓደ እዋንን ስፍራን እኳ፡ “ ኣነ ክርስቶስ እየ! ኣነ ቅቡእ ኣምላኽ እየ! ኣነ ኣምላኽ እየ!“ ኣይበሉን ፈጺሞም! ንሳቶምሲ እቲ ናይ ኣምላኽ ክርስቶስ፣ እቲ ናይ ኣምላኽ ቅቡእ እንኮን እንኮ ጥራይን ከም ዝዀነ ደኣ ተኣመኑን መስከሩን፡ ሰበኹን መሃሩን! ንሱ ኸኣ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ጥራይ ከም ዝዀነ!
ሎሚ ዳርጋ ብመብዛሕትኡ እቲ ኣማኒ ሕብረተሰብ፡ “ቅቡእ ሰብ! ቅቡእ ናይ ኣምላኽ ሰብ! ኣምላኽ ዝቀብኦ ሰብ!“ እናተባህሉ ዝጽዉዑ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ ኣብ ማእከሉ። እዚ ቀሊል ወይ ከኣ ንእሽቶ ስሕተት ዘይኰነስ፡ እዚ ካብቲ ኣብ ክርስትና ተኣታትዩ ዘሎ ዓበይትን መሰረታዊ ስሕተት እቲ ቀንዲ እዩ።
“እቲ ቅቡእ! እቲ ናይ ኣምላኽ ቅቡእ! “ ተባሂሉ ኪጽዋዕ ዝኽእል ዋላ ሓደ ውልቀ ኣማኒ የለን ፈጺሙ! ክህሉውን ኣይክእልን ፈጺሙ። እቲ ቅቡእ፣ እቲ ናይ ኣምላኽ ቅቡእ ትርጉሙ ክርስቶስ ማለት ስለ ዝዀነ ፡እቲ እንኮ ቅቡእ፡ እቲ እንኮ ናይ ኣምላኽ ቅቡእ ክርስቶስ ጥራይ እዩ!
ነዛ ኣብዚ ቀጺለ ዝብላ መሰረታዊ ምስጢር ተጠንቂቕና ነስተውዕል፡
=====================================================
ዝዀነ ዓይነት ጸጋ ኣምላኽ፣ ሓይሊ ኣምላኽ፣ ምግላጽ ምስጢራት (ፈውሲ፣ ምንጋፍ፣ ግብሪ ሓይሊ፣ ምግላጽ ስዉር ምስጢራት፣ ትንቢት ወዘተ ወዘተ) ብሓደ ኣካል ክርስቶስ ዝዀነ ሰብ (ሃዋርያ ዝባሃል፣ ነብዪ፣ ወንጌላዊ፣ ጓሳ ወይ ካልእ ውህበት ወይ ጽውዓ ኣለዎ ዝባሃል ውልቀ ሰብ) ይገለጽ ብዘየገድስ፡ እቲ ሰብ እቲ ቅቡእ ስለ ዝዀነ ወይ ከኣ ፍሉይ ቅብኣት ስለ እተቀብአ ኣይኰነን ፈጺሙ! እቲ እንኮ በይኑ ቅቡእ ኣምላኽ፡ ንሱ ከኣ ክርስቶስ፡ ኣብቲ ሰብ እቲ ስለ ዘሎ ጥራይ እዩ። ስለ ዝዀነ ከኣ እቲ ቅቡእ እቲ ሰብ ዘይኰነስ እቲ ኣብኡ ዘሎ እንኮ ክርስቶስ እዩ። እቲ ሰብ ባዕሉ ቅቡእ ኣምላኽ ዘይኰነስ ኣቓሓ መሬት እዩ። እቲ እንኮ በይኑ ቅቡእ ኣምላኽ ግና እቲ ኣብቲ ኣቕሓ መሬት እቲ ውልቀ ሰብ እቲ ዘሎ ክርስቶስ ጐይታ እዩ።
“ግናኸ እቲ ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ ካብ ኣምላኽ እምበር፡ ካባና ምእንቲ ኸይከውን፡ እዚ መዝገብ እዚ ኣብ ኣቕሓ መሬት እዩ ዘሎና“ (2ቈረንቶስ4፡7)/ But we have this treasure in jars of clay to show that this all-surpassing power is from God and not from us./ 7 But we have this treasure in earthen vessels, so that the surpassing greatness of the power will be of God and not from ourselves;/
በቲ ንጹር ትሕዝቶ እቲ ዓንቀጽ መሰረት እዚ ካብ በዓል ጳውሎስ እቲ ኣቕሓ መሬት ዘይኰነስ ካብ ኣምላኽ ጥራይ ዝዀነ፡ እቲ “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ“፡ንሱ ከኣ ኣብ በዓል ጳውሎስ ዘሎ ፍሉይን ክቡርን መዝገብ፡ ንሱ እቲ ብናይ ትንሳኤ ሓይሉን ህይወቱን ዝግለጽ ፍሉይ ክርስቶስ እዩ።እምባኣር እቶም ሰባት፡ከም በዓል ጳውሎስ ዝበሉ እሙናት ዓየይቲ ከይተረፈ፡ ኣቕሓ መሬት እዮም፡ እቲ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ፍሉይ መዝገብ ግና እቲ እንኮ ጥራይ ቅቡእ ኣምላኽ፡ ንሱ ከኣ እቲ እንኮ ክርስቶስን ሓይሊ ትንሳኤኡን እዩ።
2ቈንቶስ 2፡12-7፡16 ብሓንሳእ ዝኸይድ ዘደንቅ ክፍሊ እዩ። እዚ ክፍሊ እዚ ኣብ ክልተ ኣዚዮም ኣገደስትን ዓበይቲ ሓቅታትን የተኩር። ቀዳማይ ኣብታ ፍልይቲ ኣገልግሎት ሓድሽ ኪዳን። ነዚኣ ጳውሎስ ብፍላይ ኣብ 2ቈረንቶስ 2፡12-3፡11 ብንጹር ይገልጻ። እዛ ፍልይቲ ኣገልግሎት ሓድሽ ኪዳን እዚኣ ብግሪክ=>διακονία/Diakonia=ዲያኮኒያ/ ኢሉ እዩ ዝጽዋዓ። እዛ ዲያኮኒያ እትብል ናይ ግሪክ ቃል ኣብዛ ካኣይቲ መልእኽቲ ቈረንቶስ ጥራይ 11 ጊዜ ተጠቂሳ ኣላ። (2ቈረ.3፡7 ፣ 3፡8 ፣ 3፡9 5፡18 ፣ 4፡1 ፣ 6፡3 ፣ 8፡4 ፣ 9፡1, 12, 13 ፣ 11፡8)
እቲ መበል ካልኣይ ኣዚዩ ኣገዳሲ ክፍሊ፡ 2ቈረንቶስ 3፡12-7፡16 ዘሎ እዩ። እዚ ከኣ ብዛዕባ ፍሉይ ባህርን ምልክትን እቶም ኣገልገልቲ እዛ ፍይቲ ኣገልግሎት ሓድሽ ኪዳን እዩ ዝገልጽ። እዞም ፍሉያት ኣገልገልቲ እዛ ፍልይቲ ኪዳን ብግሪክ => διάκονος/Diakonos=ዲያኮኖስ/ ኢሉ ይጽውዖም። እዛ ቃል እዚኣውን ኣብዛ መልእኽቲ እዚኣ ጥራይ ኣርባዕተ ጊዜ ተጠቂሳ ኣላ (2ቈረ.3፡6 ፣6፡4 ፣ 11፡15 ፣11፡23)
እምባኣር ነስተውዕል፡ ካብቲ ፍሉይ መፈለጥታ ምልክታት እቶም ናይ ሓቂ ኣገልገልቲ እዛ ፍልይቲ ኣገልግሎት ሓድሽ ኪዳን፡ “ኣነ ክርስቶስ እየ! ኣነ ቅቡእ ኣምላኽ እየ! ንሕና ቅቡኣት ኢና! ንሕና ክርስቶሳት ኢና!“ ዘይኰኑ ዝብሉስ፦(ብመሰረት እዚ ዓንቀጽ እዚ ጥራይ ማለት እዩ)
1ይ) ንሕና ኣገልገልቲ ሓድሽ ኪዳን ኢና፡ ንሕና ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኢና (ትርጉሙ=>ንሕና ዲያቆናት ኣምላኽ ኢና!“ ይብሉ
“ፍዴል ይቐትል፡ መንፈስ ግና ህያው ይገብር እዩ እሞ፡ ንሱ ኸኣ ንናይ መንፈስ እምበር፡ ንናይ ፍዴል ዘይኰነ ኣገልገልቲ ሓድሽ ኪዳን ክንከውን ከኣልቲ ገበረና።“ (2ቈረ.3፡6)
“ኣገልግሎትና ምእንቲ ኸይጽረፍ፡ ንሓደ እኳ ብገለ መዓንቀፊ ከቶ ኣይንህብን ኢና። ብዅሉ ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ርእስና ነርኢ ኣሎና እምበር፡ …’’ (2ቈረ.6፡3-4)
ኣብዘን ክልተ ጥቅስታት እዚኣተን፡ማለት ኣብ 2ቈረ.6፡3, 4 ክልቲአ እተን ኣብ ላዕሊ ጠቂስናየን ዘሎና ናይ ግሪክ ቃላት ብሓንሳእ ተጠቂሰን ኣለዋ (ዲያኮኒያ & ዲያኮኖስ)
ኣብ 2ቈረንቶስ 3፡5, እቲ ነቶም ዓየይቲ ናይዛ ዲያኮኒያ እዚኣ ዲያኮኖስ/ዲያቆናት/ ኪዀኑ ዘብቈዖም ምስጢር ካልእ ዘይኰነስ ኣምላኽ ባዕሉ ከም ዝዀነ ጳውሎስ ብንጹር ይምስክር! “ክእለትና ኻብ ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ ካብ ርእስና ገለ ኸም ዘምጻእና፡ ሓንቲ እኳ ክንሐስብ ኣይከኣለናን እዩ።“
እምባኣር ንበዓል ጳውሎስ ዝመስሉ ኣዚዮም ጻዕራማት ዓየይቲ እኳ እንተዀኑ፡ እታ ብዛዕባ ርእሶም ዝዛረቡዋ ዚዓበየት እትብሃል ነገር እንተላ/The maximum thing/፡ ንሕና ድያቆናት ኣምላኽ ኢና ኢዮም ዝብሉ። ዲያቆንሲ ብጀካ ነገልግሎት ኣምላኽ ምንቃሕ ምድካም ምጽዓር እንታይ ክብሪ ኣለዎ እዩ!?
2ይ) ኣብ 2ቈረንቶስ 4፡5 ብንጹር ኣቀሚጥዎ ከም ዘሎ፡ ንሕና ባሮት ኢና ይብሉ። ባሮት ኣምላኽ! ባሮት ክርስቶስ! ብግሪክ δοῦλος/Doulos= ዱሎስ/
“ማለት፥ ክርስቶስ የሱስ ከም ጐይታ፡ ንርእስና ግና ምእንቲ የሱስ ከም ግዙኣትኩም ጌርና እምበር፡ ርእስና ኣይኰንናን እንሰብኽ ዘሎና።“(2ቈረ.4፡5)
“ጳውሎስ ባርያ የሱስ ክርስቶስ፡ ሃዋርያ ኪኸውን እተጸውዔ፡ ንወንጌል ኣምላኽ እተፈልየ“ (ሮሜ1፡1)
“ሕጂኸ ንሰብዶ ወይስ ንኣምላኽ እየ ባህ ዘብል ዘሎኹ፡ ወይስ ንሰብ ከሐጕስ ድየ ዝደሊ ዘሎኹ፡ ገና ንሰብ ከሐጕስ እንተ ዝብልሲ፡ ባርያ ክርስቶስ ኣይምዀንኩን ነይረ።“ (ገላትያ1፡10)
“ከም ግዙኣት ክርስቶስ ኴንኩም ነቲ ፍቓድ ኣምላኽ ካብ ልቢ እትገብርዎ ደኣ እምበር፡ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ብገጽርኤ ኣይኰነን።“ (ኤፌሶን6፡6)
“ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ባሮት የሱስ ክርስቶስ ናብቶም ኣብ ፊልጲ ብክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ዅላቶም ቅዱሳን፡ ምስ ኤጲስቆጶሳትን ዲያቆናትን፡“ (ፊሊጲ1፡1)
“እቲ ሓደ ኻባኻትኩም ባርያ ክርስቶስ የሱስ፡ ምሉኣትን ብዅሉ ፍቓድ ኣምላኽ ርዱኣትን ኴንኩም ደው ክትብሉ፡ ኵሉ ሳዕ ብጸሎት ዚጋደለልኩም ዘሎ ኤጳፍራስ ሰላም ይብለኩም አሎ። “ (ቈሎሴ4፡12)
“ባርያ እግዚኣብሄር ንዅሉ ለዋህ፡ መሃሪ፡ ዕጉስ ኪኸውን እምበር፡ ኪብአስ ኣይግብኦን እዩ።“ (2ጢሞቴዎስ 2፡24)
“ጳውሎስ፡ ባርያ ኣምላኽን ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስን፡ ብእምነት ሕሩያት ኣምላኽ ብፍልጠት ሓቂውን ምስ ኣምልኾ፡“ (ቲቶስ1፡1)
“ያእቆብ ናይ ኣምላኽን ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ባርያ ነቶም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ዓሰርተው ክልተ ነገድ ሰላም ይብሎም ኣሎ።“ (ያእቆብ1፡1)
“ከም ውጹኣት ሓራ፡ ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እምበር፡ ከምቶም ነቲ ሓርነትሲ መጐልበቢ ኽፍኣት ዚገብርዎ ኣይትኩኑ።“ (1ጰጥሮስ 2፡16)
“ስምኦን ጴጥሮስ፡ ናይ የሱስ ክርስቶስ ባርያን ሃዋርያን፡ ናብቶም ማዕረ እታ ናትና ዝኽብረታ እምነት ብጽድቂ ኣምላኽናን ብመድሓኒናን የሱስ ክርስቶስን እተመቕሉ፡“ (2ጰጥሮስ1፡1)
“ይሁዳ ባርያ የሱስ ክርስቶስ ሓዉ ያእቆብን፡ ናብቶም ጽውዓት፡ ብእግዚኣብሄር ኣቦና ፍቁራትን ንየሱስ ክርስቶስ እተሐለዉን፡ “ (ይሁዳ1፡1)
“እቲ ቐልጢፉ ኺኸውን ዘለዎ፡ ንባሮቱ ምእንቲ ኼርእዮም ኢሉ፡ ኣምላኽ ዝሀቦ ናይ የሱስ ክርስቶስ ራእይ፡ ብኢድ መልኣኹ ልኢኹውን ንባርያኡ ዮሃንስ ኣርአዮ።“ (ራእይ1፡1)
“ግናኸ ነታ፡ ነብዪት እየ፡ እናበለትሲ ነቶም ኣገልገልተይ ኪምንዝሩን ንጣኦታት እተሰውኤ ኺበልዑን እትምህሮምን እተስሕቶምን ዘላ ኢዛቤል፡ ነታ ሰበይቲ እቲኣ ስቕ ኢልካ ምርኣይካ ረኺበልካ አሎኹ።“ (ራእይ2፡20)
“ነቶም ባሮት ኣምላኽና ኣብ ገግምባሮም ክሳዕ እንሐትሞምሲ፡ ምድሪ፡ ወይስ ባሕሪ፡ ወይስ ኣእዋም ኣይትጕድኡ፡ በለ።“ (ራእይ7፡3)
“ብመዓልትታት ድምጺ እቲ ሳብዓይ መልኣኽ ንሱ መለኸት ኪነፍሕ ምስ ተዳለወ፡ እቲ ምስጢር ኣምላኽ ከኣ ከምቲ ነቶም ባሮቱ ነብያት ዘበሰሮም፡ ሽዑ ኺፍጸም እዩ እምበር፡ ደጊምሲ ዘመን ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኢሉ በቲ ንሰማይን ኣብኡ ዘሎን፡ ንምድርን ኣብኡ ዘሎን፡ ንባሕርን ኣብኣ ዘሎን ዝፈጠረ፡ ንዘለኣለም ኣለምን ህያው ኰይኑ ዚነብር መሐለ።“(ራእይ10፡7)
“ኣህዛብ ተቘጢዖም፡ ቍጥዓኻውን መጺኡ፡ እቲ ንምዉታት እትፈርደሉ፡ ንባሮትካ፡ ነቶም ነብያትን ቅዱሳትን ስምካ ንዚፈርሁ ናእሽቱን ዓበይትን፡ ዓስቦም እትህበሉ፡ ነቶም መጥፋእቲ ምድሪውን እተጥፍኣሉ ዘመን መጺኡ፡ በሉ።“ (ራእይ11፡18)
“ኣታ ዅሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ግብርኻ ዓብይን ግሩምን እዩ። ኣታ ንጉስ ኣህዛብ፡ መገድኻ ጽድቅን ሓቅን እዩ። ንስኻ በይንኻ ኢኻ ቅዱስ እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ዘይፈርሃካን ንስምካ ዘየኽብርንከ መን አሎ፧ እቲ ቕኑዕ ፍርድኻ ተግሂዱ እዩ እሞ፡ ስለዚ ዅሎም ኣህዛብ ኪመጹ ኣብ ቅድሜኻውን ኪሰግዱ እዮም፡ እናበሉ፡ መዝሙር ሙሴ፡ እቲ ባርያ ኣምላኽን፡ መዝሙር እቲ ገንሸልን ዘመሩ።“ (ራእይ15፡3)
“ድሕርዚ ኣብ ሰማይ ከም ናይ ብዙሕ ሰብ ዝበለ ብርቱዕ ድምጺ፡ ሃሌሉያ፡ ፍርዱ ሓቅን ጽድቅን ስለ ዝዀነ፡ ንሱ ናይታ ብምንዝርናኣ ንምድሪ ዘጥፍኤት ዓባይ ኣመንዝራ ስለ ዝፈረዳ፡ ንደም ባሮቱውን ካብ ኢዳ ስለ እተፈድየ፡ ምድሓንን ክብርን ሓይልን ናይ ኣምላኽና እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።“ (ራእይ19፡1-2)
“ካብቲ ዝፋንውን፡ ኣቱም እትፈርህዎ ናእሽቱን ዓበይትን ኵሉኹም ባሮቱ፡ ንኣምላኽና ወድስዎ፡ ዚብል ድምጺ ወጸ።“(ራእይ19፡5)
“ድሕሪ ደጊምሲ መርገም ከቶ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ናይ ኣምላኽን ናይቲ ገንሸል ዝፋን ኣብኡ ኪኸውን እዩ፡ እቶም ባሮቱውን ኬገልግልዎ “ (ራእይ22፡3)
“ንሱ ኸኣ፡ እዚ ቓላት እዚ እሙንን ሓቅን እዩ፡ እግዚኣብሄር፡ እቲ ኣምላኽ መናፍስቲ ነብያት፡ እቲ ቐልጢፉ ኪኸውን ዝግባእ ነገር ንባሮቱ ኼርእዮም፡ መልኣኹ ሰዲዱ አሎ። “ (ራእይ22፡6)
ኣብዘን ኩለን ጥቅስታት እዚኣተን እታ ዱሎስ እትብል ናይ ግሪክ ቃል እያ ተጠቂሳ ዘላ። ስለዚ ከኣ እቲ ገለገለ ጥቅስታት “ግልያ“ (2ቈረ.4፡5 ፣ኤፌሶን6፡6) “ኣገልገልቲ“/1ጰጥ.2፡16/ ዝብል ተተሪጒሙ ዘሎ ባርያ ማለት እዩ።
እምባኣር እቲ መበል ካልኣይ ፍሉይ ምልክት እቶም ናይ ሓቂ ዓየይይቲ፡ንሳቶም ባሮት ክርስቶስ ከም ዝዀኑ እዮም ዝፈልጡን ዝእመኑን። “ ኣነ ክርስቶስ እየ! ኣነ ቅቡእ እየ! ኣነ ኣምላኽ እየ!“ እናበሉ ኪዞሩ ክርስቶስ ኣይለኣኾምን ኣይሸሞምን! ከም ሓቂ ክርስቶስ ዚኣዘዞም ንጽርቲ ትእዛዝ ከምዚ እያ እትብል፦
“ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እተኣዘዝኩምዎ ዅሉ ምስ ገበርኩም፥ ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና፡ እቲ ኽንገብሮ ዚግብኣና ኢና ዝገበርና፡ በሉ።“ (ሉቃስ 17፡10) እዛ ትእዛዝ እዚኣ ንመን እያ ተዋሂባ? ንሃዋርያት!
“ሃዋርያት ድማ ንጐይታ፥ እምነት ወስኸና፡ በልዎ። ጐይታ ኸኣ፥ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ትህልወኩምሲ፡ ነዚ ሳግላ፡ ተመንቍስካ ኣብ ባሕሪ ተተኸል፡ ምበልኩምዎ እሞ ምተኣዘዘኩም ነይሩ። ካባኻትኩምከ ዚሐርስ ወይስ ዚጓሲ ባርያ ዘለዎ እሞ ካብ ወፍሪ ምስ ኣተወ፥ ቀልጢፍካ ሕለፍ፡ ክትድረር ተቐመጥ፡ ዚብሎ መን አሎ፧ ክድረር ኣዳልወለይ፡ ክሳዕ ዝበልዕን ዝሰትን ከኣ ተዓጢቕካ ኣገልግለኒ፡ ድሕርቲ ንስኻውን ብላዕን ስተን፡ ደይኰነን ዚብሎ፥ ወይስ ነቲ ባርያ እቲኸ እቲ እተኣዘዞ ስለ ዝገበረስ ይንእዶዶ፧ ኣይመስለንን።“ (ሉቃስ 17፡5-9)
ንሃዋርያት “ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና፡ እቲ ኽንገብሮ ዚግብኣና ኢና ዝገበርና፡ በሉ“ ኢሉ እንተዳኣ ኣዚዝዎም፡ ካልእ ሰብ ኩላ ድሕሪ ሃዋርያት እያ ትስራዕ!
“ኣምላኽ ድማ ኣብ ማሕበር ቅድም ሃዋርያ፡ ካልኣይ ነብያት፡ ሳልሳይ መምህራን፡ ደሓር ገበርቲ ሓይልታት፡ ደሓር ውህበት ምፍዋስ፡ ምርዳእ ድኹማት፡ ምምራሕ፡ በበይኑ ቛንቋታት ሰርዔ።“ (1ቈረንቶስ12፡28)
እታ ካብ ካልኣይ ቈረንቶስ እንመራሃ ሳልሰይቲ ፍልይቲ ምልክት እቶም ናይ ሓቂ ዓየይይቲ፡ ንሕና ኣቕሓ መሬት ኢና ኢሎም እዮም ዝእመኑ! እቲ ኣብኦም ዘሎ ፍሉይን ክብሩን መዝገብ ክርስቶስ ደኣ እምበር ንሳቶም ገዛእ ርእሶም ከምዘይኰኑ፡ እቲ ካብ ኦም ዝልቀቕ ማእለያ ዘይብሉ ሓይሊ ድማ ካብ ኣምላኽ ደኣ እምበር ካብ ገዛእ ርእሶም ከም ዘይኰነ ብንጹር ይምስክሩን ይእመኑን!
ነቲ ውልቀ ሰብ “ቅቡእ ኣምላኽ !“ ኢልካ ምጽዋዕ መርገም እዩ! ውድቀት እዩ! ዕልወት እዩ! ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እቲ ዝዀፍአ ዓመጽ እዩ! ሰይጣናዊ እዩ ድያብሎሳዊ ኣጋንንታዊ ገሃነማዊ እዩ! ጸረ ክርስቶሳዊ እዩ! እዚ ነቲ እንኮ በይኑ ክርስቶስ፡ ነቲ እንኮ ጥራይ ቅቡእ ኣምላኽ ዝቃወምን ነታ ንእኡ ጥራይ እትግባእ ስፍራን ሽመትን ዝትክእን እዩ እሞ እዚ እቲ ዝዀፍአ ዓይነት ሓጢኣት እዩ።
ነቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 3 ዘሎ ዕድሚኡ ልዕሊ 40 ዓመት፡ ኣእጋሩ ኸኣ ካብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትሒዙ ልሙስ ዝነበረ ሰብኣይ ዘሕወዮሲ እቲ ቅቡእ ጰጥሮስ ድዩ ዋላስ እቲ ኣብ ጰጥሮስ እቲ ኣቕሓ መሬት ዝነበረ እቲ እንኮ በይኑ ቅቡእ ኣምላኽ፡ ንሱ ከኣ እቲ እንኮ ክርስቶስ?
አረ ብዛዕባ እዚ ሓቂ እዚሲ ካብ ጰጥሮስ ገዛእ ርእሱ፣ ካብ ኩሎም እቶም ሃዋርያት እቲ ገንሸል ንስማዕ!
ንግብሪ ሃዋርያት 3፡1-4፡28 ነንብቦ እሞ እቲ እንኮ ቅቡእ ኣምላኽ እቲ ኣብ ጰጥሮስ፣ዮሃንስ፣ እንድርያስ ያእቆብ (እቶም ሃዋርያት ኩሎም) ዝነበረ ክርስቶስ ጥራይ ድዩ ዋላስ ጰጥሮስ፣ዮሃንስ፣ እንድርያስ ያእቆብ…ወዘተ ኰላይ ቅቡኣት ኣምላኽ እዮም? እዞም ሰባት እዚኣቶም ጽሩያት መትሓዚ ኣቕሓ እቲ እንኮ በይኑ ቕቡእ ኣምላኽ ዝዀነ ክርስቶስ ድዮም ዋላስ ንሳቶምውን ቅቡኣት እዮም!? ንሱ በይኑ እቲ እንኮ ቅቡእ ኣምላኽ ምዃኑ ዝምስክሩ፣ ዝእመኑ፣ ዝሰብኩ፣ ዝምህሩን ዝእዉጁን እሙናት መሰኻክር ድዮም ዋላስ፡ “ቅቡኣት ኣምላኽ ኢና! ክርስቶሳት ኢና!“ እናበሉ ዝሰብኩ ሰባኽቲ ርእሶም እዮም!?
ሉቃስ 9:20
ንሱ ኸኣ፥ ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ፧ በሎም። ጴጥሮስ ከኣ፥ እቲ ናይ ኣምላኽ ቅቡእ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ።
“እቲ ኢድካን ምኽርኻን ኪኸውን ኢሉ፡ ቅድም ዝመደቦ ምእንቲ ኺገብሩ፡ ብሓቂ ሄሮድስን ጶንጥዮስ ጲላጦስን ምስ ኣህዛብን ምስ ዓሌታት እስራኤልን ኰይኖም፡ ነቲ ንስኻ ዝቐባእካዮ ቅዱስ ወድኻ የሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ንምጽራር ተኣከቡ።“ (ግብሪ ሃዋርያት 4፡27-28)
“37እቲ ድሕሪ እታ ዮሃንስ ዝሰበኻ ጥምቀት ካብ ገሊላ ጀሚሩ ናብ ኲላ ይሁዳ ዝበጽሔ ቓል፡ 38ማለት ብዛዕባ የሱስ ብዓል ናዝሬት፡ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓይልን ከም ዝቐብኦ፡ ኣምላኽ ምስኡ ስለ ዝዀነ፡ እናዞረ ጽቡቕ ከም ዝገበረ፡ ነቶም ሰይጣን ዝሰዐሮም ኲሎም ከኣ ከም ዘሕወየ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።“ (ግብሪ ሃዋርያት 10፡37-38)
“ነቲ ኣብ ሃገር ኣይሁድን ኣብ የሩሳሌምን ዝገበሮ ዂሉ ንሕናውን ምስክር ኢና። ንእኡ ኣብ ዕጸይቲ ሰቒሎም ቀተልዎ። ንእኡ ኣምላኽ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣተንስኦ፡ ኪገሀድ ከኣ ሀቦ፡ ንኣና፡ ምስክር ምእንቲ ኽንከውን፡ ኣምላኽ ቅድም ዝሐረየና፡ ንኣና፡ ድሕሪ ኻብ ምውታት ምትንሳኡ ምስኡ ዝበላዕናን ዝሰቴናን እምበር፡ ንዂሉ ህዝብስ ኣይተጋህደን። ኣምላኽውን ንህያዋንን ምዉታትን ፈራዲ ኪኸውን ዝመደቦ፡ ንሱ ምዃኑ ንህዝቢ ኽንሰብኽን ክንምስክርን ኣዘዘና። ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ብስሙ ሕድገት ሓጢኣት ከም ዚረኽብ፡ ኲሎም ነብያት ይምስክሩሉ ኣለዉ። ጴጥሮስ ገና እዚ ቓልዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ኣብቶም ነቲ ቓል ዝሰምዕዎ ዂላቶም መንፈስ ቅዱስ ወረደ።“ (ግብሪ ሃዋርያት10፡39-44)
ዎውውውውው ዎውውው ዎውው! ትሪኡዶ ኣለኹም ጰጥሮስ እንታይ ይብል ከም ዘሎ? ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 10፡38 ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓይልን ንመን ከም ዝቀብአ መስኪሩ? ን“የሱስ ብዓል ናዝሬት!“
ንምንታይ ጰጥሮስ “ኣብ መዓልቲ ጰንጠቈስጠ ኣምላኽ ንኣና ብሓይሊ ቀቢኡና እዩ!“ ዘይበለ? ንምንታይ ከ ብዛዕባ ምቅባኡ (ምቅባእ ገዛእ ርእሱ) ዘይተዛረበ? ጰጥሮስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ኪዛረብ ኣይተላእከን ፡ ሰማይ ኣየፍቅደሉን ፈጺሙ!
ንምንታይ ንጹር ዕላማ እዩ ኸ እቲ የሱስ ብዓል ናዝሬት ተቀቢኡ? “ነቶም ሰይጣን ዝሰዐሮም ኲሎም“ ኸሕዊ!
ጰጥሮስ ኰነ እቶም ካልኦት ሃዋርያት “ነቶም ሰይጣን ዝሰዐሮም ኲሎም“ ኸሕውዩ ኣምላኽ ከም ዝቀብኦም ከውርዩን ክዛረቡን ብፍጹም ኣይተላእኩን!
“ነቶም ሰይጣን ዝሰዐሮም ኲሎም“ ንኸሕውዮም በቲ ፍጹም ስምረት ኣምላኽ እተቀብአን እተሾመን እቲ እንኮ ቕቡእ ኣምላኽ ፡ንሱ ከኣ ክርስቶስ ጥራይ እዩ። በዓል ጰጥሮስ ደኣ እንታይ እዮም? ንጹር ዕዮኦምን ተልእኾኦምን እንታይ እዩ!? ምስክር! መሰኻኽር እዛ እንኮ ሓቂ እዚኣ እዮም!
“መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ፡ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኲላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም፡ በሎም፡“ (ግብሪ ሃዋርያት 1፡8)
ሪኢኹም! ንጹር ዕላማ እቲ በዓል ጰጥሮስ ብመዓልቲ ጰንጠቆስጠ እተቀበልዎ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ንምምስካር እዩ! ብዛዕባ መን? ብዛዕባ እንታይ ንምምስካር? ብዛዕባ እቲ እንኮ በይኑ ቅቡእ ኣምላኽ ንምምስካር! እቲ ኣርዑት ንምስባር፣ ፍጹም ምውጻእ ሓራ ንምምጻእ፣ ምሉእ ምድሓን ንምሃብ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ሰብ ኩሉ ኪድሕነሉ ዝኽእል፡ ኣምላኽ ዝቀብኦ እንኮ ሰብ፡ እዚ ክርስቶስ እዚ ጥራይ ምዃኑ ብፍጹም እሙንነት ብዝመስከሩ መጠን፡ ንሱ ድማ ምሳታቶም ኰይኑ ይገብር!
“ሎም ድማ ፥ ናብ ኵላ ዓለም ኪዱ፡ ንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹሉ’። ዝኣመነን እተጠምቀን ኪድሕን፡ እቲ ዘይኣመነ ግና ኪዅነን እዩ። ነቶም ዚኣምኑውን እዚ ተኣምራት እዚ ኺስዕቦም እዩ ፥ ብስመይ ኣጋንንቲ ኼውጽኡ፡ ብሓድሽ ልሳን ከኣ ኪዛረቡ፡ ኣትማን ኪሕዙ እዮም፡ ዚቐትል እንተ ሰተዩ ኸኣ፡ ከቶ ኣይኪጐድኦምን እዩ፡ ኣእዳዎም ኣብ ሕሙማት ኬንብሩ ንሳቶምውን ኪሐውዩ እዮም። ጐይታና የሱስ ምስ ተዛረቦም፡ ናብ ሰማይ ዓረገ፡ ኣብ የማን ኣምላኽውን ተቐመጠ። ንሳቶም ድማ ወጺኦም ኣብ ኵሉ ሰበኹ። ጐይታ ምሳታቶም ይገብር፡ ነቲ ቓልውን ብዚስዕብ ተኣምራት የጽንዖ ነበረ።“ (ማርቆስ 16፡15-20)
ተመልከቱ፡ ኣብዛ ግብሪ ሃዋርያት 10፡39-44 ጥራይ እታ ምስክር እትብል ቃል ሰለስተ ጊዜ ተጠቂሳ ኣላ! እቶም እሙናት ሃዋርያትሲ መሰኻኽር እቲ እንኮ ቅቡእ ኣምላኽ ደኣ እምበር ፡ ንሳቶም ባዕሎም እቲ ቅቡእ ኣይኰኑን ፈጺሞም! ሃዋርያት እሙናት መሳኻኽር ክርስቶስ ደኣ እምበር ንሳቶም ክርስቶሳት ኣይኰኑን ፈጺሞም!
“ምስ ተፈትሑ ኸኣ፡ ናብ ሰቦም ከይዶም፡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ዝበልዎ ዂሉ፡ ተዛረብዎም። እዚ ምስ ሰምዑ፡ ብሓንሳእ ሐቢሮም ድምጾም ናብ ኣምላኽ ኣልዒሎም በሉ፡ ዎ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታተን ዘሎ ዂሉን ዝገበርካ ጐይታ፡ ከምቲ ብመንፈስ ቅዱስ ብኣፍ ኣቦና ዳዊት ባርያኻ፡ ስለምንታይ ኣህዛብ ሐረቑ፡ ህዝብስ ከንቱ ሐሰቡ፧ ነገስታ ምድሪ ተላዕሉ፡ እቶም መኳንንቲ ድማ ንእግዚኣብሄርን ንመሲሁን ኪጻረሩ ብሓደ ተኣከቡ፡ ዝበልካዮ፡ እቲ ኢድካን ምኽርኻን ኪኸውን ኢሉ፡ ቅድም ዝመደቦ ምእንቲ ኺገብሩ፡ ብሓቂ ሄሮድስን ጶንጥዮስ ጲላጦስን ምስ ኣህዛብን ምስ ዓሌታት እስራኤልን ኰይኖም፡ ነቲ ንስኻ ዝቐባእካዮ ቅዱስ ወድኻ የሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ንምጽራር ተኣከቡ። ሕጂ ድማ፡ ጐይታይ፡ ናብ ምፍርራሆም ርኤ፡ ብስም እቲ ቅዱስ ወድኻ የሱስ፡ ምሕዋይ ሕሙማትን ትእምርትን ተኣምራትን ኪኸውን፡ ኢድካ ዘርግሕ፡ ንባሮትካ ድማ ብዂሉ ትብዓት ቃልካ ኺዛረቡ ሀቦም። ምስ ለመኑ ኸኣ፡ እታ ተኣኪቦምላ ዘለዉ ስፍራ ተናወጸት፡ ኲላቶም ከኣ መንፈስ ቅዱስ መልኡ፡ ቃል ኣምላኽውን ብትብዓት ተዛረቡ።“ (ግብሪ ሃዋርያት 4፡23-31)
ኣብዚ ሲ “ዎ ኣምላኽ ቅብኣና! ቅቡኣት ሃበና!“ ወዘተ እናበሉ ኣብ ነሕድሕዶም ድማ ዘይቲ እና ተፋሰሱ ጸሊዮም ድዮም?
ኣንታ ኣዚዩ እኮ እዩ ዘስደምም! ናይ ሎሚ ቤተክርስትያን፡ ብኣምላኽ ዘይተመዘዘቶም ዕዮታት ኪትዓዪን ዘይተባህለቶ ጸሎታት ኪትጽልን ጸሓይ ዓሪቡዋ!
ሎሚ “ዎ ኣምላኽ ቅብኣና!“ ኢልካ እንተጸለኻ ኣምላኽ ኣይሰምዓካን ፈጺሙ! ኣምላኽ“ዎ ኣምላኽ ቅቡኣት ሃበና!“ ንዝብል ጸሎትካ ኣዚዩ ይጽየፎን ይፍንፍኖን እዩ! ኣምላኽ እኮ በቲ ከም ፍጹም ፍቓዱ ንዝዀነ ጸሎት ጥራይ እዩ ዝሰምዕን ዝምልስን!
“ከምቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ፡ ይሰምዓና እዩ፡ እቲ ኣብኡ ዘሎና ትብዓት ድማ እዚ እዩ።
ነቲ ዝለመንናዮ ዘበለ ኸም ዚሰምዓና ኻብ እንፈልጥ ድማ፡ እቲ ካብኡ ዝለመንናዮ ልማኖ ድሮ ኸም ዝረኸብናዮ፡ ንፈልጥ ኢና።“ (1ዮሃንስ5፡14-15)
እዛ ናይ ሎሚ ቤተክርስትያን “ዎ ኣምላኽ ቅብኣና!“ ኢላ ንእትጽልዮ ጸሎት፡ መልሲ ኣምላኽ እምቢ እዩ! “ብጀካ እቲ እንኮ ወደይ ዝቀብኦ ቅቡእ ዋላ ሓደ እኳ የብለይን!“ ዝብል እዩ መልሲ ኣምላኽ። “ዎ ኣምላኽ ቅቡኣት ሃበና!“ ንዝብል ጸሎት ናይዚ ዘመን ቤተክርስትያን፡ እምብለይ ዕጭ ዝብል እዩ መልሲ ኣምላኽ! “እንኮ ጥራይ ቅቡእ ኣለኒ፡ ንሱ ከኣ እቲ ክርስቶስ ጐይታ እዩ! ነዚ እንኮ ቅቡእ ዘለኣለማዊ ወደይ እዚ እኮ ድሮ ሂበኩም እየ! ካብዚ እንኮ ቅቡእ ወደይ ወጻኢ ስለ ምንታይን ንምንታይ ዕላማን ካልእ ወይ ከኣ ካልኦት ቅቡኣት ትደሊዩ ኣለኹም ኣዚዩ እዩ ዝገርመኒ! በሉ ዝገዓርኩም ገዓሩ እምበር ብሕጂ ዝወሃብ ወይ ዝወሃቡ ቅቡኣት ኣይፈልጥን ኣነ! `ኣለና ቅቡኣት ኢና! ` ዝብሉ እንተለዉ ግና ይሕስዉ እዮም ዘለዉ! ከምቲ ብዙሓት ብሓሶት ዝብልዎ፡ ብዙሓት ቅቡኣት የብለይን ኣነ! ቅቡአይ እንኮ ጥራይ እዩ፡ ንሱ ከኣ ድሮ ብዘይ ገለ ምብቓቅ ሂበኩም እየ! “ ዝብል እዩ መልሲ ኣምላኽ!
እዛ ናይዚ ዘመን እዚ ቤተክርስትያን፡ “ዎ ኣምላኽ ቅብኣና! ዎ ኣምላኽ ቅቡኣት ሃበና!“ እናበለት ከም ፍጹም ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ዘይኰነ ኣርእስቲ ጸሎት ዘመና ተባኽን! እታ ናይቲ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ቤተክርስትያን ግና፡ ነቲ ድሮ ካብ ኣምላኽን ብኣምላኽን እተዋህባ እንኮ ቅቡእ ኣምላኽ ብትብዓት ንኽትእውጆ ጥራይ ሓይሊ መንፈስ ትልምን ነይራ! ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 4፡23-31 ተጠንቂቕና ንመልከት! ዎው! ትኽክል! ሪኢኹም፡ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ንዝዀነ ጸሎት ከኣ መልሲ ኣምላኽ ብቅጽበት እዩ! ኣይድንጒን ፈጺሙ!
ነዘን ዝስዕባ ቅዱስ ጽሑፋት ብዓቢዪ ቃልቦ ከተንብቡወንን ክትዘራረቡለንን እምዕድ።
==============================================
ሉቃስ 4:41
ኣጋንንቲውን፥ ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ እናበሉ እናጨደሩን ካብ ብዙሓት ይወጹ ነበሩ። ይገንሖም ከኣ ነበረ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ ድማ፡ ኪዛረቡ ኣይፈቐደሎምን።
ወ. ዮሐንስ 7:26
እንሆ፡ ንሱ ብግሁድ ይዛረብ አሎ፡ ንሳቶምውን ገለ ኣይብልዎን፡ እዞም መኳንንቲ ደዀን ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ብሓቂ ፈሊጦም ኰይኖም፧
ወ. ዮሐንስ 20:31
ግናኸ የሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ምእንቲ ኽትኣምኑ፡ ኣሚንኩምውን ብስሙ ህይወት ኽትረኽቡ እዩ እዚ እተጻሕፈ።
ግብሪ ሃዋርያት 8:37
ፊልጶስ ከኣ፡ ብዂሉ ልብኻ እንተ ኣሚንካስ፡ ይዀነልካ እዩ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ እኣምን ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ።
ግብሪ ሃዋርያት 9:22
ሳውል ግና እናበርትዔ ኸደ፡ ነቶም ኣብ ደማስቆ ዚነብሩ ኣይሁድ ከኣ የሱስ እቲ ክርስቶስ ምዃኑ ብምግሃድ ኣፎም የትሕዞም ነበረ።
ግብሪ ሃዋርያት 18:5
ሲላስን ጢሞቴዎስን ካብ መቄዶንያ ምስ ወረዱ፡ ጳውሎስ፡ እቲ የሱስ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ንኣይሁድ እናመስከረ፡ ብዕዮ እቲ ቓል ጸኒዑ ነበረ።
ግብሪ ሃዋርያት 18:28
የሱስ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ብጽሑፋት እናኣርኣየ፡ ንኣይሁድ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ብግሁድ ኣጸቢቑ ይረትዖም ነበረ።
1ይ ዮሐንስ 2:22
እቲ ንየሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ዚኽሕዶ እንተ ዘይኰይኑኸ፡ መን እዩ እቲ ሓሳዊ፧ እቲ ነቦን ወድን ዚኽሕዶም፡ ንሱ እዩ እቲ ጸረ ክርስቶስ።
1ይ ዮሐንስ 5:1
ንየሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ዚኣምን ዘበለ ዅሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ እዩ፡ ንወላዲ ዜፍቅሮ ዅሉ ኸኣ፡ ነቲ ኻብኡ እተወልደውን የፍቅሮ።
ኣንቱም ሰባት ኣዚዩ እኮ እዩ ዘስደምመካ! እቶም እሙናት ናይ ጐይታ ዓየይቲ እቲ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን፡ነቲ ቅዱስ ጽሑፋት ብዕምቈት ብምምርማር የሱስ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ነቶም ተቃወምቲ ንኸረድኡን ንኽረትዑን መዓልትን ለይትን ይጽዕሩ ነይሮም። እዞም ናይዚ ዘመን እዚ ደፋራትን ትዕቢተኛታትን ግና ንሳቶም ባዕላቶም ቅቡኣት፣ ክርስቶሳትን ማዕረ ክርስቶስን ምዃኖም ንሰማዕቶም ንኸረድኡ ነቲ ቃል ሓቂ ኣብ ምጥዋይ ማዓልትን ለይትን ይተግሁ ኣለዉ!
እሞ ወይከ! ምኽንያቱ ኩለን እተን ጽሑፋት ብዛዕባ ክርስቶስ እየን ዝዛረባ!
ወ. ዮሐንስ 5:39
ናይ ዘለኣለም ህይወት በተን ጹሑፋት እትረኽቡ እናመሰለኩምሲ ትምርምርወን አሎኹም፡ ንሳተን ከኣ ብዛዕባይ እየን ዚምስክራ።
3ይ) ክርስቶስ ዝብል ቃል ካብ ክርስቶስ እቲ እንኮ ወዲ ህያው ኣምላኽ ወጻኢ ንካልእ ኣካል ተመልኪቱ እንተዳኣ ረኽብና እቲ ኣካል ወይ ሰብ እቲ ናይ ሓሶት ክርስቶስ እዩ። (ማቴ. 24፡23)
4ይ) እቶም ናይ ሓቂ ባሮት ኣምላኽን ኣገልገልቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ንዮሃንስ መጥምቅ እዮም ዝመስሉ። ስለ ዝዀኑ ከኣ ንዝሓቶም ፣ንዝሰምዖም ዘበለ ኩሉን ነቲ ዘገልግልዎ ህዝብን “ኣነ ክርስቶስ ኣይኰንኩን! “ ኢሎም እዮም ብግልጺ ዝእዉጅሉን ዘጠንቅቁን!
5ይ) ሎሚ ንስኻ (ኰነ ዝኰነ ካልእ ሰብ) ዝዀነ ዓይነት ዓቀን ቅብኣት ተቀባእ ብዘየገድስ፡ ቅብኣት ምቅባእ ክርስቶስ ኣይገብረካን ፈጺሙ! (2ቈረ.1፡21 ፣ 1ይ ዮሃንስ 2፡20,27)
6ይ) “ንስኻ ክርስቶስ ኢኻ! ኣነ ክርስቶስ እየ! ንሕና ክርስቶሳት ኢና“ ዝብለካ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንሱ ሓደ ካብቶም ጐይታና የሱስ፡ ኣብ ማቴዎስ 24:5 “ኣነ ክርስቶስ እየ፡ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም።“ ዝበሎም ምዃኑ ባዕሉ ነጊሩካ ኣሎ እሞ ንሓንቲ ደቂቅ እኳ ኣይትጻወሮን ኣይትተዓገሶን! ተነሳሕ በሎ ኣይኰነን ቀልጢፍካ ካብ ማእከልካ ኣባርሮ! ንብዙሓት ዘርክስ መርዚ እተለኽፈ እዩ!
7ይ) ኣብዚ መወዳእታ ዘመን ብዙሓት ኣጽራረ ክርስቶሳት ኪመጹእ እዮም ንዝብል ትንቢታዊ ቃል ሓቂ፡ ልዕሊ ዝዀነ እዋን ሕጂ ዘክሮ! ጸረ ክርስቶስ ማለት ንክርስቶስ ዝጻረርን ዚቛወምን ዝብል ትርጉም ጥራይ ኣይኰነን ዘለዎ። ንክርስቶስ ዝመዓራረ፣ ንክርስቶስ ዝትክእ ማለት ድማ እዩ። ሎሚ “ንሕና ማዕረ ክርስቶስ ኢና፡ ንሕና ክርስቶሳት ኢና“ ብዝብል መርዛም ምህሮ ሓሶት ሰኺሮም ንእምነት ብዙሓት ዝገላብጡ ኣብ ማእከልካ ይዕንድሩ ኣለዉ! ተጠንቀቐሎም!
8ይ) እግዚኣብሄር ኣቦ እንኮን እንኮ ጥራይ ክርስቶስ፡እንኮ ጥራይ ቅቡእ ከም ዘለዎ ሎሚ ኩሉ ሰብ ይፍለጥ!
9ይ) እዞም ክርስቶሳት ኢና ዝብሉ ዓየይቲ፡ ክፉኣት መንዛዕቲ መንጠልቲ (Usurpers) እዮም። ንዝቢ ኣምላኽ ነቲ እንኮ ፍሉይ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ጥራይ ካብ ምጥማትን ኣብኡ ጥራይ ካብ ምውካልን “ንስካ ክርስቶስ ኢኻ! ንስኻ ኣምላኽ ኢኻ! “ ወዘተ ብምባል ነቲ እንኮ በይኑ ቅኑዕ ትውክልቱ ዝዀነ ጐይታ ዝምዝንዕዎ ሕሱማንት መንዛዕቲ እዮም። እቲ ቅዱስ መጽሓፍ ናብ ገዛእ ርእሶም ዝጥምቱ የንጸባርቁ ኣይኰነን ዝብል። እቲ ቃል ከምዚ እዩ ዝብል፡ “ናብኡ ዚጥምቱ የንጸባርቑ፣ ገጾምውን ከቶ ኣይሐፍርን።“ (መዝ.34፡5) ኣብ ካልእ ስፍራውን፡ “ ኣብ ሰብ ዝውከል ርጉም ይኹን!“ እዩ ዝብል! “ኣነ ክርስቶስ እየ! ኣነ ኣምላኽ እየ“ ዝብል ትምህርቲ ንሰብ ኣብ ገዛእ ርእሱ ኪውከልን ኪተኣማምንን ዝገብሮም ንመጀምርታ ጊዜ ኣብዘፍጥረት 3 ብሰይጣን ዝፈለመ ኣረጊት መርዚ እዩ። ሓድሽ ወይኒ ኣይምሰልካ! መዕነዊ ቫይርስ እዩ።
10ይ) ኣብ መወዳእታ ነዚ ብተኸታታሊ ዘጽናዕናዮ ሸውዓተ ክፍሊ ብግቡእን ደጋጊምኩምን ኣንብብዎ፡ ኣጽንዕዎ፡ ተዘራረብሉ፡ ንኻልኦት ከኣ መሃርዎ! ብተወሳኺ ኣብ ናይ ቀዳምን ሰንበትን ንዝወሃብ ትምህርቲ ተኸታተሉ!
ተባረኹ!
Comment here